S5 MP3 Player - плагин joomla Mp3

ሓደ ኸየስሕተኩም ተጠንቀቑ።ኣነ ክርስቶስእናበሉ ብዙሓት ብስመይ ኪመጽዮም፡ ንብዙሓትውን ኬስሕቱዮም። ውግእን ወረ ውግእን ክትሰምዑ ኢኹም። ኣስተውዕሉ፡ (ግናኸ) ኣይትሰምብዱ። እዚ ዅሉ ኪኸውን ናይ ግድንዩ። እንተ ዀነ መወዳእታ ሽዑ ኣይኰነን። ህዝቢ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ፡ መንግስቲውን ኣብ ልዕሊ መንግስቲ ኺለዓልዩ። ኣብ ኵሉ ቦታታት ከኣ (ጥምየትን ፌራን) ምንቅጥቃጥ ምድርን ኪኸውንዩ። እዚ ዅሉ መጀመርታ ቕልውላውዩ።ማቴ 244-8 .

እንሆ ዕለትዚ፡ ሓምሻይ ሰንብት ናይ ንጾም ዘለና ዓብዪ ጾምዩ። ብመሰረት ስርዓት ቅድስቲ ቤተ ክርስትያንና ድማ፡ደብረ ዘይትተባሂሉ ይጽዋዕ። ኣብ ሓደ ዓመተ-ግእዝ፡ ክልተ ናይ ደብረ ዘይት ሰናብትን ሰሙናትንየን ዘለዋና። እታ ቐዳመይቲ ካብ ታሕሳስ 4 ኽሳዕ ታሕሳስ 6 ኣብ ጾመ ነብያት ዘላ ራብዓይቲ ሰንበት ክትከውን ከላ፡ እታ ኻልኣይቲ ደብረ ዘይት ድማ እዛ ዘለናያ ናብ ዓብዪ ጾም ሓምሸይቲ ሰንበትያ። እዚ ደብረ ዘይትዝተሰምየ ከረን (እምባ) ካብ ኢየሩሳሌም ብሸነኽ ምብራቕ ዝርከብ፡ ካብ ከተማ ኢየሩሳሌም ተደኵናትሉ ዘላ ከረን ድማ 75 ሜትሮ ዚብርኽ ከረንዩ። ኦም ኣውልዕ፡ ብዓይነቱ ኣዝዩ ብሉጽ ዝዀነ ዘይቲ ዚጽመቖ ፍረ ዚህብ ገረብዩ። እቲደብረ ዘይትዚብል መጸውዒ ስሙ፡ ኣእዋም ኣውልዕ ብብዝሒ ዚርከቦ ከረን ካብ ምንባሩ ዝተላዕለ ዝተዋህቦ ስምዩ።

እዚ ኸረንዚ፡ ንጉስ ዳዊት ካብ ኣቤሰሎም ወዱ ሃዲሙ ዝተዓቐበሉ ኸረን (2ሳሙ 1530) ኣብ ዘመን ነብዪ ህዝቅኤልውን ብራእይ ክብሪ እግዚኣብሄር ኣብ ልዕሊኡ ዝቘመሉ ከረን (ህዝ 1123) ጐይታና ካብ ገሊላ ናብ ኢየሩሳሌም ኣብ ዝመጻሉ እዋን፡ ብመዓልቲ ኣብ ቤት መቕደስ ኪምህር ድሕሪ ምውዓሉ፡ ብለይቲ ግና ኣብ ኸረን ኺጽልይ ይሓድር ነበረ (ሉቃ 2137) ኣብ መዓልቲ ሆሳእና፡ ጐይታና ኻብ ደብረ ዘይቲ ተላዒሉ ብኽብሪ ተዓጂቡ ናብ ኢየሩሳሌም ዝኣተወ (ማቴ 211) ናብ ዓርቢ ስቕለት ኣብ ዘውግሐ ለይቲውን፡ ኣብ ኸረን ኣብ ዚርከብጌተሰማነዝተሰምየ ናይ ኣታኽልቲ ስፍራ ብኣይሁድ ዝተታሕዘ (ማቴ 2630-36) ኪዓርግ ከሎውን፡ ካብ ደብረ ዘይቲ ናብ ሰማይ ዓረገ (ሉቃ 2451,52 ግብ 112) ብመሰረት ኣብ ዘካ 144 ተነጊሩ ዘሎ ትንቢት፡ እግዚኣብሄር ወልድ፡ ጐይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ፡ ብምጽኣቱ ምስ ተገልጸ፡ ኣብ ልዕሊ ደብረ ዘይቲ ኸም ዚቐውም ይእመን።

እዚ ንመሃሪ ዘለና ናይ ምጽኣት ኣርእስቲውን ኣብ ደብረ ዘይቲ ዀይኑ ስለ ዝመሃሮ፡ ነዚ ብዛዕባ ምጽኣት እነስተንትነሉን እንመሃረሉን ቅንያት ቅድስቲ ቤተ ክርስትያንና፡ደብረ ዘይትኢላ ሰመየቶ። እምበኣር እዚደብረ ዘይት ዝተሰምየ ሰንበትን ቅንያትን ምስጢር ምጽኣት ክርስቶስ ክንመሃረሉን ከነስተንትሉን ዝተሰርዐዩ። ንህይወቱ ብመንጽር ምጽኣት ዘየማእዘነ ሰብ፡ ንርእሱ ኸም ክርስትያን ኪቘጽር ኣይግባእንዩ። ስለ ኸኣ ቅዱስ ጳውሎስ ነቲ ተስፋ ምጽኣት ዘይብሉ፡ ብምድራዊ ተስፋ ጥራሕ ዚናበር ሰብ፡ ዜደንግጽ ፍጥረት ምዃኑ ተዛረበ (1ቈረ 1519) ናይ ጐይታና ዅሉ ትምህርትን ተግባራትን ናብ ምጽኣቱ ዝዓለመ ነበረ (ማቴ 241-51 ሉቃ 1325 188 2136) ናይቶም ንእኡ ተኪኦም ዘገልገሉ ቅዱሳን ሃዋርያቱ መልእኽትን ሸቶንውን፡ ምጽኣት ጐይታና ነበረ። ኣብ ኵሉ መልእኽቶም፡ ኣብ መዓልቲ ጐይታ መንቅብ ዘይብልና ምሉኣትን ድሉዋትን ክርስትያን ኴንና ኽንርከብ ብተደጋጋምን ብኣጽንዖትን ተማሕጺኖም ኣለው (1ተሰ 413-18 2ጢሞ 48 እብ 927,28 2ጴጥ 310)

ቅድስቲ ቤተ ክርስትያንናውን ኣብ ክርስቶስ ርእሲ መኣዝኑ ዝዀነ መሰረት ቅዱሳን ነብያትን ሃዋርያትን ከም ዝተሃንጸት ሰብነት ክርስቶስ መጠን፡ ኣርኣያ ጐይታኣን ኣርኣያ ቅዱሳን ሃዋርያቱን ክትስዕብ ስለ ዚግብኣ፡ ምስጢረ-ምጽኣት እንመሃረሉ ሰናብትን ሰሙናትን ሰሪዓትልና ትርከብ።ምስጢረ-ምጽኣትዚበሃል ዘሎምስጢረ ትንሳኤ ሙታንማለትዩ። ምኽንያቱ ትንሳኤ ሙታን ኣብ ጊዜ ምጽኣት ጐይታና ዚፍጸም። ቅዱስ ያሬድ ዝደረሶ ናይ ዕለት መዝሙር ሰንበትእንዘ ይነብር እግዚእነ ውስተ ደብረ ዘይትዘርእስቱን ኵለንተናዊ ትሕዝቶኡ ኣብ ምጽኣት ጐይታና ዘተኰረዩ። እቲ ብመሰረት መዝሙር ዝተሰርዐ ንባባት ሓድሽ ኪዳን ብምሉኡውን ምጽኣት ተኰር ትሕዝቶ ዘለዎዩ። ናይ ዕለት ምስባክውን፡ ኣምላኽና ኢየሱስ ክርስቶስ ከም ዚባላዕ ሓዊ ዀይኑ ብግህዶ ኸም ዚመጽእ ዜበስር ትንቢታዊ መዝሙርዩ። ናይ ዕለት መዝሙርና ንቓል ክርስቶስ መሰረት ብምግባር ኵሉ ሓይሊ ሰማያትን ምድርን ከም ዚናወጽን፡ ሽዑ ዅላቶም ሓጥኣን ምድሪ ኸም ዚበኽዩ፡ወአመ ምጽአቱስ ለወልደ ዕጓለ እመሕያው ይትከወስ ኵሉ ኃይለ ሰማያት ወምድር፡ አሜሃ ይበክዩ ኵሎም ሓጥኣነ ምድር።ብምባል ገሊጹልና ኣሎ። እዚ ድማ ካብ ዘመነ ብሉይ ኪዳን ጀሚሩ ዝተነግረ (ማቴ 2429 ማር 1324,25 ሉቃ 2125 ኢሳ 1310 344 ህዝ 327 ዮኤ 210 ጸፎ 115 ራእ 612-14) እዚ ምንዋጽ ኣብ ማእከል ህዝብታትን ሃገራትን ኣብ ግኡዝ ሰማይን ምድርን ኪኽሰትዩ። እዚ ዅሉ ቕልውላዋት ጐይታና ብምጽኣቱ ዚገሃደሉ ጊዜ ኣብ ኣፍ ደገ ምብጽሑ ዜበስረናዩ። እዚ ቕልውላው ድሮ ብግህዶ ይኽሰት ከም ዘሎ ንዕዘቦ ስለ ዘለና፡ ንምጽኣቱ ድሉዋት እንኾነሉ ትምህርቲ ኽንመሃር እዋኑዩ።

ቅልውላው እንታይ ማለትዩ፧ ንምጽኣትከ ንምንታይ ቕልውላው ኣድልይዎ፧ እዚ ዝውቱር ቅልውላውከ ንምንታይ ኣብ ሕጂ በጺሑ ፍሉይ ናይ ምጽኣት ምልክት ኰይኑ፧ ቅልውላው ማለት ናይ ሕርሲ ቐዳማይ ደረጃ ማለትዩ። እታ ነፍስ ጾር ኰነ እቶም ስድራ ቤታን እቶም ዜሕርስዋ ሰባትን ነቲ ዚስዕብ ቀንድን ወግዓውን ደረጃታት ሕርሲ ኺዳለው ዚሕብር ምልክታትዩ። ናይ ማህጸን መጠናዊ ምኵምታር፡ ነታ ነፍሰጾር ክብድ ዝበለ ናይ ቅርጸት ስምዒት ይፈጥረላ። ዚኽሰተሉ ጊዜ እናቐልጠፈ ኪኸይድ ድሕሪ ምጽናሕ፡ ኣብ መወዳእታ ናብ ኻልኣይ ደረጃ ሕርሲ ይሰግር ማለትዩ። መሪሕ ጥቕስና ኣስፊሩልና ኸም ዘሎ ድማ፡ ምጽኣት ጐይታና ናይ ትእምርትታት (ምልክታት) ደረጃ ኣለዎ። ጐይታና ንምልክታት ምጽኣቱ ናይ መጀመርታን ናይ መወዳእታን ኢሉ ከፋፊልዎ ኣሎ። ነዚ ኸኣ ብናይ ነፍሰ ጾር ናይ ሕርሲ መስርሕ መሲልዎ ኣሎ።ቅልውላውተባሂሉ ዘሎ፡ እቲ ናይ ምጽኣቱ ናይ መጀመርታ ምልክታትዩ። ነዚ ድማ ኣብ ንባብና ካብ ማቴ 244-26 ዘርዚርዎ ኣሎ። ነቲ ኻልኣይን ናይ መወዳእታን ምልክታት ድማ ኣብ ማቴ 2427-33 ኣስፊርዎ ኣሎ። እቲ ናይ መጀመርታ ምልክታት ዚኽሰተሉ ጊዜ ናይ ምድላው ጊዜዩ። እቲ ናይ መወዳእታ ምልክታት ዚረኣየሉ ጊዜ ግን ናይ ምድላው ዘይኰነስ ነቲ ብግህዶ ዚመጽእ ጐይታ እንቕበለሉ ናይ ምቕባል ጊዜዩ።

ጐይታና ንምጽኣቱ ናይ ቅልውላው ምልክታት ኪሰርዓሉ ዝደረኾ ምኽንያት፡ እቲ ፈቃርን መሓርን ባህርዩ፡ ኵሉ ሰብ ኪድሕንምበር ሓደ ኺጠፍእ ዘይፈትው ሕያዋይ ኣምላኽ ምዃኑዩ። ዝዀነ ዓይነት ኣማቲ ምልክት ከይሃበ ብሃንደበት ዱብ ኢሉ ኸይመጽእ ዚኽልክሎ ዋላ ሓደ የለን። እዚ ኣማጽኣ ግን ዋላ ነቶም ብልቢ ዜፍቅርዎን ዚፈርህዎን ዚስዕብዎን ፍቁራቱ ኼዘንግዖምን ኪጐድኦምን ይኽእልዩ። ነዚ ናይ ቅልውላው ምልክታት ምስ ረኣዩ ግን፡ ንቓል ጐይታ ዘኪሮም፡ ቅዱሳት ጽሑፋት ተወኪሶም፡ ክዳውንቶም ኪእርንቡን ኬጽርዩን፡ ብርሃን ህይወቶም ኬድምቑን ንምቕባል መርዓዊኦም ድሉዋት ኪዀኖን የነቓቕሖም። ነቶም ኣብ መገዲ ጽድቂ ዘይጸንሑ ሓጥኣንንውን ካብ ድቃሶም ኪነቕሑን እቲ ቤተ ክርስትያንን ሰበኽቲ ወንጌልን ኪብልዎ ዝጸንሑ ቓል ብርግጽ ሓቂ ምዃኑ ተረዲኦም ብንስሓ ኪምለሱ ንምድሓን ኪበቕዑ ይኽእሉዮም። ስለ ዘመን ቅልውላውን ምልክታት ቅልውላውን ዝተሰርዐ፡ ምእንታና ምእንቲ ደቂ ሰብ፡ ምእንቲ ጻድቃንን ሓጥኣንንዩ። ምእንቲ ረብሓናምበር፡ ምእንቲ ጕድኣትና ኣይኰነን። ብርግጽ ተዳልዩ ንዘይጸንሐ ሰብ፡ ገሊኡ ናይ ቅልውላው ምልክታት ኪጐድኦን ነቲ ንረብሓኡ ኬውዕሎ ዚኽእል ዝነበረ ዕድሉን ዕድሚኡን ኬሕጽረሉን ይኽእልዩ። ንኣብነት ከም ኮሮና ዝበለ ፌራ ወይ ለበዳዊ ሕማም (Pestilence, Plague, Epidemy, Pandemy) ነቶም ብእኡ ተለኺፎም ዚሞቱ ዘይኰነስ ነቶም ዚተርፉ ምልክት ዚዀኖም። ውግእ ድማ ነቶም ብማዕዶ ዚሰምዕዎን ካብኡ ዘምለጡንምበር፡ ነቶም ብእኡ ዚምቱ ምልክቶም ኣይኰነን። ስለ ኣየናይ ምልክት ከም ዚልክመና ኣየናይ ከኣ ከም ዚንሕፈና ስለ ዘይንፈልጥ፡ ዋላ ሓንቲ ኸም ዘይምልከቶም ተዓዘብቲ ዄንናንዅሉ ኽንርእዮን ክንመዝኖን ኢናዚብል ኣጕል ትጽቢት ኪህልወና ኣይግባእንዩ። ስለ እቲ ጥንቁቕን ድሉውን ኴንካ ምንባር ከም ዕለታዊ ናብራኡ ወይ ከም ቅዲ ህይወቱ ወሲዱ ዚነብሮ ሰብምበር፡ ብምልክታት ጥራሕ ንዚበራበር ክርስትያን፡ በዚ ናይ ቅልውላው ምልክታት ኪረብሖ ዚኽእል ውሑድዩ። ነቲ ምልክት ምፍላጥን ምስትውዓልን ኣዝዩ ጠቓሚ ምዃኑ ፈጺሙ ዘየማትእዩ። ኣዝዩ ጠቓሚ ስለ ዝዀነ ኸኣዩ፡ ጐይታ ተገዲሱን ደጋጊሙን ብኣጽንዖት ዝተዛረበና።

ንመብዛሕትኡ ሰብ፡ ብዛዕባ ናይ ቅልውላው ምልክታት ሸለልትነት ኬርእይ ዚቕስቦ ምኽንያት፡ እቶም ምልክታት ሰብ ካብ ዚፍጠር ጀሚሩ ኣብ ዓለም ብተደጋጋሚ ኪኽሰቱ ዝጸንሑ ምልክታት ምዃኖምዩ። እዚ ግን ንሸለልትነትና ብቑዕ ምኽንያት ኪኸውን ኣይክእልን፡ ኣይግብኦን ድማዩ። ምኽንያቱ ብስፍሓት ሸፈንኡ፡ ብኽብደቱ ዀነ ብዚደጋገመሉ ፍጥነቱ (Frequency) ምስ ዝለመድናዮ ፍጻመታት ሓደ ዓይነት ኪኸውን ኣይክእልንዩ። ኣብ ዓመት ኣብ ክልተ ዓመት ሓንሳእ ዜጋጥም ዝነበረ ምንቅጥቃጥ ምድሪ ወርሒ መጸ ኺሓቝነና እንተ ጀሚሩ፡ ድሮ ኸም ዝነበረ ዝውቱር ፍጻመ ኽንቈጽሮ ይከኣልዶ፧ ምድሪ ኻብ ትፍጠር ወይ ከኣ ንዝሓለፈ ኣማኢት ዓመታት ምንቅጥቃጥ ምድሪ ፈጺሙ ኣጋጢምዎ ዘይፈልጥ ከባቢታት፡ ከም ዘይነበረ ዀይኑ ኽሳዕ ዚድምሰስ እንተ ኣንቀጥቀጠ እንተ ተደጋገመ፡ ከም ናይ ቅልውላው ምልክት እንተ ዘይረኣናዮ፡ ናይ መንፈሳዊ ድንዛዘና ምልክት ጥራሕ ኪኸውን ዚኽእል። ጥዑይ ምግቢ ኽሳዕ ምጕሓፍ ዝበጽሑ ብጽጋብ ዝተሰርነቑ ህዝብታትን ሃገራትን፡ ብጥምየት ኪማስኑን ኪጸንቱን እንተ ረኣና፡ ምልክት ቅልውላው ምዃኑ ኽንክሕዶ ይግባእዶ፧ ስለ ከም ኣቦታትናከም ቀደም ይመስለኽን፡ ውሕጅ ይወስደክንዚብልዎ ኸይኰነና፡ ነቲ ጐይታና ንድሕነትና ኢሉ ዝነገረና ኣገደስቲ ምልክታት ፍሉይ ኣድህቦ ጌርና ኸነስተውዕለሎምን ንሕናውን ንድሕነትና ኽንጥቀመሎምን ይግብኣና።

ኣብ ዓይነታት ናይ ናይ ቅልውላው ምልክታት እንታይ ክንወስዶንኽእል ትዕዝብቲ ኣሎ፧ ካብ መን ዚመጽእ፧ ብመንዩኸ ዚትግበር፧ ብርግጽ ምልክታት ሓደ ዓይነት ኣይኰነን። ስለ ንሓድሕዱ ኣገናዚብና በበቲ ተዋሂብዎ ዘሎ ኣጽንዖትን ስፍሓት ሸፈነን መሰረት ከነድህበሉ ይግብኣና። ንዅሉ ብንጹር ክትከፋፍሎ ቐሊል እንተ ዘይኰነ፡ ብሓፈሻ ግን ከም ዚስዕብ ኣፈናዊ ኽፍፍል ኪግበረሉ ዚከኣልዩ።

1. እምነታዊ ምልክታት ቅልውላው፦ ጐይታና ኣብ ዝሃቦ ናይ ምልክታት ዝርዝር፡ ብቐዳምነት ዝጠቐሶን ብኣጽንዖት ዘጠንቀቐሉን ነዚ እምነታዊ ምልክታትዩ። እዚ እምነታዊ ምልክታት ንርእሱ ኣብ ሰለስተ ዓይነት ዚኽፈልዩ። ቐዳማይ ምልክት ኸኣ፡ ሓሰውቲ ነብያትን ሓሰውቲ መሲሓትን ብብዝሒ ዚለዓሉ ምዃኒምዩ።  እቲ ሓሶቶም ድማ ብዓበይቲ ትእምርትን ተኣምራትን ዝተሰነየ ኸም ዚኸውን፡ ዕላማኦም (ሸቶኦም)’ውን ናብ ተራ ህዝቢ ጥራሕ ዘይኰነስ፡ ናብቶም ናብ ደረጃ ሕርየት ዝበጽሑ ክርስትያን ዘድሃበ ከም ዝዀነ ኣነጺሩልና ኣሎ (ማቴ 244,5,11,23-26) እዚ ትእምርቲ ብቐዳምነት ዝጠቐሰሉን፡ሓደ ኸየስሕተኩም ተጠንቀቑኢሉ ዘሰምዓሉን ምኽንያት፡ ስሕተት ኣዝዩ ኸቢድ ኣበሳ ስለ ዝዀነዩ። ምኽንያቱ ስሕተት፡ ብቐጥታ ኣብ ልዕሊ ኣምላኽ ዚፍጸም፡ ንእግዚእብሄር ሓሳዊ ንምግባርን፡ ዘይባህርዩን ዘይመንነቱን ኬጥብቐሉ ዚጋደል ኣጋንንታዊ ኣበሳዩ። ሰይጣን፡ ብስም ኣምላኽ ሓሶት ዚዛረቡ ኣገልገልቲ ዚምልምለሉ ምኽንያት፡ እግዚኣብሄር፡ እቲ ሓቀኛ ኣምላኽሲ ሓሳዊ ከም ዝዀነ ጌርና ምእንቲ ኽንርእዮ ኢሉዩ። ሓደ ናይ ሰይጣን ሓሳዊ ነብይ ዝተዛረቦ ትንቢት ሓሶት ኰይኑ ምስ ዚርከብ፡ እቲ ሓሳዊ ምዃኑ ዘየለለዮ ሰብ፡ ንእግዚኣብሄርን ኣገልግሎት ትንቢትን ሓዊሱ ዚንዕቅን ዚነቅፍን። ሰይጣን ከኣ ናብ ግግይቲ መደምደምታ ምእንቲ ኽንበጽሕ በቶም ሓሰውቲ ኣገልገልቱ ዚጋደለና። በዚ ናይ ሓሶት ኣገልግሎት እንተ ስሒትና ድማ በደልና ብቐጥታ ኣብ ልዕሊ ኣምላኽ ስለ ዝዀነ ኣዝዩ ከቢድዩ። ሓደገኛ ዚገብሮ ኸኣ ኣብ ውዱእ ሰዓት፡ ጐይታ ብትእምርታቱመጻእኩ መጻእኩኣብ ዚብለሉ እዋን ምዃኑዩ። ነገሩዘይሓልፈላ ጭሩስ፡ መስከረም ትዓውር”’ ኪኸውን። ኻልኣይ እምነታዊ ምልክት ድማ መከራን ስድደትን ኣብ ልዕሊቶም ሓቀኛ ክርስትያን ምውራዱዩ። ነቶም ብስሕተት ዘይተታለሉ፡ ካብ መገዲ ሓቂ ምእንቲ ኼውጽኦም፡ ብመከራ ኼሳድዶምን ኬሰክሖምን ይጋደል። እቲ መከራ ኣዝዩ ኻብ ምኽባዱ ዝተላዕለ፡ ብዙሓት ኣመንቲ ናብ ክሕደት ኬብጽሕዩ። እቲ ዚወርድ መከራ ብብዝሑ ዀነ ብኽብደቱ እምብዛ ኺመርርዩ። ኣብ ራእይ ዮሃንስ ተገሊጹ ኸም ዘሎ ክትዕድግ ኰነ ኽትሸይጥ ዘየኽእል መከራዩ። እቲ ኽትሸጦ ትኽእል ጕልበትካ፡ ሞያኻ፡ ፍርያትካ፡ ንብረትካ ወዘተ ዜጠቓልልዩ። ነዚ መከራ እንተ ተንቲንናዮ፡ ምግብን ክዳንን መጽለልን ስኢንካ ኽትሳቐይ ኢኻ ማለትዩ። እቲ መከራ ሰማእትነትውን ዜጠቓልልዩ። እዚ መከራ ስድራ ቤትካ ከይተረፈ ዝተሓባበርዎ መከራ ዚኸውን (ማቴ 249 1035 ሉቃ 2116,17) ሳልሳይ ወንጌል ክሳዕ ወሰን ዓለም ምስባኹዩ። እዚ ኣቐዲምና ዝረኣናዮ ክልተ እምነታዊ ምልክታት፡ በቲ ጸላእ ኣምላኽ ዝዀነ ሰይጣን ዚትግበርዩ። እዚ ወንጌል ብስፍሓት ምስባኹ ግን በቲ ዅሉ ሰብ ኪድሕንን ናብ ፍልጠት ሓቂ ኺበጽሕን ዚደልይ ኣምላኽ ዚትግበር (ማቴ 2414 2819,20 ማር 1615,16)

2. ዝምድናዊ ምልክታት ቅልውላው፦ እዚ ምልክታት ካብ ብዝሒ ዓመጻን ዝሕታለ ፍቕርን ዝተላዕለ ዚኽሰትዩ። ብመሰረቱውን ኣብ ዓለምዚኣፍቕሪ ኣሎኽትብል ኣጸጋሚዩ። ኣብ ቅንያት ምጽኣት ዚህልው ዝሕታለ ፍቕሪ ግን እምብዛ ኽፍእ ኪኸውን (ማቴ 2410,12) መብዛሕትኡ ብምኽንያት እምነት ዚፍጠር ጽልኢ ዚኸውን (ማቴ 1034-36 ሉቃ 1252,53) ቅዱስ ጳውሎስ ኣብ መወዳእታ ዘመን ንምዝሓል ፍቕሪ ምኽንያት ዚኸውን እኩይ ባህርያት እንታይ ምዃኑ ዘርዚሩ ገሊጹልና ኣሎ (2ጢሞ 31-7) ናይ ዝሕታለ ፍቕሪ መለለዪ ድማ ንሓድሕድካ ኻብ ምጽላእ ሓሊፉ ኣሕሊፍካ ኽሳዕ ምውህሃብ ዚበጽሕዩ። እዚ ድማ ንዅሉ ዓይነት ዝምድናታትና ዚበታትኽን ዜፍርስንዩ። እምነት ክርስትና ንፍቕሪ ኸም ርእሲ መኣዝን ናይ ኵሉ ሰብኣውን መንፈሳውን ዝምድናታት ገይሩ ዚሰርዕ እምነት ስለ ዝዀነ፡ ኣብ ውዱእ ናይ ምጽኣት ሰዓት ፍቕሪ ምጥፋእ ኣዝዩ ሓደገኛ ምልክትዩ። እቲ ብቑዕ ክርስትያን ጥራሕዩ፡ ዋላ ነቶም ኣሕሊፎም ዚህብዎ ኸይተረፈ ብምፍቃር ንምጽኣት ጐይታ ዘለዎ ድሉውነት ዜረጋግጽ። ንኣገዳስነት ፍቕሪ ድማ መጽሓፍ ቅዱስና ብኣጽንዖት ገሊጽዎ ኣሎ።

ነዞም ርኢናዮም ዘለና ክልተ ዓይነት ናይ ቅልውላው ምልክታት፡ ዘለኣለማዊ መጻኢና ዚውስኑ፡ ናትና ውሳነን ስጕምትን ዚጠልቡ፡ መንፈሳዊ ብስለትናን መንነትናን ዚመዝኑዮም። ነዚ ምልክታት እንህቦ መልሰ ግብሪ፡ ኣብ የማን ኣምላኽ (ኣብ መንግስተ ሰማያት) ወይ ከኣ ኣብ ጸጋሙ (ኣብ ገሃነም) ዜቝመናዩ። ስለ በቲ ሓደ ወገን ጽንዓት እምነትና ዚፍተሽ ፈተናዩ፡ በቲ ሓደ ወገን ከኣ ምጽኣት ጐይታ ኣብ ኣፍደጌና ኸም ዝበጽሓ ዚገልጽ ብስራት ወይ ከኣ መርድእዩ። ንሕሩያት ብስራቶምንሓጥኣን ከኣ መርድኦምዩ።

3. ህዝባውን ፖለቲካውን ምልክታት ቅልውላው፦  እዚ ድማ ህዝቢ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ፡ መንግስቲ ድማ ኣብ ልዕሊ መንግስቲ እናተላዕሉ ዚካየድ ውግኣትን ናዕብታትንዩ። ብቐሊሉ ኺፍታሕ ዚኽእል፡ ናብ ውግእን ናዕብን ኬብጽሕ ዘይግብኦ ጕዳያት፡ ከቢድ ዕንወትን ጥፍኣትን ዜውርድ ደማዊ ውግኣትን ናዕብታትን ኪካየድዩ። ከም ዝዓይነቱ ጥፍኣት ብኣምላኽ ዝተበየነ ፍርዲ ስለ ዝዀነ፡ ኣብ ከቢብ ሰደቓ ተቐሚጥካ ብውሕሉላት ኣዛተይቲ እናተመራሕካ ብሰላማ ከተዕርፎ ኣይከኣልንዩ። እቲ ዕውት ገንሸል ነቲ ኻልኣይ ማሕተም ምስ ፈትሖ፡ ነቲ ፍርዲ ኼተግብር ሓደ መልኣኽ ኣብ ሓመር (ቀይሕ) ፈረስ ተወጢሑ ወጸ፡ ብዛዕባኡ ድማ፡ንሓድሕዶም ምእንቲ ኺቃተሉስ፡ ንሰላም ካብ ምድሪ ኼርሕቓ ተዋህቦ፡ ዓብዪ ሰይፊውን ተዋህቦ።ተባህለ (ራእ 63,4) እቲ ኣራዊትውን ናቱ ናይ ውግእ ዛዕባታት ስለ ዘለዎ፡ ንሱውን ንሰላም ኣብ ምርሓቕ ዕዙዝ ኣበርክቶ ኪህልዎ (ራእ 207,8 177-13)

4. ተፈጥራዊ ምልክታት ቅልውላው፦ እዚ ምልክታት ንምንቅጥቃጥ ምድሪ፡ ኣዕነውቲ ህቦብላታትን ማዕበላትን (Hurricanes + Tornados) ማያዊ ዕልቕልቕ፡ ባርዕ ጫካታት፡ ምምዝባል ክሊማ (ኵነታት ኣየር) ሰብን እንስሳን ዜጽንት ደርቅን ጥምየትን፡ ኣጽናቲ ለበዳታት ሕማም (ኣህጉራውን ዓለምለኻውን) ወዘተን ዜጠቓልልዩ። እዚ ምልክታት ናይ ኣምላኽ ፍርዳዊ ውሳነ ምዃኑ ኣብ ራእይ ዮሃንስ ኣዝዩ ብዜሰምብድ ስእላዊ ኣገባባት ተገሊጹልና ኣሎ። እቲ ሾብዓተ ማሕተም ምስ ተፈትሐእቲ ሾብዓተ መለኸት ምስ ተነፍሓ፡ እቲ ሾብዓተ ጽዋእ ምስ ተኻዕወ ዚፍጠር ነውጺ ናይ ተፈጥሮ፡ክሳዕ ሽዑስ ብህይወት ኣየጽንሓኒኢልካ ኽትምህለል ዚገብርዩ። ገሊኡ መዓት፡ ሲሶ ህዝቢ ዓለም ዜጽንትዩ። ብመንጽር ሕጂ ዘሎ ብዝሒ ናይ ህዝቢ ዓለም እንተ ሰሊዕናዮስ 2.7 ቢልዮን ሰባት ዜጽንት ለበዳታት ኪኽሰትዩ። ገሊኡ መዓት ንዅሉ ሰብ ዜጠቓልል ኪኸውን ከሎ፡ ገሊኡ ግን ንደቂ ገንሸል ንሒፉ፡ ንደቂ ኣራዊት ጥራሕ ዜጽንትን ዜሳቕይን ኪኸውንዩ። ካብ መዓት እነምልጠሉ ፍቱን መገዲ፡ ናይ ኣራዊት ማይ ዘይጠዓምካ ሓቀኛ ውሉድ ናይ ገንሸል፡ ጐይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ፡ ኴንካ ምንባርዩ። እዚ መዓት ናይ ምጽኣቱ መርኣያ ስለ ዝዀነ ተማህሊልካ እተትርፎ ወይ እተጕድሎ ኣይኰነን።

እዚ ምክልታት ቅልውላው ኣብ ዓለምና ሓለፋ ዝዀነ ሕሉፍ ዘመናት ሕጂ ገኒኑ ኸም ዘሎን፡ እናወሰኸን እናኸበደንውን ይኸይድ ከም ዘሎ ባዕላትና ንዕዘቦ ኣለና። ሎሚ ኣብ ከባቢና ብዓብይ ይኹን ብንኡስ መጠን ኪኽሰትንርእዮ ምልክታት፡ ወይውን ብማዕከናት ዜናን ብማሕበራዊ መራኸቢታትን ኪጋዋሕ እንሰምዖን እንርእዮን ምልክታት፡ ከም ተራ ፍጻመታትተባህለ፡ ተገብረኢልና ጥራሕ ንሓልፎ እንተ ዄንና፡ ንምድሓን ከም ዘይለበምና ግሁድ መርኣያ ዀይኑ ኼቃልዓናዩ። ጐይታ እንተ ዀነ፡እንሆ ኣቐዲመ ነገርኩኹምኢሉ ናይ ጥፍኣትናን ዕሽነትናን ሓላፍነት ከም ዘይወስድ ኣፍሊጡናዩ። ንኣስታት ክልተ ሽሕ ዓመታት ዝተደጋገመ ሓቂ፡ ናብ ቀልብናን ናብ ስእለ ኣእምሮናን (Imagination) ገጹ ዘይቅልቀል እንተ ዀይኑ፡ ነቲ ዝተዋህበና ዜለብም ሓለፋታት ከይንጥቀመሉ ወሲንና ኣለና ማለትዩ።

ነዚ ምልክታት ኸነለልዮ ምኽኣልናን ንእኡ እንህቦ ግብረ መልስን  ዜመሓላልፎ መልእኽቲ እንታይ ይመስል፧ ብኸመይ ኢናኸ ክንረብሓሉንኽእል፧ እዚ ኸፋፊልና ዝረኣናዮ ምልክታት ቅልውላውዚፈጥሪ ባህርያዊ ግብሪ መልሲ ኸም ዘሎ ርዱእዩ። ንዓሰርተታት ዓመታት ክትነብረላ ዝጸናሕካ ርግእቲ መሬት፡ ብሃንደበት ተናዊጻ ኽትሓቝነካ ኸላ፡ ከም ኵሉ ሰብ ብርቱዕ ፍርሃት ኪስመዓካ ናይ ግድንዩ። መንበሪኻ እንተ ፈሪሱ፡ ንብረትካ ዓንዩ ጥራይ ኢድካ እንተ ተሪፍካ መጽለሊ እንተ ስኢንካ፡ ስድራኻን ኣዝማድካን ፈተውትኻን ጸኒቶም ወይ ብኣካል ተጐዲኦም እንተ ርኢኻ፡ እቲ ንዅሉ ሰብ ዚስምዖ ሓዘንን ጭንቀትን ኪስምዓካውን ንቡርዩ። እቲ ኻልእ ኣስቃቕን ሃሳይን ምልክታትውን ከከም ዓይነቱን ከከም ክብደቱን ነቲ ንቡር ሰብኣዊ ዝዀነ ስምዒታውን ግብራውን መልሰ-ግብሪ ምፍጣሩ ዘይተርፍዩ። ጸገም ዚፍጠር በዚ መልሰ ግብሪ ተዋሒጥካ፡ ነቲ ዝዓበየ መንፈሳዊ መልእኽቱ ምዝንጋዕን ንእኡ ዚምጥን ግብረ መልሲ ኸይሃብካ ምትራፍንዩ። ጐይታናብ ዘለኣለማዊ ቤትኩም ከግዕዘኩም እመጽእ ኣለኹ፡ ተዳሊኹም ተጸበዩኒዚብል ግሁድ መልእኽቲ ብዓውታ እናሰምዐ ኸሎ፡ ልብናን ቀልብናን ብዛዕባ ምድራዊ ጕድኣት ጥራሕ ተዋጢሑ እንተ ተሪፉ፡ በዚ ዝምቡዕን ሚዛኑ ዘይሓለወን ግብረ መልሲ ዘለኣለማዊ ቤትና ኣብ ገሃነም ኪኸውን ንመርጽ ኣለና ማለትዩ። ዓለም ብምልእታ ብሓዊ መኺኻ ከም ዘይነበረት ኰይና ኽትጠፍእ ምዃና ብሰላሕታ ዘይኰነ ብግብራዊ መገዲ ብዓውታ እናተነግረና ኸሎ፡ ብዛዕባ ዝፈረሰ ገዛ ብዛዕባ ዝዓነወ ንብረት፡ ብዛዕባ ድሮ ዝሞተ ሰብ፡ ብዛዕባ ኻብ ውግእ ሃዲምናንዕቈበሉ ሃገር ወዘተ ምሕሳብና ጽቡቕ ኣይፈድየናንዩ። እቲ ግቡእ መልሰ-ግብሪ፡ካብ ዓለምዚኣ ናበይ ኽግዕዝ፡ ኣብ ቅድሚ ፈራዲ ደው ዜብለኒ ብቕዓት ኣጥርየ ድየ፧ ዘይተነሳሕኩሉ ሓጢኣት ኣሎኒዶ፧ ማሕተም ናይ ገንሸል ድዩ ዘሎኒ፧ ወይስ ማሕተም ናይ ኣራዊት፡ዚብል ኪኸውን ዚግባእ። ግን እቲ ምልክታት በቲ ሓደ ወገን ሓጋዚ እንተ ዀነ፡ በቲ ኻልእ ወገን ግን ረባሽን ኣቓልቦኻ ዚሰርቕን ነእምሮኻ ዜጸልምትንዩ። እዚ ሓቂ ኸኣ፡ እቲ ዘመን ቅልውላው ንንስሓን ኣካይዳኻ ንምዕራይን ዘይተሰርዐ ዜምስሎ። ኣብ ዘመን ቅልውላው ናይ ምዕዋት ተኽእሎ ዚህልዎ፡ እቲ ኣቐዲሙ ህይወቱን መገዱን ኣዐርዩ ድልዱል መሰረት ኣንጺፉ ዝጸንሐ ጥራሕዩ። ስለ ኸኣ ኣብ ረባሺት ናይ ቅልውላው ዘመን ኣብ ቅድሚ ጐይታ ብጽንዓት ደው እንብለሉ ሓይሊ ምእንቲ ኽንረክብ ኣቐዲምና ጸሎት ከነዘውትርን፡ ኵሉ ኣጽዋር ኣምላኽ ገጥ ኣቢልና ተዓጢቕና ኽንጽበይን ጐይታ ብቕዱስ ወንጌሉ ዝመዓደና (ሉቃ 2134-36 ኤፌ 610-18 1ተሰ 51-11) ናይቶም ብብቕዓት ተዳልዮም ዝጸንሑ ሰባት ግብረ መልሲ እንታይ ከም ዚኸውን ጐይታና፦ እዚ ምዃን ምስ ጀመረ፡ ምድሓንኩም ቀሪቡሞ፡ ቅንዕ በሉ፡ ርእስኹምውን ኣልዕሉ፡ብምባል ገሊጽዎ ኣሎ (ሉቃ 2127) ናይቶም ንምቕባሉ ዘይተዳለው ሓጥኣን መልሲ ግብሪ ድማ፡ “. . . ኣብ ምድሪውን ብደሃይ ባሕርን ማዕበልን ኣህዛብ ኪጭነቑን ዚገብርዎ ኺጠፍኦምንዩ። ሓይሊ ሰማያት ከኣ ኪናወጹዮም፡ ሰባት ከኣ ብፍርሃትን ነቲ ኣብ ዓለም ኪመጽእ ዘለዎ ብምጽባይን፡ ልቦም ኪመልቆምዩ። . . . ኣብ በዓትታት ኣብ መንጎ ኣኻውሕ እምባታትን ተሓብኡ። ነኽራንን ነኻውሕን ድማ፡ካብ ገጽ ናይ ኣብ ዝፋን ተቐሚጡ ዘሎን፡ ካብ ቍጥዓ ናይ ገንሸልን  ኣብ ልዕሌና ወዲቕኩም ከውሉና” . . . በልዎም። . . . “ ብምባል ገሊጽዎ ኣሎ (ሉቃ 2125,26, ራእ 615,16 17 .)

እምበኣር ብዛዕባ ድሮ ተኸሲቱ ዘሎን ብዛዕባ ኣብ መጻኢ ዚኽሰትን ምልክታት ምጽኣቱ፡ ልብና ብኸመይ ይሓስብን ንህይውትና ብኸመይ የመሓድሮ ኸም ዘሎን ንመርምር። ንፍታው ንጽላእ፡ ኣብ ሕምብርቲ ቕልውላው ናይ ምጽኣት ጐይታና ኢና ዘለና። ኣብ ዘመን ቕልውላው እንነብሮ ዓይነት ኣነባብራ፡ ንናይ ዘለኣለማዊ መጻኢና መልክዕ እንታይ ከም ዚመስል ኪውስን ምዃኑ ፈጺምና ኣይንዘንግዕ ብዕዙዝ ኣድህቦን ብትኩር ትዕዝብትን፡ ነዚ ዘመንናን ምልክታቱን ልክዕ ከም መጽሓፍ ነንብቦ። ንጐይታና ብዜኽብርን ብዜርብሓናን ዘለኣለማዊ መጻኢ ብዜጸብቐልናን መገዲ ንጠቐመሉ። ንኣእምሮናን ናብራናን ንምጽኣት ጐይታ ንቓንዮ። ምኽንያቱ ኣብ ውዱእን ግሁድን ሰዓት ብዛዕባ ምጽኣት ዘይምሕሳብ ሃሳዪ ዕሽነት!!

ጸጋ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስን ፍቕሪ ኣምላኽን ሕብረት መንፈስ ቅዱስን ምስ ኩላትና ይኹን።

ኦርቶዶክሳዊት ተዋህዶ ቤተ ክርስቲያን ኤርትራ - መንበረ ጵጵስና ሰሜን ኣሜርካ

23 መጋቢት 2025 | መጋቢት 13, 2016 ግዕዝ (መበል 28 ሰንበት: ቊ.፳፰/28)

ምስባክ

መዝ. ፵፱(፶)፡፫ “እግዚአብሔርሰ ገሀደ ይመጽእ። ወአምላክነሂ ኢያረምም። እሳት ይነድድ ቅድሜሁ።”

“ኣምላኽና ይመጽእ ስቕ ድማ ኣይብልን፡ ኣብ ቅድሚኡ ዚባላዕ ሓዊ ኣሎ፡ ህቦብላ ንፋስውን ይኸብቦ።”

ንባባት

ኣንባቢ

1ተሰ 4፡13-ፍጻመ

ዲያቆን

2ጴጥ 3፡7-ፍጻመ

ንፍቅ ዲያቆን

ግብ 24፡10-21

ንፍቅ ካህን

ማቴ 24፡1-28

ሰራዒ ካህን

ቅዳሴ ፦ እንዘ ይነብር እግዚእነ መዝሙር፦ እንዘ ይነብር እግዚእነ

   

 

Diocese



 



 


ካብ ውሽጢ ኤርትራ ዝተረኽበ ንቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ንምቁጽጻር ብመንግስቲ ኤርትራ ክካየድ ዝጸንሐን ዘሎን ሽርሒ ዘቃልዕ ቪድዮ 



Support Tewahdo TV

Gofundme


Support Diocese

PayPal


ድኳን መጻሕፍቲ/Book Store


ጋዜጣ ፍኖተ ብርሃን፡ ልሣን

 ቤተ ክርስቲያን ተዋሕዶ


ስብከተ ወንጌል


ራድዮ ቃለ ኣዋዲ


መጻሕፍቲ - Books 


ጾምን በዓላትን


Diocese Churches

 

Radio Tewahdo

 Video - Youtube

TV Tewahdo

A Message from H.G. bishop Mekarios

መጸናንዒ ቃል ብብጹእ ኣቡነ መቃርዮስ

ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ብኸመይ

</div