“ጥሪትኩም ሼጥኩም ምጽዋት ሃቡ። ሰራቒ ኣብ ዘይረኽቦ፡ ነቐዝ ካብ ዘየበላሽዎ (ቦታ)፡ ዘይበልይ ማሕፉዳን ዘይጐድል ሃብትን ኣብ ሰማይ ዕቘሩ። ምኽንያቱ፡ ሃብትኹም ኣብ ዘለዎ፡ ኣብኡ ድማ ልብኹም ኣሎ።” ሉቃ 12፡33,34 ካ.ት
እንሆ’ዚ ዕለት’ዚ ሓምሻይ ሰንበት ናይ ዘመነ ጽጌ’ዩ። ነዚ ዕለት’ዚ ብቕዱስ ያሬድ ዝተዳለወ መዝሙር ሰንበት ድማ “ክርስቶስ ሠርዐ ሰንበተ” (ክርስቶስ ሰንበት ሰርዐ) ዘርእስቱ’ዩ። ክርስቶስ ዕረፍቲ ሰንበት ዝጸገወና ሓቢርና ምእንቲ ኽንሕጐስ (ክንፍሳህ) ከም ዝዀነ ዚገልጽ መዝሙር’ዩ። ዘለናዮ ጊዜ ዘመነ ጽጌ ከም ምዃኑ መጠን ድማ፡ ኣጸዳት (ስፍራታት) ኣታኽልቲ ወይኒ ኸም ዝዓምበቡ (ከም ዝጸገዩ ምዑዝ ሽቶ‘ውን‘ውን ከም ዝፈረየ፡ ስለ’ዚ ድማ በቲ ብሰንበት ዝጸገወና ዕረፍቲ ጥራሕ ዘይኰነ። በቲ ዝጸገወና ናይ ዕንበባን ናይ ፍርያትን ጊዜ’ውን ክንሕጐስን ከነመስግንን ከም ዚግብኣና ኣዘኻኪሩና ኣሎ። ነቲ ጐይታና ዝበሎ ቓል መሰረት ብምግባር ድማ፡ እቲ ጥበበኛን ሃብታምን ንጉስ ሰለሞን’ኳ፡ ከም ሓደ ኻብ’ቶም ዕምበባታት መሮር ኸም ዘይተኸድነ ጠቒሱ ኣሎ። እቲ ናይ’ዚ ዕለት’ዚ ንባብ ቅዱስ ወንጌል፡ ነቲ ጐይታ ዝበሎ’ሞ ምንጪ ናይ’ዚ መዝሙር’ዚ ዝዀነ ትምህርቲ ዚገልጸልና’ዩ (ሉቃ 12፡22-34)። እዚ ንባብ’ዚ፡ ብዛዕባ’ቲ መሰረታዊ ድልየታትና፡ ማለት ብዛዕባ ምግብናን ኽዳንናን ክንጭነቕ ከም ዘይግብኣና ዜስተምህር’ዩ። እቲ መሰረት ሓሳቡ፡ ካብ ምግቢ ንላዕሊ ህይወት ከም ‘ትዓብይ፡ ካብ ክዳን ንላዕሊ ድማ እቲ ለቢስናዮ ዘለና ስጋ ኸም ዚዓብይ፡ ስለ’ዚ ነቲ ዝዓበየ ሂቡናስ፡ ነቲ ዝነኣሰ ኸይከልኣና ኽንጠራጠርን ክንሰግእን ከም ዘይግብኣና ዜስተምህር’ዩ። እግዚኣብሄር ብዛዕባ ሰብ ጥራሕ ዘይኰነ ብዛዕባ ኵሉ ፍጥረት’ዩ ዚሓልይን ዚግደስን። ስለ’ዚ ኸኣ’ዩ ኣብ መዝሙረ ዳዊት፡ ንዅሎም ፍጥረታት ዘርዚሩ ድሕሪ ምጥቃሱ፦
“እዚኣቶም ኵሎም ምግቦም በብጊዚኡ ኽትህቦምሲ፡ ንኣኻ ይጽበዩ ኣለው። ንስኻ ትህቦም ይእክቡ፡ ንስኻ ኢድካ ትዝርግሕ፡ ብጸጋ’ውን ይጸግቡ ኣለው። . . . ኣዒንቲ ዅሎም ንኣኻ ይጽበያ፡ ንስኻ’ውን ምግቦም በብጊዚኡ ትህቦም። ኢድካ ትዝርግሕ’ሞ፡ ንህያው ዘበለ ዅሉ ብበረኸትካ ተጽግቦ።” ብምባል፡ እግዚኣብሄር ብሕያውነቱ ተደሪኹ ናይ ኵሉ ፍጥረት መጋቢ ኸም ዝዀነ ገሊጹልና ኣሎ (መዝ 104፡27,28 ፣ 145፡15,16)። ጐይታ ድማ ካብ’ዚ “እንታይ ክንበልዕ፡ እንታይከ ኽንክደን ኢና፡’ ዚብል ከንቱ ጭንቀትና ምእንቲ ኼናግፈና ኣዕዋፍ ከይዘርኣን ከይዓጸዳን ኣብ ቆፎ ኸይኣከባን ጸጊበን ከም ዚሓድራ፡ ኣትክልቲ መሮር ድማ ከይፈተሉ ኸይኣለሙ ካብ ናይ ነገስታት ዚበልጽ ልብሲ ኸም ዚኽደኑ ብምግላጽ ካብ ጭንቀት ዜዕርፍ ኣስተምህሮ ሃበ። ነዘን ሕሱር ዝዋግአን ኣዕዋፍን ናይ መሮር ኣትክልትን ከም’ዚ ገይሩ ኻብ መጋበን ካብ ከደነን ነቲ ብኣርኣያኡ ዝተፈጥረ ኽቡር ሰብ ብዝበለጸ ኸም ዚምግቦን ከም ዜልብሶን ዝዀነ ጥርጥር የብሉን። ንሕና ግና ንገዛእ ርእስና ናይ ምምጋብን ናይ ምሕላይን ሓላፍነት ናትና ናይ በይንና ዀይኑ ስለ ዚስምዓና፡ ነቲ መጋቢነቱ ኣፍልጦ ኣይንህብን፡ ኣብ መጋቢነቱ’ውን ኣይንውከልን ኢና። ናይ’ዚ ኽሕደታዊ ዝንባለ’ዚ ፍረ ድማ ጭንቀት’ዩ። ነዛ ርእስና ኣብ ዘይሰልጣናን ኣብ ዘይዓቕማን ስለ ዘቐመጥናያ፡ ባዕላትና ነሳቕያ ኣለና። ብናይ ጐይታና ኣገላልጻ፡ ንርእስኻ ኻብ ምምጋብ፡ ቍመትካ ምውሳኽን ሕብሪ ጸጕርኻ ምቕያርን ይቐልል (ሉቃ 12፡25,26 ፣ ማቴ 6፡27 ፣ 5፡36)። ነቲ ዝቐለለ’ኳ ምግባር ካብ ሰኣንና፡ ነቲ ዝኸበደ ንምግባር እንፍትነሉ ዋላ ሓንቲ ምኽንያት የለን። ነቲ መሰረታዊ ድልየታት ዋላ ረኺብናዮ ኸለና’ኳ ካብ ጭንቀት ዘይንዓርፈሉ ምኽንያት፡ ዘይጾርናን ዘይሓላፍነትናን ተሰኪምና ንነብር ስለ ዘለና’ዩ። ብስራሕ ወፊርና ናይ ዕለት ደሞዝና ሒዝና ስለ ዝኣተና፡ ሓሪስና ፍረ ሒዝና ስለ ዝኣተና፡ ርእስና ቐሊብና ንነብር ዘለና እናመሰለና፡ ርእስና እናጠበርናን ክብሪ ኣምላኽ እናሰረቕናን ንነብር ኣለና። መን ብዝሃበና ህይወትን ጥዕናን ሓይልን ኽእለትን ከም ዝሰራሕና ግና ፈቲና ኽንርስዖን ክንክሕዶን ንርከብ። እዚ ጥበራውን ጥልመታውን ኣተሓሳስባ’ዚ ኸኣ’ዩ ጭንቀት እና’ፍረየ ብርኹባትናን ብጽጉባትናን ኬሳቕየና ዚነብር ዘሎ። እዚ ዘለናዮ ዘመነ ጽግያት ብዛዕባ’ቲ ዕጹብ ድንቂ ዝዀነ መጋቢነቱ ኽንሓስብን ከነስተንትንን፡ ካብኡ ሓሊፍና’ውን ከነመስግንን ኣብ መጋቢነቱ ኽንውከል’ዩ ተሰሪዑልና ዘሎ፡ ጐይታ ነዚ ናይ መጋቢነቱን ናይ ጭንቀትናን ትምህርቱ ኺዛዝም ከሎ ግና፡ ልዑል ምስጢር ናይ ህይወት ዝሓዘለን ኣዝዩ ዜለብመናን፡ ናይ’ዚ ዕለት’ዚ መሪሕ ጥቕስናን ኣርእስትናን ዝዀነ ሃይለ-ቃል ተዛሪቡ ኣሎ።
ሃብቲ ግን ካብ መዓስ’ዩ ሰራቕ ልቢ ዀይኑ፧ ሃብትስ ይስረቕ’ምበር፡ ይሰርቕ ድዩ፧ ሃብቲ ማለት፡ ገንዘብ ማለት እንድኣሉ ገንዘብ ድማ ግኡዝ (ህይወት-ኣልቦ) ነገር ደኣ’ምበር፡ ህይወትን ኣእምሮን ዘለዎ ኣይኰነን። ስለ’ዚ “ገንዘብ ወይ ሃብቲ ይሰርቕ’ዩ” ኺበሃል ከሎ፡ ከም ዘለዎ ብጥሪኡ ዚወስድ ኣበሃህላ ዘይኰነስ፡ ምስጢራዊ (ውስጠዘኣዊ) ኣበሃህላ ምዃኑ ኺርድኣና ይግባእ። ሃብትና ህያዋን እንስሳታት ኪዀና ይኽእላ’የን። እዚ ማለት ግን ሃብትና ህያው’ዩ ማለት ኣይኰነን። ከም’ቲ ኣብ ዘመነ ባርነት ዝነበረ፡ ዋላ ሓደ ሚልዮን ባሮት እንተ ዚህልዉና’ውን ነቲ ሃብትና ኸም ህያው ኽንቈጽሮ ኣይግባእን’ዩ፡ ቅኑዕ ከኣ ኣይኰነን። ስለ’ዚ ሃብቲ፡ ህያውነት ስለ ዘይብሉ፡ ህይወት ናይ ዘለዎም ሰባት ተግባር ኪገብር ኣይክእልን’ዩ። ህያዋን ኰይኖም ዚሰርቁ ፍጡርት፡ ሰብን ሰይጣን ምስናይ ኣጋንንቱን ጥራሕ’ዮም። ድሕሪ ሃብትን ገንዘብን ኰይኑ ዜመሓድርን ኵሉ ዓይነት ስርቂ ዚፍጽሞን፡ እቲ ናይ ኵሉ ዓይነት ሓጢኣት ደራስን መሃዝን ዝዀነ ድያብሎስ’ዩ። ጐይታና ብዛዕባ ገዛኣ ርእሱን ብዛዕባ ድያብሎስን ንጕስነት አመልኪቱ ኼነጻጽር ከሎ፡ ድያብሎስ ኪሰርቕን ኪሓርድን ኬጥፍእን ኢሉ ዝመጸ ጕሒላን ሰራቕን ምዃኑ ኣፍሊጡና ኣሎ (ዮሃ 10፡1,2,8,10)። ካብ’ቶም ብልዑል ተገዳስነት ዚሰርቆም ንብረታት ሓደ ድማ፡ ልብና’ዩ። ንልብና ንምስራቕ ዚጥቀመሉ ዝበለጸ መሳርሒኡ ድማ ገንዘብ’ዩ። ድያብሎስ፡ ከም ርኹስ መንፈስ ከም ዘለዎ ዓይኑ ኣፍሊጡ ብግህዶ እንተ ዚረኣይ ነይሩ፡ ዋላ ሓደ ዚስዕቦ’ኳ ኣይምረኸበን ነይሩ። ስለ’ዚ ንሰብ ኬስሕቶን ኬስድዖን ዚኽእል ናይ ሓሶትን ጥበራን ተለሎን ጥበባት እናተጠቕመ’ዩ ልቡ ዚሰርቆን ብመንፈሳዊ ዕሽነት ዜበላሽዎን። ጐይታና ብዛዕባ ንኽልተ ጐይቶት ምግዛእ ኣመልኪቱ ኼስተምህር ምስ ደለየ፡ “ንኣምላኽን ንሰይጣንን” ዘይኰነስ፡ “ንኣምላኽን ንገንዘብን ክትግዝኡ ኣይትኽእሉን ኢኹም” ከም ዝበለ ኣይንዘንግዕ (ማቴ 6፡24 ፣ ሉቃ 16፡3)። እቲ ስምዓዊ (ላዕላዊ) መልእኽቱ ደኣ ብዛዕባ ገንዘብ ዚዛረብ ዘሎ ይምሰል’ምበር፡ እቲ ወርቃዊ (ውሽጣዊ) መልእኽቱስ ብዛዕባ’ቲ ስውር ድያብሎስ’ዩ። ስለ’ዚ ኣብ ምሕደራ ናይ ገንዘብና ልዑል መንፈሳዊ ጥንቃቐ እንተ ዘይጌርና፡ ኣብ ትሕቲ ናይ ድያብሎስ ኣርዑት ባርነት ተቘሪንና፡ ንርእስና ገንዘብን ሃብትን ናይ ሰይጣን ኴንና ኽንተርፍ ንኽእል ኢና። ንርእስኻ ገንዘብን ጥሪትን ናይ ሰይጣን ክነስኻ፡ ነቲ መቝሕ ሰይጣን ኰይኑ ጠሚሩ ኣሲሩካ ዘሎ ዝርከቡ ሃብቲ እናረኣኻ፡ “ሃብታም’የ ኢልካ ምሕሳብን ምእማንን፡ ስጋ ዝለበሰ ዚድህስስ ዕሽነት ተጻዒኑካን ሰሪጹካን ከም ዘሎ ዜረጋግጽ’ዩ። “ኣነ ሃብታም’የ፡ እቲ ገንዘብን ንብረትን ናተይ’ዩ” ኻብ ምባል፡ “ኣነ ናይ’ቲ ሃብቲ ንብረት’የ” ምባል እቲ ዝሓሸን ትኽክለና ኣበሃህላ’ዩ። እቲ ቐንዲ ዋናኻ ድያብሎስ’ዩ። እቲ ንድያብሎስ ወኪሉ ብስልጣን ዜመሓድረካ ዘሎ ግን፡ እቲ ኣብ ኢድካ ዘሎ ሃብቲ’ዩ።
እሞ ሃብትን ሃብታም ምዃንን ሓጢኣት’ዩ ማለትና ድዩ፧ ብዛዕባ ዅሉ ዓይነት ሃብቲ ኸምኡ ኢልካ ኽትድምድም ኣጸጋሚ’ዩ። ብርግጽ ብሓጥእ ኣገባብ፡ ማለት ብስርቂ፡ ብጕቦ፡ ብተለሎ፡ ብስሰዐ ወዘተ ዝተጠርየ ገንዘብ እንተ ዀይኑ፡ ሃብቲ ዘይኰነስ ኵምራ ሓጢኣት’ዩ። ንስሓ ናይ ከም’ዚ ዝበለ ድርብ-ሃብቲ እምብዛ ኸቢድ’ዩ። ምኽንያቱ እቲ ገንዘብ ብቐንዱ’ውን ሓጢኣትካ ስለ ዝዀነ፡ ክትንሳሕ እንተ ዄንካ፡ ንዅሉ’ቲ ገንዘብ ካብ ኢድካ ኸተርሕቖ ስለ ዚግብኣካ፡ ነዚ ዜግብር መንፈሳዊ ዓቕምን ትብዓትን ምርካብ ቀሊል ኣይኰነን። እቲ ጐይታና ዝፈተዎ ሃብታም መንእሰይ፡ ሃብቱ ብሓጢኣት ወይ ብጽድቂ ኸም ዝተጠርየ’ኳ እንተ ዘይተፈልጠ፡ “ዘሎካ ዅሉ ሼጥካ ንድኻታት ሃብ’ሞ፡ (ጥራይ ኢድካ) ስዓበኒ” ምስ ተባህለ፡ ነታ ዝበሃጋ ናይ ዘለኣለም ህይወትን ንጐይታን ዝባኑ ሂቡ፡ ናብ’ቲ ዜፍቅሮ ሃብቱ ተዓዝረ። እቲ ነዚ ዝተዓዘበ ጐይታ ኸኣ፡
“ሃብታም ናብ መንግስተ ሰማያት ኪኣትው ጭንቂ ኸም ዝዀነ፡ ብሓቂ እብለኩም ኣለኹ። ደጊመ ሃብታም ናብ መንግስተ ሰማያት ካብ ዚኣትውሲ ገመል ብዓይኒ መርፍእ ኪሓልፍ ከም ዚቐልል እብለኩም ኣለኹ።” ብምባል ሓደጋን ፈተናን ናይ ሃብትን ሃብታምን ንደቀ መዛሙርቱ ነገሮም (ማቴ 19፡23,24 ካ.ት)። እዚ ኣበሃህላኡ’ዚ፡ ሃብቲ ሓጢኣት ምዃኑ ዘይኰነስ፡ ብዛዕባ ሃብቲ ዘሎኻ ኣተሓሕዛን ኣተሓሳስባን ኣዝዩ ወሳኒ ምዃኑ ዜረጋግጸልና’ዩ። እዚ ዝሓተቶ ሃብታም መንእሰይ፡ ትእዛዛት ኣምላኽ ዚሕልው ሰብ ስለ ዝነበረ፡ ነቲ ሃብቲ ብሓጥእ ኣገባብ ዝኣከቦ ኣይመስልን’ዩ። ፍርሃት ኣምላኽ ዝነበሮ መንፈሳዊ ሰብ ምዃኑ፡ በቲ “ናይ ዘለኣለም ህይወት ክረክብ እንታይ ክገብር” ኢሉ ዝሓተቶ ሕቶ ኽንርዳእ ንኽእል ኢና። ጐይታና እቲ መንእሰይ ብሓቅን ብቕንዕናን ይዛረብ ከም ዘሎ ስለ ዝፈለጠ። ከም ዝፈተዎ ቕዱስ ማርቆስ ወንጌላዊ ገሊጹልና ኣሎ (ማር 10፡21)። ነቲ ሃብቱ ብስርቂ ኣየጥረዮን፡ እቲ ሃብቲ ግን ድሮ ንልቡ ሰሪቕዎ ነበረ። ስለ’ዚ ኻብ ዘለኣለማዊ ህይወትን ካብ ሃብቲ ዓለምን ሓዲኡ ኺመርጽ ዚብድሆ ሕቶ ምስ ቀረበሉ፡ ብዝተሰርቀ ልቢ፡ ነቲ ሓላፊ ሃብቲ መሪጹ ነቲ ዘለኣለማዊ ህይወት ደርብዩ ናብ ጥፍኣቱ ተዓዝረ። ዘለኣለማዊ ህይወት መሪጹ፡ ሃብቱ ንድኻታት ዓዲሉ ንጐይታ ኺስዕቦ መሪጹ እንተ ዚኸውን ግን፡ ከም’ቲ ጐይታ ዝበሎ፡ ናብ ፍጹምነት ምኣተወ ነይሩ። ስለ’ዚ እቲ ሃብቱ ዝነበሮ ፍቕሪ፡ ነቲ ናብ መንግስተ ሰማያት ናይ ምእታው ተኽእሎኡ ኸም ዓይኒ መርፍእ ኣጽቢቡ ጉድ ገበሮ። ስለ’ዚ ፍቕሪ ሃብቲ ደኣ’ምበር፡ እቲ ሃብቲ ባዕሉ ሓጢኣት ኣይከውንን’ዩ። ሃብቲ፡ ሓጢኣት እንተ ዚኸውን እግዚኣብሄር ንሰባት ሃብታማት ኣይምገበሮምን ነይሩ (ዘዳ 8፡17,18 ፣ 1ሳሙ 2፡7 ፣ 1ጢሞ 6፡17)።
ንርእሱ’ቲ ፍቕሪ ገንዘብ ሓጢኣት ዚዀነሉ ምኽንያትካ እንታይ’ዩ፧ ብእኡ እናተናበርናስ፡ ንምንታይን ከመይ ጌርናን ኢና ‘ንጸልኦ፧ ነዚ ፍቕሪ’ዚ ኸም ሓደ ተራ “ፍትው ምባል” ጥራሕ ኪረኣይ ዚኽእል ኣይኰነን። መጠንን ዓይነትን ናይ’ቲ ንገንዘብ ዘሎና ፍቕሪ ፍልልያት ከም ዘለዎ ኽንስሕቶ ኣይግባእን’ዩ። ህይወትካ ወፊኻ ክትስዕቦን ከተገልግሎን ንዝጸናሕካ ጐይታኻን መምህርካ፡ ምእንቲ 30 ቕርሺ ኢልካ ኽሳዕ ምሻጥ ዜብጽሕ ከም ናይ ይሁዳ ኣስቆሮታዊ ዝበለ፡ ኣዒንቲ ልቦናኻ ዚደፍን ንሕልናኻ ዚቐትል ዓይነት ፍቕሪ ገንዘብ ኣሎ። ዝል ኢሉ ዘሊሉ ናብ ከም’ዚ ዝደረጃኡ ሓጢኣት ኣይወደቐን። ናይ’ታ ክርስቶስ ዝመራሒኣ ንእሽቶ ቤተ ክርስትያን ናይ ቍጠባ (ናይ ፋይናንስ) ሓላፍን ተሓዝ ገንዘብን ስለ ዝነበረ፡ ብፍቕሪ ናይ’ቲ ተዀልኵልዎ ዚኸይድ ማሕፉዳን ትሕዝቶኡን ካብ ዚልከፍ ነዊሕ ጊዜ’ዩ ዀይኑ። እቲ ፍቕሪ ገንዘብ ኣብ ውሽጡ እናገበለ ምስ ከደ ግን፡ በቲ ናይ’ታ ማሕፉዳ ገንዘብ ጥራሕ ኪዓግብ ኣይከኣለን። ስለ’ዚ ንጐይታኡ ኽሳዕ ምሻጥ ሰይጠነ (ዮሃ 6፡70)። ንሕና፡ ከም’ቲ ናይ ይሁዳ፡ ንጐይታና ኸይንሸጦ ብኣካል ምሳና የለን። ከም’ቲ ናይ’ቲ ሃብታም መንእሰይ፡ ካብ ንጐይታን ንትእዛዛቱን ዘሎና ፍቕሪ ንላዕሊ፡ ንገንዘብና ዘሎና ፍቕሪ እንተ ሓዪሉ ግና፡ ካብ ይሁዳ ዝገደድና’ምበር ዝሓሸና ኽንከውን ኣይንኽእልን ኢና። ናይ ፍቕሪ ገንዘብ ሰንካም ሳዕቤን ማዕረ ኽንደይ ከቢድ ምዃኑ፡ ቅዱስ ጳውሎስ ነቲ ናይ መንፈስ ወዱ ንጢሞቴዎስ ንኣናን ብኸም’ዚ ዚስዕብ ገሊጹልና ኣሎ።
“ኣብ መንጎ’ቶም ሓቂ ዘይብሎምን ኣእምሮም ብሓጢኣት ዝተበላሸወን ሰባት ከኣ ዘየቋርጽ ምግጫው ይፍጠር። እዚኣቶም፡ ሃይማኖት (እምነት) ናይ ምድራዊ ረብሓ መጋበሪ’ዩ ዚመስሎም። ‘ይኣኽለኒ’ ምባል ዝሰፈኖ ሃይማኖት፡ (ንርእሱ) ዓብይ ረብሓ’ዩ። (ምኽንያቱ) ናብ’ዛ ዓለም’ዚኣ ዘምጻእናዮ፡ ሓንቲ’ኳ የብልናን። ከምኡ’ውን ካብ’ዛ ዓለም’ዚኣ ኽንወስዶ ‘ንኽእል፡ ሓንቲ’ኳ የብልናን። ቀለብን ክዳንን (ጥራሕ) እንተ ረኸብና ይኣኽለና’ዩ። እቶም ኪህብትሙ ዚደልዩ ግና ናብ ፈተናን ናብ መፈንጠራን፡ ንሰብ ናብ ምብራስን ጥፍኣትን ዜስጥሞ፡ ናብ ብዙሕ ናይ ዕሽነት ጕድኣትን ትምኒት’ዮም ዚወድቁ። ፍቕሪ ገንዘብ ሱር ናይ ኵሉ ኽፍኣት’ዩ። ገሊኦም (ሰባት) ብህርፋን፡ ገንዘብ ኪረኽቡ ኺብሉ፡ ካብ እምነት ዘንበሉ፡ ናብ ርእሶም’ውን ብዙሕ ስቓይ ኣምጽኡ። ንስኻ ግና፡ ኣታ ናይ ኣምላኽ ሰብ፡ ካብ’ዚ ዅሉ ህደም። ደድሕሪ ጽድቅን መንፈሳውነትን እምነትን ፍቕርን ትዕግስትን ሕያውነትን ስዓብ። ጽቡቕ ገድሊ እምነት ተጋደል። ነታ ዝተጸዋዕካላ . . . ህይወት ዘለኣለም (ኣጽኒዕካ) ሓዛ።” 2ጢሞ 6፡5-12 ካ.ት
ካብ’ዚ ሃዋርያዊ መልእኽቲ’ዚ ኸም ‘ንግንዘቦ፡ ንርእሱ ፍቕሪ ገንዘብ ብሓጢኣት ናይ ዝተበላሸወ ኣእምሮ ውጽኢት’ዩ። እዚ ብልሽት’ዚ፡ ዋላ ንእምነትካ (ንሃይማኖትካ) ኸይተረፈ ናይ ረብሓ ምንጪ ወይ መጋበሪ ኽሳዕ ምግባር ዚደፍኣካን ዜስሕተካን’ዩ። እዚ ምብልሻው’ዚ ኣብ ፍቕሪ ገንዘብ ጥራሕ ከይተደረተ፡ ነቲ ፍቕሪ ገንዘብ ተጠቒሙ፡ መዋጽኦን ንስሓን ናብ ዘይትረኽበሉ ፈተናን መፈንጠራን ብርሰትን ጥፍኣትን ዕሽነትን ጒድኣትን ገጹ ዚነቍትን ዜጥሕልን’ዩ። በቲ ሓደ ወገን ፍረ ሓጢኣት፡ በቲ ኻልእ ወገን ከኣ ሱር ወይ ምንጪ ናይ ብዙሕ ካልእ ሓጢኣት’ዩ። ኣብ መወዳእትኡ’ውን ከም ይሁዳ ኣስቆሮታዊ፡ ካብ እምነትካ ኣዘንቢሉ ናብ ክሕደት የብጽሓካ። ናይ መወዳእታ ጽሕፍቶኻ ድማ ዘለኣለማዊ ስቓይ’ዩ ዚኸውን። ገንዘብ ትእክብ፡ ተድላ (Pleasure) ተስተማቕር ዘለኻ እናመሰለካ፡ ኣብ ልዕሌኻ ቍጥዓን ስቓይን ትእክብ ማለት’ዩ።
ካብ’ዚ ለካሚ ዝዀነ ናይ ገንዘብን ሃብትን መፈንጠራ ደኣ ብኸመይ ኢና ‘ንድሕን፧ ቅዱስ ጳውሎስን ጐይታናን ነቲ ፍታሕን መዋጽኦን ብንጹር ኣመልኪቶምና ኣለው። እታ ቐዳመይቲ ፍታሕ፡ ናይ ኣምላኽ ሰብ ምዃን፡ መበቈልካን መንነትካን ምትኽኻል’ያ። ነዚ ናይ ገንዘብ መፈንጠራ ይትረፍ ናይ ዓለም ሰብ ኴንካ፡ ዋላ ናይ ኣምላኽ ሰብ ኴንካ’ውን ቀሊል ኣይኰነን። ነተጕቲ ኣብ ዝተዘርኦ ግራት ብእግርኻ እናተመላለስካ ኸም ምንባር ዚቝጸር’ዩ። ሒደት ማይ ብሑቝ፡ ንብዘሎ’ቲ ብሑቝ ኣብ ውሽጢ ሓጺር ጊዜ ኸም ዜብኵዖ፡ ዋላ ንእሽቶ ናይ ዓለማውነት ማይ ብሑቝ ናብ ውሽጥኻ እንተ ኣትያ ድማ፡ ንዅለንተናኻ ኣብኵዓ፡ ከም ይሁዳ፡ ነቲ ብደሙ ዝዓደገካ ጐይታ ናብ ምሻጥ ከተብጽሓካ፡ ነታ ብዘይ ብእኡይ’ውን ጸባብ ዝዀነት ኣፍ ደገ መንግስተ ሰማያት ከም ዓይኒ መርፍእ ካብ ምጽባብ ሓሊፋ፡ ጨሪሳ ልዅዅ ኣቢላ ኽትዓጽወካ ትኽእል’ያ። ስለ’ዚ ኸኣ’ዩ “ካብ ማይ ብሑቕ ተጠንቀቑ” ዚብል ተደጋጋሚ መጠንቀቕታ ዚወሃበና (ማቴ 16፡6 ፣ ሉቃ 12፡1 ፣ 1ቈረ 5፡6-8 ፣ ገላ 5፡9)። ስለ’ዚ ኻብ ኣምላኽ ካብ ላዕሊ’ምበር፡ ካብ ዓለም ዘይምዃንና ርግጸኛታት ክንከውን ይግባእ (ዮሃ 8፡23 ፣ 15፡18,19 ፣ 17፡14,16 1ዮሃ 4፡4,5)።
እታ ኻልኣይቲ ኽንገብራ እንኽእል መዋጽኦ ፍታሕ ድማ፡ ካብ’ዚ ዅሉ ህደም” ብ’ትብል ቃል ተነጊሩና ኣሎ። ካብ ፍቕሪ ገንዘብ፡ ካብ ኵሉ ጠንቅታቱን ፍረታቱን፡ ብዘይ ምቍራጽ ክንሃድም ይግብኣና። እዚ ሰራም ሓጢኣት’ዚ፡ ናይ ኣምላኽ ሰብ ስለ ዝዀንካ ጥራሕ ኣይሓፍረካን፡ ኣይንሕፈርካን ከኣ’ዩ። ተገቲርካ እንተ ተጸቢኻዮ፡ ከም ፈጣን ሓረግ ክሳዕ ጸጕሪ ርእስኻ ሓዅሩ ዘየለኻ ኽሳዕ ’ትመስል ኪውሕጠካ ይኽእል’ዩ። ህድማ፡ እቲ ዝበለጸ መንፈሳዊ ጥበብ’ዩ። እቲ ህድማ ግን ብእግርኻ ዘይኰነስ፡ ብባህሪኻ’ዩ። እዚ ቕዱስ ሃዋርያ ካባይ ናባይ ከም ‘ንሃድም፡ ነቲ ምስጢር ኣይሓብኣልናን። ክትህብትም ካብ ምድላይ፡ ካብ ፍቕሪ ገንዘብ ኣምሊጥና፡ ደድሕሪ’ቶም ተዘርዚሮም ዘለዉ መንፈሳውያን ባህርያት ክንስዕብ ይግባእ። ስለ’ዚ ነቲ ፍቕሪ ገንዘብ፡ ብፍቕሪ ጽድቅን መንፈሳውነትን ክትክኦ’ዩ ዚንገረና ዘሎ። እዚ ህድማ’ዚ ግን ቀሊል ኣይኰነን። ኵሉ ጊዜ ንዘየዘውትሮ ሰብ፡ ዋላ ናይ እግሪ ህድማ’ውን ከቢድ’ዩ። መንፈሳዊ ህድማ ኸኣ ነቲ ኸም ቅዲ-ህይወት ወሲዱ ዅሉ ጊዜ ዜዘውትሮ’ምበር፡ ነቲ ዊን እንተ’ቢልዎ ጥራሕ ሳሕቲ ዚፍትኖ ሰብ ከቢድ ጥራሕ ዘይኰነ፡ ፈጺሙ ዘይከኣል’ዩ። ምኽንያቱ ወልፊ ሓጢኣት ካብ ወልፊ ሓሽሽ ንላዕሊ ዝኸበደ’ዩ። ስለ’ዚ ኸኣ’ዩ “ጽቡቕ ገድሊ እምነት ተጋደል” ዚብል ምዕዶን ትእዛዝን ዝተዋህበና።
ከም’ቲ ነብዪ ኤርምያስ ኢልዎ ዘሎ፡ ልቢ ኣዝዩ ሕሱምን ጐራሕን ስለ ዝዀነ፡ ብቐሊሉ ኽትሕልዎን፡ ከተመሓድሮን የጸግም’ዩ (ኤር 17፡9)
። ይኹን’ምበር፦ “ህይወት ካብኡ’ያ ‘ትፍልፍል’ሞ፡ ልዕሊ ዅሉ ንልብኻ ሓlዎ። .... ወደየ፡ ልብኻ ሃበኒ ኣዒንትኻ ድማ ብመንገደይ ደስ ይበለን’ ተባሂልና ተኣዚዝናን ተማዒድናን ኣለና13። ብኣፍ ነብዪ ኤርምያስ’ውን፡ “መን’ሞ’ዩ ናባይ ኪቐርብ ኢሉስ፡ ንልቡ ትሕጃ (ዚህበኒ)፡ ኣነ ደኣ’የ ዘቕርቦ፡ ንሱ’ውን ኪቐርበኒ’ዩ።” ኢሉ ልብና ኽንሕልዎ ‘ንኽእል፡ ንእኡ ብምሃብ፡ ኣብኡ ብምውካል ምዃኑ ኣፍሊጡና ኣሎ (ምሳ 4፡23 ፣ 23፡26)። እቶም ልቦም ዝሸፈቶም፡ ካብ ኣምላኽ ኣርሒቑ ዝዀብለሎም ሰባት ግን፡ ትውክልቶም ዚዀኖም ገንዘብን ሃብትን ናብ ምውናን ጥራሕ’ዮም፡ ዜድህቡ። እግዚኣብሄር መንፈስ ቅዱስ ግን፡ “ሃብታም ክኸውን ኢልካ ኣይትጽዓር፡ ጥበበኛ ዅን (ንጥበብካ ኣብኡ ኣይተውዕሎ) (ምኽንያቱ) ከም’ቲ ናብ ሰማይ ኣቢሉ ዚነፍር ንስሪ፡ ሃብትኻ ኣኽናፍ ኣውጺኡ ኸም ቅጽበት ዓይኒ ካባኻ ኪኽወል (ኪጠፍእ) ይኽእል’ዩ።” ኢሉ ምዒዱና ኣሎ (ኤር 30፡21)። ስለ’ዚ ነዚ መፈንጠራ’ዚ ኽንሃድመሉ’ምበር፡ ክንስዕቦ ኣይግብኣናን’ዩ።
ኣብ’ቲ መሪሕ ጥቕስና ድማ ጐይታ፡ ነቲ ህድማ ብኸመይ ከም ‘ንትግብሮ ብግብራዊ መገዲ ተገሊጹልና ኣሎ። ንሱ ድማ ነቲ ገንዘብካ ናብ ሰማይ ከም ዚግዕዝን ኣብኡ ኸም ዚዕቈርን ምግባር’ዩ። ናይ’ቲ ኣብ ሰማይ ዘሎ ባንክ ተቐበልቲ ገንዘብ (Cashiers) ድማ እቶም ኣብ ከባቢና ዘለው ረድኤትና ዜድልዮም ጽጉማት ሰባት’ዮም። እቲ ዜሕዝን ግና ነዛ መንፈሳዊት ጥበብ’ዚኣ ዚኣምንዋን ዚኽእልዋን፡ እቶም ገንዘቦም ንልቦም ዘይሰረቖም ሰባት ጥራሕ’ዮም። ነቶም ልብና ዝተሰርቀ ግና፡ እዚ ጥበብ’ዚ ዕሽነት’ምበር ፈጺሙ ጥበብ ኣይኰነን። ንርእስና ወይ ከኣ ነተን ገንዘብና ዜቐምጣልና ባንክታትን ነቶም ሰብ ክራባታ ተቐበልቲ ገንዘብን ጥራሕ ኢና ‘ንኣምን። ኣብ ምጽወታ ዚተግሁ፡ እቶም ንኣምላኽ ዚኣምንዎ’ዮም። እቶም ኣምላኽ ከይጠልሞም ዚፈርሁ ወይ ርግጸኛታት ዝዀኑ ግን፡ ንሰባት፡ ነቶም ናይ ብሓቂ ዜድልዮም ስኡናት ምልጋስ ፍጹም ዕሽነቶም’ዩ። ነቲ ኣብ ሉቃ 16፡19-31 ዘሎ ናይ’ቲ ሃብታም ሰብኣይን ድኻ ኣልኣዛርን ታሪኽ ኪደግሙን ኪለማመዱን’ዮም ዚመርጹ። ጐይታና ነዚ ኣስተምህሮ’ዚ ነቶም እምብዛ ሃብታማት ጥራይ ዝሃቦ ትእዛዝ ኣይኰነን። ኣብ መሪሕ ጥቕስና ነቶም ዚምጽወት ገንዘብ ከም ዘይብሎም ዚሓስቡ፡ ጥሪቶም ሸይጦም ነቲ ገንዘብ ኪምጽውትዎ ኣዚዙ ኣሎ። እቲ በተን ዝርካበን ጥሪቱ ልቡ ዝተሰርቐ ሰብ፡ እዛ ትእዛዝ’ዚኣ ዘይፍትሓዊትን ፈጺምካ ክትትግበር ዘይትከኣል ዓጻም ትእዛዝ’ያ። ምኽንያቱ ነቲ ዘለዎ ጥሪት ካብኡ ብዝጸበቐን ብዝኸበረን ጥሪት ኪትክኦ፡ ካልእ ዝጐደሎ ብዙሕ ንብረት ኬጥርይ ለይትን መዓልትን እናሰርሐ ይደክም፡ ዘዝረኸበን ገንዘብ ድማ ኣብ’ቶም ዝተመስከረሎም እሙናት ዓቘርቲ የቐምጥ ንዘሎ ሰብ፡ “ነቲ ኣብ ገዛኻ ዘሎ ጥሪት ሼጥካ ነቶም ጥሙያት ኣብልዓዮም፡ ነቶም ዕሩቓት ኣልብሶም ክትብሎ፡ ነእምሮ ዜናውጽ ትእዛዝ’ዩ ዚዀኖ።
እዚ ትእዛዝ’ዚ ግን ናይ ብሓቂ ግብራዊ ድዩ፧ እንታይ ኰይኑ ደኣ ግብራዊ ዘይከውን፧ እዚ ሕቶ’ዚ ልቡ ናይ ዝተሰርቀን ናይ ዝተዘምተን ሰብ ሕቶ’ምበር ናይ ኣምላኽ ሰብ ሕቶ ኣይኰነን አረ ናይ ድፍረት ሕቶ’ውን’ዩ። ታሪኽ ቤተ ክርስትያን’ኮ ብትግባረ ናይ’ዚ ትእዛዝ’ዚ’ዩ ጀሚሩ። እግዚኣብሄር መንፈስ ቅዱስ ንቤተ ክርስትያን ኪሃንጻ ምስ ጀመረ፡ ኣብ’ቶም ምእመናን ዝተራእየ ህይወት፡
“እቶም ዝኣመኑ ዂላቶም ከኣ ብሓንሳእ ነበሩ፡ ዘለዎም ኲሉውን ብርኪ ነበረ። መሬቶምን ጥሪቶምን ይሸጡ፡ ንዂሎም ከኣ ከከም ዘድልዮም ይመቕልዎም ነበሩ። ኣብ ጸጽባሕ ብሕብረት ኣብ ቤተ መቕደስ ከየቛረጹ ጸኒዖም ይእከቡ ነበሩ፡ ኣብ ኣባይቲ እንጌራ እናቘረሱ፡ ብሓጐስን ብግሩህ ልብን ንኣምላኽ እናኣመስገኑ ብሓንሳእ ኰይኖም ይበልዑ ነበሩ።”
“እቶም ዝኣመኑ ዂላቶም ሓንቲ ልብን ሓንቲ ነፍስን ነበሩ፡ ብዂሉ ብርኪ ነበሩ እምበር፡ ሓደ እኳ ኻብ ገንዘቡ፡ እዚ ናተይ እዩ፡ ዚብል ኣይነበሮምን። . . . ኲላቶም መሬት ወይስ ኣባይቲ ዘለዎም ዘበለ ሸይጦም፡ ንዋጋ እቲ እተሸጠ የምጽእዎ ነበሩ እሞ፡ ኣብ ጥቓ እግሪ ሃዋርያት የንብርዎ፡ ንነፍሲ ወከፍ ከኣ ከከም ዜድልዮ ይመቕልዎ ነበሩ፡ ስለዚ ሓደ ሽጉር እኳ ኣይነበሮምን። ዮሴፍ ከኣ፡ ብሃዋርያት በርናባስ እተባህለ፡ ወዲ ምጽንናዕ ዝትርጒሙ፡ ሌዋዊ፡ ቆጵሮስ ዝዓሌቱ፡ ነቲ ዘለዎ ግራት ሸይጡ፡ ነቲ ገንዘብ ኣምጺኡ ኣብ ጥቓ እግሪ ሃዋርያት ኣንበሮ።” ብዚብል ቃል ተመስኪሩ ኣሎ (ግብ 2፡44-46 ፣ 4፡32,34-37)። ሕጂ ግና እቲ ታሪኽ ተገልቢጡን ተለዊጡን ጥሪትካ ሼጥካ ምምጽዋት ከም ዕሽነትን ነውርን ናብ ምቝጻር ተበጺሑ እንሆ። እዚ ድማ ኣገልገልቲ ዀንና ምእመናን ብዝተሰርቀ ልቢ ንመላለስ ከም ዘለና ዜመልክተና’ዩ። ካብ’ዚ ልቦናን ብልህነትን’ዚ፡ እቲ ዝሓሰመ ደረጃ ድኽነት’ኳ ኪዕንቅፈና ኣምተገብአን ነይሩ። ምኽንያቱ፡ ጐይታና ሓንቲ ሰበይቲ ነተን ዝነበራኣ ዅለን ገንዘባ ኣብ ሳጹን ምጽዋት ከተእትው ርእዩ ብኣድንቖት መስኪሩላ’ዩ (ሉቃ 21፡1-4)። ቅዱስ ጳውሎስ’ውን ነቶም ናይ መቄዶንያ ብገንዘብ ድኻታት ብልግሲ ግን ሃብታማት ዝዀኑ ሰባት ብኸም’ዚ ዚስዕብ መስኪሩሎም ኣሎ፡
“ኣሕዋተየ፡ እቲ ኣብተን ማሕበራት መቄዶንያ እተዋህበ ጸጋ ኣምላኽ ነፍልጠኩም ኣሎና፡ ከም ዓቕሞምን ሓለፋ ዓቕሞምን ባዕላቶም ፈትዮም ከም ዝሃቡ፡ እምስክረሎም ኣሎኹ እሞ፡ ብብዙሕ ጸበባ ተመኪሮም፡ ሓላፋ ሓጐሶምን ጥልቂ ዝዀነ ድኽነቶምን ንምብዛሕ ልግሶም ኣዝዩ ዓዘዘ።ነዚ ጸጋ እዝን ንሕብረት ምግልጋል ቅዱሳንን ብብዙሕ ልማኖ እናለመኑና፡ ብፍቓድ ኣምላኽ ቅድም ንጐይታ ድሕሪኡ ኸኣ ንኣና ርእሶም ወፈዩ እምበር፡ ከምቲ ንሕና ተስፋ ዝገበናዮ ጥራይ ኣይኰነን እሞ፡ ንቲቶስ፡ ከምቲ ቕድም ዝጀመሮ ኸምኡ ኸኣ እዚ ጸጋ እዚ ኣባኻትኩምውን ኪፍጽም፡ ምዒድናዮ ኣሎና።”
ካብ’ዚ ሃዋርያዊ ምስክርነት’ዚ እንመሃሮ ሓቂ እንተ’ልዩ ካብ’ዚ ናይ ልግሲ ጸጋ፡ ይትረፍ ብዓቕሙ ሃብታም ዝዀነ ሰብ፡ ዋላ’ቲ እምብዛ ድኻ ዝዀነ ሰብ’ኳ ኺዕንቀፍን ኪበኵርን ኣይግባእን’ዩ። እታ ጐይታ ዝነኣዳ መበለት፡ ክልተ ሰናቲም ጥራሕ’ያ ዘውደቐት። ካብ’ዚ ሓቂ’ዚ ኸም ‘ንርድኦ፡ እቲ ወሳኒ ረቛሒ ብዝሒ ናይ ዘሎካ ገንዘብን ንብረትን ኣይኰነን። እግዚኣብሄር ነቲ ዓቕምና ጽቡቕ ገይሩ ስለ ዚፈልጦ፡ ዓቕምና ኽንገብር ከለና ብሓጐስን ብኽብርን’ዩ ዚቕበሎ (2ቈረ 8፡11,12)። ጐይታና ነታ ብብዙሕ ዝዋጋኡ ቕዱይ ቅብኢ ዝቐብኣቶ ሰበይቲ፡ ሃዋርያቱ ኺነቕፍዋ ኸለው፡ “ንምንታይ ተጕህይዋ ኣለኹም፧ ዚከኣላ ገበረት . . . “ ብምባል መስኪሩላ ኣሎ (ማር 14፡3-9)።
እምበኣር ልብና ብገዛእ ገንዘብና ተሰሪቑ ከይህልው ርእስና ንመርምር፡ ሃብቲ ኽነዋህልል ብዝጸዓትና መጠን፡ በላዒናን ሰራቒናን ንእክብ ከም ዘለና ንዘክር። ንገንዘብና ብጽድቂ ኣኪብና ብጽድቂ ድማ ነመሓድሮ ኸም ዘለና ነረጋግጽ፡ ንፍቕሪ ገንዘብ ንህደመሉ’ምበር ኣይንመሓዛዎ። ንገንዘብና ናብ ሰማይ ነግዕዞ። ኣምላኽ እሙን’ዩ’ሞ ኣብ ሰማይ ንዕቈሮ። ገንዘብ ንፉዕ ባርያ፡ ግን ከኣ ሕሱም ጐይታ ምዃኑ ኣይንረስዕ። ንገንዘብና ንግዝኣዮ’ምበር፡ ባሮት ኴንና ኣይንገዝኣዮ!!
ጸጋ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስን ፍቕሪ ኣምላኽን ሕብረት መንፈስ ቅዱስን ምስ ኩላትና ይኹን።
ኦርቶዶክሳዊት ተዋህዶ ቤተ ክርስቲያን ኤርትራ - መንበረ ጵጵስና ሰሜን ኣሜርካ።
3 ሕዳር 2024 | ጥቅምቲ 24, 2016 ግዕዝ (፰ይ ሰንበት: ቊ.፰/8) |
||
ምስባክ መዝ. ፩፡፫ “ወይከውን ከመ ዕፅ እንተ ትክልት ኀበ ሙኃዘ ማይ። እንተ ትሁብ ፍሬሃ በበጊዜሃ። ወቈጽላኒ ኢይትነገፍ።” “ንሱ ኸምታ ፍሬኣ በብጊዜኣ እትህብ፡ ቈጽላ ኸኣ ዘይረግፍ፡ ኣብ ወሰን ወሓዚ ማይ እተተኽለት ኦም ይኸውን። ዚገብሮ ዅሉውን ይሰልጦ።” |
ንባባት |
ኣንባቢ |
ቈሎ 1፡1-11 |
ዲያቆን |
|
ያእ 1፡1-12 |
ንፍቅ ዲያቆን |
|
ግብ 28፡7-17 |
ንፍቅ ካህን |
|
ሉቃ 12፡22-34 |
ሰራዒ ካህን |
|
ቅዳሴ ፦ዘእግዝእትነ ማርያም | መዝሙር፦ ክርስቶስ ሠርዓ ሰንበተ |
ካብ ውሽጢ ኤርትራ ዝተረኽበ ንቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ንምቁጽጻር ብመንግስቲ ኤርትራ ክካየድ ዝጸንሐን ዘሎን ሽርሒ ዘቃልዕ ቪድዮ
ድኳን መጻሕፍቲ/Book Store
ራድዮ ቃለ ኣዋዲ