“ፍቑራት ኣሕዋተይ፡ ነዚ ትፈልጡ ኢኹም። ኵራ ሰብኣይሲ ጽድቂ ኣምላኽ ኣየግብርን’ዩ። ስለ’ዚ ነፍሲ ወከፍ ሰብ ንምስማዕ ቅልጡፍ፡ ንምዝራብ ደንጓዪ፡ ንዅራ ደንጓዪ ይኹን።” ያእ 1፡19,20
እዚ ሰንበት’ዚ፡ ሳልሳይ ሰንበት ናይ’ዚ ዘለናዮ ዘመን ጽጌ’ዩ። ኣብ’ዚ ዕለት’ዚ ዚዝመር መዝሙር ቅዱስ ያሬድ ድማ፡ “ወመኑ መሐሪ ዘከማከ” ዘርእስቱ ዀይኑ፡ እግዚአብሔር ንዅራ ደንጓይን ብዓል ብዙሕ ምሕረትን ምዃኑ ዚገልጽ ትሕዝቶ ዘለዎ’ዩ። ከም እግዚአብሔር ዝበለ መሓሪ ኣምላኽ ከም ዘየልቦ፡ ቅዱሳት ጽሑፋት ብኣጽንዖትን ብተደጋጋምን ዜረጋግጽዎ ሓቂ’ዩ። ዋላ ንሕና ባዕላትና’ውን ናይ’ዚ ሓቂ’ዚ ህያውን መስኻኽር ኢና። ነቲ ከቶ ዘየቋርጽ ሓጢኣትና በቲ ጻድቕን ፍትሓውን ባህርዩ እንተ ዚጸባጸበናን እንተ ዚፈርደናን፡ ይትረፍ ንሕና፡ እዛ እንነብረላ ግእዝቲ ዓለም’ኳ ኽሳዕ ሕጂ ኣይምጸንሐትን ነይራ። ከም’’ቲ ብኣፍ ነብዪ ኢሳይያስ ባርያኡ፦ “.....ጠላሚ ምዃንካን፡ ካብ ማህጸን ኣዴኻ ጀሚሮም ‘ገበነኛ’ ኢሎም ከም ዚሰምዩኻን (እፈልጥ’የ)። (ግናኸ) ስለ ስመይ ኢለ ቝጥዓይ አደንጕይ፡ ከየጽንተካ ድማ ስለ ኽብረይ ኢለ ርእሰይ እገትእ ኣለኹ።” ዝበለ፡ ብምሕረቱ ርእሱ እናገትአ’ዩ ክሳዕ ሕጂ ዜናብረና ዘሎ (ኢሳ 48፡8,9)። እግዚአብሔር፡ ብዛዕባ ርእሱ ኣብ ቅድሚ ሊቀ ነብያት ሙሴ፦
“እግዚአብሔር፡ እግዚአብሔር፡ መሓርን ጸጋ’ውን ኣምላኽ ንዅራ ደንጓዪ፡ ብዓል ብዙሕ ለውሃትን ሓቅን፡ ክሳዕ ሽሕ ወለዶ ጸጋ ዚሕልው፡ ዓመጽን ምትሕልላፍን ሓጢኣትን ይቕረ ዚብል፡ ግናኸ ንበዳሊ ኸም ንጹህ ዘይርእይ፡ ሓጢኣት ኣቦታት ደኣ ኣብ ደቅን ደቂ ደቅን ክሳዕ ሳልሳይን ክሳዕ ራብዓይን ወለዶ ዚቐጽዕ” ብምባል ንባህርዩ ባዕሉ ገሊጽዎ’ዩ (ዘጸ 34፡6,7)። ህላወ ናይ ዅሉ ዘርኢ ኣዳም ድማ ኣብ’ዚ ባህርዩ’ዚ ዚምርኰስ’ዩ። እግዚአብሔር ንዅራን ንፍርድን ዚህወኽ እንተ ዚኸውን፡ ታሪኽ ደቂ ሰብን ታሪኽ ዓለምን ምተለወጠ ጥራይ ዘይኰነስ፡ ብመሰረቱ ኺትረኽ ዚኽእል ህላወ ኣይምነበረን። እቲ “ዝኸም ልበይ” ዝተባህለሉ ቕዱስ ዳዊት፡ ነዚ ሰታሪና ዝዀነ ባህርይ ኣምላኽ ግሩም ገይሩ ገሊጽዎ’ሎ።
“እግዚአብሔር ርሕሩሕን መሓርን’ዩ። ንዅራ ደንጓዪ፡ ብሳህሊ ድማ ምሉእ’ዩ። ኵሉ ጊዜ ኣይገንሕን፡ ንዘለኣለም ከኣ ኣይቅየምን’ዩ። ከም መጠን ሓጢኣትና ኣይገብረናን። ከም መጠን ኣበሳና ድማ ኣይፈድየናን’ዩ። ሰማይ ካብ ምድሪ ልዕል ከም ዚብል፡ ከምኡ ምሕረቱ ኣብ’ቶም ዚፈርህዎ ይስልጥን።” መዝ 103፡8-11
እምበኣር እግዚአብሔር ከም’ዚ ዝተጠቕሰ ገይሩ’ዩ በቲ ቕዱስ ባህርዩ ገይሩ ዚጓስየና ዘሎ። ሓጢኣትን በደልን እንተ ዘይነብር ነይሩ፡ እዚ ኣገዳሲ ባህርይ’ዚ ኣይመድለየን ነይሩ። በደልና ኸም ዓይኒ ማይ ብዘይ ምቍራጽ ስለ ዚውሕዝ ግን እዚ መሓርን ንዅራ ደንጓይን ዝዀነ ባህርዩ፡ ንኣና ንኣበሰኛታት ደቂ ሰብ፡ ኣዝዩ ዜገድሰና’ዩ። እቲ ነዚ ብዕምቈት ዝተገንዘበ ቅዱስ ያሬድ “ወመኑ መሐረ ዘከማከ” ኢሉ ምዝማሩ’ምበኣር፡ ንኣምላኽ ዜስምር ንኣና’ውን ዜስተምህር ተግባሩ’ዩ።
ናይ እግዚአብሔር ንዅራ ደንጓይን መሓርን ምዃን’ሞ፡ ምስ’ዚ ናይ ሎሚ ኣርእስትና ዘለዎ ዝምድና እንታይ’ዩ፧ ከም ኣምላኽ ክንከውን ትጽቢት ይግበረልና ማለት ድዩ፧ ብርግጽ ይግበረልና’ዩ። ንምንታይ ድዩ ካብ ባህርዩ ኸፊሉ ብመልክዕን ብምስሉን ዝፈጠረና፧ ምስ ኣምላኽ’ኮ ናይ መልክዕ ገጽ ወይ ናይ ቍመና ኣካላት ምምስሳል ኣይኰነን ዘሎና። እግዚአብሔር ረቂቕ መንፈስ ስለ ዝዀነ፡ ከም’ዚ ናትና መልክዕን ቍመናን የብሉን። ንኣዳም ካብ ሓመድ ምድሪ ምስ ገበሮ፡ ኡፍ ኢሉ ካብ መንፈሱ ብምክፋል፡ ነቲ ተወራሲ ዝዀነ ዅሉ ባህርያቱ ኣካፈሎ። ስለ’ዚ ሰብ ኪፍጠር ከሎ፡ ብባህርዩ ንኣምላኽ ዚመስል ኰይኑ’ዩ ተፈጢሩ። ስለ’ዚ ኸኣ ልክዕ ከም ኣምላኽ መሓሪ፡ ፈቃር፡ ንዅራ ደንጓዪ፡ ርሕሩሕ ወዘተ ናይ ምዃን ምሉእ ዓቕሚ ኣለዎ። ከምኡ ስለ ዝዀነ ኸኣ፡ ነዚ ባህርያት’ዚ ኣብ ኵሉ ማሕበራዊ ዝምድናታቱ ናይ ምንጽብራቕ ሓላፍነት ኣለዎ። ከምኡ ኻብ ምግባር ምስ ዚበኵር ድማ፡ ነቲ ዝተፈጥረሉ ዕላማ ስለ ዘይነበረን ስለ ዝይተግበረን፡ ተሓታትነት ኣለዎ።
ንሕና ሰባት ግና፡ ነቲ ኣምላኽ ዘውረሰና ቕዱስ ባህርያት ተሓሲምና፡ ነቲ ሰይጣን ዘስረጽልናን ዘውረስናን ዘይናትና ባህርያት እናዘውተርና ዘይምሱል መሲልና ንርከብ። ዘዝተወልደ ዘበለ ካብ’ቶም ዝወለድዎን መዋልድቱን ኣብ ከባቢኡ ካብ ዘሎ ዅሉ ሰብን እናተማህረ ስለ ዚበላሸው፡ መሓርን ንዅራ ደንጓዪን ምዃን ከም ዘይንቡር ባህርይ፡ ከም ሕመቕ፡ ኰራይን ተቐያምን ፈዳይ ሕነ ምዃንን ግን ከም ቅቡልን ንቡርን ባህርይ ይርዕሞን ይቕበሎን ኣሎ። መንፈሳዊ ሰብ ኰይኑ ኼብቅዕ፡ ንዅራ ንቝጥዓ ከም ንስሓ ዘየድልዮ ሓጢኣት ገይሩ ናብ ምቝጻር ገጹ የንቈልቍል ኣሎ። እዚ ጊንጢ ተርእዮ’ዚ፡ ነቲ ብሂጉ ብዕላማ ኻብ እንስሳታት ዝተፈለና ገይሩ ካብ ባህርዩ ተማቐልቲ ገይሩ ዝፈጠረና እግዚአብሔር፡ ከቢድ ጥልመትን ዕልወትን’ዩ። ነዚ ዝወረስናዮ ዘለኣለማዊ ባህርያት ስለ ዝደርበና ኢና፡ ብናይ ሓጺር ዕድመ በደላት፡ ናብ ዘለኣለማዊ ስቓይ ክንድርበይ ዚፍረደና።
ስለ’ዚ ነፍሲ ወከፍና ኣብ ውሽጥና ንዅራ ደንጓዪ ናይ ምዃን ዕቑር ዓቕሚ ኣሎና። ከምኡ እንተ ዘይከውን፡ ኰረይቲ ብምዃንና ኣይምተፈረደናን ነይሩ። እንስሳታት ነፍሳዊ ባህርይ’ምበር፡ ከማና መንፈሳዊ ባህርይ ስለ ዘይብሎም፡ ተሓታትነት የብሎምን። እቶም ሰባት ክነስና ከም እንስሳታት እንዋሳእ ግን ብዛዕባ ነፍሲ ወከፍ ተግባርና፡ ጽቡቕ ይኹን ሕማቕ ብዘየገድስ፡ ክንፍረድ ኢና። ብኣኽናፍ ምብራር ናይ ኣዕዋፍ ሰማይ ባህርያዊ ትዕድልቲ’ዩ። ኣኽናፍ እናሃለወን፡ ናይ ምንፋር ዓቕሚ እናሃለወን፡ ነዚ ገዲፈን፡ ከም ኵሉ ኻልእ እንስሳ በእጋረን ኣብ ምኻድ ጥራሕ እንተ ዚድረታ፡ እንታይ ምበልና፧ ሰብን ካልኦት ኣርባዕተ ዝመሓውሮም እንስሳታትን፡ መሓውሮም ኣብ ቦትኡ እናሃለወ ብእኡ ኺጐዓዙ እናኸኣሉ፡ ከም ለመምታ፡ ከም ተመን፡ ብፍሕዅታ ንምኻድ ኪጋደሉ እንተ ንርእዮምከ እንታይ ምበልና፧ ፈጺምካ ዘይሕሰብ ተኽእሎ’ዩ፡ ግን ድማ ኣዝዩ ምገረመና፡ ካብኡ ሓሊፉ’ውን መናደደና ነይሩ። ንሕና ድማ ተማቐልቲ ኣምላኻዊ ባህርይ ኴንና ተፈጢርና ኸነብቅዕ፡ ንእኡ ደርቢና ተማቐልቲ ሰይጣናዊ ባህርይ ኴይና ኽንርከብ ከለና፡ ንኣምላኽ ኰነ ነቲ ብቕንኣት ኣምላኽ ዝተመልአ ሰብ፡ እንታይ ኪስምዖ ኸም ዚኽእል ርዱእ’ዩ።
እንተ ዀነ ካብ ኣምላኽ ንላዕሊ ንኣና ኼጕህየና’ዩ ዚግባእ። እንተ ብሓደጋ እንተ ብባህርያዊ ሕማም፡ ገለ ኻብ ኣካላትና ነቲ ንቡር ስርሑ ምግባር ምስ ዚሰኣኖ፡ ከመይ ከም ‘ንጕህይን ከም ‘ንሻቀልን ንፈልጥ ኢና። ብምኽንያት ወቕዒ ሓንጐል ፍርቂ ሰብነትና ለሚሱ፡ ነቲ እነዘውትሮ ዝነበርና ዅሉ ንጥፈታት ምግባር ክንስእን ከለና፡ ንኣናን ንስድራናን ንዅሉ ፈላጢናን ኣዝዩ’ዩ ዚኸብድ። ናብ ዝኸፍአ መንፈሳዊ ለምሲ ኣቲና፡ ነቲ ንቡር መንፈሳዊ ባህርያትን ግብርታትን ካብ ምግባር ክንበኵር ከለና ዚስምዓና ጓሂ ዘይምህላው ግን፡ ሰይጣን ንጥፍኣትና ኢሉ ኸም ዘደንዘዘና፡ ብምሉእ ሓይሉ ኣብ ልዕሌና ይነጥፍ ከም ዘሎ’ውን ዜመልክተና’ዩ። እዚ ናይ’ዚ ዕለት’ዚ ኣርእስትን መሪሕ ጥቕስን ብቕድስቲ ቤተ ክርስትያንና ዝተሰርዓሉ ምኽንያት ከኣ፡ ካብ ከም’ዚ ዝበለ ሰይጣናዊ ድንዛዘን ማእሰርትን ለምስን ንኼናግፈና’ዩ።
እዚ መሪሕ ጥቕስና ዀነ ብዛዕባ ዅራ ዚዛረብ ካልእ ጥቕስታት፡ “ኣይትዀርዩ” ምባል ገዲፉ ንዅራ ደንጓዪ ይኹን ዚብለሉ ምኽንያት እንታይ’ዩ፧ ደንጕኻ ምዅራይ ይፍቀድ ኰይኑ ድዩ፧ ኣይፋሉን፡ ደንጕኻ ኰነ ተሃዊኽካ ምዅራይ ኣይተፈቕደልናን። ምዅራይ ክሳዕ ዝሃለወ፡ እንተ ቐልጠፈ ዝያዳ ጐዳኢ፡ እንተ ደንጐየ ግና ዘይጓዳእ ኪኸውን ኣይክእልን’ዩ። እቲ ዜዀርይ ኵነታት ጊዜ እንተ በሊዑ፡ እቲ ናይ ኵራ ስምዒት እናደኸመን እናጠፍአን’ዩ ዚኸይድ። እቲ ዅነታት ምስ ተኸስተ ብኡንብኡ ኵራኻ ትገልጽ እንተ ዄንካ ግን፡ እቲ ናይ ኵራ ስምዒት እናሓየለ ኸይዱ ጸርፍን ማህረምትን ካልእን ወሊዱ፡ ናብ ነባሪ ዅራ ገጹ’ዩ ዚምዕብል። ስለ ዝደንጐኻ እቲ ናይ ናይ ኵራ ስምዒት ካብ ውሽጥኻ ዘይጠፍእ እንተ ዀይኑ ግን፡ እቲ ዅራ ናብ ሕዱር ቂምታ ናብ ዝኸፍአ ሓጢኣት ከም ዝማዕበለ’ምበር፡ ከም ዝደንጐኻ ኣየስምዕን’ዩ። ስለ’ዚ ንዅራ ደንጓዪ ምዃን፡ ኵራኻ በኒኑ ንኺጠፍእ ዕድል ንምሃብ’ምበር፡ ኵራኻ ንምግላጽ ዚጥዕም ጊዜ ንኽትረክብ ኣይኰነን። ነቲ ዝደንጐኻሉ ጊዜ ቃላትካን መልሓስካን ከም ካራ ንምስሓል፡ ሕሉፍ በደላት ነጥቢ ብነጥቢ ኣዳሊኻ ሰሪዕካ ንምቕራቡ እትዳለወሉ ጊዜ ጌርካ እንተ ተጠቒምካሉ፡ ምስ ደንጐይቲ ኣየስርዓካን’ዩ። ቃል እግዚአብሔር ንዀረይቲ ሰባት፡ ኵራኦም ንምግላጽ ንዚህወኹ ሰባት፡ ቍልቍል ኣፋ “ዓያሱ” ኢሉ’ዩ ዚጽውዖም።
“ኵራ ዓሻ ብኡንብኡ ይፍለጥ፡ ለባም ሰብ ግና ጸርፊ ይሓብእ። ...... እምኒ ኸቢድ’ዩ፡ ሑጻ ኸኣ ረዚን’ዩ፡ ካብ ክልቲኡ ግና እንጽርጽሮት (ኵራ) ዓሻ ይኸብድ። ...... ኵራ ኣብ ውሽጢ ዓያሱ’ዩ መሕደሪኡ’ሞ፡ ብመንፈስካ ንዅራ ኣይትተሃወኽ።” ምሳ 12፡16 ካ.ት ፣ 27፡3 ፣ መክ 7፡9
ስለ’ዚ ዅራኻ ንምግላጽ ውሽጥኻ ኪህውጸካ ኸሎ፡ ዕሽነትካ ንምግላጽ ርእስኻ ንምውራድ ትህወኽ ከም ዘለኻ ከተስተውዕል ይግባእ። እቲ ኣብ ከባቢና ዘሎ ሰብ መብዛሕትኡ ኸም’ዚ ኸማና ንዅራ ምህዋኽ ከም ጅግንነት’ምበር፡ ከም ዕሽነት ስለ ዘይቈጽሮ፡ ንተግባርና ብዓይኒ ሰብ ክንመዝኖ ኣይግባእን’ዩ። እቲ “ኣይትዀርዩ” ኢሉ ዝኣዘዘን ኣብ መወዳእታ ዚፈርደናን ባዕሉ እግዚአብሔር ስለ ዝዀነ፡ ንሕና’ውን ንነገራት በቲ እግዚአብሔር ዚርእየሉ ዓይኒ ኽንርእዮ’ዩ ዜርብሓና። ስለ’ዚ ብዝዀነን ብዘይኰነን ምኽንያት እናዀረና፡ ንመንፈሳዊ ሚዛንና ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ እንተ ዘየቕለልና’ዩ ዜሕሸና። ብኣንጻሩ እቲ ንዅራ ዘይህወኽን መንፈሱ ገቲኡ ዚኽእልን ሰብ፡ ሃብቲ ኣእምሮ ዘለዎን ጥበበኛ ሰብን ምዃኑ ቓል እግዚአብሔር ገሊጹልና ኣሎ።
“እቲ ንዅራ ደንጓዪ ብዙሕ ኣእምሮ ኣለዎ (ለባም’ዩ)፡ ኰራዪ ግና ዕሽነት ይገልጽ። ......ዓሻ ንዅሉ ዅራኡ ይድርጉሖ፡ ጥበበኛ (ለባም) ግና ይዓግቶ የህድኦ’ውን።” ምሳ 14፡29 ፣ 29፡11)።
እቲ “ለባም” ወይ “ዓሻ” ዚብል ቃል፡ ሰብ ጥራሕ ዚብሎ እንተ ዚኸውን ኣፍኲስና ኽንርእዮ ንኽእል ንኸውን። እቲ ዚብሎ ዘሎ፡ እግዚአብሔር፡ እቲ ኣብ ልዕሊ ልቦናን ዕሽነትን ዚፈርድ ኣምላኽ ምዃኑ ግን፡ ምባል ጥራሕ ዘይኰነ፡ ዚገብሮ ፍርዲ ኸም ዘለዎ ፈሊጥና ዕቱባት ክንከውን ዚጠልበና’ዩ። ይትረፍ ንርእስና ኰረይቲ ኽንከውን፡ ምስ ኰረይትን ተቘጣዕትን ሰባት ከይንቐርብ’ውን ተነጊሩና ኣሎ (ምሳ 22፡24,25 ፣ 1ቈረ 15፡33)። ምኽንያቱ ኵራ ኺምህረናን ኬለማምደናን ይኽእል’ዩ።
ኵራ ኽሳዕ ክንዲ’ዚ ዓብይ ሓጢኣት ዚዀነሉ ምኽንያት ግን እንታይ’ዩ፧ ዜፍርድ ሓጢኣት ጌርካ ምርኣዩ፡ ምግናንዶ ኣይከውንን፧ ዝዀነ ዓይነት ሓጢኣት፡ ብግሉ ኸቢድ ወይ ቀሊል ምዃኑ ልዑል ኣገዳስነት ኣለዎ። ሃዋርያ ቅዱስ ዮሃንስ፡ ናብ ሞት ዜብጽሕን ናብ ሞት ዘየብጽሕን ሓጢኣት ከም ዘሎ ገሊጹልና ኣሎ። ብዛዕባ ዅራ ኸምኡ ኢሉ ዚገልጽ ጥቕሲ እንተ ዘይብልና’ኳ፡ በቲ ብዛዕባ ዅራ ተጠቒሱ ዘሎ ዅሉ ቓል እግዚአብሔር ግን ቀሊል ኣበሳ ዘይምዃኑ፡ ብዙሕ ትንተና ዘየድልዮ ሓቂ’ዩ። ናይ ኵራ ኽብደት ብዝያዳ ዚገሃድ ግና ንኻልእ ብዙሕን ከቢድን ዓይነታት ሓጢኣት ኣፍደገ ዚኸፍት ፈራዪ ሓጢኣት ምዃኑ’ዩ። ቅዱስ ዳዊት፡ ነዚ ሓቂ’ዚ ዜብርህ ግሩም ቃል ጽሒፉልና ኣሎ።
“ኵራ ግደፍ፡ ሓርቖት’ውን ሕደግ፡ ኣይተንጸርጽር፡ እዝስ ናብ እከይ ጥራሕ’ዩ ዜብጽሕ።” መዝ 37፡8 ካ.ት
ኵራ ንርእሱ እኩይ ምዃኑ ኸይኣኽሎ፡ ናብ ካልእ እከይ ዜሰጋግር ምዃኑ፡ ብጥንቃቐ ርእስና ኽንሕልው ዜገድደና’ዩ። ዝዀረየ ሰብ ናብ ቈየቛ፡ ጸርፊ፡ ባእሲ፡ ቅትለት፡ ቂምታ፡ ሕምየት ወዘተ ብቐሊሉ’ዩ ዚወድቕ። እዚኣቶም ድማ ቀለልቲ ኣበሳታት ኣይኰኑን። ንዝዀነ ዓይነት ዝምድናታት ናይ ምሕርፋፍን ናይ ምብታኽን ዓቕሚ ዘለዎም’ዮም። ኣብ ቤተ ክርስትያን ብስም ቅድስቲ ስላሴ ምሒልካ ዝኣተኻዮ ኪዳን፡ ብሰንኪ ኵራ ብፍትሕ ከም ተፍርሶ ኺገብረካ ይኽእል’ዩ። ናብ ባእስን ማህረምትን ኣእትዩ፡ ንሰብ ናብ ምጕዳእ፡ ናብ ምስንካል፡ ናብ ምፍሳስ ደም፡ ናብ ቅትለት ኬብጽሓካውን ዚኽእል’ዩ። ቂምታ ወሊዱ፡ ንዝምድናታት ንሓዋሩ ኺበትኮ፡ ናብ ምፍዳይ ሕነ’ውን ኬብጽሕ ዚኽእል ሰራም ኣበሳ’ዩ። ነባሪ ጽልኢ ገዲፉልካ እንተ ኸይዱ፡ ዋላ ትንዕ ኢልካ እንተ ዘይተዋቓዕካ፡ ብዓይኒ ኣምላኽ ከም ቀታል ነፍሲ ምፍራድካ ዘይተርፍ’ዩ (1ዮሃ 3፡15)። እዚ ዅሉ ዝዘርዘርናዮ ጕድኣቱ፡ እቲ ምድራዊ ሳዕቤኑ’ዩ። እቲ ዘለኣለማዊ ሳዕቤኑ ኸኣ ብማንካ’ኳ ኸይጐደሎ ከም ባርዕ ጫካ ገሃጽሃጽ እናበለ ይጽበይ’ዩ ዘሎ። ነብዪ ዳዊትን ሃዋርያ ጳውሎስን፡ ነዚ ሰራም ሳዕቤን ናይ ኵራ ጽቡቕ ገይሩ ዚእምተልና፡ ሓደ ዓይነት ሓሳባት ጽሒፎምልና ኣለዉ።
“ኰይርዩ፡ ሓጢኣት ከኣ ኣይትግበሩ፡ ኣብ’ቲ ዅራኹም ጸሓይ ኣይትዕረብኩም፡ ንድያብሎስ ከኣ ስፍራ ኣይትሃብዎ።” ኤፌ 4፡26,27
“ኰርዩ’ሞ ኣይትኣብሱ፡ ኣብ መደቀሲኹም መርምሩን ስቕ በሉን። (ሽሕ’ኳ እንተ ተቘጣዕኩም ኣይትኣብሱ፡ ኣብ መደቀሲኹም ኴንኩም ድማ፡ ብህድኣት ብዛዕባ’ዚ (ዘቘጥዓኩም ጕዳይ) ኣዕሚቝኩም ሕሰቡ) መዝ 4፡4 (ቀ.ት+ካ.ት)
“ኰርዩ’ሞ ኣይትሕጥኡ” ማለት ብኻልእ ኣዘራርባ “ኵራ ናብ ካልእ ሓጢኣት ስለ ዜእትወኩም፡ ኣይትዀርዩ” ማለት ምዃኑ ርዱእ’ዩ። ነፍሲ ወከፍና ብዙሕ ናይ ምዅራይ ተመክሮ ስለ ዘሎና፡ ኰሪና ኸነብቅዕ በቲ ንሱ ዚወልዶ ሓጢኣት ከይተበላሸና ዝተረፍናላ መዓልቲ ንዘክር። ንጉስ ሰለሞን ንዅራን ቈየቋን ኣመልኪቱ ዝጸሓፈን ክልተ ኣገደስቲ ጥቕስታት ንመልከት።
“ኰራዪ ሰብ ቈየቛ የልዕል፡ ዓቃል (ሰብ) ግና ባእሲ የህድእ።.... ምጅማር ቈየቛ መንደቑ ኸም ዝጠሓሰ ቐላይ’ዩ፡ ስለ’ዚ ናብ ምሕርቃም ስኒ ኸይበጽሐ (ኸሎ)፡ ካብ ቈየቋ ርሓቕ።” ምሳ 15፡18 ፣ 17፡14 ካ.ት
ኵራ ናብ ቈየቛ፡ ቈየቛ ድማ ናብ ምሕርቃም ስኒ እንተ በጺሑ፡ ብድሕሪኡ እንታይ ከም ዚስዕብ ምሕታት’ኳ ዘየድልዮ ርዱእ ሓቂ’ዩ። ኣብ ምሳ 27፡4 ኸኣ፡
“ ቍጥዓ ጨካን’ዩ፡ ኵራ’ውን ውሒዝ’ዩ.....” ኢሉና ኣሎ። ንውሒዝ ምዕጋት ቀሊል ከም ዘይኰነ፡ ኵራ’ውን ብመሰረቱ እንተ ዘይገቲእካዮ፡ ሓንሳእ ምስ ተበገሰ ነቲ ንሱ ዝወለዶ ሓጢኣት ምዕጋስ ቀሊል ኣይከውንን’ዩ። ስለ’ዚ ከም’ቲ ቕዱስ ጳውሎስ፡ “ኰርዩ’ሞ፡ ሓጢኣት ኣይትግበሩ” ድሕሪ ምባሉ፡
“ነቲ ንመዓልቲ ምድሓን እተሓተምኩምሉ ናይ ኣምላኽ መንፈስ ቅዱስ ኣይተጕህይዎ። ብዘሎ (ምርረትን) ነድርን ኵራን ታዕታዕን ጸርፍን ምስ ኵሉ ኽፍኣት ዘበለ ካባኻትኩም ይርሓቕ” ዝበሎ ቓል ኪዝንጋዕ ኣይግብኦን’ዩ (ኤፌ 4፡30፡31)። ስለ’ዚ ኵራ ካብ’ቶም ንመንፈስ ቅዱስ ዜጕህይዎ ሓጢኣት ሓደን ቀንድን ካብ ኰነ ኺርሕቕ ጥራሕ’ዩ ዘለዎ። መሪሕ ጥቕስና፡ “ኵራ ጽድቂ ኣየግብርን’ዩ” ብምባል ብንጹር ኣፍሊጥና’ዩ። እምበኣር ብሓጢኣት ኬበላሽወና’ምበር፡ ጽድቂ ኽንፈርይ ዘየኽእለና እንተ ዀይኑ፡ ፈጺምና ኸነወግዶ’ምበር፡ ሸለል ክንብልን ከነናሕስየሉን ኣይግባእን’ዩ።
ኵራ ግን ከተርሕቖ ስለ ዝደለኻ ጥራሕ ስቕ ኢሉ ይርሕቀካ ድዩ፧ ንዅራ ኸነርሕቕ ዜኽእለና እንታይ ምስጢር ኣሎ፧ ብዘይ ቃልዓለም፡ ንዅራ ኻባኻ ከተርሕቖ ቀሊል ኣይኰነን። ምኽንያቱ፡ ዳርጋ ምሉእ ዕድመና ናይ ኵራ ስልጠናን ልምምድን ዘሎና ሰባት ኢና። ኵራ ኣጸቢቕና እንመልኮ ሓጥእ ሞያ ስለ ዝዀነ፡ ንኸነርሕቖ ልዑል ቈራጽነትን ዕቱብ ተገዳስነትን ይሓትተና’ዩ። ኵራኻ ናይ ምግታእ ስልጠናን ልምምድን ግን የብልናን። መብዛሕትና፡ አረ ዅላትና’ውን፡ ንዅራ ዚምልከት መንፈሳዊ ይኹን ስነ ልቦናዊ ትምህርቲ ረኺብና ኸም ዘይንፈልጥ ኣሉ ዘይበሃሎ ሓቂ’ዩ። ስለ’ዚ ከም’ቲ ንዅራ ብዘይወግዓዊ ስልጠና ብብዙሕ ልምምድ ዝመለኽናዮ፡ ንምግታእ ርእስኻ’ውን ናይ ግድን ክንለማመዶን ክንመልኮን ይግብኣና’ዩ። እንተ ወሓደ ነዞም ኵራና ኣብ ምግታእ ዚሕግዙና ኣገደስቲ ነጥብታት ጠቒስናዮም ክንሓልፍ ንኽእል ኢና።
1. ብዛዕባ በደላትን በደልትን መጽሓፍ ቅዱሳዊ ኣተሓሳስባ ኽንሃንጽ ይግብኣና። ምስ ሓጥእ ባህርይ ዘለዎም ሰባት ንነብር ስለ ዘለና፡ በደል ኪበጽሓና ንቡር ምዃኑ፡ ንርእስና’ውን በደልቲ ምዃንና ኽንዝክር ይግብኣና። ብዛዕባ በደልና እግዚአብሔር ኰነ ሰባት ኪዅርዩልና ከም ዘይንደልይ፡ ንሕና’ውን ንበደል ሰባት ብዅራ ኽንምልስ ኣይግባእን’ዩ። ነቲ ጐይታና ኣብ ማቴ 7፡12 (ሉቃ 6፡3) ዝሃበና ወርቃዊ መምርሒ ወርትግ ክንዝክሮን ከነተግብሮን ሓላፍነትና’ዩ።
2. በደል ሰብ ኣብ ልዕሌና ንዜውርዶ ጊዝያዊ ጕድኣት ዘይኰነ፡ እቲ በደል ኣብ’ቲ ፈጻሚኡ ዜውርዶ ዘለኣለማዊ ጕድኣት ብዝያዳ ኼተሓሳስበና ኬስግኣናን ይግብኦ። እዚ ብሱልን መንፈሳውን ኣተሓሳስባ’ዚ፡ ነቲ ብዛዕባ ርእስና ዘሎና ቕንኣት (ተሓላቕነት) ገዲፍና፡ ብዛዕባ ኣምላኽን ብዛዕባ’ቲ ብበደሉ ዝተጐድአ ሰብናን ክንግደስን ክንቀንእን ስለ ዚገብረና፡ ነቲ ናይ ኵራ ስምዒትና የህድኦን ናብ ረብሓ ዅላትና የማእዝኖን’ዩ። እዚ ግብረ መልስና’ዚ ድማ ነቲ በዳሊና ብዛዕባ በደሉ ኺጠዓስን ይቕሬታ ኺሓትተና ኬተባብዖን ይኽእል’ዩ።
3. ንኽንቍጣዕን ናይ ቃል ኰነ ግብራዊ መልሲ ኽንህብን ዚድርኸና ርሱን ስምዒት ምስ ዚህልወና፡ ነቲ ኣብ ቅድሜና ንርእዮ ዘለና በዳሊና ዘይኰነ፡ ነቲ ዘይንርእዮ ግን ከኣ ኣዒንቱ ተኺሉ ዚዕዘበና ዘሎ ኣምላኽ ክንዝክር ይግብኣና። ኵሉ በደላት ንኺጐድኣና ጥራሕ ዘይኰነ፡ ንረብሓና ንኼዐውተና ዝመጸ ዕድልን ሓለፋን ምዃኑ ኽንዝክር ይግባእ። በደላት፡ ትዕግስቲ፡ ምሕረት (ይቕረ ምባል)፡ ፍቕሪ፡ ሰናይ ሕልና ንኸተርእይ ወርቃዊ ዕድላት’ዩ ዚፈጥረልካ። ስለ’ዚ ብዝተበደልና መጠን ንፍቓድን ባህግን ናይ ሰይጣን እነገልግል ባሮቱ ኸይንኸውን ንጠንቀቕ። ትዕግስትን ምሕረትን ፍቕርን ወዘተን ተሓሲምካ፡ ቍጥዓን ባእስን ጽልእን ቂምታን ወዘተን ምምራጽ፡ ወርቂ ደርቢኻ ጐሓፍ ምልዓል፡ ድሕነት ደርቢኻ ጥፍኣት ምልዓል’ዩ ዚዀነና። ይስሃቅ ንደፈንቲ ዔላታቱ፡ ዮሴፍ ነቶም ዚጸልእዎ ኣሕዋቱ፡ ዳዊት ንሳኦል፡ እስቲፋኖስ ንቐተልቱ ዝሃብዎ መልሰ ግብሪ ብዙሕ ክንመሃረሉን ክንስዕቦን ዚግብኣና’ዩ። ብዓብዪ ኸኣ እቲ ልዕሊ ዅሉ ኣርኣያታት ዚስራዕ ጐይታና ኣሎ (1ጴጥ 2፡20-24 ካ.ት)። እቲ ኣብ ስብከታቱ ዝገለጾ ኣብ ማቴ 5፡21-24,38-48 ፣ 7፡1-5 ፣ 18፡15-17,21-35 ዚርከብ ንበደላት እነመሓድረሉ መምርሒታት’ውን ክንጥቀመሉ ይግባእ።
ስምዒት ኵራ፡ ነቲ ናይ ኣእምሮኻ ናይ ምምዝዛን ዓቕሚ ኣዝዩ’ዩ ዚሃስዩ። ቃላትካ ዀነ ተግባርካ ብምስትውዓል ክትመርሕ ኣየኽእለካን’ዩ። እቲ ኣቐዲምና ኣብ መዝ 37፡8 ካ.ት ዘንበብናዮ ቓል ንዘክር። ናብ እከይ ጥራሕ’ምበር ናብ ሰናይ ኣይመርሕን፡ ኣየብጽሕን ከኣ’ዩ። ሊቀ ነብያት ሙሴ፡ ብዛዕባ ዓቕሉ፡ እግዚአብሔር፦
“.... ሙሴ ግና፡ ኣብ ገጽ ምድሪ ኻብ ዘሎ ሰብ ዓቃል ነበረ።” ብምባል ዝመስከረሉ ሰብ’ዩ ዝነበረ (ዘሁ 12፡3)። እቲ ሕሱምን መዕዘምዘምን ህዝቢ እስራኤል ግና፡ ንዓቕሉ ጸንቂቖም ናብ ኵራን እንጽርጽሮትን ኣብጽሕዎ (ዘሁ 11፡10-15)። ድሕሪ ኻልእ ተደጋጋሚ ምጕርምራማት፡ ዘይተደላዪ ዘረባ ኽሳዕ ምዝራብ ኣብጽሕዎ፡ ብሰሪ’ዛ ዘረባ’ዚኣ ድማ ንሱን ኣሮንን ናብ ከንኣን ከይኣትው ተፈርዶም (ዘሁ 20፡2-13)። ነቲ ናይ’ዚ ዅራ ሳዕቤን ድማ መጽሓፍ ቅዱስ፦
“ኣብ ማይ መሪባ ድማ (ንእግዚአብሔር) ኣዀረይዎ። ሙሴ’ውን ብሰሮም ተጐድአ። ንመንፈሱ ኣንጸርጺሮምዎ ነበሩ’ሞ፡ ብኸናፍሩ ዕሽነት ተዛረበ።” ብምባል ገሊጽዎ ኣሎ (መዝ 106፡32,33)። እዚ ብዓቕሉ ዝተመስከረሉ ዓብዪ ናይ ኣምላኽ ሰብ፡ ብሰንኪ ናይ ሓንቲ መዓልቲ ዅራ ኽንድ’ዚ ዚኣክል ካብ ተጐድአ፡ እዞም ንዅራ ኸም ቅዲ ህይወት ወሲድናዮ፡ ዘመንና ምሉእ ኣብ ኵራ ተኣሊኽና ንነብር ዘለና ደኣ ማዕረ ኽንደይ ኪጐድኣና ማለት’ዩ፧
እምበኣር ንዅራ ብዚምልከት ከመይ ከም ዘለና ርእስና ንመርምር። ካብ’ዚ ለካሚና ዝዀነ ሰይጣናውን እንስሳውን ባህርይ ርእስና ነንጽህ። ኣሰር ጐይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስን ኣሰር ኵሎም ዕዉታት ቅዱሳንና ንሰዓብ። ነዚ ናይ ኣረጊት ሰብ ባህርይ ዝዀነ ዅራ ምስናይ ግብሩን ፍሪኡን ካባና ቐንጢጥና ንደርብዮ’ሞ፡ ነቲ ኻብ ኣምላኽ ዝወረስናዮን፡ ዳግማይ ብመንፈስ ቅዱስ እንጽገዎን ንዅራ ደንጐይቲ ዚገብረና፡ ናይ’ቲ ብክርስቶስ ዝተሓደሰ ናይ ሓድሽ ሰብ ባህርያት ንልበስ (ኤፌ 4፡20-24)!!።
ጸጋ ጎይታና ኢየሱስ ክርስቶስን ፍቕሪ ኣምላኽን ሕብረት መንፈስ ቅዱስን ምስ ኩላትና ይኹን።
ኦርቶዶክሳዊት ተዋህዶ ቤተ ክርስቲያን ኤርትራ - መንበረ ጵጵስና ሰሜን ኣሜርካ
22 ጥቅምቲ 2023 | ጥቅምቲ 11, 2016 ግዕዝ (6ይ ሰንበት: ቊ.፮/6) |
||
ምስባክ መዝ.፻፲(፻፲፩)፡፬-፭ “መሐሪ ወመስተሣህል እግዚአብሔር። ወመሀቦሙ ሲሳዮሙ ለእለ ይፈርህዎ። ወተዘከረ ኪዳኖ ዘለዓለም።” “ንተኣምራቱ መዘከርታ ገበሮ፡ እግዚኣብሄር መሓርን ርሕሩሕን’ዩ። ንዚፈርህዎ ምግቢ ይህቦም፡ ኪዳኑ ንዘለኣለም ይዝክር።” |
ንባባት |
ኣንባቢ |
ሮሜ 11፡13-28 |
ዲያቆን |
|
ያእ 1፡9-21 |
ንፍቅ ዲያቆን |
|
ግብ 7፡23-ፍጻመ |
ንፍቅ ካህን |
|
ማቴ 20፡1-16 |
ሰራዒ ካህን |
|
ቅዳሴ ፦ ዘእግዝእትነ ማርያም መዝሙር፦ ወመኑ መሐሪ ዘከማከ |
ካብ ውሽጢ ኤርትራ ዝተረኽበ ንቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ንምቁጽጻር ብመንግስቲ ኤርትራ ክካየድ ዝጸንሐን ዘሎን ሽርሒ ዘቃልዕ ቪድዮ
ድኳን መጻሕፍቲ/Book Store
ራድዮ ቃለ ኣዋዲ