“እቲ ዚጣራጠርሲ ኸም’ቲ ንፋስ ዚደፍኦን ዚመልሶን ማዕበል ባሕሪ’ዩ ዚመስል’ሞ፡ ከይተጣራጠረ ደኣ ብእምነት ይለምን። ክልተ ዝልቡ ሰብ ብዅሉ መገዱ ጽኑዕ ኣይኰነን’ሞ፡ እቲ ኸም’ዚ ዘመሰለ ሰብ ካብ ጐይታ ገለ ዚቕበል ኣይምሰሎ።” ያእ 1፡6-8
እዚ ዕለት’ዚ ሓምሻይ ሰንበት ናይ’ዚ ንሓልፎ ዘለና ዘመነ-ጽጌ (8ይ ሰንበት ናይዚ 2016 ዓመት ግዕዝ)’ዩ። ኣብ’ዚ ሰንበት’ዚ ዚዝመር መዝሙር ቅዱስ ያሬድ ድማ፡ “ክርስቶስ ሠርዐ ሰንበተ” ዘርእስቱ ዀይኑ፡ ነቲ ክርስቶስ ብዛዕባ ሰንበት ዝተዛረቦ መሰረት ብምግባር ዝተደርሰ መዝሙር’ዩ። ሰንበት፡ ክርስቶስ ብስጋ ኸይተገልጸ ኸሎ ኣብ ዘመን ነብዪ ሙሴ ዝተሰርዐ’ዩ። ኪስራዕን ኪሕገግን ከሎ’ውን ብእኡ ብእግዚአብሔር ወልድ’ዩ። ኪስራዕን ኪሕገግን ከሎ’ውን ብእኡ ብእግዚአብሔር ወልድ’ዩ ዝተሰርዐ። ምኽንያቱ ኣብ ዘመን ብሉይ ኪዳን ንዝተገብረ ዅሉ ግብርታት እግዚአብሔር፡ ገባሪኡ ንሱ ምዃኑ፡ መጽሓፍ ቅዱስ ደጋጊሙ ዜረጋግጸልና ሓቂ’ዩ።
“ብእኡ ዅሉ ዀነ፡ ካብ’ቲ ዝዀነ ዘበለ ድማ፡ ብዘይ ብእኡ ዝዀነ የልቦን።” ዚብል ሃዋርያዊ ቓል፡ ነዚ ሓቂ’ዚ ብኣጽንዖት ዜረጋግጸልና’ዩ (ዮሃ 1፡3)። ስለ’ዚ ምስራዕ ሰንበት’ውን ብእኡ’ዩ ዝተገብረ። ቅዱስ ጳውሎስ’ውን ነቲ ኣብ ፍጥረት ኰነ ኣብ ህዝቢ እስራኤል ብእግዚአብሔር ወልድ ዝተገብረ ዅሉ ደጋጊሙ’ዩ ዚጠቕሶ።
“ኣብ ሰማያትን ኣብ ምድርን ዘሎ፡ ዚረኣይን ዘይረኣይን፡ ዝፋናት ኰነ ወይስ ጐይትነት፡ ሕልቅነት ወይስ ስልጣናት፡ ኵሉ ብእኡ ተፈጢሩ ኣሎ’ሞ፡ ኵሉ ብእኡን ንእኡን’ዩ ዝተፈጥረ። ንሱ ኸኣ ቅድሚ ዅሉ’ዩ፡ ኵሉ’ውን ብእኡ ቘይኑ ኣሎ።” ቈሎ 1፡16
“ኵላቶም’ውን ነቲ ሓደ መንፈሳዊ መስተ ሰተዩ። ካብ’ቲ ዚስዕቦም ዝነበረ መንፈሳዊ ኸውሒ ሰትዮም እዮም’ሞ፡ እቲ ኸውሒ’ቲ ኸኣ ክርስቶስ’ዩ”
ካብ’ዚ ሃዋርያዊ መግለጺታት’ዚ ኸም ‘ንርድኦ’ምበኣር፡ ኣብ ፍጥረት ኰነ ኣብ ህዝቢ እስራኤል ዝተገብረ ዅሉ፡ ገባሪኡ እግዚአብሔር ወልድ ምዃኑ ኢና ንርዳእ። ኵሉ ሕግታትን ስርዓታትን’ውን ብእኡ’ዩ ተሓጊጉን ተሰሪዑን። ንነብዪ ሙሴ ኣብ በረኻታት ሚድያን ብመልክዕ እትነድድ ቈጥቋጥ ተገሊጹ ዝተዛረቦን ዝጸውዖን እግዚአብሔር ወልድ’ዩ (ዘጸ 3፡2-5)። እቲ ሓዊ ናይ መለኮቱ፡ እቲ ቈጥቋጥ’ውን ናይ’ቲ ዚለበሶ ስጋ ትምእርቲ’ዩ ዝነበረ። እታ ቘጥቋጥ በቲ ሓዊ ኸይነደደት ብህይወት ከም ዝቘመት፡ እቲ ኸም ዚባላዕ ሓዊ ዝዀነ መለኮት፡ ኣብ ስጋ ሓዲሩን ተዋሂዱን ኬብቕዕ፡ እቲ ስጋ ኸይጠፍአ ብህይወት ቀጺሉ መድሓኒ ዓለም ምዃኑ ዜመልክት’ዩ (እብ 12፡23,24 ፣ ኢሳ 53፡2,3)። እቲ ንነብያትን ጠቢባንን ጸሓፍትን ዝልእከሎም ዝነበረ፡ ንደቂ እስራኤል ኪእክቦም ዝገብሮ ዅሉ ጻዕሪ ንሱ ባዕሉ ምዃኑ ኣብ ማቴ 23፡34-37 ገሊጽዎ’ሎ። እምበኣር ኣብ ብሉይ ኪዳን ብነብዪ ሙሴ ሰንበትን ሕጋጋቱን ዝሰርዐ፡ እግዚአብሔር ወልድ’ዩ (ዘጻ 20፡8 ፣ 31፡15 ፣ ዘዳ 5፡12)። ስግው-ቃል (Incarnate Logos) ኰይኑ ብኣካል ስጋ ምስ ተገልጸ ድማ ንዅሉ’ቲ ናይ ሰንበት ምስጢራት ባዕሉን ብቕዱሳን ሃዋርያቱን ዝገለጸልና’ውን ንሱ’ዩ (ሉቃ 6፡5 ፣ እብ 4፡9-10)። ነቶም ንሰንበት ዘይመልክዓ ዘልበስዋ ፈሪሳውያንን ሰዱቃውያንን ነቲ ዚሰምዖ ዝነበረ ዅሉ ኣይሁዳውን፡ እቲ ቕኑዕ ትርጕምን ኣከባብራን ናይ ስንበት ባዕሉ መሃሮም። ሰራዕ ሰንበት፡ ጐይታ ሰንበት ንሱ ምዃኑ ድማ ኣግሂዱ ኣፍለጦም (ማቴ 12፡1-8)። ብቕዱስ ጳውሎስ ሃዋርያኡ ገይሩ ድማ፡ ምድራዊት ሰንበት ጥራሕ ዘይኰነ፡ ሰማያዊት ሰንበት’ውን ኣዳልዩልና ኸም ዘሎ ኣበሲሩና ኣሎ። ነታ ሰንበት’ቲኣ ኺርእይዋን ኪኣትዉዋን ዚበቕዑ፡ እቶም ንእኡ ዚኣምኑን ዚእዘዙን ምዃኖም፡ እቶም ናይ ዘይምእዛዝ ኣርኣያ ዝመረጹ ግን ናብ’ታ ዘለኣለማዊት ዕረፍቲ’ቲኣ ከም ዘይበቕዑ ኣፍሊጡና ኣሎ (እብ 4፡1-11)።
ነዚ ናይ’ዚ ዕለት’ዚ መዝሙር መሰረት ብምግባር ካብ ዝተሰርዑ ንባባት ሓድሽ ኪዳን ሓደ ድማ፡ እዚ ናይ ያእ 1፡1-12 ሃዋርያዊ ንባብ’ዩ። እዚ ንባብ’ዚ፡ ብዛዕባ ክልተ ዝልቦም ሰባት ከቢድ ሃይለ-ቃል ኣቐሚጡ ኣሎ። ንሱ ኸኣ ክልተ ዝልቦም ሰባት ካብ ጐይታ-ሰንበት፡ ካብ ጐይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ፡ ዚቕበልዎ ዋላ ሓንቲ ነገር ከም ዘይብሎም’ዩ። እዚ ድማ ነቲ ብጸሎት ዚልምንዎ ኣመልኪቱ ዝተባህለ’ዩ። እቶም ሰብ ክልተ ልቢ ነታ ጐይታ ኣዳልይዋ ዘሎ ዘለኣለማዊት ናይ ዕረፍቲ ሰንበት ኣይኪረኽብዋን’ዮም። ስለ’ዚ ሳዕቤኑን ሓደጋኡን ከም ዚግባእ ፈሊጥና፡ ብኸመይ ሰብ ማንታ-ልቢ ኻብ ምዃን ከም ንድሕን ክትፈልጥ ቅድስቲ ቤተ ክርስትያን እንሆ ትምህርቲ ሰሪዓትልና ትርከብ።
“ክልተ ዝልቡ” እንታይ ማለት’ዩ፧ ሰብዶ ኻብ ሓደ ልቢ ንላዕሊ ኣለዎ’ዩ፧ ንመን ኢናኸ “ብዓል ክልተ ልቢ” ‘ንብሎ፧ ብርግጽ፡ እዚ ንዛረበሉ ዘለና ኣርእስቲ፡ ምስ’ዛ ደም እትጭንጕዕ፡ ኣብ ኣፍልብና ተሰዂዓ ዘላ፡ ገና ድቂ ኸለና ጀሚራ ክሳዕ ዕለተ ሞትና ከየዕረፈት እትሰርሕ ናይ ስጋ ልቢ ዝተተሓሓዘ ኣይኰነን። ንሳ እንተ ትኸውን’ሞ፡ ከምኣ ዝዓይነታ ልቢ ብዘይካ እግዚአብሔር ሰብ ኪሰርሓ ስለ ዘይክእል፡ ኵላትና ሰብ ሓንቲ ልቢ ስለ ‘ንኸውን፡ እዚ ኣርእስቲ’ዚ ኣይመድለየን፡ ኣይምሃለወን ከኣ ነይሩ። ስለ’ዚ እቲ ኣርእስትና ብዛዕባ መንፈስና፡ መንፈሳዊ ልብናን ሕልናናን ኣተሓሳስባናን ዚምልከት ምዃኑ ኺርድኣና ይግባእ። ቅዱስ ጳውሎስ ነዚ ሓቂ’ዚ ኣነጺሩ ንምብራህ ዚጥቀመሉ ናቱ ፍሉይ ኣብነታት ኣለዎ። እቲ ቐዳማይ፡ “ናይ ውሽጢ ሰብን ናይ ወጻኢ ሰብን” ኢሉ ዚገልጾ ኪኸውን ከሎ፡ እቲ ኻልኣይ ድማ “ኣረጊት ሰብን ሓድሽ ሰብን” ኢሉ ዚሰምዮ’ዩ (ሮሜ 7፡22 ፣ 2ቈረ 14፡16,17 ፣ ሮሜ 6፡6,7 ፣ ኤፌ 4፡21-24 ፣ ቈሎ 3፡9-10)። “ናይ ወጻኢ ሰብ” ዚብሎ፡ ነዚ ለቢስናዮ ዘለና ስጋና’ዩ። “ናይ ውሽጢ ሰብ” ዚብሎ ድማ ነቲ ውሽጣዊ መንፈስና፡ ሕልናና፡ ልብና፡ ኣእምሮና’ዩ።
“ኣረጊት ሰብን ሓድሽ ሰብን” ዚብሎ ግን፡ ክልቲኡ ነቲ ናይ ውሽጣዊ ሰብና፡ ማለት ንመንፈስና፡ ሕልናና ወዘተ ማለት’ዩ። እዚ ሕልናና፡ መንፈስና ወይ ውሽጣዊ ሰብና፡ ንኣምላኽ ንጽድቂ ዘይግዛእ፡ ሓጢኣት ጥራሕ ዜፍቅርን ዜዘውትርን ምስ ዚኸውን፡ “ኣረጊት ሰብ” ኢሉ ይሰምዮ። ብኣንጻሩ እዚ ውሽጣዊ ሰብ’ዚ ፍቕሪ ኣምላኽ ዘለዎ፡ ጽድቂ ዜፍቅር፡ ሓጢኣት ዚጽየፍ ምስ ዚኸውን ድማ “ሓድሽ ሰብ” ኢሉ ይጽውዖ። ኣብ 2ቈረ 5፡17፦
“ደጊም ካብ ሕጂ ንደሓር፡ ብስጋዊ ኣረኣእያ (ወይ ብመገዲ ስጋ) ንሓደ’ኳ ኣይንፈልጥን ኢና። (ዋላ’ኳ) ንክርስቶስ ብስጋዊ ኣረኣእያ (ብመገዲ ስጋ) ፈሊጥናዮ እንተ ነበርና፡ ሕጂ ኸምኡ ጌርና ኣይንፈልጦን ኢና። ስለ’ዚ ሓደ’ኳ ብክርስቶስ እንተ’ልዩ፡ ንሱ ሓድሽ ፍጥረት’ዩ፡ እቲ ብሉይ (እቲ ኣረጊት ሰብ) ሓሊፉ፡ እንሆ ዅሉ ሓድሽ ኰይኑ’ዩ።” ብምባል ግሩም ምስጢር ገሊጹልና ኣሎ። ንዅሉ ነገር ብስጋዊ ኣረኣእያ ንርእይ እንተ ዄንና፡ እቲ ውሽጣዊ መንፈስና ወይ ሕልናና፡ ገና ኣይተሓደሰን ገና ኣረጊት ወይ ብሉይ ሰብ’ዩ ዘሎ። ናይ ኸም’ዚ ዝበለ ሰብ ሓሳብ፡ ዘረባ ዀነ ግብሪ፡ ኵሉ ሓጥእ’ዩ ዚኸውን። ብክርስቶስ ኣሚኑ፡ ኣብ ክርስቶስ ድማ ዚነብር እንተ ዀይኑ ግና፡ ነቲ ሕልናኡን መንፈሱን፡ ክርስቶስ ብመንፈስ ቅዱስ ይሕድሰሉ’ሞ፡ ሓደሽ ሰብ ይኸውን። ኵሉ ኣተሓሳስባኡን ኣረኣእያኡን ኣሰራርሓኡን ድማ ናይ ጽድቂ ነገር ጥራሕ ይኸውን። ከመይ ጌርና ካብ ኣረጊት ሰብ ተናጊፍና ሓድሽ ሰብ ከም ንኸውን፡ እግዚአብሔር መንፈስ ቅዱስ ብቕዱስ ጳውሎስ ብኸም’ዚ ዚስዕብ ገሊጹልና ኣሎ። እዚ ሃዋርያዊ መግለጺ’ዚ ትርጕምን ተግባርን ውጽኢትን ናይ ምስጢረ ጥምቀት ብስእላዊ መገዲ ኣነጺሩ ዜብርሃልና’ዩ።
“ስለ’ዚ ኸም’ቲ ሓጢኣት ሞት ብምምጻእ ዝነገሰ፡ ጸጋ ኣምላኽ ከኣ ከምኡ ብኢየሱስ ክርስቶስ ጐይታና ብጽድቂ ንዘለኣለም ህይወት ኪነግስ’ዩ። እሞኸ እንታይ ንበል፧ ጸጋ ምእንቲ ኽበዝሕሲ ሓጢኣት እናገበርናዶ ንንበር፧ ንሕና ኻብ ሓጢኣት (ብሞት) ተፈሊና እናበልናስ፡ ከመይ ኢልና ደኣ ሕጂ ኣብ ሓጢኣት ክንነብር፧ ወይስ እቶም ብክርስቶስ ዝተጠመቕና ዘበልና፡ ኵላትና ብሞቱ ኸም ዝተጠመቕናዶ ኣይትፈልጡን ኢኹም፧ እምበኣር ከም’ቲ ክርስቶስ ብኽብሪ ኣቦኡ ኻብ ምዉታት ዝተንስአ፡ ከምኡ ኸኣ ንሕና ብሓዲስ ህይወት ምእንቲ ኽንነብር (ማለት ሓድሽ ሰብ ምእንቲ ኽንከውን)፡ ብጥምቀት ምስኡ ሞትናን ተቐበርናን። ..... ደጊም ንሓጢኣት ከይንግዛእ፡ እቲ ሓጥእ ሰብነትና ምእንቲ ኺጠፍእ፡ እቲ ኣረጊት ሰብነትና ምስኡ ኸም ዝተሰቕለ ንፈልጥ ኢና። ከመይ እቲ (ኣረጊት ሰብ) ዝሞተ፡ ካብ ሓጢኣት ሓራ ወጺኡ’ዩ። ......” ሮሜ 5፡21 ፣ 6፡1-4,6,7 ካ.ት
“እቶም ናይ ክርስቶስ ዘበሉ ኸኣ፡ ነቲ (ሓጥእ) ሰብኣዊ ባህርዮም (ነቲ ኣረጊት ሰቦም)፡ ምስናይ ፍትወቱን ትምኒቱን ሰቒሎምዎ’ዮም።” ገላ 5፡24 ካ.ት
በዚ ሃዋርያዊ መግለጺ’ዚ መሰረት፡ እቲ ብሓጢኣት ዚመላለስ ሰብ፡ እቲ ንኣረጊት ሰቡ ምስ ክርስቶስ ዘይሰቐለ ሰብ’ዩ። እቲ ብጽድቂ ዚመላለስ ድማ ንኣረጊት ሰቡ ሰቒሉ ዝቐተለ፡ ንግስነት ሓጢኣት ስዒሩ ንጸጋ ኣምላኽ ኣብ ህይወቱ ዘንገሰ፡ ሓድሽ ሰብ ዝለበሰ ማለት’ዩ። ስለ’ዚ ድማ ኣብ ኤፌ 4፡17-24 ፣ ቈሎ 3፡1-10,12-15 ኣረጊት ሰብና ቐንጢጥና፡ ነቲ ሓድሽ ሰብ ለቢስና እንታይ ከነርሕቕን እንታይ ከነዘውትርን ከም ዚግብኣና ንጹር መምርሒ ተዋሂቡና ኣሎ።
ኣብ ብሉይ ኪዳን እንተ ዀነ’ውን፡ ነዚ ሓሳብ’ዚ ብዝተፈልየ ኣገላልጻ ኣቐሙጡልና ኣሎ። “ናይ እምኒ ልብን፡ ሓድሽ ናይ ስጋን” ብምባል ኣነጺሩ ገሊጹልና ኣሎ፦
“ሓድሽ ልቢ ኽህቦም፡ ሓድሽ መንፈስ ድማ ኣብ ውሽጦም ከሕድረሎም’የ። ካብ ሰብነቶም ናይ እምኒ ልቢ ኸውጽእ፡ ናይ ስጋ ልቢ’ውን ክህቦም’የ። ሽዑ ብትእዛዛተይ ኪመላለሱ ንትእዛዛተይ ከኣ ኺሕልውዎን ኪገብርዎን’ዮም፡” .......”ነቲ እትገብርዎ ዝነበርኩም ሓጢኣትኩም (ግህሰትኩም) ደርብይዎ፡ ሓድሽ ልብን ሓድሽ ኣእምሮን (ሓድሽ መንፈስን) ኣጥርዩ። ኦ! ህዝቢ እስራኤል፡ ስለምንታይከ ‘ትሞቱ፧ ኣነ ሓደ’ኳ ኺመውት ኣይፈትውን’የ’ሞ፡ ሓጢኣት ምግባር ሕደጉ፡ ብህይወት ድማ ንበሩ፡ ......። ጽሩይ ማይ ክነጽገልኩም’የ’ሞ ክትጸርዩ ኢኹም። ካብ ኵሉ ርኽሰትኩምን ካብ ኵሎም ጣኦታትኩምን ከጽርየኩም’የ። ሓድሽ ልቢ ኽህበኩም፡ ሓድሽ መንፈስ ከኣ ከሕድረልኩም፡ ነቲ ዕቡይ፡ ከም እምኒ ተሪር ዝዀነ ልቢ ኻባኻትኩም ከውጽእ፡ ዚእዘዝ ናይ ስጋ ልቢ’ውን ክህበኩም’የ። ንመንፈሰይ ኣብ ውሽጥኹም ከሕድሮ፡ ብትእዛዘይ ከመላልሰኩም፡ ፍርደይ (ቃላይ) ከሐልወኩምን ከግብረኩምን’የ።” ህዝ 11፡19,20 ፣ 18፡31,32 ፣ 36፡25-27 ካ.ት
በዚ ናይ ቅዱሳን ነብያትን ሃዋርያትን መግለጺ መሰረት፡ ብዓል ክልተ ልቢ ዝዀነ ሰብ ናይ ኣረጊት ሰብን ናይ ሓድሽ ሰብን ባህርያት ኬንጸባርቕ ዚፍትን’ዩ። ዝዀነ ይኹን ሰብ፡ ወይ ኣረጊት ወይ ከኣ ሓድሽ ሰብ ጥራሕ’ዩ ኪኸውን ዚኽእል። ብዓል ክልተ ልቢ እንተ ዀይኑ ግና እቲ ሓቀኛ መንነቱ ናይ ኣረጊት ሰብ ክነሱ፡ ዝተተምየነ ናይ ሓድሽ ሰብ መንነት ኬርእይ ዚጋደል’ዩ። ከም’ዚ ዓይነት ሰብ ንስም ኣምላኽ ዜጽርፍ፡ ምስልን ክብርን ናይ ቤተ ክርስትያን ዚድውን ሓደገኛ፡ ኣብ ዓይኒ ኣምላኽ ከኣ ፍንፉን ሰብ’ዩ። ስለ’ዚ ድማ’ዩ መሪሕ ጥቕስና፡ “ካብ ጐይታ ገለ ዚቕበል ኣይምሰሎ” ብምባል ዘቕበጸ።
መሪሕ ጥቕስና፡ ነዚ ናይ “ክልተ ልቢ” ሓሳብ ብኸመይ’ዩ ገሊጽዎ፧ እቲ መበገሲ ሓሳብ፡ ጥበብ ኪወሃበካ ብዛዕባ ምጽላይ ዚምዕድ’ዩ። ክንጽልይን ክንልምንን ከለና ግን ከይተጠራጠርና ብምሉእ እምነት ክንልምን ድማ ተነጊሩና ኣሎ (ማቴ 21፡21,22 ፣ ማር 11፡22-24)። ነዚ ኺገብር ዚኽእል ግን፡ እቲ ብዓል ሓንትን ጥዕይትን ልቢ ዝዀነ ሰብ ጥራሕ’ዩ። እቲ ብዓል ማንታ ልቢ ግና፡ ኣብ’ታ ግናይ ልቡ መሊኡ ዘሎ ምጥርጣር’ዩ። ስለ’ዚ ኸም’ቲ ግቡእ፡ ኪጽልይ’ውን ኣይነበሮን። እታ ኻልኣይቲ ልቡ ግን፡ ዋላ እንተ ዘይረኸበ’ኳ፡ ነቲ ምልማን እንተ ዘየቋረጾ ኸም ዜሕሾ ተእምኖ’ሞ ምጽላይ ይቕጽል ማለት’ዩ። ስለ’ዚ እቲ ዓይነት ናይ ህይወቱ እምብዛ ተገላባጢ ስለ ዚኸውን፡ ጽንዓት የብሉን። ልክዕ ከም’ቲ ንፋስ ናብ ዝደለዮ ዜላኽዖ ማያት ባሕሪ’ዩ ዚኸውን። ሰላም ዝረሓቖ ማዕበል ዚበዝሖ ህይወት ይመርሕ ማለት’ዩ። ልሳናዊ’ምበር፡ ግብራዊ ህይወት የብሉን። ብመልሓሱ ዚብሎ ኻልእ፡ ብግብሪ ዚፍጽሞ ድማ ብኣንጻሩ ይኸውን። ከም’ዚ ኣብ ሃገርና “እግርን ከበሮን በበይኑ” ዚበሃል ዓይነት ምስላ ይኸውን። ህርመት ከበሮን ኵድዳ እግርን ጣቕዒት ኣእዳውን እንተ ዘይተሰማሚዑ፡ እቲ ዝተተኽለ ጓይላ ፋሕ ብትን ከም ዚኣትዎ፡ ናይ ሰብ ክልተ ልቢ ናብራን ህይወትን ድማ ልክዕ ከምኡ’ዩ። እዚ ዝርጋን’ዚ ኸኣ’ዩ፡ እግዚአብሔር ንሰብ ክልተ ልቢ ኣዝዩ ኺጽየፎም ዚገብሮ። ናይ ሰብ ክልተ ልቢ ጸሎት፡ ንእግዚአብሔር ጸርፍን ላግጽን’ዩ። ከም’ቲ ንመብዛሕትኡ ሰብ ዜታልልዎ፡ ንእኡ’ውን ከምኡ ኼታልልዎ ዚኽእሉ ስለ ዚመሰሎም፡ በቲ ቐንዲ መለኮታዊ ባህርያቱ የላግጹሉ። ፈላጥ ኵሉ ኽነሱ፡ “ንኣይ ግን ኣይፈልጠንን’ዩ” ኢሎም ነቲ ባህርዩ ይኽሕድዎ። በቲ ጸሎት ናይ ምምላስ ዓቕሙን ጽቡቕ ፍቓዱን ኪጠራጠሩ ኸለዉ ድማ፡ ነቲ ኸኣል-ኵሉን ነቲ ሰናይ ባህርዩን ይኽሕድዎ ማለት’ዩ። መንፈሳዊ ይኹን ስጋዊ ብዘየገድስ፡ ዝዀነ ዓይነት ወስታ (Gesture) ናይ ብዓል ክልተ ልቢ፡ ኣብ ልዕሊ መንነትን ባህርያትን ናይ እግዚአብሔር ዘተኰረ ኽሕደታዊ መጥቃዕቲ’ዩ። ንኽልተ ጐይቶት ዚግዛእ፡ ናብ ክልተ ወገን ዚሕንክስ፡ ናይ እምነት ኣመንዝራ’ዩ።
ቅዱስ ዳዊት ብዓል ሓንትን ቅንዕትን ልቢ’ዩ ዝነበረ። እግዚአብሔር ብዛዕባ’ዛ ልቢ ናይ ባርያኡ ቅዱስ ዳዊት፡ “ኵሉ ፍቓደይ ዚገብር ዝኸም ልበይ ሰብኣይ ረኸብኩ” ኢሉ ብልዑል ሓበን መስከረሉ (ግብ 13፡22 ፣ 1ሳሙ 13፡14)። ቅዱስ ዳዊት ባዕሉ’ውን “ልበይ ኣብ ክንዳኻ ኰይኑ፡ ‘ንገጸይ ድለይዎ’ ይብለኒ ኣሎ፡ ዎ እግዚአብሔር ንገጽካ እደልዮ እኔኹ።” ብምባል መስተንክር ተኣምኖ ሂቡና ኣሎ (መዝ 27፡8)። ልቢ ዳዊትሲ ንዳዊት ዘይኰነስ፡ ንኣምላኽ እትውክል ልቢ’ያ ነይራ ማለት’ኮ’ዩ። እዚ ኣበሃህላ’ዚ ናይ ሰብ ሓንቲ ልቢ ቛንቋ’ዩ።
መጽሓፍ ቅዱስና፡ ነዚ ናይ “ክልተ ልቢ” ሓሳብ ንምግላጽ ዚጥቀመሉ መለሳ-ቓላት ኣለዎዶ፧ ከምኡ ኻብ ምዃን ደኣ ይባልሃና’ምበር፡ መለሳ ቓልሲ ብርግጽ ኣለዎ። ንሱ ኸኣ እቲ ንጐይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ኣዝዩ ዜፈንፍኖን ዜቘጥዖን ዝነበረ፡ “ግብዝነት” ዚበሃል ሓጢኣት’ዩ። ጐይታና ብኣዝዩ ዜፍርህ ከቢድ ሃይለ-ቃል ዝተዛረበሉ ሓጢኣት እንተ’ልዩ፡ ግብዝነት’ዩ። “ኣቱም ኣትማን፡ ውሉድ ናይ’ቲ መንደላይ ተመን፡ ኣቱም ዕዉራት፡ ኣቱም ደናቍርቲ” ዚብል ቃላት ኣብ’ቶም ግብዝነት ዝመለለዪኦም ፈሪሳውያን የዘውትሮ ነበረ። ናይ’ዞም ግቡዛት ቀንዲ መለለዪኦም፡ ኣብ ቅድሚ ሰብ ጻድቕ ናይ ሃይማኖት ሰብ መሲልካ ምቕራብ’ያ። እቲ ኣምላኽ ጥራይ ዚፈልጦ ናይ ውሽጢ ሰቦም ግን ዓመጻን ግብዝነትን ዝመልአ’ዩ። ስለ’ዚ ድማ፡ “ልቕሉቓት መቓብር” እናበለ ይጽውዖም ነበረ (ማቴ 23፡2-7,16-33)።
ኣብ ዘመን ብሉይ ኪዳን’ውን፡ ብቕዱሳት ነብያት ገይሩ፡ ነዚ ሰራም ኣበሳ ናይ ደቂ እስራኤል ይቐልዖ ነበረ።
“እዚ ህዝቢ’ዚ ብኣፉ የምልኸኒ፡ ብኸናፍሩ የኽብረኒ። ልቡ ግና ኻባይ ርሑቕ’ዩ። ንኣይ በቲ ዝተማህርዎ ባህሊ ሰብ ገይሮም’ዮም ዜኽብሩኒ ዘለዉ። ....” ኢሳ 29፡13
“(ህዝብኻ) ንሓድሕዶም፡ “እስከ ንዑናይ፡ ካብ እግዚአብሔር ዚወጽእ ቃል እንታይ ከም ዝዀነ ንስማዕ” ይበሃሃሉ ኣለዉ። ስለ’ዚ ህዝበይ (ንስኻ) እንታይ ከም ‘ትብል ኪሰምዑ፡ ናባኻ ዕጕጕ ይብሉ ኣለዉ። ግናኸ ከም’ቲ ዝበልካዮም ኣይገብሩን ኣለዉ። ብኣፎም ፍቕሪ ዝመልኦ ዘረባ ይዛረቡ፡ ብልቦም ግና ህርፋኖም ኬርውዩ ይጐይዩ። ንስኻስ ከም’ቲ ጥዑም ድምጺ ዘለዎ፡ ብዛዕባ ፍቕሪ ዚገልጽ ደርፍታት ዚደርፍ፡ ምህራም መሰንቆ ድማ ዚኽእል ሰብ ኰንካዮም። ቃልካ ይሰምዑ፡ ግናኸ ኣይፍጽምዎን።” ህዝ 33፡30-32 ካ.ት
እምበኣር ክልተ ዝልቡ ግብዝ ሰብ ምዃን ከም’ዚ ገይሩ’ዩ ዜበላሽወካ። ኵሉ ኣበሳ ሕሱምን ለካምን’ዩ’ሞ፡ ከም ግብዝነት ዚሓስም ግን የልቦን። ምኽንያቱ ኸም ኣዝዩ ልዑል ጥበብን ከም ዝተራቐቐ ብልህነትን ጌርካ ስለ ‘ትርእዮ፡ ንስሓ ዜድልዮ ሓጢኣት ኰይኑ’ውን ኣይረኣየካን’ዩ። ይትረፍ ንሰብ ንኣምላኽ’ውን ከተሽክዖ (out smart) እትኽእል ኰይኑ ስለ ዚርድኣካ፡ ንስሓ ኸም ኣጕል ሕመቕ ኰይኑ’ዩ ዚስምዓካ። እቲ ዕድመኻ ምሉእ ዘይተፈለየካ ዑረትካን ድንቍርናኻን፡ ናብ ሲኦልን ገሃነምን ምስ ተደርበኻ’ዩ ዚረኣየካ። ኣብኡ ግን ኣስናንካ እናሓርቀምካን መልሓስካ እናሓየኽካን ምንባር’ምበር፡ ናይ ንስሓ ዕድል ከቶ የልቦን። እቲ ንሳዕቤን ክልተ ልቢ ኣጸቢቑ ዝተረድኦን ኣዝዩ ዘሰክሖን ቅዱስ ዳዊት፡ ከም’ዚ ዚስዕብ ኢሉ ጸልዩ ኣሎ፦
“ኦ እግዚአብሔር፡ ቅኑዕ ሰብ ተሳኢኑ፡ ካብ ማእከል ደቂ ሰብ’ውን እሙናት ሰባት ጠፊኦም’ዮም’ሞ፡ ኣድሕን። ነፍሲ ወከፍ ምስ ብጻዩ ሓሶት ይዛረብ፡ ብጠባሪ ኸናፍርን ብኽልተ መልሓስን (ብኽልተ ልብን) ይዛረቡ ኣለዉ።
“ምስ ሓጥኣንን፡ ምስ’ቶም ኣብ ልቦም ክፍኣት ከለዎምሲ፡ ምስ ብጾቶም ሰላም ዚዛረቡ ገበርቲ እከይን ኣይትዀንነኒ።” መዝ 2፡1-2 ፣ 28፡3 ካ.ት
ነዚ ብዓል ክልተ ልቢ ምዃን፡ ከም’ዚ ጌርና እንተ ዘይፈሪህናዮን እንተ ዘይተጸዪፍናዮን፡ ንመፈጸምታና ብገዛእ ምርጫና ከም ዘይሓውይ ጌርና ኸነበላሽዎ ኢና። ናይ’ዚ ዕለት’ዚ ኣርእስትና፡ ካብ’ቲ “ክልተ ዝልቦም ጸላእኩ፡ ሕግኻ ግና ፈተኹ” ዚብል ናይ መዝ 119፡113 ጥቕሲ ዝተወስደ’ዩ። እዚ ኣበሳ’ዚ ይትረፍ ምስ ኣእምሮናን ቀልብናን እናሃለናን ዓይንና እናረኣናን ኪጠብቀና፡ ኣብ ካልኦት ሰባት ክንርእዮ ኸለና’ኳ፡ ንኣታቶም ደንጊጽናሎም፡ ንእኡ ግን ክንጽየፎ’ዩ ዚግብኣና። እዚ ኸኣ ናይ መንፈሳዊ ጥዕናን ብስለትን መርኣያ’ዩ።
ነዚ ጽዩፍ ኣበሳ’ዚ መዋጽኦ ይርከቦ ድዩ፧ ንንስሓ ሰብ ክልተኸ እግዚአብሔር ብርግጽዶ ይቕበሎ’ዩ፧ ካብ’ዚ ሰራም ሕማም’ዚ ንኽንፍወስ እግዚአብሔር ዚገብረልና ረድኤትከ ኣሎዶ፧ ከመይ ደኣ መዋጽኦ ዘይርከቦ!! ሓጢኣት ክንዲ ዝደለየ እንተ ኸበደን እንተ ዓበየን፡ ካብ ጸጋን ምሕረትን ናይ ኣምላኽ ንላዕሊ ኪኸውን ኣይክእልን’ዩ። ዓቕሚ ሓጢኣት ንዓቕሚ ጸጋ እንተ ዓብሊልዎ’ኮ፡ ሰይጣንሲ ንእግዚአብሔር ስዒርዎ ማለትና’ዩ። ሓንትስ መስፈር ዓመጻና ኸየንጀርበበ፡ ዘመን ምሕረትና ኸይተጸንቀቐ ኸሎ ሓቀኛን ልባውን ዘይንጠዓሰሉን ንስሓ ንእተው’ምበር፡ ብምሕረቱ ኽንግረምን ክንሕበንን እንተ ዘይኰይኑ ኣይክንሓፍርን ኢና። እግዚአብሔር ኣቦ፡ ምእንቲ ምሕረትና ኺብል፡ ነቲ ሓደን ቅዱስን ወዱ መስዋእቲ ዝገበረ ኣምላኽ ምዃኑ ኣይንዘንግዕ። ካብ ብጽድቂ ናይ 99 ሰባት ንላዕሊ፡ ብንስሓ ሓደ ሓጥእ ኣዕዚዙ ዚሕጐስ ኣምላኽ’ዩ ዘሎና (ሉቃ 15፡7,10)። ንንስሓና ምሕረት ዘይረኸብና ዀይኑ እንተ ተሰሚዑና፡ ብዛዕባ ርእስናን ብዛዕባ ዓይነት ንስሓናን ደኣ ንጠራጠር’ምበር፡ ብዛዕባ ምሕረቱን ጸጋኡን ኣይኹን። ከም’ቲ ቅዱሳን ኣቦታትና፡ “ደም ክርስቶስሲ፡ ንኣመንዝራ ናብ ድንግል ዚልውጥ’ዩ” ኢሎም ዘረጋገጹልና፡ ናይ’ቶም ሓቀኛታት ተነሳሕቲ ተኣምኖ’ውን፡ ካብ’ዚ ዝተፈልየ ኪኸውን ፍጹም ዘይከኣል’ዩ። ብዛዕባ ምሕረቱ እንተ ተጠራጢርና፡ ካብ’ቲ ንስሓ ንደልየሉ ዘለና ሓጢኣት ዝኸፍአ ሓጢኣት ኪዀነና’ዩ። ንሱ ብምሕረት እምብዛ ሃብታም’ዩ (ኤፌ 2፡3,4)። ኣብ’ቲ ኣበሳ ዝበዝሖ ጸጋኡ ብዘይ ልክዕ ኣዕዚዙ ዜውሕዝ ኣምላኽ’ዩ (ሮሜ 5፡20)። በዚ ናይ ክልተ ልቢ ኣበሳ ኸይተለኽፈ ብንጽህና ኺሓልፍ ዝኽእል፡ እቲ ኸይተሓንኰለን ከይተወላወለን ኣብ ጸጋ ኣምላኽ ዚውከል ሰብ’ምበር፡ ብገዛእ ዓቕሙ ዘይተኣማመን ሰብ’ዩ። ምኽንያቱ፦
“ልቢ (ሰብ) ካብ ኵሉ ጐራሕን ኣዝዩ ሕሱምን’ዩ፡ መንከ የስተውዕሎ፧ ኣነ እግዚአብሔር፡ ንነፍሲ ወከፍ ከከም መገዱ፡ ከከም ፍረ ግብሩ ምእንቲ ኽህቦ፡ ንልቢ እምርምሮ፡ ንዀላሊት (ንሓሳባት) ከኣ እፍትኖ።”
ተባሂሉ ተነጊሩና’ዩ (ኤር 17፡9,10)። እቶም በዚ ሓጢኣት’ዚ ተለኺፍና ዝተጐዳእና ዅላትና ድማ፡ እቲ ግፍዐኛ ፈሪሳዊ ዝነበረ ቅዱስ ጳውሎስ፦
“ኣነ ቐደም ጸራፍን ሰጓጉን ገፋዕን ነይረ ኽነሰይሲ፡ ከይፈለጥኩ ብዘይ ምእማን ስለ ዝገበርክዎ ምሕረት ረኸብኩ። ጸጋ ጐይታና ምስ’ቲ ኣብ ክርስቶስ ኢየሱስ ዘሎ እምነትን ፍቕርን (ኣባይ) ብዘይ ልክዕ ዓዘዘ። ክርስቶስ ኢየሱስ፡ ነቶም ኣነ ዝቐዳማዮም ሓጥኣን ኬድሕን ከም ዝመጸ፡ እዚ ቓል’ዚ እሙን’ዩ። ምቕባሉ’ውን ብዅሉ ግቡእ’ዩ። ግናኸ ኢየሱስ ክርስቶስ ነቶም ናብ ናይ ዘለኣለም ህይወት ኪበጽሑ ኢሎም ብእኡ ዚኣምኑ ነቲ ኣርኣያ ናይ’ቲ ዅሉ ትዕግስቱ ኣባይ ምእንቲ ኼርእይ፡ በዚ ምኽንያት’ዚ’የ ኣነ ምሕረት ዝረኸብኩ። ኣነ ነቲ ሓይሊ ዝሃበኒ ክርስቶስ ኢየሱስ ጐይታና ነገልግሎቱ መዲቡ እሙን ክኸውን ስለ ዘብቅዓኒ አመስግኖ ኣለኹ።” ዝበሎ ቓል ንዘክር (1ጢሞ 1፡13-16)። እቲ ንሕሱም ገፋዒ ናብ እሙን ኣገልጋሊ ዝለወጠ ኣምላኽ ንኣና’ውን ኪልውጠና’ዩ። ቅዱስ ያእቆብ’ውን ንስሓና ዕዉትን ምሕረት ዜውርድን ምእንቲ ኪኸውን
“እምበኣርሲ ንኣምላኽ ተገዝእዎ፡ ንድያብሎስ ግና ተጻረርዎ’ሞ፡ ንሱ ካባኻትኩም ኪሃድም’ዩ። ንኣምላኽ ቅረብዎ፡ ንሱ’ውን ኪቐርበኩም’ዩ። ኣቱም ሓጥኣን፡ ኣእዳውኩም ኣጽርዩ፡ ኣቱም ሰብ ክልተ ልቢ’ውን ልብኹም ኣንጽሁ። ተሸገሩን ጕሃዩን ብኸዩን፡ ስሓቕኩም ናብ ብኽያት፡ ሓጐስኩም ናብ ሓዘን ይለወጥ። ኣብ ቅድሚ እግዚአብሔር ትሕት በሉ፡ ንሱ’ውን ልዕል ኬብለኩም’ዩ።”
ብምባል፡ ብዛዕባ “በዓል ክልተ ልቢ” ምዃን እንታይ ዓይነት ስምዒትን ኣተሓሳስባን ኪህልወና ኸም ዚግብኦ፡ ኣገባብ ንስሓና’ውን እንታይ ኪመስል ከም ዘለዎ ብመንፈስ ቅዱስ ኣነጺሩልና ኣሎ (ያእ 4፡7-10)። ክልተ ልቢ ሒዝካ ስሓቕን ሓጐስን ናይ ዓያሱ ስምዒትን ምርጫን ምዃኑ ኣይንዘንግዕ።
እምበኣር ነዚ ኻብ ሕማሙ ባዕሉ ኺሓውይ ዘይክእል ኣዝዩ ሕሱምን ተንኰለኛን ልብና፡ ምስ’ቲ ፈላጢኡ ኣምላኽ ኴንና ብዘይ ንሕስያ ንመርምሮ። ካልኣይ ልቢ ኣብቍሉ እንተ ጸኒሑና ድማ ምስ’ቲ ረዳኢና ጐይታ ዄንና ንንቀሎ’ሞ ካብ ናይ እምነት ምንዝርና ንፈወስ!!
ጸጋ ጎይታና ኢየሱስ ክርስቶስን ፍቕሪ ኣምላኽን ሕብረት መንፈስ ቅዱስን ምስ ኩላትና ይኹን።
ኦርቶዶክሳዊት ተዋህዶ ቤተ ክርስቲያን ኤርትራ - መንበረ ጵጵስና ሰሜን ኣሜርካ
5 ሕዳር 2023 | ጥቅምቲ 25, 2016 ግዕዝ (8ይ ሰንበት: ቊ..፰/8) |
||
ምስባክ መዝ. ፩፡፫ “ወይከውን ከመ ዕፅ እንተ ትክልት ኀበ ሙኃዘ ማይ።እንተ ትሁብ ፍሬሃ በበጊዜሃ።ወቈጽላኒ ኢይትነገፍ።” “ንሱ ኸምታ ፍሬኣ በብጊዜኣ እትህብ፡ ቈጽላ ኸኣ ዘይረግፍ፡ ኣብ ወሰን ወሓዚ ማይ እተተኽለት ኦም ይኸውን። ዚገብሮ ዅሉውን ይሰልጦ።” |
ንባባት |
ኣንባቢ |
ቈሎ 1፡1-11 |
ዲያቆን |
|
ያእ 1፡1-12 |
ንፍቅ ዲያቆን |
|
ግብ 28፡7-17 |
ንፍቅ ካህን |
|
ሉቃ 12፡22-34 |
ሰራዒ ካህን |
|
ቅዳሴ ፦ ዘእግዝእትነ ማርያም መዝሙር፦ ክርስቶስ ሠርዓ ሰንበተ |
ካብ ውሽጢ ኤርትራ ዝተረኽበ ንቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ንምቁጽጻር ብመንግስቲ ኤርትራ ክካየድ ዝጸንሐን ዘሎን ሽርሒ ዘቃልዕ ቪድዮ
ድኳን መጻሕፍቲ/Book Store
ራድዮ ቃለ ኣዋዲ