“ነቲ ብእኡ ዚኣምን ኣይኪፍረዶን’ዩ፡ ነቲ ብእኡ ዘይኣምን ግና ብሓደ ወዱ ኣምላኽ ስለ ዘይኣመነ ድሮ ተፈሪድዎ’ዩ። እቲ ፍርዲ ኸኣ እዚ’ዩ፡ ብርሃን ናብ ዓለም መጸ፡ ደቂ ሰብ ግና ግብሮም ክፉእ ስለ ዝዀነ፡ ካብ ብርሃንሲ ጸልማት ፈተዉ። ምኽንያቱ እቲ ኽፉእ ዚገብር ዘበለ ዅሉ፡ ግብሩ ምእንቲ ኸይግለጽ ብርሃን ይጸልእ’ምበር፡ ናብ ብርሃን ኣይመጽእን’ዩ። እቲ ሓቂ ዚገብር ግና፡ ከም ትእዛዝ ኣምላኽ ስለ ዝገበረ፡ ግብሩ ምእንቲ ኺግለጽ ናብ ብርሃን’ዩ ዚመጽእ።” ዮሃ 3፡18-21 ካ.ት
እንሆ’ዚ ዕለት’ዚ ሻብዓይ ሰንበት ናይ’ዚ ዓብዪ ጾም’ዩ። ብመሰረት ስርዓት ቅድስቲ ቤተ ክርስትያን ድማ፡ “ኒቆዲሞስ” ይብሃል። ኒቆዲሞስ ብዓሌቱ ኣይሁዳዊ ዝዀነ ፈሪሳዊ ሊቅ ኰይኑ፡ ናይ ጐይታና ሕቡእ ወደ መዝሙር ነበረ። በቶም ሕሱማት ፈሪሳውያን ብጾቱ ምእንቲ ኸይንጸግ፡ ተሓቢኡ ብለይቲ እናመጸ ኻብ ጐይታ ይመሃር ነበረ። ብዛዕባ ዳግም ልደት ብንጹር ዝተገልጸሉ ቐዳማይ ሰብ ናይ ምዃን ክብሪ ድማ ረኸበ። “ዳግም ወይ ካልኣይ ልደት” ዚበሃል፡ እቲ ኻብ ማይ ብምስጢረ ጥምቀት ካብ መንፈስ ቅዱስ ከኣ ብምስጢረ ሜሮን እንረኽቦ ናይ መሰል ውልድነት ጸጋ’ዩ። ፈሪሳዊ ኣእምሮን ኣተሓሳስባን ንዘለዎ ሰብ፡ እዚ ምስጢር’ዚ ብቐሊሉ ኺርድኦ ኣይክእልን’ዩ።
ኒቆዲሞስ፡ ዋላ ደኣ ነቶም ፈሪሳውያን ብጾቱ ፈሪሁ ብለይቲ ይመላለስ’ምበር፡ ኣብ ጐይታ ዓባይ እምነት ከም ዝነበረቶን፡ ብዛዕባ እምነቱ ልዑል ትብዓት ከም ዝነበሮን ብዝተፈላለየ መገዲ ዘርኣየ ሰብ’ዩ። ሓደ እዋን ዋዕላ ኣይሁድ፡ ንጐይታና ኣሲሮም ኬምጽእዎ ገላዉኦም ለኣኹ። እንተ ዀነ ብብዙሕ ህዝቢ ተኸቢቡ ስለ ዝነበረ፡ ነቲ ዝተዋህቦም ትእዛዝ ኪትግብርዎ ኣጸገሞም። ምሹእ ጊዜ ኺረኽቡ እናተጸበዩ ኸለዉ ግና፡ በቲ ኻብ ልሳን ጐይታ ዚውሕዝ ዝነበረ ቓል-ጸጋ ልቦም ተመስጠ። ንእኡ ኸይሓዙ ድማ፡ ጥራይ ኢዶም ናብ ጐይተቶም ተመልሱ። ጐይተቶም ከኣ “ንምንታይ ደኣ ዘየምጻእኩምዎ፧” ኢሎም ምስ ተቘጥዕዎም። ንሳቶም ግና ብዛዕባ’ቲ ዝዓንቀፎም ምኽንያት ምዝራብ ገዲፎም፡ ብዛዕባ ጐይታ “ከም’ዚ ሰብኣይ’ዚ ገይሩ ዝተዛረበ (ኻልእ ሰብ) ከቶ የልቦን!!” ኢሎም ብኣድንቖት መስከሩ። ሽዑ’ቶም ዋዕላ ኣይሁድ ብዙሕን ውሑድን ኪዛረቡ ምስ ጀመሩ፡ ኒቆዲሞስ ብትብዓት “ሕግናኸ ንሰብ ቅድም ከይሰምዖን ነቲ ዝገበሮ ኸይፈለጠንዶ ይፈርዶ’ዩ፧” ብምባል በድሆም። ነዚ በዳሂ ሕቶ’ዚ ዚኸውን መልሲ ስለ ዘይነበሮም፡ ንኒቆዲሞስ ዜቃልል፡ “ንስኻ’ውንዶ ኻብ ገሊላ ኢኻ፧ መርምር’ሞ ኻብ ገሊላ ነብይ ከም ዘይትንስእ ክትርእይ ኢኻ፧ ኢሎም ዋዕላኦም ፋሕ ኢሉ ነናብ ቤቶም ከዱ (ዮሃ 7፡32,45-52)።
ኒቆዲሞስ ግን በዚ ጥራሕ ከይተደረተ፡ ኵሎም ናይ ጐይታ ሃዋርያትን ደቀ መዛሙርትን’ኳ ኪገብርዎ ዘይከኣሉ ትብዓት ዚጠልብ ግብሪ ዝገበረ’ዩ። ጐይታና ኺተሓዝ ከሎ ኵሎም ደቀ መዛሙርቱ ሓዲጎምዎ’ዮም ሃዲሞም። ምስ ሞተ ድማ ሬሳኡ ተቐቢሉ ኪቐብሮ ዝሓለየ ሓደ’ኳ ኣይነበረን። ኣብ’ቲ ዅሉ ሰብ ብራዕዲ ተዋሒጡሉ ዝነበረ ጊዜ፡ ብትብዓት መጺኦም ኵሉ’ቲ ብኣይሁድ ንሓደ ሬሳ ዚግበር ስርዓት ኣማሊኦም በገባብ ዝቐበርዎ፡ ክልተ ሕቡኣት ደቀ መዛሙርቱ ዝነበሩ፡ ዮሴፍ ብዓል ኣርማትያስን ፈሪሳዊ ኒቆዲሞስን’ዮም። ኣብ’ቲ እዋን’ቲ ኒቆዲሞስ ኣስታት 31 ኪሎ ግራም ዝኽብደቱ ካብ ከርበን ዓልወን (Myrrh & Aloe) ተሓዊሱ ዝተሰርሐ ቀመም ሒዙ መጸ። እዚ ቐመም’ዚ ኣይሁድ ንሬሳኦም ዚቐብኡሉ፡ ካብ ምብስባስ ዚከላኸል ቀመም’ዩ። ኣዝዩ ኽቡር ቀመም ከኣ’ዩ። ዮሴፍ ከኣ ንርእሱ ኢሉ ኣብ ከውሒ ኣብ ዘውቀሮ ሓድሽ መቓብር ቀበሮ (ዮሃ 19፡38-42 ፣ ሉቃ 23፡50-54 ማቴ 27፡57-60 ፣ ማር 15፡42-46)። ከም’ዚ ዝዓይነቱ መቓብር፡ ሃብታማትን መኳንንትን ጥራሕ ዚቕበሩሉ ክቡር መቓብር’ዩ። እዞም ክልተ ሕቡኣት ደቀ መዛሙርቲ ተሓባቢሮም፡ ነቲ ብነብዪ ኢሳይያስ “ብሞቱ ምስ ሃብታማት ኰነ” ዝተባህለ ትንቢት ብግብሪ ፈጺምዎ (ኢሳ 53፡9)።
ኒቆዲሞስ፡ ዋላ ደኣ ብዛዕባ ጐይታና ጽቡቕ ኣረኣእያን ምስክርነትን ይንበሮ’ምበር፡ ንሱ ጥራይ ኣኻሊ ኣይነበረን። ጐይታና ድማ ነዚ ፍቁር ባርያኡ’ዚ ናብ ዝዓበየ ጸጋ፡ ማለት ናብ ውልድነት ኬብቅዖ ስለ ዝደለየ፡ ፍሉይ ምስጢር ገለጸሉ። ንሱ ኸኣ ካብ ላዕሊ ካብ ኣምላኽ ኪውለድ ከም ዜድልዮ’ዩ። ካብ ላዕሊ ዘይተወልደ፡ ናብ’ታ ናይ ላዕሊ መንግስቲ፡ ናብ መንግስተ ሰማያት ከም ዘይኣትው ኣፍለጦ። ኒቆዲሞስ ግና ብዘይካ’ታ ናይ ማህጸን ልደት ካልእ ልደት ዘይፈልጥ ስለ ዝነበረ፡ እዚ ምስጢር’ዚ ቐልጢፉ ኺርድኦ ኣይከኣለን። ስለ’ዚ ጐይታና ኣግሂዱ፦ “ብሓቂ፡ ብሓቂ እብለካ’ለኹ፡ ካብ ማይን መንፈስ ቅዱስን እንተ ዘይተወልደ፡ ናብ መንግስቲ ኣምላኽ ኪኣትው ዚኽእል የልቦን። ካብ ስጋ እተወልደ ስጋ’ዩ፡ ካብ መንፈስ እተወልደ ኸኣ መንፈስ’ዩ። ‘ካልኣይ ክትውለዱ (ናይ ግድን’ዩ)’ ስለ ዝበልኩኻ ኣይትገረም።” ብምባል ኣፍለጦ (ዮሃ 3፡5-7 ካ.ት)። “ካብ ማይ ምውላድ” ዚበሃል ዘሎ፡ እቲ ብማይ ዚፍጸም ምስጢረ ጥምቀት ኪኸውን ከሎ፡ “ካብ መንፈስ ቅዱስ ምውላድ” ዚበሃል ዘሎ ድማ ምስጢረ ሜሮን’ዩ። ብመሰረት ስርዓት ቅድስቲ ቤተ ክርስትያንና እዘን ክልተ ምስጢራት’ዚኣተን ኣብ ሓንቲ መዓልቲ’የን ብሓንሳእ ዚፍጸማ። በዘን ብእምነት ዚፍጸማ ምስጢራት ድማ መሰል ውልድነት ንረክብ። ኒቆዲሞስ ክርስቶስ ካብ ኣምላኽ ዝተላእከ ምዃኑ ኣሚንዎን ተቐቢልዎን’ኳ እንተ ነበረ፡ ናብ ውልድነት ዜውህብ ናይ ጸጋ ምስጢራት ግን ስለ ዘይበጽሐ፡ ጐይታና ብዘይ ውልድነት ድሕነትን ናብ መንግስተ ሰማያት ምእታውን ከም ዘይርከብ ብምንጋር፡ ናብ’ቲ ዘይተግበሮን ዘይተቐበሎን ጸጋ መርሖ።
ውሉድ ኣምላኽ ምዃን ማለት ግን እንታይ ማለት’ዩ፧ ነዚ ምስጢራት’ዚ ዝፈጸምና ጥራሕ ከም ናይ ክርስቶስ ዝበለ ውልድነት ይህልወና ማለት ድዩ፧ ኣብ’ቲ መንፈሳዊ ዓለም ኰነ ኣብ’ዚ ዘለናዮ ዓለም፡ ክልተ ዓይነት ውልድነት’ዩ ዘሎ። እቲ ቐዳማይን ዝዓበየን ናይ ባህርይ ውልድነት ኪኸውን ከሎ፡ እቲ ኻልኣይ ድማ ናይ መሰል ውልድነት’ዩ። ከም ኣብነትን መረዳእታን ኪዀነልና፡ ነዚ ንሕና ደቂ ሰባት ዘሎና ውልድነት ንርኣይ። ክልተ ሰባት፡ ሰብኣይን ሰበይትን ብሕጋዊ ተክሊል ተመርዕዮም ጾታዊ ርክብ ድሕሪ ምፍጻሞም፡ ካብ ናይ ክልቲኦም ዘርኢ ሓደ ድቂ ኣብ ማህጸን ናይ’ታ ኣደ ይትከል። እቲ ዕሸል ዜድልዮ ዅሉ ብመገዲ መዳሕንትን ዕትብትን እናረኸበ፡ ፍጹምን ምሉእን ሰብ ኰይኑ መዓልቱ ምስ ኣኸለ፡ ተወሊዱ ኣብ’ዛ ዓለም’ዚኣ ይነብር። ነዚ ልደት’ዚ “ባህርያዊ ልደት” ወይ “ናይ ባህርይ ልደት” ንብሎ። ኵሉ’ቲ ነዚ ህንጻን’ዚ ዘቘመ ኣካላት ሰብነት፡ ደም ወዘተ ኻብ’ዞም ክልተ መጻምድቲ ዝተወስደ’ዩ። ብኻልእ ኣዘራርባ እቲ ህጻንን እቶም ወለድን ሓደ ስጋ ሓደ ኣካልዮም። ብስሞም ይጽዋዕ ኣብ ቤቶምን ኣብ ሕቝፎምን ይነብር፡ ብንብረቶምን ብገንዘቦምን ብጕልበቶምን ይነብር፡ ኣብ መወዳእታ ድማ ወራሲኦም ይኸውን። ነዚ ውልድነት’ዚ ኺልውጦን ከም ዘይተፈጸመ ከም ዘይነበረን ኪገብሮ ዚኽእል ኣካል ኰነ ሕጊ የልቦን።
ናይ መሰል ውልድነት ግን ካብ’ዚ ዝተፈልየ’ዩ ብኣካል ዝወለድዎ ወለዲ ኻልኦት’ዮም። ንሳቶም ስለ ዘየለው፡ ወይ’ውን ኬዕብይዎ ዓቕሚ ስለ ዘይብሎም፡ ካልኦት ሰባት ተቐቢሎም ልክዕ ነቲ ኻብ ማህጸን ዝወለድዎ ውላዶም ዚህብዎን ዚገብሩሉን ኵሉ፡ ነዚ ውሉዶም ኪኸውን ፈትዮም ብምሉእ ፍቓዶም ዝተቐበልዎ ህጻን ወይ ቈልዓ ኪገብሩሉ። ናይ ብሓቂ ውላዶም ኣይኰነን፡ ግን ነቲ ሓቀኛ ውሉዶም ዚገብርዎ ኺገብሩሉ፡ ውሉዶም ናይ ምዃን መሰል ይህብዎ ማለት’ዩ።
ጐይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ድማ እቲ እንኮ ናይ እግዚኣብሄር ኣቦ ናይ ባህርይ ውሉድ’ዩ። ከም’ቲ ንሕና ብባህርያዊ ልደት ልክዕ ከም ወለድና ምሉኣት ሰባት ኴንና ‘ንውለድ፡ ክርስቶስ ድማ ናይ ባህርይ ወዱ ስለ ዝዀነ ልክዕ ከም ኣቦኡ ፍጹም ኣምላኽ’ዩ። ልክዕ ከም’ቲ ካብ እግዚኣብሄር ኣቦ ብዘይ ኣደ ተወሊዱ ፍጹም ኣምላኽ ዝዀነ፡ ከምኡ ድማ ብዘይ ናይ ስጋ ኣቦ ካብ ቅድስቲ ድንግል ማርያም ተወሊዱ ፍጹም ሰብ ኰነ። ስለ’ዚ ይትረፍ በቲ መለኮታዊ ናይ ባህርይ ልደቱ፡ ዋላ በቲ ሰብኣዊ ናይ ባህርይ ልደቱ’ውን ናይ ክርስቶስ ልደት ዚምጥን ልደት የብልናን። እግዚኣብሄር ግን በቲ ሕያዋይን መፍቀርን መሓርን ባህርዩ ተደሪኹ፡ መሰል ውልድነት ብምሃብ፡ ነቲ ሓደ ናይ ባህርይ ወዱ ዚህቦ ዅሉ ኺህበናን ኪገብረልናን ፈቐደ። ነዚ ሓቂ’ዚ ኸኣ ቅዱስ ወንጌል ብንጹር ገሊጹልና ኣሎ።
“(ክርስቶስ) ናብ’ቶም ናቱ (ናብ ኣይሁድ) መጸ። እቶም ናቱ ግና ኣይተቐበልዎን፡ ነቶም እተቐበልዎ ዘበሉ ዅሎም ብስሙ ንዚኣምኑ ግና፡ ወሉድ ኣምላኽ ኪዀኑ መሰል ሃቦም። ንሳቶም ከኣ ካብ ኣምላኽ’ምበር፡ ካብ ደም፡ ወይ ካብ (ፍትወት) ስጋ፡ ወይ ከኣ (ብፍቓድ/ ብድልየት) ሰብኣይ ዘይተወልዱ’ዮም።” ዮሃ 1፡11-13
“ንስኻትኩምሲ ነቲ ብእኡ ጌርና (ንኣምላኽ) ‘ኣባ፡ ኣቦ’ ኢልና እንጽውዓሉ መንፈስ ውልድነት ኢኹም እተቐበልኩም’ምበር፡ (ናብ ፍርሃት ክትምለሱ ከም ብሓድሽ መንፈስ ባርነት) ኣይተቐበልኩምን፡ ስለ’ዚ እቶም (ብፍቓድ ስጋ ዘይኰነ) ብመንፈስ ኣምላኽ ዚምርሑ ዘበሉ፡ ንሳቶም ውሉድ ኣምላኽ’ዮም። ውሉድ ኣምላኽ ምዃንና ኸኣ፡ እቲ መንፈስ (ኣምላኽ) ባዕሉ’ዩ፡ ምስ መንፈስና ዀይኑ (ዚምስክረልና)። (እምበኣር) ውሉድ ካብ ኰንና፡ ወረስቲ ድማ ኢና፡ ንኣምላኽ ወረስቱ፡ ንክርስቶስ ድማ መዋርስቱ ኢና። ምስኡ ሓሳረ መከራ እንተ ጸገብናስ፡ ምስኡ’ውን ክንከብር ኢና።” ሮሜ 8፡14-17
“ብክርስቶስ እተጠመቕኩም ዘበልኩም ንክርስቶስ ለበስኩምዎ’ሞ፡ ብእምነት ብኢየሱስ ክርስቶስ ኵላትኩም ውሉድ ኣምላኽ ኢኹም ኵላትኩም ብክርስቶስ ኢየሱስ ሓደ ኢኹም። . . . ምልኣት ዘመን ምስ መጸ (ጊዜኡ ምስ በጽሐ) ግና፡ ነቶም (ኣብ ትሕቲ ስልጣን ሕጊ) ዘለዉ፡ (ደሙ) ተሻዪጡ ምእንቲ (ኼድሕኖም)፡ ንሕና’ውን (መሰል) ውልድነት ምእንቲ ኽንረክብሲ፡ ኣምላኽ ነቲ (ብዘይ ሰብኣይ) ካብ ሰበይቲ እተወልደ፡ ኣብ ትሕቲ ሕጊ’ውን (ዝሓደረ) ወዱ ለኣኾ። ውሉድ ስለ ዝዀንኩም ከኣ፡ ኣምላኽ ነቲ ‘ኣባ፡ ኣቦ’ ኢሉ ዚጽውዕ መንፈስ ወዱ ናብ ልብና ለኣኾ። ደጊም ድሕሪ’ዚ ውሉድ’ምበር፡ ባርያ ኣይኰንካን፡ ውሉድ ካብ ኰንካ ግና፡ ብክርስቶስ ወራሲ ኣምላኽ ኢኻ።” ገላ 3፡27,28 ፣ 4፡4-7
“ጽቡቕ ፍቓዱን መደቡን ስለ ዝነበረ ኸኣ ንርእሱ ውሉድ ክንኰኖ ብኢየሱስ ክርስቶስ ቀደም መደበና። እዚ (ዝገበረሉ ምኽንያት) ከኣ፡ እቲ በቲ ዜፍቅሮ ወዱ ገይሩ ዝሃበና ኽቡር ጸጋ ምእንቲ ኺምስገን ኢሉ’ዩ።” ኤፌ 1፡5,6 ካ.ት
እዚ ብተኸታታሊ ዘንበብናዮ ሃዋርያዊ መልእኽታት’ዚ፡ ብዛዕባ’ቲ ኣምላኽ ብሕያውነቱ ዝሃበና ልዑል ናይ ውልድነት ጸጋን ክብርን ዜበስረና ስለ ዝዀነ፡ ኣብ ልብና ኸነሕድሮን ማዕረ ስምና ኽንፈልጦን ዚግብኣና’ዩ። እምበኣር ብመሰረት’ዚ ተዋሂቡና ዘሎ ሃዋርያዊ ቓል’ዚ ብምስጢረ ጥምቀት ንክርስቶስ ንለብሶ፡ ብምስጢረ ሜሮን ድማ መንፈስ ቅዱስ ኣብ ውሽጥና ይሓድር፡ እዚ ድማ ኣምላኽ መሰል ውልድነት ከም ዝሃበና ዜረጋግጸልና መለኮታዊ መርትዖ’ዩ። እቲ ብምስጢረ ሜሮን ኣባና ሓዲሩ መቕደሱ ዝገበረና እግዚኣብሄር መንፈስ ቅዱስ ማሕተም ውልድነትናን ዕርቡን ናይ’ቲ ዘለኣለማዊ ናይ ውልድነት ርስትናን’ዩ (ኤፌ 1፡13,14 ካ.ት ፣ 2ቈረ 1፡21,22 ካ.ት)። ኣብ’ዚ ልዕል ኢልና ዘንበብናዮ ሃዋርያዊ ቓላት፡ ኣብ ውሽጥና ሓዲሩ ውሉድ ኣምላኽ ምዃንና ዚምስክረልና፡ ንኣምላኽና “ኣባ፡ ኣቦ” ኢልና፡ ኽንጽውዖ ዜኽእለናን ዚድርኸናን ንሱ’ዩ።
ሕራይ፡ እቲ ብኣምላኽ ዚወሃብ ናይ ውልድነትና መለኮታዊ መርትዖ ኻብ ቀረበ፡ እቲ ብኣና ወገን ኪቐርብ ዚግብኦ ናይ ውልድነትና ሰብኣዊ መርትዖኸ እንታይ’ዩ፧ ናይ’ዚ ዕለት’ዚ ናይ ትምህርትና ኣንጒዕ፡ ኣብ መልሲ ናይ’ዚ ረዚን ሕቶ’ዚ’ዩ ዚርከብ። ዝዀነ እንተ ዀነ፡ ካብ እግዚኣብሄር ጒድለትን ጥልመትን ኪርከብ ፈጺምካ ዘይሕሰብ’ዩ። ነዚ ኣርእስትና ኸቢድ ዚገብሮ ግና፡ ናይ ውልድነት ጒዳይ ብኣምላኽ ጥራሕ ዘይውሰን ምዃኑ’ዩ። ነቲ ኣቐዲምና ዝተዛረብናሉ ንዓይነት ውልድነትና ዚገልጽ ሓሳብ ኣይንረስዓዮ። ውልድነትና ናይ መሰል’ምበር፡ ናይ ባህርይ ኣይኰነን። ነቲ ዝረኣናዮ ናይ ውልድነት ኪዳን ዚጠልበና ረቛሒታት እንተ ዘየማሊእናዮ፡ ኪዳንና ስለ ዘፍረስና ንውልድነትና ኽንስእኖ ንኽእል ኢና። መሪሕ ጥቕስናን እቲ ዘንበብናዮ ሃዋርያዊ መልእኽታትን፡ ውልድነትና ብኸመይ ከም እነረጋግጽን፡ እዚ ውልድነት’ዚ እንታይ ሓላፍነት ከም ዜሰክመናን ብንጹር ገሊጾምልና’ዮም። እግዚኣብሄር ብምስጢራቱ ኣባና ዚገልጾ ጸጋ፡ ብዓይኒ ዘይረኣይ ረቂቕ’ዩ። ብምስጢረ ጥምቀት ንክርስቶስ ምስ ለበስናዮ ከም ዝለበስናዮ ብዓይኑ ኺርእዮ ዚኽእል ዋላ ሓደ’ኳ የልቦን። በቲ ኣብ ማሕበራውን መንፈሳውን ህይወትና እንነብሮ ግብራዊ ናብራ ግን፡ ህይወት ክርስቶስ ኣባና ኽትገሃድን፡ ክርስቶስ ኣባና ኸም ዘሎ ኺረጋገጽን ይኽእል ጥራሕ ዘይኰነ፡ ናይ ግድን ኪገሃድ ይግብኦ’ዩ። ናይ ውልድነትና ሰብኣዊ መርትዖ ኸኣ ንሱ’ዩ። ቅዱስ ጳውሎስ ብዛዕባ’ቲ ብክርስቶስ ድሕሪ ምእማኑ ዝነበሮ ህይወት ኪምስክርን ኪእመንን ከሎ፡ ነቲ ብምስጢረ ጥምቀት ምስ ክርስቶስ ዝሞቶ ብኸመይ ኣብ ህይወቱ ኸም ዚግለጽ ግሩም ገይሩ ገሊጹልና ኣሎ።
“. . . ጸጋ ምእንቲ ኺዓዝዝሲ፡ ሓጢኣት እናገበርናዶ ንንበር፧ ያእ ኣይፋልናን። ንሕና ‘(ብጥምቀት) ካብ ሓጢኣት ተፈሊና (ሞይትና)’ እናበልናስ፡ ከመይ ኢልና ደኣ ሕጂ ኣብ ሓጢኣት ክንነብር፧ ወይስ እቶም ብክርስቶስ ዝተጠመቕና ዘበልና፡ ኵላትና ብሞቱ ኸም ዝተጠመቕናዶ ኣይትፈልጡን ኢኹም፧ እምበኣር ከም’ቲ ክርስቶስ ብኽብሪ ኣቦ ኻብ ምውታት ዝተንስአ፡ ከምኡ ኸኣ ንሕና ብሓዳስ ህይወት ምእንቲ ኽንነብር፡ ብጥምቀት ምስኡ ሞትናን ተቐበርናን።” ሮሜ 6፡1-4 ካ.ት
“ግናኸ ብክርስቶስ ክንጸድቕ እናደለናስ፡ ንርእስና ሓጥኣን ኴንና (እንተ) ተረኸብና፡ እምበኣርሲ ክርስቶስዶ ኣገልጋሊ ሓጢኣት’ዩ፧ ያእ ኣይፋሉን!! ነቲ (ፈትየ) ዘፍረስክዎ (ሓጥእ ህይወት) ከም ብሓድሽ እንተ ነደቕክዎ ኣበሰኛ (መፍረስ ኪዳን) ምዃነይ አርእይ ኣለኹ፡ ኣነስ (ንኣምላኽ ህያው ኰይነ ምእንቲ ኽነብር፡ ካብ ሕጊ ሙሴ ሓራ ወጺአ’የ። ማለት እቲ ሕጊ ባዕሉ ቐቲሉኒ’ዩ። ክርስቶስ (ብስጋ) ተሰቒሉ’ዩ፡ ኣነ ኸኣ (ብጥምቀት) ምስኡ ተሰቒለ’የ)። ግናኸ (ምስ ክርስቶስ ብጥምቀት ካብ ሓጢኣት ድሕሪ ሙማተይ ሕጂ ) ክርስቶስ’ዩ ኣባይ ዚነብር ዘሎ’ምበር፡ ደጊም ኣነ ኣይኰንኩን (ኣባይ) ዚነብር ዘለኹ። እዚ ሕጂ ብስጋ ዚነብሮ ዘለኹ። ኣነስ ጸጋ ኣምላኽ ኣይንዕቅን’የ፡ . . . “ ገላ 2፡17-21 (ካት + ቀ.ት)
እምበኣር ብመሰረት’ዚ ሃዋርያዊ ምህሮ’ዚ፡ እዚ መሰል ውልድነት ዜጸግወና ምስጢረ ጥምቀት’ዚ፡ ካብ ሓጢኣት ተፈሊና ብጽድቂ ኽንነብር፡ ንሓጢኣት ምዉታት ንኣምላኽ ግና ህያዋን ኴንና ምእንቲ ኽንነብር ዝተዋህበና ጸጋ’ዩ። ነዛ ዕላማ ጥምቀትና ብግብሪ ንነብራ እንተ’ሊና፡ ናይ ውልድነትና ብቑዕ ሰብኣዊ መርትዖ ኣቕሪብና ኣለና። “ካብ ሓጢኣት ምስ ክርስቶስ ብጥምቀት ተሰቒለ’የ፡ ሞይተ ተቐቢረስ፡ ብሓዳስ ህይወት ምእንቲ ኽመላለስ ምስ ክርስቶስ ካብ ሞት ሓጢኣት ተንሲአ’የ ኢልና ኸነብቅዕ፡ ኣብ ሓጢኣት ተኣሊኽና ንነብር እንተ ዄንና ግን፡ ነቲ ብምስጢረ ጥምቀት ዝተቐበልናዮ ናይ ውልድነትና መለኮታዊ መርትዖ ዝዀነ ጸጋ ኣምላኽ ንዒቕና ደርቢናዮስ፡ ረጊጽናዮ ንመላለስ ኣለና ማለት’ዩ። ነቲ ብጥምቀት ዝለበስናዮ ክርስቶስ ድማ ካብ ህይወትና ቀንጢጥናዮ፡ ነቲ ብምስጢረ ሜሮን ዝተቐበልናዮ ማሕተም ውልድነትናን ዕርቡን ናይ ዘለኣለማዊ ርስትናን ዝዀነ መንፈስ ቅዱስ’ውን፡ ነቲ “መንፈስ ቅዱስ ኣይተጥፍኡ” ዚብል ቃል ጥሒስና ካብ ህይወትና ኣውጺእናዮ ኣጥፊእናዮን ማለት’ዩ (1ተሰ 5፡19 ካ.ት)። ነቲ ረቂቕን ስዉርን መለኮታዊ መርትዖ ውልድነት፡ በቲ ርኡይን ግሁድን ሰብኣዊ መርትዖ ውልድነት እንተ’ጽኒዕናዮን እንተ ደሪዕናዮን ግን፡ ማሕደር ክርስቶስን ማሕደር መንፈስ ቅዱስን ኴንና ናይ ጸጋ ናብራ ንነብር፡ ብሓዳስ ህይወት ንመላለስ፡ ንኣምላኽ ህያዋን ንኸውን፡ ህይወት ክርስቶስ ኣባና ትገሃድ፡ ብምልኣት ንክርስቶስ ንመስሎ ፍረ መንፈስ ቅዱስ ኣብ ህይወትና ይበዝሕ። እዚ ዅሉ ኸኣ ኣሉ ዘይበሃሎ ግሁድን ርጉጽን ሰብኣዊ መርትዖ ናይ’ቲ ኻልኣይ ልደትና’ዩ።
እዚ ሰብኣዊ መርትዖ ውልድነትና ኣብ መሪሕ ጥቕስና ብኸመይ’ዩ ተገሊጹ ዘሎ፧ ቅድሚ ዅሉ መሪሕ ጥቕስና ናይ’ዚ ሎሚ ዘንበብናዮ ንባብ ቅዱስ ወንጌል ናይ መወዳእታ ዛዛሚ ጥቕስታት ምዃኑ ኣይንዘንግዕ። ጐይታና ነዚ ምስ ኒቆዲሞስ ዝተዘረበሉ ናይ ዳግም ልደት ምስጢር፡ በዚ መሪሕ ጥቕስና ገይሩ’ዩ ዛዚምዎ። እዚ ክርስቶሳዊ ቓል’ዚ ንዝምድና ጸልማትን ክፉእ ግብርን፡ ከምኡ ድማ ንዝምድና ሰናይ ግብርን ብርሃንን ብምግላጽ’ዩ። ነዚ ሰብኣዊ መርትዖና ዚገልጾ። እግዚኣብሄር ዚጽየፎ ኽፉእ ግብሪ ምግባር፡ ፍቕሪ ጸልማት ከም ዘሎና፡ ኣብ ጸልማት ከም ‘ንነብር፡ ምስ’ቲ ብርሃናዊ ኣምላኽ ግሁድ ጽልኢ’ምበር፡ ናይ ውልድነት ዝምድና ኸም ዘይብል ዜረጋግጽ’ዩ። ስለ’ዚ እቲ እነዘውትሮ ግብሪ፡ ናይ መንፈሳዊ መንነትና ግሁድ መርትዖ’ዩ። ብኣንጻሩ ሰናይ ግብሪ ኸነዘውትር ከለና ድማ ፍቕሪ ብርሃን ከም ዘሎና፡ ኣብ ብርሃን ከም ‘ንነብር፡ ደቂ’ቲ ብርሃናዊ ኣምላኽ፡ ደቂ ብርሃን ምዃንና ዜረጋግጽ ሰብኣዊ ምርትዖና’ዩ። ግብርና ድማ ባዕላትና ፈቲና ኢና ‘ንገብሮ’ምበር፡ ካልእ ኣካል ኣይመርጸልናን ኣይገብረልናን ከኣ’ዩ። ስለ’ዚ ድማ ኢና “ሰብኣዊ መርትዖ” ‘ንብሎ። ብዛዕባ ግብርና ብእወታ ዀነ ብኣሉታ እንፍረደሉ ምኽንያት’ውን ንሱ’ዩ። ብርግጽ ክፉእ ክንገብር ዜስሕተና፡ ሰናይ ክንገብር ዚድርኸናን ዚድግፈናን ኣካላት ከም ዘለዉና ዘይከሓድ’ዩ። ውዒሉ ሓዲሩ ግን፡ እቲ ናትና ምርጫን ፍቓድን’ዩ ወሳኒ ዚኸውን። ግብርና ኸኣ ኣብ ብርሃን ወይ ኣብ ጸልማት ምህላውና ብንጹር ዜመልክት’ዩ። ስለ’ዚ ኸኣ መጽሓፍ ቅዱስና ንኽፉእ ግብሪ “ግብሪ ጸልማት/ኣጽዋር ጸልማት” ንሰናይ ግብሪ ኸኣ “ግብሪ ብርሃን” / ኣጽዋር ብርሃን” ብምባል ይሰምዮ (ሮሜ 13፡12) ፣ ኤፌ 5፡8-11)። እግዚኣብሄር በቲ ፍቁር ወዱ ብኢየሱስ ክርስቶስ ገይሩ ደቁ ኺገብረና ዝደለየሉ ምኽንያቱ፡ ኣብ’ዛ ጸልማት ዓለም’ዚኣ ነቲ ናቱ ብርሃናዊ ባህርይ ንኸነንጸባርቕ’ዩ። ዕላማ ሰናይ ግብሪ ንእግዚኣብሄር ንምግላጽ’ምበር፡ ንኣና ንርእስና ንምግላጽ ኣይኰነን። ናብ’ዛ ናይ ውልድነት ኪዳን ድሕሪ ምእታውና፡ ንርእስና ኢልና ‘ንገብሮ ዝዀነ ይኹን ሰናይ ግብሪ ኺህልው ኣይግባእን። ኣይከኣልን ከኣ’ዩ (ሮሜ 14፡7-10 ፣ 2ቈረ 5፡15)። ምእንቲ ርእስኻ ኢልካ ዚግበር ሰናይ ግብሪ፡ ኣቦኡ ዘፍለጠ ውጹእ ሓጢኣት’ዩ። ምኽንያቱ ነቲ ዕላማ ገልቢጥካን ኣበላሺኻን ከተብቅዕ፡ ነቲ ግብሪ ኸተጥዕዮ ኣይከኣልን’ዩ (ዘካ 7፡2-6)።
“(ምኽንያቱ) ንሕና ነቲ ኣምላኽ ኣቐዲሙ (ቅድሚ ምስራት ዓለም፡ ዘዳለወልና ሰናይ ተግባራት እናፈጸምና ምእንቲ ኽንነብር፡ ብክርስቶስ ኢየሱስ ዝፈጠረና ፍጡራት ኣምላኽ ኢና።” (ኤፌ 2፡10 ካ.ት)።
እምበኣር እቲ ሓቂ እዚ ኻብ ኰነ፡ ዕላማ ምፍጣርና ዀነ ዕላማ ውልድነትና ግብሪ ብርሃን ጥራሕ ምዝውታር’ዩ። ሰናይ ግብሪ ናይ ብሓቂ ግብሪ ብርሃን ምዃኑ ድማ፡ ጐይታና፦
“ከምኡ ኸኣ ነቲ ጽቡቕ ግብርኹም ርእዮም (ንኣኻትኩም ዘይኰነ) ነቲ ኣብ ሰማያት ዘሎ ኣቦኹም ምእንቲ ኼመስግንዎ፡ ብርሃንኩም (ሰናይ ግብርኹም) ኣብ ቅድሚ ሰብ ይብራህ።” ብምባል ኣረጋጊጹል’ዩ (ማቴ 5፡16)። ቅዱስ ጴጥሮስ’ውን ዕላማ ውጽኢትን ናይ ሰናይ ግብሪ እንታይ ምዃኑ ገሊጹልና’ዩ (1ጴጥ 2፡12,15)። ቅዱስ ጳውሎስ’ውን ረብሓን ግድነታዊ ኣገዳስነትን ናይ ሰናይ ግብሪ እንታይ ምዃኑ ብኸም’ዚ ዚስዕብ ገሊጹልና ኣሎ።
“እዚ ቓል’ዚ እሙን’ዩ፡ ነቶም ብኣምላኽ ዝኣመኑ፡ ሰናይ ግብሪ ንምግባር ምእንቲ ኪቐንኡ (ምእንቲ ኺተግሁ)፡ (ብዛዕባ’ዚ ኣጸቢቕካ ኸተረድኦም እደልይ’ኣለኹ። እዚ (ብሰናይ ግብሪ ምትጋህ) ጽቡቕን ንሰብ ዚጠቅምን’ዩ። . . . እቶም ናትና’ውን፡ ብዘይ ፍረ ኸይኰኑ፡ ነቲ ብግዲ ዜድልይ ሰናይ ግብሪ ኺገብሩ ይመሃሩ።” ቲቶ 3፡8,14
ሰናይ ግብሪ ጠቓሚናን መኽበሪናን ስለ ዝዀነ፡ ብግዲ ስለ ዝተባህለልና ብኣስገዳድ እንገብሮ ኪኸውን ኣይግባእን። ምኽንያቱ ውልድነትና እነረጋግጸሉን እንዕቅበሉን እነጽንዓሉን እንኮ ሰብኣዊ መርትዖና’ዩ።
እዚ መርትዖ ውልድነትና ዝዀነ ሰናይ ግብሪ ኣብ ህይወትና ኸይበዝሕን ከይደምቕን ዚዕንቅፈና ዘሎ ደኣ እንታይ’ዩ፡ ነዚ ዕንቅፋት’ዚኸ ብኸመይ ኢና ኽንዕወተሉ ‘ንኽእል፧ እታ መገዲ ኣዝያ ቐላልን ንጽርትን’ያ። ንሳ ኸኣ ኵሉ ጊዜ፡ ኣብ ኵሉ ዅነታት፡ ኣብ ኵሉ ዝምድናዊ ንጥፈታት፡ ውሉድ ኣምላኽ ምዃንካ ምዝካር፡ ከም ውሉድ ኣምላኽ ኴንካ ምግባርን ምንባርን’ያ። ማሕበረ-መንፈሳዊ ህይወትና ብሓሳባት፡ ብዝርርብ፡ ብስምዒታት፡ ብተግባራት’ዩ ዚግለጽ። ኣነ ውሉድ ኣምላኽ’የ። ከም ውሉድ ኣምላኽ መጠን ነዚ ኽሓስብ፡ ነዚ ኽዛረብ፡ ከም’ዚ ኺስምዓኒ፡ እዚ ኽገብር ይግብኣኒ ድዩ፧ ንኣይ ንውሉድ ኣምላኽን ነቲ ዝወለደኒ ኣምላኽን ዚምጥን ድዩ፧” ኢልና ንርእስና ብምሕታት፡ ንዅሉ ነገርና በዚ ሚዛን’ዚ ኽንመዝኖ፡ በዚ መንፊት’ዚ ኽንነፍዮ ይግብኣና። ውሉድ ኣምላኽ፡ ኪጻረፍ፡ ኪሓምይ፡ ኪሕስው፡ ኪቕየም ኪጸልእ፡ ኪቝጣዕ፡ ኪበኣስ፡ ኪቐንእ፡ ኬሻርው፡ ኬዳልው፡ ኪምንዝር፡ ኪራኸስ ኣይመጠኑን ኣይበቕዖን ከኣ’ዩ። ንርእሱ ዀነ ነቲ ፈጣሪኡን ወላዲኡን ኣምላኽ ሰፍ ዘይብል ከቢድ መንፈሳዊ ውርደት’ዩ። ጽያፍካን ትፋእካን ከም ምልማጽ ዚቝጸር ነውራም ምርጫ’ዩ። ውሉድ ኣምላኽ ምዃንና፡ ኣብ ከም’ዚ ዝበለ ናይ ሰብከት ኣጋጣሚታት ጥራሕ ‘ንሰምዖ’ምበር፡ ኣብ ካልእ ጊዜ ፈጺሙ ትዝ ዘይብለና እንተ ዀይኑ፡ ብዘይካ’ዚ ኣነዋሪ ግብርታትን ባህርያትን’ዚ ካልእ ዝሓሸ እንመርጸሉ ፍቓድን ዓቕምን ከቶ ኣይህልወናን’ዩ። ስለ’ዚ በይንና ዀነ ምስ ሰባት ኣብ እንዀነሉ ጊዜ፡ ኣብ ቤትና፡ ኣብ ስራሕና፡ ኣብ ትምህርትና፡ ኣብ መገድናን፡ ኣብ ቤተ ክርስትያንና ኣብ ‘ንህልወሉ ዅሉ ኣጋጣሚታት፡ ኣብ ኵሉ ዅነታትን ዝምድናታትን፡ ውሉድ ኣምላኽ ምዃንና እናሓሰብና፡ ከም ውሉድ ኣምላኽ ኴንና ኽንዋሳእ እንተ ኽኢልና፡ ነዚ መርትዖ ውልድነትና ኽንገብሮን ክንነብሮን ፈጺሙ ኣይኬጸግመናን’ዩ።
ድሕሪ’ዚ ዚተርፈና ንህይወትና ብዕቱብ ምምርማር’ዩ። ብድቓላ መንነት ማለት ጽድቅን ሓጢኣትን ሓዋዊስና ውሉድ ኣምላኽን ውሉድ ሰይጣንን ኴንና ንነብር ከም ዘየለና ርግጸኛታት ንኹን። ንውልድነትና ምእንቲ ኣምላኽ ብምንባር፡ ግብሪ ኣምላኽ (ሰናይ ግብሪ) ብምዝውታር፡ ንብርሃን ብምፍቃርን ንጸልማት ብምጽያፍን ኣሉ ብዘይብሃል ሓቀኛን ግሁድን መርትዖ ነግህዶ ኸም ዘለና ንኣምላኽ ንሰባትን፡ አረ ንሰይጣን’ውን ከይተረፈ፡ ነረጋግጸሉ!!
ጸጋ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስን ፍቕሪ ኣምላኽን ሕብረት መንፈስ ቅዱስን ምስ ኩላትና ይኹን።
ኦርቶዶክሳዊት ተዋህዶ ቤተ ክርስቲያን ኤርትራ - መንበረ ጵጵስና ሰሜን ኣሜርካ።
6 ሚያዝያ 2025 | መጋቢት 27, 2016 ግዕዝ (መበል 30 ሰንበት: ቊ.፴/30) |
||
ምስባክ መዝ. መዝ ፲፮(፲፯)፡፫-፬ “ሐወፅከኒ ሌሊተ ወፈተንኮ ለልብየ። አመከርከኒ ወኢተረክበ ዓመጻ በላዕሌየ። ከመ ኢይንብብ አፉየ ግብረ ዕጓለ እመሕያው።” “ንልበይ ተዓዚብካዮ፡ ብለይቲ በጺሕካዮ፡ መርሚርካንስ ገለ’ኳ ኣይረኸብካን፡ ካብ ኣፈይ ክፍኣት ከይወጽእ ምኽረይ ቈሪጸ’የ። ብዛዕባ ግብርታት ሰብሲ ንቓል ከናፍርካ ብምእዛዝ፡ ካብ መገድታት ዓመጽቲ ተዓቂበ።” |
ንባባት |
ኣንባቢ |
ሮሜ 7፡1-14 |
ዲያቆን |
|
1ዮሃ 4፡1-10 |
ንፍቅ ዲያቆን |
|
ግብ 5፡34-ፍጻመ |
ንፍቅ ካህን |
|
ዮሃ 3፡1-21 |
ሰራዒ ካህን |
|
ቅዳሴ ፦ ዘእግዝእትነ ማርያም | መዝሙር፦ ሖረ ኅቤሁ |
|
ካብ ውሽጢ ኤርትራ ዝተረኽበ ንቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ንምቁጽጻር ብመንግስቲ ኤርትራ ክካየድ ዝጸንሐን ዘሎን ሽርሒ ዘቃልዕ ቪድዮ
ድኳን መጻሕፍቲ/Book Store
ራድዮ ቃለ ኣዋዲ