“እቲ መርዓት ዘላቶ (ክርስቶስ)፡ ንሱ መርዓዊ’ዩ። እቲ ንእኡ ደው ኢሉ ዚሰምዖ ዓርኪ መርዓዊ (ዮሃንስ መጥምቕ) ግና፡ ብድምጺ ናይ’ቲ መርዓዊ ኣዝዩ ይሕጐስ። ደጊም እዚ ሓጐሰይ ተፈጸመ። ንሱ ኺዓብይ፡ ኣነ ግና ክንእስ ይግባእ።” ዮሃ 3፡29,30
ብመሰረት ስርዓት ቅድስቲ ቤተ ክርስትያንና፡ ብኣቈጻጽራ ግእዝ ካብ መስከረም 26 ክሳብ ሕዳር 5 ዘሎ 40 መዓልታት፡ ብግእዝ “አባ ዮሐኒ ጽጌ” ተባሂሉ ይጽዋዕ። ኣባ ዮሃኒ ሶርያዊ መበቈል ዝነበሮም ናይ ግብጺ መነኰስ’ዮም። ኣብ ኤርትራ እምነት ክርስትና ዝሰበኹ፡ ነታ በዅሪ ገዳማት ኤርትራ ዝዀነት ገዳም ደብረ ሲና ዘቘሙ፡ ሃዋርያዊ ኣቦ’ዮም። ክሳዕ ደቡብ ኤርትራ ተጓዒዞም ዝሰበኹ ኣቦ ስለ ዝነበሩ ንጸሎት የዘውትርዎ ከም ዝነበሩ ዚንገረሎም ኣብ ከባቢ ሰገነይቲ ብተለምዶ “ጎቦ ኣባ ሓኒ” ተባሂሉ ዚጽዋዕ፡ ቦታ ኣሎ። ቅድስቲ ቤተ ክርስትያን ነቲ ኣብ ሃገርና እምነት ክርስትና ኣብ ምስፍሕፋሕ ዝፈጸምዎ ሃዋርያዊ ኣበርክቶ ክብሪ ንምሃብ፡ እዚ ቕንያት’ዚ ብስሞም ኪጽዋዕ ገይራ ኣላ።
እዚ ቕንያት’ዚ፡ እቲ ብሰሪ ንጉስ ሄሮድስ ጐይታና ኣብ ጊዜ ህጻንነቱ ምስ ኣዲኡ ቅድስቲ ድንግል ማርያምን ምስ መጕዚቱ ቅዱስ ዮሴፍን ናብ ግብጺ ዝኸዶ ናይ ስድደት ዘመን ዚዝከረሉ ቅንያት’ውን’ዩ። ብ “ጾመ ቍስቋም” ዚፍለጥ ናይ ፍቓድ ጾም ዚጽወመሉ ጊዜ’ዩ። ምእንታና ስጋ ብምልባሱ፡ ኣብ’ታ ብዅሉ ኸኣልነቱ ዝፈጠራ ዓለም፡ ከም’ዚ ኸማና ስድደትን ሳዕቤናቱን ጥዒሙ’ዩ። እቲ ቅዱስ ጳውሎስ፡ “(ብዘይካ ብሓጢኣት) ብዅሉ ኸም’ዚ ኸማና ዝተፈትነ’ዩ” ዝበሎ ቓል’ውን ነዚ ሓቂ’ዚ ዜረጋግጸልና’ዩ።
እዚ ቕንያት’ዚ ፍረ ምድርና ተዓጺዱ ዝእከበሉ ናይ ቀውዒ ወቕቲ ስለ ዝዀነ፡ “ዘመነ ጽጌ” ተባሂሉ’ውን ይጽዋዕ’ዩ። እቶም ኣብ ዘመነ ጽጌ ዚዝመሩ ናይ መዝሙረ ዳዊት ምስባካት ኵላቶም’ውን ፍረ-ጠቀስ ትሕዝቶ ዘለዎም’ዮም።
ነዚ ዕለት’ዚ ዝተመደበ ናይ ቅዱስ ያሬድ መዝሙር “ትወድሶ መርዓት” ዘርእስቱ’ዩ። ትርጕም ናይ’ዚ መዝሙር መርዓት ቤተ ክርስቲያን ንመርዓዊኣ ክርስቶስ እተቅርበሉ ናእዳ (ውዳሴ)፡ ኣድናቖት ዚገልጽ እዩ። እዚ በዚ መዝሙር’ዚ መሰረት ዝተሰርዐ ንባባት ድማ፡ ብዘይካ’ቲ ናይ ግብሪ ሃዋርያት፡ ነቲ ናይ መርዓውን መርዓትን (ሰብኣይን ሰበይትን) ኪዳናዊ ዝምድና ኣመልኪቱ ዝተጻሕፈ ትሕዝቶ ዘለዎ’ዩ። እቲ ናይ ዕለቱ ምስባክ’ውን ከምኡ’ዩ። ናይ’ዚ ዕለት’ዚ ንባብ ቅዱስ ወንጌል ድማ ነዚ መሪሕ ጥቕስና ዝሓቘፈ ናይ ዮሃ 3፡25-36 ንባብ’ዩ። ነቲ መርዓዊ እትውድሶ እታ መርዓቱ’ያ። ኣብ’ቲ መዝሙር ኰነ ኣብ’ዚ መሪሕ ጥቕስና ተጠቒሱ ዘሎ መርዓዊ፡ ጐይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ባዕሉ’ዩ። ጐይታና ባዕሉ፡ “ስለምንታይ’ዮም ደቀ መዛሙርትኻ ዘይጾሙ፧” ተባሂሉ ብናይ ዮሃንስ ደቀ መዛሙርቲ ምስ ተሓትተ፦
“መርዓዊ ምስኣቶም ከሎዶ ኣዕሩኽ መርዓዊ ኪሓዝኑ ይኽእሉ’ዮም፧ ግናኸ መርዓዊ ኻብኣቶም ዚውሰደላ መዓልቲ ኽትመጽእ’ያ፡ ሽዑ ኸኣ ኪጾሙ’ዮም።” ኢሉ ብምምላስ፡ ንሱ መርዓዊ ምዃኑ፡ እቶም ተወፍዮም ዜገልግልዎ ደቀ መዛሙርቱ ድማ ኣዕሩኽ መርዓዊ ምዃኖም ተኣሚኑ ኣሎ (ማቴ 9፡14,15 ካ.ት)። ንምንታይ “ኣዕሩኹ” ከም ዝገበሮም ድማ ኣብ ዮሃ 15፡13-15 ገሊጹልና ኣሎ። መርዓት ክርስቶስ ድማ ቤተ ክርስትያን’ያ (ኤፌ 5፡21-33)። እዚ ማለት እቲ ናይ ቤተ ክርስትያን ህንጻ ዘይኰነስ፡ እቶም ንቤተ ክርስትያን ዘቘምና ኣካላት ሰብነት ክርስቶስ ዝዀንና ኣገልገልትን ምእመናንን ኢና (1ቈረ 12፡12,13,27 ፣ 10፡17 ፣ ሮሜ 12፡4,5)። ንመርዓ ናይ’ቲ ገንሸልን መርዓቱን ኣመልኪቱ ድማ፡ እቲ ብዓይኑ ዝረኣያ ሃዋርያ ቅዱስ ዮሃንስ ኣብ’ቲ ናይ ራእይ መጽሓፉ ገሊጹልና ኣሎ (ራእ 19፡5-9 ፣ 20፡1,2,9-11 ፣ 22፡17)። እምበኣር ንሕና’ውን ከም ኣካላትን ኣባላትን ናይ’ታ ኣድማሳዊት ቤተ ክርስትያን መጠን፡ ብኸመይ ንገዛእ ርእስና ኸም እነንእስን፡ ብኸመይ ድማ ነቲ መርዓዊናን ጐይታናን ዝዀነ ኢየሱስ ክርስቶስ ከም እነዕብዮን ብልዑል ተገዳስነትን ብዕዙዝ ተመስጦን ክንመሃር፡ ከምኡ’ውን ክንትግብሮ ክርስትያናዊ ሓላፍነትና’ዩ።
ቅዱስ ዮሃንስ መጥምቅ፡ ነዚ ኣገዳስን ዓብይን ሃይለ-ቃል’ዚ ኺዛረቦ ዝደረኾ እንታይ’ዩ፧ ካብ’ቲ ባዕላትና ዘንበብናዮን ብካህናትና ዝተነብበልናን ክፍሊ ቕዱስ ወንጌል ከም ንግንዘቦ፡ ዳርጋ ዅሉ ሰብ፡ ዋላ ኻብ’ቶም ደቀ መዛሙርቲ ዮሃንስ መጥምቕ ከይተረፈ፡ ንዮሃንስ ገዲፎም ናብ ጐይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ይውሕዙ ነበሩ። ናይ’ዚ ዋሕዚ’ዚ ምኽንያት ከኣ፡ እቲ ዮሃንስ መጥምቅ ብዛዕባ ጐይታና ኢየሱስ ዚህቦ ዝነበረ፡ ንጐይታና ዜዕብይ ምስክርነት’ዩ። እንድርያስ፡ ሓዉ ንሃዋርያ ጴጥሮስ፡ ወደ መዝሙር ናይ ዮሃንስ መጥምቅ ዝነበረ፡ ሓደ እዋን ዮሃንስ መጥምቅ ምስ ደቀ መዛምርቱ ደው ኢሉ ከሎ፡ ጐይታና ኪሓልፍ ከሎ ረኣዮ። “እንሆ፡ ገንሸል ኣምላኽ” ኢሉ ድማ መስከረሉ። እቶም ነዚ ምስክርነቱ’ዚ ዝሰምዑ ኽልተ ደቀ መዛሙርቱ ድማ ደድሕሪ ጐይታና ሰዓቡ (ዮሃ 135-37)። ዕብየት ናይ ጐይታና ኸም ዮሃንስ መጥምቅ ገይሩ ዝገለጸ ኻልእ ሰብ ኣሎ ኺበሃል ኣይከኣልን’ዩ። ኣብ’ቲ ዝነበሮ ሓጺር ጊዜን ኣብ’ቲ ዝተዛረቦ ውሑድ ቃላትን ብዛዕባ ጐይታና ዝገለጾ ምስጢራት ኣዝዩ ዓብይ’ዩ። ዮሃንስ መጥምቅ፡ ብዘይ ዝዀነ ተቓውሞ፡ ብህዝቢ ዓብይ ተቐባልነት ዝረኸበ ነብዪ ምንባሩ ቅዱስ ወንጌል መስኪሩልና ኣሎ። እቲ ተቐባልነቱ ኣዝዩ ዓብዪ ኻብ ምንባሩ ዝተላዕለ፡ እቶም ንዝመጸ ሓድሽ ነብይን መምህርን ምቕታልን ምስዳድን ዝልማዶም ፈሪሳውያንን ሰዱቃውያንን፡ ብዛዕባ ዮሃንስ መጥምቅ ኣሉታዊ ቓል ከይዛረቡ ይፈርሁ ነበሩ (ማቴ 21፡23-27)። ነቲ ንሱ ዝሃቦ ቓል ብምሉእ ልቡ ይቕበሎ ስለ ዝነበረ ነቲ ብዛዕባ ጐይታና፡ “ንሱ ኻባይ ይሕይል፡ ቅድመይ ዝነበረ ብድሕረይ ዚመጽእ’ዩ፡ ኣነ ብማይ ንሱ ግና ብሓውን ብመንፈስ ቅዱስን ዜጥምቕ’ዩ፡ ንሱ ሓጢኣት ዓለም ዜርሕቕ ገንሸል ኣምላኽ’ዩ፡ ወዘተ” እናበለ ብዚህቦ ንጐይታና ዜዕብይ ምስክርነታት ተደሪኹ፡ እቲ ህዝቢ ናብ ጐይታና ይኸይድ ነበረ። እቶም ነዚ ዝተዓዘቡ ናይ ዮሃንስ ደቀ መዛሙርቲ ኸኣ ናብኡ መጺኦም፡ “መምህር፡ እቲ ኣብ ማዕዶ ዮርዳኖስ ምሳኻ ዝነበረ ንስኻ’ውን ዝመስከርካሉ (ኢየሱስ)፡ እንሆ ንሱ የጥምቕ (ኣሎ)፡ “ኵሉ ሰብ ከኣ ናብኡ ይኸይድ ኣሎ” ኢሎም ተዛረብዎ። እዚ ኣዘራርባ’ዚ ኻብ ቅንኣት ዝተበገሰን፡ ንዮሃንስ መጥምቅ’ውን ቅንኣት ኪስምዖ ዚድርኽን’ዩ። እንተ ዀነ ዮሃንስ ኣዝዩ ትሕትና ዝመልኦ ሰብ ስለ ዝነበረ፡ ንሱ ዝተወለደሉን ዝተላእከሉን ዕላማ ብቐንዱ ንክርስቶስ ምዕባይን ንእኡ ዚኸውን መገዲ ምጽራግን ስለ ዝነበረ፡ እዚ ዘረባ’ዚ ብስራት ኰይኑ ዜሐጕሶ’ምበር፡ ቅንኣት ዜለዓዕለሉ ኣይነበረን። በዚ ዘረባኦም’ዚ ተደሪኹ ድማ፡ ነዚ ኣብ መሪሕ ጥቕስና ዘሎን ካልእን ንዕብየት ጐይታና ዜጕልሕ ቃላት ወሲኹ ተዛረበ። በዚ ኣርኣያዊ ባህርዩን ተግባሩን’ዚ፡ ቅዱስ ዮሃንስ ንጐይታና ጥራሕ ዘይኰነ፡ ንኣና’ውን ክንከደሉ ዚግባእ መገዲ ጸሪጉልና’ዩ። ሰብ ኴንና ናይ ምፍጣርና ዀነ ብእኡ ኣሚንና ክርስትያን ናይ ምዃንና ዕላማ፡ ንጐይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ምዕባይን ምኽባርን’ዩ።
“ምዕባይ” ማለት ግን እንታይ ማለት’ዩ፧ ሰብከ ኸመይ ገይሩ’ዩ ንኣምላኽ ኬዕብዮ ዚኽእል፧ “ምዕባይ” ዚብል ቃል ብዓይኒ መዝገበ ቓላት ኪረኣይ ከሎ “ምውሳኽ” ዚብል ትርጕም’ዩ ዘለዎ። እቲ ምውሳኽ ኣካላዊ ምስ ዚኸውን ምንዋሕ፡ ምርጓድ፡ ምግዛፍ ኬስምዕ ይኽእል’ዩ። ብስልጣን ብፍልጠት፡ ብሓይሊ፡ ብሞያ፡ ብዝና፡ ብመንፈሳውነት ብኽብሪ ወዘተ’ውን ምዕባይ ኣሎ። እግዚአብሔር ግን ብኵለንትናኡ ፍጹም ዕብየት ስለ ዘለዎ፡ ንሱ ባዕሉ ዀነ ካልእ ኣካል ኪውስኸሉ ዜድልዮ ነገር የብሉን። ስለ’ዚ ሰብ ንእግዚአብሔር ኣዕብይዎ” ኺበሃል ከሎ፡ “ንዕብየቱ ገሊጽዎ ተኣሚንዎ፡ ዕብየት ኣምላኽ ኣብ ህይወቱ ከም ዚገሃድ ገይሩ” ማለት’ምበር፡ ካልእ ኣይኰነን።
በዚ ኣርእስትናን መሪሕ ጥቕስናን መሰረት፡ ቅዱስ ዮሃንስ ግሩምን ኣርኣያውን ብዝዀነ መገዲ ንጐይታና ኣዕብይዎ’ዩ። እታ “ንሱ ኺዓብይ፡ ኣነ ግና ክንእስ ይግባእ” እትብል ሓቀኛን ልባዊትን ተኣምኖ ንርእሳ’ውን ንጐይታ እተዕብይ ኣበሃህላ’ያ። “ንሱ ምእንቲ ኺዓብይ፡ ኣነ ኽንእስ ፍቓደኛ’የ ንሱ’ዩ ሃረርታይ፡ ንሱ’ዩ ተልእኾ ህይወተይ” ዚብል ኣሰሩ ዘይሃስስ ሓያል መልእኽቲ ዘለዎ’ዩ። እቲ ልዕል ኢልና ዝጠቐስናዮ፡ ነቶም ኬፈንጥርዎ ዝመጹ ልኡኻት ኣይሁድን ነቲ ዝሰምዖ ዝነበረ ሓፋሽ ህዝብን ዝተዛረቦም ቃላት፡ ዕብየት ጐይታና ዚገልጹን ግሩም ጌሮም ዜዕብይዎን’ዮም። ጐይታ’ውን በቲ ዮሃንስ ዘዕበዮ ዕዙዝ ዕብየት ስለ ዝተሓጐሰ፡ “ካብ ነብዪ’ኳ ዚበልጽ’ዩ፡ ..... ካብ ኣንስቲ ኻብ ዝተወልዱ፡ ካብ ዮሃንስ ዚዓብይ ሓደ’ኳ ኣይተንስአን” ብምባል መስኪሩሉ ኣሎ (ማቴ 11፡7-11)። ጐይታ ድማ ጻድቕን ፍትሓውን ኣምላኽ ስለ ዝዀነ፡ ንዅሉ ሰብ ከከም ግብሩ ስለ ዚፈድዮ፡ ነቲ ኣዝዩ ዘዕበዮ ዮሃንስ፡ ልዕሊ ዅሉ ሰብ ኣዕበዮ።
ብዘይካ ቅዱስ ዮሃንስ፡ ካልኦት ንኣምላኽ ናይ ዘዕበይዎ ቅዱሳት ኣብነት ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ኣሎና’ዶ፧ ብርግጽ ብዙሓት ኣብነታት ኣለዉና። ብቐዳምነት እንጠቕሳ ኣብነትና ድማ፡ ኣዴና ቅድስቲ ድንግል ማርያም’ያ። እግዚአብሔር መንፈስ ቅዱስ ንጐይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ክትወልድ ምዃና ብቕዱስ ገብርኤል መልኣኽ ብቕድስቲ ኤልሳቤጥ ድማ ምስጢረ-ስጋዌ ድሮ ኣብኣ ኸም ዝተፈጸመ ምስ ኣበሰራ፡ ካብ ኣፋ ዝወጸት ቀዳመይቲ ቓል፡ “ነፍሰይ ንእግዚአብሔር ተዕብዮ” ትብል ነበረት። እዚ ድማ ንእግዚአብሔር ምዕባይ ኣብ ኣእምሮኣን ኣብ ህይወታን ቅድሚ ዅሉን ልዕሊ ዅሉን ሰሪዓቶ ኸም ዝነበረት ዜመልክተና ግሩምን ነባርን ኣርኣያ’ዩ። ድሕሪ’ዚ ቓል’ዚ ኣስዒባ ድማ ነቲ ቅድስቲ ቤተ ክርስትያንና “ጸሎተ እግዚእትነ ማርያም” ኢላ ዝሰመየቶ፡ መጽሓፍ ቅዱስ ድማ “ጸሎት ምስጋና ማርያም” ዝሰመዮ ኣብ ሉቃ 1፡46-56 ዚርከብ፡ ንእግዚአብሔር ዜዕብዮ፡ ንዕብየቱ ምሉእ ኣፍልጦን ክብርን ዚህብ ግሩም ጸሎት ጸለየት፡ ክንዲ’ቲ ናታ ዚምጥን’ኳ እንተ ዘይኰነ፡ ኣብ ዘመን ህይወትና እግዚአብሔር ብዙሕን ዓበይትን ግብርታት ገይሩልና’ዩ። ብኸም’ዚ ዝበለ ኣርኣያዊ ኣገባብ ንእግዚአብሔር ዘዕበናሉ፡ ንዕብየቱ ዝተኣመንናሉ ኣጋጣሚታት ፈጺሙ ኸም ዘየለ ግና፡ እንተ ዀነ ብኣፍና፡ እንተ ዘይኰነ ግና ብልብና እንእመኖን ዘይንኽሕዶን ሓቂ’ዩ። ምኽንያቱ “ንእግዚአብሔር ምዕባይ” እንታይ ማለት ምዃኑ ዝዀነ ኣምር የብልናን። እንተ’ሎና’ውን ከምኡ ዝበለ ልማድን ባህርይን ኣየማዕበልናን። ካብ’ዚ ድሙቕ ኣርኣያኣ’ዚ ኽንመሃሮ ዚግብኣና ትምህርቲ’ምበኣር ኣዝዩ ዓብዪ’ዩ።
እቲ እግዚአብሔር “ዝኸም ልበይ” ኢሉ ዝሰመዮ ቕዱስ ዳዊት’ውን ብብዝሑ ዀነ ብዓይነቱ ማእለያ ዘይብሉ ንእግዚአብሔር ዜዕብይን ዕብየቱ ዚእመንን መዝሙራት ዝዘመረ ኣርኣያዊ ኣቦ’ዩ። እቲ ንእግዚአብሔር ዘዕብየሉ ቓላት ምሒር ካብ ምብዛሑ ዝተላዕለ፡ ነየናይ ጠቒስካ ነየናይ ከም ትሰግሮ ኽትውስን ዜሽግር’ዩ። እቲ ባዕሉ ኣዘውቲሩ ዜዕብዮ እኹል ኰይኑ ስለ ዘየዕገቦ፡ ነቶም ብኣካል ምስኡ ዀይኖም ዚሰምዕዎ ዝነበሩ ዀነ፡ ነቶም ሕጂ እነንብቦ ዘለና፡ ምስኡ ዄንና ኸነዕብዮ፡ ክቡር ዕድመ የቕርብ ነበረ።
“ንእግዚአብሔር ኵሉ ጊዜ እባርኾ፡ ውዳሴኡ ንሓዋሩ ኣብ ኣፈይ’ዩ። .....ንእግዚአብሔር ምሳይ ኣዕብይዎ፡ ንስሙ ሓቢርና ልዕል ነብሎ። .....” መዝ 34፡1,3
“ዎ ኣምላኸይ፡ ንጉሰይ ልዕል ከብለካ፡ ንስምካ’ውን ንዘለኣለም ኣለም ክውድሶ’የ። እግዚአብሔር ዓብዪ’ዩ’ሞ፡ ምስጋና ይግብኦ፡ ዕብየቱ ዘይተመርማሪ’ዩ። .....(ህዝብኻ) ብዛዕባ ሓይሊ ናይ’ቲ ዜፍርህ ግብርታትካ ኺዛረቡ’ዮም፡ ኣነ’ውን ዕብየትካ ኸዘንትው’የ።” መዝ 145፡1-3,6
እዚ ጥቕስታት’ዚ ንኣብነት ኪኸውን ደኣ ተጠቒሱ’ምበር፡ ተጻሒፉ ዘሎስ ኣዝዩ ብዙሕ’ዩ (መዝ 30፡1 ፣ 95፡3,6 ፣ 96፡49 ፣ 95፡5 ፣ 104፡1 ፣ 118፡28 ፣ 135፡5 ወዘተ)። ሊቀ-ነብያት ሙሴን ህዝቢ እስራኤልን፡ እግዚአብሔር ንባሕሪ ኤርትራ ሰንጢቑ ካብ ኢድ ፈርዖን ንሓዋሩ ምስ ኣናገፎም።
“እግዚአብሔር ኣዝዩ ልዑል ስለ ዝዀነ ኽዝምረሉ’የ ...... እግዚአብሔር ሓይለይ’ዩ፡ ኣነ ኸኣ ክዝምረሉ’የ፡ ንሱ ምድሓነይ ኰነ። ንሱ ኣምላኸይ ስለ ዝዀነ ከኽብሮ’የ። ኣምላኽ ኣቦይ’ዩ’ሞ፡ ልዕል ከብሎ’የ።” ብምባል ብመዝሙሮም ንእግዚአብሔር ኣዕበይዎ (ዘጸ 15፡1,2)። ታሪኽ ናይ ኵሎም ቅዱሳን ኣቦታትናን ኣዴታትናን፡ ንምህሮን ንመለበምን ኪዀነልና’ዩ ዝተጻሕፈ (1ቈረ 10፡6,11,15 ፣ ሮሜ 15፡4 ፣ 2ጢሞ 3፡16,17)፡ እምበኣር ንሕና’ውን ነዚ ዅሉ ብኣብነታውያን ሰባት ዝተባህለ ንእግዚአብሔር ዜዕብይ ቃላት ኣንቢብና፡ ኣሰሮም ብምስዓብ፡ ንእግዚአብሔር ኣብ ህይወትና ኸነዕብዮ ይግብኣና።
ንእግዚአብሔር ኣብ ህይወትና እነዕብየሉ እንታይ እንታይ መገድታት ኣሎ፧ ነቲ ኽንገብሮ ዝተመደበልና ዅሉ፡ ብኸመይ ከም ንገብሮ ዘይንፈልጥ እንተ ዄንና፡ ካብ ‘ንዕወቶ ‘ንፈሽሎ’ዩ ዚበዝሕ። ስለ’ዚ እቶም ንእግዚአብሔር ኣብ ምዕባይ ዝተዓወቱ ቅዱሳን ዝተጠቕሙሉ ኣገባባት ኣጽኒዕና፡ ኣሰሮም ብምስዓብ ክንዕወት ንኽእልን ይግብኣናን’ዩ። እቶም ንእግዚአብሔር እነዕብየሎም ኣገባባት ከኣ እዞም ዚስዕቡ’ዮም።
1. ጸሎት፦ ካብ’ቶም ንእግዚአብሔር ከነዕብየሉ ዚግብኣና መገድታት ሓደ ጸሎት’ዩ። ኣብ ጸሎትና ብዛዕባ’ቲ እግዚአብሔር ብሕያውነቱ ዝገበረልና ዅሉ ግብሪ ሕያውነት፡ ዕዙዝ ምስጋና ብምቕራብ፡ ብዛዕባ ዅሉ መለኮታዊ ባህርያቱን ብዛዕባ ኣምላኽነቱን ድማ ብምሉእ ልቢ ብምውዳስ ከነዕብዮ ይግባእ። ጸሎትና፡ “እዚ ግበረለይ፡ ከም’ዚ ድማ ሃበኒ” ካብ ምባል ወጻኢ ንእግዚአብሔር ንምኽባርን ንምዕባይን ዘይንጥቀመሉ እንተ ዄንና፡ ንኣምላኽ ብቐንዱ ዀነ ነቲ ‘ንገብሮ ዘለና ጸሎት ከም ዘይፈለጥናዮ ዜቃልዓና’ዩ። እቲ ናትና ኣተሓሳስባን ቃላትን ጥራሕ ተጠቒምና ንኣምላኽ ከነዕብዮ ኣኻሊ ኣይኰነን። ስለ’ዚ ኸኣ’ዩ ብኣፍ ነብዪ ሆሴእ ገይሩ፡
“ምሳኻትኩም ቃላት ውሰዱ፡ ናብ እግዚአብሔር ድማ ተመለሱ’ሞ፡ “ኵሉ ኣበሳና ይቕረ በለልና፡ ሰናይ ከኣ ተቐበል፡ ንሕና’ውን ኣብ ክንዲ ኣሩሕ መስዋእቲ ኸናፍርና ኸነቕርብ ኢና” በልዎ።” ኢሉ ዝመዓደን (ሆሴ 14፡2)። ስለ’ዚ ብጸሎት ክንቀርብ ከለና፡ ነቲ ንእግዚአብሔር ዜዕብይ ቃላት ካብ መጽሓፍ ቅዱስ ኣጽኒዕና ኽንቀርብ ይግባእ። ከምኡ ስለ ዘይንገብር ኢና፡ ንጸሎት ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ምስ ተምበርከኽና ወይ ምስ ተደፋእና፡ እንታይ ኢልና ኸም ንጽልይ ዚጨንቀና። ስለ’ዚ ናብ ስፍራ ጸሎትና ቕድሚ ምኻድና፡ ብቑዕ ጸሎት ክንጽልይ ዜኽእለና ምድላዋት ክንገብር ይግብኣና። ከምኡ እንተ ገበርና፡ ኣብ ጸሎትና ንእግዚአብሔር ኣብ ምዕባይ ክንዕወት ኢና።
2. መዝሙር፦ መዝሙር ዳዊት ብምስትውዓል ዘንበበ ሰብ፡ መዝሙር ንእግዚአብሔር ኣብ ምዕባይ ዘለዎ ዕዙዝ ኣበርክቶ ኪስወሮ ኣይክእልን’ዩ። ኣብ’ዛ ምድሪ’ዚኣ ጥራሕ ዘይኰነ፡ ኣብ’ታ ሰማያዊት ኢየሩሳሌም ምስ ኣተና’ውን፡ ንዘለኣለም ብመዝሙር ከም እነዕብዮ ኻብ’ቲ ኣብ ራእይ ዮሃንስ ተጠቒሱ ዘሎ ወርቃዊ ኣብነታት ክንርዳእ ንኽእል ኢና (ራእ 5፡7-14 ፣ 7፡9-12 ፣ 14፡2-3 ፣ 15፡2-4)። ስለ’ዚ እቲ ንእግዚአብሔር ናይ ምዕባይ ሓላፍነቱ ኸም ዚግባእ ዝተገንዘበ ክርስትያን፡ ነዚ ብመዝሙር ንእግዚአብሔር ምዕባይ ኪመልኮን ኪተግሃሉን ይግባእ። ናይ ቤተ ክርስትያንና ናይ መዝሙር ሊቃውንቲ፡ ለይትን መዓልትን ማህሌት ቈይሞም ዚዝምሩ፡ ንእግዚአብሔር ምዝማር ዝተማህሩ ሞያውያን ዘመርቲ ስለ ዝዀኑ’ዮም። ክንዲ ናታቶም’ኳ እንተ ዘይኰነ፡ ነፍሲ ወከፍ ምእመን ንእግዚአብሔር ዜዕብየሉ መዛሙር ኪፈልጥን ኪመልኽን ይግብኦ’ዩ። ቅድስቲ ቤተ ክርስትያን’ውን ህዝባ ኣብ ኣባይቱን ኣብ ቤተ ክርስትያንን ንእግዚአብሔር ዜዕብየሉ መዛሙር ናይ ምስትምሃር ሓላፍነት ኣለዎ። ቅዱስ ጳውሎስ መዛሙርን ቅኔታትን ብምድራስ ከነገልግል ከም ዚግብኣና ብኣጽንዖት ኣዚዙና ኣሎ (ኤፌ 5፡18,19 ፣ ቈሎ 3፡16)።
3. ምስክርነት፦ ንእግዚአብሔር ንኣና ብዛዕባ ዝገበረልና፡ ወይ’ውን ከም ዝገበሮ ብዛዕባ ዝሰማዕናዮ ዓበይቲ ግብርታት፡ ንኻልኦት ሰባት ብምምስካር (ወይ ብምንጋር) ከነዕብዮ’ውን ይግብኣና’ዩ። ቅዱስ ዳዊት፡ ሓደ ኻብ’ቲ ንኣምላኹ ዜኽብረሉን ዜዕብየሉን መንፈሳዊ ጥበቡ ገይሩ ይጥቀመሉ ነበረ። ስለ’ዚ ኸኣ፦
“ኣቱም ንኣምላኽ እትፈርሁ ዅልኹም ንዑ፡ ንነፍሰይ ዝገበረላ ኸዘንትወልኩምሲ ስምዑ።” እናበለ ይዕድም ነበረ (መዝ 66፡16)። እግዚአብሔር ንእስራኤላውያን ነቲ ንሱ ዝገበረሎም ኵሉ ተኣምራትን ዓበይቲ ግብርታትን ንሳቶም ከይርስዕዎ፡ ንደቆም ኬዘንትውዎ ኸምኡ እናበለ ኻብ ወለዶ ንወለዶ ኺመሓላለፍ ይእዝዞም ነበረ (መዝ 78፡4-8 ፣ 22፡30,31 ፣ 40፡10 ፣ 102፡18)። ቅዱስ ዳዊት ነዚ ኺገብር ምእንቲ ኪኽእል፡ ኣብ ጊዜ ሽምግልናኡ’ኳ ከይፍለዮን ሓይሉ ኺህቦን ንእግዚአብሔር ይልምን ነበረ (መዝ 71፡18)። እዚ ዅሉ ድማ ዕብየት እግዚአብሔር ኣብ ዅሎም ሰማዕትን ወለዶታትን ምእንቲ ኺገሃድ’ዩ። ንሕና’ውን ንእግዚአብሔር ከነዕብዮ ልባዊ ድልየት ምስ ዚህልወና፡ ነዚ ፍቓድ ኣምላኽን ጥበብ ኵሎም ቅዱሳንን ዝዀነ ሓቀኛ ምስክርነት ምሃብ ተገዲስና ኸነዘውትሮ ይግብኣና።
4. ተኣዝዞ ንፍቓድን ትእዛዝን ናይ ኣምላኽ፦ ተኣዝዞ፡ ንኣምላኽ እነዕብየሉ ዝበለጸን ዝዓበየን ግብራዊ ጥበብ’ዩ። ምሉእ መዓልትን ለይትን በዚ ኣብ ላዕሊ ዝተዘርዘረ ኣገባባት ከተዕብዮ ውዒልካ ኸተብቕዕ፡ ብግብሪ ግን ዘይትእዘዞ እንተ ዄንካ፡ ናይ መልሓስ ጥበራ ካብ ምዃን ሓሊፉ ዝዀነ ኻልእ ትርጕም ወይ ፋይዳ ኣይህልዎን’ዩ። ልክዕ ከም’ቲ ሊቀ መዘምራን ኣሳፍ-
“ብኣፎም ኣቀባጠሩሉ፡ ብመልሓሶም ድማ ሓሰውሉ፡ (ግናኸ) ልቦም ናብኡ ኣይቀንዐን፡ ብኺዳኑ’ውን እሙናት ኣይነበሩን።” ዝበሎ’ዩ ዚኸውን (መዝ 78፡36,37)። እግዚአብሔር ከም ግብዝነትን ጥበራን ገይሩ ዜፈንፍኖ ካልእ ኣበሳ የለን። እቲ ነብዪ ሳሙኤል ንሳኦል ዝገለጸሉ፦
“ንእግዚአብሔርሲ ዚሓርር መስዋእትን መስዋእቲ ሕሩድን ከም ምእዛዝ ቃሉ ገይሩዶ የሐጕሶ’ዩ። እንሆ ንእኡ ምእዛዝ ካብ መስዋእቲ፡ ናብ ቃሉ ጽን ምባል ድማ ካብ ስብሒ ደዓውል ይበልጽ። ዕልወት (ዘይምእዛዝ) ከም ሓጢኣት ጥንቍልና’ዩ፡ ህልኽ ከኣ ምምላኽ ጣኦት’ዩ።”
ዚብል ሓቂ ክንርስዖ ኣይግባእን’ዩ (1ሳሙ 15፡22,23 ካ.ት)። ስለ’ዚ ዘይእዘዝ ሰብ፡ ንኣምላኽ የነኣእሶ’ምበር ኬዕብዮ ኣይክእልን’ዩ። ብግብራዊ ቛንቋ፡ “ንስኻ ንኣይ ዓብይ ኣይኰንካን፡ ካብ ፍቓድካ ፍቓደይ ይዓብየኒ” ዚብል ሰይጣናዊ መልእኽቲ የመሓላልፍ ስለ ዘሎ፡ ልክዕ ከም’ቲ ጥንቈላ ዜዘውትርን ንጣኦት ዜምልኽን ሰብ’ዩ ዚቝጸር። አረ ኻብኡ ዝገደደ’ውን’ዩ። ምኽንያቱ፡ እቲ ብግህዶ ናብ ጠንቈልትን ጣኦትን ዚኸይድ እንተ ወሓደ፡ ነቲ ናይ ግብዝነት ኣበሳ ተጸዪፍዎ ኣሎ። እዚ ዘይእዘዝ ሰብ ግን ምትላልን ግብዝነትን ቀንዲ መለለዪ ባህርዩ’ዩ (ቲቶ 1፡16)። ንፍቓድ ኣምላኽ ካብ ፍቓድ ርእስና ኣብሊጽና ንርእይን ንእዘዝን እንተ ዄንና ግን፡ ሓቀኛታት፡ ንእግዚአብሔር እቲ ዚግብኦ ዕብየት ዚህቡ ሰባት ምዃንና ነግህድ ኣለና። እግዚአብሔር ንገበርቲ ፍቓዱ ዜኽብረሉ መሰረታዊ ምኽንያት’ምበኣር፡ እታ ብዝለዓለ ዚብህጋ ዕብየት ንሳ ስለ ዝዀነት’ዩ።
መጋብርናን ኣካይዳናን ጽቡቕ ጌርካ ስለ ንፈልጥ፡ ንእግዚአብሔር ኣብ ምድፋርን ኣብ ምንእኣስን’ምበር፡ ኣብ ምዕባዩ ኸም ዘየለና፡ ከይተመርመረ ዝተጋህደ ነጋሪ’ውን ዘየድልዮ ሓቂ’ዩ። ብዘይ ነግፈረግን ብዘይ ምምታእን፡ ትኽ ኢልና ናብ ሓቀኛን ልባውን ግብራውን ንስሓ እንተ ተጓየና’ዩ ዚምረጽ። እግዚአብሔር እንተ ዀነ፡ ንዘኽበርዎ ዜኽብር ንዘዕበይዎ ዜዕብይ ጻድቕን ፍትሓውን ኣምላኽ’ዩ። ብደረጃ ህዝቢ እቲ ዚግብኦ ዕብየት ስለ ዘይሃብናዮ፡ እንሆ ብዜሰክሕ መገዲ ይደቝሰናን የንእሰናን ኣሎ። ራህዋ ዘለዎ መለሳ ዘመን ምእንቲ ኽንርእይ፡ ንሕሉፍ ጥልመትና ብንስሓ ኣሕዊና፡ ኣብ መጻኢ ግን ንእግዚአብሔር ምዕባይ ናይ ህይወትና ተልእኾ ንግበሮ። ባዕሉ ምእንቲ ኼዕብየና፡ ኣብ ቅድሚኡ ርእስና ነንእስ። ከም ቅዱስ ዮሃንስ መጥምቕ፡ “ኢየሱስ ኪዓብይ፡ ኣነ ግና ክንእስ ይግባእ” ንበል። ኣርኣያን ኣሰርን ናይ ኵሎም ቅዱሳንና ንሰዓብ!!።
ጸጋ ጎይታና ኢየሱስ ክርስቶስን ፍቕሪ ኣምላኽን ሕብረት መንፈስ ቅዱስን ምስ ኩላትና ይኹን።
ኦርቶዶክሳዊት ተዋህዶ ቤተ ክርስቲያን ኤርትራ - መንበረ ጵጵስና ሰሜን ኣሜርካ
8 ጥቅምቲ 2023 | መስከረም 27, 2016 ግዕዝ (4ይ ሰንበት: ቊ.፬/4) |
||
ምስባክ መዝ.፻፳፯(፻፳፰)፡፪-፫ “ፍረ ፃማከ ተሴሰይ። ብፁዕ አንተ ወሠናይ ለከ። ብእሲትከ ከመ ወይን ሥሙር ውስተ ጽርሐ ቤትከ።” “ዕዮ ኣእዳውካ ኽትበልዕ ኢኻ’ሞ፡ ብጹእ ኢኻ፡ ደሓንውን ክትረክብ ኢኻ። ሰበይትኻ ኣብ ውሽጢ ቤትካ ኸም ፈራይት ወይኒ ኽትከውን። ውሉድካ ኣብ ዙርያ መኣድኻ ኸም ተኽሊ ኣውሊዕ ኪዀኑ'ዮም።” |
ንባባት |
ኣንባቢ |
1ቁረ 9፡1-12 (ኤፌ 5፡21-ፍጻመ) | ዲያቆን | |
1ጴጥ 3፡1-9 | ንፍቅ ዲያቆን | |
ግብ 21፡31-ፍጻመ | ንፍቅ ካህን | |
ዮሃ 3፡25-ፍጻመ | ሰራዒ ካህን | |
ቅዳሴ፦ ዘእግዝእትነ ማርያም |
||
መዝሙር፦ ትዌድሶ መርዓት |
ካብ ውሽጢ ኤርትራ ዝተረኽበ ንቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ንምቁጽጻር ብመንግስቲ ኤርትራ ክካየድ ዝጸንሐን ዘሎን ሽርሒ ዘቃልዕ ቪድዮ
ድኳን መጻሕፍቲ/Book Store
ራድዮ ቃለ ኣዋዲ