“ሓደ’ኳ ኸየስሕተኩም ተጠንቀቑ። ‘ኣነ ክርስቶስ’የ’ እናበሉ ብዙሓት ብስመይ ኪመጽ’ዮም፡ ንብዙሓት’ውን ኬስሕቱ’ዮም። ውግእን ወረ ውግእን ክትሰምዑ ኢኹም። ኣስተውዕሉ፡ (ግናኸ) ኣይትሰምብዱ። እዚ ዅሉ ኪኸውን ናይ ግድን’ዩ። እንተ ዀነ መወዳእታ ሽዑ ኣይኰነን። ህዝቢ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ፡ መንግስቲ’ውን ኣብ ልዕሊ መንግስቲ ኺለዓል’ዩ። ኣብ ኵሉ ቦታታት ከኣ (ጥምየትን ፌራን) ምንቅጥቃጥ ምድርን ኪኸውን’ዩ። እዚ ዅሉ መጀመርታ ቕልውላው’ዩ።” ማቴ 24፡4-8 ካ.ት
እንሆ’ዚ ዕለት’ዚ፡ ሓምሻይ ሰንብት ናይ’ዚ ንጾም ዘለና ዓብዪ ጾም’ዩ። ብመሰረት ስርዓት ቅድስቲ ቤተ ክርስትያንና ድማ፡ “ደብረ ዘይት” ተባሂሉ ይጽዋዕ። ኣብ ሓደ ዓመተ-ግእዝ፡ ክልተ ናይ ደብረ ዘይት ሰናብትን ሰሙናትን’የን ዘለዋና። እታ ቐዳመይቲ ካብ ታሕሳስ 4 ኽሳዕ ታሕሳስ 6 ኣብ ጾመ ነብያት ዘላ ራብዓይቲ ሰንበት ክትከውን ከላ፡ እታ ኻልኣይቲ ደብረ ዘይት ድማ እዛ ዘለናያ ናብ ዓብዪ ጾም ሓምሸይቲ ሰንበት’ያ። እዚ ደብረ ዘይት” ዝተሰምየ ከረን (እምባ)፡ ካብ ኢየሩሳሌም ብሸነኽ ምብራቕ ዝርከብ፡ ካብ’ቲ ከተማ ኢየሩሳሌም ተደኵናትሉ ዘላ ከረን ድማ ብ 75 ሜትሮ ዚብርኽ ከረን’ዩ። ኦም ኣውልዕ፡ ብዓይነቱ ኣዝዩ ብሉጽ ዝዀነ ዘይቲ ዚጽመቖ ፍረ ዚህብ ገረብ’ዩ። እቲ “ደብረ ዘይት” ዚብል መጸውዒ ስሙ፡ ኣእዋም ኣውልዕ ብብዝሒ ዚርከቦ ከረን ካብ ምንባሩ ዝተላዕለ ዝተዋህቦ ስም’ዩ።
እዚ ኸረን’ዚ፡ ንጉስ ዳዊት ካብ ኣቤሰሎም ወዱ ሃዲሙ ዝተዓቐበሉ ኸረን’ዩ (2ሳሙ 15፡30)። ኣብ ዘመን ነብዪ ህዝቅኤል’ውን ብራእይ ክብሪ እግዚኣብሄር ኣብ ልዕሊኡ ዝቘመሉ ከረን’ዩ (ህዝ 11፡23)። ጐይታና ካብ ገሊላ ናብ ኢየሩሳሌም ኣብ ዝመጻሉ እዋን፡ ብመዓልቲ ኣብ ቤት መቕደስ ኪምህር ድሕሪ ምውዓሉ፡ ብለይቲ ግና ኣብ’ዚ ኸረን’ዚ ኺጽልይ ይሓድር ነበረ (ሉቃ 21፡37)። ኣብ መዓልቲ ሆሳእና፡ ጐይታና ኻብ ደብረ ዘይቲ ተላዒሉ’ዩ ብኽብሪ ተዓጂቡ ናብ ኢየሩሳሌም ዝኣተወ (ማቴ 21፡1)። ናብ ዓርቢ ስቕለት ኣብ ዘውግሐ ለይቲ’ውን፡ ኣብ’ዚ ኸረን’ዚ ኣብ ዚርከብ “ጌተሰማነ” ዝተሰምየ ናይ ኣታኽልቲ ስፍራ’ዩ ብኣይሁድ ዝተታሕዘ (ማቴ 26፡30-36)። ኪዓርግ ከሎ’ውን፡ ካብ ደብረ ዘይቲ ናብ ሰማይ ዓረገ (ሉቃ 24፡51,52 ፣ ግብ 1፡12)። ብመሰረት ኣብ ዘካ 14፡4 ተነጊሩ ዘሎ ትንቢት፡ እግዚኣብሄር ወልድ፡ ጐይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ፡ ብምጽኣቱ ምስ ተገልጸ፡ ኣብ ልዕሊ ደብረ ዘይቲ ኸም ዚቐውም ይእመን።
እዚ ንመሃሪ ዘለና ናይ ምጽኣት ኣርእስቲ’ውን ኣብ’ዚ ደብረ ዘይቲ ዀይኑ ስለ ዝመሃሮ፡ ነዚ ብዛዕባ ምጽኣት እነስተንትነሉን እንመሃረሉን ቅንያት ቅድስቲ ቤተ ክርስትያንና፡ “ደብረ ዘይት” ኢላ ሰመየቶ። እምበኣር እዚ “ደብረ ዘይት ዝተሰምየ ሰንበትን ቅንያትን’ዚ ምስጢር ምጽኣት ክርስቶስ ክንመሃረሉን ከነስተንትሉን ዝተሰርዐ’ዩ። ንህይወቱ ብመንጽር ምጽኣት ዘየማእዘነ ሰብ፡ ንርእሱ ኸም ክርስትያን ኪቘጽር ኣይግባእን’ዩ። ስለ’ዚ ኸኣ ቅዱስ ጳውሎስ ነቲ ተስፋ ምጽኣት ዘይብሉ፡ ብምድራዊ ተስፋ ጥራሕ ዚናበር ሰብ፡ ዜደንግጽ ፍጥረት ምዃኑ ተዛረበ (1ቈረ 15፡19)። ናይ ጐይታና ዅሉ ትምህርትን ተግባራትን ናብ ምጽኣቱ ዝዓለመ ነበረ (ማቴ 24፡1-51 ፣ ሉቃ 13፡25 ፣ 18፡8 ፣ 21፡36)። ናይ’ቶም ንእኡ ተኪኦም ዘገልገሉ ቅዱሳን ሃዋርያቱ መልእኽትን ሸቶን’ውን፡ ምጽኣት ጐይታና ነበረ። ኣብ ኵሉ መልእኽቶም፡ ኣብ’ታ መዓልቲ ጐይታ መንቅብ ዘይብልና ምሉኣትን ድሉዋትን ክርስትያን ኴንና ኽንርከብ ብተደጋጋምን ብኣጽንዖትን ተማሕጺኖም ኣለው (1ተሰ 4፡13-18 ፣ 2ጢሞ 4፡8 ፣ እብ 9፡27,28 ፣ 2ጴጥ 3፡10)።
ቅድስቲ ቤተ ክርስትያንና’ውን ኣብ’ቲ ክርስቶስ ርእሲ መኣዝኑ ዝዀነ መሰረት ቅዱሳን ነብያትን ሃዋርያትን ከም ዝተሃንጸት ሰብነት ክርስቶስ መጠን፡ ኣርኣያ ጐይታኣን ኣርኣያ ቅዱሳን ሃዋርያቱን ክትስዕብ ስለ ዚግብኣ፡ ምስጢረ-ምጽኣት እንመሃረሉ ሰናብትን ሰሙናትን ሰሪዓትልና ትርከብ። “ምስጢረ-ምጽኣት’ ዚበሃል ዘሎ “ምስጢረ ትንሳኤ ሙታን” ማለት’ዩ። ምኽንያቱ ትንሳኤ ሙታን ኣብ ጊዜ ምጽኣት ጐይታና’ዩ ዚፍጸም። ቅዱስ ያሬድ ዝደረሶ ናይ’ዚ ዕለት’ዚ መዝሙር ሰንበት “እንዘ ይነብር እግዚእነ ውስተ ደብረ ዘይት” ዘርእስቱን ኵለንተናዊ ትሕዝቶኡ ኣብ ምጽኣት ጐይታና ዘተኰረ’ዩ። እቲ ብመሰረት’ዚ መዝሙር’ዚ ዝተሰርዐ ንባባት ሓድሽ ኪዳን ብምሉኡ’ውን ምጽኣት ተኰር ትሕዝቶ ዘለዎ’ዩ። ናይ’ዚ ዕለት’ዚ ምስባክ’ውን፡ ኣምላኽና ኢየሱስ ክርስቶስ ከም ዚባላዕ ሓዊ ዀይኑ ብግህዶ ኸም ዚመጽእ ዜበስር ትንቢታዊ መዝሙር’ዩ። ናይ’ዚ ዕለት’ዚ መዝሙርና ንቓል ክርስቶስ መሰረት ብምግባር ኵሉ ሓይሊ ሰማያትን ምድርን ከም ዚናወጽን፡ ሽዑ ዅላቶም ሓጥኣን ምድሪ ኸም ዚበኽዩ፡ “ወአመ ምጽአቱስ ለወልደ ዕጓለ እመሕያው ይትከወስ ኵሉ ኃይለ ሰማያት ወምድር፡ አሜሃ ይበክዩ ኵሎም ሓጥኣነ ምድር።” ብምባል ገሊጹልና ኣሎ። እዚ ድማ ካብ ዘመነ ብሉይ ኪዳን ጀሚሩ ዝተነግረ’ዩ (ማቴ 24፡29 ፣ ማር 13፡24,25 ፣ ሉቃ 21፡25 ፣ ኢሳ 13፡10 ፣ 34፡4 ፣ ህዝ 32፡7 ። ዮኤ 2፡10 ፣ ጸፎ 1፡15 ፣ ራእ 6፡12-14)። እዚ ምንዋጽ’ዚ ኣብ ማእከል ህዝብታትን ሃገራትን ኣብ’ዚ ግኡዝ ሰማይን ምድርን ኪኽሰት’ዩ። እዚ ዅሉ ቕልውላዋት’ዚ ጐይታና ብምጽኣቱ ዚገሃደሉ ጊዜ ኣብ ኣፍ ደገ ምብጽሑ ዜበስረና’ዩ። እዚ ቕልውላው’ዚ ድሮ ብግህዶ ይኽሰት ከም ዘሎ ንዕዘቦ ስለ ዘለና፡ ንምጽኣቱ ድሉዋት እንኾነሉ ትምህርቲ ኽንመሃር እዋኑ’ዩ።
ቅልውላው እንታይ ማለት’ዩ፧ ንምጽኣትከ ንምንታይ’ዩ ቕልውላው ኣድልይዎ፧ እዚ ዝውቱር ቅልውላውከ ንምንታይ’ዩ ኣብ ሕጂ በጺሑ ፍሉይ ናይ ምጽኣት ምልክት ኰይኑ፧ ቅልውላው ማለት ናይ ሕርሲ ቐዳማይ ደረጃ ማለት’ዩ። እታ ነፍስ ጾር ኰነ እቶም ስድራ ቤታን እቶም ዜሕርስዋ ሰባትን ነቲ ዚስዕብ ቀንድን ወግዓውን ደረጃታት ሕርሲ ኺዳለው ዚሕብር ምልክታት’ዩ። ናይ’ቲ ማህጸን መጠናዊ ምኵምታር፡ ነታ ነፍሰጾር ክብድ ዝበለ ናይ ቅርጸት ስምዒት ይፈጥረላ። ዚኽሰተሉ ጊዜ እናቐልጠፈ ኪኸይድ ድሕሪ ምጽናሕ፡ ኣብ መወዳእታ ናብ’ቲ ኻልኣይ ደረጃ ሕርሲ ይሰግር ማለት’ዩ። መሪሕ ጥቕስና ኣስፊሩልና ኸም ዘሎ ድማ፡ ምጽኣት ጐይታና ናይ ትእምርትታት (ምልክታት) ደረጃ ኣለዎ። ጐይታና ንምልክታት ምጽኣቱ ናይ መጀመርታን ናይ መወዳእታን ኢሉ ከፋፊልዎ ኣሎ። ነዚ ኸኣ ብናይ ነፍሰ ጾር ናይ ሕርሲ መስርሕ መሲልዎ ኣሎ። “ቅልውላው” ተባሂሉ ዘሎ፡ እቲ ናይ ምጽኣቱ ናይ መጀመርታ ምልክታት’ዩ። ነዚ ድማ ኣብ ንባብና ካብ ማቴ 24፡4-26 ዘርዚርዎ ኣሎ። ነቲ ኻልኣይን ናይ መወዳእታን ምልክታት ድማ ኣብ ማቴ 24፡27-33 ኣስፊርዎ ኣሎ። እቲ ናይ መጀመርታ ምልክታት ዚኽሰተሉ ጊዜ ናይ ምድላው ጊዜ’ዩ። እቲ ናይ መወዳእታ ምልክታት ዚረኣየሉ ጊዜ ግን ናይ ምድላው ዘይኰነስ ነቲ ብግህዶ ዚመጽእ ጐይታ እንቕበለሉ ናይ ምቕባል ጊዜ’ዩ።
ጐይታና ንምጽኣቱ ናይ ቅልውላው ምልክታት ኪሰርዓሉ ዝደረኾ ምኽንያት፡ እቲ ፈቃርን መሓርን ባህርዩ፡ ኵሉ ሰብ ኪድሕን’ምበር ሓደ’ኳ ኺጠፍእ ዘይፈትው ሕያዋይ ኣምላኽ ምዃኑ’ዩ። ዝዀነ ዓይነት ኣማቲ ምልክት ከይሃበ ብሃንደበት ዱብ ኢሉ ኸይመጽእ ዚኽልክሎ ዋላ ሓደ የለን። እዚ ኣማጽኣ’ዚ ግን ዋላ ነቶም ብልቢ ዜፍቅርዎን ዚፈርህዎን ዚስዕብዎን ፍቁራቱ ኼዘንግዖምን ኪጐድኦምን ይኽእል’ዩ። ነዚ ናይ ቅልውላው ምልክታት ምስ ረኣዩ ግን፡ ንቓል ጐይታ ዘኪሮም፡ ቅዱሳት ጽሑፋት ተወኪሶም፡ ክዳውንቶም ኪእርንቡን ኬጽርዩን፡ ብርሃን ህይወቶም ኬድምቑን ንምቕባል መርዓዊኦም ድሉዋት ኪዀኖን የነቓቕሖም። ነቶም ኣብ መገዲ ጽድቂ ዘይጸንሑ ሓጥኣንን’ውን ካብ ድቃሶም ኪነቕሑን እቲ ቤተ ክርስትያንን ሰበኽቲ ወንጌልን ኪብልዎ ዝጸንሑ ቓል ብርግጽ ሓቂ ምዃኑ ተረዲኦም ብንስሓ ኪምለሱ’ሞ ንምድሓን ኪበቕዑ ይኽእሉ’ዮም። ስለ’ዚ ዘመን ቅልውላውን ምልክታት ቅልውላውን ዝተሰርዐ፡ ምእንታና ምእንቲ ደቂ ሰብ፡ ምእንቲ ጻድቃንን ሓጥኣንን’ዩ። ምእንቲ ረብሓና’ምበር፡ ምእንቲ ጕድኣትና ኣይኰነን። ብርግጽ ተዳልዩ ንዘይጸንሐ ሰብ፡ ገሊኡ ናይ ቅልውላው ምልክታት ኪጐድኦን ነቲ ንረብሓኡ ኬውዕሎ ዚኽእል ዝነበረ ዕድሉን ዕድሚኡን ኬሕጽረሉን ይኽእል’ዩ። ንኣብነት ከም ኮሮና ዝበለ ፌራ ወይ ለበዳዊ ሕማም (Pestilence, Plague, Epidemy, Pandemy) ነቶም ብእኡ ተለኺፎም ዚሞቱ ዘይኰነስ ነቶም ዚተርፉ’ዩ ምልክት ዚዀኖም። ውግእ ድማ ነቶም ብማዕዶ ዚሰምዕዎን ካብኡ ዘምለጡን’ምበር፡ ነቶም ብእኡ ዚምቱ ምልክቶም ኣይኰነን። ስለ’ዚ ኣየናይ ምልክት ከም ዚልክመና ኣየናይ ከኣ ከም ዚንሕፈና ስለ ዘይንፈልጥ፡ ዋላ ሓንቲ ኸም ዘይምልከቶም ተዓዘብቲ ዄንና “ንዅሉ ኽንርእዮን ክንመዝኖን ኢና” ዚብል ኣጕል ትጽቢት ኪህልወና ኣይግባእን’ዩ። ስለ’ዚ እቲ ጥንቁቕን ድሉውን ኴንካ ምንባር ከም ዕለታዊ ናብራኡ ወይ ከም ቅዲ ህይወቱ ወሲዱ ዚነብሮ ሰብ’ምበር፡ ብምልክታት ጥራሕ ንዚበራበር ክርስትያን፡ በዚ ናይ ቅልውላው ምልክታት ኪረብሖ ዚኽእል ውሑድ’ዩ። ነቲ ምልክት ምፍላጥን ምስትውዓልን ኣዝዩ ጠቓሚ ምዃኑ ፈጺሙ ዘየማትእ’ዩ። ኣዝዩ ጠቓሚ ስለ ዝዀነ ኸኣ’ዩ፡ ጐይታ ተገዲሱን ደጋጊሙን ብኣጽንዖት ዝተዛረበና።
ንመብዛሕትኡ ሰብ፡ ብዛዕባ’ዚ ናይ ቅልውላው ምልክታት ሸለልትነት ኬርእይ ዚቕስቦ ምኽንያት፡ እቶም ምልክታት ሰብ ካብ ዚፍጠር ጀሚሩ ኣብ ዓለም ብተደጋጋሚ ኪኽሰቱ ዝጸንሑ ምልክታት ምዃኖም’ዩ። እዚ ግን ንሸለልትነትና ብቑዕ ምኽንያት ኪኸውን ኣይክእልን፡ ኣይግብኦን ድማ’ዩ። ምኽንያቱ ብስፍሓት ሸፈንኡ፡ ብኽብደቱ ዀነ ብዚደጋገመሉ ፍጥነቱ (Frequency) ምስ’ቲ ዝለመድናዮ ፍጻመታት ሓደ ዓይነት ኪኸውን ኣይክእልን’ዩ። ኣብ ዓመት ኣብ ክልተ ዓመት ሓንሳእ ዜጋጥም ዝነበረ ምንቅጥቃጥ ምድሪ ወርሒ መጸ ኺሓቝነና እንተ ጀሚሩ፡ ድሮ ኸም ዝነበረ ዝውቱር ፍጻመ ኽንቈጽሮ ይከኣልዶ፧ ምድሪ ኻብ ትፍጠር ወይ ከኣ ንዝሓለፈ ኣማኢት ዓመታት ምንቅጥቃጥ ምድሪ ፈጺሙ ኣጋጢምዎ ዘይፈልጥ ከባቢታት፡ ከም ዘይነበረ ዀይኑ ኽሳዕ ዚድምሰስ እንተ ኣንቀጥቀጠ’ሞ እንተ ተደጋገመ፡ ከም ናይ ቅልውላው ምልክት እንተ ዘይረኣናዮ፡ ናይ መንፈሳዊ ድንዛዘና ምልክት ጥራሕ’ዩ ኪኸውን ዚኽእል። ጥዑይ ምግቢ ኽሳዕ ምጕሓፍ ዝበጽሑ ብጽጋብ ዝተሰርነቑ ህዝብታትን ሃገራትን፡ ብጥምየት ኪማስኑን ኪጸንቱን እንተ ረኣና፡ ምልክት ቅልውላው ምዃኑ ኽንክሕዶ ይግባእዶ፧ ስለ’ዚ ከም’ቲ ኣቦታትና “ከም ቀደም ይመስለኽን፡ ውሕጅ ይወስደክን” ዚብልዎ ኸይኰነና፡ ነቲ ጐይታና ንድሕነትና ኢሉ ዝነገረና ኣገደስቲ ምልክታት ፍሉይ ኣድህቦ ጌርና ኸነስተውዕለሎምን ንሕና’ውን ንድሕነትና ኽንጥቀመሎምን ይግብኣና።
ኣብ ዓይነታት ናይ’ቲ ናይ ቅልውላው ምልክታት እንታይ ክንወስዶ ‘ንኽእል ትዕዝብቲ ኣሎ፧ ካብ መን’ዩ ዚመጽእ፧ ብመን’ዩኸ ዚትግበር፧ ብርግጽ’ቲ ምልክታት ሓደ ዓይነት ኣይኰነን። ስለ’ዚ ንሓድሕዱ ኣገናዚብና በበቲ ተዋሂብዎ ዘሎ ኣጽንዖትን ስፍሓት ሸፈነን መሰረት ከነድህበሉ ይግብኣና። ንዅሉ ብንጹር ክትከፋፍሎ ቐሊል’ኳ እንተ ዘይኰነ፡ ብሓፈሻ ግን ከም’ዚ ዚስዕብ ኣፈናዊ ኽፍፍል ኪግበረሉ ዚከኣል’ዩ።
1. እምነታዊ ምልክታት ቅልውላው፦ ጐይታና ኣብ’ዚ ዝሃቦ ናይ ምልክታት ዝርዝር፡ ብቐዳምነት ዝጠቐሶን ብኣጽንዖት ዘጠንቀቐሉን ነዚ እምነታዊ ምልክታት’ዩ። እዚ እምነታዊ ምልክታት ንርእሱ ኣብ ሰለስተ ዓይነት ዚኽፈል’ዩ። ቐዳማይ ምልክት ኸኣ፡ ሓሰውቲ ነብያትን ሓሰውቲ መሲሓትን ብብዝሒ ዚለዓሉ ምዃኒም’ዩ። እቲ ሓሶቶም ድማ ብዓበይቲ ትእምርትን ተኣምራትን ዝተሰነየ ኸም ዚኸውን፡ ዕላማኦም (ሸቶኦም)’ውን ናብ’ቲ ተራ ህዝቢ ጥራሕ ዘይኰነስ፡ ናብ’ቶም ናብ ደረጃ ሕርየት ዝበጽሑ ክርስትያን ዘድሃበ ከም ዝዀነ ኣነጺሩልና ኣሎ (ማቴ 24፡4,5,11,23-26)። እዚ ትእምርቲ’ዚ ብቐዳምነት ዝጠቐሰሉን፡ “ሓደ’ኳ ኸየስሕተኩም ተጠንቀቑ” ኢሉ ዘሰምዓሉን ምኽንያት፡ ስሕተት ኣዝዩ ኸቢድ ኣበሳ ስለ ዝዀነ’ዩ። ምኽንያቱ ስሕተት፡ ብቐጥታ ኣብ ልዕሊ ኣምላኽ ዚፍጸም፡ ንእግዚእብሄር ሓሳዊ ንምግባርን፡ ዘይባህርዩን ዘይመንነቱን ኬጥብቐሉ ዚጋደል ኣጋንንታዊ ኣበሳ’ዩ። ሰይጣን፡ ብስም ኣምላኽ ሓሶት ዚዛረቡ ኣገልገልቲ ዚምልምለሉ ምኽንያት፡ እግዚኣብሄር፡ እቲ ሓቀኛ ኣምላኽሲ ሓሳዊ ከም ዝዀነ ጌርና ምእንቲ ኽንርእዮ ኢሉ’ዩ። ሓደ ናይ ሰይጣን ሓሳዊ ነብይ ዝተዛረቦ ትንቢት ሓሶት ኰይኑ ምስ ዚርከብ፡ እቲ ሓሳዊ ምዃኑ ዘየለለዮ ሰብ፡ ንእግዚኣብሄርን ኣገልግሎት ትንቢትን ሓዊሱ’ዩ ዚንዕቅን ዚነቅፍን። ሰይጣን ከኣ ናብ’ዛ ግግይቲ መደምደምታ ምእንቲ ኽንበጽሕ’ዩ በቶም ሓሰውቲ ኣገልገልቱ ዚጋደለና። በዚ ናይ ሓሶት ኣገልግሎት እንተ ስሒትና ድማ በደልና ብቐጥታ ኣብ ልዕሊ ኣምላኽ ስለ ዝዀነ ኣዝዩ ከቢድ’ዩ። ሓደገኛ ዚገብሮ ኸኣ ኣብ ውዱእ ሰዓት፡ ጐይታ ብትእምርታቱ “መጻእኩ መጻእኩ” ኣብ ዚብለሉ እዋን ምዃኑ’ዩ። ነገሩ “ዘይሓልፈላ ጭሩስ፡ መስከረም ትዓውር”’ዩ ኪኸውን። ኻልኣይ እምነታዊ ምልክት ድማ መከራን ስድደትን ኣብ ልዕሊ’ቶም ሓቀኛ ክርስትያን ምውራዱ’ዩ። ነቶም ብስሕተት ዘይተታለሉ፡ ካብ’ታ መገዲ ሓቂ ምእንቲ ኼውጽኦም፡ ብመከራ ኼሳድዶምን ኬሰክሖምን ይጋደል። እቲ መከራ ኣዝዩ ኻብ ምኽባዱ ዝተላዕለ፡ ብዙሓት ኣመንቲ ናብ ክሕደት ኬብጽሕ’ዩ። እቲ ዚወርድ መከራ ብብዝሑ ዀነ ብኽብደቱ እምብዛ ኺመርር’ዩ። ኣብ ራእይ ዮሃንስ ተገሊጹ ኸም ዘሎ ክትዕድግ ኰነ ኽትሸይጥ ዘየኽእል መከራ’ዩ። እቲ ኽትሸጦ ትኽእል ጕልበትካ፡ ሞያኻ፡ ፍርያትካ፡ ንብረትካ ወዘተ ዜጠቓልል’ዩ። ነዚ መከራ’ዚ እንተ ተንቲንናዮ፡ ምግብን ክዳንን መጽለልን ስኢንካ ኽትሳቐይ ኢኻ ማለት’ዩ። እቲ መከራ ሰማእትነት’ውን ዜጠቓልል’ዩ። እዚ መከራ’ዚ ስድራ ቤትካ ከይተረፈ ዝተሓባበርዎ መከራ’ዩ ዚኸውን (ማቴ 24፡9 ፣ 10፡35 ፣ ሉቃ 21፡16,17)። ሳልሳይ ወንጌል ክሳዕ ወሰን ዓለም ምስባኹ’ዩ። እዚ ኣቐዲምና ዝረኣናዮ ክልተ እምነታዊ ምልክታት፡ በቲ ጸላእ ኣምላኽ ዝዀነ ሰይጣን ዚትግበር’ዩ። እዚ ወንጌል ብስፍሓት ምስባኹ ግን በቲ ዅሉ ሰብ ኪድሕንን ናብ ፍልጠት ሓቂ ኺበጽሕን ዚደልይ ኣምላኽ ዚትግበር’ዩ (ማቴ 24፡14 ፣ 28፡19,20 ፣ ማር 16፡15,16)።
2. ዝምድናዊ ምልክታት ቅልውላው፦ እዚ ምልክታት’ዚ ካብ ብዝሒ ዓመጻን ዝሕታለ ፍቕርን ዝተላዕለ ዚኽሰት’ዩ። ብመሰረቱ’ውን ኣብ’ዛ ዓለም’ዚኣ “ፍቕሪ ኣሎ” ኽትብል ኣጸጋሚ’ዩ። ኣብ ቅንያት ምጽኣት ዚህልው ዝሕታለ ፍቕሪ ግን እምብዛ ኽፍእ ኪኸውን’ዩ (ማቴ 24፡10,12)። መብዛሕትኡ ብምኽንያት እምነት ዚፍጠር ጽልኢ’ዩ ዚኸውን (ማቴ 10፡34-36 ፣ ሉቃ 12፡52,53)። ቅዱስ ጳውሎስ ኣብ’ቲ መወዳእታ ዘመን ንምዝሓል ፍቕሪ ምኽንያት ዚኸውን እኩይ ባህርያት እንታይ ምዃኑ ዘርዚሩ ገሊጹልና ኣሎ (2ጢሞ 3፡1-7)። ናይ’ዚ ዝሕታለ ፍቕሪ’ዚ መለለዪ ድማ ንሓድሕድካ ኻብ ምጽላእ ሓሊፉ ኣሕሊፍካ ኽሳዕ ምውህሃብ ዚበጽሕ’ዩ። እዚ ድማ ንዅሉ ዓይነት ዝምድናታትና ዚበታትኽን ዜፍርስን’ዩ። እምነት ክርስትና ንፍቕሪ ኸም ርእሲ መኣዝን ናይ ኵሉ ሰብኣውን መንፈሳውን ዝምድናታት ገይሩ ዚሰርዕ እምነት ስለ ዝዀነ፡ ኣብ’ቲ ውዱእ ናይ ምጽኣት ሰዓት ፍቕሪ ምጥፋእ ኣዝዩ ሓደገኛ ምልክት’ዩ። እቲ ብቑዕ ክርስትያን ጥራሕ’ዩ፡ ዋላ ነቶም ኣሕሊፎም ዚህብዎ ኸይተረፈ ብምፍቃር ንምጽኣት ጐይታ ዘለዎ ድሉውነት ዜረጋግጽ። ንኣገዳስነት ፍቕሪ ድማ መጽሓፍ ቅዱስና ብኣጽንዖት ገሊጽዎ ኣሎ።
ነዞም ርኢናዮም ዘለና ክልተ ዓይነት ናይ ቅልውላው ምልክታት፡ ዘለኣለማዊ መጻኢና ዚውስኑ፡ ናትና ውሳነን ስጕምትን ዚጠልቡ፡ መንፈሳዊ ብስለትናን መንነትናን ዚመዝኑ’ዮም። ነዚ ምልክታት’ዚ እንህቦ መልሰ ግብሪ፡ ኣብ የማን ኣምላኽ (ኣብ መንግስተ ሰማያት) ወይ ከኣ ኣብ ጸጋሙ (ኣብ ገሃነም) ዜቝመና’ዩ። ስለ’ዚ በቲ ሓደ ወገን ጽንዓት እምነትና ዚፍተሽ ፈተና’ዩ፡ በቲ ሓደ ወገን ከኣ ምጽኣት ጐይታ ኣብ ኣፍደጌና ኸም ዝበጽሓ ዚገልጽ ብስራት ወይ ከኣ መርድእ’ዩ። ንሕሩያት ብስራቶም ‘ንሓጥኣን ከኣ መርድኦም’ዩ።
3. ህዝባውን ፖለቲካውን ምልክታት ቅልውላው፦ እዚ ድማ ህዝቢ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ፡ መንግስቲ ድማ ኣብ ልዕሊ መንግስቲ እናተላዕሉ ዚካየድ ውግኣትን ናዕብታትን’ዩ። ብቐሊሉ ኺፍታሕ ዚኽእል፡ ናብ ውግእን ናዕብን ኬብጽሕ ዘይግብኦ ጕዳያት፡ ከቢድ ዕንወትን ጥፍኣትን ዜውርድ ደማዊ ውግኣትን ናዕብታትን ኪካየድ’ዩ። ከም’ዚ ዝዓይነቱ ጥፍኣት ብኣምላኽ ዝተበየነ ፍርዲ ስለ ዝዀነ፡ ኣብ ከቢብ ሰደቓ ተቐሚጥካ ብውሕሉላት ኣዛተይቲ እናተመራሕካ ብሰላማ ከተዕርፎ ኣይከኣልን’ዩ። እቲ ዕውት ገንሸል ነቲ ኻልኣይ ማሕተም ምስ ፈትሖ፡ ነቲ ፍርዲ ኼተግብር ሓደ መልኣኽ ኣብ ሓመር (ቀይሕ) ፈረስ ተወጢሑ ወጸ፡ ብዛዕባኡ ድማ፡ “ንሓድሕዶም ምእንቲ ኺቃተሉስ፡ ንሰላም ካብ ምድሪ ኼርሕቓ ተዋህቦ፡ ዓብዪ ሰይፊ’ውን ተዋህቦ።” ተባህለ (ራእ 6፡3,4)። እቲ ኣራዊት’ውን ናቱ ናይ ውግእ ዛዕባታት ስለ ዘለዎ፡ ንሱ’ውን ንሰላም ኣብ ምርሓቕ ዕዙዝ ኣበርክቶ ኪህልዎ’ዩ (ራእ 20፡7,8 ፣ 17፡7-13)።
4. ተፈጥራዊ ምልክታት ቅልውላው፦ እዚ ምልክታት’ዚ ንምንቅጥቃጥ ምድሪ፡ ኣዕነውቲ ህቦብላታትን ማዕበላትን (Hurricanes + Tornados)፡ ማያዊ ዕልቕልቕ፡ ባርዕ ጫካታት፡ ምምዝባል ክሊማ (ኵነታት ኣየር)፡ ሰብን እንስሳን ዜጽንት ደርቅን ጥምየትን፡ ኣጽናቲ ለበዳታት ሕማም (ኣህጉራውን ዓለምለኻውን) ወዘተን ዜጠቓልል’ዩ። እዚ ምልክታት’ዚ ናይ ኣምላኽ ፍርዳዊ ውሳነ ምዃኑ ኣብ ራእይ ዮሃንስ ኣዝዩ ብዜሰምብድ ስእላዊ ኣገባባት ተገሊጹልና ኣሎ። እቲ ሾብዓተ ማሕተም ምስ ተፈትሐ ‘እቲ ሾብዓተ መለኸት ምስ ተነፍሓ፡ እቲ ሾብዓተ ጽዋእ ምስ ተኻዕወ ዚፍጠር ነውጺ ናይ ተፈጥሮ፡ “ክሳዕ ሽዑስ ብህይወት ኣየጽንሓኒ” ኢልካ ኽትምህለል ዚገብር’ዩ። ገሊኡ’ቲ መዓት፡ ሲሶ ህዝቢ ዓለም ዜጽንት’ዩ። ብመንጽር’ዚ ሕጂ ዘሎ ብዝሒ ናይ ህዝቢ ዓለም እንተ ሰሊዕናዮስ 2.7 ቢልዮን ሰባት ዜጽንት ለበዳታት ኪኽሰት’ዩ። ገሊኡ መዓት ንዅሉ ሰብ ዜጠቓልል ኪኸውን ከሎ፡ ገሊኡ ግን ንደቂ’ቲ ገንሸል ንሒፉ፡ ንደቂ’ቲ ኣራዊት ጥራሕ ዜጽንትን ዜሳቕይን ኪኸውን’ዩ። ካብ’ዚ መዓት’ዚ እነምልጠሉ ፍቱን መገዲ፡ ናይ’ቲ ኣራዊት ማይ ዘይጠዓምካ ሓቀኛ ውሉድ ናይ’ቲ ገንሸል፡ ጐይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ፡ ኴንካ ምንባር’ዩ። እዚ መዓት’ዚ ናይ ምጽኣቱ መርኣያ ስለ ዝዀነ ተማህሊልካ እተትርፎ ወይ እተጕድሎ ኣይኰነን።
እዚ ምክልታት ቅልውላው’ዚ ኣብ ዓለምና ሓለፋ ዝዀነ ሕሉፍ ዘመናት ሕጂ ገኒኑ ኸም ዘሎን፡ እናወሰኸን እናኸበደን’ውን ይኸይድ ከም ዘሎ ባዕላትና ንዕዘቦ ኣለና። ሎሚ ኣብ ከባቢና ብዓብይ ይኹን ብንኡስ መጠን ኪኽሰት ‘ንርእዮ ምልክታት፡ ወይ’ውን ብማዕከናት ዜናን ብማሕበራዊ መራኸቢታትን ኪጋዋሕ እንሰምዖን እንርእዮን ምልክታት፡ ከም ተራ ፍጻመታት “ተባህለ፡ ተገብረ” ኢልና ጥራሕ ንሓልፎ እንተ ዄንና፡ ንምድሓን ከም ዘይለበምና ግሁድ መርኣያ ዀይኑ ኼቃልዓና’ዩ። ጐይታ እንተ ዀነ፡ “እንሆ ኣቐዲመ ነገርኩኹም” ኢሉ ናይ ጥፍኣትናን ዕሽነትናን ሓላፍነት ከም ዘይወስድ ኣፍሊጡና’ዩ። ንኣስታት ክልተ ሽሕ ዓመታት ዝተደጋገመ ሓቂ፡ ናብ ቀልብናን ናብ ስእለ ኣእምሮናን (Imagination) ገጹ ዘይቅልቀል እንተ ዀይኑ፡ ነቲ ዝተዋህበና ዜለብም ሓለፋታት ከይንጥቀመሉ ወሲንና ኣለና ማለት’ዩ።
ነዚ ምልክታት’ዚ ኸነለልዮ ምኽኣልናን ንእኡ እንህቦ ግብረ መልስን ዜመሓላልፎ መልእኽቲ እንታይ ይመስል፧ ብኸመይ ኢናኸ ክንረብሓሉ ‘ንኽእል፧ እዚ ኸፋፊልና ዝረኣናዮ ምልክታት ቅልውላው ‘ዚፈጥሪ ባህርያዊ ግብሪ መልሲ ኸም ዘሎ ርዱእ’ዩ። ንዓሰርተታት ዓመታት ክትነብረላ ዝጸናሕካ ርግእቲ መሬት፡ ብሃንደበት ተናዊጻ ኽትሓቝነካ ኸላ፡ ከም ኵሉ ሰብ ብርቱዕ ፍርሃት ኪስመዓካ ናይ ግድን’ዩ። መንበሪኻ እንተ ፈሪሱ፡ ንብረትካ ዓንዩ ጥራይ ኢድካ እንተ ተሪፍካ መጽለሊ እንተ ስኢንካ፡ ስድራኻን ኣዝማድካን ፈተውትኻን ጸኒቶም ወይ ብኣካል ተጐዲኦም እንተ ርኢኻ፡ እቲ ንዅሉ ሰብ ዚስምዖ ሓዘንን ጭንቀትን ኪስምዓካ’ውን ንቡር’ዩ። እቲ ኻልእ ኣስቃቕን ሃሳይን ምልክታት’ውን ከከም ዓይነቱን ከከም ክብደቱን ነቲ ንቡር ሰብኣዊ ዝዀነ ስምዒታውን ግብራውን መልሰ-ግብሪ ምፍጣሩ ዘይተርፍ’ዩ። ጸገም ዚፍጠር በዚ መልሰ ግብሪ’ዚ ተዋሒጥካ፡ ነቲ ዝዓበየ መንፈሳዊ መልእኽቱ ምዝንጋዕን ንእኡ ዚምጥን ግብረ መልሲ ኸይሃብካ ምትራፍን’ዩ። ጐይታ “ናብ’ቲ ዘለኣለማዊ ቤትኩም ከግዕዘኩም እመጽእ ኣለኹ፡ ተዳሊኹም ተጸበዩኒ” ዚብል ግሁድ መልእኽቲ ብዓውታ እና’ሰምዐ ኸሎ፡ ልብናን ቀልብናን ብዛዕባ’ቲ ምድራዊ ጕድኣት ጥራሕ ተዋጢሑ እንተ ተሪፉ፡ በዚ ዝምቡዕን ሚዛኑ ዘይሓለወን ግብረ መልሲ’ዚ ዘለኣለማዊ ቤትና ኣብ ገሃነም ኪኸውን ንመርጽ ኣለና ማለት’ዩ። ዓለም ብምልእታ ብሓዊ መኺኻ ከም ዘይነበረት ኰይና ኽትጠፍእ ምዃና ብሰላሕታ ዘይኰነ ብግብራዊ መገዲ ብዓውታ እናተነግረና ኸሎ፡ ብዛዕባ ዝፈረሰ ገዛ ብዛዕባ ዝዓነወ ንብረት፡ ብዛዕባ ድሮ ዝሞተ ሰብ፡ ብዛዕባ ኻብ ውግእ ሃዲምና ‘ንዕቈበሉ ሃገር ወዘተ ምሕሳብና ጽቡቕ ኣይፈድየናን’ዩ። እቲ ግቡእ መልሰ-ግብሪ፡ “ካብ’ዛ ዓለም’ዚኣ ናበይ’የ ኽግዕዝ፡ ኣብ ቅድሚ’ቲ ፈራዲ ደው ዜብለኒ ብቕዓት ኣጥርየ ድየ፧ ዘይተነሳሕኩሉ ሓጢኣት ኣሎኒ’ዶ፧ ማሕተም ናይ’ቲ ገንሸል ድዩ ዘሎኒ፧ ወይስ ማሕተም ናይ’ቲ ኣራዊት፡” ዚብል ኪኸውን’ዩ ዚግባእ። ግን እቲ ምልክታት በቲ ሓደ ወገን ሓጋዚ’ኳ እንተ ዀነ፡ በቲ ኻልእ ወገን ግን ረባሽን ኣቓልቦኻ ዚሰርቕን ነእምሮኻ ዜጸልምትን’ዩ። እዚ ሓቂ’ዚ ኸኣ፡ እቲ ዘመን ቅልውላው ንንስሓን ኣካይዳኻ ንምዕራይን ዘይተሰርዐ’ዩ ዜምስሎ። ኣብ’ዛ ዘመን ቅልውላው ናይ ምዕዋት ተኽእሎ ዚህልዎ፡ እቲ ኣቐዲሙ ህይወቱን መገዱን ኣዐርዩ ድልዱል መሰረት ኣንጺፉ ዝጸንሐ ጥራሕ’ዩ። ስለ’ዚ ኸኣ’ዩ ኣብ’ዛ ረባሺት ናይ ቅልውላው ዘመን ኣብ ቅድሚ ጐይታ ብጽንዓት ደው እንብለሉ ሓይሊ ምእንቲ ኽንረክብ ኣቐዲምና ጸሎት ከነዘውትርን፡ ኵሉ ኣጽዋር ኣምላኽ ገጥ ኣቢልና ተዓጢቕና ኽንጽበይን ጐይታ ብቕዱስ ወንጌሉ ዝመዓደና (ሉቃ 21፡34-36 ፣ ኤፌ 6፡10-18 ፣ 1ተሰ 5፡1-11)። ናይ’ቶም ብብቕዓት ተዳልዮም ዝጸንሑ ሰባት ግብረ መልሲ እንታይ ከም ዚኸውን ጐይታና፦ “እዚ ምዃን ምስ ጀመረ፡ ምድሓንኩም ቀሪቡ’ዩ’ሞ፡ ቅንዕ በሉ፡ ርእስኹም’ውን ኣልዕሉ፡” ብምባል ገሊጽዎ ኣሎ (ሉቃ 21፡27)። ናይ’ቶም ንምቕባሉ ዘይተዳለው ሓጥኣን መልሲ ግብሪ ድማ፡ “. . . ኣብ ምድሪ’ውን ብደሃይ ባሕርን ማዕበልን ኣህዛብ ኪጭነቑን ዚገብርዎ ኺጠፍኦምን’ዩ። ሓይሊ ሰማያት ከኣ ኪናወጹ’ዮም፡ ሰባት ከኣ ብፍርሃትን ነቲ ኣብ ዓለም ኪመጽእ ዘለዎ ብምጽባይን፡ ልቦም ኪመልቆም’ዩ። . . . ኣብ በዓትታት ኣብ መንጎ ኣኻውሕ እምባታትን ተሓብኡ። ነኽራንን ነኻውሕን ድማ፡ ‘ካብ ገጽ ናይ’ቲ ኣብ ዝፋን ተቐሚጡ ዘሎን፡ ካብ ቍጥዓ ናይ’ቲ ገንሸልን ኣብ ልዕሌና ወዲቕኩም ከውሉና” . . . በልዎም። . . . “ ብምባል ገሊጽዎ ኣሎ (ሉቃ 21፡25,26, ራእ 6፡15,16 ፣ 1፡7 ካ.ት)።
እምበኣር ብዛዕባ’ዚ ድሮ ተኸሲቱ ዘሎን ብዛዕባ’ቲ ኣብ መጻኢ ዚኽሰትን ምልክታት ምጽኣቱ፡ ልብና ብኸመይ ይሓስብን ንህይውትና ብኸመይ የመሓድሮ ኸም ዘሎን ንመርምር። ንፍታው ንጽላእ፡ ኣብ ሕምብርቲ ቕልውላው ናይ ምጽኣት ጐይታና ኢና ዘለና። ኣብ’ዚ ዘመን ቕልውላው’ዚ እንነብሮ ዓይነት ኣነባብራ፡ ንናይ ዘለኣለማዊ መጻኢና መልክዕ እንታይ ከም ዚመስል ኪውስን ምዃኑ ፈጺምና ኣይንዘንግዕ ብዕዙዝ ኣድህቦን ብትኩር ትዕዝብትን፡ ነዚ ዘመንናን ምልክታቱን ልክዕ ከም መጽሓፍ ነንብቦ። ንጐይታና ብዜኽብርን ብዜርብሓናን ዘለኣለማዊ መጻኢ ብዜጸብቐልናን መገዲ ንጠቐመሉ። ንኣእምሮናን ናብራናን ንምጽኣት ጐይታ ንቓንዮ። ምኽንያቱ ኣብ’ዚ ውዱእን ግሁድን ሰዓት’ዚ ብዛዕባ ምጽኣት ዘይምሕሳብ ሃሳዪ ዕሽነት’ዩ!!
ጸጋ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስን ፍቕሪ ኣምላኽን ሕብረት መንፈስ ቅዱስን ምስ ኩላትና ይኹን።
ኦርቶዶክሳዊት ተዋህዶ ቤተ ክርስቲያን ኤርትራ - መንበረ ጵጵስና ሰሜን ኣሜርካ።
23 መጋቢት 2025 | መጋቢት 13, 2016 ግዕዝ (መበል 28 ሰንበት: ቊ.፳፰/28) |
||
ምስባክ መዝ. ፵፱(፶)፡፫ “እግዚአብሔርሰ ገሀደ ይመጽእ። ወአምላክነሂ ኢያረምም። እሳት ይነድድ ቅድሜሁ።” “ኣምላኽና ይመጽእ ስቕ ድማ ኣይብልን፡ ኣብ ቅድሚኡ ዚባላዕ ሓዊ ኣሎ፡ ህቦብላ ንፋስውን ይኸብቦ።” |
ንባባት |
ኣንባቢ |
1ተሰ 4፡13-ፍጻመ |
ዲያቆን |
|
2ጴጥ 3፡7-ፍጻመ |
ንፍቅ ዲያቆን |
|
ግብ 24፡10-21 |
ንፍቅ ካህን |
|
ማቴ 24፡1-28 |
ሰራዒ ካህን |
|
ቅዳሴ ፦ እንዘ ይነብር እግዚእነ | መዝሙር፦ እንዘ ይነብር እግዚእነ |
|
ካብ ውሽጢ ኤርትራ ዝተረኽበ ንቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ንምቁጽጻር ብመንግስቲ ኤርትራ ክካየድ ዝጸንሐን ዘሎን ሽርሒ ዘቃልዕ ቪድዮ
ድኳን መጻሕፍቲ/Book Store
ራድዮ ቃለ ኣዋዲ