S5 MP3 Player - плагин joomla Mp3
ብመጀመርታ ኣብ ስራሕኩም ዓወትን ኣሳልጦን ይምንየልኩም። ቀጺለ ድማ ነዚ ዝስዕብ ሕቶይ ክትምልሱለይ ብትሕትና እሓትት።

እዚ ካልኣይ ሰንበት በዓለ ጰራቅሊጦስ እዩ። ሎሚውን ነቲ ዝጀመርናዮ ተራን ስራሕን መጸናንዒ መንፈስ ቅዱስ ኣብ ድሕነትና ዝድህስስ ትምህርቲ ክንቅጽል ኢና።

ግዜን ዘመናትን፡ ብፍቓድ እግዚኣብሔር ይለዋወጡ፡ እግዚኣብሔር ህዝቡ ንምድሓን ዝመደቦ፡ ስርሑ ዝገልጸሉ መስርሕ ግዜ ምዃኑ፡ ዕድመ ሰብ ድማ ከም ዕምባባ ተራእዩ ዝጠፍእ ምዃኑ ዘዘክር ዓቢ ዕለት’ዩ።

ኣብ ስዊዘርላንድ እትነብሩ ውሉደ-ክህነትን ምእመናን፣ ኣብ ኪዳነ ምሕረት ቤተ ክርስቲያን ኬንያ ዘለኹም መንእሰያትን ወለድን፣ ኣብ እስራኤል እትርከቡ ካህናትን ዲያቆናትን፣ ብሓፈሽኡ ኣብ ፈቐዶ ሃገራት ፋሕ ኢልኩም ዘለኹም ምእመናንን ውሉደ-ክህነትን "ነቲ ነፍስን ስጋን ዚቐትል ኣምላኽ እምበር" ንኻልእ ኪትፈርሁ ኣይግባእን። ንኣምላኽ ኣሚኑ ዝመጎተ ኣይተሳዕረን: ስለ እምነቱ ጸኒዑ ዝተቓለሰ ድማ ዓስቡ ኣይሰኣነን እሞ: ንዓስቢ ዓወትኩም ሓደ እኳ ከየሕድገኩምሲ ጸኒዑኩም ተቓወሙ። እዚ ኹሉ ዚወርደኩም ዘሎ መከራ ስለ እምነትኩም እምበር ዝፈጸምኩሞ በደል ከም ዘየለ ንስኻትኩም ትፈልጥዎ። በዚ ድማ ደስ ክብለኩም ይግባእ ምኽንያቱ እቲ ሓቂ ምስ ተቐልዐ፡ እቲ ጎይታ ጎይቶት መድኃኔ ዓለም ምስ ተገልጸ ዓስቢ ዓወትኩም ከም እትረኽቡ እግዚኣብሔር እሙን እዩ። Read more...

እዚ ሳምናይ ሰንበት (ሰነ 4, 2017) በዓለ ሓምሳ (ጰራቅሊጦስ) በዓለ ምውራድ መንፈስ ቅዱስ እዩ። በዚ መሰረት ድማ፡ ብዛዕባ እቲ በዚ መዓልቲ እዚ፡ ብፍሉይ መገዲ ኣብ ሰዓብቲ ክርስቶስ ዝወረደ፡ ኣካል ቅድስት ስላሴ ዝዀነ መንፈስ ቅዱስ እንመሃረሉ መዓልቲ እዩ።

                                             ጸሎት ቅድሚ ቁርባን ምቕባል

ጎይታ፣ ኣነ ሓጥእ ብምዃነይ ንስኻ ኣብ ልዕለይ ክትሓድር ብቑዕ ኣይኮንኩን ንነፍሰይ ክትፍወሲ ኢኺ፤ ሓጢአትኪ ተሓዲጉልኪ እዩ በላ። ኣነ ብዘይካ እቲ ኣብ ደቂ ሰባት እትገብሮ ፍቕርኻን ምሕረትካን ርህራሄኻን ወላሓንቲ ነገር ዘይብለይን ካብ ኩሉ ሰናያት ደረቕን ጥራየይ ዘለኹን እየ። ንስኻ ካብ ክግለጽ ዘይከኣል ክብርኻ ካብ ሰማያት ናብ ድርቅናና ዝወረድካን ኣብ መብልዕ ማል ክትውለድ ዝመጻእካን።

ድምፀይ ኣልዒለ ናብ እግዚኣብሔር ኣእዊ ኣሎኹ፥ ናብ እግዚኣብሔር እምህለል ኣሎኹ። ጓህየይ ኣብ ቅድሚኡ እኽዑ፥ ሽጋረይ ኣብ ቅድሚኡ እነግር ኣሎኹ። ተስፋ ክቖርጽ ምስ ቀረብኹ፥ ንሱ እንታይ ክገብር ከም ዚግብኣኒ ይፈልጥ እዩ። በታ ዝሓልፈላ መገዲ ጸላእተይ መፈንጠራ ሓብኡለይ። የማነ ጸጋም ጠሚተ ዚረድኣኒ ሰብ ሰኣንኩ፥ ዘዕቍበኒ ሰብ ሰኣንኩ፥ ብኣይ ዚግደስ ሰብ የልቦን።

እዚ ሰንበት እዚ(ግንቦት 28, 2017): ሳብዓይ ሰንበት ናይዚ ዘሎናዮ ቅነ (ዘመነ) ትንሳኤ እዩ። ድሕሪ ዕርገት ጐይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ዘሎ ቀዳማይ ሰንበት ብምዃኑ ድማ፡ ንዕርገት ኣመልኪትና እንመሃረሉን እነስተንትነሉን መዓልቲ እዩ። ጐይታና ኢየሱስ ድሕሪ

ኣቱም ፍርዲ እትፍንፍኑ፡ ቅኑዕ ዘበለ እትጠውዩ፡ ንጽዮን ብደም ንየሩሳሌም ከአ ብኣበሳ እትሀንጹ ኣሕሉቕ ቤት ያእቆብን መሳፍንቲ ቤት እስራኤልን፡ እዚ ኾታ ስምዑ፡ ሓላቑኣ ብመማለጃ ይፈርዱ፡ ካህናታ ብዋጋ ይምህሩ፡ ነብያታ ብገንዘብ ይንበዩ፡ ምስናይ እዚ ኸአ፡ እግዚኣብሄርዶ ኣብ ማእከልና ኣይኮነን፡ መዓት ኣይወርደናን እዩ፡ ኢሎም ኣብ እግዚኣብሄር ይጽግዑ። ስለዚ ብሰርኹም ጽዮን ከም ግራት ክትሕረስ፡ የሩሳሌም ከአ ኩምራ ኣእማን ክትከውን፡ ደብሪ እታ ቤትውን ኩርባ ዱር ኪኸውን እዩ (ሚክያስ 3. 9-12)

Subcategories

(ትርጉም ቤተ ክርስትያን)

(ብዛዕባ ሃገረ ስብከት)

(ትርጉም ኣገልግሎት)

(ዓምዲ ተሳተፍቲ)

Diocese



 



 


ካብ ውሽጢ ኤርትራ ዝተረኽበ ንቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ንምቁጽጻር ብመንግስቲ ኤርትራ ክካየድ ዝጸንሐን ዘሎን ሽርሒ ዘቃልዕ ቪድዮ 



Support Tewahdo TV

Gofundme


Support Diocese

PayPal


ድኳን መጻሕፍቲ/Book Store


ጋዜጣ ፍኖተ ብርሃን፡ ልሣን

 ቤተ ክርስቲያን ተዋሕዶ


ስብከተ ወንጌል


ራድዮ ቃለ ኣዋዲ


መጻሕፍቲ - Books 


ጾምን በዓላትን


Diocese Churches

 

Radio Tewahdo

 Video - Youtube

TV Tewahdo

A Message from H.G. bishop Mekarios

መጸናንዒ ቃል ብብጹእ ኣቡነ መቃርዮስ

ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ብኸመይ

</div