S5 MP3 Player - плагин joomla Mp3

ንሓቂ ኸይትእዘዙ መን ዓገተኩም (5ይ ሰንበት: ቊ.፭/5, 2024 ፈ | 2017 ግዕዝ

ብህያው ንዘለኣለም ብዚነብር፡ ካብ ቃል ኣምላኽ ካብ ዘይጠፍእ ዘርኢምበር፡ ካብ ጠፋኢ ዘርኢ ኣይኰንኩምን ከም ብሓድሽ እተወለድኩም፡ ንሓቂ እናተኣዛዝኩምዋን፡ ግብዝና ንዜይብላ ፍቕሪ ኣሕዋት ንነፍስኹም ኣጽርዩ፡ ብንጹህ ልቢ ንሓድሕድኩም ብሓቂ ተፋቐሩ።” 1ጴጥ 122,23(ገላ 57,8)

እንሆ ዕለትዚ፡ ካልኣይ ሰንበት ናይ ዘመነ ጽጌዩ። ኣብ ዝሓለፈ ሰንበት ከም ዝረኣናዮ፡ ብኣቈጻጽራ ግእዝ፡ ካብ መስከረም 26 ክሳብ ሕዳር 5 ዘሎ ቕንያትዘመነ ጽጌ”’ ዚበሃል። ብመሰረት ናይ ሃገርና ስርዓተ-ክሊማ፡ ካብ ሰነ 25 (በአተ ክረምት/ምእታው ክረምቲ) ክሳዕ መስከረም 25 (ፀአተ ክረምት/ምውጻእ ክረምቲ) ዘመን ክረምቲዩ። መስከረም 26 ድማ ዘመነ ጽጌ ይጅምር። ብግእዝጽጌማለት፡ ብትግርኛዕንበባማለትዩ። ነዚ ዕለት ተሰሪዑልና ዘሎ መዝሙር ሰንበትኪነ ጥበቡ መንክር ወዕፁብዘርእስቱ ዀይኑ፡ ብዛዕባ ኣብ ዘመን ዝሃበና ኣባናን ኣብ ምድርናን ዝገለጾ ጸጋን በረኸትን ዜድንቕን ክብሪ ዚህብንዩ። እቶም ብመሰረት መዝሙር ዝተሰርዑ ንባባት ሓድሽ ኪዳንን ምስባክን ድማ ዕንበባ-ጠቀስ ትሕዝቶ ዘለዎዩ። ናይ ዕለት ንባብ ቅዱስ ወንጌል እግዚኣብሄር ብኸመይ ንሳዕርን ኣትክልትን ብዕንባባ ኸዲኑ ኸም ዜማዕርጎም ዚገልጽ (ማቴ 628-30) እቲ ናይ 1ጴጥ 117-25 ንባብውን፡ ሰብ ከም ዕንበባ መሮር ረጋፍን ብዓል ሓጺር ዕምርን ምዃኑ ዚገልጽ (1ጴጥ 124,25) እቲ ናይ መዝ 10314,15 ምስባክውን፡ ዕድመ ሰብ ከም ሳዕርን ከም ዕንበባን ምዃኑ ዚገልጽዩ።

ናይ ዕለት ትምህርትና፡ ካብ ናይ 1ጴጥ፡17-25 ንባብ ዝተወሰደዩ። መሪሕ ጥቕስና ንሓቂ ኽንእዘዛ ምዒዱና ኣሎ። መብዛሕትኡ ጊዜ ግን፡ ንሓቂ ምእዛዝ ከም ተሪር ዓቐብ ኪኸብደና ዚረኣይ። ንሓቂ ንኸይንእዘዝ ዚዓጋተና ወይ ዚዕዝመና ኣካል ከም ዘሎ ዄንና ኽንነብር ንርከብ። ስለ ኸኣ ቅዱስ ጳውሎስ፡መን ዓገተኩም፡ መን ዓዘመኩም፧እናበለ ደጋጊሙ በዲሁና ኣሎ (ገላ 31 57,8) ቃል እግዚኣብሄር ሰሚዑ ንሓቂ ዘይእዘዝ ሰብን፡ ማይ ዝናም ሰትዩ ዘየብቍልን ዘይዕንብብ መሬትን ድማ ሓደ ስለ ዝዀኑ፡ ብዛዕባ ኣርእስቲ ብዕምቈት ክንመሃርን ኣካይዳና ኸነቕንዕን ግቡእናዩ።

ሓቂ እንታይዩ፧ እዚ ሕቶ ብሓደ ሓጥእ ሮማዊ መስፍን ንጐይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ዝቐረበ ኣገዳሲ ሕቶዩ። ጐይታና ብኣይሁድ ተታሒዙ ንፍርዲ ናብ ጲላጦስ ምስ ቀረበ፡ ጲላጦስ ነቲ ዝቐረበሉ ኽስሲ መሰረት ብምግባር፡ንስኻ ንጉስ ኣይሁድ ኢኻ፧ኢሉ ሓተቶ። ጐይታና ነቲ ሓታቲኡ በዳሂ ዝዀነ ሕቶ ድሕሪ ምሕታቱ ኸኣ፡ ከም ኢሉ መለሰሉ። መንግስተይ ካብ ዓለምዚኣ ኣይኰነትን። መንግስተይ ካብ ዓለምዚኣ እንተ ትኸውንሲ፡ ብኣይሁድ ከይተሓዝ ገላዎይ ምተዋግኡለይ ነይሮም። ሕጂ ግና መንግስተይ ካብ ዓለምዚኣ ኣይኰነትን። . . .ኣነ ንሓቂ ኽምስክር፡ ምእንቲ ተወለድኩ፡ ምእንቲውን ናብ ዓለም ዝመጻእኩ። ካብ ሓቂ ዝዀነ ዅሉ ኸኣ ድምጸይ ይሰምዕዩ።ዮሃ 1836,37

እቲ ነዚ ረቂቕ ምስጢር ዝሰምዐ፡ ብዘይካ ብሓሶት ዚሰርሕ ፖለቲካዊ መንግስቲ ኻልእ መንግስቲ ዘይፈልጥ ጲላጦስ ድማ፡ሓቂ እንታይዩ፧ኢሉ ሓተቶ። እንተ ዀነ እታ ሕቶ መልሲ ኸይረኸበት ተንጠልጢላ ተረፈት። ምኽንያቱ እቲ መልሲ፡ካብ ሓቂ ንዝዀነ ዅሉእምበር፡ ጥሙሕ (curiosity) ሒዝዎ ንዚሓትት ኵሉ ሰብ ኣይንገርንዩ። ነቶም ኻብ ሓቂ ዝዀኑ ደቀ መዛሙርቱ ግን ኣግሂዱ ነጊርዎምዩ፡ መገድን ሓቅን ህይወትን ኣነየ። ብዘይ ብኣይ ሓደ ናብ ኣቦ ዚመጽእ የልቦን።ዮሃ 146

ስለ ንክርስቶስ ከይፈለጠ ንሓቂ ኺፈልጣ ዚኽእል የልቦን ማለትዩ። እቲ ነቲ ሓቂ ዝዀነ ክርስቶስ ዝፈለጠ ግን፡ ነቲ ኣብኡ ዘሎ ዅሉ ኻልእ ሓቅታት ይፈልጦዩ። ካብኡ ሓሊፉውን እታ ሓቂውን ኣብኡ ማሕደራ ትገብር፡ ኣብኡ ትርከብ (1ዮሃ 18 24 2ዮሃ 2 3ዮሃ3) ክርስቶስ ጐይታናምበኣር ንባዕሉ ሓቂዩ። ወዲ ሰብ ኪፈልጦ ዚግባእ ኵሉ ሓቅታት ድማ ኣብኡ ይርከብ። ሃዋርያ ቅዱስ ዮሃንስ ኣብ ቐዳማይ መልእኽቱ፡

እቲ ወዲ ኣምላኽ ከም ዝመጸ፡ (ወልድ) ነቲ ሓቂ (ንእግዚአብሔር ኣቦ) ክንፈልጦ ኢሉ ምስትውዓል ከም ዝሃበና ንፈልጥ ኢና። ንሕና ኣብ ሓቂ ዝዀነ፡ ኣብ ኢየሱስ ክርስቶስ ወዱ ኢና ዘለና። (ኢየሱስ ክርስቶስ) እቲ ናይ ሓቂ ኣምላኽን ናይ ዘለኣለም ህይወትንዩ።” ብምባል፡ ጐይታና መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ እቲ ሓቂ ምዃኑ ኣብሪሁልና (1ዮሃ 520 .)ሓቀኛምባልንሓቂምባልን ኣዝዩ ዓብይ ፍልልይ ኣለዎ። ዝዀነ ሰብ፡ ሓቀኛምበር፡ ሓቂ ኪኸውን ኣይክእልንዩ። ምኽንያቱ ሓቂ ምዃን፡ መለኮታዊ ባህርይዩ። ክርስቶስ ከኣ ፍጹም ኣምላኽ ስለ ዝዀነዩ፡ ንርእሱሓቂኢሉ ዝሰመየ። ነዛ ምስጢርዚኣ ምእንቲ ኼፍልጦም ሓደ እዋን ንኣይሁድ፦

ንስኻትኩም ኣብ ቃለይ እንተ ጸናዕኩም፡ ብሓቂ ደቀ መዛሙርተይ ኢኹም፡ ንሓቂ ኽትፈልጥዋ ኢኹም፡ እታ ሓቂ ድማ ሓራ ኸተውጽኣኩምያ።” በሎም (ዮሃ 831,32) ንሳቶም ግና ነቲ ሃይለ-ቃል ናይ መልእኽቱ ኼስተውዕሉ ኣብ ክንዲ ዚፍትኑ፡ ምስ ንሱ ዚዛረበሉ ዘሎ ኣርእስቲ ናብ ዘይዛመድ (irrelevant) ሓሳብ ኣድሂቦም ብሓሶት ኪጀሃሩ ጀመሩ። ኣብ እዋን ብሮማውያን ዚግዝኡ ባሮት ነይሮም ክነሶም፡

ንሕና ዘርኢ ኣብርሃም ኢና፡ ባሮት ኴንና ንእተገዛእናዮ ከቶ የብልናን። ከመይ ኢልካ ኢኻሓራ ኽትወጹ ኢኹምትብለና ዘለኻ፧” ኢሎም ተመጻደቑሉ (ዮሃ 833) ንሱ ግና መንግስቱ ኣብ ዓለምዚኣን ካብ ዓለምዚኣን ስለ ዘይኰነት፡ ብዛዕባ ፖለቲካዊ መግዛእቲ ዘይኰነስ ብዛዕባ መንፈሳዊ መግዛእቲ (ባርነት ሓጢኣት)’ ዚዛረብ ዝነበረ (ዮሃ 834-44) ነዚ ናይ ጐይታ ኣበሃህላ ኪርድኦን ኪቕበሎን ዚኽእል፡ እቲ ኻብ ሓቂ ዝዀነ ሰብ ጥራሕዩ። ካብ ናቱ ኣበሃህላ ኸም እንርድኦምበኣር፡ እቲ ሓራ ዜውጽእ ሓቂ፡ ንሱ ባዕሉዩ። ስለ ኸኣ፦ ወልድ ሓራ እንተ ኣውጽኣኩም፡ ብሓቂ ውጹኣት ሓራ ኽትኰኑ ኢኹም።” በሎም (ዮሃ 836)

ሓቂ፡ ሓራ ኸም ዘውጽኣትና ብኸመይ ኢና እንፈልጥ፧ እቲ ቐዳማይ መረጋገጺ፡ ፍቕሪ ሓቂ ኣብ ልብና ዚዓዝዝ ምዃኑዩ። ብባህርይና ደድሕሪ እነፍቅሮምበር፡ ደድሕሪ እንጸልኦን ዘይነፍቅሮን ክንስዕብ ኣይኰነልናንዩ። ስለ ንሓቂ ኽንስዕባን ክንእዘዛን እንተ ዄንና፡ ናይ ግድን ከነፍቅራ ይግብኣና። ኣብ ውሽጥና ፍቕሪ ሓቂ እንተ ዘይብልና፡ ነታ ሓቂ ኽንቅበላ ንጽገም። እታ ሓቂ ኣባና እንተ ዘየልያ ድማ፡ ካብ ሓጢኣትን ሳዕቤናቱ ሓራ ኽንከውንን ክንድሕንን ኣይንኽእልን ኢና። ፍቕሪ ሓቂ እንተ ዘይብልና ፍቕሪ-ሓሶት ዘሎና ማለትዩ። እግዚአብሔር ከኣ ነቲ ንሓቂ ዘሎና ጽልእን ንሓሶት ዘሎና ፍቕርን ምስ ተገንዘበ፡ ንፍቓድ ናይቶም ናይ ሓሶትን ስሕተትን መናፍስቲ ኣሕሊፉ ይህበናሞ፡ ንዘለኣለም ደቂ ጥፍኣት ኴንና ንነብር። ሃዋርያ ቅዱስ ጳውሎስ፡ ነዚ ሓቂ ብኸም ዚስዕብ ገሊጽዎ ይርከብ።

እቶም ዚጠፍኡስ፡ ንምድሓኖም ዚኸውን ፍቕሪ ሓቂ ስለ ዘይተቐበሉ፡ ንኣታቶም ናይ (ስሕተት) ኣመጻጽኣ ብዅሉ ጥበራ ዓመጻ፡ ብዅሉ ሓይልን ትእምርትን ተኣምራት ሓሶትን ብሓይሊ ሰይጣን ዚኸውን። ስለ ኸኣ እቶም ብዓመጻ (ብሓሶት) ባህ ዚብሎምምበር፡ ንሓቂ ዘይኣምኑ ዅሎም ምእንቲ ኺፍረዱ፡ ኣምላኽ ነቲ ሓሶት ክሳዕ ዚኣምኑ ብርቱዕ ስሕተት ይሰድደሎም።” 2ተሰ 29-12

ድሕሪ ሕጂ ንሕና በቲ ኻብ ብምጥባር ሰብን ንምፍሓስ ስሕተት ዚኸውን ተንኰልን ዚመጽእ ናይ ትምህርቲ ዅሉ ንፋስ ንየው ነጀው እንድፋእን እንኽብከብን ቈልዑ ምእንቲ ኸይንኸውንሲ፡ ብፍቕሪ ንሓቂ እናሰዓብና፡ ናብ ርእሲ ዝዀነ ክርስቶስ ንዕበይ።”  ኤፌ 414,15

ስለ ሓቂ ሓራ ኸም ዘውጽኣትና ቐዳማይ ምልክትና ኣብ ልብና ንሓቂ ዘሎና ፍቕሪ ምዕዛዙዩ። ነዚ ፍቕሪ ምስ ረኣየ ድማ ጐይታና፡ ካብ ኣብኡ ዘሎ መዝገብ ጥበብን ፍልጠትን እናውሓዘ ነታ ሓቂ መመሊሱ ይገልጸልና፡ ብኸም ድማ ብፍልጠት-ሓቂ ናብ ምልኣት የዕብየና።

ፍቕሪ ሓቂ ኣብ ውሽጥና ኸምዘሎ እንፈልጥ ድማ፡ እግዚአብሔር ሓቁ ኺገልጸልና፡ ብሓቂ ኽንመላለስ ኪረድኣና ብኣጽንዖት ብምጽላይዩ። ቅዱስ ዳዊት በዚ ተግባር ዓብይ ኣርኣያናዩ።

ንስኻ ኣምላኽ ምድሓነይ ኢኻሞ፡ ብሓቅኻ ምርሓንን ኣስተምህረንን። ኵሉ መዓልቲ እጽበየካለኹ። . . .ጐይታየ፡ ንስኻ ምሕረትካ ኣይትኽልኣኒ፡ ሳህልኻን ሓቅኻን ኣዘውቲረን ይሓልዋኒ። . . .ብርሃንካን ሓቅኻን ልኣኽ፡ ንሳተን ይምርሓኒ፡ ናብ ቅድስቲ ኸረንካን ናብ ማሕደራትን የብጽሓኒ። . . . እግዚአብሔር፡ ብሓቅኻ ምእንቲ ኽመላለስ፡ መገድኻ ምሃረኒ፡ ንስምካ ኽፈርህሲ፡ ንልበይ ኣዳልዎ።መዝ 255 4011 433 8611

ንድሕሪት ምልስ ኢልና ጸሎታትና ንመርምር!! ንምዃኑ ኸም ኣቦና ዳዊት ዝጸለዮ ጌርና፡ ብዛዕባ ሓቂ ናብ ኣምላኽ ሓንቲ መዓልቲ ጸሊና ንፈልጥዶ፧ እቲ ዘይምጽላይና ኽንዲ ፍረ ኣድሪ እትኸውን ናይ ሓቂ ፍቕሪ ኸም ዘይብልና ዜቃልዓናዶ ኣይኰነን፧ እቲ መለኮታዊ ሕጊ ድማ፦ ዝለመነ ዅሉ ይቕበልዩ፡ ዝደለየ ድማ ይረክብ፡ ማዕጾ ዃሕኳሕ ንዘበለውን ይኽፈተሉሞ፡ ለምኑ ይወሃበኩም፡ ድለዩ ትረኽቡ፡ ማዕጾ ዃሕኳሕ ኣብሉ ይኽፈተልኩም።” እዩ ዚብል (ማቴ 77,8) ንሕና ግና፡ ይትረፍ ኣዘውቲርና ኽንልምን፡ ከም ዜድልየና ብመሰረቱ ኣይተረድኣናን  ዘሎ። እዚ ኸኣ ፍቕሪ-ሓቂ ኸም ዘይብልና ውሁብ መርትዖዩ። ስለ እግዚአብሔር ፍልጠት-ሓቂ ኺገልጸልና ብኣጽንዖት ብምጽላይ፡ ነቲ ንሓቂ ዘሎና ፍቕሪ ነግህዶ።

እቲ ንሓቂ ኣምላኽ ዘሎና ፍቕሪ እንገልጸሉ ኻልኣይ መገዲ ድማ፡ ነቲ ቓል-ሓቂ ኽንፈልጦን ክንርድኦን ዘሎና ጻዕሪዩ። ነቲ ቓል-ሓቂ ቝሊሕ ኢሉ ዘይርእዮን ዘየጽንዖን፡ ብዛዕባኡ ኺሰምዕን ኪመሃርን ዘይደልይ ሰብ፡ ፈጺሙ ፍቕሪ ሓቂ ኸም ዘይብሉ ርዱእዩ። እቲ ፍቕሩ ዘለዎ ግና ነቲ ቓል-ሓቂ ለይትን መዓልትን ዚምርምሮ። ቅዱስ ዳዊት፦ ንቓልካ እጽበዮለኹ፡ . . .ብናፍቖት ቃልካ ኣዒንተይ ሓመቓ፡  . . .ንቓልካ ኸስተንትንሲ፡ ኣዒንተይ ነቶም ናይ ለይቲ ሓለውቲ ቐዳማኦም። ኣብ ሕግኻ ተኣምራት ክርእስ፡ ኣዒንተይ ክፈተለይ።  . . . ነቲ ናብ ፍርሃትካ ዚመርሕ ቃልካ ኣብ ባርያኻ ኣጽንዓዮ። ......ካብ ኣእላፋት ወርቅን ብሩርንሲ ሕጊ-ኣፍካ ይሕሸኒ።” ብምባል ነቲ ቓል ሓቂ ዝነበሮ ፍቕሪ ይገልጽ ነበረ (መዝ 11918,38,72,81,82,148) ስለ ልክዕ ከም ሰብ ቤርያ ንቓል እግዚአብሔር ኣዚና ብዕምቈት ከነጽንዖ ዚግባእ (ግብ 1711) ኣብ ቤተ ክርስትያን ኪስበኽ ከሎ እንተ ዘይኰይኑ፡ ተመሊስና ዘይንዝክሮ፡ ነቲ መጽሓፍ ቅዱስናውን ብኢድና ሒዝና ዘይነንብቦ እንተ ዄንና ፍቕሪ ሓቂ ኸም ዘይብልና ዓብዪ መረጋገጺዩ። ስለ ዅሉ ህይወትናን ናብራናን ብሓሶት እንተ ተመልአ ዜገርም ኣይኰነን።

ሓቂ ሓራ ኸም ዘውጽኣትና ኻልኣይ መረጋገጺና ድማ፡ በቲ ዝተገልጸልናን ዝፈለጥናዮን ሓቂ ንመላለስ (ንነብረሉ) ምዃንናዩ። ንሓቂ ፈሊጥካዮ ኸተብቅዕ፡ እንተ ዘይነበርካሉ እንታይ ዋጋለዎ፧ ንሓቂ ዚገብርዋን ዚነብርዋን እቶም ዜፍቅርዋ ጥራሕዮም። ቅዱስ ዳዊት፦ ሳህልኻ ኣብ ቅድሚ ኣዒንተይሞ፡ ብሓቅኻ እመላለስ ኣለኹ። . . ምስ ሓሰውቲ ሰባት ኣይተቐመጥኩን፡ ምስ ኣምሰሉታትውን ኣይከድኩን።” ብምባል፡ ነቲ ፍቕሩ ብግብሪ ዝገለጸ ሰብ ነበረ (መዝ 263,4) ሃዋርያ ቅዱስ ዮሃንስ፡ ብዛዕባቶም ብሓቂ ኸም ዚመላለሱ ዝፈለጦም ናይ መንፈስ ደቁ፡ ብሓጐስን ብሓበንን ከም ዚስዕብ ጽሒፉሎ።

ሓያሎ ኻብ ደቅኺ ኸም ኻብ ኣቦ እተቐበልናዮ ትእዛዝ ኰይኖም፡ ብሓቂ ዚመላለሱ ስለ ዝረኸብኩ፡ ብዙሕ እሕጐስ ኣለኹ። . . .ንስኻ በታ ሓቂ ትመላለስ ከም ዘለኻ፡ ኣሕዋት መጺኦም ስለ ኣባኻ ዘላ ሓቂ ብምምስካሮም ብዙሕ ተሓጐስኩ። ኣነ እቶም ደቀይ ብሓቂ ኸም ዚመላለሱ ኻብ ምስማዕ ዚዓብይ ሓጐስ የብለይን።” 2ዮሃ 4 3ዮሃ 34

ነታ ሓቂ ብኸመይ ኢና ኽንነብራን ክንመላለሰላን እንኽእል፧ ንሓቂ ኣብ ክልተ ኸፊልና ኽንርእያ ንኽእል ኢና። እቲ ቐዳማይ፡ ነቲ እግዚአብሔር ብዛዕባ ርእሱን ብዛዕባናን ዝገለጾ ሓቅታት ተረዲእና፡ ተቐቢልና፡ ኣሚንና ኽንትግብሮን ክንነብረሉን ከለናዩ። ንኣብነት፡ ጐይታና ብዛዕባ መንነቱ ዀነ ብዛዕባ ተልእኾኡ ዝገለጾ ብዙሕ ሓቅታት ኣሎ። ብርሃን ዓለም፡ እንጌራ ህይወት፡ ትንሳኤን ህይወትን፡ ብስጋ ዝተገልጸ ኣምላኽ (ስግው ቃል) ወዘተ ምዃኑ ገሊጹ ኣሎ። ብዛዕባ ተልእኾኡ ድማ፡ መድሓኒ፡ ንጉስ፡ ፈራዲ፡ ጓሳ ወዘተ ምዃኑውን ምሂሩናሎ። ብዛዕባ ንሕና ኽንካፈሎ ዘለና ምስጢራትን፡ ክንፍጽሞ ዚግብኣና መንፈሳዊ ስነ-ምግባራትውን ባዕሉ ዀነ ብቕዱሳን ሃዋርያቱ ሰፊሕ ትምህርቲ ሓዲጉልናሎ። ብሓቂ ንመላለስን ንነብርን ከም ዘለና ኽንእመን እንኽእል፡ ነዚ ዅሉ ኸም ዚግባእ ፈሊጥናዮስ ክንኣምነሉን ከነተግብሮን ከለናዩ። ብዛዕባ ሓጢኣቱ ፈጺሙ ተነሲሑ ዘይፈልጥ ሰብ ነቲ ጐይታ ብዛዕባ ምስጢረ ንስሓ ዘስተምሃሮ ሓቂ ኸም ዚኣምኖ እንተ ተዛረበ፡ ኣሽካዕላልምበር ከም ተኣምኖ (Confession) ኪቝጸረሉ ኣይክእልንዩ። ዘይጽልይ፡ ዘይምጽውት ወዘተ ሰብ ኣብ ሓቂ ኸም ዘሎ ኺሓስብውን ኣይግብኦንዩ። ስለ ነቲ ጐይታ ኽንፈልጦ፡ ክንኣምኖ ዀነ ኽንትግብሮ ኢሉ ዝገለጸልናን ዝኣዘዘናን ኵሉ ሓቅታት ክንእዘዞን ክንነብረሉን ዝለዓለ መንፈሳዊ ሓላፍነትናዩ።

ካብ ሓቂ ምዃንና፡ ንሓቂ ኸም እነፍቅር እንገልጸሉ ኻልኣይ መገዲ ድማ፡ ኵሉ ጊዜ ሓቂ ብምዝራብዩ። ኣብ ማሕበራዊ ህይወትና ምስ ሰባት ክንዋሳእ ከለና ዜጋጥሙ፡ ማእለያ ዘይብሎም ፍጻሜታት ኣለዉ። እቲ ሓቂ እትርገጸሉ ሓሶት ከኣ እትነግሰሉ ዝሰፍሐ መድረኽ ድማ ኣብ ማሕበራዊ ምውሳእዩ። ዘይገበርካዮ ገይረ ምባል፡ ዘይተዛረብካዮ ተዛሪበ ምባል፡ ዝገበርካዮን ዝተዛረብካዮን ከም ዘይወዓልካዮ ጌርካ ምኽሓድ፡ ብውሽጥኻ ዚስምዓካ ኻልእ ብደጌኻ እትብሎን እትገብሮን ድማ ብኣንጻሩ ምዃን፡ እቲ ዝለዓለ ኣዚና ዝዋሕለልናሉ እኩይ ተመክሮናዩ። ነዚ ኸም ዝበለ ሓሶት ብልዑል ተምሳጥ እንገብሮ ምዃንና ድማ፡ እቲ ንሓሶት ዘሎና ዕዙዝ ፍቕሪ ዜመልክትዩ። እቲ ኣዝዩ ዜሕዝን ከኣ ከም ዝበለጸ ሜላን ጥበብን ጌርና እንጥቀመሉ ምዃንናዩ። እቲ ሓሶትና ኣብ ሰማዒኡ ኣስሊጡዶ ኣየስለጠን ዜገድሰናምበር፡ እቲ ኣምላኽ-ሓቂ ብዛዕባ ሓሶትና እንታይ ከም ዝተሰምዖን እንታይ ከም ዚፈርድንውን ፈጺሙ ኣየገድሰናንዩ። ናይ ተግባርና ጭቡጥ መትርዖ ድማ፡ ብዛዕባ ኽንዛረቦን ክንገብሮን ዝወዓልና ሓሶት ፈጺምና ዘይንንሳሕ ምዃንናዩ። ይትረፍ ክሳዕ ምንሳሕ ክንበጽሕ፡ ዋላ ንእሽቶ ወቐሳ ሕልና፡ ጣዕሳ ዀነ ሕንከት ዘይስምዓና ምዃኑ፡ ናይ መን ወገን ምዃንና፡ ማለት ናይ ሓቅን ብዓል ሓቅን ጐይታዶ ናይ ኣቦ ሓሶት ድያብሎስ፡ ብንጹር ዜርእየናዩ። ቅዱስ ዳዊት ገሊጹልና ኸም ዘሎ፡ ገጽ እግዚአብሔር ዚርእይ፡ እቲ ብልቡ ሓቂ ዚዛረብ ሰብ ጥራሕዩ። (መዝ 151,2) ነቲ እንዛረቦ ሓሶት፡ ብፍርሃት፡ ብሕፍረት፡ ብረብሓ፡ ዝና ብምድላይ ወዘተ ተደሪኽና ተዛሪብናዮ ኽንከውን ንኽእል ኢና። ሓሶት ንምዝራብን ወገን ሰይጣን ንምዃንን ግን ዝዀነ ይኹን ምኽንያት ብቑዕ ኪኸውን ኣይክእልንዩ። ቃል እግዚአብሔር፦ ስለ ኸኣ ንሓሶት ንየው በልዎ፡ ኣካል ሓድሕድ ኢናሞ፡ ነፍሲ ወከፍ ምስ ብጻዩ ሓቂ ተዛረቡ።

ንስኻትኩም፡ ነቲ ኣረጊት ሰብ ምስ ግብሩ ቐንጢጥኩም፡ ከም ምስሊ ዝፈጠሮ (ኣምላኽ) ጌርኩም፡ ነቲ ንፍልጠት ዚሕደስ ሓድሽ ሰብ ዝለበስኩም፡ ንሓድሕድኩም ኣይትተሓሳሰዉ።” ኢሉ ዚእዝዘና (ኤፌ 425 ቈሎ 39,10) ስለ ናይ ብሓቂ ንሓቂ እንእዘዝ ክርስትያን ህዝቢ እንተ ዄንና፡ ንሓሶት ካብ ልብናን ካብ ኣፍናን ከነርሕቖ ይግብኣና። ምኽንያቱ ነቶም ዚሕስዉ፡ ግዲኦም ንዘለኣለም ኣብ ቐላይ ሓውን ዲንን ምንባርዩ።

እቶም ኣኽላባትን ጠንቈልትን ኣመንዝራታትን ቀተልትን መምለኽቲ ጣኦትን ንሓሶት ዚፈትውዎን ዚገብርዎን ዘበሉ ዅሎም ግና፡ ኣብ ወጻኢዮም። . . .እቶም ፈራሃትን ዘይኣምኑን ፍንፉናትን ቀተልቲ ነፍስን ኣመናዝርን ጠንቈልትን መምለኽቲ ጣኦትን ብዘለዉ ሓሰውትን ግና፡ ግዲኦም ኣብ ብሓውን ዲንን ዚነድድ ቀላይዩ። እዚ እቲ ኻልኣይ ሞትዩ።ራእ 2215 218

ስለ ኢና ንሓቂ ኸይንእዘዛ ንዚዓግተና ዅሉ ብጽንዓት ክንዋግኦ ዚግብኣና። ንኸም ዝበለ ጥፍኣት ኣሕሊፉ ንዚህበና ሓሶት እነፍቅረሉ እንታይ ምኽንያት ኣሎና፧ በዚ ናይ ሓሶት ጥበብ ስለ ዝዓበና፡ ብቐሊሉ ኽንሓድጎ ኼሸግረና ይኽእልዩ። ከም ኣቦና እዮብ፦ እስትንፋሰይ ኣብ ውሽጠይ፡ መንፈስ ኣምላኽውን ኣብ ኣፍንጫይ ክሳዕ ዘሎ፡ ከናፍረይ ከቶ ሕሰም ኣይኪዛረባን፡ ልሳነይውን ሓሶት ኣይከተውስእንያ። . . . ክሳዕ (ዕለተ) ሞተይ ካብ ብዘይ ጕድለት ምዃነይ ኣየግልስን። ንጽድቀይ ኣጽኒዐ እሕዞ፡ ከቶ ኣይሰድዶን። ካብተን መዓልትታተይ ልበይ ስለ ሓንቲ ኣይትነቕፈንን።” ኢልና እንተ ወሲንና፡ ኣመንጊጉ ሓሶት ኬዛርበና ዚኽእል የልቦን (እዮ 273-6) ምኽንያቱ፡ቍጥዓ ኣምላኽ ካብ ሰማይ ኣብ ረሲእነትን ዓመጻ ዘበለ ዅሉን ነቲ ሓቂ ብዓመጻ ኣብ ዚኸድንዎ ሰባት ይግለጽዩ፡” (ሮሜ 118) እታ ንሓቂ እትኸድንን እትረግጽን ዝኸፍኣት ግብሪ-ዓመጻ ኸኣ ሓሶትያ። ስለዚ፡ ብዅለንተናና ንሓቂ እንእዘዝን እነንግስን ሰባት ምዃንና ኸነረጋግጽ ይግብኣና። ነቲ ብክርስቶስን ብቕዱሳን ነብያቱን ሃዋርያቱን ዝተገልጸልና ዅሉ ሓቂ ኽንእዘዞ፡ ኣብ ኵሉ ማሕበራዊ ህይወትና ድማ ሓቂ ኽንገብርን ክንዛረብን እንተ መረጽና፡ እቲ ናይ ሓቂ ኽብሪ፡ ናትና ዓስብን ክብረትን ኪኸውንሞ፡ ነታ ሓቂ መዓይይታምበር፡ መጻርርታ ንዘይምዃን ወትርግ ንጠንቀቕ!! (2ቈረ 138 3ዮሃ 8)

ጸጋ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስን ፍቕሪ ኣምላኽን ሕብረት መንፈስ ቅዱስን ምስ ኩላትና ይኹን።

ኦርቶዶክሳዊት ተዋህዶ ቤተ ክርስቲያን ኤርትራ - መንበረ ጵጵስና ሰሜን ኣሜርካ

13 ጥቅምቲ/ 2024 | ጥቅምቲ 3, 2016 ግዕዝ (5ይ ሰንበት: ቊ.፭/5)

ምስባክ

መዝ ፻፪(፻፫)፡፲፬-፲፭ 

“ተዘከር እግዚኦ ከመ መሬት ንሕነ። ሰብእሰ ከመ ሣዕር መዋዕሊሁ። ወከመ ጽጌ ገዳም ከማሁ ይፈሪ።”

“ፍጥረትና ይፈልጥ’ዩ’ሞ፡ ሓመድ ምዃንና ይዝክር’ዩ። ሰብሲ መዓልትታቱ ኸም ሳዕሪ’ዩ፡ ከም ዕምባባ መሮር ይዕምብብ።”

ንባባት

ኣንባቢ

 ኤፌ 6፡1-9

ዲያቆን

1ጴጥ 1፡17-ፍጻመ

ንፍቅ ዲያቆን

ግብ 17፡23-ፍጻመ

ንፍቅ ካህን

ማቴ 6፡19-ፍጻመ

ሰራዒ ካህን

ቅዳሴ ፦ዘእግዝእትነ ማርያም መዝሙር፦ ኪነ ጥበቡ መንክር ወዕፁብ

   

 

Diocese



 



 


ካብ ውሽጢ ኤርትራ ዝተረኽበ ንቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ንምቁጽጻር ብመንግስቲ ኤርትራ ክካየድ ዝጸንሐን ዘሎን ሽርሒ ዘቃልዕ ቪድዮ 



Support Tewahdo TV

Gofundme


Support Diocese

PayPal


ድኳን መጻሕፍቲ/Book Store


ጋዜጣ ፍኖተ ብርሃን፡ ልሣን

 ቤተ ክርስቲያን ተዋሕዶ


ስብከተ ወንጌል


ራድዮ ቃለ ኣዋዲ


መጻሕፍቲ - Books 


ጾምን በዓላትን


Diocese Churches

 

Radio Tewahdo

 Video - Youtube

TV Tewahdo

A Message from H.G. bishop Mekarios

መጸናንዒ ቃል ብብጹእ ኣቡነ መቃርዮስ

ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ብኸመይ

</div