“ንኽልተ ጐይቶት ኪግዛእ ዚኽእል የልቦን። ወይ ነቲ ሓደ ጸሊኡ፡ ነቲ ሓደ ይፈትው፡ ወይ ከኣ ነቲ ሓደ ተኣዚዙ፡ ነቲ ሓደ ይንዕቕ። ንኣምላኽን ንገንዘብን ክትግዝኡ ኣይኰነልኩምን’ዩ።” ማቴ 6፡24
እንሆ’ዚ ዘለናዮ ሰንበት፡ ናይ’ዚ ኣትናዮ ዘለና “ዘመነ ጽገ” ካልኣይ ሰንበት’ዩ። ኣብ’ቲ ቐዳማይ ሰንበት ከም ዝተገልጸልና፡ ብኣቈጻጽራ ግእዝ፡ ካብ መስከረም 26 ክሳዕ ሕዳር 5 ዘሎ 40 መዓልታት “ኣባ ዮሐኒ ጽጌ” ተባሂሉ ዚጽዋዕ’ዩ። “ጽጌ” ዚብል ቃል ናይ ግእዝ ቃል ኰይኑ ትርጕሙ “ዕምበባ” ማለት’ዩ። ነዚ ዕለት’ዚ ዝተሰርዐ ኻልኣይ ናይ ዘመነ ጽጌ መዝሙር ከኣ፡ “ኪነ ጥበቡ መንክር ወዕፁብ” ዘርእስቱ፡ ነቲ እግዚአብሔር ኣብ ፍጥረቱ ዘግሃዶ ጥበቡ ዜድንቕ’ዩ። ነዚ መዝሙር’ዚ መሰረት ብምግባር ካብ ዝተሰርዑ ኣርባዕተ ነባባት ሓድሽ ኪዳን፡ እቲ ናይ ወንጌል ማቴዎስን ቀዳመይቲ መልእኽቲ ጴጥሮስን ንባባት፡ ዕምባባ መሮር ዚጠቅስ ትሕዝቶ ዘለዎ’ዩ። እቲ ናይ መዝሙረ ዳዊት ምስክባክውን፡ ዕምባባ ጠቀስ’ዩ።
ናይ’ዚ ሎሚ ዝተሰርዓልና ንባብ ቅዱስ ወንጌል ማእከላይ መልእኽቲ እንታይ’ዩ፧ ጐይታ ነዚ ናይ “ክልተ ጐይቶት” ሓሳብ ምስ ጭንቀት ኣተሓሒዙ ዝጠቐሰሉ ምኽንያትከ እንታይ ኰን ይኸውን፧ እዚ ናይ’ዚ ዕለት’ዚ ንባብ ቅዱስ ወንጌል (ማቴ 6፡9-ፍጻሜ)፡ ጐይታና ኻብ ጭንቀት ኬናግፈና፡ ኣብ ልብና ሰላም ኬንግሰልና ኢሉ ዝመሃሮ ትምህርቲ ዝሓዘ’ዩ። እዚ ኣጕልን ዘይምኽንኑይን ጭንቀት’ዚ፡ ሰላምን ቅሳነትን ዚኸልእ ጥራሕ ኣይኰነን። ካልእ ሰራም ሳዕቤን’ውን ኣለዎ። ነቲ ጭንቀትና ፍታሕ ዚዀነልና መሲሉና ንኻልእ “ኣማራጺ ይዀነና’ዩ” ዝበልናዮ ጐይታ ኽንግዛእ ዚደፍእ፡ ናብ መንፈሳዊ ምንዝርና ገጹ ዚድርኽ ግናይ ሳዕቤን ኣለዎ። ጭንቀት፡ ክትጻወሮ ዚኸብድ ሳቓዪ ስምዒት’ዩ ዚፈጥር። ካብኡ ንኽንናገፍ ገለ ፍታሕ ክንረክብ’ውን ብርቱዕ ድፍኢት ይገብረልና። ንሕና ብፍርሃት እግዚአብሔር ርእስና እንተ ዘይገቲእና፡ ብእምነት’ውን ኣብ ኣምላኽ እንተ ዘይተወኪልና፡ ረቢሹን ሃዊጹን ናብ ዝኸፍአ መጻብቦ ኼእትወና ይኽእል’ዩ። ከም’ቲ ኣብ ሃገርና፡ “ዝጨነቖ ሰብኣይሲ መቓብር ኣቦኡ ፈሓረ” ዚብል ምስላ ዘሎና፡ ጭንቀት ናብ ዘይከውን፡ ብዝሰኸነ ኣእምሮ ፈጺምካ ናብ ዘይትሓስቦ ኣጕልን ሓዲግን ምርጫታት’ዩ ዜጽድፈካ። ኣብ መቓብርሲ ዝዀነ ዓይነት ፍታሕ ኣይርከብን’ዩ። ሓድሽ እንተ ዀይኑ ዝበስበሰ፡ ገምቢ ዚሽትት ሬሳ’ዩ ዜጽንሓልካ። ነዊሕ ዝገበረ መቓብር እንተ ዀይኑ ድማ ብዘይካ ዝደረቐ ኣስከሬን ካልእ ትሕዝቶ የብሉን። ጭንቀት ሕሱም ግን ዘይሕሰብ ኣሕሲቡ፡ ናብ ዘይትረብሓሉ ጥራሕ ዘይኰነስ፡ ናብ ጐዳኢ ምርጫ የእትወካ። ብጭንቀት ዝተናወጹ፡ ተስፋ ዝቘረጹ፡ ጣዕሳን ሕፍረትን ነእምሮኦም ዘጸልመቶ ሰባት፡ ዚገላገሉ መሲልዎም ህይወቶም ብገዛእ ኢዶም ዜሕልፉ፡ ኣብ ዓለምና ኣዝዮም ብዙሓት’ዮም። ድሕሪ ሞትን ኪኖ መቓብርን እንታይ ይጽበዮም ከም ዘሎ ግን ኣይሓስብዎን’ዮም። ኪግመት ብዘይክእል ዕጽፍታት ናብ ዚገድድን ዕረፍቲ ናብ ዘይብሉን ስቓይ ከም ዝተሳገሩ፡ ዝኸፍአ ኸም ዝመረጹ ግን፡ ኣብኡ ኽሳዕ ዚበጽሑ ኣይፈልጥዎን’ዮም። ጭንቀት፡ ናብ ኪቝጸር ዘይክእል ካልእ ጐዳኢ ኣማራጺታት’ውን ይደፍኣና’ዩ። ልዕል ኢልና ኸም ዝኣንፈትናዮ፡ ናብ ናይ ክልተ ጐይቶት ምርጫ’ውን የጽድፈና’ዩ።
እዚ ፈተና’ዚ ዚበዝሕ ጊዜ ነቶም “ኣብ እምነት፡ ኣብ መንፈሳውነት ኣለና” ኢልና እንኣምን ሰባት’ዩ ዚፈታተነና። እቲ ቐዳማይ ኣምላኽና፡ እግዚአብሔር ብዓብዩ’ዩ። ምስኡ እናሃለናስ፡ ካብ’ቲ ናይ ጭንቀት ነገር ብዜዕግብ መገዲ ኼናግፈና ኸም ዘይከኣለ ዀይኑ እንተ ተሰሚዑና፡ ከም መተካእታ ዘይኰነስ ከም መመላእታ ዚዀነና ሓደ ኻልእ ጐይታ ኽንድርበሉ ንቕሰብ ማለት’ዩ። ከም ተደራቢ ኻልኣይ ጐይታ ጌርና ኣዘውቲርና ኻብ ‘ንጥቀመሎም ሓደ፡ እቲ ጐይታና ባዕሉ ዝጠቐሶ “ገንዘብ” ዚበሃል ጐይታ’ዩ። ካልኦት’ውን ውሑዳት ኣይኰኑን። ሰባት፡ ስልጣን፡ ሓይሊ፡ ጥበብ፡ ፍልጠት፡ ማሕበራዊ ደረጃ፡ መበቈል (ዓሌት)፡ ሃይማኖት፡ ዜግነት ወዘተ ዝኣመሰሉ፡ ከም ጐይታ ዀይኖም ኪገዝኡናን ክንግዝኦምን ዝመረጽና ጣኦታት’ዮም። ካብ እግዚአብሔር ወጻኢ፡ ከም ኣምላኽ ወይ ከም ጐይታ ዀይኑ ዚገዝኣና ዅሉ ድማ ጣኦት ምዃኑ ኽንዝንግዖን ክንክሕዶን ኣይግባእን’ዩ። ድሕሪ’ዞም ንኣሽቱ ጣኦታት ኰይኑ ዚገዝእ ቀንዲ ጐይታ ግን፡ እቲ ጐይታና ባዕሉ “ገዛኢ’ዛ ዓለም’ዚኣ” ኢሉ ዝሰመዮ ድያብሎስ (ወይ ሰይጣን)’ዩ። ጭንቀት ድማ እቲ ቐንዲ ዘርእን ህያብን ናይ ሰይጣን’ዩ። (ዮሃ 14፡30 ፣ 16፡11 ፣ 2ቈረ 4፡4)። እግዚአብሔር ነቶም ንእኡ ጥራሕ ዚግዝእዎ እሙናቱ፡ ሰላሙ ይጽግዎም። ሰይጣን ከኣ ነቶም ፈትዮም ዚግዝእዎ ናብ ዝኸፍአ ምርጫን ሃለዋትን ኣእትዩ ንዘለኣለም ኣብ’ቲ ቐላይ ሓዊ መዋርስቱ ምእንቲ ኺገብሮም፡ ብጭንቀት ይቐልዎምን የዕብዶምን። ንሳቶም ከኣ፡ ከም’ቲ ዝተጠቕሰ ምስላ፡ ዝኸፍአ ጸበባ’ምበር፡ ራህዋ ዘይርከቦ መቓብራት ኪፍሕሩ ይነብሩ ማለት’ዩ።
ካብ ሓደ ንላዕሊ ጾታዊ መጻምድቲ ንዝገብረ ሰብኣይ ወይ ሰበይቲ “ኣመንዝራ” ኢልና ኸም ‘ንሰምዮ፡ ካብ ሓደ ንላዕሊ ጐይቶት ዘለዉዎ ሰብ’ውን ብርግጽ ኣመንዝራ’ዩ። መንፈሳዊ ምንዝርና፡ ካብ ጾታዊ ምንዝርና ዝኸፍአ ምዃኑ፡ ፈጺሙ ዘየጠራጥር ሓቂ’ዩ። መንፈሳዊ ምንዝርና፡ ናይ ኣምልኾ ምንዝርና ስለ ዝዀነ፡ ብቐጥታ ኣብ ልዕሊ እግዚአብሔር ዚፍጸም ግህሰታዊ ኣበሳ’ዩ። ምኽንያቱ እግዚአብሔር “ብዘይካይ ካልእ ኣምላኽ የለን፡ ካልኦት ኣማልኽቲ ኣይተምልኹ” ኢሉ ብኣጽንዖትን ብተደጋጋምን ኣዚዙን ኣጠንቂቑን’ዩ (ዘዳ 4፡39 ፣ ዘጸ 20፡30 ፣ ኢያ 2፡11 ፣ ኢሳ 45፡5 ፣ 2ቈረ 6፡14)። ህዝቢ እስራኤል ኰነ ህዝቢ ይሁዳ ነዚ ጽኑዕ ትእዛዛቱ’ዚ ጥሒሶም ብኣምልኾ ጣኦት የጕህይዎን የቘጥዕዎን ስለ ዝነበሩ፡ ነቲ ኣበሳኦም’ቲ ዝሃቦ መጸውዒ “ምንዝርና” ዚብል ነበረ (ኢሳ 1፡21 ፣ ኤር 3፡8)። ነታ ሃገር ብምልእታ ድማ “ኣመንዝራ” ኢሉ ይጽውዓ ምንባሩ፡ ኣብ ኵላቶም መጻሕፍቲ ነብያት ብብዝሕን ብስፍሓትን ዝተገልጸ ሓቂ’ዩ (ኢሳ 57፡3 ፣ ኤር 3፡3)። ኣብ ሓድሽ ኪዳን በጺሑ ኸኣ፡ እቲ ሓቂ ኣዝዩ ይጸንዕ’ምበር፡ ኪልወጥን ኪፈኵስን ኣይክእልን’ዩ። ነቲ ሓጢኣት ስም ስለ ዝለወጥካሉ፡ ቅልል ዝበለ ቓላት ስለ ዝተጠቐምካ፡ ክብደት ናይ’ቲ ሓጢኣት ኣይቀልልን’ዩ። ምናልባት ንንስሓ እንተ ጠቐመና፡ በቲ ሓቀኛን ዚምጥኖን ስሙ እንተ ጸዋዕናዮ’ዩ ዚምረጽ። ነቲ ጐይታና ዝተጠቕመሉ ናይ ገንዘብ ኣብነት ተጠቒምና’ሞ ኽንርድኦ ንፈትን። ንሓደ ብፍቕሪ ገንዘብ ዝተጠቕዐ ሰብ፡ “ፈታው ገንዘብ ኢኻ” እንተ በልናዮ፡ “እንታይ’ሞ፡ መንከ’ሎ ገንዘብ ዘይፈትው፧” እናበለ ዝዀነ ዓይነት ክብደት ከይተሰምዖ ብቐሊሉ ኺምልስ ይኽእል’ዩ። “ናይ ኣምልኾ ምንዝርና ትፍጽም ኣለኻ” ወይ’ውን “ኣብ መንፈሳዊ ምንዝርና ኢኻ ዘለኻ” እንተ በልካዮ ግን ከመይ ልዑል ክብደት ከም ዚስምዖ፡ ልብና’ውን ብቐሊሉ ዚርድኦ ሓቂ’ዩ።
ጐይታ ግን ካብ’ዞም ኵሎም ተደረብቲ (ደባል) ጐይቶት ንምንታይ’ዩ ፈልዩ ንገንዘብ ከም ኣብነት መሪጽዎ፧ ብዘይቃል ዓለም፡ ነታ ዝበለጸት ኣብነት’ዩ መሪጹልና። ምኽንያቱ፡ ገንዘብ ዘይጥቀምን፡ ብኣሉታ ይኹን ብእወታ፡ ብገንዘብ ዘይጽለውን ሰብ የብልናን። ብድሕሪ ገንዘብ ተሓቢኡ ዚገዝእ ቀንዲ ጐይታ፡ ሰይጣን ክነሱ፡ ነዚ ሓቂ’ዚ ኸም ዚግባእ ስለ ዘይነስተውዕሎን ስለ ዘይንኣምነሉን፡ ኣግሂዱ “ንኣምላኽን ንሰይጣንን ክትግዝኡ ኣይትኽእሉን ኢኹም” እንተ ዚብሉና፡ ፍኹስ ዝበለ ኣብነት ዝተጠቕመ ዀይኑ ምተሰምዓና ነይሩ። ዕድመና ምሉእ ብገንዘብ ክንገዝእን ክንግዛእን ስለ’ንነብር፡ ናይ ገንዘብ ነገር ኪለዓል ከሎ ቀልብና ስለ ዚሰሓብ፡ ኣእምሮና ቆብ የብሎ’ሞ ቀልጢፉ’ዩ ዚርድኣና። ሰይጣን ግን ዘይረኣይ ዘይድህሰስ ረቂቕ መንፈስ ስለ ዝዀነ፡ እቲ መንፈሳዊ ኣዒንቱ ዝነቝሐ፡ መንፈሳዊ ልቦና’ውን ዘጥረየ ሰብ እንተ ዘይኰይኑ፡ እቲ ንህይወቱን ንእምነቱን ብሃሰሰ-ለባም ዚመርሕ ሰብ ፈጺሙ ኣይፈልጦን፡ ኣየስተውዕሎን’ውን’ዩ።
ጐይታና “ንኣምላኽን ንገንዘብን ክትግዝኡ ኣይትክእሉን ኢኹም” ምስ በለ፦ “እቶም ፈተውቲ ገንዘብ ዝነበሩ ፈሪሳውያን ከኣ፡ ነዚ (ምስ ሰምዑ) የላግጹሉ ነበሩ። (ጐይታ ድማ)፡ “እቲ ኣብ ቅድሚ ሰብ ዓብዪ መሲሉ ዚረኣይ (ሰብ)፡ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ግና ፍንፉን’ዩ’ሞ፡ ንስኻትኩም ርእስኹም ኣብ ቅድሚ ሰብ ተጽድቑ ኢኹም፡ ንልብኹም ግን ኣምላኽ ይፈልጦ’ዩ።”“ (በሎ)። ብምባል ወንጌላዊ ሉቃስ ተሪኹልና ኣሎ (ሉቃ 16፡14,15)። ምኽንያቱ ንሳቶም ነዞም ክልተ መጻርርቲ ጐይቶት ግርም ጌሮም ኣተዓሪቖምን ኣወሃሂዶምን ይግዝእዎም ከም ዘለዉ ዚሓስቡ ዕዉራት መራሕቲ’ዮም ዝነበሩ። ጐይታና ግና፡ ብእግዚአብሔር ዝተፈንፈኑ ምዃኖም ኣግሃደሎም። እምበኣር ንሕና’ውን ኣብ ልዕሊ ኣምላኽ ካልኦት ጐይቶት ደሪብና መንፈሳዊ ምንዝርና ኽንፍጽም ከለና፡ ኣብ ዓይኒ ኣምላኽ፡ ልክዕ ከምኣቶም ፍንፉናት ኢና ንኸውን።
ዝምድና ገንዘብን ጭንቀትንከ እንታይ’ዩ፧ ሰብ ብዙሕ ገንዘብ ስለ ዝረኸበኸ ካብ ጭንቀት ይዓርፍ ማለት ድዩ፧ ንገንዘብ ከም ጐይታ ጌርና ኽንግዝኦ ዚገብረና ዘሎኸ እንታይ’ዩ፧ ጐይታና ኣስፊሑ ገሊጽዎ ኸም ዘሎ፡ ብዙሕ ጊዜ ንሰብ ዜጨንቖ እቲ መሰረታዊ ድሌየታቱ’ዩ። መሰረታዊ ድልየታት (Basic needs) ማለት ድማ ምግቢ (ዚብላዕን ዚስተይን)፡ ክዳን፡ መጽለሊ’ዩ። እዚ ነገር’ዚ ዘየተሓሳስቦን ዘየጨንቖን ሰብ ድማ “ዳርጋ የለን” ኪበሃል ይከኣል’ዩ። ካብ ህዝቢ ዓለም እቲ ዚበዝሕ ከኣ ብዛዕባ መሰረታዊ ድልየቱ ዚሽገር ድኻ’ዩ። ነቲ “ገንዘብ ኣለዎ” ዚበሃል’ውን ዝበዝሐ ገንዘብ ኪረክብ ብዘይ ዕረፍቲ ኪሃልኽ ዚደፍኦ ድማ፡ በቲ ትሕዝቶኡ ስለ ዘይዓግብ’ዩ። እቲ ጭንቀት በቲ ብዝሒ ገንዘብ ተደጕሉ ደኣ’ዩ ዘሎ’ምበር፡ ኣይጠፍእን’ዩ። ብቑዕ መርማርን ተንታንን (Analyst) እንተ ዚርከብ፡ እቲ ብዝሒ ገንዘብ ኣብ ውሽጡ ውሕስነትን ዕግበትን ከም ዘይፈጠረሉ፡ ገና ኣብ ውሽጡ ተቐቢሩ ዜዕገርግሮ ጭንቀት ከም ዘለዎ መግሃዶ ነይሩ። ብዛዕባ ሃብታማት ዝተገብሩ መጽናዕትታት፡ ዜግህድዎ ብዙሕ ሓቅታት ኣሎ።
ንሰብ ናይ ገንዘብ ነገር ብኸመይ ከም ዜጨንቖ፡ ብዛዕባ ገንዘብ ዘለዎ ኣተሓሳስባ እንታይ ከም ዚመስል ጐይታ ገሊጹልና’ዩ። እናመሃረ ኸሎ ሓደ ሰብኣይ መጺኡ፡ “መምህር፡ ንሓወይ ርስተይ ኪመቕለኒ (ተዛረበለይ)” ኢሉ ሓተቶ። ጐይታ ድማ እቲ ዜባእሰናን ዜሸግረናን እንታይ ምዃኑ፦
“ህይወት ሰብ ብብዝሒ ገንዘብ ኣይኰነትን’ሞ፡ ተጠንቀቑ፡ ካብ ኵሉ ስሰዐ ኸኣ ርእስኹም ሓልዉ።” ብምባል ኣግሂድዎ ኣሎ (ሉቃ 12፡13-15)። ህይወት ዚርከብ ብገንዘብ ጥራሕ ከም ዝዀነ ስለ ‘ንሓስብ ኢና፡ ነቲ ዘጥረናዮ ገንዘብ ከም ጐይታና ጌርና፡ ንሕና ኸኣ ባሮቱ ዄንና ኽንግዝኦ ንነብር። እዛ ኣተሓሳስባ’ዚኣ ድማ ገንዘብ ኣብ ዘለዎን ዘይብሉን ሰብ፡ ጭንቀት ትወልድ። እቲ ጸገም ናይ ኣተሓሳስባ ምዃኑ ስለ ዘይርድኣና፡ ብዝሒ ገንዘብ ብምውሳኽ ከነህድኦ ንጋደል። ዋላ ንምልእቲ ዓለም ክንውንና እንተ ንኽእል’ውን፡ ነቲ ፍታሕ ኣይንረኽቦን ኢና። ነዚ ኣተሓሳስባ’ዚ ገለ መንፈሳዊ ፈውሲ እንተ ዘይረኺብናሉ፡ ነቲ ዘለኣለማዊ መጻኢና’ውን ከም ዘይዕረይ ገይሩ ኼበላሽወልና ዚኽእል’ዩ። እዚ ድማ ኣብ’ቲ ጐይታ ዝተጠቕመሉ “ምስላ ግራቱ ዝቐደወሉ ሰብኣይ” ብንጹር ተራእዩ ኣሎ (ሉቃ 12፡13-21)። ነቲ ታሪኽ እንተ ኣስተውዓልናዮ፡ እቲ ዓሻ ሰብኣይ ኣብ ገዛእ ዓይኑን ኣብ ዓይኒ ሰባትን ኣዝዩ ሃብታም፡ ኣብ ዓይኒ ኣምላኽ ግና ሃብታም ዘይኰነስ ድኻ ዀይኑ ተረኽበ። ካብ ክልቲኦም ጐይቶት ሓዲግ ተረፈ። እቲ ዝተበደለ ሓቀኛ ጐይታ፡ ህይወቱ ኣሕደጎ። እቲ ጠባሪ ጐይታ ድማ ንህይወቱ ኼትርፍ፡ ወይ ናቱ ህይወት ኪህቦ፡ ካብ ኢድ ኣምላኽ ኬድሕኖ ኣይከኣለን።
እቲ ሓቀኛን ግብራውን ታሪኽ ናይ’ቲ ሃብታም ጐበዝ፡ ብዓል ድርብ ጐይታ ምዃን ዘለዎ ሓደጋ ጽቡቕ ገይሩ’ዩ ዜርእየና (ማቴ 19፡16-24 ፣ ማር 10፡17-25 ፣ ሉቃ 18፡18-23)። እቲ ሃብታም ሰብ፡ ካብ ጐይታ ንላዕሊ ንገንዘቡ ኺግዛእ ምምራጹ፡ ገንዘብ ማዕረ ኽንደይ ሓደገኛ ጐይታ ምዃኑ ብስእላዊ መገዲ ዜርእየና፡ ዜሕዝን ታሪኽ’ዩ። እዚ ሰብ’ዚ ናይ ብሓቂ ፍቕሪ ኣምላኽን ዘለኣለማዊ ህይወት ናይ ምርካብ ልዑል ባህግን ከም ዝነበሮ፡ ብዓቕሙ’ውን ነቲ ዓሰርተ ትእዛዛት ካብ ንእስነቱ ጀሚሩ ኬኽብሮ ከም ዝተጋደለ ኣመስኪሩ’ዩ። እቲ ፈላጥ-ኵሉ ጐይታ ግን ነቲ ኣብ ልቡ ተሓቢኡ ዚገዝእ ዝነበረ ኻልእ ጐይታ ኪቐልዓሉ ፈተወ። ዜሕዝን ኣጋጣሚ ዀይኑ ድማ፡ ካብ ፍቕሪ ኣምላኽን ፍቕሪ ዘለኣለማዊ ህይወት ንላዕሊ፡ ፍቕሪ ገንዘብ ይገዝኦ ኸም ዝነበረ ተጋህደ። ኣብ መወዳእታ ኸኣ ገጹ ናብ’ቲ ለካሚኡ ጐይታ፡ ናብ ገንዘብ፡ ዝባኑ ኸኣ ናብ’ቲ ዘለኣለማዊ ህይወት ዚህብ ጐይታ ገይሩ፡ ናብ ጥፍኣቱ ተዓዝረ። ጐይታና ኸኣ ነቲ ንደቀ መዛሙርቱ ኸይተረፈ ዘገረመን ዘሰምበደን ሓቂ ኣግሃዶ።
“ደቀየ፡ ብጥሪቶም (ብገንዘቦም) ንዚእመኑ ናብ መንግስቲ ኣምላኽ ምእታው ክንደይ ጭንቂ’ዩ። ሃብታም ናብ መንግስቲ ኣምላኽ ካብ ዚኣትውስ፡ ገመል ብዓይኒ መርፍእ ክትሓልፍ ይቐልል።” ማር 10፡24,25።
ተጠንቂቕና ነስተውዕል!! ሃብታም ምዃን ሓጢኣት ኣይኰነን። ብሃብትኻ ምእማንን ኣብ ሃብትኻ ምውካልን’ዩ ናብ መንግስቲ ኣምላኽ ካብ ምእታው ዚዕንቅፈና። ገንዘብ ግን ኣዝዩ ፈታንን ክፉእ መፈንጠራን ምዃኑ ኣይንስሓቶ። ኣብ ኢድካ እናሃለወ ከይተወከልካዮ ኽትተርፍ ዘሎካ ተኽእሎ ከም ዓይኒ መርፍእ ዝጸበበ’ዩ። ስለ’ዚ ኸኣ’ዩ ነቲ ናብ መንግስተ ሰማያት ናይ ምእታው ተኽእሎኻ ኣዝዩ ዜጽብቦ። ሃብታም ናይ ምዃን ፈተና፡ እቲ ዝጠዓሞ ሰብ ጽቡቕ ገይሩ ይፈልጦ’ዩ። ልቢ ሰብ ግን ኣዝዩ ሕሱምን ጐራሕን ስለ ዝዀነ፡ ነቲ ኽውን ሓቂ ኺስውረልና ይኽእል’ዩ (ኤር 17፡9,10)። እዚ ዝተጠቕሰ ሃብታም ሰብኣይ፡ ንልቡ ይፈልጦ ኣይነበረን። ካብ ኣምላኽ ንላዕሊ ገንዘብ መሊኽዎ ኸም ዝነበረ፡ ጐይታ’ዩ ብጥበቡ ዝቐልዓሉ። ንሱ ግን መገዱ ኣቕኒዑ ብንስሓ ኪምለስ ኣይከኣለን። ካብ ንኣምላኽ ተገዚኡ ብዘለኣለማዊ ህይወት ኣብ መንግስተ ሰማያት ዚነብር፡ ኣብ’ዛ ሓጻር ዕድሚኡ ንገንዘብ ተገዚኡ ናብ ገሃነም ኪኣትው መረጸ። ፈትዩ ንዝተገዝኦ ሰብ፡ ገንዘብ ኣዝዩ ሕሱም ጐይታ ኪኸውን ከሎ፡ ኪገዝኦ ዓቕሚ ንዝረኸበ ሰብ ግን፡ ገንዘብ ንፉዕ ባርያ’ዩ። እዚ ኣበሃህላ’ዚ፡ ጸዓዱ ዜዘውትርዎ ምስላ’ዩ። ከም’ቲ ነብዪ ኢሳይያስ፦
“ኦ እግዚአብሔር ኣምላኽና፡ ብጀካኻ ካልኦት ጐይቶት ገዚኦምና (ኣለዉ)፡ ግናኸ ኣምላኽ ንስኻ ጥራይ ኢኻ።” ዝበሎ፡ ንሕና’ውን ብዛዕባ’ቲ ዚገዝኣና ኻልእ ጐይታ ብቕንዕና ተኣሚንናን ተነሲሕናን፡ ንእግዚአብሔር ጥራሕ ኣምላኽና ኽንገብር፡ ነቶም ካልኦት ጐይቶት ግና ክንጽየፎምን ከነርሕቖምን ይግብኣና (ኢሳ 26፡13 ካ.ት)
ብዛዕባ ገንዘብን ሃብትን ኪህልወና ዚግብኦ ኣተሓሳስባ ከመይ ኪኸውን ይግባእ፧ እቲ ዝዓበየ ኺህልወና ዚግባእ ኣተሓሳስባ ድሮ ተጠቒሱ’ዩ። ጐይታና፡ “ህይወት ብብዝሒ ገንዘብ ኣይኰነትን” ብምባል ዝገለጾ መለኮታዊ ሓቂ፡ እቲ ገንዘብ ይውሓድ ይብዛሕ ብዘየገድስ፡ ዝዀነ ይኹን ንገንዘብ ዘማእከለ ጕዳያት ኪለዓል ከሎ ኽንዝክሮ ይግብኣና። ነዚ ቓል’ዚ እንተ ዘኪርናዮን እንተ ተመሪሕናሉን፡ ምስ ኣምላኽ ኰነ ምስ ሰብ ብሰላም ኬንብረና’ዩ። እዚ ኸኣ ነቲ ኸም ዓይኒ መርፍእ ዝጸበበ ናብ መንግስቲ ኣምላኽ ናይ ምእታው ተኽእሎና፡ ኣዝዩ ኼስፍሖ’ዩ።
ቃል እግዚአብሔር ከም ዚነግረና፡ ሃብታም ክትከውን ምብሃግ፡ ናብ ጸበባ ናብ መፈንጠራ ኽትኣትው ምብሃግ’ዩ። ስለ’ዚ ኸኣ፦ “ሃብታም ክኸውን ኢልካ ኣይትጽዓር፡ ንጥበብካ ኣብኡ ኣይተውዕሎ” ብምባል ንጉስ ሰለሞን ምዒዱና ኣሎ (ምሳ 23፡4)። ሓደጋኡ ኣዝዩ ኸቢድ ምዃኑ ኣስፊሑ ዝገለጸልና ግን ሃዋርያ ቅዱስ ጳውሎስ’ዩ።
“ይኣክለኒ ምባል ዝሰፈኖ ሃይማኖት (ወይ እምነት)፡ ዓብዪ ረብሓ’ዩ። ከመይ ናብ ዓለም ዘምጻእናዮ ሓንቲ’ኳ የብልናን። ከምኡ’ውን ካብ ዓለም ክንወስዶ ‘ንኽእል ሓንቲ’ኳ የብልናን። ቀለብን ክዳንን እንተ ረኸብና (ንሱ) ይኣኽለና’ዩ። እቶም ኪህብትሙ ዚደልዩ ግና ናብ ፈተናን መፈንጠራን፡ ንሰብ ናብ ምብራስን ጥፍኣትን ዜስጥሞ፡ ናብ ብዙሕ ናይ ዕሽነትን ጕድኣትን ትምኒት’ዮም ዚወድቑ። ፍቕሪ ገንዘብ ሱር ናይ ኵሉ ኽፍኣት’ዩ። ገሊኦም ብህርፋን ገንዘብ ኪረኽቡ ኺብሉ፡ ካብ እምነት ዘምበሉ፡ ናብ ርእሶም’ውን ብዙሕ ስቓይ ኣምጽኡ፡ ንስኻ ግና፡ ኣታ ናይ ኣምላኽ ሰብ ካብ’ዚ ዅሉ ህደም። (ደድሕሪ ገንዘብ ዘይኰነስ)፡ ደድሕሪ ጽድቅን መንፈሳውነትን እምነትን ፍቕርን ትዕግስትን ሕያውነትን ሰዓብ።” 1ጢሞ 6፡6-11 ካ.ት
ከምኡ ዝዀነሉ ምኽንያት፡ ኣብ ምውናኑ ዀነ ኣብ ምሕደራኡ፡ ብዙሕ ሓጢኣት ስለ ዜሰንዮ’ዩ። ሃብቲ ብዘይ ሓሶትን ስስዐን ስርቅን ወዘተን ኪርከብን ኪውህለልን ዘለዎ ተኽእሎ ኣዝዩ ጸቢብ’ዩ። ስለ’ዚ ኸኣ’ዩ ባዕልኻ ፈቲኻ ናብ መፈንጠራ ዘሊልካ ኸም ምእታው ዚቝጸር። ነቲ ብጽድቂ ዘጥረዮን ዘመሓደሮን ግን ካብ ስጋዊ ሃብቲ ኽትብሎ፡ መንፈሳዊ ጸጋ ኽትብሎ’ዩ ዚምጥኖ። እቲ ሃዋርያ ቅዱስ ያእቆብ ኣብ ያእ 1፡9-11 ፣ 5፡1-6 ካ.ት፡ ብዛዕባ ኣብ ቤተ ክርስትያን ዝነብሩ ሃብታማት ዝጸሓፎ ሃይለ-ቃል ብዛዕባ ገንዘብን ሃብትን ንዘለካ ኣተሓሳስባ ዳግመ-ግምት ክትገብረሉ ዚድርኽ’ዩ።
ቅዱሳት ጽሑፋት ደጋጊሞም ከም ዜረጋግጹልና፡ ሃብትን ድኽነትን ካብ ኣምላኽ’ምበር፡ ካብ ሰብ ኣይኰነን (1ጢሞ 6:17-19)። ካብኡ ዘይኰነ ሃብቲ እንተ ኣከብካ፡ ብበረኸት ኣምላኽ ዝተዋህበካ ዘይኰነስ ብዓመጻ ዝኣከብካዮ’ዩ። ካብ ብገንዘብ ንላዕሊ ኸኣ ብሓጢኣት ሃብቲምካ ኸም ዘለኻ ክትርስዖ ኣይግባእን’ዩ። እግዚአብሔር ፈትዩ ብዝሃበካ በረኸት ሃብቲምካ እንተ’ሊኻ ድማ፡ ናይ ዓመጻ ገንዘብ ወሲኽካ ከይትብክሎ ኽትጥንቀቕ ይግብኣካ። ብዘይ ዓመጻ ብበረኸት ኣምላኽን ብጻድቕን ንጹህን ኣሰራርሓ ዝተኣከበ ገንዘብ እንተ ዀይኑ፡ ግን ድማ ብጽድቂ እንተ ዘይተመሓዲሩ ኸኣ ካልእ ዝኸፍአ ሓደጋ’ዩ (1ጢሞ 6፡17-19 ፣ ሉቃ 16፡19-31 ፣ ያእ 2፡15,16 ፣ 1ዮሃ 3፡17)። እቶም ምስ ገንዘብ ዝተተሓሓዘ ሓጢኣት እነዘውትር ሰባት፡ ንገንዘብ ከም ጐይታ፡ ከም ኣምላኽ እነምልኾን እንግዝኦን ሰባት ምዃንና ግሁድ’ዩ። ተደራቢ ጐይታ ሒዝካ፡ መንፈሳዊ ምንዝርና እናዘውተርካ ድማ፡ “ብኣምላኽ ዝኣምን ናይ ኣምላኽ ሰብ’የ፡ ናብ መንግስተ ሰማያት ክኣትው ተስፋ ኣሎኒ” ኽንብል ኣይግባእን’ዩ። ምኽንያቱ፡ እቲ “ቐናእ ኣምላኽ’የ” ዝበለ ጻድቕ ጐይታ፡ ዘይበሎን ዘይቅበሎን ነገር፡ ናብ ዋጋ ዕዳጋ ከም ዘእተዎ ጌርና ዘይናቱ ነጥብቐሉ ኢና ዘሎና። ካብ ከምኡ እናበልና ብዘየለን ብዘይተዋህበን ተስፋ ኽንጥበር ንነብር፡ ናብ ቅኑዕ ንስሓ እንተ ኣተና’ዩ ዚሓይሽ። ነብዪ ኤልያስ፡ ነቶም ንኣምላኽ ምስ ጣኦት በዓል ደሪቦም ኬምልኹ ዚደልዩ እስራኤል’ውን፦
“ክሳዕ መዓስ ኢኹም ናብ ክልቲኡ ወገን እትሕንክሱ እግዚአብሔር እንተ ዀይኑ ኣምላኽ ደድሕሪኡ ሰዓቡ፡ (ጣኦት በዓል) እንተ ደኣ ዀይኑ (ኣምላኽ) ከኣ ንእኡ ሰዓቡ” ከም ዝበሎም፡ ንሕና’ውን እዚ ቓል’ዚ ስለ ዚምልከተና፡ ናብ ክልቲኡ ወገን ምሕንካስ ገዲፍና ኣብ ኣምላኽና ቀጥ ኢልና ንጽናዕ (1ነገ 18፡21)። ናይ ገንዘብ ጣኦት፡ ነቲ ሕሩይ ሃዋርያ ኻብ ሕቝፊ ጐይታ መንዚዑ ኸም ዝወስዶ ኣይንዘንግዕ።
ድሕሪ’ዚ ዚተርፈና ነቶም ከም ጐይቶት ክንግዝኦም ኣብ ህይወትና ኣንጊስናዮም ዘለና ጣኦታት፡ ካብ ህይወትና ነቒልና ምድርባይ ጥራሕ’ዩ። ክሳዕ ሕጂ ዝጸየቑናን ዝተጻወቱልናን ይኣኽሎም። ንበይኑ ንእግዚአብሔር ጥራሕ ንገዛእ። እግዚአብሔር ብሓዊ ቕንኣቱ ኺለዓለናን ኬጥፍኣናን ኣይንፈታተኖ። ንገንዘብ ከም ንፉዕ ባርያ ዀይኑ ኼገልግለና ደኣ ንጠቐመሉ’ምበር፡ ኣብ ርእስና ኸም ሕሱም ጐይታ ተቐሚጡ ኼበላሽወና ኣይንፍቀደሉ!!።
ጸጋ ጎይታና ኢየሱስ ክርስቶስን ፍቕሪ ኣምላኽን ሕብረት መንፈስ ቅዱስን ምስ ኩላትና ይኹን።
ኦርቶዶክሳዊት ተዋህዶ ቤተ ክርስቲያን ኤርትራ - መንበረ ጵጵስና ሰሜን ኣሜርካ
15 ጥቅምቲ 2023 | ጥቅምቲ 4, 2016 ግዕዝ (5ይ ሰንበት: ቊ.፭/5) |
||
ምስባክ መዝ.፻፪(፻፫)፡፲፬-፲፭ “ተዘከር እግዚኦ ከመ መሬት ንሕነ። ሰብእሰ ከመ ሣዕር መዋዕሊሁ። ወከመ ጽጌ ገዳም ከማሁ ይፈሪ።” “ፍጥረትና ይፈልጥ’ዩ’ሞ፡ ሓመድ ምዃንና ይዝክር’ዩ። ሰብሲ መዓልትታቱ ኸም ሳዕሪ’ዩ፡ ከም ዕምባባ መሮር ይዕምብብ።” |
ንባባት |
ኣንባቢ |
ኤፌ 6፡1-9 | ዲያቆን | |
1ጴጥ 1፡17-ፍጻመ | ንፍቅ ዲያቆን | |
ግብ 17፡23-ፍጻመ | ንፍቅ ካህን | |
ማቴ 6፡19-ፍጻመ | ሰራዒ ካህን | |
ቅዳሴ፦ ዘእግዝእትነ ማርያም |
||
መዝሙር፦ ኪነ ጥበቡ መንክር ወዕፁብ |
ካብ ውሽጢ ኤርትራ ዝተረኽበ ንቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ንምቁጽጻር ብመንግስቲ ኤርትራ ክካየድ ዝጸንሐን ዘሎን ሽርሒ ዘቃልዕ ቪድዮ
ድኳን መጻሕፍቲ/Book Store
ራድዮ ቃለ ኣዋዲ