“እቲ ኻብ ኣምላኽ ዝተወልደ ዘበለ ርእሱ ይሕልው፡ እቲ እኩይ’ውን ኣይትንክዮን’ዩ። እቲ ኻብ ኣምላኽ እተወልደስ፡ ሓጢኣት ከም ዘይገብር ንፈልጥ ኢና። ካብ ኣምላኽ ምዃንና፡ ብዘላ ዓለም’ውን በቲ እኩይ (ድያብሎስ) ተታሒዛ ምህላዋ ንፈልጥ ኢና።” 1ዮሃ 5፡18,19
እንሆ ናብ ዓስራይ ሰንበት ናይ’ዚ ዓመተ ግእዝ’ዚ በጺሕና ኣለና። ዘመነ ጽጌ ብሰላም ወዲእና፡ ናብ’ቲ ዚስዕብ ዘመነ ጾም (ጾመ ነብያት) ንምእታው፡ ኣብ መሰጋገሪ ዘመን ኢና ዘለና። ብኣቘጻጽራ ግእዝ ካብ ሕዳር 6 ክሳዕ ሕዳር 12 ዘሎ ቕንያት፡ “ኣስተምህሮ” ተባሂሉ ይጽዋዕ። ኣብ ሓደ ዓመተ ግእዝ ክልተ ዘመነ-ኣስተምህሮ’የን ዘለዋና። እታ ቐዳመይቲ እዛ ዘለናያ ቕንያት ክትከውን ከላ፡ እታ ኻልኣይቲ ድማ፡ ብኣቈጻጽራ ግእዝ ካብ ሰነ 18 ክሳዕ ሰነ 28 ዘሎ ቕንያት’ዩ። ድሕሪ’ቲ ቐዳማይ ዘመነ-ኣስተምህሮ ናብ ጾመ ነብያት ንኣትው፡ ድሕሪ’ቲ ኻልኣይ ዘመነ-ኣስተምህሮ ድማ ናብ ጾመ ሃዋርያት ንኣትው። እዚ ኸኣ ብወዝቢ ዝተጋጠመ ዘመናት ዘይኰነስ፡ ቅዱሳን ኣቦታትና ብዓሚቑ ኣስተውዕሎ ዝተሰርዑልና’ዩ። ኣስተምህሮ፡ ናይ ቅዱሳን ነብያትን ሃዋርያትን ቀንዲ ኣገልግሎት’ዩ ዝነበረ። እቲ ቐዳማይ ንህዝቢ ዝመርሐን ዝመሃረን፡ ወግዓዊ ነብዪ ዀይኑ ዝተንስአን፡ እቲ ቕድስቲ ቤተ ክርስትያንና “ሊቀ-ነብያት” ኢላ እትሰምዮ፡ ነብዪ ሙሴ’ዩ። ናብ ከረን ሲና ደዪቡ፡ እንጌራ ኸይበልዐ ማይ ከይሰተየ፡ ብመለኮታዊ ኽብሪ ይቃጸልን የንቀጥቅጥን ኣብ ዝነበረ እምባ ዀይኑ፡ ንኣርብዓ መዓልታትን ለይትን ካብ ኣፍ እግዚአብሔር ተማሂሩ፡ ብዙሕ ራእያት ርእዩ፡ ገጹ ብብርሃን እና’ንጸባረቐ ኺወርድ ከሎ፡ ነቲ ዝተቐበሎ ሕግን ነቲ ዅሉ ስርዓትን ንህዝቢ ኺምህሮ ትእዛዝ ተቐቢሉ’ዩ ዝወረደ (ዘጸ 34፡29-35)። ተልእኾ ናይ ምሉእ ዕድሚኡ ድማ ኣስተምህሮ ነበረ። ንህዝቢ እስራኤል ኪጸባጸቦምን ኪፋነዎምን ከሎ ድማ “መሃርኩኹም” እናበለ፡ ነቲ ብኣምላኽ ዝተዋህቦ ተልእኾ ናይ ኣስተምህሮ ብትብዓት ተኣመነ (ዘዳ 4፡5)። ንኣብነት ዚኣክል ነዘን ዚስዕባ ጥቕስታት ንርኣይ፦
“እቲ ኣብ’ታ ኽትርስተይዋ፡ እትሓልፍዋ ዘለኹም ሃገር ክትገብርዎ፡ ኣነ ኽምህረኩም፡ እግዚአብሔር ኣምላኽኩም ዝኣዘዘኒ ትእዛዛትን ሕጋጋትን ፍርድታትን እዚ’ዩ።” ዘዳ 6፡1።
“እንሆ፡ ኣብ’ታ ኽትወርስዋ እትኣትውዋ ዘለኹም ሃገር ከምኡ (ከም’ቲ ዝተመሃርኩምዎ) ኽትገብሩ፡ ኣነ ኸም’ቲ እግዚአብሔር ኣምላኸይ ዝኣዘዘኒ ሕጋጋትን ፍርድታትን መሃርኩኹም።” ዘዳ 4፡5
ነብዪ ሙሴ፡ “ክምህረኩም ኣዘዘኒ” ኢሉ ኣነጺሩ ኸም ዝገለጸ፡ ኣስተምህሮ፡ ተሃኪኻ ወይ ሰኒፍካ እትገድፎ፡ ወይ’ውን ተጊህካ እተልዕሎ ናይ ፍቓድ ኣገልግሎት ዘይኰነስ፡ ናይ ግድን ኪፍጸም ዜግብኦ ተልእኾ’ዩ። ኣብ ብሉይ ኪዳን፡ ኣስተምህሮ፡ ናይ ነብያትን ካህናትን ኣገልግሎት ነበረ (ዘዳ 31፡12,13 ፣ 2ነገ 17፡28)። እግዚአብሔር፡ ምስማዕ ስለ ዝኣበዮ ንዝተቘጥዖ ህዝቢ፡ መምህራንን ትምህርትን’ዩ ዚኸልኦ። ብምሕረት ኪበጽሖ ገጹ ንዝመለሰሉ ህዝቢ ድማ፡ መምህራን ይልእከሎም ነበረ።
“እስራኤልሲ ነዊሕ ዘመን ብዘይ ኣምላኽ ሓቅን ብዘይ መሃሪ ካህንን ብዘይ ሕግን ነበሩ።” 2ዜና 15፡3
“......ድሕሪ’ዚ ኣይክትበክይን ኢኻ፡ (ናብኡ) ምስ እተእውይ ከኣ ብርግጽ ጸጋ ኺህበካ’ዩ፡ ኪስምዕ ከሎ ኸኣ ኪመልሰልካ’ዩ። እግዚአብሔርሲ እንጌራ ጸበባን ማይ ጭንቀትን ኪህበኩም’ዩ፡ ኣዒንትኻ ግና መምህራንካ ኺርእያ’የን’ምበር ደጊምሲ መምህራንካ ኣይኪስወሩን’ዮም። ንየማን ወይ ንጸጋም እንተ ኣግለስኩም፡ ኣእዛንኩም፡ “እዚኣ’ያ ‘ታ መገዲ፡ ብእኣ ተመላለሱ፡” ዚብል ቃል (መምህራንኩም) ኣብ ድሕሬኻ ኪስምዓ’የን።” ኢሳ 30፡19-21
ናይ ኣቦታትና ናይ ቅዱሳን ሃዋርያት መሰረታዊ ኣገልግሎት’ውን ኣስተምህሮ’ዩ ዝነበረ። እዚ ኸኣ ካብ ጐይታኦምን መምህሮምን ብቓል ዝተኣዘዝዎ ብግብሪ ድማ ዝረኣይዎ’ዩ። ጐይታና ምድራዊ ተልእኾኡ ፈጺሙ ብዕርገት ኪፋነዎም ከሎ፡ እቲ “ዓብይ ተልእኾ” ዚብሃል ትእዛዝ ብኸም’ዚ ዚስዕብ ሃቦም።
“ስለ’ዚ ኺዱ፡ ንዅሎም ኣህዛብ ብስም ኣቦን ወልድን መንፈስ ቅዱስን እናኣጥመቕኩም፡ ዝኣዘዝኩኹም ኵሉ ኺሕልዉ ኸኣ እናመሃርኩም፡ ደቂ መዛሙርተይ ግበርዎም።” ማቴ 28፡19-20
ንሳቶም ድማ ንቓሉ ተኣዚዞም ንኣርኣያኡ ስዒቦም፡ ንዓለም ብትምህርቶም ኣዕለቕለቕዋ። ኵላቶም ሃዋርያት ተኣሲሮም ሓዲሮም፡ ናብ ዋዕላ ኣይሁድ ምስ ኣተዉ፡ እቲ ሰዱቃዊ ሊቀ ካህናት፦
“በዚ ስም’ዚ ኸይትምህሩዶ ኣምሪርና ኣይኣዘዝናኩምን፡ እንሆ ኸኣ ንኢየሩሳሌም ብትምህርትኹም መሊእኩምዋ (ኣለኹም)።” ብምባል ብዛዕባ ውጽኢት ኣገልግሎቶም መስከረ (ግብ 5፡27,28)። ነርብዓ ሓደ ጐደል ገሪፎምን ኣሕሲሮምን ብውርደት ምስ ኣፋነውዎም’ኳ፡ እናተሓጐሱ ወጺኦም እንታይ ከም ዝገብሩ፦
“ኣብ ቤተ መቕደስን ኣብ በቤትን ብስራት ኢየሱስ ክርስቶስ ምምሃርን ምስባኽን ኣየብኵሩን ነበሩ።” ብምባል ተመስኪሩሎም ኣሎ (ግብ 5፡42)። ሰይጣን ብሓለንግን ብማእሰርትን ከም ዘይሰልጦ ምስ ረኣየ፡ ናብ ቤተ ክርስትያን ኣድልዎን ምፍልላይን ኣእትዩ ኻብ ተልእኾኦም ኪዀልፎም ተላዕለ። ንሳቶም ግን ነቲ ውዲቱ ኣለልዮም፦
“ንሕና ቓል ኣምላኽ (ምምሃር) ሓዲግናስ ኣብ መኣዲ ኸነገልግል ዚግባእ ኣይኰነን። ...... ንሕና ግና ጸሎትን ኣገልግሎት ናይ’ዚ ቓል’ዝን ከየብኰርና ንሓዝ።” ብምባል ኣፍሸልዎ (ግብ 6፡2,4)። እግዚአብሔር መንፈስ ቅዱስ’ውን፡ ናይ ኣስተምህሮ ኣገልግሎት፡ ፈጺምካ ዘይጕሰይ ኣገልግሎት ስለ ዝዀነ፡ ኻብ’ቶም ሓሙሽተ ንቤተ ክርስትያን ዝሃባ ዓበይቲ ኣገልግሎት (offices)፡ ሓደ መምህርነት ነበረ (ኤፌ 4፡11-13 ፣ ግብ 13፡1 ፣ 1ጢሞ 2፡7 ፣ 2ጢሞ 1፡11)። እቲ ኣሰሩ ዘይሃስስ ኣርኣያ ናይ ጐይታ ኸኣ፦ “ኢየሱስ ድማ ኣብ ቤት ጸሎቶም እናመሃረ፡ ወንጌል መንግስቲ’ውን እናሰበኸ፡ ኵሉ ሕማምን ኣብ ህዝቢ ዘሎ ዅሉ ድናሰን እናሕወየ ይዘውር ነበረ።” ተባሂሉ ብተደጋጋሚ ተመስኪሩ’ዩ (ማቴ 4፡23 ፣ 7፡28,29 ፣ 9፡35 ፣ ሉቃ 21፡37)። ቅድስቲ ቤተ ክርስትያን ኣብ’ቲ ክርስቶስ ርእሲ መኣዝኑ ዝዀነ መሰረት ነብያትን ሃዋርያትን ዝተሃንጸት ሰብነቱ ስለ ዝዀነት፡ ነዚ ኣገዳስነት ናይ ተልእኾኣ ንምጕላሕን፡ ኣብ ግብሪ ንኸነውዕሎን ዚሕግዝ ክልተ ዘመነ - ኣስተምህሮ ሰሪዓ ትርከብ። እዚ ድርብ ቅንያት’ዚ ኣገዳስነቱ ንምዝኽኻርን ንኣገልገልታን ህዝባን ንምንቕቓሕን ደኣ’ምበር፡ ኣስተምህሮ ዚወሃበሉ ጊዜ ንሳተን ጥራሕ ምዃነን ንምምልካት ኣይኰነን። ስለ’ዚ ዅሎም ኣገልገልቲ ቤተ ክርስትያን፡ ካብ ፓትርያርክ ክሳዕ ድያቆን፡ ምሉእ ዘመኖም ኣብ ምሃብ ኣስተምህሮ ኺተግሁ፡ ኵሉ ዝዓበየን ዝነኣሰን ምእመን ድማ ብልዑል ተገዳስነት ትምህርቲ ናይ ቅድስቲ ቤተ ክርስትያኑን ኣገልገልቱን ኪምሃር ከም ዚግባእ፡ እዚ ዘመነ ኣስተምህሮ የዘኻኽረናን ይድርኸናን ኣሎ።
ናብ ናይ’ዚ ዕለት’ዚ ትምህርትና ኽንምለስ፡ ካብ ምንታይ ኢና ገዛእ ርእስና ኽንሕለው ዚንገረና ዘሎ፧ ናይ’ዚ ዕለት’ዚ ናይ መዝሙር ኣርእስቲ “ኢተዘኪሮ” ዚብል ኰይኑ፡ እግዚአብሔር ሓጢኣትና ኸይዝክር ዚምሕጸን ትሕዝቶ ዘለዎ’ዩ። ናይ’ዚ ዕለት’ዚ ናይ መዝሙረ ዳዊት ክልቲኡ ኣማራጺ ምስባካት’ውን፡ እግዚአብሔር ኣበሳና ኸይዝክር ዚምሕጸንን፡ ከም መጠን ሓጢኣትና ኸም ዘይፈድየና ዜተስፍው ትሕዝቶ ዘለዎም’ዮም (መዝ 79፡8 ፣ 103፡9,10)። እቲ ናይ ግብሪ ሃዋርያት ንባብና’ውን ብጐይታና መድሓኒና ኢየሱስ ክርስቶስ ብምእማን ሕድገት ሓጢኣትን ርስቲ ምስ ቅዱሳንን ከም ‘ንረክብ ዜረጋግጸልና፡ ቅዱስ ጳውሎስ ኣብ መጋብእያ ነገስታት ዝተኣመኖ ሃዋርያዊ ቃል’ዩ። እቲ ናብ ሰብ ሮሜ ዝተጻሕፈ መልእኽቲ፡ እቲ ቐዳማይ ኣዳም ብኸመይ ብሓጢኣቱ ኸም ዝለከመና፡ እቲ ዳሕራይ ኣዳም፡ ጐይታና መድሓኒና ኢየሱስ ክርስቶስ ግና ከመይ ገይሩ ብጽድቁ ኻብ ሓይሊ ሓጢኣትን ሞትን ከም ዘድሓነና ዚገልጽ ኣዝዩ ረቂቕ ምስጢር ዝሓዘለ መልእኽቲ ዘለዎ’ዩ። እቲ ምንጪ ኣርእስትና ዀይኑ ዘሎ ናይ ቅዱስ ዮሃንስ መልእኽቲ ድማ፡ ካብ ሓጢኣት ንምድሓን ናትና ግደ እንታይ ምዃኑ ብንጹር ቃል ዚገልጸልና’ዩ።
ቅዱሳን ሃዋርያት፡ ድሕነት ማለት ሕድገት ሓጢኣት ምርካብ ማለት ምዃኑ ደጋጊሞም ኣረጋጊጾምልና’ዮም (ኤፌ 1፡7 ፣ ቈሎ 1፡14)። ሰብ፡ ክንዲ ዝደለየ ኻብ ሓጢኣት እንተ ተጠንቀቐ፡ ሓጢኣት ከይፈጸመ ኺነብር ኣይክእልን’ዩ። “ሓጢኣት ዘይብለይ ንጹህ’የ” ኢልካ ምሕሳብ ኰነ ምዝራብ፡ ንርእስኻ ጥራሕ ዘይኰነ፡ ንኣምላኽ ከይተረፈ ሓሳዊ ዚገብር ድፍረታዊ ኣበሳ’ዩ (1ዮሃ 1፡7-10 ፣ ኤር 2፡23,25 ፣ ምሳ 20፡9 ፣ 30፡12 ፣ መክ 7፡20)። ስጋ ለቢሱ ኼብቅዕ ፈጺሙ ሓጢኣት ዘይገበረ፡ ጐይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ጥራሕ’ዩ (ዮሃ 8፡46 ፣ እብ 4፡14,15 ፣ 7፡26 ፣ 1ጴጥ 2፡22,23)። ስለ’ዚ ድሕነትናን ጽድቅናን፡ ኣብ’ቲ ብንስሓ ዚርከብ ሕድገት’ምበር፡ ኣብ ዘይምሕጣእና ኣይምርኰስን’ዩ። ስለ’ዚ ኸኣ ኢና፡ ብመዝሙራትና ዀነ ብጸሎትና፡ “ሓጢኣትና ኣይትዘክር” እናበልና ‘ንምሕጸን። ጐይታን መድሓኒና ኢየሱስ ክርስቶስ ብደሙ ዋጋ ሓጢኣትና ኸፊሉን ንኣና ኣንጺሁን፡ ንስሓን ሕድገት ሓጢኣት ምእንቲ ኼውሕሰልና’ዩ ኣብ መስቀል በጃና ዝሞተ (ሉቃ 24፡46,47 ፣ ግብ 3፡19,20 ፣ 5፡31)።
ክርስቶስ ብቤዛዊ ሞቱ ዋጋ ሓጢኣትና ኸፊሉ ሕድገት ሓጢኣት ዝሃበና ግን፡ ብነጻነት ከም ድላይና ምእንቲ ኽንሓጥ ኣይኰነን። እቲ ሕድገት ሓጢኣት ስለ ዘሎ ብነጻነት ዚሓጥእ ሰብ፡ ነቲ ኽቡርን መሪርን ሞት ናይ ጐይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ፡ ከም ሞት ጤለ በጊዕ ዝረኣዮን፡ ብሰሪ ድንቍርናኡ ናብ መንፈሳዊ ስድነት ዝጠሓለን ሰብ ጥራሕ’ዩ። ሞት ጐይታና፡ ሕድገት ሓጢኣት ንኽንረክብ ጥራሕ ዘይኰነ፡ ካብ ሓጢኣት ተሓሊናን ብጽድቅን ቅድስናን ንኽንመላለስ’ውን’ዩ (ቲቶ 2፡11-14 ፣ 2ቈረ 1፡12)። ሕጂ’ውን ነዚ ውዱቕ ስጋና ለቢስና ንነብር ስለ ዘለና፡ ገና’ውን ኣብ’ዛ ብሰይጣን እትመሓደር እክይቲ ዓለም ንነብር ስለ ዘለና፡ ፈሊጥናዮን ደሊናዮን ካብ ውሽጥና ፈልፊሉን ጥራሕ ዘይኰነ፡ ብዘይፍላጥን ብዘይ ፍቓድናን ሓጢኣት ኪጠብቀና ይኽእል’ዩ (ሮሜ 7፡21 ፣ እብ 12፡1)። ልክዕ ከም’ዚ ኣብ መገዲ ብእግርና ኽንጐዓዝ ከለና፡ ክንወድቕን ክንጕዳእን ደሊና ዘይኰነስ፡ ከይረኣናዮ ብወዝቢ ተዓንቂፍና እንወድቖ ዓይነት ውድቀት ማለት’ዩ። ካብ ሓደ ቦታ ናብ ካልእ ቦታ ኽንጐዓዝ ከለና፡ ኣብ ነፍሲ ወከፍ ስጕምቲ ብዝጸንሓና ዅሉ መዓንቀፊታት እናተዓንቀፍናን እናተጐዳእናን ኣይንኸይድን ኢና። ምዕንቃፍ ሳሕቲ ዜጋጥም’ምበር፡ ካባና ዘይፍለይ መሰነይታ ኣይኰነን። ንሓጢኣት ብዚምልከት ድማ፡ እቲ ሓቂ ልክዕ ከምኡ’ዩ። ነዚ ብወዝቢ እንወድቖ ናይ ሓጢኣት ውድቀት እንተ ዘይተነሲሕናሉ ብርግጽ ካብ ድሕነትን ካብ መንግስተ ሰማያትን ኬትርፈና ዚኽእል’ዩ። ክብሪ ንስሙ ይኹን፡ ክርስቶስ ካብ ከም’ዚ ዝበለ ሓጢኣት፡ ንስሓን ሕድገት ሓጢኣትን ብምሃብ ናብ ጽድቁ ምእንቲ ኼእትወና’ዩ ዝተሰውአ። ፈቲናን እናፈለጥናን ብዜጋጥመና ዅሉ ጕዳያት ብሓጢኣት ንቈማጣዕ እንተ ዄንና ግን፡ ኣብ እምነት የለናን ጥራሕ ዘይኰነ፡ ኣብ ግሁድ ላግጺ ተጸሚድና ኸም ዘለና ኸነስተውዕል ይግባእ። ቅዱስ ጳውሎስ ነዚ ዓሻ ምርጫ’ዝን ንግብራዊ መልእኽቱን ንመሪር ሳዕቤናቱን ብኸም’ዚ ዚስዕብ ገሊጹልና ኣሎ።
“ፍልጠት ሓቂ ምስ ረኸብና፡ ፈቲና ሓጢኣት እንተ ገበርና፡ ደጊም ምእንቲ ሓጢኣት ዚቐርብ (ካልእ) መስዋእቲ የልቦን። ኣብ ክንድኡ ግና፡ ፍርድን ነቶም ንኣምላኽ (ብሓጢኣት) ዚጻረሩ ዚበልዕ ብርቱዕ ሓውን ኢና ብራዕዲ እንጽበይ። ንሕጊ ኦሪት ዘፍረሰ ብቓል ክልተ ወይ ሰለስተ ምስክር ብዘይ ምሕረት ይመውት ነበረ። ንወዲ ኣምላኽ ዝነዓቐ (ዝረገጸ)፡ ነቲ እተቐደሰሉ ደም ኪዳን ከኣ ዘርከሰ፡ ነቲ ጸጋ ዚህብ መንፈስ’ውን ዝጸረፈ ግዳ ክንደይ ዝገደደ ቕጽዓት ዘይግብኦ ይመስለኩም። ንሕናስ ነቲ፡ ምፍዳይ ሕነ ናተይ’ዩ፡ ኣነ ሕነ ኽፈዲ’የ፡ ዝበለ፡ ደጊሙ ኸኣ፡ እግዚአብሔር ንህዝቡ ኺፈርዶ’ዩ፡ ዝበለ፡ ንፈልጦ ኢና። ኣብ ኢድ ህያው ኣምላኽ ምውዳቕ ዜስክሕ’ዩ።” እብ 10፡26-31።
“እቶም ሓደ ጊዜ ብርሃን (ዝበርሃሎም)፡ ሰማያዊ ውህበት ዝጠዓሙ፡ ተማቐልቲ መንፈስ ቅዱስ’ውን ዝዀኑ፡ ነቲ ሰናይ ዝዀነ ቓል ኣምላኽን ሓይሊ ናይ’ታ እትመጽእ ዓለምን ከኣ ዝጠዓሙ፡ (ናብ ሓጢኣት) እንተ ወደቑ፡ ንወዲ ኣምላኽ ብገዛእ ፍቓዶም ከም ብሓድሽ ሰቒሎም መላገጺ ስለ ዚገበርዎ፡ ብንስሓ ኪምለሱ ኣይከኣልን’ዩ። ...... እቲ ብዙሕ ጊዜ ነቲ ኣብኣ ዝወረደ ዝናም ዝሰተየት ምድሪ ነቶም ንረብሓኦም ዚሓርስዋ ዚጠቅም ፍረ እንተ ሃበቶም፡ ካብ ኣምላኽ በረኸት ትቕበል። እሾዅን ዳንዴርን እንተ ኣብቈለት ግና፡ መርገም ኣብ ልዕሊኣ ዘንጠልጠለ፡ ጥቕሚ ዘይብላ ምድሪ’ያ። መወዳእታኣ ኸኣ ምንዳድ’ዩ።” እብ 6፡4-8 ካ.ት።
እዚ ሃዋርያዊ ቓል’ዚ፡ ብዘየወላውል መገዲ ነቲ ሓቂ ገሊጽዎን ኣብሪህዎን ኣሎ። እዚ ሓቂ’ዚ ኸኣ ናይ ሓድሽ ኪዳን ጥራይ ኪመስለና ኣይግባእን’ዩ። ኣብ ብሉይ ኪዳን’ውን ብመስዋእቲ እንስሳ ሕድገት ሓጢኣት ዚወሃብ ዝነበረ፡ እቲ ሰብ “ከይፈለጠ ብጌጋ” ሓጢኣት እንተ ፈጺሙ ጥራሕ’ዩ (ዘሌ 4፡22-23,27-28 ፣ 5፡2-5,15,17 ፣ ዘሁ 15፡22-24,27-28)። ነቲ ፈሊጡ፡ ኰነ ኢሉ ብድፍረት ሓጢኣት ዚፍጽም ግን ሞት ይፍረዶ’ምበር፡ ሕድገት ሓጢኣት ይወሃቦ ኣይነበረን። ኣብ ቀዳማይ ትርጕም መጽሓፍ ቅዱስ “ብልዕልቲ ኢድ ዝተገብረ ሓጢኣት” ኪብሎ ኸሎ ኣብ ካልኣይ ትርጕም መጽሓፍ ቅዱስ ከኣ “ብትዕቢት (ብድፍረት)” ብምባል ገሊጽዎ ይርከብ (ዘሁ 15፡30 ቀ.ት + ካ.ት)። እግዚአብሔር ከኣ ምሕረተኛ ኣምላኽ’ምበር፡ ሸለልተኛ ኣምላኽ ከም ዘይኰነ ኣይንረስዕ። ንሓጢኣት እናረኣየ ኺዕገሶ ኣይክእልን’ዩ (ኣን 1፡13)። ከም’ቲ ንገሌና ዚመስለና ኸኣ፡ ምሕረቱ ዋጋ ዘይብሉ ሕሱር ኣይኰነን። ናይ ህይወት መስዋእቲ- እንስሳታት፡ ንናይ ክርስቶስ ሞት ከም ጽላሎት፡ ከም ትእምርታዊ ትንቢት ኰይኑ ኼገልግል’ምበር፡ ሓጢኣት ኬርሕቕን ሕድገት ሓጢኣት ኬውህብን ዝተሰርዐ ኣይነበረን (እብ 10፡1-4)። ናይ ብሉይ ኰነ ናይ ሓድሽ ኪዳን ሓጢኣት፡ ብመስዋእቲ ክርስቶስ ጥራሕ’ዩ ሕድገት ዝረኸበ። ኣብ ብሉይ ኪዳን ዝነበሩ ኵላቶም ቅዱሳን፡ ክርስቶስ ብሞቱ ናብ ሲኦል ወሪዱ ብትንሳኤኡ ኽሳዕ ዜውጽኦም፡ ኣብ ሲኦል ተኣሲሮም ይጽበዩ ነበሩ (1ጴጥ 3፡19,20 ፣ 4፡6 ፣ ኤፌ 4፡7-10)። ብሓጢኣት፡ ዋዛን ዋጋ ዕዳጋን የለን። ሞት ናይ’ቲ ብስጋ ዝተገልጸ መለኮት፡ ሞት ወዲ ኣምላኽ፡ ሞት ጐይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ዝጠለበ ሓጢኣት ምዃኑ ኣይንዘንግዓዮ።
እሞ፡ “ርእስኹም ሓልዉ” ማለትሲ እንታይ ማለት’ዩ፡ ሓጢኣት ኪገብር እንተ ዘይደለየስ፡ ሰብ ሓጢኣት ከይገበረ ኺነብር ይኽእል ማለት ድዩ፧ ብርግጽ ይኽእል’ዩ። ጐይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ነዛ ኽእለት’ዚኣ ኼዕጥቐናን ኬጸግወናን’ዩ ብስጋ ተገሊጹ ናይ መሪር ሞት ዋጋ ዝኸፈለ። “ርእስኻ ምሕላው” ማለት “ፈቲኻ፡ እናፈለጥካ፡ ኰነ ኢልካ፡ ብድፍረት ሓጢኣት ካብ ምፍጻም ተጠንቀቕ። ንወዲ ኣምላኽ ኣይትርገጾ፡ ነቲ ዝተቐደስካሉ ቕዱስ ደም ኪዳን (ደም ክርስቶስ) ብሓጢኣትካ ኣይተርክሶ፡ ነቲ ንሓጢኣት ምእንቲ ኽትስዕሮ ጸጋ ዝሃበካ መንፈስ ቅዱስ’ውን ብግብርኻ ኣይትጽረፎ” ማለት’ዩ። ንመሪሕ ጥቕስና ምልስ ኢልና ብዓሚቝ ምስትውዓል ነንብቦ። ካብ ኣምላኽ ንዝተወልደ ዘበለ፡ እቲ እኩይ ድያብሎስ ኰነ እቲ እኩይ ሓጢኣት ኣይትንክዮን’ዩ። እዚ ድማ ኣሉ ዘይበሃል ሓቂ’ዩ። ንሰብ ወይ ንዅነታት ፈሪህና፡ ረብሓ ኸይጐድለና ኢልና፡ ናይ ስጋ ስቓይ ከነወግድ ኢልና፡ ፈቲና ብምርጫና ሓጢኣት ንገብር ኣለና’ምበር፡ ኢድና ጠውዩ ኣፍና ኣመንጊጉ ሓጢኣት ዘግበረናዶ ኣሎ’ዩ፧ እዞም ኵሎም ቅዱሳን ብሰማእትነት ዝሓለፉ’ኮ፡ ካብ ንሓጢኣት ንመከራ ስለ ዝመረጹ’ዮም። እቶም ለባማት፡ ጊዝያውን ምድራውን ስቓይ ይመርጹ፡ እቶም ዓያሱ ኸኣ ዘለኣለማውን ናይ ገሃነም ስቓይን ንመርጽ። ስለ’ዚ ምርጫና ደኣ’ዩ ዜጋግየና ዘሎ’ምበር፡ መከራ ኣይኰነን ዜገድደና ዘሎ። ንኣና ግን ናብ መከራ ዘብጽሓና’ውን የለን። ብዘይ ዝዀነ ኣስገዳድ ብሓጢኣት ንግዕዝይ ኣለና።
“ካብ ኣምላኽ ተወሊደ’የ” ዚብል ኵሉ ግን፡ ሓጢኣት ኪገብር ኣይኰነሉን፡ ሕልናኡን መንፈሱን ኣይፈቕደሉን’ዩ። ቅዱስ ዮሃንስ፦ “(ክርስቶስ) ንሓጢኣት ኬርሕቖ ኢሉ ኸም ዝተገልጸ ትፈልጡ ኢኹም። ኣብኡ’ውን ሓጢኣት የልቦን። እቲ ኣብኡ (ኣብ ክርስቶስ) ዚነብር ዘበለ ዅሉ፡ ሓጢኣት ኣይገብርን’ዩ። ነፍሲ ወከፍ ሓጢኣት ዚገብር፡ (ንክርስቶስ) ኣይረኣዮን፡ ኣይፈልጦን’ውን። ደቀየ ሓደ’ኳ ኣየስሕትኩም። ..... ድያብሎስ ካብ መጀመርታ ሓጢኣት ይገብር’ዩ’ሞ፡ ሓጢኣት ዚገብር ካብ ድያብሎስ’ዩ። ወዲ ኣምላኽ ከኣ ንግብሪ ድያብሎስ ምእንቲ ኼፍርስ ኢሉ’ዩ ዝተገልጸ። ካብኡ ዝተወልደ ዘበለ (ዅሉ)፡ (ባህርይ ኣምላኽ) ኣብኡ ይነብር’ዩ’ሞ፡ ሓጢኣት ኣይገብርን’ዩ፡ ካብ ኣምላኽ ስለ እተወልደ’ውን፡ ሓጢኣት ኪገብር ኣይኰነሉን’ዩ። ጽድቂ ዘይገብርን ንሓው ዘየፍቅርን ካብ ኣምላኽ ኣይኰነን። ደቂ ኣምላኽን ደቂ ድያብሎስን በዚ’ዮም ዚፍለጡ።” ብምባል ነቲ ሓቂ ብኣጽንዖትን ብንጹርን ገሊጹልና ኣሎ (1ዮሃ 3፡5-10 ካ.ት)። ስለ’ዚ ብምስጢረ ጥምቀትን ሜሮንን ዳግማይ ዝተወልደ ዘበለ ዅሉ ንሓጢኣት ዚጽየፈሉን ዚስዕረሉን ብቕዓት ኣብ ውሽጡ ኣለዎ። ንሱ ኸኣ፡ በቲ ውልድነቱ ዝተኻፈሎ ባህርይ ኣምላኽ’ዩ። እዚ ባህርይ’ዚ ኻብ ምልኪ ሓጢኣትን ድያብሎስን ሓራ ዜውጽእ’ዩ። ባህርይ ኣምላኽ ለቢስካ እንተ’ሊኻ፡ ክትገብሮ ዘይትኽእል ጽድቅን ክትስዕሮ ዘይትኽእል ሓጢኣትን የልቦን። ውሉድ ኣምላኽ ክነስኻስ ፈቲኻን ረዲኻን ሓጢኣት ትገብር እንተ ዄንካ ግን፡ ምስ ድያብሎስ ተዳቒልካ ኣለኻ ማለት’ዩ። ንሓጢኣት ስፍ ዘይብል ክብደት ዜልብሶ ድማ እዚ ስግንጢር ምርጫ’ዚ’ዩ። ብኻልእ ኣዘራርባ ናብ ናይ መንፈሳዊ መንነት ቅልውላው ኣቲኻ ኣለኻ ማለት’ዩ። ስለ’ዚ ንስሓ ዚኸልእ ዘሎ እቲ ዓይነት ናይ’ቲ ሓጢኣት ዘይኰነስ፡ እቲ መንነት ናይ’ቲ ዚሓጥእ ዘሎ ሰብ’ዩ። ውሉድ ኣምላኽ ኰይኑ ዚሓጥእን፡ ውሉድ ድያብሎስ ኰይኑ ዚሓጥእን ንሓጢኣቶም ብሓደ ዓይኒ ኽትርእዮን ክትፈርዶን ፍትሓዊ ኣይኰነን። ምኽንያቱ እቲ ቐዳማይ ዘይባህርዩ ዘይናይ ኣቦኡ’ዩ ዚገብር ዘሎ። እቲ ኻልኣይ ግን ናይ ኣቦኡ ናይ ድያብሎስ ግብርን ባህርይን’ምበር፡ ካልእ ናይ ምግባር ኣማራጺ የብሉን። ስለ’ዚ ኸኣ’ዩ እዚ ቕዱስ ሃዋርያ ብመንፈስ ቅዱስ ተደሪኹ “ካብ ሓጢኣት ርእስኹም ሓልዉ፡ ርእስኹም ኣይተሕስሩ፡ ኣይተበላሽዉ” ዚብለና ዘሎ፡
እግዚአብሔር ካብ ሓጢኣት ክንሕለውን ንሓጢኣት ክንስዕሮን ዚገብረልና ደገፍ ኣሎ ድዩ፧ ብርግጽ ኣሎ። ካብ’ቲ ናትና ግደ፡ እቲ ናይ ኣምላኽ ግደ ኣዝዩ ዝዓበየ’ዩ (ዮሃ 15፡5 ፣ 2ቈረ 3፡5,6)። እቲ ዚህበና ደገፍ ድማ፡ “ጸጋ” ይብሃል። ቅዱስ ጳውሎስ፡ ጸጋ ኣምላኽ ካብ ምልኪ ሓጢኣት ከም ዜናግፈና፦
“ሓጢኣት ምእንቲ ኺበዝሕ ሕጊ ኣተወ፡ ኣብ’ቲ ሓጢኣት ዝበዝሖ ግና፡ ኣብኡ ጸጋ ኣዝዩ ዓዘዘ። ስለ’ዚ ኸም’ቲ ሓጢኣት ሞት ብምምጻእ ዝነገስ፡ ጸጋ እግዚአብሔር ከኣ ከምኡ፡ ብኢየሱስ ክርስቶስ ጐይታና፡ ብጽድቂ ንዘለኣለም ህይወት ኪነግስ’ዩ። እሞኸ እንታይ ንበል፧ ጸጋ ምእንቲ ኺበዝሕሲ ሓጢኣት እናገበርናዶ ንንበር፧..... እምበኣር ንፍትወት ስጋ ምእንቲ ኸይትግዝኡ፡ ኣብ’ዚ መዋቲ ስጋኹም ሓጢኣት ኣይንገስ። ሞይቶም ከም ዝተንስኡ ገዛእ ርእስኹም ንኣምላኽ ወፍዩ’ምበር፡ ንኣካላትኩም መሳርሒ ኽፍኣት ኪኸውን ንሓጢኣት ኣይትሃብዎ፡ ኣካላትኩምሲ መሳርሒ ጽድቂ ኪኸውን ንኣምላኽ ደኣ ወፍይዎ። (ምኽንያቱ) ትሕቲ ጸጋ’ምበር፡ ትሕቲ ሕጊ ስለ ዘይኰንኩም፡ ሓጢኣት ኣይመልከኩምን’ዩ።” ሮሜ 5፡20,21 ፣ 6፡1,12-14 ካ.ት
ንሓጢኣት ክንሕሰመሉን ክንስዕረሉን እንኽእል መንፈሳዊ ሓይሊ ዜዕጥቐና’ምበኣር፡ ጸጋ ኣምላኽ’ዩ። ስለ’ዚ ኸኣ’ዩ ንጸጋኡ ኣብ ልዕሌና ዜውሕዞን ዜዕዝዞን (ኤፌ 1፡8-10 ፣ 1ጢሞ 1፡13,14)። ብዘይ’ዚ ጸጋ’ዚ ግና፡ ካብ ሓጢኣት ወጻኢ ኻልእ ግብርን ታሪኽን ኣይምሃለወናን ነይሩ። ቅዱስ ጳውሎስ’ውን ብዛዕባ ርእሱ፦
“እቲ ዀይነዮ ዘለኹ ግና ብጸጋ ኣምላኽ’የ ዀነዮ ዘለኹ፡ እቲ ንኣይ ዝሃበኒ ጸጋ ኸኣ ከንቱ ኣይኰነን። እኳ ደኣ ሓለፋ ዅላቶም ጸዓርኩ። እንተ ዀነ እቲ ኣባይ ሓዲሩ ዘሎ ጸጋ’ዩ’ምበር፡ ኣነ ኣይኰንኩን።” ብምባል ተኣሚኑ ኣሎ (1ቈረ 15፡10 ካ.ት)። ስለ’ዚ ንጸጋና እንተ ዓቂብናዮን እንተ ተጠቒምናሉን፡ ንሓጢኣት ንመልኮ’ምበር፡ ብሓጢኣት ኣይንምለኽን ኢና (2ቈረ 6፡1)። ምስናይ ጸጋኻ ከለኻ ፈቲኻ ሓጢኣት ምዝውታር ግን፡ ነቲ ኽቡር ደም ክርስቶስ ዝዋግኡ ጸጋ ኣምላኽ ምርኻስ ስለ ዝዀነ፡ ንስሓ ዚኸልእ እኩይ ጸወታ’ዩ ዚኸውን። እቲ ኣቐዲምና ዝጠቐስናዮ ዜፍርህ ጥቕስታት ናይ እብ 6፡4-8 ፣ 10፡26-31 ኣብ ከም’ዚ ዝበለ ናይ ድፍረትን ንዕቀትን ሓጢኣት’ዩ ተፈጻምነት ዚረክብ።
እምበኣር ህይወትና ብዕምቈት ንመርምር። ብውልድነቶም ዚጣልዑ፡ ነቲ ዝተማቐልዎ ባህርይ ኣምላኽ ዜራኽሱ፡ ጸጋኦም ዚንዕቁ ንመድሓኒኦም ንወዲ ኣምላኽ ዚረግጹ፡ ብግብሮም ንመንፈስ ቅዱስ ዚጸርፉ፡ ጥፍኣቶም ዚብርሆም ዓያሹ ዄንና ኸይንርከብ ርእስና ካብ ናይ ፍታው ሓጢኣት ንሓልው። ጽውዓና፡ ምልክን ንግስነትን ናይ ሓጢኣት ስዒርና፡ ጸጋን ጽድቅን ንኸነንግስ ምዃኑ ወርትግ ንዘክር። እንሆ፡ ፍልጠት-ሓቂ ተመጊብና ኣለና’ሞ፡ ፈቲና በርዑት ሓጢኣት ከይንጽመድ ንጠንቀቕ!! ሓጢኣትን ጽድቅን ሞትን ህይወትን ናይ ምርጫ ጕዳይ ምዃኑ ኣይንረስዕ!!
ጸጋ ጎይታና ኢየሱስ ክርስቶስን ፍቕሪ ኣምላኽን ሕብረት መንፈስ ቅዱስን ምስ ኩላትና ይኹን።
ኦርቶዶክሳዊት ተዋህዶ ቤተ ክርስቲያን ኤርትራ - መንበረ ጵጵስና ሰሜን ኣሜርካ
9 ሕዳር 2023 | ሕዳር 19, 2016 ግዕዝ (10ይ ሰንበት: ቊ..፲/10) |
||
ምስባክ መዝ. ፸፰(፸፱)፡፰ “ኢትዝክር ለነ አበሳነ ዘትካት። ፍጡነ ይርከበነ ሣህልከ እግዚኦ። እስመ ተመንደብነ ፈድፋደ።” ዓዲ፡ መዝ.፻፪(፻፫)፡፱-፲ “ኢይቀሥፍ ወትረ ወኢይትመዓዕ ዘልፈ። አኮ በከመ ኃጢአትነ ዘገብረ ለነ። ወኢፈደየነ በከመ አበሳነ።” |
ንባባት |
ኣንባቢ |
ሮሜ 5፡10-ፍጻመ |
ዲያቆን |
|
1ዮሃ 5፡13-ፍጻመ |
ንፍቅ ዲያቆን |
|
ግብ 13፡38-43 |
ንፍቅ ካህን |
|
ማቴ 6፡1-15 |
ሰራዒ ካህን |
|
ቅዳሴ ፦ ዘእግዚእነ መዝሙር፦ ኢተዘኪሮ |
ካብ ውሽጢ ኤርትራ ዝተረኽበ ንቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ንምቁጽጻር ብመንግስቲ ኤርትራ ክካየድ ዝጸንሐን ዘሎን ሽርሒ ዘቃልዕ ቪድዮ
ድኳን መጻሕፍቲ/Book Store
ራድዮ ቃለ ኣዋዲ