S5 MP3 Player - плагин joomla Mp3

መርትዖ ኻልኣይ ልደት (መበል 30 ሰንበት: ቊ.፴/30, 2025 | 2017 ግዕዝ

ነቲ ብእኡ ዚኣምን ኣይኪፍረዶንዩ፡ ነቲ ብእኡ ዘይኣምን ግና ብሓደ ወዱ ኣምላኽ ስለ ዘይኣመነ ድሮ ተፈሪድዎዩ። እቲ ፍርዲ ኸኣ እዚዩ፡ ብርሃን ናብ ዓለም መጸ፡ ደቂ ሰብ ግና ግብሮም ክፉእ ስለ ዝዀነ፡ ካብ ብርሃንሲ ጸልማት ፈተዉ። ምኽንያቱ እቲ ኽፉእ ዚገብር ዘበለ ዅሉ፡ ግብሩ ምእንቲ ኸይግለጽ ብርሃን ይጸልእምበር፡ ናብ ብርሃን ኣይመጽእንዩ። እቲ ሓቂ ዚገብር ግና፡ ከም ትእዛዝ ኣምላኽ ስለ ዝገበረ፡ ግብሩ ምእንቲ ኺግለጽ ናብ ብርሃን ዚመጽእ።ዮሃ 318-21 .

እንሆ ዕለት ሻብዓይ ሰንበት ናይ ዓብዪ ጾምዩ። ብመሰረት ስርዓት ቅድስቲ ቤተ ክርስትያን ድማ፡ኒቆዲሞስይብሃል። ኒቆዲሞስ ብዓሌቱ ኣይሁዳዊ ዝዀነ ፈሪሳዊ ሊቅ ኰይኑ፡ ናይ ጐይታና ሕቡእ ወደ መዝሙር ነበረ። በቶም ሕሱማት ፈሪሳውያን ብጾቱ ምእንቲ ኸይንጸግ፡ ተሓቢኡ ብለይቲ እናመጸ ኻብ ጐይታ ይመሃር ነበረ። ብዛዕባ ዳግም ልደት ብንጹር ዝተገልጸሉ ቐዳማይ ሰብ ናይ ምዃን ክብሪ ድማ ረኸበ።ዳግም ወይ ካልኣይ ልደትዚበሃል፡ እቲ ኻብ ማይ ብምስጢረ ጥምቀት ካብ መንፈስ ቅዱስ ከኣ ብምስጢረ ሜሮን እንረኽቦ ናይ መሰል ውልድነት ጸጋዩ። ፈሪሳዊ ኣእምሮን ኣተሓሳስባን ንዘለዎ ሰብ፡ እዚ ምስጢር ብቐሊሉ ኺርድኦ ኣይክእልንዩ።

ኒቆዲሞስ፡ ዋላ ደኣ ነቶም ፈሪሳውያን ብጾቱ ፈሪሁ ብለይቲ ይመላለስምበር፡ ኣብ ጐይታ ዓባይ እምነት ከም ዝነበረቶን፡ ብዛዕባ እምነቱ ልዑል ትብዓት ከም ዝነበሮን ብዝተፈላለየ መገዲ ዘርኣየ ሰብዩ። ሓደ እዋን ዋዕላ ኣይሁድ፡ ንጐይታና ኣሲሮም ኬምጽእዎ ገላዉኦም ለኣኹ። እንተ ዀነ ብብዙሕ ህዝቢ ተኸቢቡ ስለ ዝነበረ፡ ነቲ ዝተዋህቦም ትእዛዝ ኪትግብርዎ ኣጸገሞም። ምሹእ ጊዜ ኺረኽቡ እናተጸበዩ ኸለዉ ግና፡ በቲ ኻብ ልሳን ጐይታ ዚውሕዝ ዝነበረ ቓል-ጸጋ ልቦም ተመስጠ። ንእኡ ኸይሓዙ ድማ፡ ጥራይ ኢዶም ናብ ጐይተቶም ተመልሱ። ጐይተቶም ከኣንምንታይ ደኣ ዘየምጻእኩምዎ፧ኢሎም ምስ ተቘጥዕዎም። ንሳቶም ግና ብዛዕባ ዝዓንቀፎም ምኽንያት ምዝራብ ገዲፎም፡ ብዛዕባ ጐይታከም ሰብኣይ ገይሩ ዝተዛረበ (ኻልእ ሰብ) ከቶ የልቦን!!” ኢሎም ብኣድንቖት መስከሩ። ሽዑቶም ዋዕላ ኣይሁድ ብዙሕን ውሑድን ኪዛረቡ ምስ ጀመሩ፡ ኒቆዲሞስ ብትብዓትሕግናኸ ንሰብ ቅድም ከይሰምዖን ነቲ ዝገበሮ ኸይፈለጠንዶ ይፈርዶዩ፧ብምባል በድሆም። ነዚ በዳሂ ሕቶ ዚኸውን መልሲ ስለ ዘይነበሮም፡ ንኒቆዲሞስ ዜቃልል፡ንስኻውንዶ ኻብ ገሊላ ኢኻ፧ መርምር ኻብ ገሊላ ነብይ ከም ዘይትንስእ ክትርእይ ኢኻ፧ ኢሎም ዋዕላኦም ፋሕ ኢሉ ነናብ ቤቶም ከዱ (ዮሃ 732,45-52)

ኒቆዲሞስ ግን በዚ ጥራሕ ከይተደረተ፡ ኵሎም ናይ ጐይታ ሃዋርያትን ደቀ መዛሙርትን ኪገብርዎ ዘይከኣሉ ትብዓት ዚጠልብ ግብሪ ዝገበረዩ። ጐይታና ኺተሓዝ ከሎ ኵሎም ደቀ መዛሙርቱ ሓዲጎምዎዮም ሃዲሞም። ምስ ሞተ ድማ ሬሳኡ ተቐቢሉ ኪቐብሮ ዝሓለየ ሓደ ኣይነበረን። ኣብ ዅሉ ሰብ ብራዕዲ ተዋሒጡሉ ዝነበረ ጊዜ፡ ብትብዓት መጺኦም ኵሉ ብኣይሁድ ንሓደ ሬሳ ዚግበር ስርዓት ኣማሊኦም በገባብ ዝቐበርዎ፡ ክልተ ሕቡኣት ደቀ መዛሙርቱ ዝነበሩ፡ ዮሴፍ ብዓል ኣርማትያስን ፈሪሳዊ ኒቆዲሞስንዮም። ኣብ እዋን ኒቆዲሞስ ኣስታት 31 ኪሎ ግራም ዝኽብደቱ ካብ ከርበን ዓልወን (Myrrh & Aloe) ተሓዊሱ ዝተሰርሐ ቀመም ሒዙ መጸ። እዚ ቐመም ኣይሁድ ንሬሳኦም ዚቐብኡሉ፡ ካብ ምብስባስ ዚከላኸል ቀመምዩ። ኣዝዩ ኽቡር ቀመም ከኣዩ። ዮሴፍ ከኣ ንርእሱ ኢሉ ኣብ ከውሒ ኣብ ዘውቀሮ ሓድሽ መቓብር ቀበሮ (ዮሃ 1938-42 ሉቃ 2350-54 ማቴ 2757-60 ማር 1542-46) ከም ዝዓይነቱ መቓብር፡ ሃብታማትን መኳንንትን ጥራሕ ዚቕበሩሉ ክቡር መቓብርዩ። እዞም ክልተ ሕቡኣት ደቀ መዛሙርቲ ተሓባቢሮም፡ ነቲ ብነብዪ ኢሳይያስብሞቱ ምስ ሃብታማት ኰነዝተባህለ ትንቢት ብግብሪ ፈጺምዎ (ኢሳ 539)

ኒቆዲሞስ፡ ዋላ ደኣ ብዛዕባ ጐይታና ጽቡቕ ኣረኣእያን ምስክርነትን ይንበሮምበር፡ ንሱ ጥራይ ኣኻሊ ኣይነበረን። ጐይታና ድማ ነዚ ፍቁር ባርያኡ ናብ ዝዓበየ ጸጋ፡ ማለት ናብ ውልድነት ኬብቅዖ ስለ ዝደለየ፡ ፍሉይ ምስጢር ገለጸሉ። ንሱ ኸኣ ካብ ላዕሊ ካብ ኣምላኽ ኪውለድ ከም ዜድልዮዩ። ካብ ላዕሊ ዘይተወልደ፡ ናብ ናይ ላዕሊ መንግስቲ፡ ናብ መንግስተ ሰማያት ከም ዘይኣትው ኣፍለጦ። ኒቆዲሞስ ግና ብዘይካ ናይ ማህጸን ልደት ካልእ ልደት ዘይፈልጥ ስለ ዝነበረ፡ እዚ ምስጢር ቐልጢፉ ኺርድኦ ኣይከኣለን። ስለ ጐይታና ኣግሂዱ፦ ብሓቂ፡ ብሓቂ እብለካለኹ፡ ካብ ማይን መንፈስ ቅዱስን እንተ ዘይተወልደ፡ ናብ መንግስቲ ኣምላኽ ኪኣትው ዚኽእል የልቦን። ካብ ስጋ እተወልደ ስጋዩ፡ ካብ መንፈስ እተወልደ ኸኣ መንፈስዩ።ካልኣይ ክትውለዱ (ናይ ግድን)’ ስለ ዝበልኩኻ ኣይትገረም።” ብምባል ኣፍለጦ (ዮሃ 35-7 .)ካብ ማይ ምውላድዚበሃል ዘሎ፡ እቲ ብማይ ዚፍጸም ምስጢረ ጥምቀት ኪኸውን ከሎ፡ካብ መንፈስ ቅዱስ ምውላድዚበሃል ዘሎ ድማ ምስጢረ ሜሮንዩ። ብመሰረት ስርዓት ቅድስቲ ቤተ ክርስትያንና እዘን ክልተ ምስጢራትዚኣተን ኣብ ሓንቲ መዓልቲየን ብሓንሳእ ዚፍጸማ። በዘን ብእምነት ዚፍጸማ ምስጢራት ድማ መሰል ውልድነት ንረክብ። ኒቆዲሞስ ክርስቶስ ካብ ኣምላኽ ዝተላእከ ምዃኑ ኣሚንዎን ተቐቢልዎን እንተ ነበረ፡ ናብ ውልድነት ዜውህብ ናይ ጸጋ ምስጢራት ግን ስለ ዘይበጽሐ፡ ጐይታና ብዘይ ውልድነት ድሕነትን ናብ መንግስተ ሰማያት ምእታውን ከም ዘይርከብ ብምንጋር፡ ናብ ዘይተግበሮን ዘይተቐበሎን ጸጋ መርሖ።

ውሉድ ኣምላኽ ምዃን ማለት ግን እንታይ ማለትዩ፧ ነዚ ምስጢራት ዝፈጸምና ጥራሕ ከም ናይ ክርስቶስ ዝበለ ውልድነት ይህልወና ማለት ድዩ፧ ኣብ መንፈሳዊ ዓለም ኰነ ኣብ ዘለናዮ ዓለም፡ ክልተ ዓይነት ውልድነት ዘሎ። እቲ ቐዳማይን ዝዓበየን ናይ ባህርይ ውልድነት ኪኸውን ከሎ፡ እቲ ኻልኣይ ድማ ናይ መሰል ውልድነትዩ። ከም ኣብነትን መረዳእታን ኪዀነልና፡ ነዚ ንሕና ደቂ ሰባት ዘሎና ውልድነት ንርኣይ። ክልተ ሰባት፡ ሰብኣይን ሰበይትን ብሕጋዊ ተክሊል ተመርዕዮም ጾታዊ ርክብ ድሕሪ ምፍጻሞም፡ ካብ ናይ ክልቲኦም ዘርኢ ሓደ ድቂ ኣብ ማህጸን ናይ ኣደ ይትከል። እቲ ዕሸል ዜድልዮ ዅሉ ብመገዲ መዳሕንትን ዕትብትን እናረኸበ፡ ፍጹምን ምሉእን ሰብ ኰይኑ መዓልቱ ምስ ኣኸለ፡ ተወሊዱ ኣብ ዓለምዚኣ ይነብር። ነዚ ልደትባህርያዊ ልደትወይናይ ባህርይ ልደትንብሎ። ኵሉ ነዚ ህንጻን ዘቘመ ኣካላት ሰብነት፡ ደም ወዘተ ኻብዞም ክልተ መጻምድቲ ዝተወስደዩ። ብኻልእ ኣዘራርባ እቲ ህጻንን እቶም ወለድን ሓደ ስጋ ሓደ ኣካልዮም። ብስሞም ይጽዋዕ ኣብ ቤቶምን ኣብ ሕቝፎምን ይነብር፡ ብንብረቶምን ብገንዘቦምን ብጕልበቶምን ይነብር፡ ኣብ መወዳእታ ድማ ወራሲኦም ይኸውን። ነዚ ውልድነት ኺልውጦን ከም ዘይተፈጸመ ከም ዘይነበረን ኪገብሮ ዚኽእል ኣካል ኰነ ሕጊ የልቦን።

ናይ መሰል ውልድነት ግን ካብ ዝተፈልየ ብኣካል ዝወለድዎ ወለዲ ኻልኦትዮም። ንሳቶም ስለ ዘየለው፡ ወይውን ኬዕብይዎ ዓቕሚ ስለ ዘይብሎም፡ ካልኦት ሰባት ተቐቢሎም ልክዕ ነቲ ኻብ ማህጸን ዝወለድዎ ውላዶም ዚህብዎን ዚገብሩሉን ኵሉ፡ ነዚ ውሉዶም ኪኸውን ፈትዮም ብምሉእ ፍቓዶም ዝተቐበልዎ ህጻን ወይ ቈልዓ ኪገብሩሉ። ናይ ብሓቂ ውላዶም ኣይኰነን፡ ግን ነቲ ሓቀኛ ውሉዶም ዚገብርዎ ኺገብሩሉ፡ ውሉዶም ናይ ምዃን መሰል ይህብዎ ማለትዩ።

ጐይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ድማ እቲ እንኮ ናይ እግዚኣብሄር ኣቦ ናይ ባህርይ ውሉድዩ። ከም ንሕና ብባህርያዊ ልደት ልክዕ ከም ወለድና ምሉኣት ሰባት ኴንናንውለድ፡ ክርስቶስ ድማ ናይ ባህርይ ወዱ ስለ ዝዀነ ልክዕ ከም ኣቦኡ ፍጹም ኣምላኽዩ። ልክዕ ከም ካብ እግዚኣብሄር ኣቦ ብዘይ ኣደ ተወሊዱ ፍጹም ኣምላኽ ዝዀነ፡ ከምኡ ድማ ብዘይ ናይ ስጋ ኣቦ ካብ ቅድስቲ ድንግል ማርያም ተወሊዱ ፍጹም ሰብ ኰነ። ስለ ይትረፍ በቲ መለኮታዊ ናይ ባህርይ ልደቱ፡ ዋላ በቲ ሰብኣዊ ናይ ባህርይ ልደቱውን ናይ ክርስቶስ ልደት ዚምጥን ልደት የብልናን። እግዚኣብሄር ግን በቲ ሕያዋይን መፍቀርን መሓርን ባህርዩ ተደሪኹ፡ መሰል ውልድነት ብምሃብ፡ ነቲ ሓደ ናይ ባህርይ ወዱ ዚህቦ ዅሉ ኺህበናን ኪገብረልናን ፈቐደ። ነዚ ሓቂ ኸኣ ቅዱስ ወንጌል ብንጹር ገሊጹልና ኣሎ።

“(ክርስቶስ) ናብቶም ናቱ (ናብ ኣይሁድ) መጸ። እቶም ናቱ ግና ኣይተቐበልዎን፡ ነቶም እተቐበልዎ ዘበሉ ዅሎም ብስሙ ንዚኣምኑ ግና፡ ወሉድ ኣምላኽ ኪዀኑ መሰል ሃቦም። ንሳቶም ከኣ ካብ ኣምላኽምበር፡ ካብ ደም፡ ወይ ካብ (ፍትወት) ስጋ፡ ወይ ከኣ (ብፍቓድ/ ብድልየት) ሰብኣይ ዘይተወልዱዮም።ዮሃ 111-13

ንስኻትኩምሲ ነቲ ብእኡ ጌርና (ንኣምላኽ) ‘ኣባ፡ ኣቦኢልና እንጽውዓሉ መንፈስ ውልድነት ኢኹም እተቐበልኩምምበር፡ (ናብ ፍርሃት ክትምለሱ ከም ብሓድሽ መንፈስ ባርነት) ኣይተቐበልኩምን፡ ስለ እቶም (ብፍቓድ ስጋ ዘይኰነ) ብመንፈስ ኣምላኽ ዚምርሑ ዘበሉ፡ ንሳቶም ውሉድ ኣምላኽዮም። ውሉድ ኣምላኽ ምዃንና ኸኣ፡ እቲ መንፈስ (ኣምላኽ) ባዕሉዩ፡ ምስ መንፈስና ዀይኑ (ዚምስክረልና) (እምበኣር) ውሉድ ካብ ኰንና፡ ወረስቲ ድማ ኢና፡ ንኣምላኽ ወረስቱ፡ ንክርስቶስ ድማ መዋርስቱ ኢና። ምስኡ ሓሳረ መከራ እንተ ጸገብናስ፡ ምስኡውን ክንከብር ኢና።ሮሜ 814-17

ብክርስቶስ እተጠመቕኩም ዘበልኩም ንክርስቶስ ለበስኩምዎሞ፡ ብእምነት ብኢየሱስ ክርስቶስ ኵላትኩም ውሉድ ኣምላኽ ኢኹም ኵላትኩም ብክርስቶስ ኢየሱስ ሓደ ኢኹም። . . . ምልኣት ዘመን ምስ መጸ (ጊዜኡ ምስ በጽሐ) ግና፡ ነቶም (ኣብ ትሕቲ ስልጣን ሕጊ) ዘለዉ፡ (ደሙ) ተሻዪጡ ምእንቲ (ኼድሕኖም) ንሕናውን (መሰል) ውልድነት ምእንቲ ኽንረክብሲ፡ ኣምላኽ ነቲ (ብዘይ ሰብኣይ) ካብ ሰበይቲ እተወልደ፡ ኣብ ትሕቲ ሕጊውን (ዝሓደረ) ወዱ ለኣኾ። ውሉድ ስለ ዝዀንኩም ከኣ፡ ኣምላኽ ነቲኣባ፡ ኣቦኢሉ ዚጽውዕ መንፈስ ወዱ ናብ ልብና ለኣኾ። ደጊም ድሕሪ ውሉድምበር፡ ባርያ ኣይኰንካን፡ ውሉድ ካብ ኰንካ ግና፡ ብክርስቶስ ወራሲ ኣምላኽ ኢኻ።ገላ 327,28 44-7

ጽቡቕ ፍቓዱን መደቡን ስለ ዝነበረ ኸኣ ንርእሱ ውሉድ ክንኰኖ ብኢየሱስ ክርስቶስ ቀደም መደበና። እዚ (ዝገበረሉ ምኽንያት) ከኣ፡ እቲ በቲ ዜፍቅሮ ወዱ ገይሩ ዝሃበና ኽቡር ጸጋ ምእንቲ ኺምስገን ኢሉዩ።ኤፌ 15,6 .

እዚ ብተኸታታሊ ዘንበብናዮ ሃዋርያዊ መልእኽታትዚ፡ ብዛዕባ ኣምላኽ ብሕያውነቱ ዝሃበና ልዑል ናይ ውልድነት ጸጋን ክብርን ዜበስረና ስለ ዝዀነ፡ ኣብ ልብና ኸነሕድሮን ማዕረ ስምና ኽንፈልጦን ዚግብኣናዩ። እምበኣር ብመሰረት ተዋሂቡና ዘሎ ሃዋርያዊ ቓል ብምስጢረ ጥምቀት ንክርስቶስ ንለብሶ፡ ብምስጢረ ሜሮን ድማ መንፈስ ቅዱስ ኣብ ውሽጥና ይሓድር፡ እዚ ድማ ኣምላኽ መሰል ውልድነት ከም ዝሃበና ዜረጋግጸልና መለኮታዊ መርትዖዩ። እቲ ብምስጢረ ሜሮን ኣባና ሓዲሩ መቕደሱ ዝገበረና እግዚኣብሄር መንፈስ ቅዱስ ማሕተም ውልድነትናን ዕርቡን ናይ ዘለኣለማዊ ናይ ውልድነት ርስትናን (ኤፌ 113,14 . 2ቈረ 121,22 .) ኣብ ልዕል ኢልና ዘንበብናዮ ሃዋርያዊ ቓላት፡ ኣብ ውሽጥና ሓዲሩ ውሉድ ኣምላኽ ምዃንና ዚምስክረልና፡ ንኣምላኽናኣባ፡ ኣቦኢልና፡ ኽንጽውዖ ዜኽእለናን ዚድርኸናን ንሱዩ።

ሕራይ፡ እቲ ብኣምላኽ ዚወሃብ ናይ ውልድነትና መለኮታዊ መርትዖ ኻብ ቀረበ፡ እቲ ብኣና ወገን ኪቐርብ ዚግብኦ ናይ ውልድነትና ሰብኣዊ መርትዖኸ እንታይዩ፧ ናይ ዕለት ናይ ትምህርትና ኣንጒዕ፡ ኣብ መልሲ ናይ ረዚን ሕቶ ዚርከብ። ዝዀነ እንተ ዀነ፡ ካብ እግዚኣብሄር ጒድለትን ጥልመትን ኪርከብ ፈጺምካ ዘይሕሰብዩ። ነዚ ኣርእስትና ኸቢድ ዚገብሮ ግና፡ ናይ ውልድነት ጒዳይ ብኣምላኽ ጥራሕ ዘይውሰን ምዃኑዩ። ነቲ ኣቐዲምና ዝተዛረብናሉ ንዓይነት ውልድነትና ዚገልጽ ሓሳብ ኣይንረስዓዮ። ውልድነትና ናይ መሰልምበር፡ ናይ ባህርይ ኣይኰነን። ነቲ ዝረኣናዮ ናይ ውልድነት ኪዳን ዚጠልበና ረቛሒታት እንተ ዘየማሊእናዮ፡ ኪዳንና ስለ ዘፍረስና ንውልድነትና ኽንስእኖ ንኽእል ኢና። መሪሕ ጥቕስናን እቲ ዘንበብናዮ ሃዋርያዊ መልእኽታትን፡ ውልድነትና ብኸመይ ከም እነረጋግጽን፡ እዚ ውልድነት እንታይ ሓላፍነት ከም ዜሰክመናን ብንጹር ገሊጾምልናዮም። እግዚኣብሄር ብምስጢራቱ ኣባና ዚገልጾ ጸጋ፡ ብዓይኒ ዘይረኣይ ረቂቕዩ። ብምስጢረ ጥምቀት ንክርስቶስ ምስ ለበስናዮ ከም ዝለበስናዮ ብዓይኑ ኺርእዮ ዚኽእል ዋላ ሓደ የልቦን። በቲ ኣብ ማሕበራውን መንፈሳውን ህይወትና እንነብሮ ግብራዊ ናብራ ግን፡ ህይወት ክርስቶስ ኣባና ኽትገሃድን፡ ክርስቶስ ኣባና ኸም ዘሎ ኺረጋገጽን ይኽእል ጥራሕ ዘይኰነ፡ ናይ ግድን ኪገሃድ ይግብኦዩ። ናይ ውልድነትና ሰብኣዊ መርትዖ ኸኣ ንሱዩ። ቅዱስ ጳውሎስ ብዛዕባ ብክርስቶስ ድሕሪ ምእማኑ ዝነበሮ ህይወት ኪምስክርን ኪእመንን ከሎ፡ ነቲ ብምስጢረ ጥምቀት ምስ ክርስቶስ ዝሞቶ ብኸመይ ኣብ ህይወቱ ኸም ዚግለጽ ግሩም ገይሩ ገሊጹልና ኣሎ።

“. . . ጸጋ ምእንቲ ኺዓዝዝሲ፡ ሓጢኣት እናገበርናዶ ንንበር፧ ያእ ኣይፋልናን። ንሕና ‘(ብጥምቀት) ካብ ሓጢኣት ተፈሊና (ሞይትና)’ እናበልናስ፡ ከመይ ኢልና ደኣ ሕጂ ኣብ ሓጢኣት ክንነብር፧ ወይስ እቶም ብክርስቶስ ዝተጠመቕና ዘበልና፡ ኵላትና ብሞቱ ኸም ዝተጠመቕናዶ ኣይትፈልጡን ኢኹም፧ እምበኣር ከም ክርስቶስ ብኽብሪ ኣቦ ኻብ ምውታት ዝተንስአ፡ ከምኡ ኸኣ ንሕና ብሓዳስ ህይወት ምእንቲ ኽንነብር፡ ብጥምቀት ምስኡ ሞትናን ተቐበርናን።ሮሜ 61-4 .

ግናኸ ብክርስቶስ ክንጸድቕ እናደለናስ፡ ንርእስና ሓጥኣን ኴንና (እንተ) ተረኸብና፡ እምበኣርሲ ክርስቶስዶ ኣገልጋሊ ሓጢኣትዩ፧ ያእ ኣይፋሉን!! ነቲ (ፈትየ) ዘፍረስክዎ (ሓጥእ ህይወት) ከም ብሓድሽ እንተ ነደቕክዎ ኣበሰኛ (መፍረስ ኪዳን) ምዃነይ አርእይ ኣለኹ፡ ኣነስ (ንኣምላኽ ህያው ኰይነ ምእንቲ ኽነብር፡ ካብ ሕጊ ሙሴ ሓራ ወጺአየ። ማለት እቲ ሕጊ ባዕሉ ቐቲሉኒዩ። ክርስቶስ (ብስጋ) ተሰቒሉዩ፡ ኣነ ኸኣ (ብጥምቀት) ምስኡ ተሰቒለ) ግናኸ (ምስ ክርስቶስ ብጥምቀት ካብ ሓጢኣት ድሕሪ ሙማተይ ሕጂ ) ክርስቶስ ኣባይ ዚነብር ዘሎምበር፡ ደጊም ኣነ ኣይኰንኩን (ኣባይ) ዚነብር ዘለኹ። እዚ ሕጂ ብስጋ ዚነብሮ ዘለኹ። ኣነስ ጸጋ ኣምላኽ ኣይንዕቅንየ፡ . . . “ ገላ 217-21 (ካት + .)

እምበኣር ብመሰረት ሃዋርያዊ ምህሮዚ፡ እዚ መሰል ውልድነት ዜጸግወና ምስጢረ ጥምቀትዚ፡ ካብ ሓጢኣት ተፈሊና ብጽድቂ ኽንነብር፡ ንሓጢኣት ምዉታት ንኣምላኽ ግና ህያዋን ኴንና ምእንቲ ኽንነብር ዝተዋህበና ጸጋዩ። ነዛ ዕላማ ጥምቀትና ብግብሪ ንነብራ እንተሊና፡ ናይ ውልድነትና ብቑዕ ሰብኣዊ መርትዖ ኣቕሪብና ኣለና።ካብ ሓጢኣት ምስ ክርስቶስ ብጥምቀት ተሰቒለየ፡ ሞይተ ተቐቢረስ፡ ብሓዳስ ህይወት ምእንቲ ኽመላለስ ምስ ክርስቶስ ካብ ሞት ሓጢኣት ተንሲአ ኢልና ኸነብቅዕ፡ ኣብ ሓጢኣት ተኣሊኽና ንነብር እንተ ዄንና ግን፡ ነቲ ብምስጢረ ጥምቀት ዝተቐበልናዮ ናይ ውልድነትና መለኮታዊ መርትዖ ዝዀነ ጸጋ ኣምላኽ ንዒቕና ደርቢናዮስ፡ ረጊጽናዮ ንመላለስ ኣለና ማለትዩ። ነቲ ብጥምቀት ዝለበስናዮ ክርስቶስ ድማ ካብ ህይወትና ቀንጢጥናዮ፡ ነቲ ብምስጢረ ሜሮን ዝተቐበልናዮ ማሕተም ውልድነትናን ዕርቡን ናይ ዘለኣለማዊ ርስትናን ዝዀነ መንፈስ ቅዱስውን፡ ነቲመንፈስ ቅዱስ ኣይተጥፍኡዚብል ቃል ጥሒስና ካብ ህይወትና ኣውጺእናዮ ኣጥፊእናዮን ማለት (1ተሰ 519 .) ነቲ ረቂቕን ስዉርን መለኮታዊ መርትዖ ውልድነት፡ በቲ ርኡይን ግሁድን ሰብኣዊ መርትዖ ውልድነት እንተጽኒዕናዮን እንተ ደሪዕናዮን ግን፡ ማሕደር ክርስቶስን ማሕደር መንፈስ ቅዱስን ኴንና ናይ ጸጋ ናብራ ንነብር፡ ብሓዳስ ህይወት ንመላለስ፡ ንኣምላኽ ህያዋን ንኸውን፡ ህይወት ክርስቶስ ኣባና ትገሃድ፡ ብምልኣት ንክርስቶስ ንመስሎ ፍረ መንፈስ ቅዱስ ኣብ ህይወትና ይበዝሕ። እዚ ዅሉ ኸኣ ኣሉ ዘይበሃሎ ግሁድን ርጉጽን ሰብኣዊ መርትዖ ናይ ኻልኣይ ልደትናዩ።

እዚ ሰብኣዊ መርትዖ ውልድነትና ኣብ መሪሕ ጥቕስና ብኸመይ ተገሊጹ ዘሎ፧ ቅድሚ ዅሉ መሪሕ ጥቕስና ናይ ሎሚ ዘንበብናዮ ንባብ ቅዱስ ወንጌል ናይ መወዳእታ ዛዛሚ ጥቕስታት ምዃኑ ኣይንዘንግዕ። ጐይታና ነዚ ምስ ኒቆዲሞስ ዝተዘረበሉ ናይ ዳግም ልደት ምስጢር፡ በዚ መሪሕ ጥቕስና ገይሩ ዛዚምዎ። እዚ ክርስቶሳዊ ቓል ንዝምድና ጸልማትን ክፉእ ግብርን፡ ከምኡ ድማ ንዝምድና ሰናይ ግብርን ብርሃንን ብምግላጽዩ። ነዚ ሰብኣዊ መርትዖና ዚገልጾ። እግዚኣብሄር ዚጽየፎ ኽፉእ ግብሪ ምግባር፡ ፍቕሪ ጸልማት ከም ዘሎና፡ ኣብ ጸልማት ከምንነብር፡ ምስ ብርሃናዊ ኣምላኽ ግሁድ ጽልኢምበር፡ ናይ ውልድነት ዝምድና ኸም ዘይብል ዜረጋግጽዩ። ስለ እቲ እነዘውትሮ ግብሪ፡ ናይ መንፈሳዊ መንነትና ግሁድ መርትዖዩ። ብኣንጻሩ ሰናይ ግብሪ ኸነዘውትር ከለና ድማ ፍቕሪ ብርሃን ከም ዘሎና፡ ኣብ ብርሃን ከምንነብር፡ ደቂ ብርሃናዊ ኣምላኽ፡ ደቂ ብርሃን ምዃንና ዜረጋግጽ ሰብኣዊ ምርትዖናዩ። ግብርና ድማ ባዕላትና ፈቲና ኢናንገብሮምበር፡ ካልእ ኣካል ኣይመርጸልናን ኣይገብረልናን ከኣዩ። ስለ ድማ ኢናሰብኣዊ መርትዖ” ‘ንብሎ። ብዛዕባ ግብርና ብእወታ ዀነ ብኣሉታ እንፍረደሉ ምኽንያትውን ንሱዩ። ብርግጽ ክፉእ ክንገብር ዜስሕተና፡ ሰናይ ክንገብር ዚድርኸናን ዚድግፈናን ኣካላት ከም ዘለዉና ዘይከሓድዩ። ውዒሉ ሓዲሩ ግን፡ እቲ ናትና ምርጫን ፍቓድን ወሳኒ ዚኸውን። ግብርና ኸኣ ኣብ ብርሃን ወይ ኣብ ጸልማት ምህላውና ብንጹር ዜመልክትዩ። ስለ ኸኣ መጽሓፍ ቅዱስና ንኽፉእ ግብሪግብሪ ጸልማት/ኣጽዋር ጸልማትንሰናይ ግብሪ ኸኣግብሪ ብርሃን” / ኣጽዋር ብርሃንብምባል ይሰምዮ (ሮሜ 1312) ኤፌ 58-11) እግዚኣብሄር በቲ ፍቁር ወዱ ብኢየሱስ ክርስቶስ ገይሩ ደቁ ኺገብረና ዝደለየሉ ምኽንያቱ፡ ኣብ ጸልማት ዓለምዚኣ ነቲ ናቱ ብርሃናዊ ባህርይ ንኸነንጸባርቕዩ። ዕላማ ሰናይ ግብሪ ንእግዚኣብሄር ንምግላጽምበር፡ ንኣና ንርእስና ንምግላጽ ኣይኰነን። ናብ ናይ ውልድነት ኪዳን ድሕሪ ምእታውና፡ ንርእስና ኢልናንገብሮ ዝዀነ ይኹን ሰናይ ግብሪ ኺህልው ኣይግባእን። ኣይከኣልን ከኣ (ሮሜ 147-10 2ቈረ 515) ምእንቲ ርእስኻ ኢልካ ዚግበር ሰናይ ግብሪ፡ ኣቦኡ ዘፍለጠ ውጹእ ሓጢኣትዩ። ምኽንያቱ ነቲ ዕላማ ገልቢጥካን ኣበላሺኻን ከተብቅዕ፡ ነቲ ግብሪ ኸተጥዕዮ ኣይከኣልን (ዘካ 72-6)

“(ምኽንያቱ) ንሕና ነቲ ኣምላኽ ኣቐዲሙ (ቅድሚ ምስራት ዓለም፡ ዘዳለወልና ሰናይ ተግባራት እናፈጸምና ምእንቲ ኽንነብር፡ ብክርስቶስ ኢየሱስ ዝፈጠረና ፍጡራት ኣምላኽ ኢና።” (ኤፌ 210 .)

እምበኣር እቲ ሓቂ እዚ ኻብ ኰነ፡ ዕላማ ምፍጣርና ዀነ ዕላማ ውልድነትና ግብሪ ብርሃን ጥራሕ ምዝውታርዩ። ሰናይ ግብሪ ናይ ብሓቂ ግብሪ ብርሃን ምዃኑ ድማ፡ ጐይታና፦

ከምኡ ኸኣ ነቲ ጽቡቕ ግብርኹም ርእዮም (ንኣኻትኩም ዘይኰነ) ነቲ ኣብ ሰማያት ዘሎ ኣቦኹም ምእንቲ ኼመስግንዎ፡ ብርሃንኩም (ሰናይ ግብርኹም) ኣብ ቅድሚ ሰብ ይብራህ።” ብምባል ኣረጋጊጹል (ማቴ 516) ቅዱስ ጴጥሮስውን ዕላማ ውጽኢትን ናይ ሰናይ ግብሪ እንታይ ምዃኑ ገሊጹልና (1ጴጥ 212,15) ቅዱስ ጳውሎስውን ረብሓን ግድነታዊ ኣገዳስነትን ናይ ሰናይ ግብሪ እንታይ ምዃኑ ብኸም ዚስዕብ ገሊጹልና ኣሎ።

እዚ ቓል እሙንዩ፡ ነቶም ብኣምላኽ ዝኣመኑ፡ ሰናይ ግብሪ ንምግባር ምእንቲ ኪቐንኡ (ምእንቲ ኺተግሁ) (ብዛዕባ ኣጸቢቕካ ኸተረድኦም እደልይኣለኹ። እዚ (ብሰናይ ግብሪ ምትጋህ) ጽቡቕን ንሰብ ዚጠቅምንዩ። . . . እቶም ናትናውን፡ ብዘይ ፍረ ኸይኰኑ፡ ነቲ ብግዲ ዜድልይ ሰናይ ግብሪ ኺገብሩ ይመሃሩ።ቲቶ 38,14

ሰናይ ግብሪ ጠቓሚናን መኽበሪናን ስለ ዝዀነ፡ ብግዲ ስለ ዝተባህለልና ብኣስገዳድ እንገብሮ ኪኸውን ኣይግባእን። ምኽንያቱ ውልድነትና እነረጋግጸሉን እንዕቅበሉን እነጽንዓሉን እንኮ ሰብኣዊ መርትዖናዩ።

እዚ መርትዖ ውልድነትና ዝዀነ ሰናይ ግብሪ ኣብ ህይወትና ኸይበዝሕን ከይደምቕን ዚዕንቅፈና ዘሎ ደኣ እንታይዩ፡ ነዚ ዕንቅፋትዚኸ ብኸመይ ኢና ኽንዕወተሉንኽእል፧ እታ መገዲ ኣዝያ ቐላልን ንጽርትንያ። ንሳ ኸኣ ኵሉ ጊዜ፡ ኣብ ኵሉ ዅነታት፡ ኣብ ኵሉ ዝምድናዊ ንጥፈታት፡ ውሉድ ኣምላኽ ምዃንካ ምዝካር፡ ከም ውሉድ ኣምላኽ ኴንካ ምግባርን ምንባርንያ። ማሕበረ-መንፈሳዊ ህይወትና ብሓሳባት፡ ብዝርርብ፡ ብስምዒታት፡ ብተግባራት ዚግለጽ። ኣነ ውሉድ ኣምላኽየ። ከም ውሉድ ኣምላኽ መጠን ነዚ ኽሓስብ፡ ነዚ ኽዛረብ፡ ከም ኺስምዓኒ፡ እዚ ኽገብር ይግብኣኒ ድዩ፧ ንኣይ ንውሉድ ኣምላኽን ነቲ ዝወለደኒ ኣምላኽን ዚምጥን ድዩ፧ኢልና ንርእስና ብምሕታት፡ ንዅሉ ነገርና በዚ ሚዛን ኽንመዝኖ፡ በዚ መንፊት ኽንነፍዮ ይግብኣና። ውሉድ ኣምላኽ፡ ኪጻረፍ፡ ኪሓምይ፡ ኪሕስው፡ ኪቕየም ኪጸልእ፡ ኪቝጣዕ፡ ኪበኣስ፡ ኪቐንእ፡ ኬሻርው፡ ኬዳልው፡ ኪምንዝር፡ ኪራኸስ ኣይመጠኑን ኣይበቕዖን ከኣዩ። ንርእሱ ዀነ ነቲ ፈጣሪኡን ወላዲኡን ኣምላኽ ሰፍ ዘይብል ከቢድ መንፈሳዊ ውርደትዩ። ጽያፍካን ትፋእካን ከም ምልማጽ ዚቝጸር ነውራም ምርጫዩ። ውሉድ ኣምላኽ ምዃንና፡ ኣብ ከም ዝበለ ናይ ሰብከት ኣጋጣሚታት ጥራሕንሰምዖምበር፡ ኣብ ካልእ ጊዜ ፈጺሙ ትዝ ዘይብለና እንተ ዀይኑ፡ ብዘይካ ኣነዋሪ ግብርታትን ባህርያትን ካልእ ዝሓሸ እንመርጸሉ ፍቓድን ዓቕምን ከቶ ኣይህልወናንዩ። ስለ በይንና ዀነ ምስ ሰባት ኣብ እንዀነሉ ጊዜ፡ ኣብ ቤትና፡ ኣብ ስራሕና፡ ኣብ ትምህርትና፡ ኣብ መገድናን፡ ኣብ ቤተ ክርስትያንና ኣብንህልወሉ ዅሉ ኣጋጣሚታት፡ ኣብ ኵሉ ዅነታትን ዝምድናታትን፡ ውሉድ ኣምላኽ ምዃንና እናሓሰብና፡ ከም ውሉድ ኣምላኽ ኴንና ኽንዋሳእ እንተ ኽኢልና፡ ነዚ መርትዖ ውልድነትና ኽንገብሮን ክንነብሮን ፈጺሙ ኣይኬጸግመናንዩ።

ድሕሪ ዚተርፈና ንህይወትና ብዕቱብ ምምርማርዩ። ብድቓላ መንነት ማለት ጽድቅን ሓጢኣትን ሓዋዊስና ውሉድ ኣምላኽን ውሉድ ሰይጣንን ኴንና ንነብር ከም ዘየለና ርግጸኛታት ንኹን። ንውልድነትና ምእንቲ ኣምላኽ ብምንባር፡ ግብሪ ኣምላኽ (ሰናይ ግብሪ) ብምዝውታር፡ ንብርሃን ብምፍቃርን ንጸልማት ብምጽያፍን ኣሉ ብዘይብሃል ሓቀኛን ግሁድን መርትዖ ነግህዶ ኸም ዘለና ንኣምላኽ ንሰባትን፡ አረ ንሰይጣንውን ከይተረፈ፡ ነረጋግጸሉ!!

ጸጋ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስን ፍቕሪ ኣምላኽን ሕብረት መንፈስ ቅዱስን ምስ ኩላትና ይኹን።

ኦርቶዶክሳዊት ተዋህዶ ቤተ ክርስቲያን ኤርትራ - መንበረ ጵጵስና ሰሜን ኣሜርካ

ሚያዝያ 2025 | መጋቢት 27, 2016 ግዕዝ (መበል 30 ሰንበት: ቊ.፴/30)

ምስባክ

መዝመዝ ፲፮(፲፯)፡፫-ሐወፅከኒ ሌሊተ ወፈተንኮ ለልብየ። አመከርከኒ ወኢተረክበ ዓመጻ በላዕሌየ። ከመ ኢይንብብ አፉየ ግብረ ዕጓለ እመሕያው።

ንልበይ ተዓዚብካዮ፡ ብለይቲ በጺሕካዮ፡ መርሚርካንስ ገለ ኣይረኸብካን፡ ካብ ኣፈይ ክፍኣት ከይወጽእ ምኽረይ ቈሪጸየ። ብዛዕባ ግብርታት ሰብሲ ንቓል ከናፍርካ ብምእዛዝ፡ ካብ መገድታት ዓመጽቲ ተዓቂበ።

ንባባት

ኣንባቢ

ሮሜ 7፡1-14

ዲያቆን

1ዮሃ 4፡1-10

ንፍቅ ዲያቆን

ግብ 5፡34-ፍጻመ

ንፍቅ ካህን

ዮሃ 3፡1-21

ሰራዒ ካህን

ቅዳሴ ፦ ዘእግዝእትነ ማርያም መዝሙር፦ ሖረ ኅቤሁ

   

 

Diocese



 



 


ካብ ውሽጢ ኤርትራ ዝተረኽበ ንቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ንምቁጽጻር ብመንግስቲ ኤርትራ ክካየድ ዝጸንሐን ዘሎን ሽርሒ ዘቃልዕ ቪድዮ 



Support Tewahdo TV

Gofundme


Support Diocese

PayPal


ድኳን መጻሕፍቲ/Book Store


ጋዜጣ ፍኖተ ብርሃን፡ ልሣን

 ቤተ ክርስቲያን ተዋሕዶ


ስብከተ ወንጌል


ራድዮ ቃለ ኣዋዲ


መጻሕፍቲ - Books 


ጾምን በዓላትን


Diocese Churches

 

Radio Tewahdo

 Video - Youtube

TV Tewahdo

A Message from H.G. bishop Mekarios

መጸናንዒ ቃል ብብጹእ ኣቡነ መቃርዮስ

ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ብኸመይ

</div