“ብህያው ንዘለኣለም ብዚነብር፡ ካብ ቃል ኣምላኽ ካብ ዘይጠፍእ ዘርኢ’ምበር፡ ካብ ጠፋኢ ዘርኢ ኣይኰንኩምን ከም ብሓድሽ እተወለድኩም፡ ንሓቂ እናተኣዛዝኩምዋን፡ ግብዝና ንዜይብላ ፍቕሪ ኣሕዋት ንነፍስኹም ኣጽርዩ፡ ብንጹህ ልቢ ንሓድሕድኩም ብሓቂ ተፋቐሩ።” 1ጴጥ 1፡22,23(ገላ 5፡7,8)
እንሆ’ዚ ዕለት’ዚ፡ ካልኣይ ሰንበት ናይ ዘመነ ጽጌ’ዩ። ኣብ ዝሓለፈ ሰንበት ከም ዝረኣናዮ፡ ብኣቈጻጽራ ግእዝ፡ ካብ መስከረም 26 ክሳብ ሕዳር 5 ዘሎ ቕንያት “ዘመነ ጽጌ”’ዩ ዚበሃል። ብመሰረት ናይ ሃገርና ስርዓተ-ክሊማ፡ ካብ ሰነ 25 (በአተ ክረምት/ምእታው ክረምቲ) ክሳዕ መስከረም 25 (ፀአተ ክረምት/ምውጻእ ክረምቲ)፡ ዘመን ክረምቲ’ዩ። መስከረም 26 ድማ ዘመነ ጽጌ ይጅምር። ብግእዝ “ጽጌ” ማለት፡ ብትግርኛ “ዕንበባ” ማለት’ዩ። ነዚ ዕለት’ዚ ተሰሪዑልና ዘሎ መዝሙር ሰንበት “ኪነ ጥበቡ መንክር ወዕፁብ” ዘርእስቱ ዀይኑ፡ ብዛዕባ’ቲ ኣብ’ዚ ዘመን’ዚ ዝሃበና ኣባናን ኣብ ምድርናን ዝገለጾ ጸጋን በረኸትን ዜድንቕን ክብሪ ዚህብን’ዩ። እቶም ብመሰረት’ዚ መዝሙር’ዚ ዝተሰርዑ ንባባት ሓድሽ ኪዳንን ምስባክን ድማ ዕንበባ-ጠቀስ ትሕዝቶ ዘለዎ’ዩ። ናይ’ዚ ዕለት’ዚ ንባብ ቅዱስ ወንጌል እግዚኣብሄር ብኸመይ ንሳዕርን ኣትክልትን ብዕንባባ ኸዲኑ ኸም ዜማዕርጎም ዚገልጽ’ዩ (ማቴ 6፡28-30)። እቲ ናይ 1ጴጥ 1፡17-25 ንባብ’ውን፡ ሰብ ከም ዕንበባ መሮር ረጋፍን ብዓል ሓጺር ዕምርን ምዃኑ ዚገልጽ’ዩ (1ጴጥ 1፡24,25)። እቲ ናይ መዝ 103፡14,15 ምስባክ’ውን፡ ዕድመ ሰብ ከም ሳዕርን ከም ዕንበባን ምዃኑ ዚገልጽ’ዩ።
ናይ’ዚ ዕለት’ዚ ትምህርትና፡ ካብ’ቲ ናይ 1ጴጥ፡17-25 ንባብ ዝተወሰደ’ዩ። መሪሕ ጥቕስና ንሓቂ ኽንእዘዛ ምዒዱና ኣሎ። መብዛሕትኡ ጊዜ ግን፡ ንሓቂ ምእዛዝ ከም ተሪር ዓቐብ ኪኸብደና’ዩ ዚረኣይ። ንሓቂ ንኸይንእዘዝ ዚዓጋተና ወይ ዚዕዝመና ኣካል ከም ዘሎ ዄንና ኽንነብር ንርከብ። ስለ’ዚ ኸኣ ቅዱስ ጳውሎስ፡ “መን ዓገተኩም፡ መን ዓዘመኩም፧” እናበለ ደጋጊሙ በዲሁና ኣሎ (ገላ 3፡1 ፣ 5፡7,8)። ቃል እግዚኣብሄር ሰሚዑ ንሓቂ ዘይእዘዝ ሰብን፡ ማይ ዝናም ሰትዩ ዘየብቍልን ዘይዕንብብ መሬትን ድማ ሓደ ስለ ዝዀኑ፡ ብዛዕባ’ዚ ኣርእስቲ’ዚ ብዕምቈት ክንመሃርን ኣካይዳና ኸነቕንዕን ግቡእና’ዩ።
ሓቂ እንታይ’ዩ፧ እዚ ሕቶ’ዚ ብሓደ ሓጥእ ሮማዊ መስፍን ንጐይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ዝቐረበ ኣገዳሲ ሕቶ’ዩ። ጐይታና ብኣይሁድ ተታሒዙ ንፍርዲ ናብ ጲላጦስ ምስ ቀረበ፡ ጲላጦስ ነቲ ዝቐረበሉ ኽስሲ መሰረት ብምግባር፡ “ንስኻ’ዶ ንጉስ ኣይሁድ ኢኻ፧” ኢሉ ሓተቶ። ጐይታና ነቲ ሓታቲኡ በዳሂ ዝዀነ ሕቶ ድሕሪ ምሕታቱ ኸኣ፡ ከም’ዚ ኢሉ መለሰሉ። “መንግስተይ ካብ’ዛ ዓለም’ዚኣ ኣይኰነትን። መንግስተይ ካብ’ዛ ዓለም’ዚኣ እንተ ትኸውንሲ፡ ብኣይሁድ ከይተሓዝ ገላዎይ ምተዋግኡለይ ነይሮም። ሕጂ ግና መንግስተይ ካብ’ዛ ዓለም’ዚኣ ኣይኰነትን። . . .ኣነ ንሓቂ ኽምስክር፡ ምእንቲ’ዚ ተወለድኩ፡ ምእንቲ’ዚ’ውን’የ ናብ ዓለም ዝመጻእኩ። ካብ ሓቂ ዝዀነ ዅሉ ኸኣ ድምጸይ ይሰምዕ’ዩ።” ዮሃ 18፡36,37
እቲ ነዚ ረቂቕ ምስጢር’ዚ ዝሰምዐ፡ ብዘይካ’ቲ ብሓሶት ዚሰርሕ ፖለቲካዊ መንግስቲ ኻልእ መንግስቲ ዘይፈልጥ ጲላጦስ ድማ፡ “ሓቂ እንታይ’ዩ፧” ኢሉ ሓተቶ። እንተ ዀነ እታ ሕቶ መልሲ ኸይረኸበት ተንጠልጢላ ተረፈት። ምኽንያቱ እቲ መልሲ፡ “ካብ ሓቂ ንዝዀነ ዅሉ” እምበር፡ ጥሙሕ (curiosity) ሒዝዎ ንዚሓትት ኵሉ ሰብ ኣይንገርን’ዩ። ነቶም ኻብ ሓቂ ዝዀኑ ደቀ መዛሙርቱ ግን ኣግሂዱ ነጊርዎም’ዩ፡ “መገድን ሓቅን ህይወትን ኣነ’የ። ብዘይ ብኣይ ሓደ’ኳ ናብ ኣቦ ዚመጽእ የልቦን።” ዮሃ 14፡6
ስለ’ዚ ንክርስቶስ ከይፈለጠ ንሓቂ ኺፈልጣ ዚኽእል የልቦን ማለት’ዩ። እቲ ነቲ ሓቂ ዝዀነ ክርስቶስ ዝፈለጠ ግን፡ ነቲ ኣብኡ ዘሎ ዅሉ ኻልእ ሓቅታት ይፈልጦ’ዩ። ካብኡ ሓሊፉ’ውን እታ ሓቂ’ውን ኣብኡ ማሕደራ ትገብር፡ ኣብኡ ትርከብ (1ዮሃ 1፡8 ፣ 2፡4 ፣ 2ዮሃ 2 ፣ 3ዮሃ3)። ክርስቶስ ጐይታና’ምበኣር ንባዕሉ ሓቂ’ዩ። ወዲ ሰብ ኪፈልጦ ዚግባእ ኵሉ ሓቅታት ድማ ኣብኡ ይርከብ። ሃዋርያ ቅዱስ ዮሃንስ ኣብ’ቲ ቐዳማይ መልእኽቱ፡
“እቲ ወዲ ኣምላኽ ከም ዝመጸ፡ (ወልድ)፡ ነቲ ሓቂ (ንእግዚአብሔር ኣቦ) ክንፈልጦ ኢሉ ምስትውዓል ከም ዝሃበና ንፈልጥ ኢና። ንሕና ኣብ’ቲ ሓቂ ዝዀነ፡ ኣብ ኢየሱስ ክርስቶስ ወዱ ኢና ዘለና። (ኢየሱስ ክርስቶስ) እቲ ናይ ሓቂ ኣምላኽን ናይ ዘለኣለም ህይወትን’ዩ።” ብምባል፡ ጐይታና መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ እቲ ሓቂ ምዃኑ ኣብሪሁልና’ሎ (1ዮሃ 5፡20 ካ.ት)። “ሓቀኛ’ዩ” ምባልን “ሓቂ’ዩ” ምባልን ኣዝዩ ዓብይ ፍልልይ ኣለዎ። ዝዀነ ሰብ፡ ሓቀኛ’ምበር፡ ሓቂ ኪኸውን ኣይክእልን’ዩ። ምኽንያቱ ሓቂ ምዃን፡ መለኮታዊ ባህርይ’ዩ። ክርስቶስ ከኣ ፍጹም ኣምላኽ ስለ ዝዀነ’ዩ፡ ንርእሱ “ሓቂ” ኢሉ ዝሰመየ። ነዛ ምስጢር’ዚኣ ምእንቲ ኼፍልጦም ሓደ እዋን ንኣይሁድ፦
“ንስኻትኩም ኣብ ቃለይ እንተ ጸናዕኩም፡ ብሓቂ ደቀ መዛሙርተይ ኢኹም፡ ንሓቂ ኽትፈልጥዋ ኢኹም፡ እታ ሓቂ ድማ ሓራ ኸተውጽኣኩም’ያ።” በሎም (ዮሃ 8፡31,32)። ንሳቶም ግና ነቲ ሃይለ-ቃል ናይ’ቲ መልእኽቱ ኼስተውዕሉ ኣብ ክንዲ ዚፍትኑ፡ ምስ’ቲ ንሱ ዚዛረበሉ ዘሎ ኣርእስቲ ናብ ዘይዛመድ (irrelevant) ሓሳብ ኣድሂቦም ብሓሶት ኪጀሃሩ ጀመሩ። ኣብ’ቲ እዋን’ቲ’ኳ ብሮማውያን ዚግዝኡ ባሮት ነይሮም ክነሶም፡
“ንሕና ዘርኢ ኣብርሃም ኢና፡ ባሮት ኴንና ንእተገዛእናዮ ከቶ የብልናን። ከመይ ኢልካ ኢኻ ‘ሓራ ኽትወጹ ኢኹም’ ትብለና ዘለኻ፧” ኢሎም ተመጻደቑሉ (ዮሃ 8፡33)። ንሱ ግና መንግስቱ ኣብ’ዛ ዓለም’ዚኣን ካብ’ዛ ዓለም’ዚኣን ስለ ዘይኰነት፡ ብዛዕባ ፖለቲካዊ መግዛእቲ ዘይኰነስ ብዛዕባ መንፈሳዊ መግዛእቲ (ባርነት ሓጢኣት)’ዩ ዚዛረብ ዝነበረ (ዮሃ 8፡34-44)። ነዚ ናይ ጐይታ ኣበሃህላ ኪርድኦን ኪቕበሎን ዚኽእል፡ እቲ ኻብ ሓቂ ዝዀነ ሰብ ጥራሕ’ዩ። ካብ’ዚ ናቱ ኣበሃህላ ኸም እንርድኦ’ምበኣር፡ እቲ ሓራ ዜውጽእ ሓቂ፡ ንሱ ባዕሉ’ዩ። ስለ’ዚ ኸኣ፦ “ወልድ ሓራ እንተ ኣውጽኣኩም፡ ብሓቂ ውጹኣት ሓራ ኽትኰኑ ኢኹም።” በሎም (ዮሃ 8፡36)።
ሓቂ፡ ሓራ ኸም ዘውጽኣትና ብኸመይ ኢና እንፈልጥ፧ እቲ ቐዳማይ መረጋገጺ፡ ፍቕሪ ሓቂ ኣብ ልብና ዚዓዝዝ ምዃኑ’ዩ። ብባህርይና ደድሕሪ’ቲ እነፍቅሮ’ምበር፡ ደድሕሪ’ቲ እንጸልኦን ዘይነፍቅሮን ክንስዕብ ኣይኰነልናን’ዩ። ስለ’ዚ ንሓቂ ኽንስዕባን ክንእዘዛን እንተ ዄንና፡ ናይ ግድን ከነፍቅራ ይግብኣና። ኣብ ውሽጥና ፍቕሪ ሓቂ እንተ ዘይብልና፡ ነታ ሓቂ ኽንቅበላ ንጽገም። እታ ሓቂ ኣባና እንተ ዘየልያ ድማ፡ ካብ ሓጢኣትን ሳዕቤናቱ ሓራ ኽንከውንን ክንድሕንን ኣይንኽእልን ኢና። ፍቕሪ ሓቂ እንተ ዘይብልና ፍቕሪ-ሓሶት’ዩ ዘሎና ማለት’ዩ። እግዚአብሔር ከኣ ነቲ ንሓቂ ዘሎና ጽልእን ንሓሶት ዘሎና ፍቕርን ምስ ተገንዘበ፡ ንፍቓድ ናይ’ቶም ናይ ሓሶትን ስሕተትን መናፍስቲ ኣሕሊፉ ይህበና’ሞ፡ ንዘለኣለም ደቂ ጥፍኣት ኴንና ንነብር። ሃዋርያ ቅዱስ ጳውሎስ፡ ነዚ ሓቂ’ዚ ብኸም’ዚ ዚስዕብ ገሊጽዎ ይርከብ።
“እቶም ዚጠፍኡስ፡ ንምድሓኖም ዚኸውን ፍቕሪ ሓቂ ስለ ዘይተቐበሉ፡ ንኣታቶም ናይ’ዚ (ስሕተት’ዚ) ኣመጻጽኣ ብዅሉ ጥበራ ዓመጻ፡ ብዅሉ ሓይልን ትእምርትን ተኣምራት ሓሶትን ብሓይሊ ሰይጣን’ዩ ዚኸውን። ስለ’ዚ ኸኣ እቶም ብዓመጻ (ብሓሶት) ባህ ዚብሎም’ምበር፡ ንሓቂ ዘይኣምኑ ዅሎም ምእንቲ ኺፍረዱ፡ ኣምላኽ ነቲ ሓሶት ክሳዕ ዚኣምኑ ብርቱዕ ስሕተት ይሰድደሎም።” 2ተሰ 2፡9-12
“ድሕሪ ሕጂ ንሕና በቲ ኻብ’ቲ ብምጥባር ሰብን ንምፍሓስ ስሕተት ዚኸውን ተንኰልን ዚመጽእ ናይ ትምህርቲ ዅሉ ንፋስ ንየው ነጀው እንድፋእን እንኽብከብን ቈልዑ ምእንቲ ኸይንኸውንሲ፡ ብፍቕሪ ንሓቂ እናሰዓብና፡ ናብ’ቲ ርእሲ ዝዀነ ክርስቶስ ንዕበይ።” ኤፌ 4፡14,15
ስለ’ዚ ሓቂ ሓራ ኸም ዘውጽኣትና ቐዳማይ ምልክትና ኣብ ልብና ንሓቂ ዘሎና ፍቕሪ ምዕዛዙ’ዩ። ነዚ ፍቕሪ’ዚ ምስ ረኣየ ድማ ጐይታና፡ ካብ’ቲ ኣብኡ ዘሎ መዝገብ ጥበብን ፍልጠትን እና’ውሓዘ ነታ ሓቂ መመሊሱ ይገልጸልና፡ ብኸም’ዚ ድማ ብፍልጠት-ሓቂ ናብ ምልኣት የዕብየና።
ፍቕሪ ሓቂ ኣብ ውሽጥና ኸምዘሎ እንፈልጥ ድማ፡ እግዚአብሔር ሓቁ ኺገልጸልና፡ ብሓቂ ኽንመላለስ ኪረድኣና ብኣጽንዖት ብምጽላይ’ዩ። ቅዱስ ዳዊት በዚ ተግባር’ዚ ዓብይ ኣርኣያና’ዩ።
“ንስኻ ኣምላኽ ምድሓነይ ኢኻ’ሞ፡ ብሓቅኻ ምርሓንን ኣስተምህረንን። ኵሉ መዓልቲ እጽበየካ’ለኹ። . . .ጐይታየ፡ ንስኻ ምሕረትካ ኣይትኽልኣኒ፡ ሳህልኻን ሓቅኻን ኣዘውቲረን ይሓልዋኒ። . . .ብርሃንካን ሓቅኻን ልኣኽ፡ ንሳተን ይምርሓኒ፡ ናብ ቅድስቲ ኸረንካን ናብ ማሕደራትን የብጽሓኒ። . . . ዎ እግዚአብሔር፡ ብሓቅኻ ምእንቲ ኽመላለስ፡ መገድኻ ምሃረኒ፡ ንስምካ ኽፈርህሲ፡ ንልበይ ኣዳልዎ።” መዝ 25፡5 ፣ 40፡11 ፣ 43፡3 ፣ 86፡11
ንድሕሪት ምልስ ኢልና’ሞ ጸሎታትና ንመርምር!! ንምዃኑ ኸም’ዚ ኣቦና ዳዊት ዝጸለዮ ጌርና፡ ብዛዕባ ሓቂ ናብ ኣምላኽ ሓንቲ መዓልቲ ጸሊና ንፈልጥዶ፧ እቲ ዘይምጽላይና ኽንዲ ፍረ ኣድሪ እትኸውን ናይ ሓቂ ፍቕሪ ኸም ዘይብልና ዜቃልዓናዶ ኣይኰነን፧ እቲ መለኮታዊ ሕጊ ድማ፦ “ዝለመነ ዅሉ ይቕበል’ዩ፡ ዝደለየ ድማ ይረክብ፡ ማዕጾ ዃሕኳሕ ንዘበለ’ውን ይኽፈተሉ’ዩ’ሞ፡ ለምኑ ይወሃበኩም፡ ድለዩ ትረኽቡ፡ ማዕጾ ዃሕኳሕ ኣብሉ ይኽፈተልኩም።” እዩ ዚብል (ማቴ 7፡7,8)። ንሕና ግና፡ ይትረፍ ኣዘውቲርና ኽንልምን፡ ከም ዜድልየና’ኳ ብመሰረቱ ኣይተረድኣናን ዘሎ። እዚ ኸኣ ፍቕሪ-ሓቂ ኸም ዘይብልና ውሁብ መርትዖ’ዩ። ስለ’ዚ እግዚአብሔር ፍልጠት-ሓቂ ኺገልጸልና ብኣጽንዖት ብምጽላይ፡ ነቲ ንሓቂ ዘሎና ፍቕሪ ነግህዶ።
እቲ ንሓቂ ኣምላኽ ዘሎና ፍቕሪ እንገልጸሉ ኻልኣይ መገዲ ድማ፡ ነቲ ቓል-ሓቂ ኽንፈልጦን ክንርድኦን ዘሎና ጻዕሪ’ዩ። ነቲ ቓል-ሓቂ ቝሊሕ ኢሉ’ኳ ዘይርእዮን ዘየጽንዖን፡ ብዛዕባኡ ኺሰምዕን ኪመሃርን ዘይደልይ ሰብ፡ ፈጺሙ ፍቕሪ ሓቂ ኸም ዘይብሉ ርዱእ’ዩ። እቲ ፍቕሩ ዘለዎ ግና ነቲ ቓል-ሓቂ ለይትን መዓልትን’ዩ ዚምርምሮ። ቅዱስ ዳዊት፦ “ንቓልካ እጽበዮ’ለኹ፡ . . .ብናፍቖት ቃልካ ኣዒንተይ ሓመቓ፡ . . .ንቓልካ ኸስተንትንሲ፡ ኣዒንተይ ነቶም ናይ ለይቲ ሓለውቲ ቐዳማኦም። ኣብ ሕግኻ ተኣምራት ክርእስ፡ ኣዒንተይ ክፈተለይ። . . . ነቲ ናብ ፍርሃትካ ዚመርሕ ቃልካ ኣብ ባርያኻ ኣጽንዓዮ። ......ካብ ኣእላፋት ወርቅን ብሩርንሲ ሕጊ-ኣፍካ ይሕሸኒ።” ብምባል ነቲ ቓል ሓቂ ዝነበሮ ፍቕሪ ይገልጽ ነበረ (መዝ 119፡18,38,72,81,82,148)። ስለ’ዚ ልክዕ ከም ሰብ ቤርያ ንቓል እግዚአብሔር ኣዚና ብዕምቈት ከነጽንዖ’ዩ ዚግባእ (ግብ 17፡11)። ኣብ ቤተ ክርስትያን ኪስበኽ ከሎ እንተ ዘይኰይኑ፡ ተመሊስና ዘይንዝክሮ፡ ነቲ መጽሓፍ ቅዱስና’ውን ብኢድና ሒዝና ዘይነንብቦ እንተ ዄንና ፍቕሪ ሓቂ ኸም ዘይብልና ዓብዪ መረጋገጺ’ዩ። ስለ’ዚ ዅሉ ህይወትናን ናብራናን ብሓሶት እንተ ተመልአ ዜገርም ኣይኰነን።
ሓቂ ሓራ ኸም ዘውጽኣትና ኻልኣይ መረጋገጺና ድማ፡ በቲ ዝተገልጸልናን ዝፈለጥናዮን ሓቂ ንመላለስ (ንነብረሉ) ምዃንና’ዩ። ንሓቂ ፈሊጥካዮ ኸተብቅዕ፡ እንተ ዘይነበርካሉ እንታይ ዋጋ’ለዎ፧ ንሓቂ ዚገብርዋን ዚነብርዋን እቶም ዜፍቅርዋ ጥራሕ’ዮም። ቅዱስ ዳዊት፦ “ሳህልኻ ኣብ ቅድሚ ኣዒንተይ’ዩ’ሞ፡ ብሓቅኻ እመላለስ ኣለኹ። . . ምስ ሓሰውቲ ሰባት ኣይተቐመጥኩን፡ ምስ ኣምሰሉታት’ውን ኣይከድኩን።” ብምባል፡ ነቲ ፍቕሩ ብግብሪ ዝገለጸ ሰብ ነበረ (መዝ 26፡3,4)። ሃዋርያ ቅዱስ ዮሃንስ፡ ብዛዕባ’ቶም ብሓቂ ኸም ዚመላለሱ ዝፈለጦም ናይ መንፈስ ደቁ፡ ብሓጐስን ብሓበንን ከም’ዚ ዚስዕብ ጽሒፉ’ሎ።
“ሓያሎ ኻብ ደቅኺ ኸም’ቲ ኻብ ኣቦ እተቐበልናዮ ትእዛዝ ኰይኖም፡ ብሓቂ ዚመላለሱ ስለ ዝረኸብኩ፡ ብዙሕ እሕጐስ ኣለኹ። . . .ንስኻ በታ ሓቂ ትመላለስ ከም ዘለኻ፡ ኣሕዋት መጺኦም ስለ’ታ ኣባኻ ዘላ ሓቂ ብምምስካሮም ብዙሕ ተሓጐስኩ። ኣነ እቶም ደቀይ ብሓቂ ኸም ዚመላለሱ ኻብ ምስማዕ ዚዓብይ ሓጐስ የብለይን።” 2ዮሃ 4፣ 3ዮሃ 3፡4
ነታ ሓቂ ብኸመይ ኢና ኽንነብራን ክንመላለሰላን እንኽእል፧ ንሓቂ ኣብ ክልተ ኸፊልና ኽንርእያ ንኽእል ኢና። እቲ ቐዳማይ፡ ነቲ እግዚአብሔር ብዛዕባ ርእሱን ብዛዕባናን ዝገለጾ ሓቅታት ተረዲእና፡ ተቐቢልና፡ ኣሚንና ኽንትግብሮን ክንነብረሉን ከለና’ዩ። ንኣብነት፡ ጐይታና ብዛዕባ መንነቱ ዀነ ብዛዕባ ተልእኾኡ ዝገለጾ ብዙሕ ሓቅታት ኣሎ። ብርሃን ዓለም፡ እንጌራ ህይወት፡ ትንሳኤን ህይወትን፡ ብስጋ ዝተገልጸ ኣምላኽ (ስግው ቃል) ወዘተ ምዃኑ ገሊጹ ኣሎ። ብዛዕባ ተልእኾኡ ድማ፡ መድሓኒ፡ ንጉስ፡ ፈራዲ፡ ጓሳ ወዘተ ምዃኑ’ውን ምሂሩና’ሎ። ብዛዕባ’ቲ ንሕና ኽንካፈሎ ዘለና ምስጢራትን፡ ክንፍጽሞ ዚግብኣና መንፈሳዊ ስነ-ምግባራት’ውን ባዕሉ ዀነ ብቕዱሳን ሃዋርያቱ ሰፊሕ ትምህርቲ ሓዲጉልና’ሎ። ብሓቂ ንመላለስን ንነብርን ከም ዘለና ኽንእመን እንኽእል፡ ነዚ ዅሉ ኸም ዚግባእ ፈሊጥናዮስ ክንኣምነሉን ከነተግብሮን ከለና’ዩ። ብዛዕባ ሓጢኣቱ ፈጺሙ ተነሲሑ ዘይፈልጥ ሰብ ነቲ ጐይታ ብዛዕባ ምስጢረ ንስሓ ዘስተምሃሮ ሓቂ ኸም ዚኣምኖ እንተ ተዛረበ፡ ኣሽካዕላል’ምበር ከም ተኣምኖ (Confession) ኪቝጸረሉ ኣይክእልን’ዩ። ዘይጽልይ፡ ዘይምጽውት ወዘተ ሰብ ኣብ’ታ ሓቂ ኸም ዘሎ ኺሓስብ’ውን ኣይግብኦን’ዩ። ስለ’ዚ ነቲ ጐይታ ኽንፈልጦ፡ ክንኣምኖ ዀነ ኽንትግብሮ ኢሉ ዝገለጸልናን ዝኣዘዘናን ኵሉ ሓቅታት ክንእዘዞን ክንነብረሉን ዝለዓለ መንፈሳዊ ሓላፍነትና’ዩ።
ካብ ሓቂ ምዃንና፡ ንሓቂ ኸም እነፍቅር እንገልጸሉ ኻልኣይ መገዲ ድማ፡ ኵሉ ጊዜ ሓቂ ብምዝራብ’ዩ። ኣብ ማሕበራዊ ህይወትና ምስ ሰባት ክንዋሳእ ከለና ዜጋጥሙ፡ ማእለያ ዘይብሎም ፍጻሜታት ኣለዉ። እቲ ሓቂ እትርገጸሉ ሓሶት ከኣ እትነግሰሉ ዝሰፍሐ መድረኽ ድማ ኣብ’ዚ ማሕበራዊ ምውሳእ’ዚ’ዩ። ዘይገበርካዮ ገይረ ምባል፡ ዘይተዛረብካዮ ተዛሪበ ምባል፡ ዝገበርካዮን ዝተዛረብካዮን ከም ዘይወዓልካዮ ጌርካ ምኽሓድ፡ ብውሽጥኻ ዚስምዓካ ኻልእ ብደጌኻ እትብሎን እትገብሮን ድማ ብኣንጻሩ ምዃን፡ እቲ ዝለዓለ ኣዚና ዝዋሕለልናሉ እኩይ ተመክሮና’ዩ። ነዚ ኸም’ዚ ዝበለ ሓሶት ብልዑል ተምሳጥ እንገብሮ ምዃንና ድማ፡ እቲ ንሓሶት ዘሎና ዕዙዝ ፍቕሪ ዜመልክት’ዩ። እቲ ኣዝዩ ዜሕዝን ከኣ ከም ዝበለጸ ሜላን ጥበብን ጌርና እንጥቀመሉ ምዃንና’ዩ። እቲ ሓሶትና ኣብ’ቲ ሰማዒኡ ኣስሊጡዶ ኣየስለጠን’ዩ ዜገድሰና’ምበር፡ እቲ ኣምላኽ-ሓቂ ብዛዕባ’ቲ ሓሶትና እንታይ ከም ዝተሰምዖን እንታይ ከም ዚፈርድን’ውን ፈጺሙ ኣየገድሰናን’ዩ። ናይ’ዚ ተግባርና’ዚ ጭቡጥ መትርዖ ድማ፡ ብዛዕባ’ቲ ኽንዛረቦን ክንገብሮን ዝወዓልና ሓሶት ፈጺምና ዘይንንሳሕ ምዃንና’ዩ። ይትረፍ ክሳዕ ምንሳሕ ክንበጽሕ፡ ዋላ ንእሽቶ ወቐሳ ሕልና፡ ጣዕሳ ዀነ ሕንከት ዘይስምዓና ምዃኑ፡ ናይ መን ወገን ምዃንና፡ ማለት ናይ’ቲ ሓቅን ብዓል ሓቅን ጐይታዶ ናይ’ቲ ኣቦ ሓሶት ድያብሎስ፡ ብንጹር ዜርእየና’ዩ። ቅዱስ ዳዊት ገሊጹልና ኸም ዘሎ፡ ገጽ እግዚአብሔር ዚርእይ፡ እቲ ብልቡ ሓቂ ዚዛረብ ሰብ ጥራሕ’ዩ። (መዝ 15፡1,2)። ነቲ እንዛረቦ ሓሶት፡ ብፍርሃት፡ ብሕፍረት፡ ብረብሓ፡ ዝና ብምድላይ ወዘተ ተደሪኽና ተዛሪብናዮ ኽንከውን ንኽእል ኢና። ሓሶት ንምዝራብን ወገን ሰይጣን ንምዃንን ግን ዝዀነ ይኹን ምኽንያት ብቑዕ ኪኸውን ኣይክእልን’ዩ። ቃል እግዚአብሔር፦ “ስለ’ዚ ኸኣ ንሓሶት ንየው በልዎ፡ ኣካል ሓድሕድ ኢና’ሞ፡ ነፍሲ ወከፍ ምስ ብጻዩ ሓቂ ተዛረቡ።”
“ንስኻትኩም፡ ነቲ ኣረጊት ሰብ ምስ ግብሩ ቐንጢጥኩም፡ ከም ምስሊ’ቲ ዝፈጠሮ (ኣምላኽ) ጌርኩም፡ ነቲ ንፍልጠት ዚሕደስ ሓድሽ ሰብ ዝለበስኩም፡ ንሓድሕድኩም ኣይትተሓሳሰዉ።” ኢሉ’ዩ ዚእዝዘና (ኤፌ 4፡25 ፣ ቈሎ 3፡9,10)። ስለ’ዚ ናይ ብሓቂ ንሓቂ እንእዘዝ ክርስትያን ህዝቢ እንተ ዄንና፡ ንሓሶት ካብ ልብናን ካብ ኣፍናን ከነርሕቖ ይግብኣና። ምኽንያቱ ነቶም ዚሕስዉ፡ ግዲኦም ንዘለኣለም ኣብ’ቲ ቐላይ ሓውን ዲንን ምንባር’ዩ።
“እቶም ኣኽላባትን ጠንቈልትን ኣመንዝራታትን ቀተልትን መምለኽቲ ጣኦትን ንሓሶት ዚፈትውዎን ዚገብርዎን ዘበሉ ዅሎም ግና፡ ኣብ ወጻኢ’ዮም። . . .እቶም ፈራሃትን ዘይኣምኑን ፍንፉናትን ቀተልቲ ነፍስን ኣመናዝርን ጠንቈልትን መምለኽቲ ጣኦትን ብዘለዉ ሓሰውትን ግና፡ ግዲኦም ኣብ’ቲ ብሓውን ዲንን ዚነድድ ቀላይ’ዩ። እዚ እቲ ኻልኣይ ሞት’ዩ።” ራእ 22፡15 ፣ 21፡8።
ስለ’ዚ ኢና ንሓቂ ኸይንእዘዛ ንዚዓግተና ዅሉ ብጽንዓት ክንዋግኦ ዚግብኣና። ንኸም’ዚ ዝበለ ጥፍኣት ኣሕሊፉ ንዚህበና ሓሶት እነፍቅረሉ እንታይ ምኽንያት ኣሎና፧ በዚ ናይ ሓሶት ጥበብ ስለ ዝዓበና፡ ብቐሊሉ ኽንሓድጎ ኼሸግረና ይኽእል’ዩ። ከም ኣቦና እዮብ፦ “እስትንፋሰይ ኣብ ውሽጠይ፡ መንፈስ ኣምላኽ’ውን ኣብ ኣፍንጫይ ክሳዕ ዘሎ፡ ከናፍረይ ከቶ ሕሰም ኣይኪዛረባን፡ ልሳነይ’ውን ሓሶት ኣይከተውስእን’ያ። . . . ክሳዕ (ዕለተ) ሞተይ ካብ’ታ ብዘይ ጕድለት ምዃነይ ኣየግልስን። ንጽድቀይ ኣጽኒዐ እሕዞ፡ ከቶ ኣይሰድዶን። ካብ’ተን መዓልትታተይ ልበይ ስለ ሓንቲ’ኳ ኣይትነቕፈንን።” ኢልና እንተ ወሲንና፡ ኣመንጊጉ ሓሶት ኬዛርበና ዚኽእል የልቦን (እዮ 27፡3-6)። ምኽንያቱ፡ “ቍጥዓ ኣምላኽ ካብ ሰማይ ኣብ ረሲእነትን ዓመጻ ዘበለ ዅሉን ነቲ ሓቂ ብዓመጻ ኣብ ዚኸድንዎ ሰባት ይግለጽ’ዩ፡” (ሮሜ 1፡18)። እታ ንሓቂ እትኸድንን እትረግጽን ዝኸፍኣት ግብሪ-ዓመጻ ኸኣ ሓሶት’ያ። ስለ’ዚ፡ ብዅለንተናና ንሓቂ እንእዘዝን እነንግስን ሰባት ምዃንና ኸነረጋግጽ ይግብኣና። ነቲ ብክርስቶስን ብቕዱሳን ነብያቱን ሃዋርያቱን ዝተገልጸልና ዅሉ ሓቂ ኽንእዘዞ፡ ኣብ ኵሉ ማሕበራዊ ህይወትና ድማ ሓቂ ኽንገብርን ክንዛረብን እንተ መረጽና፡ እቲ ናይ ሓቂ ኽብሪ፡ ናትና ዓስብን ክብረትን ኪኸውን’ዩ’ሞ፡ ነታ ሓቂ መዓይይታ’ምበር፡ መጻርርታ ንዘይምዃን ወትርግ ንጠንቀቕ!! (2ቈረ 13፡8 ፣ 3ዮሃ 8)።
ጸጋ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስን ፍቕሪ ኣምላኽን ሕብረት መንፈስ ቅዱስን ምስ ኩላትና ይኹን።
ኦርቶዶክሳዊት ተዋህዶ ቤተ ክርስቲያን ኤርትራ - መንበረ ጵጵስና ሰሜን ኣሜርካ።
13 ጥቅምቲ/ት 2024 | ጥቅምቲ 3, 2016 ግዕዝ (5ይ ሰንበት: ቊ.፭/5) |
||
ምስባክ መዝ. ፻፪(፻፫)፡፲፬-፲፭ “ተዘከር እግዚኦ ከመ መሬት ንሕነ። ሰብእሰ ከመ ሣዕር መዋዕሊሁ። ወከመ ጽጌ ገዳም ከማሁ ይፈሪ።” “ፍጥረትና ይፈልጥ’ዩ’ሞ፡ ሓመድ ምዃንና ይዝክር’ዩ። ሰብሲ መዓልትታቱ ኸም ሳዕሪ’ዩ፡ ከም ዕምባባ መሮር ይዕምብብ።” |
ንባባት |
ኣንባቢ |
ኤፌ 6፡1-9 |
ዲያቆን |
|
1ጴጥ 1፡17-ፍጻመ |
ንፍቅ ዲያቆን |
|
ግብ 17፡23-ፍጻመ |
ንፍቅ ካህን |
|
ማቴ 6፡19-ፍጻመ |
ሰራዒ ካህን |
|
ቅዳሴ ፦ዘእግዝእትነ ማርያም | መዝሙር፦ ኪነ ጥበቡ መንክር ወዕፁብ |
ካብ ውሽጢ ኤርትራ ዝተረኽበ ንቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ንምቁጽጻር ብመንግስቲ ኤርትራ ክካየድ ዝጸንሐን ዘሎን ሽርሒ ዘቃልዕ ቪድዮ
ድኳን መጻሕፍቲ/Book Store
ራድዮ ቃለ ኣዋዲ