S5 MP3 Player - плагин joomla Mp3

ካብ ሕቶታትኩም

ብመጀመርታ ኣብ ስራሕኩም ዓወትን ኣሳልጦን ይምንየልኩም። ቀጺለ ድማ ነዚ ዝስዕብ ሕቶይ ክትምልሱለይ ብትሕትና እሓትት። ብሕጊ ኦርቶዶክሳዊት ተዋህዶ ቤተ ክርስቲያን፣ ቃል ኪዳን ንመን፣ ብኸመይ' ይፍጸም? ኣብ ውላድ ንዝበጽሑ ኣሕዋትን ኣሓትንከ ቃልኪዳን ይግብኦምዶ? ወይ ከመይ ይፍቀዶም? ክትምልሱለይ ብትሕትና ይሓትት።
እግዚኣብሔር እምነትና የጽንዓልና
ኣብ ጸሎትኩም ዘክሩኒ
ፍቕረ


መባእታዊ መልሲ

ሰላም-ኣምላኽ ንዓካ ይኹን ብጎይታ ፍቁር ሓውና  ፍቕረ፣

ስለ ሕቶኻ እናመስገንና፣ ተመሳሳሊ ሕቶ ዘለዎም ደቂ ቤተ ክርስቲያን ክረብሕሉ ምእንቲ፣ ንሕቶኻ ኣብዚ መርበብ' ኣውጺእናዮ ኣሎና። ዝምልከቶም ካህናት ግቡእ መልሲ ክሳብ ዝህቡኻ መባእታዊ መልሲ ካብ ኣመሓዳሪ መርበብ-ሓበሬታ ተዋህዶ እዚ ዝስዕብ እንሆ።

ንሕቶኻ ኣብ ክልተ ከፊልና  ክንርእዮ ኢና።

1.ብሕጊ ኦርቶዶክሳዊት ተዋህዶ ቤተ ክርስቲያን፣ ቃል ኪዳን ንመንን ብኸመይን ይፍጸም?

ቃል-ኪዳን ብኣምላኽ ዝቖመ፣ ምስ መበቆል ወዲ ሰብ ዝተጋህደ መንፈሳዊ ሕጊ (ቅዋም) እዩ። ሓጋጊ' ቅዋም እዚ ድማ ኣምላኽ ባዕሉ እዩ (ኦሪት ዘፍጥረት 1.27)

ብሕጊ ኦርቶዶክሳዊት ተዋህዶ ቤተ ክርስቲያን ቃል ኪዳን ኣብ መንጎ ክልተ መጻምዲ (ጓል ኣንስተይትን ወዲ ተባዕታይን) ይፍጸም። ኣብ እዋን ቃል-ኪዳን ሰለስተ ኣካላት ይሳተፉ፣ ክልተ መጻምዲ (ጓል ኣንስተይትን ወዲ ተባዕታይን) ሳልሳዮም ኣምላኽ። ወንጌልደጊም ሓደ ስጋ እዮም እምበር፣ ክልተ ኣይኮኑን። ነቲ ኣምላኽ ዘጋጠሞስ ሰብ ኣይፍለዮ” (ማቴዎስ 19.6) እናበለ ይምህረና። እዚ መስርሕ-ሓድነት' ክንርእዮ ኮነ ምሉእ ብምሉእ ክርድኣና ስለ ዘይክእል ድማ ቤተ ክርስቲያንምስጢረ-ተክሊል” (ምስጢር-ቃል-ኪዳን) እናበለት ትጽውዖ። ሃዋርያ-ኣምላኽውንእዚ ምስጢር እዚ ዓብዪ እዩ፡ ኣነ ግና ብናይ ክርስቶስን ማሕበሩን እብሎ ኣሎኹ።”(ኤፌሶን 5.32) ክብል እዩ ገሊጽዎ።

ብኸመይ'ከ ይፍጸም ንዝብል ሕቶኻ: ካህን በቲ ካብ ኣምላኽ ዝተዋህቦ ሕድሪ መሰረት፣ ኣምባሳዶር-ኣምላኽ ኮይኑ ነቲ ኪዳን የፈጽም። እቲ ግቡእ: ኣመንቲ ኣብ ዝተረኽቡሉ እዋን ኣብ ቤተ ክርስቲያን ብጸሎት ይፍጸም። ኹሉ እዚ፣ ቀኖና (ስርዓት) ቤተክርስቲያን እዩ ቃል-ኪዳን ምፍጻም ግና ዘይልወጥ ናይ እምነት ጉዳይ እዩ። ንኣብነት፣ ህሉው ኩነታትና ንመልከት። ካህን ኮነ ኣመንቲ ኣብ ዘይተረኽቡሉ እዋን ኣብ በረኻ (ገድሊ) ተዋሲቦም ዝመጹ ተጋደልቲ ኣሕዋትናን ኣሓትናን ብዙሓት እዮም። ኪኖዉ'ውን፣ ኣስላማይ ምስ ክርስትያን ተዋሲቦም ዝኣተዉ ተጋደልቲ ማእለያ የብሎምን። ኣብቶም ኣብ ስደት ዝነብሩ ዘለዉ ኣመንቲ'ውን ተመሳሳሊ ስእሊ እዩ ዘሎ። ሎሚ ደቆም ኣብ መውስቦ በጺሖም ኣለዉ ግና ብዛዕባ እምነት ኮነ ካልእ ምስጢራት ቤተ ክርስቲያን (ጥምቀት፣ ቃል-ኪዳን ወዘተ) ዝፈልጥዎ ስለ ዘየለ ናብራ-ኣህዛብ ዝነብሩ ብዙሓት እዮም። እቲ ዘሕጉስ ብስራት ግና ኣምላኽ ብንስሓ ንዝምለሱ ኩሎም ኢዱ ዘርጊሑ ከምዝቕበሎም ብቓሉ ኣረጋጊጹልና እዩ (ሉቃ 15)

2. ኣብ ውላድ ንዝበጽሑ ኣሕዋትን ኣሓትንከ ቃልኪዳን ይግብኦምዶ? ወይ ይፍቀዶምዶ?

ቅድሚ ቃልኪዳን ውላድ ምውላድ ሓድሽ ቅዲ ናይዚ ዘለናዮ መዋእል ኮይኑ'ሎ። እዚ ዝገነነሉ ምኽንያታት ብዙሕ እኳ እንተኾነ፣ እቲ ቀንዲ ግና ቤተ ክርስቲያን መርከብ-እምነት ሒዛ ምስ ኣመንቲ ክትጓዓዝ ስለ ዘይከኣለት እዩ። ቅድሚ መውስቦ ዝግበር ዝኾነ ኣካላዊ ርክብ ብመጽሓፍ ቅዱስ መሰረት ሓጢኣትን ዝሙትን እዩ።

ይኹን እምበር፣ ኣብ ውላድ ዝበጽሑ ኣሕዋትን ኣሓትን መጀመርያ መንፈሳዊ ሕክምና ክገብሩ ይግባእ። ማለት በቲ መንፈሳዊ-ጓሳ (ካህን) እናተደገፉ ኣብ ቅድሚ'ቲ ካህን ናብ ኣምላኽ ይንስሑ (ኣስተውዕል፣ ናብ ኣምላኽ እምበር ናብ ካህን ኣይኮናን ንንሳሕ) (ሉቃ 15.7 ግብ 2.38 2 ቆሮ 7.10) ብድሕሪኡ ድማ ካብ ሓጢኣት ዘንጽህ መንፈሳዊ መድሃኒት (ቅዱስ ቁርባን) ክወስዱ ይግባእ። ነዚ ምስ ፈጸሙ ቤተ ክርስቲያን ቃልኪዳን ክኣስሩ ተፍቅደሎም እያ። ብኻልእ ኣዘራርባ፣ ቃልኪዳን ክፍጽሙ እወ ይፍቀደሎም እዩ።

ተወሳኺ ሓሳብ፣

እዚ ናይ ሓውና  ሕቶ፣ ብዙሓት ኣመንቲ ኣልዒሎሞስ ንሕትኦም ዝምልስ ኣካል ስለስዘኣኑ ሸለል ኢሎሞ እዮም። እታ መልሲ ክትህብ ዝግብኣ ቤተ ክርስቲያን ድማ ኣሰራ ጠፊኡ የለኹን ካብ ተብል መዋእል ኮይኑ'ሎ።

ቤተክርስትያን ብዛዕባ'ቶም ኣብ በረኻ (ገድሊ) ተዋሲቦም ዝመጹ ተጋደልቲ ኣሕዋትናን ኣሓትናን ኮነ እቶም ኣስላማይ ምስ ክርስትያን ተዋሲቦም ዝኣተዉ ተጋደልቲ እንታይ ትብል? ዓዲ ምስ ኣተዉኸ እንታይ ተጌሩ? እቶም ኣብ በረኻ ተወሊዶም ዝዓበዩ ደቆም ኣብዚ እዋን ንመውስቦ በቒዖም ኣለዉ ግና ብዙሓት ካብኣቶም ኣምር-እምነት የብሎምን ጥራይ ዘይኮነስ፣ ትምህርቲ-ኣረሜንነት(ለኒንዝም-ማርክሲዝም) ተመጊቦም ዝዓበዩ እዮም። ቤተክርስቲያን እንታይ ክትገብር ኣለዋ? ኣብ ስደት'ውን ብተመሳሳሊ መገዲ ዝሓደሩን ዝዘመዱን ኣመንቲ ብዙሓት እዮም። ደቆምን ገዛእ-ርእሶምን ንቤተ ክርስቲያን ዘይፈልጥዋ፣ ምስጢራት ቤተክርስቲያን ዘይተኻፈሉን እዮም። ቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ነዚ ነገር እዚ ብግቡእ እንተ ዘይገጢማቶ ሳዕቤኑ ክሳብ ክንደይ ከቢድ ምዃኑ ብእምነት ንዝግደስ ሰብ ኣተሓሳሳቢ'ዩ። እቲ ስልጣን ንምሓዝ ኣብ ምቅድዳም እምበር ብጉስነት ኣመንቲ ዘይግደስ መሪሕነት ተዋህዶ ክሓስበሉ ድማ በዚ ኣጋጣሚ ንላቦ።


ኣምላኽ ንቤተ ክርስቲያንና ትጉሃት መራሕቲ ከም ነህምያ ይልኣኸላ።
ኣመሓዳሪ መርበብ-ሓበሬታ ተዋህዶ

Diocese



 



 


ካብ ውሽጢ ኤርትራ ዝተረኽበ ንቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ንምቁጽጻር ብመንግስቲ ኤርትራ ክካየድ ዝጸንሐን ዘሎን ሽርሒ ዘቃልዕ ቪድዮ 



Support Tewahdo TV

Gofundme


Support Diocese

PayPal


ድኳን መጻሕፍቲ/Book Store


ጋዜጣ ፍኖተ ብርሃን፡ ልሣን

 ቤተ ክርስቲያን ተዋሕዶ


ስብከተ ወንጌል


ራድዮ ቃለ ኣዋዲ


መጻሕፍቲ - Books 


ጾምን በዓላትን


Diocese Churches

 

Radio Tewahdo

 Video - Youtube

TV Tewahdo

A Message from H.G. bishop Mekarios

መጸናንዒ ቃል ብብጹእ ኣቡነ መቃርዮስ

ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ብኸመይ

</div