“ስለ’ዚ ኸኣ፡ ኣቱም ፍቁራተይ፡ (ንምጽኣቱ) እናተጸበኹምሲ፡ ብዘይ ነውርን ብዘይ መንቅብን ብሰላም ኣብ ቅድሚኡ ኽትርከቡ ተጋደሉ።” 2ጴጥ 3፡14
እዚ ዕለት’ዚ መበል 53 ከምኡ’ውን ናይ መወዳእታ ሰንበት ናይ’ዚ ዓመተ-ግእዝ’ዩ። ዘመነ ሉቃስ ዛዚምና ናብ ዘመነ ዮሃንስ ንሰግር ኣለና። ምሉእ ዓመት ኣብ ዕድመና ዝወሰኸልና፡ ብጸጋኡን ብምሕረቱን ደጊፉ ንዅሉ መኻልፍ ህይወት ዘስገረና ኣምላኽ ክብርን ምስጋናን ይኹኖ። ቅዱስ ዳዊት፦ “ንዓመት ብሳህልኻ ትኽልላ፡ ኣሰርካ ስብሒ የንጠብጥብ።” ከም ዝበለ፡ እግዚአብሔር ብሳህሉ እንተ ዘይክልለናን እንተ ዘይሓጽረናን፡ ናብ’ዚ ዘለናዮ ዕድመ ኣይምበጻሕናን (መዝ 65፡11)። ኣብ’ዛ ዓመት’ዚኣ ብሕማም ይኹን ብሓደጋ ናይ ዝሞቱ ሰባት ቍጽሪ ብደረጃ ዓለም ይኹን ብደረጃ ዘለናዮ ሃገር፡ ካብ መርበብ ሓበሬታ ናይ ውድብ ጥዕና ዓለም’ሞ ንርኣዮ፡ ናይ ሳህሉ ከለላ እንታይ ማለት ምዃኑ ኣጸቢቑ ኪስቈረና’ዩ። እግዚአብሔር ሓድሽ ዓመት ብዝጸገወና መጠን፡ ነቲ መዓልቲ ኻብ ምጽምባልን፡ ንሓድሕድና ርሑስ ሓድሽ ዓመት ካብ ምምናይን ሓሊፍና፡ ብዛዕባ’ቲ ብሰላም ዝተሰግረ ሕሉፍ ዓመት ዕዙዝ ምስጋና፡ ብዛዕባ’ቲ ንርከቦ ዘለና ሓድሽ ድማ ጽኑዕ ምሕጽንታ ናብ እግዚአብሔር ዘይነቕርብ ምዃንና፡ ዕብየትን ክብርን ናይ’ቲ ብሕያውነቱ ዝጸገወና ዓመታት ከም ዚግባእ ከም ዘየስተውዓልናዮ ዜቃልዓና’ዩ። ነቲ ኣብ ኢድና ዝበለየ ዓመት ተፋኒና፡ ነቲ ሓድሽ ዓመት ክንርከቦ ኸለና፡ ቍጽሪ ናይ’ቲ ዓመተ ምህረት ካብ ምልዋጥ ሓሊፍና ኣብ ህይወትና እንገብሮ ኻልእ ነገር ዘይምህላዉ’ውን ኣዝዩ ዜሰክፍ’ዩ። ኣብ’ታ ንፋነዋ ዘለና ዓመት፡ መንፈሳዊ ህይወትና ኸመይ ከም ዝነበረ፡ ጽባሕ ንግሆ ኣብ መዓልቲ ምጽኣቱ ብዛዕባ’ዛ ዓመት’ዚኣ እንታይ ዝዓይነቱ ጸብጻብ ከም እነቕርብ፡ ነታ እንርከባ ዘለና ሓዳስ ዓመት’ውን ብኸመይ ከም እንሓልፋ፡ ዝዀነ ምርመራን መደብን ከይገበርና ንሓልፍ እንተ’ሊና፡ እዚ “ርሑስ ይግበረልና” ኢልና ንትምነየሉ ዘለና ዓመታት ዕዳ’ምበር ጸጋ ኸም ዘይኰነልና ከቶ ዘየጠራጥር’ዩ። እዚ ምድራዊ ዕድመና፡ ዘመን ትዕዝብቲ’ምበር፡ ካልእ ኣይኰነን። ኣብ’ዘን ዝርካበን ዓመታት፡ እቲ ዝጽበየና ዘሎ ዘልኣለማዊ ዕድመ ኣበይ ከም እነሕልፎ ኸነረጋግጸሉ ዝተሰርዓልና ዘመን’ዩ። እቶም ግፍዕን ዓለማዊ ትምኒትን ተጸዪፍና፡ ብፍርሃት እግዚአብሔር ተደሪኽና፡ ርእስና ብምግታእ ብልዑል ጥንቃቐ ብጽድቅን ብቕድስናን ዝተመላለስና፡ ነቲ ዘለኣለማዊ ዕድመና መግለጺ ብዘይርከቦ ክብርን ሓጐስን ምጽንናዕን ኣብ መንግስተ ሰማያት ከነሕልፎ ኢና። እቶም ብስጋዊ ትምኒትን ፍትወት ዓለምን ተመሪሕና ብሓጢኣት ተበላሺና ዘሕለፍናዮ ድማ ዘለኣለማዊ ዕድመና ኣብ’ቲ ቐላይ ሓዊ፡ ኣብ’ቲ ድቕድቕ ጸልማት፡ ዕረፍቲ ብዘይብሉ መሪር ስቓይ ከነሕልፎ ኢና። ስለ’ዚ እታ እትፋነዋ ወይ እትርከባ ዘለኻ ዓመት እንታይ ዝዓይነቱ ዘለኣለማዊ ናብራ ኸም ትወልደልካ ከይወሰንካን ከይፈለጥካን ብስም ሓድሽ ዓመት እናጸንበልካ፡ ብዘይካ ናይ ቍጽሪ ለውጢ፡ ናይ ህይወት ለውጢ ኸይገበርካ ምሕላፍ፡ መዘና-ኣልቦ ዕሽነት’ዩ’ሞ፡ ምጽምባልና ዘይተርፈናስ፡ ብሓቅን ብልቦናን ደኣ ነብዕሎ። እግዚአብሔር ዓመተ ልቦናን ምስትውዓልን፡ ዓመተ ጽድቅን ቅድስናን ይግበረልና።
ነዚ ዕለት’ዚ ዝተሰርዐ መዝሙር ናይ ቅዱስ ያሬድ “ከመ እንተ መብረቅ” ዘርእስቱ’ዩ። ንእኡ ድማ እዚ ናይ 2ጴጥ 3፡10-ፍጻመ ንባብ’ዩ። እዚ ኽፍሊ መጻሓፍ ቅዱስ’ዚ፡ ኣብ ምጽኣት ጐይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ኣተኲሩ ዝተጻሕፈ ሓያልን በዳህን ጽሑፍ’ዩ። ብዛዕባ ናይ’ዚ ዘሕለፍናዮ ዓመት መወዳእታ ጥራይ ዘይኰነስ፡ ብዛዕባ ናይ ገዛእ-ህይወትናን ናይ ዓለምን መወዳእታ ብዕምቈት ክንሓስብን፡ ብእኡ ተደሪኽና ድማ ጽቡቕን ጠቓምን ዝዀነ ገድሊ እምነት ክንጋደልን ዚድርኸና፡ መንፈስ ቅዱስ ዝምንጩ ሓያል ሃዋርያዊ መልእኽቲ’ዩ። ጐይታና ባዕሉ ዀነ ቅዱሳን ሃዋርያቱ እዛ ዘለናያ ዓለም ብኽልተ ጐይቶት፡ ብኽልተ ኣማልኽቲ ኸም ትግዛእ ኣረጋጊጾምልና ኣለዉ። እቲ ቐዳማይ፡ እቲ ኽሳዕ መዓልቲ ምጽኣቱ ንዓለም ኪገዝኣን ኪመልካን ዝተዋህቦ ድያብሎስ’ዩ (ዮሃ 14፡30 ፣ 16፡11 ፣ 2ቈረ 4፡4 ፣ ኤፌ 2፡1,2 ፣ 1ዮሃ 5፡19)። ብሓጢኣት ዚመላለስ ዘበለ ዅሉ ኣብ ትሕቲ ምልኪ ድያብሎስ ዚነብር’ዩ። ዋላ’ቶም “ኣምላኽ የለን፡ ሰይጣን’ውን የለን” ኢሎም ህላውነቶም ዚኽሕዱ ዅሎም ናይ ድያብሎስ ግዙኣት’ዮም። እንኳዕ ንህላውነት ኣምላኽ ከሓዱሉ’ምበር፡ “የለኻን” ስለ ዝበልዎ ንድያብሎስ ዚስምዖ ጓህን ቅንኣትን የብሉን። ምኽንያቱ ኽሕደት ናቱ ጥበብን ኣጽዋርን’ያ። እዚ እኩይ ገዛኢ’ዚ ብቐዳምነት ዝተጠቕሰሉ ምኽንያት፡ ካብ’ቶም ብኣምላኽ ዚግዝኡ እቶም ብእኡ ዚግዝኡ በማእት በሽሓት ዕጽፍታት ስለ ዚበዝሑ’ዩ። ሃዋርያ ቅዱስ ዮሃንስ፦ “..... ብዘላ ዓለም’ውን በቲ እኩይ ተታሒዛ ምህላዋ ንፈልጥ ኢና።” ብምባል ኣረጋጊጹልና ኣሎ (1ዮሃ 5፡19)። እቲ ኣዝዮም ውሑዳት ተገዛእቲ ዘለውዎ ገዛኢ ናይ’ዛ ዓለም ድማ፡ እቲ ልዑል ኣምላኽ፡ እግዚአብሔር’ዩ። እቲ ዝሓየለን ሓቀኛን ኣምላኽ ክነሱ፡ ዝወሓዱ ተገዛእቲ ኺህልውዎ ዝኸኣሉ ስለ ዝሓመቐ ዘይኰነስ፡ ነቲ ፈትዩ ዝሃበና ናይ ነጻ ምርጫን ፍቓድን መሰል ዜኽብር ኣምላኽ ስለ ዝዀነ’ዩ። መገድን ህይወትን ናይ ዝዀነ ይኹን ሰብ በዞም ክልተ ጐይተት’ዩ ዚውሰን። እቲ ጻድቕ ኣምላኽ ነቶም ዚኣምንዎን ዚስዕብዎን ኵሎም፡ ነውሮም ቀንጢጡ ጽድቁ የልብሶም። እቲ እኩይ ገዛኢ ድያብሎስ ድማ፡ ነቶም ኪግዝእዎን ኪመስልዎን ብዕሽነቶም ዝፈቐዱ ባሮቱ፡ ጽድቆም ገፊፉ ነውሩ የልብሶም። እግዚአብሔር ንነውሪ፡ ሰይጣን ከኣ ንጽድቂ ኺዕገስዎ ፈጺሙ ኣይኰነሎምን’ዩ። ስለ’ዚ ኸኣ ሃዋርያ ቅዱስ ጴጥሮስ፡ ነቶም ንእግዚአብሔር ኪግዝኡ ዝመረጹ ፍቁራት ተገልገልቱ፡ ክሳዕ መዓልቲ ምጽኣት ጐይታ ነውሪ ኸይርከቦምን ከይጠብቆምን ብዅሉ ሓይሎም ኪጋደሉ መኸሮም። ኣብ’ዚ ምልክታት ምጽኣት-ጐይታና እምብዛ ዓዚዙሉን ጐሊሑሉን ዘሎ ኽፉእን ብልሹውን ዘመን፡ ቅድስቲ ቤተ ክርስትያን ብምሉእ ልብና ኣብ ገድሊ ኣንጻር ነውሪ ኽንጽመድ እትምህረሉ ምኽንያት ከኣ ንሱ’ዩ።
“ነውሪ” ዚበሃል ዘሎ ግን እንታይ’ዩ፧ ንሕና ሰባት “ነውሪ” እንብሎ ነገር ኣዝዩ ስለ ዚፈላለይ፡ ከም መለክዒ ኽንጥቀመሉ ዚግብኣና እንታይ’ዩ፧ ብርግጽ ሰባት ብባህርይና ዀነ ብባህልታትና ብዛዕባ ነውሪ ዘሎና ኣረኣእያ ሰፊሕ ጋግ ኣለዎ። ኣብ ገሊኡ ባህልታት “ነውሪ” ዚበሃል፡ ኣብ’ቲ ኻልእ ባህልታት ግን “ንቡር” ኪኸውን ይኽእል’ዩ። ስለ’ዚ ሰብኣዊ መለክዒ ተጠቒምና እንተ ገምጊምናዮ፡ ናብ ቅኑዕን ርትዓውን መደምደምታ ኽንበጽሕ ኣይንኽእልን ኢና። ቤተ ክርስትያን ብዓባያ ዀነ ነፍሲ ወከፍ ውልቀ ክርስትያን፡ ንነገራት ዚመዝኑሉ መገዲ፡ ቃል እግዚአብሔር’ዩ። ክርስትያን ምዃን ማለት፡ ከም’ቲ ክርስቶስ ዚሓስቦን ዚብሎን ዚገብሮን ምግባር ማለት’ዩ። ስለ’ዚ ይትረፍ ብዛዕባ ነውሪ፡ ብመሰረቱ ብዛዕባ ጽድቂ’ውን ልክዕ ከም’ታ ክርስቶስ ዚሓስባ ኽንሓስብ’ዩ ዚግባእ። ዋላ ነቲ ኣብ ጽድቂ ዀነ ኣብ ነውሪ ኽንምድቦ ዘይከኣልና ጕዳያት’ውን፡ “ቃል እግዚአብሔር ብዛዕባ’ዚ ነገር’ዚ ዚብሎ እንታይ’ዩ፧ ክርስቶስ ኣብ’ዛ ሕጂ ኣነ ዘለኽዋ ቦታን ኵነታትን እንተ ዚህልው እንታይ ኰን ምገበረ፧” ኢልና ሓቲትና፡ ነቲ ኣብ ኢድና ዘሎ መጽሓፍ ቅዱስ፡ ወይ’ውን ኣብ ከባቢና ንዘለዉ ኣገልገልቲ ወንጌል ተወኪስና ኽንገብሮ’ምበር፡ ቅጅል ኢሉ ኸም ዝተራእየና፡ ወይ’ውን በቲ ዝተሰምዓና ስምዒት ጥራሕ ተደሪኽና ኽንገብሮ ኣይግባእን’ዩ።
ንኣምላኽ ግና ብዘይካ ሓጢኣት ካልእ ነውሪ የብሉን። ስለ’ዚ ንሓደ ክርስትያን፡ ሓጢኣት ዘበለ ዅሉ ነውሩ’ዩ። ይዕበይ ይንኣስ ይኽበድ ይቕለል ብዘየገድስ፡ እግዚአብሔር ዘይፈትዎን ዝኸልከሎን ነገር ምግባር፡ ወይ’ውን እግዚአብሔር ዝፈትዎን ዝኣዘዞን ነገር ዘይምግባር፡ ኣብ ዓይኒ እግዚአብሔር ጽዩፋትን ፍንፉናትን ዚገብረና ነውሪ’ዩ። ኣብ መዓልቲ ምጽኣት ጐይታና፡ ብዘይ ነውርን ብዘይ መንቅብን ኪርከብ ዝወሰነ ሰብ ብዛዕባ ነውሪ ኸም’ዚ ዝበለ ጽኑዕ መርገጺ ኺህልዎ፡ ቃል እግዚአብሔር ይእዝዞ’ዩ። ኣብ መጽሓፍ ቅዱስና፡ ብቐጥታ “ነውሪ” ዚብል ቃል ኣዝዩ ብዙሕ ጊዜ ተጠቒሱ ኣሎ። ብተመሳሳሊ ትርጕም ብዘለዎ መለሳ-ቓላት (synonyms)’ውን ተገሊጹ ኣሎ። ንኣብነት ኣብ’ዚ መሪሕ ጥቕስና’ኳ፡ ነቲ “ብዘይ ነውሪ” ዚብል ቃል ኣጽንዖት ንምሃብ፡ “ብዘይ መንቅብ” ብዚብል መለሳ ቓል ደጊምዎ ኣሎ። ስለ’ዚ “መንቅብ፡ ኣበር፡ ሕፍቲ፡ እንታ፡ ነቐፋ፡ ጕድለት፡ ወዘተ” ዚብሉ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስና ዘለዉ ቓላት፡ ናይ “ነውሪ” መለሳ-ቓላት’ዮም። (1ቈረ 1፡8 ፣ ኤፌ 5፡25 ፣ ፊል 1፡9 ፣ 2፡14-16 ፣ ቈሎ 1፡22,23 ፣ 1ተሰ 2፡10 ፣ 3፡13 ፣ 5፡23 ፣ 1ጢሞ 3፡1-3,10 ፣ 5፡7 ፣ ቲቶ 1፡6-8 ፣ 2፡7,8 ፣ ራእ 14፡5)። ስለ’ዚ ጽልኢ፡ ቂምታ፡ ሓሶት፡ ሕምየት፡ ዝሙት፡ ትዕቢት፡ ፍትሕ፡ ቅንኢ፡ ባእሲ፡ ጸርፊ፡ ቍጥዓ፡ ኵራ፡ ቅትለት፡ ስኽራን፡ ጓይላ፡ ጥንቈላ፡ ብሓፈሻ ዅሎም’ቶም ቅዱስ ጳውሎስ “ግብሪ ስጋ” ኢልዎም ዘሎን፡ ኵሎም’ቶም ኣብ መጽሓፍ ቅዱስና ከም ሓጢኣት፡ ኣበሳ፡ በደል፡ ዓመጽ ተጠቒሶም ዘለዉ ግብርታትን ባህርያትን ነውርና’ዮም። ካብ’ዞም ዝጠቐስናዮም፡ ንገሊኦም ፈጺምና ኸም ነውሪ ዘይንሓስቦም’ዮም። አረ ኻብኡ ሓሊፍና’ውን ከም ቅቡል ተግባር፡ ከም ጅግንነት እንቘጽሮም ውሑዳት ኣይኰኑን። ነቲ ኸም ቅቡል ተግባርን ባህርይን ወሲድና እነዘውትሮ፡ በዛ “ነውሪ” እትብል ቃል ንሕሰቦ ወይ ንበሎ’ሞ፡ ማዕረ ኽንደይ ካብ’ቲ መገዲ ኣርሒቕና ኰብሊልና ኸም ዘለና ኺረኣየና’ዩ። ነዚ ዚስዕብ ኣብነታት ንሕሰብ። “ከም’ዚ ምስ በለኒ (ወይ ምስ ገበረኒ) ብቝጥዓ በግ ኢለ ተቓጺለ” ኢሉ ዜውርይ ሰብ፡ “ፍትወት ስጋ ምስ ኣቃጸለኒ፡ ናብ ሓንቲ ሰብ (ናብ ሓደ ሰብ) ከይደ መንዚረ” ኢልካ ኣዘንትው እንተ ንብሎ ፈጺሙ ኣይምገበሮን ነይሩ። ስለ’ዚ ምንዝርና፡ ነዚ ሰብ’ዚ ንኺፍጽሞ ዘይኰነስ፡ ንኺዛረቦ ነውሪ’ዩ። ቍጥዓ ግን ቅቡልን ጅግንነታውን ባህርይ ስለ ዝዀነ፡ ስኽፍክፍ እናበሎ ዘይኰነስ፡ ብውዕውዕ ስምዒት’ዩ ዚዛረቦ። ብዛዕባ’ዚ ቝጥዓኡ’ዚ ኺንሳሕ ኢሉ ፈጺሙ ኣይሓስቦን’ዩ። ምኽንያቱ፡ ዋላ ኣምላኽ ከይተረፈ፡ ከም ንቡርን ቅቡልን ባህርይ ገይሩ ዘጽደቐሉ ዀይኑ’ዩ ዚስምዖ። ጐይታና ግን ቍጥዓ ናብ ገሃነም ዜፍርድ ከቢድ ነውሪ ምዃኑ ብንጹር ኣፍሊጡና’ዩ (ማቴ 5፡21,22)። ከም ብዓል ሓሶት፡ ጽልኢ፡ ቂምታ፡ ሕምየት ወዘተ ካብ ናይ ነውሪ ዝርዝር ተሰሪዞም ኣብ ናይ ንቡር ዝርዝር ካብ ዚስርዑ መዋእል’ዩ ዀይኑ። ሕጂ ኸኣ እዚ ዝሙት ምንዝርና ዳርጋ ኸም ናይ ኢድ ሰላምታ ኪቝጸሩ ጀሚሮም ስለ ዘለዉ፡ ካብ ነውሪ ኺስረዙ ቝሩብ ተሪፍዎም ኣሎ። ግብረ ሰዶም ድማ ብመንግስታት ኰነ ብገሊአን “ክርስትያን ኢና” ዚብላ ሃይማኖታት ካብ መስርዕ ነውሪ ተሰሪዙ ንርእዮ ኣለና። ስለ’ዚ እዛ ዓለምና፡ ሓለፋ ዝዀነ ኻልእ ዘመን ክሳዕ ኣፍንጫኣ ኣብ ታኼላ ነውሪ ትሰጥም ኣላ። ኣብ’ዚ ዘመን’ዚ ብዛዕባ ነውሪ ደጋጊምና ኣዕሚቝናን ዘይተመሃርና ደኣ መዓስ ኢና ኽንመሃር፧ ስለ’ዚ ቅድስቲ ቤተ ክርስትያንና ንርእሳ ዀነ ንህዝባ ኣብ’ዚ ኣንጻር ነውሪ ዚግበር ቅዱስ ገድሊ ብምሉእ ሓይላ ኽትጽመድ፡ እዚ ኽፉእ ዘመን’ዚ ይጠልባን ይዕድማን ኣሎ።
ስጋ ለቢስካ ኣብ’ዛ ዓለም’ዚኣ እናነበርካስ፡ ብርግጽዶ ብዘይ ነውሪ ኽትከውን ይከኣል’ዩ፧ ብዘይ ነውሪ ናይ ምዃን ናይ መወዳእታ ሸቶ ግን እንታይ ኰነ ይኸውን፧ ብዘይ ነውሪ ምዃን ፈጺሙ ዘይከኣል እንተ ዚኸውን፡ እቲ ርትዓውን ፍትሓውን ኣምላኽ ፈጺሙ ኣይምኣዘዞን ነይሩ። ንሱ ፍጥረትና፡ ዓቕምናን ድኻምናን ብልክዕነት ሰፊሩ ዚፈልጦ ኣምላኽ’ዩ። ኣሽንኳይ ኣምላኽሲ፡ እዚ ውዱቕ ፍጥረት ዝዀነ ሰብ’ኳ ዓቕሚ መዚኑ ይእዝዝን ይፍትንን’ዩ። ብመሰረቱ’ውን ብዛዕባ ርትዓውነት ናይ ኣምላኽ ኣብ ልብና ሕቶ ኺለዓለና ኣይግባእን’ዩ። ንሱ ንነፍሲ ወከፍና ከከም ዓቕምና’ዩ ዚእዝዘናን ዚጽበየናን ዚፈርደናን (ማቴ 25፡15 ፣ 1ቈረ 10፡13 ፣ ራእ 2፡24 ፣ 3፡8 ፣ ማር 4፡33 ፣ ዮሃ 16፡12)። ብኣንጻሩ ብዛዕባ ርእስና ኽንሓትት’ዩ ዚግባእ። “እግዚአብሔር ተተግባሪ (feasible) ትእዛዝ ኣዚዙኒ ኼብቕዕ፡ ንምንታይ’የ ምግባሩ ዝስእን፧” ኢልና ብዛዕባ ርእስና ኽንሓትት እናተገብአ፡ ብኣንጻሩ ኣብ ልዕሊ ኣምላኽ ውንጀላዊ (accusative) ሕቶ ኸነልዕል ኣይግባእን’ዩ። “ንምንታይ’የ ምኽኣል ስኢነዮ፧” ኻብ ምባል’ውን “ንምንታይ’የ ፍቓደኛ ዘይኰንኩ፧” ኢልና ኽንሓትት’ዩ ዚሓይሽ። ምኽንያቱ፡ ከማና ዝፍጥረቶም፡ ከማና ዝድኻሞም ብዙሓት ሰባት ነቲ ንሕና “ዘይከኣል ዘይርትዓዊ” እናበልና ዘይግብኦ ቕጽላት ዘጥበቕናሉ ርትዓዊ ትእዛዛት ብምሉእ ፍቓዶምን ብልዑል ሓጐስን ክትግብርዎ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ኰነ ኣብ ከባቢና ተዓዚብና ኢና። ንፍጥረት ሰብ ዘይምጥን ዘይርትዓዊ ትእዛዛት እንተ ዚኸውን፡ ብስም ኪጥቀስ ዚኽእል ናይ ሓደ ሰብ ኣርኣያ’ኳ ኣይምረኸብናን ኔርና። ክብሪ ነቲ ፍትሓዊ ኣምላኽ ይኹን። ኣዝዮም ብዙሓት ሰብኣዊ ኣርኣያታት ኣለዉና። ናይ ኣርኣያታት ደበና ኣብ ልዕሌና ኣጽሊሉ እናረኣና ኢና፡ ፍቕሪ-ነውሪ ኪፈታተነናን ኪመልከናን ዚነብር ዘሎ።
እቲ ፉሕፉሕ ዚብል ናይ ንእስነት ፍትወት እናሃለወ፡ ብምንዝርና ንዝተፈታተነቶ እመቤቱ ፈንጢሱ፡ ካብ ነውሪ ሓጢኣት ሃዲሙ ናብ ሕሱም መከራ ዝተዓቝበ መንእሰይ ዮሴፍ ዓብዪ ኣርኣያና’ዩ። (ዘፍ 39፡6-23)። ነቲ ነውሪ’ቲ ምሕሳሙ እንታይ ዓይነት ዋጋ ከም ዜኽፍሎ ኣይጠፍኦን። ካብ ነውሪ ንመከራ ስለ ዝመረጸ ግና፡ ነቲ ኸተስድዖ ዀነ ኸተስገድዶ ዝገበረቶ ዅሉ ፈተና ኣፍሸሎ። ቅዱስ እዮብን ቅዱስ ዳዊትን ነውሪ ንኸይጠብቖም ዝወሰድዎ ጽኑዕን ዘይዕጸፍን ውሳነ፡ ካብ ከማና ስጋ ለበስ ሰባት ዝተረኽበ ወርቃዊ ኣርኣያ’ዩ።
“እስትንፋሰይ ኣብ ውሽጠይ፡ መንፈስ ኣምላኽ’ውን ኣብ (ህይወተይ) ክሳዕ ዘሎ (ብህይወት ክሳዕ ዘለኹ)፡ ከናፍረይ ከቶ ሕሰም ኣይኪዛረባን፡ ልሳነይ’ውን ሓሶት ኣይከተውስእን’ያ። ....... ክሳዕ (ዕለተ) ሞተይ ካብ’ታ ብዘይ ጕድለት ምዃነይ ኣየግልስን። ንጽድቀይ ኣጽኒዐ እሕዞ፡ ከቶ ኣይሰድዶን፡ ካብ’ተን መዓልታተይ ልበይ ስለ ሓንቲ’ኳ ኣይነቕፈንን’ዩ።” እዮ 27፡3-6
“ንልበይ ተዓዚብካዮ፡ ብለይቲ በጺሕካዮ፡ መርሚርካንስ ገለ’ኳ ኣይረኸብካን፡ ካብ ኣፈይ ክፍኣት ከይወጽእ ምኽረይ ቈሪጸ’የ። ብዛዕባ ግብርታት ሰብሲ፡ ንቓል ከናፍርካ ብምእዛዝ፡ ካብ መንገድታት ዓመጽቲ ተዓቂበ፡ ስጕምተይ ኣብ ኣሰርካ (ጸኒዐን)፡ ኣእጋረይ ሰንከልከል ኣይበላን፡ ...... ንመገድታት እግዚአብሔር ሓሊወየን ብረሲእነት ካብ ኣምላኸይ ኣይረሓቕኩን፡ ንዅሉ ሕጋጋቱ ኣብ ቅድመይ ሒዘዮ’የ፡ ንስርዓታቱ ድማ ካባይ ኣይፈለኽዎን። መዝ 18፡20-22
“ብፍጽምቲ መገዲ እጣበብ ኣለኹ።....... ኣብ ውሽጢ ቤተይ ብፍጹም ልበይ እመላለስ ኣለኹ። ኣብ ቅድሚ ዓይነይ ገለ ነውሪ ኣየንብርን፡ ንግብሪ (ሓጥኣን) እጸልኦ ኣለኹ። ኣይኪጠብቀንን’ዩ። ቄናን ልቢ ኻባይ ይርሓቕ፡ ንኽፉእ ክፈልጦ ኣይደልን’የ .... ተንኰል ዚገብር ኣብ ውሽጢ ቤተይ ኣይነብርን፡ ሓሶት ዚዛረብ ኣብ ቅድሚ ኣዒንተይ ኣይጸንዕን’ዩ።” መዝ 101፡2-5,7
ነዚ ዚመስል ኣርኣያታት ዝመልኦ ቕዱስ መጽሓፍ እና’ንበብናን፡ “ብእኡ ኢና ንምራሕ” ከም ዘይበልናን፡ “ብዘይ ነውሪ ኽነብር ኣይኰነለይን’ዩ” ዝዓይነቱ ኣተሓሳስባ የጨንቐና እንተ’ልዩ፡ ናይ ነውሪ ፍቕሪ ኣጥቂዑናን መሊኹናን ከም ዘሎ ኣሉ ዘይበሃሎ ግሁድ መርኣያ’ዩ። ከም’ዚ ዝዓይነቱ ሰንኮፍ ኣተሓሳስባ ተዓጢቕካ ድማ ምእንቲ ነውሪ ደኣ’ምበር፡ ኣንጻር ነውሪ ኽትጋደል ኢልካ ከቶ ዘይሕሰብ’ዩ። “ንህይወተይ ንልሳነይ ብሓሶት ብሕምየት ብጸርፊ ኣየነውርን’የ” ኢልና ሓቀኛ ንልባውን ውሳነ እንተ ወሲድና፡ መንዶ ብጕጤት ስሒቡ ኻብ ኣፍና ሓሶት ኪመዝዘልና’ዩ፧ ከም’ዚ ዝዓይነቱ ውሳነ እንተ ወሲንና ግን ኣብ’ዛ ነውራም ዓለም’ዚኣ “ዓሻን ሰነፍን” ኢሉ ዜላግጸልና’ምበር፡ ኣገናዕ ኢሉ ዜጣቕዓልና ኣይክንረክብን ኢና። አረ ብኣንጻሩ፡ ህይወት ዚጠልብ ናብ ሞት ዜብጽሕ ዋጋ ኺጠልበና ይኽእል’ዩ። ዕቱብነት ናይ’ቲ ጸረ-ነውሪ ገድልና ዚፍተሽ ድማ ሽዑ’ዩ።
ናይ ገድሊ ኣንጻር ነውሪ ናይ መወዳእታ ሸቶ፡ ፍጹምነት ወይ ምሉእነት’ዩ። ፍጹምነት፡ ጽውዓና’ምበር፡ ምርጫና ኣይኰነን። ጽኑዕ ትእዛዝ’ምበር፡ ኣማራጺ ቕዲ-ህይወት (Life style) ኣይኰነን። ጐይታናን መድሓኒና ኢየሱስ ክርስቶስ ብዘየማትእ ንጹር ቃል፡ “ከም’ቲ ሰማያዊ ኣቦኹም ፍጹም ዝዀነ፡ ንስኻትኩምውን ፍጹማት ኩኑ።” ብምባል ኣፍሊጡና’ዩ (ማቴ 5፡48)። ነዛ ትእዛዝ’ዚኣ ዚዕወቱላ ድማ እቶም ነውሪ፡ ኣበር፡ መንቅብ፡ ወዘተ ዚጽየፉ ክርስትያናት ጥራሕ’ዮም። ኣቦና እዮብን ዳዊትን ነዚ ነውሪ ኣልቦ ፍጹምነት’ዚ ኸም ዝበጽሕዎ ብልሳን መለኮት ዝተመስከረሎም ቅዱሳን’ዮም። (እዮ 1፡1,8 ፣ ግብ 13፡22)። ንፍጹምነት ናይ ህይወት ሸቶኦም ስለ ዝገበርዎ፡ ከም ዝተዓወቱን ከም ዝበጽሕዎን ብትብዓት ይእመኑ ነበሩ (እዮ 12፡4 ፣ መዝ 18፡23)። ንሕና’ውን ፍጹማትን ምሉኣትን ምዃን ናይ ህይወት ተልእኾና ምዃኑ ብንጹርን ብተደጋጋምን ተነጊሩና’ዩ (2ቈረ 13፡9,11 ካ.ት ፣ ያእ 1፡4 ፣ ፊል 3፡15)። ኣቦና ኣብርሃም ንምኽሪ ኣምላኽ ጐስዩ፡ ነታ ኣብ ውሽጡ’ውን ዝነበረት ምኽሪ ሳራ ተኣዚዙ ምስ ነወረ፡ እግዚአብሔር፡ “ኣነ እቲ ዅሉ ዚኽእል እግዚአብሔር’የ፡ ኣብ ቅድመይ ተመላለስ፡ ፍጹም ከኣ ኹን።” ኢሉ ብወግዒ ተዛረቦ (ዘፍ 17፡1)። “ገለ ቝሩብ ነውሪ ዘይብልካ ኺንበርሲ ኣይከኣልን’ዩ” ኢልና ንነውሪ ኸም ጨው-በርበረ፡ ከም መማቕርቲ ናይ ህይወትን ሰብኣውነትን (humanity) ጌርና ንርእዮ እንተ’ሊና ግን፡ ነገራት ተገላቢጦም፡ ንፍጹምነት ከም ነውሪ፡ ንነውራምነት ከኣ ከም ፍጹምነት ናብ ምርኣይ ወዲቕና ኣለና ማለት’ዩ። ቅዱስ ጳውሎስ ንሰብ ፊልጲ፡ ነውሪ-ጠቀስ ዝዀነ ሓያል መልእኽቲ ጽሒፉሎም ኣሎ።
“ከም’ቲ ብዛዕባኦም ብዙሕ ሳዕ ዝበልኩኹም፡ ሕጂ’ውን እናበኼኹ እብል ኣሎኹ፡ ብዙሓትሲ ጸላእቲ መስቀል ክርስቶስ ኰይኖም ይመላለሱ’ዮም። መወዳእታኦም ጥፍኣት’ዩ፡ ኣምላኾም ከብዶም’ዩ፡ ክብረቶም’ውን ኣብ ነውሮም’ዩ፡ ሓሳቦም ከኣ ናይ ምድሪ’ዩ።” ፊሊ 3፡18,19
ስለ’ዚ፡ በዚ ሃዋርያዊ ቓል’ዚ መሰረት፡ ንነውሪ ዚኸውን ስፍራን ዕድልን ብዝሃብና መጠን፡ ጸላእቲ መስቀል ክርስቶስ ናብ ምዃን ንዓብይ፡ መወዳእታና ድማ ነበላሽው ከም ዘለና ኪስወረና ኣይግባእን።
ኣብ’ዚ ኣንጻር ነውሪ እንገብሮ ገድሊ፡ ግደ እግዚአብሔር እንታይ ይመስል፧ ትእዛዝ ድሕሪ ምሃቡ፡ “ብስረኹም ውጽዋ” ኢሉ ድዩ ዚሓድገና፧ ኣይፋሉን!! ናይ ፍጹምነት ቀንዲ በዓል ጕዳይ’ኮ፡ ንሱ ባዕሉ’ዩ። “ብዘይ ነውሪ ኣብ ቅድመይ ተመላለሱ፡ ፍጹማት ኩኑ” ኺብለና ኸሎ፡ ብናትና ዓቕምን ክእለትን ተኣማሚኑ ዘይኰነስ፡ በቲ ናቱ ኣኽኣልነት ተኣማሚኑ’ዩ። ኣብ ፍጹምነትና ኻብ’ቲ ናትና ግደ ንላዕሊ፡ እቲ ናቱ ግደ ኺግለጽ ብዘይክእል መጠን-ዕጽፍታት ዝዓበየ’ዩ። ጐይታና’ውን፡ “ብጀካይ ሓንቲ’ኳ ኽትገብሩ ኣይትኽእሉን ኢኹም” ኢሉና’ዩ (ዮሃ 15፡5)። ቅዱስ ጳውሎስን ነብዪ ኤርምያስን ዝብልዎ ቓል ድማ ኣይንረስዕ።
“ጐይታየ፡ መገዲ ሰብ ካብ ርእሱ ኸም ዘይኰነ፡ እቲ ዚመላለስውን ስጓሜኡ ኬቕንዕ ዓቕሚ ኸም ዜብሉ፡ እፈልጥ ኣሎኹ።” ኤር 10፡23
“ብክርስቶስ ግና ኣብ ኣምላኽ ከም’ዚ ዝበለ እሙንቶ ኣላትና፡ ክእለትና ኻብ ኣምላኽ ደኣ’ዩ’ምበር፡ ካብ ርእስና ገለ ኸም ዘምጻእና፡ ሓንቲ’ኳ ክንሐስብ ኣይከኣለናን እዩ። ፍዴል ይቐትል፡ መንፈስ ግና ህያው ይገብር’ዩ’ሞ፡ ንሱ ኸኣ ንናይ መንፈስ’ምበር፡ ንናይ ፍዴል ዘይኰነ ኣገልገልቲ ሓድሽ ኪዳን ክንከውን ከኣልቲ ገበረና።” 2ቈረ 3፡4-6
ምሉእ መጽሓፍ በቲ ቕዱሳን ዝተኣመኑሉ ደገፍን ኣኽኣልነትን ናይ እግዚአብሔር ዝመልአ’ዩ (መዝ 18፡36 ፣ 40፡2 ፣ 66፡8,9 ፣ 94፡18)።
“ነቲ ኻብ ውድቀት ዘበለ ኺሕልወኩም፡ ሕጕሳትን ነውሪ ዘይብሎምን ገይሩ ኣብ ቅድሚ ኽብሩ ኬቑመኩም ዚከኣሎ፡ ነቲ ብጐይታና ብኢየሱስ ክርስቶስ፡ በይኑ መድሓኒና ዝኾነ ኣምላኽ፡ ቅድሚ ዅሉ ዘመናትን ሕጅን ንዘለኣለም ዓለም ክብሪ፡ ግርማ፡ ሓይሊ፡ ስልጣን ይኹኖ። ኣሜን።” ይሁ 24,25 ካ.ት
“እቲ ብክርስቶስ ኢየሱስ ናብ ናይ ዘለኣለም ክብሩ ዝጸውዓኩም፡ ኣምላኽ ኵሉ ጸጋ፡ ቍሩብ ጊዜ ሓሳረ መከራ ምስ ጸገብኩም፡ ንሱ ፍጹማት ኪገብረኩም፡ ኬጽንዓኩም፡ ኬበርትዓኩም፡ ኪስርተኩምንውን’ዩ።” 1ጴጥ 5፡10,11 ካ.ት
“ንስኻትኩም ቀደም ካብ ኣምላኽ ዝረሓቕኩም፡ ብሓሳብኩምን ብኽፉእ ግብርኹምን ጸላእቱ ነበርኩም። ንሱ ግና ኣበርን ነቐፋን ዘይብሎም ቅዱሳን ገይሩ ኣብ ቅድሚኡ ምእንቲ ኬቑመኩም ብሞት ስጋዊ ሰብነት ወዱ ገይሩ ዓረቐኩም። እዚ ግና ተሰሪትኩም ደልዲልኩምን፡ ካብ’ቲ ብወንጌል ዝረኸብኩምዎ ተስፋ ከይተነቓነቕኩም ኣብ እምነትኩም እንተ ጸናዕኩም’ዩ። .......።” ቈሎ 1፡21-23 ካ.ት
ነዞም ኣብ’ዛ ዓዘቕቲ-ነውሪ ዝዀነት ነውራም ዓለም እንነብር ደቂ-ሰብ፡ እግዚአብሔር ዝገበራ ዓባይ ደገፍን ዝሃባ ዓባይ ጸጋን ንስሓ’ያ። ንስሓ፡ ነቲ ሰይጣን ንድኻምና መዝሚዙ ዘጥበቐልና ነውሪ እነርሕቐላ ዓባይ መደምሰስ’ያ። እግዚአብሔር ምስጢረ-ንስሓ ብመንፈስ ቅዱስ እንተ ዘይሰርዓልና፡ ነውሪ ዘይብልካ ፍጹም ሰብ ምዃን፡ ብዘይ ቃልዓለም ዘይርትዓዊ ኺትግበር ዘይክእል ሕልማዊ ትእዛዝ ኰይኑ ምተረፈ ነይሩ። ንስሓ፡ ግብራዊ ድማ’ምበር፡ ቃላዊ ምስጢር ጥራሕ ኣይኰነን። ሓቀኛ ንስሓ፡ ብዛዕባ’ቲ ዝጠበቐካ ነውሪ ኸም’ቲ እግዚአብሔር ዚጕህየሉ ጌርካ ብምጕሃይ’ዩ ዚጅምር። ንእሽቶ ጣዕሳ’ምበር፡ ዝዀነ ዓይነት ጓሂ ኸይተሰምዓካ ንስሓ ምእታው ምስ ንስሓ ኪቝጸር’ውን ኣይበቅዕን’ዩ። ምኽንያቱ እቲ ኣብ ጊዜ ንስሓ ብዛዕባ ሓጢኣትካ ዝተሰምዓካ ጣዕሳ፡ ድሕሪ ሓጺር ጊዜ ብዛዕባ ንስሓኻ ተመሳሳሊ ጣዕሳ ተሰሚዑካ በቲ ሓጢኣት’ቲ ደጋጊምካ ምንዋርካ ዘይተርፍ’ዩ። እዚ ተግባር’ዚ ድማ ዝኸፍአ ነውሪ’ዩ ዚዀነካ። ምኽንያቱ ኣብ ልዕሊ መንፈስ ቅዱስን ኣብ ልዕሊ’ቲ ኽቡር ጸጋኡን ኢኻ ትንውር ዘለኻ። በቲ እግዚአብሔር ዝኣዘዞን ዚዓግበሉን ቅኑዕን ሓቀኛን ዝዀነ ኣገባብ እንተ ተነሲሕና፡ ንስሓ ነውሪ-ኣልቦ ፍጹማን ሰባት ገይሩ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ዜቝመና ቅዱስ ምስጢር’ዩ። ንጉስ ዳዊት ኣብ ልዕሊ ስድራ ቤት ኡርያን ባትሴባን ዝፈጸሞ ቅትለትን ጾታዊ ዓመጽን፡ እቲ ዝኸፍአ ነውሪ’ዩ ነይሩ። ንእኡን ንስድራ ቤቱን ዚድምስስ ፍርዲ ኸኣ ተዳልዩሉ ነበረ (2ሳሙ 12፡1-14)። እንተ ዀነ ንኣበሳኡ ዚምጥን ንልቢ ኣምላኽ ዚረትዕ፡ ክሳዕ ምጽኣት ንዘሎ ወለዶታት ድማ ትምህርትን ኣርኣያን ዜስንቕ ቅኑዕ ንስሓ ስለ ዝተነስሐ፡ ካብ’ቲ ዝበጽሖ ደረጃ ፍጹምነት ንድሕሪት ኣይተመልሰን። ምኽንያቱ ንስሓ ንድኹማት ደቂ ኣዳም ናብ ፍጹምነት ኬብጽሕ ዝተሰርዐ መለኮታዊ ምስጢር’ዩ። እቶም ጻዕዳ ኽዳውንቲ ተኸዲኖም ጨንፈር ስየ ኣብ ኣእዳዎም ሒዞም ንኣምላኽ ክብሪ ዚህቡ ዝነበሩ ቕዱሳን ብዚምልከት “እዚኣቶም...... ንኽዳውንቶም ብደም ናይ’ቲ ገንሸል ሓጺቦም ዘጻዕደዉ’ዮም” ዚብል ምስክር ተዋህቦም (ራእ 7፡9,10,13-17)። እዚ ማለት ከኣ ብንስሓ ናብ ፍጹምነት ዝበቕዑ ማለት’ዩ። ስለ’ዚ ናይ ብሓቂ ንነውሪ ንጽየፍ እንተ ዄንና፡ ነዚ ምስጢር ፍጹምነት፡ ንንስሓ ልዑል ፍቕሪ ኣሎና ማለት’ዩ። ዒራ ኽሕጽብ’የ ኢልካ ኸም ዘይትረስሕ፡ ዒራ ኽንሳሕ’የ ኢልካ ብምርጫኻ ብሓጢኣት ኣይንወርን’ዩ። ንስሓ ነቲ ልዕሊ ዓቕምና ዀይኑ ተዓንቂፍና ንዝወደቕናዮ’ምበር፡ እናፈለጥና ፈቲና ንዝገበርናዮ ሓጢኣት ኣይተሰርዓልናን (እብ 10፡26-31)።
እምበኣር ንዘይምንዋር ጽኑዕ ውሳነ ብምውሳንን፡ ሓቀኛ ንስሓ ብምዝውታርን፡ ኣብ’ቲ ዜኽእል ጸጋ ናይ እግዚአብሔር ብምልኣት ብምውካልን፡ ኣብ ገድሊ ኣንጻር ነውሪ ተጸሚድና ምህላውና ነረጋግጽ። ከም ዓቀይቶት ክርስቶስ መጠን፡ ነቲ ማዕከን ነውሪ ገይሩ ንዘለኣለም ኬበላሽወና ዚደልይ ናይ ነውሪ ወሓለን ንጉስን ንዝዀነ ድያብሎስ ንዋግኣዮን ንስዓሮን (ራእ 17፡14)። እምነትን ሰናይ ሕልናን ተዓጢቕና ኣንጻር’ቲ ኣነዋሪ ሰይጣንን ኣንጻር ነውርን ንዋጋእ (1ጢሞ 1፡18,19)። ይትረፍ ኣብ ገዛእ ርእስና ጠቢቑ ክንርእዮ፡ ኣብ ካልኦት ክርንእዮ ኸለና’ኳ ብዛዕባኡ ስቓይ ጻድቃን ይሰምዓና (2ጴጥ 2፡3,8 ፣ ህዝ 9፡4)። መራሒ ናይ’ዚ ኣንጻር ነውሪ ዚግበር ገድሊ እቲ ሰዓሪ ጐይታና መድሓኒና ኢየሱስ ክርስቶስ ባዕሉ’ዩ። ስለ’ዚ ኣሰሩን ኣሰር ናይ ኵሎም ዘስመርዎ ቕዱሳኑን ስዒብና ኣብ’ዛ ቅዱስ ገድሊ እምነት ንጸመድ።
ጸጋ ጎይታና ኢየሱስ ክርስቶስን ፍቕሪ ኣምላኽን ሕብረት መንፈስ ቅዱስን ምስ ኩላትና ይኹን።
ኦርቶዶክሳዊት ተዋህዶ ቤተ ክርስቲያን ኤርትራ - መንበረ ጵጵስና ሰሜን ኣሜርካ
ጳጕሜን 5, 2015 ግዕዝ (10 መስከረም 2023 ፈ [መበል 53 ሰንበት: ቊ.፷፩/61, 2023] ) |
||
ምስባክ መዝ. ፻፫(፻፬)፡፴-፴፩ “ትፌኑ መንፈስከ ወይትፈጠሩ። ወትሔድስ ገጻ ለምድር። ለይኩን ስብሐቲሁ ለእግዚአብሔር ለዓለም።” “ትንፋስካ ትልእኽ፡ ይፍጠሩ፡ ንገጽ ምድሪውን ትሕድሳ። ክብሪ እግዚኣብሄር ንዘለኣለም ይንበር፡ እግዚኣብሄር ብተግባሩ ይተሓጐስ።” |
ንባባት |
ኣንባቢ |
1ተሰ 5፡1-10 |
ዲያቆን |
|
2ጴጥ 3፡10-ፍጻመ |
ንፍቅ ዲያቆን |
|
ግብ 26፡1-15 |
ንፍቅ ካህን |
|
ሉቃ 17፡20-ፍጻመ |
ሰራዒ ካህን |
|
ቅዳሴ፦ ዘአትናቴዎስ |
||
መዝሙር፦ ከመ እንተ መብረቅ |
ካብ ውሽጢ ኤርትራ ዝተረኽበ ንቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ንምቁጽጻር ብመንግስቲ ኤርትራ ክካየድ ዝጸንሐን ዘሎን ሽርሒ ዘቃልዕ ቪድዮ
ድኳን መጻሕፍቲ/Book Store
ራድዮ ቃለ ኣዋዲ