“ንስኻትኩምሲ ናብ እምባ ጽዮንን፡ ናብ’ታ ኸተማ ህያው ኣምላኽ ዝዀነት ሰማያዊት ኢየሩሳሌም፡ ናብ’ቶም ብሓጐስ ዝተጋብኡ ኣእላፋት ዝዀኑ መላእኽትን፡ ናብ’ታ በቶም ኣብ ሰማያት ስሞም ዝተጻሕፈ በዅሪ ብዝዀኑ (ሰባት) ዝቘመት ቤተ ክርስትያን፡ ናብ’ቲ ንዅሉ ዚፈርድ ኣምላኽን፡ ናብ ነፍሳት ናይ’ቶም ፍጹማን ዝዀኑ ጻድቃንን፡ ናብ’ቲ ናይ ሓድሽ ኪዳን መንጎኛ ዝዀነ ኢየሱስን፡ ናብ’ቲ ኻብ ደም ኣቤል ብዝበለጸ ዚዛረብ ምንጻግ ደምን በጺሕኩም ኣለኹም።” እብ 12፡22-24 ካ.ት
ብረድኤት ኣምላኽ፡ እንሆ ናብ ካልኣይ ሰንበት ናይ’ዚ ፈሊምናዮ ዘለና ዘመነ ጾም (ጾመ ነብያት) በጺሕና ኣለና። ከም ስርዓት ቅድስቲ ቤተ ክርስትያንና ብኣቈጻጽራ ግእዝ፡ ካብ ሕዳር 20 ክሳዕ ሕዳር 26 ዘሎ ቕንያት፡ “ምኵራብ” ተባሂሉ ይጽዋዕ። ኣብ ሓደ ዓመተ ግእዝ፡ ክልተ ናይ ምኵራብ ቅንያት’የን ዘለዋና። እታ ቐዳመይቲ እዛ ዘለናያ ናይ ጾመ ነብያት ካልኣይቲ ሰንበት ክትከውን ከላ፡ እታ ኻልኣይቲ ድማ ኣብ ዓብይ ጾም (ጾመርብዓ) ሳልሰይቲ ሰንበት’ያ። “ምኵራብ” ማለት ናይ ኣይሁድ ቤት ጸሎት ማለት’ዩ። እዚ ቕንያት’ዚ “ምኵራብ” ዝተባህለሉ ምኽንያት፡ ነቲ ጐይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ናብ ኣብያተ ጸሎት ኣይሁድ እናኸደ ዜስተምህሮን ተኣምራታዊ ፈውስታት ዚፍጽመሉ ዝነበረን ኣገልግሎቱ ንምዝካር’ዩ። ናይ’ዚ ዕለት’ዚ መዝሙር ቅዱስ ያሬድ፡ “ኣምላክ ፍጹም በህላዌሁ” ዘርእስቱ ዀይኑ፡ እግዚአብሔር ኣብ ኵሉ ዚርከብ፡ ብህላዌኡ ንዅሉ ቦታ ዚመልእ ምዃኑ ዚእመን መዝሙር’ዩ። እግዚአብሔር ዘይርከበሉን ዘይብሉን ቦታ ኸም ዘየልቦ ቅዱሳት ጽሑፋት ደጋጊሞም ዝገለጹልና ሓቂ’ዩ (መዝ 139፡1-12)። እቲ በዚ መዝሙር’ዚ ዝተሰርዐ ንባብ ቅዱስ ወንጌል፡ ጐይታና ኣብ ልዕሊ ባሕርን ማዕበላትን፡ ከምኡ’ውን ኣብ ልዕሊ ኣጋንንቲ ዘርኣዮ መለኮታዊ ስልጣን ዚገልጽ’ዩ። ሊቀ መዘመራን ኤታን፡”ንትዕቢት ባሕሪ ንስኻ ትገዝኦ፡ ማዕበላቱ እንተ ተንስአ ንስኻ ተህድኦ” ብምባል እግዚአብሔር ኣብ ልዕሊ ፍጥረቱ፡ ኣብ ባሕርን ምድርን ዘለዎ ምልክን ስልጣንን ገሊጽዎ ኣሎ (መዝ 89፡9)።
ኣብ’ቲ ናይ’ዚ ዕለት’ዚ ናይ ቅዱስ ጳውሎስ ንባብ፡ ናይ’ዚ ዕለት’ዚ ኣርእስትና ዝሓዞ ዓብዪ ምስጢር ተገሊጹልና ኣሎ። ነዚ ረቂቕ ምስጢር’ዚ ዝገለጸሉ ኸኣ፡ እግዚአብሔር መንፈስ ቅዱስ’ዩ። ነዚ ምስጢር’ዚ ኪርድኦን ንእኡ መሰረት ገይሩ ህይወቱ ኪመርሕ ዚኽእልን ከኣ፡ እቲ ብምስጢረ ሜሮን ንዝተቐበሎ መንፈስ ቅዱስ ዝዓቀቦን ዚእዘዞን ክርስትያን ጥራሕ’ዩ። ከም’ቲ ጐይታና ናብ ኣባይቲ ጸሎት እናኣተወ ዘስተምሃረ፡ ንሕና ኸኣ ናብ ኣብያተ ክርስትያንና መጺእና ንመሃር ኣለና። እዚ እንቐስሞ ትምህርቲ ድማ፡ ነቲ ንህይወትና ዜናውጽ ኣጋንንታዊ ናይ ሓጢኣት ማዕበላት ከነህድኦን ክንገዝኦን ዚድግፈና’ዩ።
ንምንታይ’ዩ ቅዱስ ጳውሎስ፡ ገና ኣብ ምድሪ ብህወት ይነብሩ ንዘለዉ ተገልገልቱ፡ “ናብ ሰማይ በጺሕኩም ኣለኹም” ዚብሎም፧ ብዘይ ቃልዓለም ብቐሊሉ ኺርድኣካ ዚኽእል ሓሳብ ኣይመስልን’ዩ። ግን ከኣ ጐይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ብመንፈስ ቅዱስ ዝገለጾ ሃዋርያዊ ምስጢር’ዩ። ነዚ ምስጢር’ዚ ዘይምፍላጥና፡ ፈሊጥናዮ’ውን ብእኡ ስለ ዘይተመራሕና፡ ኣብ ህይወትና ብዝሒ ሓጢኣትን መንፈሳዊ ድኻምን ይረኣየና ኣሎ። ንኽንርድኦ ዀነ ንኽንትግብሮ፡ ብልዑል ተገዳስነትን ብዓሚቝ ተመስጦን ክንከታተሎ፡ እግዚአብሔር መንፈስ ቅዱስ ድማ ነእምሮና ኪኸፍቶን፡ ንምስትውዓልና ኼስፍሖን ክንጽልይን ይግብኣና። እዚ መልእኽቲ ነቶም ብክርስቶስ ዝኣመኑ እብራውያን (እስራኤላውያን) ዝተጻሕፈ’ዩ። እንተ ዀነ ብምኽንያት እምነቶም ኣዝዩ ኸቢድ መከራ ዚቕበሉ ዝነበሩ’ዮም። እቲ መከራ እምብዛ ኻብ ምኽባዱ ዝተላዕለ ድማ፡ ምጻር ስኢኖምዎ ንድሕሪት ናይ ምምላስ ሓደጋ ኣንጸላልይዎም ነበረ። እዚ ንድሕሪት ናይ ምምላስ ምርጫ’ዚ ማዕረ ኽንደይ ሓደገኛ ኸም ዝዀነ ምእንቲ ኼፍልጦም ድማ፡ ነዚ ሰፊሕ መልእኽቲ’ዚ ኺጽሕፈሎም ተደረኸ። እቲ ንድሕሪት ምምላስ፡ ናይ ሃይማኖት ለውጢ ናይ ምግባር ጕዳይ ጥራይ ከም ዘይኰነ ኺርድኡ ነበሮም። ክብደት ናይ’ቲ ኺወስድዎ ዚደልዩ ዘለዉ ሕማቕ ስጕምቲ ኺርድኦም እንተ ዀይኑ፡ ብእምነቶም በጺሖምዎ ዝነበሩ መንፈሳዊ ደረጃ ጽቡቕ ገይሮም ኪፈልጥዎ የድልዮም ስለ ዝነበረ፡ ነዚ ምስጢር’ዚ ኺጽሕፈሎም ወሰነ።
ስለ’ዚ ኸኣ ናብ ሰማይ በጺሖም ከም ዘለዉን፡ ኣብ’ቲ ዝበጽሕዎ ሰማይ ድማ ብዓል መን ከም ዘለዉ ዘርዘረሎም። ነቲ ዘለውዎ ቦታ ብኽልተ ሓረጋት ገሊጽዎ ኣሎ። እቲ ቐዳማይ መግለጺ “እምባጽዮን” ወይ “ከረን ጽዮን” ኢሉ ዝሰመዮ’ዩ። በቲ ኻልኣይ መግለጺኡ ድማ፡ “ሰማያዊት ኢየሩሳሌም” ዚብል’ዩ። “ከረን” ናይ ትግርኛ ቓል ኰይኑ፡ “እምባ ወይ ጐቦ” ማለት’ዩ። ስለ’ዚ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ “ከረን” ዚብል ቃል ከንብብ ከለና፡ ትርጕሙ ኽንፈልጦን፡ ከነዘውትሮን ጽቡቕ’ዩ። ናይ “ከረን” ብዙሕ (ድርብ) ቃል ድማ፡ “ኣኽራን” ይኸውን። ኣብ ሃገረ እስራኤል ኣብ ኣውራጃ ይሁዳ “ከረን ጽዮን” ዚበሃል ቦታ ኣሎ። “ኢየሩሳሌም” ‘ትበሃል ከተማ’ውን ኣላ። እዛ ኸተማን እዚ ኸረንን’ዚ ድማ እታ ናይ ኣምላኽ ቤት መቕደስ ተሃኒጻትሉ ዝነበረት ቦታ’ዩ። እቶም ዚጽሕፈሎም ዝነበረ ሰባት እብራውያን ስለ ዝዀኑን፡ ንከረን ጽዮንን ንከተማ ኢየሩሳሌምን ነቲ ኣብኣ ዘሎ መቕደስን ዜፍቅሩ ሰባት ስለ ዝነበሩ፡ ነቲ ሰማያዊ ናይ ህላወኦም ቦታ’ውን ብእኡ ሰመየሎም። ብዛዕባ ምድሪ ይዛረብ ከም ዘየሎ ምእንቲ ኺበርሃሎም ግና “ሰማያዊት” ኢየሩሳሌም ከተማ ናይ’ቲ ህያው ኣምላኽ” ብምባል ኣነጸረሎም። ብድሕሪኡ ድማ ኣባላት ወይ ነበርቲ ናይ’ዛ ሰማያዊት ከተማ ብዓል መን ምዃኖም ብምብራህ፡ ዕብየት ናይ’ቲ ተዋሂብዎምን በጺሖምዎን ዘለዉ መንፈሳዊ ቦታን ደረጃን ገለጸሎም። ብመሰረት መሪሕ ጥቕስና፡ ኣብ ሰማያዊት ኢየሩሳሌም ዘለዉ ኣካላት፡ ነዞም ዚስዕቡ የጠቓልል።
1. ብሓጐስ ዝተጋብኡ ኣእላፋት መላእኽቲ
2. ብበዅራት ዝቘመት ቤተ ክርስትያን
3. እቲ ንዅሉ ዚፈርድ ኣምላኽ
4. ፍጽማት ዝዀኑ ጻድቃን
5. መንጎኛ ሓድሽ ኪዳን ዝዀነ ኢየሱስ
6. ዚዛረብ ደም ክርስቶስ
ስለ’ዚ እዞም ሰባት በዚ ጊዝያውን ሓላፍን መከራ ሰኪሖም፡ ካብ እምነቶም ንድሕሪት እንተ ተመልሱ፡ ካብ’ዚ ልዑልን ክቡርን ቦታ’ዚ ይወድቁ ኸም ዘለዉ ኼርእዮም ተጋደለ። ኣቐዲሙ ኣብ ምዕራፍ ዓሰርተ ነቲ ዝረኸብዎ መከራ ዘርዚሩ ድሕሪ ምግላጹ፡
“እምበኣርሲ፡ ነቲ ብዙሕ ዓስቢ ዘለዎ ትብዓትኩም ኣይትደርብይዎ። ፍቓድ ኣምላኽ እናገበርኩም፡ ነታ ተስፋ ምእንቲ ኽትረኽብዋ፡ ትዕግስቲ የድልየኩም’ዩ። ማለት፡ ገና ኣዝዩ ቝሩብ ዘመን’ዩ፡ እቲ ዚመጽእ ኪመጽእ’ዩ፡ ኣይኪድንጕን ከኣ’ዩ። ጻድቕ ግና ብእምነት’ዩ ዚነብር፡ ንድሕሪት እንተ ተመልሰ ድማ፡ ነፍሰይ ብእኡ ባህ ኣይብላን’ዩ። ንሕና ግና ምስ’ቶም ምድሓን ነፍሶም ኪረኽቡ ዚኣምኑ’ምበር፡ ምስ’ቶም ናብ ጥፍኣት ንድሕሪት ዚመለሱ ኣይኰንናን።” ብምባል መዓዶም (እብ 10፡35-37,39)። ኣስዒቡ ኸኣ፡ ኣብ ምዕራፍ 11 እቶም ዝቐደሙ ቕዱሳን ኣቦታት ብኸመይ ንመከራ ስዒሮም ናብ ክብሪ ኸም ዝበጽሑ ዝርዝራዊ ኣብነት ጠቒስሎም (እብ 11፡13-16,32-38)። ብድሕሪ’ዚ ድማ ነቲ በጺሖምዎ ዘለዉ ደረጃ ብምግላጽ፡ ናታቶም ንድሕሪት ምምላስ ማዕረ ኽንደይ ከቢድ ከም ዚኸውን ገለጸሎም። እዚ ቓል’ዚ ነቶም ብዛዕባ እምነቶም ብመከራ ዚሓለፉ ዘለዉ ኣገልገልትን ምእመናንን ጥራሕ ዚምልከት ኣይኰነን። ነቶም ኣብ’ዛ ምድሪ ስድደትና ዝዀነት ብሰይጣን እትመሓደር ዓለም፡ ምስ ሓጢኣት ክንቃለስ መከራ ንጸግብ ንዘለና ዅላትና ህዝቢ ክርስትያን’ውን ዚምልከተና’ዩ። ብርግጽ ነቶም ብምስጢረ ጥምቀትን ሜሮንን ዳግማይ ልደት ዘይረኸቡን፡ ነቶም ውልድነቶም ደርብዮም ውሉድ ድያብሎስ ኰይኖም ብሓጢኣት ዚናበሩን ሰባት ከም ዘይምልከት ግን ርዱእ’ዩ።
ብኸመይ ኢና፡ ገና ኣብ ምድሪ ብህይወት እናሃለናስ፡ ኣብ ሰማይ’ውን ክንህልው እንኽእል፡ ነዚ ሰማያዊ ህላወና’ዚ ዜረጋግጸልናን፡ መርትዖ ዀይኑ ዜገልግለናን ኻልእ መጽሓፍ ቅዱሳዊ ቓል ኣሎና ድዩ፧ ብርግጽ ኣሎና። እዚ “ብርሃና ንቤተ ክርስትያን” ምዃኑ ቅድስቲ ቤተ ክርስትያንና እትምስክረሉ ቅዱስ ጳውሎስ፡ ነዚ ምስጢር’ዚ ደጋጊሙ ገሊጽዎ ኣሎ። ብኸመይን ብመንን ናብኡ ኸም ዝበጻሕና፡ ኣብ’ቲ ናብ ሰብ ኤፌሶን ዝጸሓፎ መልእኽቲ፡ ብኸም’ዚ ዚስዕብ ገሊጽዎ ኣሎ፡
“.....እቲ ብምሕረት ሃብታም ዝዀነ ኣምላኽ ምእንቲ’ታ ብኣኣ ገይሩ ዘፍቀረና ዓባይ ፍቕሩ፡ ንኣና ብበደልና ምዉታት’ኳ እንተ ነበርና፡ ምስ ክርስቶስ ህያዋን ገበረና። ብጸጋ ኢኹም ዝደሓንኩም። ኣምላኽ ምስ ክርስቶስ ኣተንስኣና፡ ብክርስቶስ ገይሩ ኸኣ ኣብ ሰማያት ምስ ክርስቶስ ኣቐመጠና። እዚ (ዝተገብረልና) ኸኣ፡ ነቲ ብክርስቶስ ኢየሱስ ዝተገልጸልና ሕያውነት፡ ማለት ነቲ መዘና ዘይብሉ ሃብቲ ጸጋኡ ምእንቲ ኼርእይ ኢሉ’ዩ።” ኤፌ 2፡4-7 ካ.ት
ቅዱስ ጳውሎስ፡ ብመንን ብኸመይን ናብ ሰማይ ከም ዝበጻሕና ኣብሪሁ ብንጹር ገሊጹልና ኣሎ። በዚ ኣገላልጻኡ’ዚ መሰረት፡ ናይ ብሓቂ ኣብ እምነት ክርስቶስ ዘለና ሰባት እንተ ዄንና፡ ምስ ክርስቶስ ንመውት፡ ብትንሳኤኡ ምስኡ ተንሲእና ህያዋን ንኸውን፡ ብዕርገቱ ኸኣ ምስ ክርስቶስ ኣብ ሰማያት ንበጽሕን ንቕመጥን ማለት’ዩ (ሮሜ 6፡5-8 ካ.ት ፣ ቈሎ 2፡11-13)። በዚ ንሰብ ኤፌሶን ዝበሎ ጥራሕ ዘይኰነ፡ ንሰብ ቈሎሴ ኣብ ዝጸሓፎ መልእኽቱ’ውን፡ ነዚ ምስጢር’ዚ ግሩም ገይሩ ገሊጽዎ ኣሎ። ነዚ ሃዋርያዊ ቓል’ዚ ብምስትውዓል እንተ ኣንቢብናዮ ብመንጽር’ዚ ሓቂ’ዚ ንህይወትና ብኸመይ ከነማእዝና ኸም ዚግባኣና ኣነጺሩ ዚገልጸልና’ዩ።
“ደጊምምስ ክርስቶስ ካብ ሞት ተንሲእኩም ኢኹም’ሞ፡ ቀልብኹም ኣብ’ቲ ኣብ ሰማይ ዘሎ ነገራት፡ ኣብ’ቲ ክርስቶስ ኣብ የማን ኣምላኽ ተቐሚጥዎ ዘሎ ግብሩ፡ ኣእምሮኹም ናብ’ቲ ኣብ ምድሪ ዘሎ ዘይኰነስ፡ ናብ’ቲ ኣብ ሰማይ ዘሎ የቕልብ። (ምኽንያቱ) ሞይትኩም ኢኹም፡ ህይወትኩም’ውን ምስ ክርስቶስ ኣብ ኣምላኽ ተሰዊራ ኣላ። እቲ ህይወትኩም ዝዀነ ክርስቶስ ምስ ተገልጸ፡ ንስኻትኩም’ውን ምስኡ ብኽብሪ ኽትግለጹ ኢኹም።” ቈሎ 3፡1-4 ካ.ት
ነቲ ድሕሪ’ዚ ምስጢር’ዚ ተገሊጹ ዘሎ ሓሳባት፡ ተመሊስና ኽንርእዮ ኢና። ካብ’ዝን ካብ’ቲ ዝቐደመ ጥቕስን ከም ዝተገንዘብናዮ’ምበኣር፡ ኵሉ’ቲ ኣባና ዚኸውን ምስ ክርስቶስን ብክርስቶስን ከም ዚኸውን ተረዲእና ኣለና። ስለ’ዚ ምድራውን ሰማያውን ህላወ፡ ስጋውን መንፈሳውን ህላወ ዘሎና ፍጥረት ኢና ማለት’ዩ። ክርስትያን ምዃንናን ዘይምዃንናን፡ መንፈሳዊ ፍልጠትን ብርሃንን ምርካብናን ዘይምርካብናን፡ መንግስተ ሰማያት ንወርስ ምዃንናን ዘይምዃንና ዚፍለጥ ድማ፡ ነዚ ሃዋርያዊ ምስጢር’ዚ ኣብ ምርዳእናን ምቕባልናን ምእዛዝናን’ዚ ዚምርኰስ’ዩ። ምኽንያቱ እዚ ሓቂ’ዚ ኣብ ልዕሊ ምድራዊ ህይወትናን ኣካይዳናን ኣማእዛኒ ግደ ዘለዎ’ዩ። ድሮ’ኳ ኣብ’ዚ ናይ ቈሎሴ ጥቕሲ፡ ኣእምሮናን ቀልብናን ናብ’ቲ ሰማያዊ ህላወና ኬቕልብን ኣድህቦኡ ኣብኡ ኺገብርን ኣዚዙና ኣሎ።
እዚ ሓቂ’ዚ ብኸመይ’ዩ ኼማእዝነና ዚኽእል፧ ንምዃኑኸ ግብራውን ክዉንነታውን ድዩ፧ ሓጢኣት ምግባር ኣዝዩ ዚሰልጠና፡ ጽድቂ ምግባር ግን እምብዛ ዓቐብ ዚዀነና ዘሎ’ኮ፡ ነዚ ሃዋርያዊ ምስጢርን ትእዛዝን’ዚ፡ ክንፈልጦን ከነስተውዕሎን ስለ ዘይከኣልና’ዩ። ብዘይካ ምድራዊ ህላወ፡ ካልእ ሰማያዊ ህላወ ኸም ዘሎና ስለ ዘይንፈልጥ፡ ኵሉ ኣተሓሳስባናን ኣነባብራናን ዓለማዊ ይኸውን ኣሎ። ነዛ ናይ 70 ወይ 80 ዓመታት ዕድመ ኢልካ ብጽድቂ ምግዳል ድማ ዘይተደላዪ ዝተጋነነ ዋጋ ዜኽፍል፡ ናይ ዓያሱ ምርጫ ዀይኑ ይስምዓና። ነቲ ናይ ጽድቂ ናብራ ናይ ምንባር ኣድላይነትሲ፡ ዜእምነናን ዚረትዓናን ብቑዕ ምኽንያት ንስእነሉ ኣለና ማለት’ዩ። ሰማያዊ ህይወትን ህላወን ከም ዘሎና እንተ ንፈልጥን እንተ ንኣምንን ግን፡ ነቲ ምድራዊ ህይወትናን ህላወናን ብመንጽር ናይ’ቲ ሰማያዊ ኸነመሓድሮ ኸም ዘለና፡ ስለ’ዚ ጻድቕ ናብራ ናብ ዋጋ ዕዳጋ ዘይኣትው ንቡርን ክቡርን ናይ ህይወት ተልእኾና ምዃኑ ምኣመንናሉን ምተወፈናሉን ኔርና። ናይ ኵሉ ኣካላትናን ተግባርናን ኣመሓዳሪ፡ ኣእምሮና’ዩ። ኣእምሮና ዝሓስቦን ዝፈቐዶን ኢና። ንዛረብን ንገብርን። ስለ’ዚ ነዚ ሃዋርያዊ ቓል ተኣዚዝና፡ ኣእምሮናን ቀልብናን ብዛዕባ’ቲ ሰማያዊ ጕዳያት ከም ዚሓስብ እንተ ጌርናዮ፡ እቲ ብእኡ ዚእዘዝን ዚመሓድርን ሰብነትና ድማ፡ ነቲ ሰማያዊ ፍቓድን ተግባርን ጥራሕ’ዩ ዚእዘዝ። እቲ ምድራዊ ህይወትና ካብ ምብላዕን ምስታይን፡ ካብ ምስራሕን ምምሃርን፡ ካብ ምውሳብን ምውላድን ካብ ኵሉ ኻልእ ምድራውን ማሕበራውን ንጥፈታት ከይበዀነ፡ ነዚ ንጥፈታት’ዚ ግን ነቲ ሰማያዊ ህይወቱን ህላወኡን ከም ዚበቅዕ ገይሩ ይፍጽሞ ማለት’ዩ። ጐይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ኣብ ማቴ 6፡19-21፦
“ብልዕን (ሓሰኻን) ምምራትን ኣብ ዜበላሽዎ፡ ሰረቕቲ ዂዒቶም ኣብ ዚሰርቅዎ፡ ንኣኻትኩም ኣብ ምድሪ ሃብቲ ኣይትኣክቡ፡ ሃብትኻ ኣብ ዘለዎ፡ ልብኻ ኣብኡ ኣሎ’ሞ፡ ብልዕን ምምራትን ኣብ ዘየበላሰዎ፡ ሰረቕቲ ዅዒቶም ኣብ ዘይሰርቅዎ፡ ኣብ ሰማይ ሃብቲ ኣክቡ።” ብምባል፡ ልብናን ኵሉ ኣካይዳናን ናብ’ቲ ሰማያዊ ህይወትናን ህላወናን ኣትኲሩን ዕላማ ገይሩን ኪሰርሕ ከም ዚግብኦ ኣፍሊጡና ኣሎ። ጐይታና፡ ኣብ ምድሪ ኸይንህብትም ኣይከልከለናን። የግዳስ “ነቲ ኣብ’ዚ ምድራዊ ህይወትኩም ዝኣከብኩምዎ ምድራዊ ሃብቲ፡ ሃብ ሰማያዊ ሃብቲ ለውጥዎ፡ ንምድራዊ ሃብትኹም ናብ ሰማይ ኣግዕዝዎ”’ዩ ዚብለና ዘሎ። ነዚ ትእዛዝ’ዚ ብኸመይ ከም ‘ንትግብሮ፡ ኣብ’ቲ መሰረተ-እምነትና ዀነ ኣብ ኵሉ ስብከታትና ብተደጋጋሚ ይግለጸልና’ዩ። ነዚ ኼተግብሮ ዚኽእል ግና እቲ ብዛዕባ ሰማያዊ ህላወኡ ምሉእ እምነት ዘለዎን፡ ኣእምሮኡ ድማ ኣብኡ ዝገበረን ሰብ ጥራሕ’ዩ (1ጢሞ 6፡17-19 ካ.ት)።
ቀልቡን ኣእምሮኡን ኣብ ሰማይ ዝገበረ፡ ብዛዕባ’ቲ ሰማያዊ ህይወቱ ዚሓስብን ዚጥንቀቕን ሰብ ብኸመይ’ዩ ዚፍለጥ፧ እንታይከ’ዩ ዚገብር፧ ነዚ ሕቶ’ዚ እቲ ድሕሪ’ቲ ኣቐዲምና ዘንበብናዮ ናይ ቈሎ 3፡1-4 ዘሎ ጥቕስታት ብንጹር’ዩ ዚምልሶ።
“ስለ’ዚ ነቲ ስጋዊ ስምዒትኩም፡ ማለት ንምንዝርና፡ ርኽሰት፡ ፍትወት ስጋ፡ ክፉእ ትምኒት፡ ነቲ ኣምልኾ ጣኦት ዝዀነ ስሰዐ፡ (ቅተልዎ) ..... ካብ ቍጥዓ፡ ሕርቃን፡ ክፍኣት፡ ጸለመ፡ ዜጸይፍ ዘረባ ርሓቑ .....ንሓድሕድኩም ኣይተተሓሳሰዉ። እምበኣር ኣምላኽ ከም ዝሓረዮም ቅዱሳንን ፍቁራትን ህዝቢ ዄንኩም ምሕረት ከም ዝሓረዮም ቅዱሳንን ፍቁራትን ህዝቢ ዄንኩም ምሕረት፡ ለውሃት፡ ትሕትና፡ ሕያውነት፡ ትዕግስቲ ልበሱ። ንሓድሕድኩም ተጸዋወሩ፡ ኣብ መንጎኹም ቅር ዜብል ሃገር እንተ’ሎ፡ ይቕረ ተበሃሃሉ። ..... ንዅለን (ትእዛዛት) ኣሲራ ናብ ፍጻመ እተብጽሐን ፍቕሪ’ያ’ሞ፡ ልበስዋ። .......ንሰላም ተጸዊዕኩም ኢኹም’ሞ፡ (ብሰላም ንበሩ) ሰላም ክርስቶስ ኣብ ልብኹም ይንገስ። መማሰውቲ (መመስገንቲ) ዅኑ። ...... (ንኣምላኽ ብምሉእ ልብኹም፡ ዘምሩሉ)፡ ...... ቃል ክርስቶስ ብዅሉ ጥበብ መሊኡ ይሕደርኩም፡፡ ብቓል ኰነ ወይስ ብግብሪ እትገብርዎ ዘበለ ዅሉ ብስም ጐይታና ኢየሱስ ግበርዎ። ብእኡ (በቲ ተግባርኩም) ከኣ፡ ንእግዚአብሔር ኣቦ ኣመስግንዎ። .....” ቈሎ 3፡5-17 ካ.ት
ነቲ ንባብ ክሳዕ መወዳእታ ናይ’ቲ ምዕራፍ እንተ ቐጺልናዮ፡ ካልእ ብዙሕ ግብርታት’ውን ተዘርዚሩ ኣሎ። እቲ ብዛዕባ ሰማያዊ ህላወኡ ዚሓስብን፡ ነቲ ምድራዊ ህይወቱ ብመንጽር’ቲ ሰማያዊ ህላወኡ ዚመርሕን ሰብ፡ ነቲ ዝተዘርዘረ ዅሉ፡ ተጨኒቑን ተጸጊሙን ዘይኰነስ፡ ተሓጕሱን ተገዲሱን ብቐሊሉ’ዩ ዚትግብሮ።
ብመሰረቱ ግን ናብ’ዚ ሰማያዊ ህላወ’ዚ ናይ ምእታውና መሰረት እንታይ’ዩ፧ እቶም ብክርስቶስ ኣሚንና እንፍጽሞም ምስጢራተ ቤተ ክርስትያን፡ ኣካላት ሰብነት ክርስቶስ ስለ ዚገብሩና፡ ክርስቶስ ጐይታና ዝዀኖ ዅሉ ንኸውን፡ ክርስቶስ ኣብ ዝኣተዎን ኣብ ዝኸዶን ኵሉ ኸኣ ንኣትውን ንኸይድን። ቅዱስ ጳውሎስ፦
“እምበኣርከ ንስኻትኩም ስጋ ክርስቶስ ኢኹም፡ ነፍሲ ወከፍኩም ከኣ በብኽፍሉ ኣካላቱ ኢኹም። ..... ስጋኹም ኣካል ክርስቶስ ምዃኑዶ ኣይትፈልጡን ኢኹም፧ ..... እቲ ምስ ኣመንዝራ ዝለገበ ምስኣ ሓደ ስጋ (ከም ዚኸውን)፡ እቲ ምስ ጐይታ ዚለግብ (ድማ) ምስ ጐይታ ሓደ መንፈስ’ዩ (ዚኸውን)።”
ብምባል ኣረጋጊጹልና ኣሎ (1ቈረ 12፡27 ፣ 6፡15-17)። ስለ’ዚ ኣካላት ሰብነቱ እንተ ዄንና፡ ኣብ’ቲ ንሱ ዘለዎ ዅሉ ምስኡ ኣለና፡ ኣብ’ቲ ንሕና ዘለናዮ ዅሉ ድማ ንሱ ምሳና ኣሎ ማለት’ዩ (ማቴ 18፡19,20 ፣ 28፡19,20)። ጐይታና ባዕሉ ዀነ ቅዱሳን ሃዋርያት፡ ንሱ ኣባና፡ ንሕና’ውን ኣብኡ ኸም ‘ንነብር ደጋጊሞም ገሊጾምልና ኣለዉ (ዮሃ 14፡20 ፣1ዮሃ 3፡24)። ስለ’ዚ ብስጋ’ኳ ኣብ’ዛ ምድሪ እንተ’ለና፡ ብመንፈስ ግን ምስ ጐይታ፡ ኣብ ሰማያት ኣብ የማን ኣቦ ኢና ዘለና።
ስለ’ዚ ነዚ ምድራዊ ህይወትናን ናብራናን፡ ነቲ ሰማያዊ ህይወትና ብዚምጥን መገዲ ንንበሮን ነመሓድሮን። ጐይታ ኣብ መዓልቲ ፍርዲ “ከቶ ኣይፈለጥኩኹምን ካባይ ርሓቑ” ዚብሎም፡ ነቶም ብምድራዊ ኣካይዳኦም ንሰማያዊ ህላወኦም ዘዕነዉን ዝደምሰሱን’ዩ’ሞ፡ ካብ’ዚ መንፈሳዊ ርእሰ ቕትለት’ዚ፡ ርእስና ነድሕን። ክብሪ ኣምላኽ ምእንቲ ኽንወርስ፡ ነቲ ሰማያዊ ህይወትናን ህላወናን፡ በቲ ምድራዊ ኣካይዳና ነኽብሮን ነጽንዓዮን!!
ጸጋ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስን ፍቕሪ ኣምላኽን ሕብረት መንፈስ ቅዱስን ምስ ኩላትና ይኹን።
ኦርቶዶክሳዊት ተዋህዶ ቤተ ክርስቲያን ኤርትራ - መንበረ ጵጵስና ሰሜን ኣሜርካ
3 ታሕሳስ 2023 | ሕዳር 23, 2016 ግዕዝ (መበል 12 ሰንበት: ቊ..፲፪/12) |
||
ምስባክ መዝ. ፹፰(፹፱)፡ ፲፩-፲፪ “ዚአከ ውእቱ ሰማያት ወእንቲአከ ይእቱ ምድር። ዓለመኒ በምልኡ አንተ ሣረርከ። ባሕረ ወመስዐ ዘአንተ ፈጠርከ።” ዓዲ፡ መዝ.፻፪(፻፫)፡፲፰-፲፱ “ወይዜከሩ ትእዛዞ ከመ ይግበሩ። እግዚአብሔር አስተዳለወ መንበሮ በሰማያት። ወኵሎ ይኴንን በመንግሥቱ።” |
ንባባት |
ኣንባቢ |
እብ 12፡22-ፍጻመ |
ዲያቆን |
|
ያእ 3፡1-10 |
ንፍቅ ዲያቆን |
|
ግብ 21፡27-33 |
ንፍቅ ካህን |
|
ማቴ 8፡23-ፍጻመ |
ሰራዒ ካህን |
|
ቅዳሴ ፦ ዘእግዚእነ መዝሙር፦ ፍጹም በህላዌሁ |
ካብ ውሽጢ ኤርትራ ዝተረኽበ ንቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ንምቁጽጻር ብመንግስቲ ኤርትራ ክካየድ ዝጸንሐን ዘሎን ሽርሒ ዘቃልዕ ቪድዮ
ድኳን መጻሕፍቲ/Book Store
ራድዮ ቃለ ኣዋዲ