“ከም’ቲ ፍቓዱ ጌርና ሓደ ነገር እንተ ለመንናዮ፡ ይሰምዓና’ዩ፡ እቲ ኣብኡ ዘሎና ትብዓት ድማ እዚ’ዩ። ነቲ ዝለመንናዮ ዘበለ ኸም ዚሰምዓና ኻብ እንፈልጥ ድማ፡ እቲ ካብኡ ዝለመንናዮ ልማኖ ድሮ ኸም ዝረኸብናዮ፡ ንፈልጥ ኢና።” 1ዮሃ 5፡14,15 (ግብ 10፡2,4)
እንሆ’ዚ ዕለት’ዚ ቀዳማይ ሰንበት ናይ ዘመነ ኣስተምህሮ’ዩ። ብመሰረት ስርዓት ቅድስቲ ቤተ ክርስትያንና፡ ብኣቈጻጽራ ግእዝ ካብ ሕዳር 6 ኽሳዕ ታሕሳስ 6 ዘሎ ቕንያት “ዘመነ ኣስተምህሮ” ተባሂሉ ይጽዋዕ። እቲ ድሕሪኡ ዚስዕብ “ዘመነ ስብከት” እናሓጸረ ኣብ ዚኸደሉ ዓመታት’ውን ዘመነ ኣስተምህሮ ኽሳዕ ታሕሳስ 12 ኺምጠጥ (ኪዓርግ) ይኽእል’ዩ። እዚ ምዕራግ ናይ ዘመነ ኣስተምህሮን ምሕጻር ናይ ዘመነ ስብከትን ዚውሰን ድማ፡ በቲ ታሕሳስ 1 (በዓለ ኤልያስ) ዚውዕለሉ መዓልቲ’ዩ። በዓለ ኤልያስ (ታሕ.1) ኣብ’ዚ ዓመተ 2017ግ ኣብ መዓልቲ ሰሉስ’ዩ ዚውዕል። በዚ መሰረት ከኣ፡ ናይ’ዚ ዓመት’ዚ ዘመነ ስብከት ናይ ሓንቲ መዓልቲ ዘመን፡ ንሳ ኸኣ ሰንበት ታሕሳስ 13’ያ ‘ትኸውን። ስለ’ዚ ናይ ሎሚ ዓመት ዘመነ ኣስተምህሮ፡ ካብ ሕዳር 6 ኽሳዕ ታሕሳስ 12’ዩ ኪኸውን። እዚ ዚስዕብ ሰሌዳ (table) ዘመነ ኣስተምህሮን ዘመነ ስብከትን ብኸመይ ከም ዚውሰን ዚገልጸልና’ዩ።
ቍ.ተ |
በዓለ ኤልያስ |
ዘመነ ኣስተምህሮ |
ዘመነ ስብከት |
|
|
|
|
ዕለት |
መዓልቲ |
1 |
ሰሉስ |
ሕዳ.6 - ታሕ.12 |
ታሕ.13 |
ሰንበት |
2 |
ረቡዕ |
ሕዳ.6 - ታሕ.11 |
ታሕ.12,13 |
ሰንበት-ሰኑይ |
3 |
ሓሙስ |
ሕዳ.6 - ታሕ.10 |
ታሕ.11-13 |
ሰንበት-ሰሉስ |
4 |
ዓርቢ |
ሕዳ.6 - ታሕ.9 |
ታሕ.10-13 |
ሰንበት-ረቡዕ |
5 |
ቀዳም |
ሕዳ.6 - ታሕ.8 |
ታሕ.9-13 |
ሰንበት-ሓሙስ |
6 |
ሰንበት |
ሕዳ.6 - ታሕ.7 |
ታሕ.8-13 |
ሰንበት-ዓርቢ |
7 |
ሰኑይ |
ሕዳ.6 - ታሕ.6 |
ታሕ.7-13 |
ሰንበት-ቀዳም |
ነዚ ዕለት’ዚ ብቕዱስ ያሬድ ዝተዳለወ መዝሙር ሰንበት “ኢትዘኪሮ” ዘርእስቱ’ዩ። እዚ መዝሙር’ዚ ብዛዕባ ሳህልን ምሕረትን ናይ እግዚኣብሄር ልዑል ክብሪ ዚህብ መዝሙር’ዩ። ንኣበሳና ኸም ዘይዝክር፡ ክንጠፍእ ፈጺሙ ኸም ዘይሓደገና ዚገልጽ፡ ጐይታኣ ንሰንበት፡ ኣቦኣ ንምሕረት ምዃኑ ዚእመን፡ ምሳና ኪኸውንንን ኣብ ጸበባና ረዳኢና ኪኸውንን ዚምሕጸን መዝሙር’ዩ። ነቲ እግዚኣብሄር ወልድ፡ “ኣቱም እትጽዕሩን ጾር ዝኸበደኩምን፡ ኣነ ኸዕርፈኩም ናባይ ንዑ፡ ኣርዑተይ ፈኲስ፡ ጾረይ ቀሊል’ዩ” ዝበሎ ቓል ብምጥቃስ፡ ምሕረት ኣብ ኢዱ ኸም ዘሎን ንዝደለዮ ኸም ዚምሕር ዚገልጽ’ዩ (ማቴ 11፡29-30 ፣ ሮሜ 9፡11-18)። እቲ ነዚ ዕለት’ዚ ዝተዳለወ ናይ መዝሙረ ዳዊት ክልተ ኣማራጺ ምስባክ’ውን፡ እግዚኣብሄር ኣበሳና ኸይዝክር ዚምሕጸንን፡ ከም ኣበሳና ኸም ዘይፈድየና፡ ንዘለኣለም ከም ዘይቍጣዕን ዚገልጽ’ዩ። ናይ’ዚ ዕለት’ዚ ትምህርትናን መሪሕ ጥቕስናን ድማ ካብ’ቲ ናይ 1ዮሃ 5፡13-21 ንባብና ዝተወሰደ’ዩ። እግዚኣብሄር ምሕረቱ ኻብ ዚገልጸሎም መገድታት ሓደ፡ ነቲ ኸም ፍቓዱ ዘቕረብናዮ ጸሎትና መልሲ ዚህብ ምዃኑ’ዩ። ብመሰረት መሪሕ ጥቕስና፡ ብናይ ጸሎት ህይወቱ ኣዝዩ ዕዉት ዝዀነ ናይ ኣምላኽ ሰብ፡ ከም ኣርኣያና ወሲድና ኽንመሃረሉ ኢና። ንሱ ኸኣ ሓለቓ ሚእቲ ቆርነሎዎስ’ዩ።
ናይ’ታ መዛዘሚ ስብከት “ጸሎትካን እምበኣር ካብ’ዚ እግዚኣብሄር ዘኽበሮ ሰብ ተማሂርና፡ ኣምላኽ ዜኽብሮ ጾምን ጸሎትን ካልእ ኵሉ መንፈሳዊ ስነ ምግባርን ከነዘውትር ይግብኣና። መንፈሳዊ ህይወትና፡ ንእግዚኣብሄር ካልእ መንፈሳዊ በረኸትን ጸጋን ኺህበና ዚድርኾ ኪኸውን ይግባእ። ኣብ ምሉእ መጽሓፍ ቅዱስ፡ ብጸሎቶም ናይ ዘጕሃይዎን ዘዀረይዎን ሰባት ኣብነት ተጠቒሱልና ኣሎ። ቅዱስ ኣሳፍ’ውን ነዚ ሓቂ’ዚ: “ዎ እግዚኣብሄር፡ ኣምላኽ ሰራዊት፡ ክሳዕ መዓስ ኢኻ ብጸሎት ህዝብኻ እትዅርይ፧” ብምባል ብጸሎቱ ኣረጋጊጹልና ኣሎ (መዝ 80፡4)። ጸሎት ንሓጢኣት ኪኸውን ከም ዚኽእል፡ ቅዱስ ዳዊት’ውን ኣሚቱልና’ዩ (መዝ 109፡7)። እግዚኣብሄር ንጸሎት ሓጥኣን ከም ዚፍንፍኖ’ውን ደጋጊሙ ገሊጹ’ዩ (መዝ 80፡4)። እቲ ብነብዪ ኢሳይያስ ገይሩ፡ ብሓጢኣት ንዝተሰነየ ጾምን ጸሎትን በዓላትን ነፍሱ ኣዝያ ኸም ትጸልኦ፡ ከም ጾር ከም ዚኸብዶ ብምርረት ዝገለጾ ቓል’ውን ኪረሳዕ ዘይግብኦ’ዩ (ኢሳ 1፡10-17 ፣ 58፡1-7)።
ቆርኔሌዎስ መን’ዩ፧ ብኸመይከ ነዚ ዓብይ ክብሪ ኻብ ኣምላኽ ኪቕበል በቕዐ፧ ኣብ’ቲ ነዚ ዕለት’ዚ ተሰሪዑልና ዘሎ ናይ ግብ 10፡1-9 ንባብ ተጠቒሱ ዘሎ ጻድቕ ናይ ኣምላኽ ሰብ፡ ስሙ ቆርኔሌዎስ’ዩ። ብሞያ ዓቀይታይ ኰይኑ ብማዕርጉ ሓለቓ ሚእቲ’ዩ። ዓሌቱ ድማ ካብ’ቶም ንኣምላኽ ዚፈልጡ እስራኤላውያን ዘይኰነስ፡ ካብ’ቶም ጣኦታት ዜምልኹ ኣህዛብ’ዩ ዝነበረ።
ሃዋርያ ቅዱስ ጳውሎስ፡ ነቶም ናብ እምነት ክርስትና ዝኣተው፡ ካብ ዓሌት ኣህዛብን መምለኽቲ ጣኦትን ዝነበሩ ሰብ ኤፌሶን፡ ኣህዛባዊ ህይወት ብመንፈሳዊ ኣዒንቲ ብኸመይ ከም ዚግለጽ ብኸም’ዚ ዚስዕብ ኣብሪህዎ ኣሎ። “እምበኣር ንስኻትኩም እቶም ቀደም ብትውልድኹም ኣህዛብ ዝነበርኩም፡ እቶም “ግዙራት” በታ ኣብ ስጋ እትግበር ግዝረት ብምምካሕ፡ “ዘይግዙራት” ኢሎም ይጽውዑኹም ከም ዝነበሩ ዘክሩ። በቲ ዘመን’ቲ ካብ ክርስቶስ ዝረሓቕኩም፡ ካብ ሕብረት እስራኤል ፍሉያት፡ ነታ ኺዳን ተስፋ ኣጋይሽ፡ ኣብ’ዛ ዓለም’ዚኣ ኸኣ ብዘይ ኣምላኽ ተስፋ ዘይብሎም ከም ዝነበርኩም ዘክሩ።” ኤፌ 2፡11,12 ካ.ት
ሓለቓ ሚእቲ ቆርነሌዎስ’ውን ከም’ዚ ዝዓይነቱ ሰብ’ዩ ዝነበረ። ካብ ኣምልኾ ጣኦት ናብ ናይ ኣይሁድ እምነት ዝኣተወ ሰብ’ውን ኣይነበረን። ነዚ ኽንብል ዜኽእለና ድማ፡ ሃዋርያ ቅዱስ ጴጥሮስ ብምርሒት መንፈስ ቅዱስ ናብ እንዳ ቆርኔሌዎስ ምስ መጸ፡ ከም ኣይሁዳዊ እምነት ዘለዎ ሰብ ዘይኰነስ ከም ምሉእ ብምሉእ ኣህዛብ ብምርኣዩ ኣረጋጊጹ’ዩ። ኣብ ዘረባኡ ድማ፦
“ንሓደ ኣይሁዳዊ ሰብኣይ ምስ ካልእ ህዝቢ (ምስ ኣህዛብ) ኪጽምበር ወይ ናብ ቤቶም ኪኣትው ከም ዘይግብኦ ትፈልጡ ኢኹም። ንኣይ ግና ንሓደ ሰብ’ኳ ኸይጽየፍ፡ ወይ “ርኹስ” ከይብል ኣምላኽ ኣርእዩኒ’ዩ።” ብምባል ብዝበለጸ ኣነጺርዎ’ዩ (ግብ 10፡28)። ሃይማኖቶም ኣይሁድነት (judaism) ነይሩ እንተ ዚኸውን፡ ዝዀነ ንኣታቶም ዚጽየፈሉ ምኽንያት ኣይምሃለዎን ነይሩ። ንናይ ቆርኔሌዎስ መንፈሳውነት ኣዝዩ ፍሉይ ዚገብሮ’ምበኣር፡ ኣይ ክርስትያን ኣይ ኣይሁድ ክነሱ፡ ንኣምላኽ ዜስምር ህይወት ኣብ ርእሱን ኣብ ምልእቲ ስድራ ቤቱን ኪሃንጽ ምኽኣሉ’ዩ። ኣይሁዳዊ እምነት ስለ ዘይብሉ ኣብ’ቲ ናይ ኣይሁድ ቤት መቕደስ ከይዱ ኺጽልይ፡ ወይ ናብኡ ገጹ ኪቐርብ ኣይክእልን’ዩ። ኣብ’ቲ ኣይሁድ ዚጽየፍዎ ቤቱ ዀይኑ ግና ናብ’ታ ኣብ ሰማያት ዘላ ቕድስተ ቅዱሳን ዚድይብን ዚኣትውን ብቑዕ ጸሎት ይጽልይ ነበረ። ድሕሪ’ቲ መልኣኽ ቅዱስ ገብርኤል ንኻህን ዘካርያስ ኬበስር ዝኣተወሉ፡ መልኣኽ እግዚአብሔር ብኣካል ናብ’ቲ ናይ ኣይሁድ ቤት መቕደስ ከም ዝኣተወን ንሰባት ከም ዝተገልጸሎምን ከቶ ኣይተጻሕፈን። ምኽንያቱ እታ ቤት መቕደስ ናብ ዕዳጋን ናብ ቤት ጐሓሉትን ተቐዪራ ስለ ዝነበረት’ዩ። እዚ ኻብ ሕብረት እስራኤል ፍሉይ፡ ነታ ናይ ክርስቶስ ኪዳን ተስፋ’ውን ጋሻን ጓናን ዝነበረ ሰብ ግና፡ ንገዛእ ስጋኡን ነታ ቤቱን ብቕዕቲ መቕደስ ገይሩ ስለ ዝሃነጸ፡ መልኣኽ እግዚአብሔር ብግሁድ ትርኢት ኣብ ቤቱ ተገልጸ። ኣይሁዳውያን ናብ ቤቱ ዘይመጽእዎ ናብ ቤቶም’ውን ዘየምጽእዎ ሰብ ክነሱ፡ ቅዱስ መልኣኽ ግና ብትእምርቲ ዘይኰነስ ብኣካል መጺኡ ናብ ቤቱ ኣትዩ ኣበሰሮ። እግዚአብሔር ነየናይ መቕደስ ከም ዚመርጽን ከም ዜኽብርን ብጋህዲ ዘርኣየሉ ኽቡር ሰብ ኰነ።
እግዚአብሔር ንቆርኔሌዎስን ንቤቱን ሓለፋ መቕደስ ኣይሁድ ኬኽብር ዝደረኾ እንታይ’ዩ፧ ኵለን እተን ንቆርኔሌዎስ ፍሉይ ዝገበራኦ ረቛሒታት ኣብ ፍቕዲ 2 ኣብ’ቲ መሪሕ ጥቕስና ተዘርዚረን ኣለዋ።
1. ምስ ኵሉ ስድራ ቤቱ ንእግዚአብሔር ዚፈርህ ሰብ ምዃኑ
2. ጻድቕ ሰብ ምንባሩ፡
3. ብዙሕ ምጽዋት ዚምጽውት ሰብ ምዃኑ፡
4. ኵሉ ሳዕ ንኣምላኽ ዚልምን ሰብ ምዃኑ፡
ነዚ ሓለቓ ሚእቲ ዓቀይታይ፡ መልኣኽ እግዚአብሔር ዚረኣዮ መቕደስ ዝገበሮ፡ እዚ መሰረታዊ ረቛሒታት’ዩ። ቃል እግዚአብሔር፡ ፍርሃት እግዚአብሔር ማለት ንጽድቂ ምፍቃር ንሓጢኣት ከኣ ምጽላእ ማለት’ዩ (ምሳ 8፡13)። ንሰብ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ዕዉት ኪኸውን ዜኽእሎ ናይ መጀመርታ ጥበብ፡ ፍርሃት እግዚአብሔር ምዃኑ’ውን ቃሉ ኣረጋጊጹልና’ዩ። (ምሳ 1፡7)። ብዘይ ፍርሃት እግዚአብሔር መንፈሳውነት ኬጥርይ ዚኽእል ሓደ ሰብ’ኳ የልቦን። እቲ ንክርስትና ብፍርሃት እግዚአብሔር ዚኣትዎ፡ ከም’ቲ ናብ ሓደ ገዛ ብማዕጾ ዚኣትው ሰብ’ዩ። እቲ ንፍርሃት እግዚአብሔር ንዒቑ ብኻልእ መገዲ ናብ መንፈሳዊ ህይወት ኪኣትው ዚደልይ ሰብ ድማ፡ ከም’ቲ መስኮት ፈንቂሉ ናሒሲ ነቒሉ ኺኣትው ዚደልይ ጒሒላ ሰብ’ዩ። እዚ ኣህዛባዊ ዓቀይታይ በታ እግዚአብሔር ዘዳለዋን ዚቕበላን ቅንዕቲ ኣፍደገ፡ ብፍርሃት እግዚአብሔር ስለ ዝኣተወ፡ ነቶም ኣብ መንግስተ ሰማያት ምስኡ ንዘለኣለም ዚነብሩ መላእኽቲ ገና ኣብ ምድሪ ኸሎ ብዓይኑ ኺርእዮም ተዓደለ።
ብፈሪሃ እግዚአብሔር ጽድቂ ዜፍቅር ሓጢኣት ግን ዚጽየፍ ሰብ ስለ ዝነበረ፡ ነቲ ዜፍቅሮ ግብሪ-ጽድቂ ብምግባር ጻድቕ ኪኸውን በቕዐ። ናይ ጽድቂ ባህግን ፍቕርን ጥራሕ ሃልዩካ፡ ነቲ ባህግኻን ፍቕርኻን ዘይትእዘዞ እንተ ዄንካ፡ ናብ’ቲ ዝበሃግካዮ ጽድቂ ክትበጽሕ ኣይከኣልን’ዩ። እስራኤላውያን ናብ ጽድቂ ናይ ምብጻሕ ልዑል ባህጊ ነይርዎም ኬብቅዕ ንእምነት ስለ ዘይተኣዘዝዋ፡ ናብ ጽድቂ ኸይበጽሑ ተዓንቂፎም ተረፉ። ሃዋርያ ቅዱስ ጳውሎስ ነዚ ሓቂ’ዚ ብኸም’ዚ ዚስዕብ ገሊጽዎ ኣሎ።
“. . . እቶም ጽድቂ ዘይደለዩ ኣህዛብ ጽድቂ ረኸቡ። እዚ ኸኣ እቲ ኻብ እምነት ዚመጽእ ጽድቂ’ዩ። እስራኤል ግና ንሕጊ ጽድቂ እናደለይዎ፡ ናብ’ቲ ሕጊ ጽድቂ ኣይበጽሑን። . . . ካብ ግብሪ’ምበር ካብ እምነት ስለ ዘይደለይዎ፡ስ ብእምኒ መዓንቀፊ (ብክርስቶስ) ተዓንቀፉ።. . . . . ክርስቶስ ነቲ ዚኣምን ዘበለ ዅሉ መደምደምታ ሕጊ ንጽድቂ እዩ’ሞ፡ ጽድቅ ኣምላኽ ሰኣን ምፍላጦምን ጽድቂ ርእሶም ኪተኽሉ ብምድላዮምንሲ ንርእሶም ኣብ ትሕቲ ጽድቂ ኣምላኽ ኣየግዝኡን።” ሮሜ 9፡30-33፣10፡3,4።
ቆርኔሌዎስ ግና ነታ እተጽድቕ እምነቱ ስለ ዝተኣዘዛ ጽድቁ ተጋሂዳ “ጻድቕ” ተባህለ። ሓደ ኻብ’ቲ መርኣያ ጽድቁ ዝዀነ ተግባሩ ድማ ኣብ ማእከል’ቲ ህዝቢ ንዝነበሩ ድኻታት ብዙሕ ምጽዋት ይህብ ምንባሩ’ዩ። ከም’ቲ ቅዱስ ዳዊት ኣብ መዝሙሩ፦ “ዘረወ፡ ንድኻታት ሃበ፡ ጽድቁ ንዘለኣለም ይነበር፡ ቀርኑ ብኽብሪ ልዕል ኪብል’ዩ።”
ዝበሎ፡ ዘለኣለማዊ ጽድቂ ኸም ዝረኸበ፡ በቲ ምምጽዋት ገይሩ ገለጸ (መዝ 112፡9፣ 2ቈረ 9፡8,9)። ኣብ’ቲ “ፍኖተ ህይወት” ዝተሰምየ ናይ መሰረተ እምነት ተዋህዶና መጽሓፍ፡ “ግብረ-ውህበት” ኣብ ትሕቲ ዚብል ኣርእስቲ ብስፍሓት ተገሊጹ ኸም ዘሎ። ንስኡናት ምምጽዋት ናይ’ቲ ብእምነት ብክርስቶስ ዝረኸብናዮ ጽድቂ ግሁድ መርኣያ’ዩ፡
ዓብይ ናይ እምነት ሰብ፡ ኣብ ኣምላኽ ዚውከል ሰብ ምዃኑ ድማ በቲ ኸየቋረጸ ዅሉ ሳዕ ናብ ኣምላኽ ዜቕርቦ ቅቡል ጸሎት ዘረጋገጸ ሰብ’ዩ። ጸሎቱ ኸይተዓንቀፈ ትኽ ኢሉ ናብ ሰማያት ናብ እግዚአብሔር ዚዓርግ ቅቡል ጸሎት ነበረ። ብዚምስጥ ቃላትን በዓበይቲ ጥቕስታትን ዝማዕረገ ውቁብ ጸሎት ስለ ዝነበረ ኣይኰነን፡ ቀጥ ኢሉ ናብ ሰማያት ዝደየበ። ምኽንያቱ ከም’ዚ ዝበለ ጸሎት ኪጽልይ ዜኽእሎ መጻሓፍቲ ወይ ትምህርቲ ዘይረኸበ ኣህዛባዊ’ዩ ዝነበረ። ምናልባት ጸሎቱ ኸም ናይ’ቲ ኣብ ርሑቕ ደው ኢሉ፡ ኣፍ ልቡ ኣናወቕዐ፡ ገጹ ናብ መሬት ደፊኡ፡ “ንኣይ ንሓጥእ መሓረኒ” ዚብል ዓይነት ይኸውን’ዩ። ብፍርሃት ኣምላኽ ዝተደረኸ፡ ብመንፈሳዊ ስነ ምግባር ዝተሰነየ ብግብሪ ጽድቂ ዝማዕረገ ንጹህ ጸሎት ስለ ዝነበረ፡ ኣይሁድ ካብ ዝተጸየፍዎ ቤት፡ ኣምላኽ ዜደንቖን ዚቕበሎን ጸሎት ናብ ሰማያት ይዓርግ ነበረ። ንናይ ቀርኔሌዎስ ህይወት ፍሉይ ዚገብሮ ድማ፡ ንበይኑ ንውልቁ ዘይኰነስ፡ ንምሉእ ስድራ ቤቱ ናብ ፍርሃት ኣምላኽ ናብ እምነት ኪመርሕ ምኽኣሉ’ዩ። ካብ ልሳን ቅዱስ ጴጥሮስ ብስራት ወንጌል ኪሰምዕ ኪጽበይ ከሎ’ውን ስድራ ቤቱ ጥራሕ ዘይኰነ፡ ንዅሎም ኣዝማዱን ዚኣምኖም ፈተውቱን ኣኪቡ’ዩ ዝተጸበየ። ናይ ርእሱ ኸይኣኽሎ፡ ንብዙሓት ሰባት ናብ ጽድቂ ናይ ምምራሕ ቅዱስ ቅንኣትን ተበግሶን ዝነበሮ ዕዉቱ ሰብ’ዩ። እቶም ንብዙሓት ናብ ጽድቂ ዚመርሑ ድማ፡ ኣብ’ታ መንግስቲ ኣምላኽ ከም ከዋኽብቲ ናይ ምብራህ ክብሪ ዚወሃቦም ሰባት’ዮም (ዳን 12፡3፣ ማቴ 13፡43)
ኣብ’ዚ ሰንበት ብዛዕባ’ዚ ሓለቓ ሚእቲ ዓቀይታይ ክንመሃር ዘድለየ’ምበኣር፡ መቕደስ ስጋና ብኸመይ ክንሃንጽ ከም ዝግብኣና ምእንቲ ክንፈልጥ’ዩ። ኣብ ህይወቱ ኽብሪ ኣምላኽን ግብሪ ኣምላኽን ኪርእይ ዚደልይ ሰብ፡ መቕደስ ስጋኡ ብጽድቅን ቅድስናን ኺሃንጽ ይግብኦ ማለት’ዩ። እግዚአብሔር ኣብ ቆርኔሌዎስ ዝነበሮ ስምረት ኪገልጽ ዝደረኾ ድማ ከም’ቲ ብነብዪ ኢሳይያስ ዝገለጾ፡ ብፍርሃት ኣምላኽን ብስቡር ልብን ዝተሃንጸ መቕደስ-ስጋ ስለ ዝረኸበ’ዩ።
“ስለ’ዚ እቲ ንዘለኣለም ዚነብር ልዑልን ዕዙዝን ቅዱስ ዝስሙን (እግዚአብሔር) ከም’ዚ ይብል ኣሎ። “ኣብ’ቲ ልዑልን ቅዱስን ስፍራ (ኣብ ሰማያት) እነበር ኣለኹ። ግናኸ ንመንፈስ ትሑታት ህያው ክገብሮ፡ ንልቢ ድቑሳት ከኣ ህያው ክገብሮስ፡ ምስ’ቲ ድቑስን ትሑትን መንፈስ ዘለዎ ሰብ እነብር ኣለኹ።” ኢሳ 57፡15
“እግዚአብሔር ከም’ዚ ይብል፡ “ሰማይ ዝፋነይ’ዩ ምድሪ ኸኣ መርገጺ እግረይ’ያ። እቲ ንስኻትኩም እትሰርሑለይ ቤት ደኣ ከመይ ዝበለ’ዩ፧ እቲ ኣነ ዝዓርፈሉ ስፍራኸ ከመይ ዝበለ’ዩ፧ ኢደይ’ያ ነዚ ዅሉ ዝገበረቶ፡ እዚ ዅሉ ኸኣ ዀይኑ’ሎ።” ይብል እግዚአብሔር፡ “ግናኸ ኣብ’ቲ ሽጉርን ድቕስን፡ መንፈስ ዘለዎን ብቓለይ ዚርዕድን ሰብ ደኣ’የ ዝጥምት ዘለኹ።” . . . ።” ኢሳ 66፡1,2
እግዚአብሔር ነቲ ምስ ቆርኔሌዎስ ዝነበሮ ስምረት ብኸመይ ገለጾ፧ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስና ኣብ ዘሎ ዅሉ ታሪኽ፡ ከም’ዚ ንቆርኔሌዎስ ዝተገብረሉ፡ ይትረፍ ንሓደ መምለኺ ጣኦት ዝነበረ ሰብ፡ ነቶም ብሕጊ ኣምላኽ ዝተመርሑ ቕዱሳን እስራኤላውያን’ኳ ኣይተገብረን። እተን ነዚ መቕደስ ስጋኡ ዝሃነጸን ዝቐደሰን ዕዉት ሰብ ዝተገብራሉ ሰለስተ ዓበይቲ ግብርታት እዘን ዚስዕባ’የን።
1. መልኣኽ እግዚአብሔር ብግሁድ ትርኢት ተገሊጹ ኣበሰሮን፦ ናብ’ቲ ሓጥኣን ኣይሁድ ዚጽየፍዎ ገዛኡ፡ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ዚቐውም ቅዱስ መልኣኽ መጺኡ፡ ኽልተ ዓበይቲ ብስራት ኣበሰሮ። እቲ ቐዳማይ ብዛዕባ ሕሉፍ ህይወቱ ዀይኑ፡ እቲ ኣብ ምድሪ ዀይኑ ዝፈጸሞ ናይ ጸሎትን ምጽዋትን መንፈሳዊ ስነ ምግባር፡ ካብ ምድሪ ሓሊፉ ናብ ሰማያት ደዩቡ ናብ ኣምላኽ ከም ዝበጽሐ ዓብይ ብስራት ኣስምዖ። እቲ ኣብ ሰባት ዝፈጸሞ ግብረ ሰናይ፡ ኣብ’ቶም ሰባት ጥራሕ ተደሪቱ ኣይተረፈን። ናብ እግዚአብሔር’ዩ ደዩቡ። እቲ ኣብ ቃሉ ብግሁድ ዝተገልጸ፡ ቆርኔሌዎስ ግን ዘይሰምዖ ሓቅታት ኣብኡ ተፈጸመ።
“መዝገብካ ኣብ ዘለዎ፡ ኣብኡ ድማ ልብኻ ኣሎ። ስለ’ዚ ብልዒ ኣብ ዘይበልዖ፡ ነቐዝ ኣብ ዘየንቅዞ፡ ሰረቕቲ ዂዒቶም ኣብ ዘይሰርቅዎ ኣብ ሰማይ ደኣ መዝገብ ግበሩ’ምበር፡ ብልዒ ኣብ ዚበልዖ፡ ነቐዝ ኣብ ዜንቅዞ፡ ሰረቕቲ ዂዒቶም ኣብ ዚሰርቅዎ ኣብ ምድሪ ንኣኻትኩም መዝገብ ኣይትግበሩ።” ማቴ 6፡19-21።
“ጠምየ ነበርኩ’ሞ፡ ኣብላዕኩምኒ። ጸሚአ፡ ኣስቴኹምኒ፡ ገይሸ፡ ተቐበልኩምኒ። . . . እቲ ንጉስ ከኣ፡ እቲ ኻብ’ዞም ናእሽቱ ኣሕዋተይ ንሓደ ዝገበርኩምሉ ንኣይ ከም ዝገበርኩምለይ፡ ብሓቂ እብለኩም ኣሎኹ፡ ኢሉ ይመልሰሎም።” ማቴ 25፡35,40። “ነቶም ኣብ’ዛ ዓለም’ዚኣ ዘለዉ ሃብታማት ከይዕበዩ፡ በቲ ኽንሕጐስ ኢሉ ዅሉ ብልግሲ ዚህበና ኣምላኽ’ምበር፡ በዚ ሓላፊ ሃብቲ ኸይእመኑ ኣዝዞም። ገበርቲ ሰናይ ኪዀኑ፡ ብሰናይ ግብሪ ኺህብትሙ፡ ለጋሳትን መማቐልትን ኪዀኑ፡ ናይ ሓቂ ህይወት ምእንቲ ኺረኽቡስ፡ ነቲ ዚመጽእ ዘሎ ጊዜ ጽቡቕ መሰረት ንርእሶም ኪእክቡ ኣዝዞም።” 1ጢሞ 6፡17-19 ካ.ት።
2. ብርእስ-ሃዋርያት ቅዱስ ጴጥሮስ ወንጌል ተሰብከሉ። ኣብ ቂሳርያ ብዝነበሩ ቅዱሳኑ ገይሩ ኺሰብከሉ እናኸኣለ ነቲ ሕሩይ ሃዋርያ ኺልእከሉ መረጸ። ንቆርኔሌዎስ ስሙ ፈልዩ ነገሮ። ቅዱስ ጴጥሮስ፡ ንኣህዛብ ናይ ምጽያፍ ባህርይ ከም ዝነበሮ ሰለ ዝፈልጠ ድማ፡ ብፍሉይ ራእይ ገይሩ ናይ ሃዋርያኡ ኣእምሮ ኣቐዲሙ ኣንጽሀ። “ኣነ ንዝቐደስክዎ ንስኻ ኣይተርክሶ” ብምባል ትኽ ኢሉ ኪኸይድ ጽኑዕ ትእዛዝ ሃቦ። ብኸም’ዚ ዝበለ ናይ መንፈስ ቅዱስ ትእዛዝ ወንጌል ዝተሰብከሉ፡ ዝዀነ ካልእ ሰብ ከም ዘሎ ሰሚዕናዶ ንፈልጥ ንኸውን፧ እግዚአብሔር ነቲ ብፍርሃቱ ብጽድቁ ዜስምሮ ሰብ፡ ከም’ዚ ገይሩ ዚባርኽ። መላእኽቱ ኣብ ዙርያ’ቶም ዚፈርህዎ የስፍር፡ ምስጢራቱ ድማ ንኣታቶም ይገልጸሎም (መዝ 25፡12,14፣ መዝ 34፡7)።
3. ገና ኸይተጠምቀ ህያብ መንፈስ ቅዱስ መልኦ። ዚበዝሕ ጊዜ መንፈስ ቅዱስ፡ ሰባት ወንጌል ሰሚዖም፡ ኣሚኖም ምስ ተጠምቁ ምልኣት መንፈስ ቅዱስ ከም ዚወሃቦም ኢና ኣብ መጽሓፍ ቅድስ እነንብብ። ኣብ እንዳ ቆርኔሌዎስ ግና ዝተፈልየ ነገር’ዩ ተገይሩ። እቲ ሰብከት ናይ ቅዱስ ጴጥሮስ ተጀሚሩስ ገና ኸይተዛዘመ ኸሎ፡ መንፈስ ቅዱስ ናብ ቆርኔሌዎስን ናብ’ቶም ንሱ ዝኣከቦምን ወረደ። ቅዱስ ጴጥሮስ ነዚ ምልኣት’ዚ ምስ ረኣየ ብዝተዛረቦ ቓል፡ ምስጢረ ጥምቀት ናይ ምፍጻም ሓሳብ ከም ዘይነበሮ ኣሚቱ’ዩ። “እዚኣቶም ከማና መንፈስ ቅዱስ ካብ ተቐበሉስ፡ ከይጥመቑ ዚኽልክሎም ዚኽእል ደኣ መን’ዩ፧” ዚብል ዘረባኡ፡ መንፈስ ቅዱስ ቀዲምዎስ፡ እንታይ ኪገብር ከም ዚግብኦ ይመርሖ ኸም ዘሎ ኣረጋጊጹልና’ዩ (ግብ10፡45-48)።
እምበኣር፡ ጾምናን ጸሎትናን ከመይ ከም ዘሎ፡ ከም ፍቓድ ኣምላኽ ጌርና ንገብሮ ምህላውናን ዘይምህላውናን ንመርምር። ጸሎትና ብዘይ ዝዀነ ዕንቅፋት ትክ ኢሉ ናብ ሰማይ ይዓርግ፡ ንእግዚኣብሄር የሐጕስ፡ ንሕና ዘይሓሰብናዮን ዘይለመንናዮን ዝዓበየን ዝበለጸን ካልእ መንፈሳዊ ጸጋን በረኸትን የምጽኣልና ኸም ዘሎ ነረጋግጽ (1ነገ 3፡3-14)።
ጸጋ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስን ፍቕሪ ኣምላኽን ሕብረት መንፈስ ቅዱስን ምስ ኩላትና ይኹን።
ኦርቶዶክሳዊት ተዋህዶ ቤተ ክርስቲያን ኤርትራ - መንበረ ጵጵስና ሰሜን ኣሜርካ።
17 ሕዳር 2024 | ሕዳር 8, 2016 ግዕዝ (10ይ ሰንበት: ቊ.፲/10) |
||
ምስባክ መዝ. መዝ.፸፰(፸፱)፡፰ “ኢትዝክር ለነ አበሳነ ዘትካት። ፍጡነ ይርከበነ ሣህልከ እግዚኦ። እስመ ተመንደብነ ፈድፋደ።” ዓዲ፡ መዝ.፻፪(፻፫)፡፱-፲ “ኢይቀሥፍ ወትረ ወኢይትመዓዕ ዘልፈ። አኮ በከመ ኃጢአትነ ዘገብረ ለነ። ወኢፈደየነ በከመ አበሳነ።” |
ንባባት |
ኣንባቢ |
ሮሜ 5፡10-ፍጻመ |
ዲያቆን |
|
1ዮሃ 5፡13-ፍጻመ |
ንፍቅ ዲያቆን |
|
ግብ 13፡38-43 |
ንፍቅ ካህን |
|
ማቴ 6፡1-15 |
ሰራዒ ካህን |
|
ቅዳሴ ፦ዘእግዝእትነ ማርያም | መዝሙር፦ ትዌድሶ መርዓት |
ካብ ውሽጢ ኤርትራ ዝተረኽበ ንቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ንምቁጽጻር ብመንግስቲ ኤርትራ ክካየድ ዝጸንሐን ዘሎን ሽርሒ ዘቃልዕ ቪድዮ
ድኳን መጻሕፍቲ/Book Store
ራድዮ ቃለ ኣዋዲ