“ኢየሱስ ከኣ፡ “ኣነስ ንስኻትኩም ዘይትፈልጥዎ ዝበልዖ ምግቢ ኣሎኒ” በሎም። እቶም ደቀ መዛሙርቱ ኸኣ ንሓድሕዶም ‘ሰብዶ ዀን ገለ ዚብላዕ ኣምጺኡሉ ዀይኑ፧’ ተበሃሃሉ። ኢየሱስ ድማ፡ “ብልዐይሲ ፍቓድ ናይ’ቲ ዝለኣኸኒ (ኣቦይ) ምግባር፡ ዕዮኡ’ውን ምፍጻም’ዩ” (በሎም)።” ዮሃ 4፡32-34 ካ.ት
እዚ ቕዱስ ዕለት’ዚ፡ ራብዓይ ሰንበት ናይ’ዚ ዘለናዮ ዘመን ጽጌ’ዩ። ደጊም ክልተ ሰናብቲ ናይ ዘመነ-ጽጌ’የን ዚተርፋና። ናይ’ዚ ሰንበት’ዚ መዝሙር ቅዱስ ያሬድ “በጊዜሁ ኀለፈ ክረምት” ዘርእስቱ ዀይኑ፡ ዘመን ክረምቲ ሓሊፉ ኣብ’ቲ ምህርትና እንእክበሉ ዘመን ቀውዒ ኸም ዘለና ኣስተውዒልና፡ ብዛዕባ’ቲ ዘሕለፍናዮ ኽረምቲ ንኣምላኽ ከነመስግን ዚድርኸና’ዩ። ካብ’ቶም በዚ መዝሙር’ዚ ዝተሰርዑ ኣርባዕተ ንባባት ሓድሽ ኪዳን ሓደ ድማ፡ እቲ ናይ ዮሃ 4፡34-42 ንባብ ቅዱስ ወንጌል’ዩ። ኣብ’ዚ ንባባ’ዚ ድማ፡ እዚ ኸም ምንጪ ኣርእስትና ተጠቒምናሉ ዘለና መሪሕ ጥቕስና ይርከብ።
ብፍቓድ ርእሱ ተመሊኹ ደስ ከም ዝበሎ ዀይኑ ንዚመላለስ ሰብ፡ እዚ ሓሳብ’ዚ ኣዝዩ በዳሂ’ዩ። እዛ ግእዝቲ ምድሪ ዘርኢ ተቐቢላ ማይ ዝናም ሰትያ ካዕበት ከም ዝፈረየትልና፡ ንሕና ህያዋን ግራት ናይ ኣምላኽ ድማ፡ በቲ ኣብ እዝንናን ልብናን፡ ዝተዘርአ ቓል፡ ብረድኤት መንፈስ ቅዱስ ሚእትን ሱሳን ሳላሳን ክንፈርይ ልዑል ትጽቢት’ዩ ዚግበረልና (ማቴ 13፡3-23 ፣1ቈረ 3፡9)። ነቲ ንባብና እንተ ኣቕሊብናሉ፡ ልክዕ ከም’ቲ መዝሙርን ከም’ቲ ምስባክን፡ ብዛዕባ ዘርእን ፍረን፡ ማለት ብዛዕባ ክረምትን ቀውዕን’ዩ ዚዛረብ። ብዛዕባ ብልዒ ኣብ ዝተዘራረቡሉ ኣጋጣሚ፡ “ንስኻትኩም ዘይትፈልጥዎ ብልዒ ኣሎኒ” እንተ በሎም፡ “ንሕና ዘይንፈልጦ ደኣ፡ እንታይ ዝዓይነቱ ብልዒ ዀን ሃልይዎ’ዩ፧” ኢሎም ኣብ ክንዲ ዚሓትቱ፡ “ሰብዶ ዀን ገለ ዚብላዕ ኣምጺኡሉ ዀይኑ፧” ኢሎም ሓሰቡ። ሰብ’ሞ፡ ካብ’ቲ ንሳቶም ዚፈልጥዎን ዜምጽእዎን ምግቢ፡ ካልእ ዝተፈልየ ምግቢ ኼምጽእ ኣይክእልን’ዩ። ዝተፈልየ ምስጢር ይዛረብ ከም ዘሎ ኼስተውዕሉ ግና ይግብኦም ነይሩ።
እንደገና ድማ ብዛዕባ ወቕትታት ዝነበሮም ፍልልይ ጐይታ ባዕሉ ገሊጽዎ ኣሎ። ብዛዕባ ናይ ሓደ ዓመት ኣርባዕተ ወቕትታት፡ ናይ ኣርባዕተ ኣዋርሕ ፍልልይ ኪህልወካ ኸቢድ’ዩ። ጐይታ “ቀውዒ ኣትዩ” እናበለ ኸሎ፡ ንሳቶም ግና “ገና ኽረምቲ’ውን ኣይጀመረን” ይብሉ ነበሩ። ክንድ’ዚ ዚኣክል ናይ ኣረኣእያ ፍልልይ ኪህልዎም ፈጺምካ ዘይትጽበዮ’ዩ። እዚ ፍልልይ’ዚ ዚፈጥሮ ዝነበረ፡ ንሱ ብዛዕባ ሰማያውን መንፈሳውን ጉዳያት ኪዛረብ ከሎ፡ ንሳቶም ብዛዕባ ስጋውን ምድራውን ጕዳያት ጌሮም ይርድእዎ ምንባሮም’ዩ። እዚ ዝርርብ’ዚ ብዛዕባ ምድራዊ ወቕትታት ዘይምዃኑ ርዱእ’ዩ። ንሱ ብዛዕባ “ናይ ዘለኣለም ህይወት ፍረ” ይዛረብ ነበረ (ዮሃ 4፡36-38) ናይ ዘለኣለም ህይወት ፍረ ድማ ብምድራዊ ዘራእቲ ዘይኰነስ፡ ብዘራእቲ ወንጌል’ዩ ዚርከብ። ብኻልእ ኣዘራርባ ጐይታና፡ “ህዝቢ ብወንጌል ናብ ኣምላኽ ዚእከበሉ ጊዜ ኣኽሊ’ዩ፡ ንስኻትኩም ግና ገና’ዩ ትብሉ ኣለኹም” ዚብል መልእኽቲ’ዩ ዝሃቦም። ድሕሪ’ዚ ድማ በብኽልተ ገይሩ “እኽለይ ኣክቡለይ” ኢሉ ለኣኾም (ማቴ 10፡5-15)። ቅድሚኡ ግና ነቲ ናይ ዓጺድ ተልእኾ ድልው ልቢ ምእንቲ ኺህልዎም፦
“እቲ እኽሊ ብዙሕ’ዩ፡ ዓየይቲ ግና ሒደት’ዮም፡ ስለ’ዚ ነቲ ጐይታ እኽሊ ንእኽሉ ዓየይቲ ኺልእከሉ ለምንዎ።” ኢሉ ተዛረቦም (ማቴ 9፡36-38)። ኣብ’ዚ ሃዋርያዊ ተልእኾም’ዚ ኺዕወቱ እንተ ዀይኖም ግን፡ ልክዕ ከም ጐይታኦም፡ ፍቓድ ናይ’ቲ ዝለኣኾም ኣምላኽ ምግባርን ዕዩኡ ምፍጻምን ከም ብልዖም፡ ከም ብህይወት ንምንባር ዜድልዮም መሰረታዊ ድልየት ጌሮም ናብ ምርኣይ ኪዓብዩን ኪበስሉን የድልዮም ነበረ፡ ሰብ ምግቢ ተመጊቡ ኸም ዚዓግብ፡ ፍቓድ ኣምላኽ ብምግባር ዕዮ ኣምላኽ ብምፍጻሙ ሓለፋኡ ዘይዓግብ እንተ ዀይኑ፡ ኣብ መንፈሳዊ ህይወቱን ኣገልግሎቱን ዕዉት ኪኸውን ኣይክእልን’ዩ። ከም’ዚ ዝበለ መንፈሳዊ ኣተሓሳስባ ምእንቲ ከነማዕብል ድማ’ዩ፡ እዚ ወርቃዊ ኣርእስቲ’ዚ፡ ኣብ’ዚ ኽቡር ዕለተ ሰንበት ክንመሃሮ ተዳልዩልና ዘሎ።
ፍቓድ ኣምላኽ ግን እንታይ ማለት’ዩ፧ ብሓፈሻ “ፍቓድ ኣምላኽ ማለት፡ እቲ እግዚአብሔር ንሕና ኽንገብሮን ክንኰኖን ክንሓልፎን ዚደልየና ዅሉ’ዩ” ኢልና ኽንትርጕሞ ይከኣል’ዩ። “ፍቓድ” ማለት “ድልየት፡ ባህጊ፡ መደብ” ማለት’ዩ። እቲ ተፈጺሙ፡ ተማሊኡ፡ ተተግቢሩ ኽትርእዮ እትደልይ ኵሉ፡ ፍቓድካ’ዩ። ህያው ዘበለ ዅሉ ፍጥረት፡ ከከም ደረጃ ፍጥረቱ፡ ከከም ዓቕሙ ነናቱ ፍቓድ ኣለዎ። ኣብ ምድርን ኣብ ባሕርን ኣብ ሰማይን ዘለዉ ዅሎም ፍጥረታት፡ ፍቓድ ኣለዎም። ብህይወት ኪነብሩ ፍቓድ ኣለዎም። ካብ ምንባር ኪዕንቅፎም ካብ ዚደልይ ሰብ ይኹን እንስሳ፡ ወይ ይሃድሙ ወይ ድማ ይገጥሙሉ። ኪምገቡ ኺጸግቡ ፍቓድ ኣለዎም። ስለ’ዚ በቲ ዝተዋህቦም ዓቕምን ጥበብን ምግቦም ኪምእርሩ ይወፍሩ። ገሊኣቶም እንስሳታት ተገሪሖም (ተዓሊሞም)፡ ፍቓዶም ገዲፎም ንፍቓድ ሰብ ኬገልግሉ ዚኽእሉ’ዮም፡ ገሊኦም ግን ካብ ፍቓዶም ወጻኢ ኺግዝኡ ዘይደልዩን ዚጻብኡን’ዮም። እዞም ንሕና ንጥቀመሎም ተገራሕቲ እንስሳ-ዘቤት፡ ፍቓዶም ንፍቓድ ወናኒኦም ኬግዝኡ ዚኽእሉ’ዮም። ካብ እንስሳ ዘቤት “ኣይግዛእን” ኢሉ ዚኣብይ ክናብ ፍጥረት’ውን ኣሎ። ይኹን ደኣ’ምበር እንሳሳታት ብዛዕባ ፍቓዶም ተሓታትነት የብሎምን፡ ኣብ ፍርዲ ድማ ኣይቀርቡን’ዮም። ፈራዲኦምን መሓሪኦምን ሰብ’ዩ።
ደቂ-ሰብ ድማ ደረጃ ፍጥረትና ኻብ ናይ እንስሳታት ልዕል ዝበለ’ዩ (እዮ 35፡10,11)። ካብ ናታቶም ሕይል ዝበለ ናይ ፍቓድ ዓቕሚ ኸኣ ኣሎና። እግዚአብሔር ድማ ብደረጃ ዓቕምና፡ ናይ ፍቓድ ነጻነት ሂቡ ዝፈጠረና ኢና (መክ 11፡9 ፣ ዘዳ 30፡19)። ብዛዕባ ፍቓድናን ብዛዕባ ዝገበርናዮ ዅሉን ግን፡ ልዑል ተሓታትነት ኣሎና። ናይ ህይወት ተልእኾና ድማ ብልብና ፈቲና ፍቓድና ንፍቓድ ኣምላኽ ከነግዝእ ምኽኣልና’ዩ። ነዚ ተልእኾና’ዚ ኸም ዚግባእ ምስ ‘ንፍጽም፡ ኣብ’ታ መዓልቲ ሓተታ ወይ መዓልቲ ፍርዲ፡ ካብ ኣምላኽ ዓስቢ ንቕበል። “ፍቓድና ኣይነግዝእን” ኢልና፡ ንርእስና ኸም ኣማልኽቲ ቘጺርና፡ እንተ ሓከልናን እንተ ኸነብናን ግን፡ ካብኡ ፍዳና ንቕበል። እዚ ናይ ነጻ ፍቓድ መሰል ዝተዋህበና’ምበኣር፡ መፈንጠራ ኪዀነና ዘይኰነስ፡ ብፍታውና ንፍቓድና መስዋእቲ ብምግባር፡ ናብ’ቲ ሰማያዊ ናይ ኣምላኽ ክብሪ ምእንቲ ኽንጽንበር’ዩ። እዚ ዕድል’ዚ ንኣና ብመልክዕን ምስልን ናይ ኣምላኽ ንዝተፈጠርና ክቡራት ፍጥረት’ምበር፡ ንእንስሳ ዀነ ንዝዀነ ኻልእ ፍጥረት ፈጺሙ ኣይተዋህበን።
እቲ ዝዓበየን ዝበለጸን ዝኸበረን ልኡላዊ ፍቓድ ዘለዎ ግና እግዚአብሔር’ዩ። ፍቓዱ ዅሉ ጊዜ ሰናይ፡ ጻድቕ፡ ቅዱስ፡ ፍጹም’ዩ። ኵሉ ዚፈልጥ ኣብ ኵሉ ዚርከብ፡ ኵሉ ዚኽእል፡ ዘለኣለማዊ ኣምላኽ ስለ ዝዀነ፡ ዝዀነ መንቅብ ኪወጾ ዘይክእልን’ዩ። ኵሉ ጊዜ ሰናይ፡ ሕያዋይ፡ ፈቃር፡ መሓሪ ስለ ዝዀነ፡ ንረድኣዮ ኣይንረድኣዮ፡ ፍቓዱ ዅሉ ጊዜ ጽቡቕ’ዩ። ብርግጽ፡ ካብ’ቲ ጽቡቕ ዚብሃል ናይ ሰብ ፍቓድ ዝተፈልየን ዘይሳነይን ኪኸውን ይኽእል’ዩ። ሰብ ንናይ ኣምላኽ ፍቓድ ኪምርምሮን፡ ጽቡቕ ወይ ክፉእ እናበለ ኪድርጆን ኪፈርዶን ኣይክእልን’ዩ። ከምኡ ንኺገብር፡ ልክዕ ከም’ቲ ፈጣሪኡ እቲ ዘይውረስ መለኮታዊ ባህርያት ገንዘቡ ዝገበረ ኪኸውን ኣለዎ። ማለት ኵሉ ዚኽእል፡ ኵሉ ዚፈልጥ፡ ኣብ ኵሉ ዚርከብ፡ ዘለኣለማዊ እንተ ዘይኰይኑ፡ ንፍቓድ ኣምላኽ ኪግምግምን ኪመዝንን ዜኽእሎ ዝዀነ ዓይነት ብቕዓት የብሉን። ስለ’ዚ ነቲ ልኡላውን ሰናይን ቅዱስን ዝዀነ ፍቓድ ኣምላኽ ብፍታውን ብምልኣትን ተኣዚዙ ኻብ ኣምላኽ ዓስቡ ተቐቢሉ፡ ኣብ’ቲ ሓጐስን ክብርን ናይ ፈጣሪኡ እንተ ተጸንበረ’ዩ ዜሕሾ።
ንፍቓድ ኣምላኽከ ብኸመይ ኢና ‘ንፈልጦ፧ ንፍቓድ ኣምላኽ ብምሉኡ ኽንፈልጦ ኣይንኽእልን ኢና። ምኽንያቱ ንእኡ ዚበቅዕን ዚጸውርን ተፈጥሮ የብልናን። እቲ ንሕና ኽንፈልጦን ፈሊጥና ኸኣ ክንፍጽሞ ዝተመደበልና ፍቓዱ፡ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ብዝርዝርን ብንጹርን ተገሊጹልና ኣሎ። እቲ ሓቀኛን እሙንን ክርስትያን፡ ንእኡ ብልዑል ተገዳስነትን ተመስጦን ኣንቢቡ ቅድስቲ ቤተ ክርስትያንና ብመምህራና ገይራ ኣብ ዘዳለወቶ መኣዲ-ትምህርቲ ተሳቲፉ፡ ብኣፍልጦን ፍቓድን ናይ ቅድስቲ ቤተ ክርስትያን ዝተዳለዉ በብዓይነቶም ጽሑፋትን፡ ብዚስማዕን ብዚረኣይ ተንቀሳቓሲ ፊልምታትን (ኦድዮ-ቪዥዋል) ዝተዳለዉ ትምህርታት ብምክትታል ኪፈልጦ ይኽእል’ዩ።
ፍቓዱ እንተ ዀይኑ ድማ እግዚአብሔር መንፈስ ቅዱስ፡ ብራእይ፡ ብሕልሚ፡ ብትንቢት ፍቓዱ ኼፍልጠና ይኽእል’ዩ። ብርግጽ ከም’ዚኣቶም ዝበሉ ምግላጻት በኣምሮ ሰብ ኰነ ብሰይጣን ኪትምየኑ ስለ ዚኽእሉ፡ ብልዑል ጥንቃቐን ፍርሃትን ኪተሓዙ ዚግብኦም’ዮም። እግዚአብሔር መንፈስ ቅዱስ ካብ ስራሑ ስለ ዘይበዀረ፡ እዚ ኻብ ፍጥረት ዓለም ጀሚሩ ዝተጠቕመሉ ኣገባብ፡ ኣብ ዘመንና በጺሑ ኸም ዘቋረጾን፡ ሕጂ ብእኡ ይጥቀም ከም ዘየለ ምሕሳብን ምዝራብን ግን፡ ኣብ ልዕሊ’ቲ ልኡላዊ ኣምላኽ ዚፍጸም ድፍረታዊ ኣበሳ’ዩ ዚኸውን።
ብዘይካ’ቲ ንዅላትና ዝተገልጸ ዅላትና ኽንእዘዞ ዝተዋህበና ፍቓድ፡ ብፍቓድ ኣምላኽ ዚፍጸሙ ሓያሎ ገጻት ናይ ህይወት ኣለዉና። ከም ኣዘራርባ ሰብ እንተ ተዛሪብና፡ ገሊኦም እወታውያን፡ ገሊኦም ከኣ ኣሉታውያን’ዮም። “ኪዀኑልና ንደልዮምን ዘይንደልዮም” ንምባል’ዮ’ምበር፡ ኣብ እግዚአብሔር ኣሉታዊ ወይ ዘይጽቡቕ ፍቓድ ዚበሃል ፈጺሙ የልቦን። እቶም እወታ እንብሎም መርዓ፡ ውላድ፡ ጥዕና፡ ሃብቲ፡ ኣሳልጦ፡ ዕብየት፡ ሰላም፡ ምዕባለ ወዘተ የጠቓልሉ። ኣሉታ እንብሎም ከኣ ሕማም፡ ማእሰርቲ፡ ውግእ፡ ድኽነት፡ ሞት፡ ስድደት ወዘተ ዝኣመሰሉ’ዮም። ብዘይ ፍቓድ ኣምላኽ ዝዀነ ይኹን ጽቡቕ ኰነ ሕማቕ ነገር ኣብ ህይወትና ኸም ዘይበጽሓና፡ ርጉጽን ውዱእን ሓቂ’ዩ (ማቴ 10፡29,30)። እንታይ ከም ዚገጥመና፡ መዓስን ክሳዕ መዓስን ምዃኑ ወዘተ ግን፡ እግዚአብሔር ብጽቡቕ ምኽንያት ፈትዩ ብሕያውነቱ እንተ ዘይገሊጹልና፡ ፍቓዱ እንታይ ምዃኑ ኽንፈልጥ ኣይንኽእልን ኢና። ኣየድልየናን ከኣ’ዩ። ናትና ሓላፍነት ነታ ብልኡላዊ ፍቓዱ ዝመደበልናን ዘውረደልናን ውህብቲ ዅነታት፡ በቲ ኽንገብሮ ዝተዋህበና ፍቓዱ መሰረት ጌርና፡ ነታ ዅነታትና ብጽድቂ ኸነመሓድራ ጥራሕ’ዩ። እዚ ድማ ካብ’ቲ ንፍቓድ ኣቦኡ ምግቡ ዝገበረ ፍጹም ኣርኣያና፡ ካብ ጐይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ኢና ንመሃሮ (ማቴ 26፡39-44)።
ንፍቓዱ ብልዕኻ ምግባር ማለትከ እንታይ ማለት’ዩ፧ መልእኽቱ ኣዝዩ ንጹር’ዩ። ሰብ ብዘይ ብልዒ ፈጺሙ ብህይወት ኪነብር ኣይክእልን’ዩ። ስለ’ዚ ብልዒ ንወዲ ሰብ ናይ ህላዌኡን ናይ ቀጻልነቱን መሰረት’ዩ። ይትረፍ ምግቢ ፈጺሙ ተሳኢኑ፡ እንተ ተዋሒዱ ጥራይ’ኳ፡ ከመይ ከም ንናወጽን ንሓድሕድና ኸይንባላዕ ከም ዜስግእን ንፈልጥ ኢና። ብሰሪ ጥምየት፡ ደቀንን መዳሕንተንን ዝበልዓ ኣዴታት ከም ዘለዋ፡ መጽሓፍ ቅዱስ ተሪኹልና ኣሎ። ምእንቲ ሓላፊ ብልዕን ሓላፊ ህይወትን፡ ሰብ ክንድ’ዚ ዚምጠጥን ኣርሒቑ ዚኸይድን እንተ ዀይኑ፡ ብዛዕባ’ቲ ንዘለኣለም ዜንብር ፍቓድ ናይ’ቲ ዘለኣለማዊ ኣምላኽከ ደኣ፡ እንታይ ዓይነት ኣረኣእያን ኣተሓሕዛን ኪህልዎ ይግባእ ማለት’ዩ፧ ስለ’ዚ ብዛዕባ ፍቓድ ኣምላኽ፡ ካብ’ቲ ብዛዕባ ብልዒ ዘሎና ኣረኣእያ፡ ኪግለጽ ብዘይክእል ዕጽፍታት ኣዝዩ ዝበለጸን ዝዓበየን ኪኸውን ይግባእ። ካብ ኣርባዕተ ሰዓታት ንላዕሊ ንዘየገልግል ምግቢ፡ ከመይ ጌርና ኻብ’ቲ ንርእሱ ዘለኣለማዊ ዝዀነ፡ ንዝፈጸምዎ ኸኣ ዘለኣለማዉያን ዚገብር ፍቓድ ኣምላኽ ኣብሊጽና ኽንርእዮ ንኽእል፧ ከም’ዚ ዝዓይነቱ ድኹም ኣተሓሳስባ፡ ንእግዚአብሔር፡ ነቲ ልዑል ኣምላኽ፡ ኣብ ገጹ ኸም ምጽፋዕ ዘቝጽር ውርደተኛ ኣተሓሳስባ’ዩ። ብመልክዕን ምስልን ናይ ኣምላኽ ከም ዝተፈጥረ ዚኣምን ክርስትያን ሰብ፡ ናብ ከም’ዚ ዝበለ ኣጋንንታዊ ባህርይ ኪወድቕ ኣይግብኦን፡ ኣይምጥኖን ከኣ’ዩ። እግዚአብሔር ንገሃስትን ረገጽትን ናይ’ታ ልኡላዊትን ቅድስትን ፍቓዱ፡ ኣዝዩ ብዜስክሕን ዕረፍቲ ብዘይብሉ ዘለኣለማዊ ስቓይን ሕነ ዚፈድየሉ ምኽንያት ከኣ ንሱ’ዩ። ስለ’ዚ ሓቀኛታት ክርስትያን እንተ ዄንና፡ ነዛ ክርስቶስ ጐይታና ዝበላ፡ ንሎሚ ድማ ምንጪ ትምህርትና ጌርናያ ዘለና መሪሕ ቃል፡ ክሳዕ ዕለተ ሞትና ዘይትዕጸፍ፡ ናብ ዋጋ ዕዳጋ ዘይትኣትው መትከልናን መምርሒናን ቋንቋ ናይ ልሳንናን ክንገብራ ይግብኣና።
ጐይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ነቲ ኸም ፍቓድ ርእስና ዝዓንደርናሉ ናይ ዕብዳን ዘመን ንስሓን ምሕረትን ሂቡ፡ ኣብ መጻኢ ህይወትና ግን በዛ ንሱ ብቓልን ብግብርን ዘርኣየና መገዲ ንኽንመላለስ ኬለብመናን ኬቅንዓናን ኢሉ’ዩ ስጋና ለቢሱን ፍጹም ሰብ ኰይኑን ዝተጋህደ። እቲ ብዛዕባ ፍቓድ-ርእሱን ፍቓድ ኣቦኡን ኣመልኪቱ ዝተዛረቦ ዅሉ ቓላት ኣዝዩ ዜስተንክር’ዩ።
“ካብ ርእሰይ ገለ ክገብር ኣይክእልን’የ። ፍቓድ ናይ’ቲ ዝለኣኸኒ (ኣቦይ)’ምበር፡ ፍቓደይ ኣይደልን’የ .....” ዮሃ 5፡30
“ኣነ ፍቓድ ናይ’ቲ ዝለኣኸኒ (ኣቦይ)’ምበር፡ ፍቓደይ ምእንቲ ኽገብር ኣይኰንኩን፡ ካብ ሰማይ ወሪደ ዘለኹ።” ዮሃ 6፡38
“ንሱ ......ተምበርኪኹ፡ “ፍቓድካ እንተ ዀይኑ፡ ነዛ (ናይ ውርደትን ናይ ሞትን) ጽዋእ’ዚኣ ኻባይ ኣሕልፋ። ግናኸ ፍቓድካ’ምበር፡ ፍቓደይሲ ኣይኹን” እናበለ ጸለየ።”
ጐይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ እንታይ ሕማቕ ፍቓድ ስለ ዝነበሮ’ዩ፡ ክሳዕ ክንድ’ዚ ንፍቓዱ ኣንኢሱ ንፍቓድ ኣቦኡ ዘዕበየ፧ ካብ እግዚአብሔር ኣቦኡ ብዋላ ሓንቲ’ኳ ዘይንእስ፡ ብዅለንተናኡ ምስ ኣቦ ሓደን ማዕረን’ዩ። ነዚ ዚጠምይ፡ ዚጸምእ፡ ዚደክም፡ ዚመውት ስጋና ለቢሱ’ኳ፡ ካብ’ቲ መለኮታዊ ባህርዩን ክብሩን ፈጺሙ ኣይጐደለን። በቲ ናይ ልሳኑ ቓል ኰነ ብዅሉ ግብርታቱ ፍጹም ኣርኣያና ዀይኑ ንኣና ናብ ቀልብና ኺመልሰና ኢሉ’ምበር፡ ሕማቅ ፍቓድ ስለ ዝነበሮ ኣይኰነን። ንሕና ግን ካብ ጽቡቕና ኽፉእና ዚበዝሕ ደቂ ኣበሳ ኽነስና፡ ንፍቓድ ኣምላኽ ካብ’ቲ ግዕዙይ ፍቓድ ርእስና ኣትሒትና ኽንርእይ ምድፋርና፡ ኣብ ስፍራ ድሕነትን ቅድስናን ቌምና’ኳ፡ ገና ኻብ ጥፍኣት ከም ዘይንርሕቕ ይገብረና ኣሎ። ካብ’ዛ ጥፍኣት’ዚኣ እንኮ መዋጽኦና፡ ነዛ ጐይታና ብግብሪ ዘርኣየና ቅድስትን ቀዳሲትን ምርጫ ምልዓልን ምትግባራን ጥራሕ’ዩ።
እዚ ብጐይታና ዝተባህለን ዝተተግበረን ምርጫ’ዚ፡ እምበርዶ ብደረጃ ሓጥእን ውዱቕን ሰብ ኪትግበር ዚኽእል’ዩ፡ ኪጥቀስ ዚኽእል ኣርኣያኸ ኣሎና ድዩ፧ ክንደይ ብዙሕ’ኳ ደኣ!! እዞም ኵሎም ቅዱሳን ነብያትን ሃዋርያትን’ኮ ኣገልገልቲ ፍቓድ ኣምላኽ ንምዃን ክሳዕ ሞት ርእሶም ዝወፈዩ ዕዉታት’ዮም። ኵሎም’ቶም ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዝተጠቕሱ፡ ንኣምላኽ ዘስመሩ ቕዱሳን ንዕልወትና ምኽንያት ዚኸልኡን፡ ንምእዛዝ ድማ ዜተባብዑናን’ዮም። እቶም ኣብ መልእኽቲ ናብ እብራውያን በብስሞም ተዘርዚሮም ዘለዉ ዅሎም፡ ንፍቓድ ኣምላኽ ከም ዕለታዊ ምግቦም ዝረኣዩ ንፍቓድ ኣምላኽ ልዕሊ ህይወቶም ዘኽበሩ’ዮም። ኖህ፡ ኣብርሃም፡ ይስሃቅ፡ ዮሴፍ፡ ሙሴ፡ እያሱ፡ ሳሙኤል፡ ዳዊት፡ ኤልያስ፡ ኤልሳእ ዝኣመሰሉ ቅዱሳት ኣቦታትና፡ መንፈስ ቅዱስ ንኣርኣያኦም ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ብድሙቕን ፍሩይን ፊደላት ሰኒዱልና ኣሎ። ብፍላይ ነቦና ቕዱስ ዳዊት ኣመልኪቱ፡ ዝተዋህበ፦
“......እግዚአብሔር ከም ልቡ ዝበለ ሰብኣይ (ረኺቡስ)፡ ንእኡ ኣብ ልዕሊ ህዝቡ ሹም ገበሮ።” ዚብል ምስክርነት ኣዝዩ ዓብዪ’ዩ (1ሳሙ 13፡14)። ቅዱስ ጳውሎስ፡ ብዛዕባ ቕዱስ ዳዊት ዝሃቦ ምስክርነት’ውን ግሩም’ዩ።
“......ንዳዊት ድማ ንጉስ ኪኸውን ኣተንስኣሎም። (ብዛዕባ ዳዊት ከኣ)፡ “ዳዊት ወዲ እሰይ ኵሉ ፍቓደይ ዚገብር ሰብኣይ፡ ዝኸም ልበይ ረኸብኩ” ኢሉ መስከረሉ። ..... ዳዊት ኣብ ዘመኑ ንፍቓድ ኣምላኽ ምስ ኣገልገለ ዓረፈ፡ ምስ ኣቦታቱ’ውን ተጸምበረ።” ግብ 13፡22,36
እምበኣር ንሕና’ውን፡ ብድኻም ስጋና ኸየመኽነና ነዚ ድሙቕ ናይ ጐይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስን ኵሎም ቅዱሳትን ኣርኣያ ንኸተሎ። ንፍቓድ ኣምላኽ ዚምልከት ዝተዋህበና ተስፋታት መጠንቀቕታን ኣዝዩ ብዙሕ’ዩ። ንእኡ ኣንቢብና፡ ኣብ ልብና ዓቝርና ንመርሓሉ። ገዛእ ፍቓድና ንዒቕና፡ ንፍቓድ ኣምላኽ ልዕሊ ምግብን ልዕሊ ህይወትን ኣኽቢርና ንምርኣይ ንጠቐመሉ (ማቴ 7፡21 ፣ 12፡49,50 ፣ 21፡10-14 ፣ 22፡14,15 ፣ ሮሜ 12፡2 ፣ ቈሎ 4፡12 ፣ ኤፌ 5፡17 ፣ 1ተሰ 4፡3-5 ፣ እብ 10፡36 ፣ 13፡20,21 ፣ 1ጴጥ 4፡19፡ 1ዮሃ 2፡17 ፣ 5፡14)።
ንፍቓዱ ተኣዚዝና ንኸነኽብሮ፡ እግዚአብሔር ዚገብረልና ረድኤት እንታይ ይመስል፧ ካባና ንላዕሊ ንፍጥረትና ኣጸቢቑ ዚፈልጦ፡ እቲ ፈጣሪናን ኣዛዚናን እግዚአብሔር ባዕሉ’ዩ ስጕምትና ኸነቕንዕ፡ ፍቓድ ርእስና ኽንንዕቅን ክንስዕርን ዘይንኽእል ምዃንና ይርዳእ’ዩ። ጐይታና’ውን ኣግሂዱ፡ “ብጀካይ ሓንቲ ኽትገብሩ ኣይትኽእሉን ኢኹም” ኢሉና’ዩ (ዮሃ 15፡5 ፣ ኤር 10፡23 ፣ መዝ 78፡39 ፣ 103፡14)። ስለ’ዚ በቲ ንድኻምና ኺድግፍ ኣብ ውሽጥና ሓዲሩ መቕደሱ ዝገበረና መንፈስ ቅዱስ ገይሩ ዘየባትኽ ሓገዝ ይገብረልና’ዩ (ዮሃ 14፡15-17 ፣ 16፡7-15 ፣ ሮሜ 8፡26)። ንእኡ ንምኽባር ዜድልየና ዅሉ ጸጋን ሓይልን ምርሒትን ብዘይስፍሪ ኸየስተሓፈረ ብልግሲ’ዩ ዚህበና። ኵሎም ቅዱሳን ድማ ነዚ ሓቂ’ዚ ተኣሚኖሙሉ’ዮም (መዝ 18፡30-33 ፣ 27፡1 ፣ 32፡8 ፣ 46፡1-3 ፣ ግብ 26፡22,23 ፣ 15፡10 ፣ ፊል 4፡11-13)።
እግዚአብሔር ግን ነቶም ብጸሎት ዚሓትዎን ብምሉእ ልቦም ዚውከልዎን’ዩ ዚድግፍ። ነቶም ብዓቕሚ ስጋኦም ዚወከሉ፡ ብዘይ ፍቓዶም ብምሃብ ንጸጋኡ ኣየሕስሮን’ዩ። ስለ’ዚ እቲ ፍቓድ ስጋኡ ስዒሩ ንፍቓድ ኣምላኽ ኬኽብር ዚደልይ ኵሉ ሓቀኛ ክርስትያን፡ ብምሉእ ልቡ ኣብ እግዚአብሔር ኪውከል ይግብኦ። ንትውክልቱ ድማ ብዘየቋርጽ ናይ እምነት ጸሎት ኪገልጾ የድልዮ። ንእግዚአብሔር ብጸሎት ኬዛርቦ ዘይግደስ ሰብ፡ ንፍቓድ ኣምላኽ ይትረፍ ከም ምግቡ ኪቘጽሮ ከም ቍምነገር ገይሩ ኸም ዘይርእዮ ግሁድ መርኣያ’ዩ። ሓደ ኻብ’ቲ ኸነኽብረሉ ዚግባእ ፍቓዱ እንታይ ምዃኑ፡ “ከየባተኽኩም ጸልዩ ጸሎት ኣዘውትሩ፡ ከይቀበጽኩም ኵሉሳዕ ጸልዩ ብዚብል ቃላት ገሊጹልና’ዩ (ሉቃ 18፡1 ፣ ሮሜ 12፡12 ፣ 1ተሰ 5፡17)፡
እቲ ዝዓበየ እግዚአብሔር ዚገብረልና ደገፍ ግና ብደም ቅዱስ ወዱ፡ ጐይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ፡ ንስሓን ሰናይ ሕልናን ምሃቡ’ዩ። ፍቓድ ኣምላኽ ረጊጽካ ፍቓድ ርእስኻ ምኽባር፡ ኣዝዩ ኸቢድ ኣበሳ’ዩ። ነዚ ገበን’ዚ ፈጺምናዮ ኸነብቅዕ፡ ዝዀነ በደል ከም ዘይፈጸመ ዄንና ስቕ እንተ በልና፡ ንኽብደት ኣበሳና ንውስኸሉ ኸም ዘለና ግሁድ’ዩ። ከም’ዚ ዝዓይነቱ ባህርይ፡ ናይ ቃኤል ዝዓይነቱ ደረቐኛ ባህርይ’ዩ። ነቶም ከም ፍቓድ ኣምላኽ ብምጕሃይ ሓቀኛን ዘይጠዓሱሉ ንስሓ ዚኣትዉ ግን፡ እግዚአብሔር ብሕያውነቱ ንስሓን ምሕረትን ጸግይዎም’ዩ። ስለ’ዚ ነቲ ምእንቲ ምሕረትናን ድሕነትናን ዝተሰርዓልና ምስጢረ ንስሓ ከየባተኽና ኸነዘውትሮ ይግብኣና።
ቅዱስ ጳውሎስ ገሊጹልና ኸም ዘሎ፡ ደም ክርስቶስ ንሕልናና ኻብ ምዉት ግብሪ (ካብ ሓጢኣት) ኬጽርይ ዚኽእል’ዩ (እብ 9፡14)። ንፍቓድ ኣምላኽ ከይነኽብር ዚዕንቅፈና ዘሎ ድማ እቲ ዝተበከለ ርኹስ ሕልናና’ዩ። ነቲ ንሕልናና ሓጺቡ ናብ ሰናይ ሕልና ዚልውጥ ደም ክርስቶስ ድማ ኣብ ምስጢረ ቍርባን ኢና ንረኽቦ። ስለ’ዚ ነዞም ንድሕነትና ዝተሰርዑልና ምስጢራተ ቤተ ክርስትያን እናፈጸምና፡ ነቲ ናይ እግዚአብሔር ዜኽእል ጸጋ ንቀበሎ፡
እምበኣር ርእስና ንመርምር’ሞ፡ ምርጫናን ታሪኽና ነሕውይ። ብስሰዐ ደድሕሪ ሓላፊ ምግቢ ጥራሕ ዝዀብለልናሉ ዝሓለፈ ዘመን ድንቍርናን ዘመን ዕብዳንን ይኣክል፡ የብቕዕ ከኣ። ልክዕ ከም ጐይታናን ከም ኵሎም ቅዱሳኑን፡ ንፍቓድ ኣምላኽ መዳርግትን መተካእታን ዘይንደልየሉ ምግብና ንግበሮ!! እታ ኣብ ሰማይ ዝተሰርዐት ልኡላዊትን ቅድስትን ፍቓዱ፡ ብኣና ኣብ’ዛ ሓላፊትን ዓመጸኛን ዓለም ይፈጸም (ማቴ 6፡10)። ፍቓድ ስጋ ነውርና፡ ንፍቓድ ኣምላኽ ግና ክብርና ንግበር!
ጸጋ ጎይታና ኢየሱስ ክርስቶስን ፍቕሪ ኣምላኽን ሕብረት መንፈስ ቅዱስን ምስ ኩላትና ይኹን።
ኦርቶዶክሳዊት ተዋህዶ ቤተ ክርስቲያን ኤርትራ - መንበረ ጵጵስና ሰሜን ኣሜርካ
29 ጥቅምቲ 2023 | ጥቅምቲ 18, 2016 ግዕዝ (7ይ ሰንበት: ቊ..፯/7) |
||
ምስባክ መዝ. ፺፩(፺፪)፡፲፪,፲፫ “ጻድቅሰ ከመ በቀልት ይፈሪ። ወይበዝኅ ከመ ዘግባ ዘሊባኖስ። ትኩላን እሙንቱ ውስተ ቤተ እግዚአብሔር።” “ጻድቕ ከም ስየ ይልምልም፡ ከም ጽሕዲ ሊባኖስ ይዓቢ። እቶም ኣብ ቤት እግዚኣብሄር እተተኽሉ ኣብ ኣጸድ ኣምላኽና ይልምዑ።” |
ንባባት |
ኣንባቢ |
እብ 4፡1-11 |
ዲያቆን |
|
ያዕ 2፡5-14 |
ንፍቅ ዲያቆን |
|
ግብ 4፡31-ፍጻመ |
ንፍቅ ካህን |
|
ዮሃ 4፡34-42 |
ሰራዒ ካህን |
|
ቅዳሴ ፦ ዘእግዝእትነ ማርያም መዝሙር፦ በጊዜሁ ኀለፈ ክረምት |
ካብ ውሽጢ ኤርትራ ዝተረኽበ ንቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ንምቁጽጻር ብመንግስቲ ኤርትራ ክካየድ ዝጸንሐን ዘሎን ሽርሒ ዘቃልዕ ቪድዮ
ድኳን መጻሕፍቲ/Book Store
ራድዮ ቃለ ኣዋዲ