S5 MP3 Player - плагин joomla Mp3

ጸሎት ቅድሚ ቁርባንን ድሕሪ ቁርባን ምቕባልን

                                             ጸሎት ቅድሚ ቁርባን ምቕባል

ጎይታ፣ ኣነ ሓጥእ ብምዃነይ ንስኻ ኣብ ልዕለይ ክትሓድር ብቑዕ ኣይኮንኩን ንነፍሰይ ክትፍወሲ ኢኺ፤ ሓጢአትኪ ተሓዲጉልኪ እዩ በላ። ኣነ ብዘይካ እቲ ኣብ ደቂ ሰባት እትገብሮ ፍቕርኻን ምሕረትካን ርህራሄኻን ወላሓንቲ ነገር ዘይብለይን ካብ ኩሉ ሰናያት ደረቕን ጥራየይ ዘለኹን እየ። ንስኻ ካብ ክግለጽ ዘይከኣል ክብርኻ ካብ ሰማያት ናብ ድርቅናና ዝወረድካን ኣብ መብልዕ ማል ክትውለድ ዝመጻእካን።

 

ኦ ቅዱስ መድሓኒ፣ ናብ’ቲ ኣንጸባራቒ ህልውናኻ ንምቕራብ ትጽበ ንዘላ ቅጥቅጥቲን ድኽምትን ነፍሰይ ኣይትንጸጋ፤ ናብ ቤት እቲ ለምጻም ንኽትፍውሶ ንምእታው ኣይፈንፈንካን ኦ ኣምላኸይ፣ ናብ ነፍሰይ ኣቲኻ ከተንጽሃኒ ፍቓድካ ይኹን። ነታ ሓጢኣተኛ ሰበይቲ ካብ ኣእጋርኻ ምስዓም ኣይከልከልካያን’ሞ ካብ ንጹህ ስጋኻን ቅዱስ ደምካን ንምቕባል ክቐርብ ኣይትኸልክለኒ። እዚ ምቕባለይ፣ ምሳኻ ንኽሳተፍ፡ ንኹሉ ንክፍኣት ንከርሕቕ፡ ንመሰረታዊ ፍትወታተይ ንምቕታል፡ ምእንቲ ነፍሰይን ስጋይን ካብ ኩሉ ሓጢኣት ክነጽህ ነቶም ህይወት ወሃብቲ ትእዛዛትካ ንምፍጻም፡ ንኹሉ ውህበታትካ ንምቕባል፡ ጸጋኻ አባይ ንኽነብር፡ መንፈስካ ኣባይ ንኽሓድር፡ ምሳኻ ንኽሓብርን ኣባኻ ንኽጸንዕን’ሞ ንኽብሪ ቅዱስ ስምካ ክነብር ይኹነለይ። ኣሜን!!

 

                            ጸሎት ድሕሪ ቁርባን ምቕባል

ልበይ ብሓጎስ መልሓሰይ ድማ ብደስታ መልአ። ነፍሰይ ንእግዚአብሔር ተዕብዮ መንፈሰይ ድማ ብኣምላኸይ በቲ መድሓኒየይ ባህ ይብሎ። ኦ ጎይታ፣ ናብ መርዓኻ ንምእታው መታን ክጠቕመኒ ንጹህ ልብሲ ከተልብሰኒ ናባኻ ቀረብኩ። ብእኡ ብኹሉ ሰናይ ተግባር ክዓቢ፡ ብጽኑዕ እምነት ክቕባእን ተስፋይ ዝሓየለ ክኸውንሲ ሎሚ ምሳኻ ምሕባረይ ንኩሉ ግዜ ይኹነለይ። እዚ ሕብረት’ዚ ምልክት ምድሓን፡ ምሕዳር ጸጋ፡ ናይ ሓዲሽ ልደት ልብሲ ይኩነለይ። ንጽህናን ቅድስናን ስጋን ነፍሲን መንፈስን፡ ንጹህ ፍቕሪ፡ ዘልኣለማዊ ሓጎስን ደስታን፡ ኣብ ቅድሚ እቲ ዘፍርሕ መንበር ፍርድኻ ጽቡቕ መልሲ ይኹነለይ። ኣነ ነፍሰይ ናብ’ቲ ዓብይ ርህራሄኻ ወፍየ እየ’ሞ ምሳኻ ሓደ ግበረኒ፡ ብፍቓድካ ክኸይድ‘ውን ምርሓኒ። ንልበይ ህይወት ምላእ ንሕልናይ’ውን ኣነቓቕሕ። ሓጎስ ጸላእተይ በትን። ፈተንቲ ንኽዓርፉ ኣዝዝ። ምሳይ ኪድ፡ ፍርሐይ ኣህድእ። ንጽምአይ ኣርውዮ፡ ሃልሃልታ ፍቕርኻ ኣብ ልበይ ኣብርህ። ኩሉ’ቲ ዘነውረኒ ዘበለ ነገር ብምሕረትካ ኣፍልጠኒ። መዓልታተይ ሓሊፉ እዩ’ሞ ኣባይ ሕደር፣ ክሳብ መዓልቲ ዕረፍተይ ድማ ኣሰንየኒ። ንስኻ ንበይንኻ ኢኻ ኦ ጎይታይ፣ ናተይ ዕላማን ሓጎስን፣ ንዘልኣለም። ኣሜን!!   

 እዚ ጸሎት’ዚ ብኣብ ካይሮ ዝርከብ ናይ ኤርትራ ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስትያን ማሕበር ኪዳነ ምህረት ፤ ቅዱስ ኣቡነ ኣንጦንዮስ ክፍሊ ስነ-ጽሑፍ ካብ ናይ ግብጻዊት ኦርቶዶክሳዊት ቤ/ክርስትያን መጽሓፈ ጸሎት  ዝተተርጎመ እዩ

 

 

Diocese



 



 


ካብ ውሽጢ ኤርትራ ዝተረኽበ ንቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ንምቁጽጻር ብመንግስቲ ኤርትራ ክካየድ ዝጸንሐን ዘሎን ሽርሒ ዘቃልዕ ቪድዮ 



Support Tewahdo TV

Gofundme


Support Diocese

PayPal


ድኳን መጻሕፍቲ/Book Store


ጋዜጣ ፍኖተ ብርሃን፡ ልሣን

 ቤተ ክርስቲያን ተዋሕዶ


ስብከተ ወንጌል


ራድዮ ቃለ ኣዋዲ


መጻሕፍቲ - Books 


ጾምን በዓላትን


Diocese Churches

 

Radio Tewahdo

 Video - Youtube

TV Tewahdo

A Message from H.G. bishop Mekarios

መጸናንዒ ቃል ብብጹእ ኣቡነ መቃርዮስ

ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ብኸመይ

</div