S5 MP3 Player - плагин joomla Mp3

ኦርቶዶክሳዊት ተዋህዶ ቤተ ክርስቲያን ኤርትራ 22 ገዳማት፡ ልዕሊ 2,200 ኣብያተ ክርስቲያናትን 1.8 ሚልዮን ሰዓብትን ዘለውዋ 325 . ብስብከት ኣባ ሰላማ ከሳቴ ብርሃን (ፍረሚናጦስ) ዝተመስረተት ሃዋርያዊት ቤተ ክርስቲያን እያ። መንፈሳዊ እምነት ህዝቢ ኤርትራ ጥራይ ዘይኮነ: ታሪኻውን ባህላውን ውርሻታት ሃገርና ብግቡእ ዓቒባ ንወለዶታት ዘመሓላለፈት ኣደ እያ። መበቆል ግእዛዊ ስነ ጽሑፍን ምንጪ ስነ ፍልጠትን ብምዃን ንወለዶታት እምነትን ፍልጠትን ዘስነቐት እንኮ ወላዲት ኩልና እያ እንተበልና ካብ ሓቂ አይረሓቕናን።

ዘመናዊ ትምህርቲ ቅድሚ ምእታዉ፡ ብዙሓት ሊቃውንትን ምሁራትን እተፍሪ ዝነበረት እንኮ ቤት ትምህርቲ'ውን ቤተክርስትያን ተዋህዶ እያ ነይራ። ኣብ መጀመርያ 20 ክፍለ ዘመን፡ ኣብ ሃገርናን ከባቢናን ዘመናዊ ትምህርቲ ኪተኣታቶ ምስ ጀመረ ግን፡ ገለ ኣቦታት ብገርሆም ገለ ኸኣ ኣብ ሰነፍ ኣታሓሳስባታትን ተንኮላትን ተሰሪቶም ንዘመናዊ ትምህርቲ ከም ጸረ-ቤተክርስትያን ስለዝርኣይዎ፤ ዘዝነቕሑን ዝተማህሩን ደቃ ገዲፎምዋ ኣብ ከቢድ ድሕረት ተሸመመት። ኣብ ዘመነ-መግዛእቲ ኢትዮጵያውያን-ኣቦታት ነቲ ሽግር ንምውጋድ ዝተፈላለየ ናይ ስነ-መለኮት ኮለጃት ከፊቶም ንውሉደ ክህነት ከሰልጥኑ ከሎዉ፡ ኣብ ኤርትራ ኮለጅ ምኽፋትሲ ይትረፎም፡ ንዋላ ሓደ ሰብ እኳ ናብ ዓዶም ወሲዶም ከምህሩልና ፍቓደኛታት ኣይነበሩን። እዚ መዛግብቲ ዝመስክርዎ ሓቂ እዩ። ድሕሪ ነጻነት ህገርና፡ ቤተክርስያን ካብቲ ንዓሰርተታት ዓመታት ዘሳቐያ ድሕረት ወጺኣ፡ ወንበራ ተኺላ፡ ህዝባ ክትጓሲ ኣብ እተበገሰትሉ እዋን ከኣ ማንም ሰብ ዘይተጸብዮ ሓደጋ ኣጋጢምዋ። እቲ ብመንግስቲ ኤርትራ ኣብ የካቲት 2002 ንኽሕግዘኩም ምሁር ሰብ ንህበኩም ኣሎና ተባሂሉ ዝመጸ ሰብ ኣቶ ዮፍታሀ ቀሺ ዲሞጥሮስ መሳርሒ ናይ ሰይጣን ኮይኑ ቤተክርስትያንና የዕንዋ ኣሎ። ሕጊ ቤተ ክርስቲያን ፈሪሱ ስርዓታ ጠፊኡ ኣብ ሓደገኛ ፈተናን ሽግርን ወዲቓ ትርከብ። ከም ሳዕቤኑ ድማ መንፈሳውያን መራሕታ ይስጎጉ፡ ገዳማታ ይባድሙ፡ መንእሰያታ ይብተኑ፡ ምእመናን ይከፋፈሉ፡ ኣብያተ ክርስቲያናት ይዕጸዉ ኣለዉ። ብሓፈሻ ኣብ ውሽጢ ሃገርን ወጻእን ዝርከቡ ምእመናን ተዋህዶ ቤተ ክርስቲያን ብመሪር ሓዘን ዝሓልፍዎ ዘለዉ ናይ ፈተና ግዜ እዩ። ጠንቂ ናይዚ ኩሉ ዕንወታት ከኣ እቶም ሕጋዊ ፓትርያርክ ብጹዕ ወቅዱስ አቡነ እንጦንዮስ ብሓይሊ ተገፊዖም ካብ መዓርጎም ብዓመጽ ስለ ዝተሰጉ እዩ።

ብጹዕ ወቅዱስ 3 ፓትርያርክ ኣቡነ እንጦንዮስ ኣብ ጥንታዊ ሕግን ሓዋርያዊ ሓቅን ጸኒዖም ደው ስለ ዝበሉ ደኣምበር ጉድለት ወይ ክሕደት ስለ ዝተረኽቦም ኣይኮኑን ካብ መንፈሳዊ መንበሮም ተኣጊዶም ዘለዉ። ስለዝኾነ ምእንቲ ድሕነት እታ ኢየሱስ ክርስቶስ ደሙ ዘፍሰሰላ ቤተ ክርስቲያን በጃ ኮይኖም: ንዓመጻዊ ሥልጣን ዮፍታሄ ኣውጊዞም: ጳጳሳት ሓላፍነቶም ክስከሙ ኣጠንቂቆም: ናይ ይግባይ መረርኦም ናብ ኦሬንታል መንፈሳውያን ኣቦታት ደብዳቤኦም ኣመሓላሊፎም እዮም። እቲ ብዮፍታሀ ተሃንዲሱ ግንከኣ ብስም ጳጳሳት ዝተመስረተሎም ክሲ ከውቅሶም ዝኽእል ኣይኮነን። እኳ ድኣ ከመጉሶም ምተገብአ ስለምንታይሲ ስራሕ ናይ ሓደ መንፈሳዊ ኣቦ ስለዘሰርሑ። ብጽልእን ደጋዊ ድፍኢትን ዝዓወሩ ጳጳሳት ግና ከምቲ "ሓጢኣተኛ ሰብ ኣብ ቅድሚ ጻድቃን ፍንፉን እዩ: እቲ ብቕኑዕ መገዲ ዚመላለስ ከኣ ኣብ ቅድሚ ረሲኣን ፍንፉን እዩ።" (ምሳሌ 29.27) ዝብሎ እምነቶም ስለ ዝተዘርገት ስለ ሓቂን እምነትን ደው ክብሉ ኣይከኣሉን። እንተ ፓትርያርክ እንጦንዮስ ግና መለለዪ ተሪር እምነቶም ኮይኑ ዝነብር መዘና-ኣልቦ ታሪኽ-እምነት ሰሪሖም እዮም።

እዚ ኣብ ኤርትራ ብዮፍታሄ ተጠጂኡ ጳጳሳት ዝሰመርዎ ምፍራስ ሕግን ናይ ሓሶት ክስታትን መጀመርያ ኣብ ኤርትራ ድሓር ድማ ኣብ ሰሜን ኣሜሪካ እዩ ተሰንዚሩ። ብሓይሊ እግዚኣብሔርን ብትብዓት ምእመናን ሰሜን ኣሜሪካ ምስ ፈሸለ ግና አብ ዝተፈላለየ ክፍለ-ኣህጉር ዝርከቡ ካልኦት ምእመናን'ውን ብተመሳሳሊ መንገዲ በዲሆሞ እዮም። አብ ኤውሮጳን ኣፍሪቃን ኣስፋሕፊሑ ንብዙሓት ኣመንቲ ተዋህዶ ጠንቂ ምፍልላይን ምትህልላኽን ኮይኑ ከምዘሎ'ውን ንኹሉ ኦርቶዶክሳዊ ብሩህ ኮይኑ ኣሎ።

ንኣብነት እዚ ኣብ ቀረባ እዋን ኣብ ኪዳነ ምሕረት ቤተ ክርስቲያን ኬንያ ዘጋጠመ ዘሕዝን ፍጻመ: ናይቲ ቅድሚ ሕጂ ኣብ መድሃኔ ዓለም ኦክላንድ . አሜርካ፡ ቅድስት ስላሴ ዲሲ . አሜርካ፡ ቅድስት ማርያም ሚላኖ ኢጣልያ፡ ቅዱስ ሚካኤል ሲንሲናቲ . አሜርካ፡ ኣብ ሱዳንን ካልኦት ሃገራትን ዝወረደ ፍጻመ መቐጸልታ እዩ። ሕጊ ቤተ ክርስትያን ፈሪሱ፡ መሰል ምእመናን ክልተ ሚልዮን ተደንኪሉ ክሳብ ዝሃለወ ግና ሃንዳሲ-ክፍኣት ዮፍታሀን ተሓባበርቱን ክድቅሱ ከምዘይክእሉ ክፈልጡ ይግባእ።

ኣብ ስዊዘርላንድ እትርከቡ ካህናትን ምእመናን፣ ኣብ ኪዳነ ምሕረት ቤተ ክርስቲያን ኬንያ ዘለኹም መንእሰያትን ወለድን፣ ኣብ እስራኤል ዘለኹም ካህናትን ዲያቆናትን፣ ብሓፈሽኡ ኣብ ፈቐዶ ሃገራት ፋሕ ኢልኩም ዘለኹም ምእመናንን ውሉደ-ክህነትን "ነቲ ነፍስን ስጋን ዚቐትል ኣምላኽ እምበር" ንኻልእ ኪትፈርሁ ኣይግባእን። ንኣምላኽ ኣሚኑ ዝመጎተ ኣይተሳዕረን: ስለ እምነቱ ጸኒዑ ዝተቓለሰ ድማ ዓስቡ ኣይሰኣነን እሞ: ንዓስቢ ዓወትኩም ሓደ እኳ ከየሕድገኩምሲ ጸኒዑኩም ተቓወሙ። እዚ ኹሉ ዚወርደኩም ዘሎ መከራ ስለ እምነትኩም እምበር ዝፈጸምኩሞ በደል ከም ዘየለ ንስኻትኩም ትፈልጥዎ። በዚ ድማ ደስ ክብለኩም ይግባእ ምኽንያቱ እቲ ሓቂ ምስ ተቐልዐ፡ እቲ ጎይታ ጎይቶት መድኃኔ ዓለም ምስ ተገልጸ ዓስቢ ዓወትኩም ከም እትረኽቡ እግዚኣብሔር እሙን እዩ።

በዚ ኣጋጣሚ: ደቂቀ እንጦንዮስ ተማሃሮ ቅዱስ ኣትናቴዎስ መንፈሳዊ ኮሌጅ በዚ ሓደገኛ ምብትታን ምእመናን ተዋህዶ ከቢድ ሓዘን እናተሰምዖ ኣብ ኩሉ ክፍለ-ኣህጉርን ሃገራትን እትርከቡ ኦርቶዶክሳውያን ምእመናንን ውሉደ ክህነትን ብፍላይ ድማ መንእሰያት ነዚ ኣብ ቤተ ክርስቲያንና ኣትዩ ዘሎ ቀናእ ሰይጣንን መሳርሕቱን ተረዲእና ብጸሎት ክነቅሕን ቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ንምድሓን "በቲ ኣምላኽ ዝህበካ ሓይሊ ምእንቲ ወንጌል መከራ ጽገብ!"(2 ጢሞ 18) ዝብሎ ቃል ጎይታ እናስተንተንና ሓቢርና ክንቃለስን እዋናዊ ጻውዒትና ነመሓላልፍ።

 

ልዑል ኣምላኽ ቤተ ክርስቲያንና ይባርኽ!
ብመንፈሳዊ ኣኽብሮት
ደቂቀ እንጦንዮስ ተማሃሮ ቅዱስ ኣትናቴዎስ መንፈሳዊ ኮሌጅ .. ኣሜሪካ

Diocese



 



 


ካብ ውሽጢ ኤርትራ ዝተረኽበ ንቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ንምቁጽጻር ብመንግስቲ ኤርትራ ክካየድ ዝጸንሐን ዘሎን ሽርሒ ዘቃልዕ ቪድዮ 



Support Tewahdo TV

Gofundme


Support Diocese

PayPal


ድኳን መጻሕፍቲ/Book Store


ጋዜጣ ፍኖተ ብርሃን፡ ልሣን

 ቤተ ክርስቲያን ተዋሕዶ


ስብከተ ወንጌል


ራድዮ ቃለ ኣዋዲ


መጻሕፍቲ - Books 


ጾምን በዓላትን


Diocese Churches

 

Radio Tewahdo

 Video - Youtube

TV Tewahdo

A Message from H.G. bishop Mekarios

መጸናንዒ ቃል ብብጹእ ኣቡነ መቃርዮስ

ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ብኸመይ

</div