“እቲ ኻብ እግዚአብሔር ዝተነግረኪ ቓል ከም ዚፍጸም ስለ ዝኣመንኪ ብጽእቲ ኢኺ።” ሉቃ 1፡45 ካ.ት
እዚ ዕለት’ዚ መበል 50 ሰንበት ናይ’ዚ ሒዝናዮ ዘለና ዓመተ ግእዝ’ዩ። እንሆ ኸኣ ብረድኤት ኣምላኽ ናብ ምዝዛም ጾመ ፍልሰታ በጺሕና ኣለና። ክብሪ ነቲ ብዕዙዝ ጸጋኡን ብዘይውዳእ ምሕረቱን ዝረድኣና እግዚአብሔር ይኹን። እቲ ኣብ’ዚ ዕለት’ዚ ዚዝመር መዝሙር ናይ ቅዱስ ያሬድ “ዛቲ ይእቲ ማርያም” ዘርእስቱ’ዩ። ካብ’ቶም ብመሰረት’ዚ መዝሙር’ዚ ዝተሰርዑ ኣርባዕተ ንባባት ሓድሽ ኪዳን ሓደ ድማ፡ እዚ ምንጪ ትምህርትና ዀይኑ ዘሎ ናይ ሉቃ 1፡35-45 ንባብ’ዩ። እዚ ኽፍሊ ንባብ’ዚ ብዛዕባ’ቲ እግዚአብሔር ወልድ፡ ጐይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ኣብ ማህጸን ቅድስቲ ድንግል ማርያም ስጋና ለቢሱ ፍጹም ሰብ ዝዀነሉ፡ ምስጢረ ተዋህዶ ዝፈጸመሉ፡ እቲ መስተንክር ስራሕ ናይ እግዚአብሔር መንፈስ ቅዱስ ዝተጋህደሉ ቕንያት’ዩ ዝነበረ። እቲ እግዚአብሔር ባዕሉ ዝሰርዖ ናይ ደቂ ኣዳም ስርጸት ፍርያምነት፡ ሰብ ኪጥነስን ኪውለድን ዚኽእል ካብ ዘርኢ ሰብኣይን ካብ ዘርኢ ሰበይትን’ምበር፡ ካብ ናይ ሓዲኦም ዘርኢ ጥራሕ ኣይኰነን። ሰብ ኣብ’ዛ ዓለም’ዚኣ ኻብ ዚፍጠር ጀሚሩ፡ ካብ ዘርኢ ሰበይቲ ጥራሕ ሰብ ከም ዝተወልደ፡ ብዘይካ ኣብ ጐይታና መድሓኒና ኢየሱስ ክርስቶስ፡ ክሳዕ’ዛ ዕለት’ዚኣ ኣብ ታሪኽ ዓለም ኣይተመዝገበን፡ ኣብ መጻኢ’ውን ኣይኪኽሰትን’ዩ። ቅዱስ ገብርኤል መልኣኽ ናብ ኣዴና ቅድስቲ ድንግል ማርያም መጺኡ ብዘይ ዘርኢ ሰብኣይ ከም ትጠንስ ምስ ኣበሰራ፡ ዘይከኣል ምዃኑ ትፈልጥ ስለ ዝነበረት፦
“እዚ (ዝበልካዮ)፡ ሰብኣይ ከይፈለጥኩስ፡ ከመይ ኢሉ ኪኸውን’ዩ፧” ኢላ ሓተተቶ (ሉቃ 1፡34)። ቅዱስ ገብርኤል ድማ ብስራሕ መንፈስ ቅዱስን ብሓይሊ ናይ’ቲ ልዑል እግዚአብሔር ኣቦን ከም ዚፍጸም ነገራ። ቅድሚ’ቲ እዋን’ቲ ተፈጺሙ ዘይፈልጥ ተኣምር ስለ ዝዀነ፡ ግብራዊ ኣብነት ኬቕርበላ ኣይከኣለን። ንኣምላኽ ዚሰኣኖን ዘይከኣሎን ነገር ከም ዘየልቦ ድሕሪ ምርግጋጽ፡ ነቲ ኣብ ምዉት ማህጻን ናይ ቅድስቲ ኤልሳቤጥ ዝተፈጸመ ተኣምር ኣበሰራ። ኣብ ዕድመ እርጋን ጥንሲ ምሓዝ፡ ብኤልሳቤጥ ኣይተጀመረን። ኣብ ኣዴና ሳራን ኣብ ካልኦት ኣዴታትን ተፈጺሙ’ዩ። እቲ ዝተነግራ ብስራት ከም ዚፍጸም ንኽትኣምን ንእምነታ ኸም ዜዕብዮ ስለ ዝፈለጠ፡ እቲ መልኣኽ ኣበሰራ። እቲ ዝተነግራ ብስራት ንእምነታ ስለ ዘዕበዮ ኸኣ “እኔኹ፡ ኣነ ባርያ እግዚአብሔር፡ ከም’ቲ ዘረባኻ ይኹነለይ” ብምባል ነቲ ዓብዪ እምነታ ኣግሃደቶ።
ግናኸ ንስለ ብስራትን ንስለ ምዕባይ እምነትን ጥራሕ ኣይኰነን ዝተነግራ። እቲ ምስጢረ ስጋዌ ኣብ ማህጸና ዝፈጸመ እግዚአብሔር መንፈስ ቅዱስ፡ ብመገዲ ቕድስቲ ኤልሳቤጥ ገይሩ ኺፍጽሞ ዝደለየ ስራሕ ስለ ዝነበሮ’ዩ ዝተነግራ። ክልቲአን ኣዝማድ ስለ ዝነበራ፡ ናይ እርጋን ጥንሲ’ውን ቐሊል ስለ ዘይኰነን፡ ቅድስቲ ማርያም ሓጐሳ ኽትገልጽን ከተገልግላን ክትከይድ ምዃና ርዱእን ጽቡይን ነበረ። በቲ ትጽቢት ዝተገብረላ መሰረት ድማ፡ ናብ ኤልሳቤጥ ናብ ዝባን ይሁዳ ደየበት። እግዚአብሔር መንፈስ ቅዱስ ድማ፡ ናብ’ታ ብዓልቲ ጽቡቕ ምስክርነት ዝዀነት ጻድቕ ኤልሳቤጥ ወሪዱ፡ ኣብኣ ሓዲሩ ተጸበያ። እግዚአብሔር መንፈስ ቅዱስ ነቲ ኣብ ማህጸን ማርያም ዝፈጸሞ ረቂቕ ምስጢር ዝገለጸላ ቐዳመይቲ ሰብ ገይሩ ንኤልሳቤጥ ባርያኡ ኣኽበራ። ቃል ሰላምታኣ ምስ ሰምዐት ድማ እቲ ህጻን ኣብ ከርሳ ተሰራሰረ። ምኽንያቱ መንፈስ ቅዱስ ንኤልሳቤጥ ጥራሕ ዘይኰነ ነቲ ኣብ ከርሳ ዝነበረ ዕሸል’ውን መሊእዎ ነበረ (ሉቃ 1፡15)። ስለ’ዚ በቲ ዕሸልን በዲኡን ገይሩ ድርብ መረጋገጺ ሃበ። ቅድስቲ ኤልሳቤጥ ድማ ነቲ እግዚአብሔር መንፈስ ቅዱስ ዝገለጸላ ምስጢር ዓው ኢላ ብጭድርታ ገለጸቶ። ንቕድስቲ ድንግል ማርያም “ኣደ ጐይታ” ኢላ ብምስማይን፡ “ፍረ ከርስኺ ብሩኽ’ዩ” ብምባልን፡ እቲ ምስጢር ድሮ ኣብኣ ኸም ዝተፈጸመ ኣበሰረታ። ነቲ ዕሸል (Embryo) “ጐይታይ” ብምባላ ድማ ኣምላኽነቱ ኣግሃደት። ምኽንያቱ ጐይትነት (lordship)፡ ገንዘብ (ባህርይ) ናይ መለኮት ጥራሕ’ዩ (ማቴ 22፡41-46 ፣ ግብ 2፡36 ፣ ራእ 17፡14)። ስለ’ዚ መንፈስ ቅዱስ እቲ ምስጢር ኣብኣ ኸም ዚፍጸም ብቕዱስ ገብርኤል ገይሩ፡ ድሮ ኸም ዝተፈጸመ ድማ ብቕድስቲ ኤልሳቤጥ ገይሩ ድርብ ብስራት ኣበሰራ።
ቅድስቲ ኤልሳቤጥ በዚ ጥራይ ከይተደረተት፡ ንቕድስቲ ድንግል ማርያም ኰነ ብክርስቶስ ንዝኣመነ ንዅሉ ክርስትያን ወለዶታት ዜገልግል ቃል ብምዝራብ መልእኽታ ዛዘመት። ናይ’ዚ ዕለት’ዚ ኣርእስትን መሪሕ ጥቕስናን ድማ እዚ ብኤልሳቤጥ ዝተነግረ ናይ እግዚአብሔር መንፈስ ቅዱስ መልእኽቲ’ዩ። “ስለ ዝኣመንኪ ብጽእቲ ኢኺ” ዚብል ቃል፡ ብጽእና ቅድስቲ ድንግል ማርያም ምንጩ ኻበይ ምዃኑ ኸም ብርሃን ጸሓይ ኣነጺሩ ዚገልጽን ዜብርህን’ዩ። ነቲ ንዝኣመኑ ዅሎም ወለዶታት ብእምነት ዜጽድቕ ክርስቶስ፡ ናብ ማህጸና ብእምነት ስለ ዝተቐበለቶ ድማ፡ ኣብ’ቲ ብምስጢረ ስጋዌ ዝቘመ ሓድሽ ኪዳን፡ በዅሪ ዅሎም ጻድቃን ኰነት። ነቲ ብእምነት ዝረኸበቶ ብጽእናን ጽድቅን ድማ፡ “እንሆ፡ ካብ ሕጂ ዅሎም ወለዶ ‘ብጽእቲ’ ኺብሉኒ’ዮም” ብምባል፡ ነቲ መንፈስ ቅዱስ ብኤልሳቤጥ ዝገለጾ ምስጢር፡ ብተኣምኖኣ ኣጽንዓቶ። ንሳ ብዅለንትናኣ ኣርኣያና እያ’ሞ፡ በዚ ልዑል ብጽእና ዘጸገዋ እምነታ ድማ ኣርኣያና ዀነት። ክብሪ ነቲ ብኣርኣያ ቅዱስ ወዱን ብኣርኣያ ዅሎም ቅዱሳኑን ዝባረኸና ኣምላኽ ይኹን!!
ኣብ ሓድሽ ኪዳን እምነት ልዕሊ ዅሉ እትስርዓሉ ምኽንያት እንታይ’ዩ፧ ኣብ ብሉይ ኪዳንከ እምነትን ጽድቅን ኣይነበረን ድዩ፧ ጽድቂ ብእምነት’ምበር ብግብሪ ዘይምዃኑ፡ ቅዱሳን ሃዋርያት ጸቒጦም ዜስተምሃሩሉ ምኽንያትከ እንታይ’ዩ፧ እዚ መብዛሕትና ኣብ ሓድሽ ኪዳን ከም ዝተጀመረ ጌርና ብጌጋ እንርድኦ ናይ እምነትን ጽድቅን ኣስተምህሮ፡ እቲ ዝጸንዐ መሰረቱ ኣብ ብሉይ ኪዳን’ዩ። ኵሉ’ቲ ኣብ ብሉይ ኪዳን ዝተሰርዐ ስርዓተ-ኣምልኾ ነዛ ናይ “እምነትን ጽድቅን” መሰረተ እምነት፡ ትእምርታውን ትንቢታውን መልእኽቲ ዀይኑ ኼገልግል ዝተሰርዐ’ዩ። እቲ ናይ መስዋእቲ ስርዓት፡ ናይ’ቲ ብክርስቶስ ዚፍጸም መስዋእቲ ትንቢትን ጽላሎትን’ዩ። እቲ ናይ ብልዕን መስተን ስርዓት፡ ናይ’ቲ ብክርስቶስ ዚስራዕ ምስጢረ ቍርባን ትእምታዊ ትንቢትን ተኣምኖን’ዩ ዝነበረ (እብ 9፡6-26 ፣ 10፡1-14)። እቲ ኣብ ዕልቦ-ስጋ ዚግበር ዝነበረ ናይ ብሉይ ኪዳን ግዝረት ከኣ፡ ናይ’ቲ ብክርስቶስ ዚፍጸም ግዝረት ልቢ ትእምርታዊ ትንቢት’ዩ (ሮሜ 2፡28,29 ፣ ቈሎ 2፡11 ፣ ኤፌ 4፡22)። ኵሉ’ቲ ኣብ ብሉይ ኪዳን ዚፍጸም ዝነበረ ስርዓተ ንጽህና ድማ ነቲ ብምስጢረ ጥምቀትን ብምስጢረ ቍርባንን ዚርከብ ሕድገት ሓጢኣት ዜመልክት ትእምርታዊ ስርዓት’ዩ ዝነበረ (ማቴ 26፡28 ፣ ሉቃ 24፡27 ፣ ማር 1፡4 ፣ ግብ 5፡31 ፣ 22፡16)። ቅዱስ ጳውሎስ ነዚ ዝጠቐስናዮ ሓሳባት ጸሚቝ ኼጠቓልሎ ኸሎ፡ ብኸም’ዚ ዚስዕብ ገይሩ ኣስፈሮ።
“ደጊም ብብልዕን መስተን፡ ወይ ብምብዓል በዓላት፡ ወይ ብስርቂ ወርሒ፡ ወይ ብሰናብቲ ዝመጸ፡ ሓደ’ኳ ኣይፍረድኩም። እዚ ዅሉ (ስርዓት ናይ ብሉይ ኪዳን) ናይ’ቲ ኺመጽእ ዘለዎ (እቲ ስጋ) ግና ክርስቶስ’ዩ።” ቈሎ 2፡16,17 ካ.ት
“እዚ (ስርዓት ብሉይ ኪዳን) ምሳሌ ናይ’ዚ (ናይ ሓድሽ ኪዳን) ዘመን’ዩ። እቲ ዚቐርብ ዝነበረ መባእን መስዋእትን ከኣ ናይ’ቲ ዜቕርብ ሰብ ሕልና ኼንጽህ ከም ዘይክእል የመልክት (ኣሎ)። እዚ (ስርዓታት ብሉይ ኪዳን’ዚ) እቲ (ብክርስቶስ ዚፍጸም) ዘመን ምሕዳስ (ዘመን ምቕናዕ) ክሳዕ ዚመጽእ ዚግበር ናይ ብልዕን መስተን ናይ በብዓይነቱ ዝዀነ ናይ ምንጻህ ባህልን ስጋዊ ስርዓት ጥራሕ’ዩ።” እብ 9፡9-10 ካ.ት
ስለ’ዚ ኸም ስጋዊ ስርዓት ኰይኑ ደኣ የገልግል’ምበር፡ ብሉይ ኪዳን ናይ ሓድሽ ኪዳን ነጸብራቕን ጽላሎትን’ዩ ዝነበረ። እንተ ዀነ ንሰብ ብጽላሎቱ ንመልክዑ ኸተለልዮ ኸም ዘይከኣል፡ በቲ ጽላሎታዊ ስርዓት ጥራሕ ነቲ ምሉእ መልእኽቲ ናይ’ቲ ምስጢር ብንጹር ክትፈልጦ ይከኣል ኣይነበረን። ነዚ ምስጢር’ዚ ኣነጺሩ ዝገለጾ ጐይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ባዕሉ፡ ከምኡ ድማ ብስራሕ መንፈስ ቅዱስ ብቕዱሳን ሃዋርያቱ ገይሩ’ዩ።
“ከም’ቲ ኣቐዲመ ብሓጺሩ ጽሒፈልኩም ዝነበርኩ፡ እግዚአብሔር ነቲ ምስጢር’ዚ ብራእይ ኣፍለጠኒ። ነቲ ዝጸሓፍክዎ እንተ ደኣ ኣንቢብኩምዎ ብዛዕባ ምስጢር ክርስቶስ ዘሎኒ ፍልጠት ከተስተውዕልዎ ትኽእሉ ኢኹም። እዚ (ምስጢር’ዚ) ኸኣ ከም’ቲ ሕጂ ነቶም ቅዱሳን ሃዋርያቱን ነብያቱን ብመንፈስ ቅዱስ ዝተገልጸሎም፡ ነቶም ቀዳሞት ወለዶታት ደቂ ኣዳም ኣይተገለጸሎምን።” ኤፌ 3፡3-5 ካ.ት
“እዚ ምስጢር’ዚ ኻብ ዘለኣለም፡ ንውሉድ ወለዶ ተሰዊሩ ነበረ፡ ሕጂ ግና ንቕዱሳኑ ተገልጸ። ኣምላኽ ነዚኣቶም (ነቶም ዝደለዮምን ዝመረጾምን ቅዱሳን) እዚ ምስጢር’ዚ ኣብ መንጎ ኣህዛብ ክሳዕ ክንደይ ክቡርን ሃብታምን ከም ዝዀነ ኬፍልጦም መረጸ። እዚ (ምስጢር’ዚ) ኸኣ፡ እቲ ናይ ክብሪ ተስፋ ዝዀነ ኣባኻትኩም ዘሎ ክርስቶስ’ዩ።” ቈሎ 1፡26,27
ምስጢር ናይ ብሉይ ኪዳን፡ ክርስቶስ ባዕሉ’ዩ (ቈሎ 2፡2)። ብስጋ ተወሊዱ ብኣካል ምስ ተገልጸን ብቕዱሳን ሃዋርያት ምስ ተሰብከን ድማ ተጋህደ። ኣብ መጽሓፍ ናብ እብራውያን ምዕራፍ 11 ብዝርዝር ተገሊጹ ኸም ዘሎ ድማ፡ ካብ ኣቤል ጻድቕ ጀሚሩ ዅላቶም ብእምነት’ዮም ንኣምላኽ ኣኽቢሮም ዝጸደቑ። በቲ ዚፍጽምዎ ዝነበሩ ናይ እንስሳ መስዋእቲ ፡ ዋላ ጊዝያዊ ይኹን፡ ሕድገት ሓጢኣት ኪረኽቡ ይገብርዎ ነበሩ። እዚ ተግባሮም’ዚ ምሉእ ብምሉእ ናይ እምነት ተግባር’ዩ፡ እዚ ድማ ናይ’ቲ ዘለኣለማዊ ድሕነት ዜውህብ መስዋእቲ ክርስቶስ ትእምርታዊ ትንቢት’ዩ። ድሕነት ዚበሃል ብመስዋእቲ ክርስቶስ ሕድገት ምርካብ’ዩ (ኤፌ 1፡7 ፣ ቈሎ 1፡14)። በዚ መስዋእቲ ክርስቶስ ድሕነት ኪረክብ ዝደለየ ሰብ፡ ብዘይካ ነቲ ሕድገት ሓጢኣት ብእምነት ምቕባል ካልእ ዝገብሮ ነገር የልቦን።
ሰብ ንምንታይ’ዩ ብግብሩ ኺጸድቕ ዘይክእል፧ ብግብሩ ኺጸድቕ ካብ ዘይከኣለኸ፡ ብኸመይ’ዩ ብእምነት ዚጸድቕ፧ ብእምነት ምጽዳቕከ እንታይ ማለት’ዩ፧ ሰብ፡ ብምኽንያ’ቲ ዝወረሶ ኣዳማዊ ሓጢኣት፡ ገና ኺውለድ ከሎ ኣትሒዙ፡ ጐደሎን ውዱቕን ፍጥረት’ዩ። ሓደ ሚእቲ ትእዛዛት እንተ’ልዩ፡ ንዅሉ ትእዛዛት ብዘይ ዝዀነ ጕድለት ኪፍጽሞ ኣይክእልን’ዩ። ዋላ ንመብዛሕትኡ ትእዛዛት እንተ ፈጸሞ፥ ከይፈጸሞ ዚተርፍ ትእዛዛት ኪህልዎ’ዩ። ሃዋርያ ቅዱስ ያእቆብ ገሊጽዎ ኸም ዘሎ ድማ፡ ንዅሉ ትእዛዛት ሓልዩ ብሓንቲ ጥራሕ ዚብድል ድማ ብዅሉ’ዩ በዳሊ ዚኸውን (ያእ 2፡10,11)። ስለ’ዚ እንተ ወሓደ ብሓንቲ ኸይበደለ ኺነብር ስለ ዘይክእል፡ ሰብ ብግብሩ ኺጸድቀሉ ዚኽእል ዝዀነ ይኹን ተኽእሎ የለን ማለት’ዩ።
ናይ ሰብ ድኻም ግን ኣብ ምፍራስ ሕጊ ጥራሕ ኣይኰነን ዚገሃድ። ዋላ ኣብ’ቲ ዝተኣዘዞ ሕጊ’ውን ብምልኣት ብፍጹምነት ኣይገብሮን’ዩ። ኣፍቂሩ፡ ተዓጊሱ፡ ለጊሱ ኽነሱ፡ በቲ ንእግዚአብሔር ዚበቅዕን ዜዕግብን መጠን ኪገብሮ ኣይክእልን’ዩ። እቲ ተኣዝዞኡ ኸይተረፈ መንቅብ ኣለዎ። ነብዪ ኢሳይያስ ነዚ ሓቂ’ዚ፦ “..... ብዘሎ ጽድቅና ከም ጽዩቕ ክዳን’ዩ (ጽድቅና ከም ጨርቂ መርገም’ዩ) .....” ብምባል ገሊጽዎ ኣሎ (ኢሳ 64፡6 ቀ.ት + ካ.ት)። ቅድሳን ሃዋርያት’ውን ተኣዝዞና መንቅብ ዘይብሉን ፍጹምን ኪኸውን ኣዚዞምና’ዮም፡
“ክሳዕ ምጽኣት ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ነቲ ትእዛዝ ብዘይ ርስሓትን መንቅብን ክትሕልዎ ........ እእዝዘካ ኣለኹ።” 1ጢሞ 6፡13,14
“እቲ ምፍታን እምነትኩም ትዕግስቲ ኸም (ዜፍርይ) ፈሊጥኩምሲ ብሓንቲ’ኳ ኸይጐደልኩም ፍጹማትን ምሉኣትን ምእንቲ ኽትኰኑ፡ እታ ትዕግስቲ ፍጹም ግብሪ ይሃልዋ።” ያእ 1፡3,4
ስለ’ዚ ይትረፍ ዘይንእዘዞን እነፍርሶን ትእዛዝ ሃልዩና ዋላ ነቲ ዝተኣዘዝናዮ ውሑድ ዝርካቡ ትእዛዛት’ውን መንቅብ ብዝበዝሖ ኣገባብ ስለ ንፍጽሞ፡ ብግብርና ይትረፍ ክንጸድቕ ጥቓ ጽድቂ ኽንቀርብ’ውን ኣይንኽእልን ኢና። ብመሰረት ራእይ ዮሃንስ፡ ብዛዕባ ናይ ጽድቂ ልብስና ኽልተ ትእዛዛት ተኣዚዝና ኣለና፦
1ይ. ጥራይና ኸይንኸውን (ዕርቃንና ኸይረኣይ)፡
2ይ. ክዳውንትና ኸይረስሕ’የን (ራእ 16፡15 ፣ 22፡14)። ኣዳምን ሄዋንን ዕርቃኖም ኪኸድኑ በቝጽልቲ ዝሰርሕዎ ኽዳን ኪሰትሮም ስለ ዘይከኣለ እግዚአብሔር ባዕሉ ብደበሎ (ብቘርበት) ከደኖም። እዚ ድማ ትእምርታዊ ትንቢት ናይ’ቲ እግዚአብሔር ባዕሉ ዜልብሰና ጽድቂ-ክርስቶስ’ዩ። ጸገምና ግን ናይ ዕርቃን ጕዳይ ጥራሕ ኣይኰነን። ነቲ ዘልበሰና ጽድቂ’ውን ብንጽህና ናይ ምሕላው ዓቕሚ የብልናን። ስለ’ዚ ኸኣ ብንስሓ በቲ ጻድቕ ደም ክርስቶስ ሓጺብና ኸነጻዕድዎ ነቲ እንኮ ወዱ ምእንታና መስዋእቲ ገበሮ (ራእ 7፡14 ፣ እብ 9፡14 ፣ ኢሳ 1፡18)።
ስለ’ዚ ብእምነት ምጽዳቕ ማለት፡ “ኣነ ብግብረይ ንእግዚአብሔር ዜዕግብ ጽድቂ ኽለብስ ኣይክእልን’የ። እግዚአብሔር ብጽድቂ ክርስቶስ ኬልብሰኒ ኣሚነ ኣለኹ” ምባል ማለት’ዩ። ቅዱሳን ሃዋርያት ነዚ ሓቂ’ዚ “ብእምነት ምጽዳቕ፡ ብጸጋ ምጽዳቕ፡ ብክርስቶስ ምጽዳቕ” ብምባል ገሊጾምዎ ይርከቡ። ብዘይ ቃልዓለም እግዚአብሔር መንፈስ ቅዱስ እንተ ዘይገሊጹልካን፡ ካብ መንፈሳዊ ቝልዕነት እንተ ዘይዓቢኻን ነዚ መንፈሳዊ ምስጢር’ዚ ኽትርድኦ ቐሊል ኣይኰነን። ኣይሁድ በቲ ኸድሕኖም ዝመጸ ክርስቶስ ተዓንቂፎም ዝወደቑን ዝተሰብሩን ነዛ ሓቂ’ዚኣ ኺርድእዋ ስለ ዘይከኣሉ’ዩ። እዚ ውድቀቶም’ዚ ነቲ ኣይሁዳዊ ዝዀነ ቅዱስ ጳውሎስ፡ ብዙሕ ጓህን ዘየባትኽ ስቓይን ኰይንዎ ነበረ (ሮሜ 9፡1,2)። ንሕና’ውን ነዚ ውድቀት ኣይሁድ ክንመሃረሉን ክንልብመሉን’ምበር፡ በቲ ውድቀቶም ክንወድቕን ነቲ ታሪኾም ክንደግሞን ኣይግባእን’ዩ። ሃዋርያ ጳውሎስ እቲ ነህዛብ ዘዐወተ ንኣይሁድ ግን ዘውደቐ ጠንቂ እንታይ ምዃኑ ብኸም’ዚ ዚስዕብ ገሊጽዎ ኣሎ።
“ደጊምከ እንታይ ንበል፧ እቶም (ቀደም) ጽድቂ ዘይደለዩ ኣህዛብ ጽድቂ ረኸቡ። እዚ ኸኣ እቲ ብእምነት ዚመጽእ ጽድቂ’ዩ። እስራኤል ግና ነቲ ናብ ጽድቂ ዜብጽሕ ሕጊ እናደለይዎስ፡ .... (ናብ ጽድቂ) ኣይበጽሑን። ስለምንታይ፧ ብግብሪ’ምበር ብእምነት ስለ ዘይደለይዎ’ዩ። በቲ እምኒ መዓንቀፊ (ብክርስቶስ) ተዓንቀፉ። እዚ ኸኣ ጽሑፍ’ዩ፡ <እንሆ ኣብ ጽዮን እምኒ መዓንቀፍን ዜንደልህጽ ከውሕን አንብር ኣለኹ፡ ብእኡ ዚኣምን ከኣ ኣይኪሓፍርን’ዩ።” ሮሜ 9፡30-33
“ነቲ ብኣምላኽ ዚመጽእ ጽድቂ ሰኣን ምፍላጦምን፡ ጽድቂ ርእሶም ኬቝሙ ብምድላዮምን ንርእሶም ኣብ ትሕቲ ጽድቂ ኣምላኽ ኣየግዝኡን። ዚኣምን ዘበለ ዅሉ ምእንቲ ኺጸድቕ፡ ክርስቶስ መደምደምታ ሕጊ ሙሴ’ዩ።” ሮሜ 10፡3,4
በዚ ሃዋርያዊ መግለጺ’ዚ መሰረት፡ እቲ “ብግብረይ’የ ዝጸድቕ” ዚብል ሰብ፡ ናቱ ጽድቂ ኺተክል ዚደልይ፡ ካብ እግዚአብሔር ዝሸፈተ ዓለወኛ ሰብ’ዩ። እቲ “ብጽድቂ ክርስቶስ (ብእምነት፡ ብጸጋ)’የ ዝጸድቕ” ዚብል ሰብ ድማ ርእሱ ንጽድቂ ኣምላኽ ዘግዝአ ብልሂ ክርስትያን’ዩ። እቲ ዓለወኛን ዓሻን ክርስትያን ኣብ’ዛ ምድሪ’ዚኣ በቲ ህያው እምኒ ብክርስቶስ ተዓንቂፉ ይስበር። ድሕሪ ትንሳኤ ሙታን ድማ እቲ ህያው እምኒ ኣብ ልዕሊኡ ወዲቕዎ ኪጭፍለቕ’ዩ። እቲ ምስጢር ኣምላኽ ዘስተውዓለ ብልሂ ክርስትያን ግን ኣብ’ዛ ምድሪ’ዚኣ ጽድቂ ክርስቶስ ለቢሱ ብጽድቅን ቅድስናን ዕዉት ህይወት ኬሕልፍ፡ ድሕሪ ምጽኣት ጐይታ ድማ ናብ’ታ ብኢድ ሰብ ዘይተሃንጸት ሰማያዊት መቕደስ፡ ናብ ቅድስተ ቅዱሳን ኣትዩ ምስ ክርስቶስ ኣብ የማን እግዚአብሔር ኪቐውም፡ ብዘለኣለማዊ ኽብርን ሓጐስን ዕረፍትን ምጽንናዕን ተኸሊሉ ዘለኣለማዊ ህይወት ኬስተማቕር’ዩ።
ንምንታይ’ዩ ብዘይ ናትና ጽድቂ፡ ብጽድቂ ክርስቶስ፡ ክንጸድቕ ተደልዩ፧ ብኸመይ’ዩኸ ጽድቂ ክርስቶስ ዚወሃበና፧ እዚ ኣገዳሲ ሕቶ’ዚ ናብ’ቲ ናይ ኣምላኽ ጸጋን ምሕረትን ፍትሕን’ዩ ፍቕርን’ዩ ዚመርሓና። ጐይታና ባዕሉ ኣብ ዮሃ 3፡15,16 እግዚአብሔር ኣቦ ህይወት ወዱ በጃና ብምሕላፍ ዋጋ ሓጢኣትና ዝኸፈለ፡ ብምኽንያት’ቲ ዕዙዝ ፍቕሩን ፍትሑን ምዃኑ ኣብሪሁልና ኣሎ። ስለ’ዚ ኢና ብዛዕባ’ቲ ብሕድገት ሓጢኣት ዝረኸብናዮ ድሕነት ንኣምላኽ ኣዚና እነመስግኖ። ባዕላትና ብገዛእ ግብርና ድሒንናን ጸዲቕናን እንተ ንኸውን ግን ኣምላኽ ዚምስገነሉ ምኽንያት ኣይምሃለወን ነይሩ። ቅዱሳን ሃዋርያት’ውን ነዚ ሓቂ’ዚ’ዮም ደጋጊሞም ዘረጋገጹልና (ኤፌ 2፡1-9 ፣ 2ጢሞ 1፡9,10 ፣ ቲቶ 3፡3-5)።
ሓጢኣትን ሞትን ብኣበሳ ሓደ ኣዳም ናብ ኵሉ ዘርኢ ኣዳም፡ ዋላ ናብ’ቶም ዋላ ሓንቲ ዘይበደሉ ህጻናት’ውን ሓለፈ። ክንውለድ ከለና ምስ ኣዳማዊ ሓጢኣትና ኢና ንውለድ። ቅዱስ ጳውሎስን ቅዱስ ዳዊትን ነብዪ ኢሳይያስን ነዚ ሓቂ’ዚ ብንጹር ተኣሚኖም ኣለዉ (ሮሜ 5፡12-14 ፣ መዝ 51፡5 ፣ 53፡3 ፣ ኢሳ 48፡8)። እዚ ብፍትሒ መለኮት ዝተወሰነ፡ ዘይሰዓር ሕጊ’ዩ። እግዚአብሔር ግና ፍትሓውን መሓርን ስለ ዝዀነ፡ ኣበሳ ኣዳም ጥራሕ ዘይኰነ፡ ጽድቂ ክርስቶስ’ውን ናብ ኵሉ ሰብ ኪሓልፍ ብፍቕሩን ብምሕረቱን ወሰነ። ነቲ ኣበሳ ኣዳም ካብ ኣዳም ስለ ዝተወለድና ጥራሕ ንወርሶ ኻብ ኰንና፡ ነቲ ጽድቂ ክርስቶስ ድማ ውሉድ ኣምላኽ ብምዃን ክንወርሶ ፈቐደልና። እቶም “ኣዳማዊ ሓጢኣት ኣይውረስን’ዩ” ዚብል ሰንኮፍ ርድኢት ዘለዎም፡ ዘጸበቑ መሲልዎም ከይተረድኦም፡ ነቲ ኣምላኽ ብክርስቶስ ኬውርሰና ዝመደበ ጽድቂ፡ ገጽ ንገጽ ይቃወምዎ፡ ንምኽሪ ኣምላኽ ኬፍርሱ ይጋደሉ ኸም ዘለዉ ኣየስተውዓልዎን። ቅዱስ ጳውሎስ፡ ኣዳም ምስሊ ናይ’ቲ ዚመጽእ ክርስቶስ ከም ዝዀነ፡ ስለ’ዚ እቲ ቐዳማይ ኣዳም ብሓጢኣት ዘበላሸወሉ ኣገባብ ተጠቒሙ፡ እቲ ዳሕራይ ኣዳም ዝዀነ ክርስቶስ ብጽድቂ ኺእርሞ ምዃኑ፡ ኣብ ሮሜ 5፡12-21 ፣ 1ቈረ 15፡45-49 ካ.ት ጽቡቕ ገይሩ ነቲ ምስጢር ኣብሪሁልና ኣሎ።
“እምበኣር ከም’ቲ ብሓንቲ ሓጢኣት (ናይ ኣዳም) ናብ ኵሉ ሰብ ኵነኔ ዝመጸ፡ ከምኡ ድማ ብሓንቲ (ናይ ክርስቶስ) ግብሪ ጽድቂ፡ ንዅሉ ሰብ ህይወት እትህብ ጽድቂ መጸት። ከመይ (እቶም) ብዙሓት ብዘይ ምእዛዝ (ናይ’ቲ ሓደ ኣዳም) ሓጥኣን ከም ዝዀኑ፡ ከምኡ ኸኣ ብምእዛዝ (ናይ’ቲ ሓደ ክርስቶስ እቶም) ብዙሓት ጻድቃን ኪዀኑ’ዮም።” ሮሜ 5፡18,19 ካ.ት
እምበኣር ነዛ ሓቂ’ዚኣ ኸም ዚግባእ እንተ ተረዲእናያን፡ ብምሉእ ልብና እንተ ኣሚንናያን፡ ካብ’ቲ ኣይሁድ ዝወደቑሉ ዕንቅፋት ድሒንና ጽድቂ ርእስና ንዒቕና ርእስና ኣብ ትሕቲ ጽድቂ ኣምላኽ ኣግዚእና፡ ንጽድቂ ኣምላኽ ድማ ረኺብናያን ለቢስናያን ኣለና ማለት’ዩ። እዛ ምስጢር’ዚኣ’ያ “ፍልጠት ሓቂ” ወይ “ፍልጠት ምድሓን” ተባሂላ’ያ እትጽዋዕ።
እሞ እቶም በዛ እምነት’ዚኣ ብጽእናን ጽድቅን ዝተቐበሉ ሰባት ኪእዘዙን ግብሪ ጽድቂ ኺገብሩን ኣየድልዮምን፡ ኣይምልከቶምን ማለት ድዩ፧ ኣይፋሉን! ብኣንጻሩ ደኣ’ዩ። እቶም ብእምነት ክርስቶስ ዝጸደቑ’ዮም፡ ንግብሪ ጽድቂ ኣዝዮም ዜፍቅርዎን ዚመልክዎን። ምኽንያቱ እቲ ዝተቐበልዎን ዝለበስዎን ጽድቂ ኣምላኽ፡ ካብ’ቲ ብቐዳማይ ኣዳም ገይሩ ዘልመሶም ማእሰር ሓጢኣት ኣናጊፍዎም’ዩ። ሓንቲ ኦም እንተ ጸደቐት ጥራሕ’ያ፡ ፍረ ናብ ምፍራይ እትበጽሕ። ሰብ ድማ ልክዕ ከምኡ፡ ምስ ጸደቐ ጥራሕ’ዩ ፍረ ጽድቂ ኼፍርይ ዚኽእል። ሰብ ምስ ደሓነ’ዩ ግብሪ ድሑናት ዜፍርይ’ምበር ግብሪ ምስ ገበረ ኣይኰነን ዚድሕን። ምኽንያቱ ጥፉእ ክነሱ ናይ ድሑናት ግብሪ ኺገብር ዚኽእል የልቦን። ግብሪ ጽድቂ ምግባር እምብዛ ዚኸብደና፡ ከይጸደቕና ኸለና ኽንገብሮ ስለ ‘ንጋደል’ዩ። ንተኽሊ ወይኒ፡ ፍረ ወይኒ ምፍራይ ባህርያን መንነታን ስለ ዝዀነ ብቐሊል’ያ ትገብሮ። ተኽሊ ቀላሚጦስ ፍረ ወይኒ ኽትፈርይ እንተ ደለየት ግና ፈጺሙ ኣይኰነላን’ዩ። ስለ’ዚ እቲ ፍረ ጽድቂ ኼፍርይ ዚደልይ፡ ቅድም ርእሱ ኣብ ትሕቲ ጽድቂ ኣምላኽ ኣግዚኡ ኺጸድቕ ይግባእ። ኣዝዩ ዜሕዝን ግና፡ ብጽድቂ ክርስቶስ ጸዲቑ ኼብቅዕ ፍረ ጽድቂ ዘይፈርይ ሓዲግ ክርስትያን ኣሎ። እቲ ናይ ሓቂ፡ ናይ ጽድቂ ጕንዲ ወይኒ ዝዀነ ጐይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ፦
“ኣነ ናይ ሓቂ ጕንዲ ወይኒ’የ፡ ተኻሊኡ ኸኣ ኣቦይ’ዩ። ነቲ ኣባይ ዘሎ ፍረ ዘይፈርይ ጨንፈር ኵሉ ይቘርጾ፡ ነቲ ፍረ ዚፈርይ ዘበለ ጨንፈር ግና ብዙሕ ምእንቲ ኺፈርይ የጽርዮ።.....ኣባይ ንበሩ፡ ኣነ’ውን ኣባኻትኩም ክነብር’የ። ጨንፈር ኣብ’ቲ ጕንዲ ወይኑ እንተ ዘይነበረ ካብ ርእሱ ኺፈርይ ኸም ዘይክእል፡ ንስኻትኩም’ውን ኣባይ እንተ ዘይነበርኩም ከምኡ ኢኹም። እቲ ጕንዲ ወይኒ ኣነ’የ፡ ጨንፈር ከኣ ንሳኻትኩም ኢኹም፡ እቲ ኣባይ ዝነብር ኣነ’ውን ኣብኡ ንሱ’ዩ ብዙሕ ፍረ ዚፈርይ፡ ምኽንያቱ ብጀካይ ሓንቲ’ኳ ኽትገብሩ ኣይትኽእሉን ኢኹም። ኣባይ ዘይነብር ዘበለ ኸም ጨንፈር ንወጻኢ ተደርብዩ ይነቅጽ፡ ኣኪቦም ድማ ናብ ሓዊ ይድርብይዎ’ሞ ይነድድ።”።
ብምባል ዝገለጾ ሓቂ ብምስትውዓል ንዘክሮ (ዮሃ 15፡1,2,4-6 ካ.ት )። ብክርስቶስ ከም ዝጸደቐ ዚኣምን ሰብ፡ ግብሪ ጽድቂ ካብ ምግባር እንተ በዂሩ፡ ወይ’ውን ጽድቂ ምግባር ኣዝዩ እንተ ኣጨኒቕዎን እንተ ኸቢድዎን ብሕሱም ጥበራ ተጠቢሩ ኸም ዘሎ ይፍለጥ። ምኽንያቱ፡ ኦም በቝጽልቱ ዘይኰነስ ብፍሪኡ ኸም ዚልለይ እቲ ቕዱስ ጽሑፍ ኣነጺሩ ኣፍሊጡና’ዩ (ማቴ 7፡16-20 ፣ 12፡33)። እቲ ኸም ሕሩይ ተኽሊ ወይኒ ተተኺሉ፡ ኣዝዩ ልዑል ክንክን ተገይሩሉ ኼብቅዕ፡ ናብ ድቓላ ሓረግ ወይኒ ተለዊጡ ዘይልከፍ መጺጽ ፍረ ዘፍረየ ሰብ፡ ፍርዱን መጻኢኡን እንታይ ከም ዚመስል ብንጹር ተነጊሩና’ዩ (ኢሳ 5፡1-7 ፣ ኤር 2፡21,22 ፣ እብ 6፡7,8 ካ.ት ፣ ሉቃ 13፡6-9)። ነቶም ብጽድቂ ክርስቶስ ዝደሓኑ፡ ግብሪ ጽድቂ ምግባር ባህርዮም ስለ ዚኸውን፡ ንኺገብርዎ ትእዛዝ’ውን ኣይጽበዩን’ዮም (ኤፌ 2፡10 ፣ ሮሜ 6፡12-14,19,22,23 ፣ 1ዮሃ 3፡4-10፣ 5፡18,19) እቲ “ብግብረይ’የ ዝጸድቕ” ኢሉ ዚኣምን ግና ኣብ ዓቕሚ ስጋኡ ጥራሕ ዚምርኰስ፡ ርእሱ ዜምልኽ ስጋዊ ሰብ ስለ ዝዀነ፡ ክጸድቕ ኢሉ ብዝጸዓረ መጠን ብዝገደደ እናሓጥአን እናነወረን’ዩ ዚነብር (ሮሜ 8፡5-8 ፣ 7፡14-24)። ምኽንያቱ በቲ ኼጽድቖ ዝመጸ ህያው እምኒ፡ ብክርስቶስ፡ ኪዕንቀፍን ኪስበርን ዚነብር ዘይለባም ክርስትያን’ዩ። ስለ’ዚ እቲ “ብክርስቶስ’የ ዝጸድቕ” እናበለ ብግብሪ ጽድቂ መኻን ዝዀነ ሰብን፡ እቲ “ብግብረይ’የ ዝጸድቕ” ዚብል ሰብን፡ ክልቲኦም “ኣለና” እናበሉ ኣርሒቖም ዝዀብለሉ ጥፉኣት’ዮም። እቲ ሓቀኛ ኣማኒ ግን፡ ብፍረ ጽድቂ ዝተሰለመ ፈራዪ ጨንፈር’ዩ።
“ሕጂ ግና፡ ከም’ቲ ሕግን ነብያትን ዝመስከርዎ፡ ጽድቂ ኣምላኽ፡ ብሕጊ ሙሴ ዘይኰነስ፡ ብኻልእ መገዲ ተገሊጹ ኣሎ። ኵሎም’ቶም ዚኣምኑ ኣብ ቅድሚ እግዚአብሔር ዚጸድቁ፡ ብኢየሱስ ክርስቶስ ብምእማን’ዩ። ኣብ’ዚ ሌላን ጕሌላን የልቦን። ከመይ ኵሎም ስለ ዝሓጥኡን ካብ ክብሪ ኣምላኽ ስለ ዝረሓቑን፡ በቲ ብኢየሱስ ዝርከብ ድሕነት ብኸምኡ፡ ብጸጋኡ ይጸድቑ።” ሮሜ 3፡21-24 ካ.ት
ካብ ስጋ፡ ካብ ሰብ፡ ሰናይ የልቦን (ሮሜ 7፡18,19)። ካብ ውዱቕ ሰብ፡ ሓጢኣት’ምበር ጽድቂ ኣይፈርይን’ዩ። ጽድቂ ሰብ ካብ ኣምላኽ’ዩ ዚርከብ (ኢሳ 54፡17 ፣ ኤር 23፡5,6 ፣ 23፡15,16)። እቶም በዛ ሓቂ’ዚኣ ዚኣምኑ ዅሎም ክርስትያን ብርግጽ ብጹኣንን ድሑናትን ጻድቃንን’ዮም። ኣብ ሓድሽ ኪዳን ናይ’ቲ ብእምነት ዚርከብ ብጽእና፡ በዅሪ ኣብነትና ድማ ቅድስቲ ድንግል ማርያም’ያ። ነቲ ብእምነት፡ ብጸጋ ዜጽድቐና እግዚአብሔር ወልድ ስጋኣ ለቢሱ ፍጹም ሰብ ብምዃን ብምስጢረ ተዋህዶ ጐይታን መድሓንን ዝዀነልና ኢየሱስ ካብኣ ኽውለድ ዝተመረጸትሉ ምኽንያት፡ በቲ ብጽእና ዝወለደ ካብ ኵለን ኣንስቲ ዝተባረኸትን ምልእተ-ጸጋን ዝገበራ እምነታ ስለ ዝሰመረቶ’ዩ። ንኣርኣያኣ ብዕቱብ ከነስተውዕሎን ክንስዕቦን ዚግብኣና ድማ ብእኡ ምኽንያት’ዩ።
ነዚ ዅሉ ሓቂ ድሕሪ ምስትውዓልና’ምበኣር፡ ርእስና ንመርምር። እቲ ንዅሎም’ቶም እነኽብሮም ቅዱሳን ዘጽደቐ እምነት ኣባና ኣሎዶ፧ ካብ’ቶም ብገዛእ ጽድቖም ተኣሚኖም ንዘለኣለም ዚጠፍኡ ዲና ወይስ ካብ’ቶም ብጽድቂ ኣምላኽ ተኣሚኖም ንዘለኣለም ዚድሕኑ፧ ካብ’ቶም ብጽድቂ እምነት እናተመክሑ ሓጢኣት ዚፈርዩ ኸይንኸውንከ ንርእስና ንፍትሻን ንምርምራን ደዀን ንህልው፧ እምበኣር ንነፍስና ኻብ ድርብ ጥበራ ንሓልዋ። እዚ ተሪፉና ዘሎ ናይ ዘመነ ጾም ጊዜ፡ ዕቱብ ናይ ነፍስና ምርመራ ንግበር!!
ጸጋ ጎይታና ኢየሱስ ክርስቶስን ፍቕሪ ኣምላኽን ሕብረት መንፈስ ቅዱስን ምስ ኩላትና ይኹን።
ኦርቶዶክሳዊት ተዋህዶ ቤተ ክርስቲያን ኤርትራ - መንበረ ጵጵስና ሰሜን ኣሜርካ
ነሓሰ 14, 2015 ግዕዝ (20 ነሓሰ 2023 ፈ [መበል 50 ሰንበት: ቊ.፶፰/58, 2023] ) |
||
ምስባክ መዝ.፻፴፩(፻፴፪)፡፲፫-፲፬ “እስመ ኃረያ እግዚአብሔር ለጽዮን። ወአብደራ ከመ ትኩኖ ማኅደሮ። ዛቲ ይእቲ ምዕራፍየ ለዓለም።” ዓዲ፡ መዝ.፻፳(፻፳፩)፡፩-፪ “አንሣእኩ አዕይንትየ መንገለ አድባር። እምአይቴ ይምጻእ ረድኤትየ። ረድኤትየሰ እምኀበ እግዚአብሔር።” |
ንባባት |
ኣንባቢ |
እብ 11፡8-16 |
ዲያቆን |
|
2 ዮሃ 1፡1-7 |
ንፍቅ ዲያቆን |
|
ግብ 27፡39-ፍጻመ |
ንፍቅ ካህን |
|
ሉቃ 1፡35-45 |
ሰራዒ ካህን |
|
ቅዳሴ፦ ዘእግዚእትነ |
||
መዝሙር፦ ዛቲ ይእቲ ማርያም |
ካብ ውሽጢ ኤርትራ ዝተረኽበ ንቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ንምቁጽጻር ብመንግስቲ ኤርትራ ክካየድ ዝጸንሐን ዘሎን ሽርሒ ዘቃልዕ ቪድዮ
ድኳን መጻሕፍቲ/Book Store
ራድዮ ቃለ ኣዋዲ