“..... ኵሎም (ሃዋርያት፡ ምስ ሓያሎ ኣንስትን ምስ ማርያም ኣደ ኢየሱስን ምስ ኣሕዋቱን ኰይኖም ከየብኰሩ ሓቢሮም ይጽልዩ ነበሩ።” ግብ 1፡14
እዚ ሰንበት’ዚ መበል 49 ሰንበት ናይ’ዚ ሒዝናዮ ዘለና ዓመተ ግእዝ’ዩ። ኣብ ክፍላ (ፍርቂ) ናይ’ዚ ተጸሚድናሉ ዘለና ጾመ ፍልሰታ ኢና ዘለና። እግዚኣብሄር ብሰላምን ብበረኸትን የፈጽመና። ናይ’ዚ ዕለት’ዚ መዝሙር ቅዱስ ያሬድ፡ “ዮም ንወድሳ ለማርያም” ዚብል ኣርእስቲ ዘለዎ’ዩ። ብመሰረት’ዚ መዝሙር’ዚ ተዳልዮምልና ኻብ ዘለዉ ኣርባዕተ ንባባት ሓድሽ ኪዳን ሓደ ድማ፡ እዚ ብንፍቅ ካህን ዚንበብ ናይ ግብ 1፡12-15 ንባብ’ዩ። እዚ ንባብዚ ኣብ መንጎ ዕርገት ጐይታናን ምውራድ መንፈስ ቅዱስን ንዝነበረ ናይ ዓሰርተ መዓልታት ሃለዋት ናይ’ታ በዅሪ ቤተ ክርስትያን ንምግላጽ ብቕዱስ ሉቃስ ወንጌላዊ ዝተጻሕፈ ኽፍሊ ሓድሽ ኪዳን’ዩ። ጐይታና ቕድሚ ዕርገቱ፦
“.........ንስኻትኩም ግና ድሕሪ ቕሩብ መዓልቲ ብመንፈስ ቅዱስ ክትጥመቑ ኢኹም’ሞ፡ ነቲ ኻባይ ዝሰማዕኩምዎ ተስፋ ኣቦ ተጸበዩ።” ኢሉ ኻብ ኢየሩሳሌም ከይወጹ ኣዘዞም (ግብ 1፡45)። ኣብ ሉቃ 24፡49 ተገሊጹልና ኸም ዘሎ ኸኣ፦ “እንሆ፡ ኣነ ተስፋ ኣቦይ ክስድደልኩም’የ። ንስኻትኩም ግና ካብ ላዕሊ ሓይሊ ክሳዕ እትለብሱ፡ ኣብ ከተማ ኢየሩሳሌም ጽንሑ።” ኢሉ ኣዚዝዎም ነበረ፡ ነዛ ትእዛዝ’ዚኣ ተቐቢሎም ድሕሪ ምምላሶም፡ ናብ’ታ ጐይታና ዜዘውትራ ዝነበረ ደርቢ (ፓላሶ) ኣተዉ (ግብ 1፡12,13፣ ሉቃ 22፡12፣ ማር 14፡15)። እዛ ደርቢ’ዚኣ ቤት ማርያም (ኣደ ማርቆስ ወንጌላዊ) ከም ዝነበረት ብዙሓት ሊቃውንቲ መጽሓፍ ቅዱስ ይስማምዑ። ብመሰረት ግብ 1፡15 እቶም ናብ’ታ ደርቢ ዝተኣከቡ ደቀ መዛሙርቲ ቍጽሮም ኣስታት 120 ነበረ። ኣብ’ዚ ተገሊጹልና ኸም ዘሎ ኣብ’ዚ ጉባኤ’ዚ፡ እቶም ዓሰርተው ክልተ ቅዱሳን ሃዋርያትን ኣዴና ቕድስቲ ድንግል ማርያም ይርከቡ ነበሩ። ሊቃውንቲ ቤተ ክርስትያንና ኸም ዚገልጽዎ፡ እዚ ጉባኤ’ዚ ነቶም ሰብዓ ኣርድእትን ሰላሳን ሽዱሽተን ቅዱሳት ኣንስትን እቶም “ኣሕዋት ጐይታ” ዝተሰምዩ ደቂ ዮሴፍን ዘጠቓለለ ነበረ።
እዚ ስድራ ቤት ኣምላኽ ዝዀነ ጉባኤ’ዚ ሓደ ዓብይ ግብራዊ መልእኽቲ ኣስኒቑና ኣሎ። እዚ ንባብ’ዚ፡ ጐይታን ኻብ ኢየሩሳሌም ከይወጹ ኺጽበዩ ኸም ዝኣዘዞም’ምበር፡ እናጸለዩ ኺጽበዩ ኸም ዝኣዘዞም ኣይሓበረናን። እዚ ጒባኤ’ዚ ግን ንኣስታት ሰለስተ ዓመትን መንፈቕን ካብ ልሳንን ህይወትን ናይ ጐይታ እናተማህረ ዝተሃንጸ ጉባኤ’ዩ። ብጸሎት ዘይተሰነየ ትጽቢት ከንቱ ትጽቢት ከም ዝዀነ ብግብርን ብቓልን ዝተማህረ ናይ ቅዱሳን ጐባኤ’ዩ። እቲ ትጽቢቶም ናይ ክንደይ መዓልታት ትጽቢት ምዃኑ ኣይተነግሮምን። ስለ’ዚ እቲ ብምላኽ ዝተሰርዐ ምዱብ ጊዜ ኽሳዕ ዚፍጸም ብዘይበኵር ሓበራዊ ጸሎት ተጸሚዶም ኪጽበይዎ ቅዱስ ምርጫ ወሰዱ።
እዚ ናይ ጉባኤ ቕዱሳን ተመክሮ’ዚ፡ ንኣና ንህዝበ ክርስትያን ዜስንቐና ኣዝዩ ዓብዪ መንፈሳዊ ትምህርቲ ኣለዎ። ምኽንያቱ ቅድስቲ ቤተ ክርስትያን ኣብ ዘይበኵር ትጽቢት’ያ ተጸሚዳ ዘላ። ኣብ መሰረት ነብያትን ሃዋርያትን ዝተሰረተት ኣካል ክርስቶስ ከም ምዃና መጠን፡ ዘይበኵር ትጽቢት ብዘይበኵር ጸሎት ኪስነይ ከም ዚግብኦ፡ ኣኺሉ ዚተርፍ መጠን ናይ ትምህርትን ኣርኣያን ረኺባ’ያ። ብዘይካ ነቶም ኣብ ዕለተ ምጽኣት ኣብ’ዛ ዓለም’ዚኣ ብህይወት ዚጸንሑ ሰባት፡ ነቶም ዝተረፍና ኻልኦት ንምጽኣት ጐይታ ምጽባይ ናይ ምሉእ ዕድመ ተልእኾና’ዩ። እቶም ኣርኣያና ዝዀኑ ቅዱሳንና ነዚ ናይ ቅሩብ መዓልታት ትጽቢት ብዘይበኵር ሓባራዊ ጸሎት ካብ ገጠምዎ፡ እዞም ናይ ዕድመ ምሉእ ትጽቢት ተሰሪዑልና ዘሎኸ፡ ማዕረ ኽንደይ ብዘይበኵር ውልቃውን ሓባራውን ጸሎት ክንገጥሞ ዘይግብኣና!! እታ ብዅለንተናኣ ኣርኣያና ዝዀነት ኣዴና ቕድስቲ ድንግል ማርያም፡ ኣካል ናይ’ዚ ከቶ ዘይሃስስ ድሙቕ እርኣያ ምዃና ድማ ፈጺምና ኽንዝንግዖ ዘይግባእ’ዩ። ቅድስቲ ቤተ ክርስትያንና ነዚ ናይ ቅንያት ዕርገትን በዓለ መንፈስ ቅዱስን ታሪኽ’ዚ፡ ኣብ ቅንያት ጾመ ፍልስታ ኪንበብ ዝሰርዓትሉ ምኽንያት፡ እዚ ኵላትና ኽንስዕቦ ዚግብኣና ቅዱስ ኣርኣያኣ፡ ናብ ልብናን ቀልብናን ኪሰርጽ ስለ ዝደለየት’ያ። ስለ’ዚ ነዚ ናይ’ዚ ዕለት’ዚ ትምህርትና ብልዑል ኣድህቦን ብዓሚቝ ተመስጦን ክንከታተሎ፡ ከምኡ’ውን ነባሪ ጥሪትናን ተመክሮ ህይወትናን ክንገብሮ ይግብኣና።
ትጽቢት ብጸሎት ኪስነየሉ ዚግባእ ምኽንያት ግን እንታይ’ዩ። ትጽቢት፡ እንታይ ጽንኩር ብድሆታትዶ ኣለዎ’ዩ፧ ናይ ህይወት ተመክሮና ኣነጺሩ ኸም ዜረጋግጸልና። ህይወት ወዲ ሰብ ማእለያ ብዘይብሎም ትጽቢታት (Expectations) ዝተነድቀት’ያ። ዕድመ፡ ጾታ፡ ኵነታት፡ ማሕበረ ቍጠባዊ ደረጃ፡ ሃይማኖት፡ ፖለቲካ፡ ዓሌት ወዘተ ኸይፈለየ፡ ኵሉ ፍጥረት ሰብ ብዝተፈላለየ መጠንን ዓይነትን ናይ ትጽቢታት ዝተመልአ’ዩ። ገሊኦም ትጽቢታት ብኣምላኽ ዝተሰርዑልናን ዝተእዘዝናዮምን ትጽቢታት’ዮም። ናይ’ዚ ዓይነት ትጽቢት’ዚ ዝበለጸ ኣብነትና ኸኣ ምጽኣት ጐይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ’ዩ። ገሊኡ ትጽቢታት ከኣ ንዅሉ ሰብ ዚሓቍፍ ባህርያዊ ትጽቢት’ዩ። ከምኒ መርዓ፡ ሓዳር፡ ውላድ፡ ዝናም ምርካብ ዝኣመሰሉ ዜጠቓልል’ዩ። ስራሕ ትምህርቲ፡ ጥዕና፡ ሰላም ወዘተ ኽትረክብ’ውን ናይ ኵሉ ሰብ ትጽቢት’ዩ። ንኣብነት ዚኣክል ደኣ ነዚኣቶም ጠቓቒስና’ምበር፡ ይትረፍ ነቲ ነናይ ውልቀ ሰብ ትጽቢታት፡ ነቶም ንዅሉ ሰብ ዚምልከቱ ሓባራዉያን ትጽቢታት’ኳ ብዝርዝር ኪጥቀሱ ኣይከኣልን’ዩ። እቲ ኪዀነልና እንደልዮ ኸይተፈጸመ ተደናጒዩ መዓልታትን ሰሙናትን ኣዋርሕን ዓመታትን እናቝጸረ ምስ ዚኸይድ፡ ኣብ ውሽጥና ዚፈጥሮ ሻቕሎትን ተርባጽን፡ ኣብ ኵነታት ኣእምሮና ዚፈጥሮ ጸቕጥን ነውጽን፡ ማዕረ ኽንደይ ከቢድ ከም ዝዀነ ዝውቱር ማሕበራዊ ተመክሮና ስለ ዝኹነ፡ ሰፊሕ ትንተና ዚጠልብ’ውን ኣይኰነን። ካብ ሕማሙ ኺሓውይ ዚጽበይ ሰብ፡ ንቡር ናይ መርዓ ዕድል እትጽበይ፡ ወይ’ውን ተመርዕያስ ጥንሲ እትጽበይ ሰብ ወይ’ውን ዕለተ ሕርሳ እትጽበይ ነፍሰ ጾር፡ ትጽቢታ ኸይተፈጸመ መዓልታትን ዓመታትን ብዝበልዐ መጠን፡ ከቢድ ኣካላውን ኣእምሮኣውን ጸቕጢ ፈጢሩ፡ ጥዕናን ዝምድናታትን ክሳዕ ምዝንባል ኪበጽሕ ዚኽእል’ዩ። ኣብ ሓደ ማሕበረ ሰብ ሰላም፡ ፍትሒ፡ ልምዓት፡ ምዕባለ ወዘተ ኺሰኣን ከሎ፡ ብደረጃ ምሉእ ህዝቢ ዚኽሰት ግሁድን ስዉርን ነውጽታት ኣሎ። ኪዕገት ዘይክእል ፍልሰትን ስድደትን ይኽሰት። ህዝባዊ ናዕብታት ይለዓዓል። ጐናጻዊ ብረታዊ ቓልሲ’ውን ይለዓዓል። ርእሰ ቕትለት ብሰሪ ቝጠባዊ ጸገማት ዚኽሰት ለበዳዊ ፍትሕ ናይ ቃል ኪዳን፡ ክትርድኦ ዀነ ኽትእመነሉ ዚኸብድ ሕማማት ኣእምሮ ይበዝሕ። እዚ ተጠቒሱ ዘሎ ኣብነታት ኣብ ህዝብና፡ ኣብ ውሽጥን ወጻእን፡ ኣዝዩ በዚሑን ዓዚዙን ይረኣይ ስለ ዘሎ፡ ነዚ ኸተረድእ ምግዳል ማለት፡ ንቐባራይ ከተርድእ ከም ምህቃን’ዩ ዚኸውን።
ትጽቢት ግን እዚ ልዕል ኢልና ዝጠቐስናዮ ጸገማት ጥራሕ ኣይኰነን ዜጠቓልል። ብመሰረቱ ነቲ ትጽቢትካ ጠቕሊልካ ምሕዳግ’ውን ኣሎ። መብዛሕትኡ እዚ ዝዓይነቱ መልሰ ግብሪ ኣብ መንፈሳዊ ጉዳያት ዚዝውተር’ዩ። እግዚኣብሄር ኪምልሰልካ ወይ ኪገብረልካ ኢልካ ኣዘውቲርካ ኽትጽልይ ትጸንሕ’ሞ፡ ትጽቢት ምስ ነውሓካ፡ ነቲ ድልየትካ’ኳ እንተ ዘይሓደግካዮ፡ ነቲ ኻብ ኣምላኽ ምጽባይን ነቲ ጸሎትን፡ ንሓንሳእ’ውን ብመሰረቱ ነቲ ኣብ ኣምላኽ ዘሎኻ እምነት ፈጺምካ ምድርባይ ይመጽእ። ንምጽኣት ጐይታ ምጽባይ ድማ ከም ሓሳብ’ኳ ትዝ ክሳዕ ዘይብለካ ካብ ኣእምሮኻ ሓኪኽካ ትድምስሶ። እዚ ናይ ቅብጸት ተስፋ ስጕምቲ’ዚ ንዘለኣለማዊ መጻኢኻ’ውን ስለ ዜጸልምት፡ ሸለል ኢልካ ዚጥመት ኣርእስቲ ኣይኰነን።
ኣብ መጽሓፍ ቅዱስና ነዊሕ ትጽቢት ኣብ’ቶም ተጸበይቲ ዝፈጠሮ ጸቕጥን ንገሊኦም ብኸመይ ናብ ዘይተደላዪ መኣዝን ከም ዝደፍኦምን ሓያሎ ኣብነታት ኣሎና። ንኣብርሃምን ንሳራን ውሉድ ናይ ምርካብ ተስፋኦምን ትጽቢቶምን ከይሰመረ ተሪፉ ጊዜ ምስ በልዐ፡ ብኸመይ ናብ ሓጥእ ኣማራጺ ከም ዘውደቖም፡ ገና ኻብ ዝተጠንሰሉ ጊዜ ጀሚሩ ከኣ ንሓዳሮም ከም ዘናወጸን፡ ነቲ እግዚኣብሄር ዝመደቦ ዘርኢ-ተስፋ፡ ንእስራኤል፡ ክሳዕ’ዛ ዕለት’ዚኣ ከመይ የጨንቖ ኸም ዘሎን፡ ታሪኽ ዓለምን ታሪኽ መጽሓፍ ቅዱስን ዘረጋገጾ ሓቂ’ዩ።
እዚ ልዕል ኢልና ዝዘርዘርናዮ ከበድቲ ኣብነታት፡ ትጽቢት ብዘይበኵር ጸሎት ኪስነይ ከም ዚግብኦ ዜረጋግጸልና’ዩ። ምኽንያቱ ትጽቢታት ልዕሊ ዓቕምና እናኸበዱ ብዝኸዱ መጠን፡ ኣብ’ቲ ልዑል ክእለትን ስልጣንን ዘለዎ እግዚኣብሄር ክንውከል የመልክቱና ኸም ዘለዉ ኽንስሕቶ ኣይግባእን’ዩ፡ ትውክልትናን እምንቶናን እንገልጸሉ ዝዓበየን ዝበለጸን መገዲ ድማ ጸሎት’ዩ። ድልየታትናን ትጽቢታትናን ብኻልእ ኣማራጺ መገድታት ኪማልኡን ኪፍትሑን ዚኽእሉ እንተ ዚዀኑ’ኳ፡ በቶም ኣማራጺታት ተኣሚንና ጸሎትና ኸነቋርጽ ኣይግብኣናን’ዩ። ምኽንያቱ ጸሎት ምሕዳግ ማለት ነቲ እግዚኣብሄር ኣብ ልዕሌኻን ኣብ ልዕሊ ዅነታትካን፡ ኣብ ልዕሊ ባዕላዊ ኣማራጺታትካን ዘለዎ ልኡላዊ ስልጣን ምኽሓድ ማለት’ዩ። ንጒዳየይ ባዕለይ ኣለኽዎ፡ ንስኻ ኣይተድልየንን፡ ኣይትጠቕመንን ድማ ኢኻ” ኢልካ ንኣምላኽ ካብ ህይወትካን ካብ ጒዳያትካን ምስጓጒ ማለት’ዩ። እቲ ፍጹምን ቅኑዕን ምዃኑ ዝተመስከረሉ ኣቦና እዮብ፡ ነተሓሳስባ ናይ’ቶም ንኣምላኽ ዝኸሓዱ ሰባት፦
“ግናኸ (እቶም ረሲኣን) ንኣምላኽ፡ <መገድኻ ኽንፈልጥ ኣይንደልን ኢና’ሞ፡ ካባና ኣልግስ (ርሓቕ)፡ ንኣኻ እነገልግለካኽ (ንስኻ) መን ኢኻ፧ ናባኻ እንተ ተማህለልናኻ እንታይ ኪጠቕመና’ዩ> ይብልዎ።” ብምባል ገሊጽዎ ኣሎ (እዮ 21፡14,15 ካ.ት)። ዋላ ኣፉ መሊኡ ቓላት ሰረዑ ኣይበሎ፡ ግብራዊ መልእኽቲ ናይ’ቲ ጸሎት ዝሓደገ ሰብ፡ ልክዕ ከም ናይ’ዞም ረሲኣን’ዩ። ናብ እግዚኣብሄር ምጽላይ ከም ዚጠቕመና ልባዊ እምነት እንተ ዚህልወና፡ ፈጺምና ኣይምሓደግናዮን ኔርና። ምኽንያቱ ኣብ’ቲ ጠቓሚ ምዃኑ ዝኣመንናሉ ንጥፈታት ማዕረ ኽንደይ ከም ንተግህ፡ መዓልታዊ ኣካይዳና የቃልዓና’ዩ። ኣቦና ኣብርሃም ጸሎት ዚፈልጥን ዜፍቅርን ሰብ’ዩ ዝነበረ። ሳራ ሰበይቱ፡ ነቲ ኻብ ኣጋር ናይ ምውላድ ኣማራጺ ምስ ኣቕረበትሉ ግን ብዛዕባ’ቲ ናታ እማመ ንኣምላኽ ብጸሎት ኪሓትቶ’ኳ ኣይመረጸን። ምኽንያቱ ነታ ኣማራጺት’ቲኣ እግዚኣብሄር ከም ዘይሰማምዓላ ይፈልጥ’ዩ። እግዚኣብሄር ብምርጫ ኣካይዳን ናይ’ቲ ፍቁር ባርያኡ ስለ ዘይተሓጐስ፡ ንኣስታት 13 ዓመታት ገጹ ሓብኣሉ (ዘፍ 16፡16፣ 17፡1)። ብኣንጻሩ፡ ነታ ግብጻዊት ግዝእቲ ብግሁድ ትርኢት መልእኽቲ ተዛረባ (ዘፍ 16፡7-14)። ድሕሪ ነዊሕ ዓመታት ኪዛረቦ ኸሎ’ውን፡ “ኣነ እቲ ዅሉ ዚኽእል እግዚኣብሄር ኣምላኽ’የ፡ ኣብ ቅድመይ ተመላለስ፡ ፍጹም ከኣ ኩን።” ዚብል ተግሳጽ ሓዘል መልእኽቲ ሃቦ (ዘፍ 17፡1)። ምኽንያቱ እቲ ምስ ሳራ መኺሩ ዝወሰዶ ኣማራጺ ስጕምቲ፡ ነቲ ናይ እግዚኣብሄር ከኣል-ኵሉ ባህርይ ኣብ ምልክት ሕቶ ዘእተወ፡ ዘይናይ እምነት ስጕምቲ’ዩ። ስለ’ዚ ጸሎት ነቲ እትደልዮ ነገር ካብ ምርካብ ንትጽቢታትካ ካብ ምምላእ ዚሓልፍ ካልእ ዝዓበየ ግደ ኣለዎ ማለት’ዩ። ንዅሉ ኸኣልነት፡ ልኡላውነት፡ ሕያውነት፡ ሰናይነት ናይ እግዚኣብሄር እትእመነሉን ኣፍልጦ እትህበሉን ግብራዊ ስጕምቲ’ዩ። ኣብ ርእሲኡ’ውን ነቲ ኣብ እግዚኣብሄር ዘሎካ ትውክልትን፡ እምነትን፡ ተገዛእነትን ወዘተን እትገልጸሉ ግብራዊ መድረኽ’ውን’ዩ። ጸሎት እምበኣር፡ ናይ’ቲ ውሽጣዊ መንፈሳዊ ሃለዋትና ሓቀኛ ነጸብራቕ’ዩ።
ስለ’ዚ ዘይምጽላይሲ በደል’ዩ ማለት ድዩ፧ ንዘይምጽላይ ኣመልኪቱ፡ እግዚኣብሄር ባዕሉ ብቐጥታ ወይ’ውን ብመገዲ ቕዱሳኑ ዝተዛረቦ ቐጥታዊ መልእኽቲ ኣሎዶ፧ ብርግጽ ኣሎ!! ማእለያ ዘይብሉ’ኳ ደኣ!! ንጸሎት በቲ “ምጽላይ” ዚብል ቃል ጥራሕ ዘይኰነ ብዝተፈላለየ ዓይነት ቃላት’ውን ይገልጾ’ዩ። ምጥራዕ፡ ምምህላል፡ ምጽዋዕ፡ ገጹ ምድላይ፡ ምእዋይ፡ ምሕታት ወዘተ ብዝኣመሰሉ ቓላት’ውን ተገሊጹ ኣሎ። ንዘይምጽላይ ከም ሓጢኣት ከም ዚቘጽሮን ከም ዚፈርዶን ግን ብንጹር ገሊጹ’ዩ።
“ነቶም ካባይ ዚርሕቁን ንኣይ ንእግዚኣብሄር ዘይስዕቡን ኣነ ኽመርሖም ዘይጽልዩን ከጽንቶም’የ።” ጸፎ 1፡6 ካ.ት
“ኣታ ያእቆብ፡ ንስኻ ግና ኣይጸዋዕካንን፡ ኣታ እስራኤል ፋዕራይ (ግደይ) ኣይገበርካን።” ኢሳ 43፡22
በቶም ከም ልቡ ዝዀኑ ቕዱሳኑ ገይሩ ብዛዕባ’ቶም ናብኡ ዘይጠርዑ፡ ዘይምህለሉ፡ ዝባኖም ዝሃብዎ፡ ብልብን ብግብርን ዝረሓቕዎ ሰባት ዘለዎ መርገጺ’ውን ኣነጺሩ’ዩ (መዝ 14፡4 ፣ 79፡6,7 ፣ ኤር 10፡25)። እቲ “ጸውዓኒ፡ ለምነኒ፡ ሕተቱኒ፡” እናበለ ንጽቡቕና ሓልዩ ዝገበሮ ኽቡር መጸዋዕታታት፡ መርኣያ ናይ’ቲ ንጸሎትና ዘለዎ ፍቕርን ባህግን’ዩ (ኤር 33፡3 ፣ ኢሳ 45፡11 ፣ መዝ 50፡15)። ነዚ ዚመስል ክቡር ጽውዓን ዕድመን ብሕያውነት ኣቕሪቡልና ኼብቅዕ፡ ግዱ ኸይገበርና ብሸለልትነት፡ ወይ’ውን “ኣይጠቕመንን’ዩ” ብዚብል ንዕቀትን ክሕደትን ከይፈጸምናዮ ኽንተርፍ ከለና፡ ከመይ ዘይጕህይን ዘይፈርድን!! ናብ’ቲ ብዓቕምና ዝገበርናዮ ናይ ምግቢ እንግዶት ብኽብሪ ዝዓደምናዮ ሰብ ከይመጸ ምስ ዚተርፍ ዚስምዓና ስምዒት ጥዑም ድዩ፧ ዒሕ ኢልና ዝወለድናዮምን ብኸቢድ ጻዕሪ ዘዕበናዮምን ደቅና፡ ኣብ ገዛእ ገዛና እናተቐመጡ ብኣና እናተናበዩ፡ ፈጺሞም ኬዛርቡና ዘይደልዩ ዘረባና’ውን ንማለቱ’ኳ ዘየብህጎም እንተ ዚኸውን እንታይ ምተሰምዓና፧ ናይ ስጋ ወላድን እቲ ልዑል ኣምላኽን ብዝዀነ መለክዒ ከተወዳድሮም ዘይከኣልን ኪሕሰብ ዘይግብኦን’ዩ። እቲ ኣብ ናይ ስጋ ወላዲ ዚፍጸም በደል ከቢድ እንተ ዀይኑ፡ እቲ ናብኡ ብዘይምጽላይና ኣብ ኣምላኽ እንፍጽሞ በደልከ ደኣ ማዕረ ኽንደይ ኪኸብድ’ዩ፧! ነብዪ ሳሙኤል፡ ህዝቢ እስራኤል ንንግስነት ናይ እግዚኣብሄር ንዒቖም፡ ከም ኵሎም ኣህዛብ ሰብ ኬንግሰሎም ምስ ሓተትዎ ኣዝዩ ጕህዩ ነበረ። ምሕረት ኪገብረሎም’ሞ ምእንትኦም ንኣምላኽ ኪልምን ምስ ተማሕጸንዎ፦
“ኣነስ ነታ ጽብቕትን ቅንዕትን መገዲ ደኣ ኽምህረኩም’የ’ምበር፡ ምእንታኹም ምልማን ብምሕዳገይ ንእግዚኣብሄር ምብዳልሲ ኻባይ ይርሓቕ።”
ብምባል ዝሃቦ መልሲ፡ ይትረፍ ብዛዕባ ርእስኻ ምእንቲ ኻልኦት ዘይምጽላይ’ውን በደል ምዃኑ ዜብርሃልና’ዩ (1ሳሙ 12፡23)። እዚ ድማ ብዛዕባ ደቅና፡ መጻምድትና፡ ወለድና፡ ኣሕዋትና፡ ኣዕሩኽትና፡ መሳርሕትና፡ መማህርትና፡ ጐረባብትና፡ ኣገልገልትና፡ ህዝብና፡ መራሕትና ወዘተ ናይ ምጽላይ ሓላፍነት ኣብ ዝባን ነፍሲ ወከፍና ተጻዒኑ ስለ ዘሎ፡ ብጸሎት መዓይይቲ ኣምላኽ ክንከውን’ምበር፡ ዘይተደላዪ ናይ ዘይምጽላይ በደል ክንፍጽም ኣይግባእን’ዩ።
ንምንታይ’ዩ ምጽላይ ዚኸብደናን ዚኣብየናን፧ ብኸመይ ኢናኸ ከነፍቅሮን ክንመልኮን እንኽእል፧ ጸሎት ምግባር ዚኣብየናን ዚኸብደናን፡ ብመሰረቱ ናይ’ቲ ዘሎና መንፈሳዊ ድኻም ነጸብራቕ’ዩ። ኣብ ጽቡቕ መንፈሳዊ ቝመና ዘሎ ሰብ፡ ጸሎት ከም ወሓዚ ዓይኒ ማይ ይፈስሰሉን የሐጕሶን’ምበር፡ ኣይኣብዮን’ዩ። ቀዳማይ፡ እቲ ዝዓበየ ምንጪ ናይ መንፈሳዊ ዀነ ስጋዊ ህይወትና ዚምልከት ጸሎትና፡ ቃል እግዚኣብሄር (መጽሓፍ ቅዱስ)’ዩ። ንጉስ ዳዊት ነዚ ሓቂ’ዚ ብኣብነታዊ መገዲ ኣብሪሁ ገሊጽዎ ኣሎ (2ሳሙ 7፡27)። ነቲ ዘንበብናዮን ዝሰማዕናዮን ኵሉ ቃል እግዚኣብሄር እንተ ጸሊናዮ በዚሑ ደኣ ጊዜ ይሓጽረና’ምበር፡ ጸሎት ኪውሕደና ኣይክእልን’ዩ። ካልኣይ፡ እቲ ማሕበራዊ ህይወትና’ውን ኣዝዩ ዓብዪ ምንጪ ናይ ጸሎትና’ዩ። እቲ ኣባናን ኣብ ከባቢናን ኣብ ዘሎ ዅሉ ሰብን ዘሎን ዚፍጸምን ኵሉ ዅነታት’ውን ክንጽልየሉ ዚግባእ ኣርእስቲ’ዩ። ንዅሉ ተገዲስናን ሰሪዕናን እንተ ንጽልየሉ ምሉእ ጊዜና ንጸሎት ወፊና’ውን ኣይምኣኸለናን ነይሩ። ሳልሳይ፡ ከም’ቲ ሃዋርያት ዝብልዎ፡ “ጸሎት ምሃረና” ኢልና ንኣምላኽ ምስ ‘ንምሕጸኖ፡ በቲ ድኻምና ዚድግፍ መንፈስ ቅዱስ ገይሩ ኺረድኣናን ኪምህረናን’ዩ (ሉቃ 11፡1 ፣ ሮሜ 8፡26)። ኣገልገልቲ ቤተ ክርስትያን’ውን እቲ “ግብረ ኣምልኾ” ዚብል ኣብ መጽሓፍ ፍኖተ ህይወት ዘሎ ሰፊሕ ኣርእስቲ ብምስትምሃር፡ ነቲ ናይ ምእመናኖም ናይ ጸሎት ዓቕሚ ናይ ምዕባይ ሃዋርያዊ ሓላፍነት ኣለዎም። ራብዓይ ጸሎት፡ ብልምምድ ዚዓብይ መንፈሳዊ ስነ ምግባር ምዃኑ ኽንክሕዶ ዀነ ኽንዝንግዖ ኣይግባእን’ዩ። ንመጀመርታ ጊዚኡ ዚጽልይ ዘሎ ሰብን፡ ብጸሎት ናይ ሓያሎ ዓመታት ተመክሮ ዘለዎን ሰብ ብዓይነቱ ዀነ ብመጠኑ ጸሎቶም ኪመሳሰልን ኪመጣጠንን ክንጽበዮ ዚከኣል ኣይኰነን። ንእግዚኣብሄር ክነስምር ተዓጢቕና እሙናት ጸለይቲ ምስ እንኸውን፡ ጸሎትና ብዓይነቱ ዀነ ብመጠኑ እናሓየለን እናመቀረን ከም ዚኸይድ፡ ኵላትና ብቐሊሉ ኽንምከሮ እንኽእል ሓቂ’ዩ። ኣሽንኳይ ጸሎት ዚኣክል ዓብይ መንፈሳዊ ተግባር፡ ኣካላዊ ምንቅስቓስ’ኳ ኬዘውትሮ ኣብ ዝጸንሐን ኣብ ዘይጸንሐን ሰብ ኣዝዩ ዓብዪ ፍልልይ’ዩ ዘለዎ። ሓምሻይ ኣብ ንኣሽቱ ኰነ ዓበይቲ መንፈሳዊ ጕባኤታት ኣብ እንሳተፈሉ ኣጋጣሚታት፡ ብኣገልገልቲ ዀነ ብምእመናን ካብ ዚግበር ጸሎት’ውን ብዙሕ ትምህርቲ ኽንቀስም ይከኣል’ዩ። ስለ’ዚ ንዅሉ’ዚ ዝተጠቕሰ መፍትሒታት ተጠቒምና፡ ንእግዚኣብሄር ብጸሎትና ናይ ምኽባር ዓቕምና ኸነዕብዮ፡ ንጽባሕ ዘይበሃሎ መንፈሳዊ ሓላፍነትና’ዩ። ምኽንያቱ እቶም ብህይወት ከለዉ ብጸሎት ገጽ ኣምላኽ ዘይደልዩ “ክርስትያን” ጽባሕ ንግሆ ምጽኣት ጐይታ ምስ ኰነ፡ ነቲ ዝተሓሰምዎ ገጽ እግዚኣብሄር ከይርእዩ፡ ናብ’ቲ ብግብራዊ ኣካይዳኦም ዝመረጽዎ ገሃነም ተደርብዮም፡ ገጽ ሰይጣን ኪርእዩ ኺነብሩ’ዮም።
ናይ ጸሎት ኣገዳስነት ርዱእ ኰይኑ፡ ሓባራዊ ጸሎትከ ማዕረ ኽንደይ ኣድላዪ’ዩ፧ ውልቃዊ ጸሎት ንበይኑ ኣኻሊዶ ኣይኰነን፧ ፈጺምና ኽንስሕቶ ዘይግብኣና ሓቂ እንተ’ልዩ፡ ውልቃውን ሓባራውን ጸሎት ተመላላእቲ’ምበር ተተኻኻእቲ ዘይምዃኖም’ዩ። ኣብ ማሕበራዊ ህይወትና፡ በብውልቅና እንገብሮም ብዙሓት ንጥፈታት’ኳ እንተ’ለዉና፡ እቶም ዚበዝሑ ንጥፈታትና ግን ብሓባር ኢና ንገብሮም። ብመሰረቱ ወዲ ሰብ፡ ማሕበራዊ ፍጡር’ዩ። እዚ ማለት ከኣ ምስ ከምኡ ሰባት ሓቢሩ ኺዋሳእን ኪነብርን’ምበር፡ ተፈልዩ ንበይኑ ኺነብር ዓብይ ነውጺ’ዩ ዚፈጥረሉ፡ ከቢድ መቕጻዕቲ ኸኣ ይዀኖ። ናይ ማእሰርቲ ስነ-ልቦና (ሳይኮሎጂ) ድማ ኣብ’ዚ ሓቂ’ዚ ዝተመርኰሰ’ዩ። ገበን ዝፈጸመ ሰብ፡ ካብ’ቲ ኣካሉ ዝዀነ ማሕበረ-ሰብ ተፈልዩ ንበይኑ ይዳጐን። ንንጹህ ሰብ ኪጐድኡ ዚደልዩ ዓመጸኛታት ሰበ ስልጣን ድማ ነቲ ግዳዮም ምስ ዋላ ሓደ ከም ዘይራኸብ ገይሮም ብምእሳር ኣእምሮኡ ኼናውጹን ኪቐትሉን ይረኣዩ። ጸሎት’ውን፡ ከም ኵሉ ካልእ ሰብኣዊ ንጥፈታት፡ ማሕበራዊ ንጥፈት’ውን’ዩ። ኵላትና ነናትና ውልቃዊ መንነት ደኣ ይሃልወና’ምበር፡ ኣካል ሰብነት ክርስቶስ ስለ ዝዀንና ሓደ ሰብነት ኢና (ሮሜ 12፡4,5 ፣ 1ቈረ 12፡12,13,24-27 ፣ ገላ 2፡28 ፣ ኤፌ 5፡30)። ስለ’ዚ ኣብ ጸሎት ጥራሕ ዘይኰነ ኣብ ኵሉ ኻልእ መንፈሳዊ ንጥፈታት’ውን ሓቢርና ኽንሰርሕ ግዴታና’ዩ። ጐይታና’ውን ሓባራዊ ጸሎት ኣዝዩ ኣገዳሲ ምዃኑን፡ ንሱ ኣዝዩ ኸም ዚደልዮን ከም ዜኽብሮን ኪገልጸልና ምስ ደለየ፦
“ክልተ ወይ ሰለስተ ዀይኖም ብስመይ ኣብ ዝተኣከቡሉ፡ ኣነ ኸኣ ኣብኡ ኣብ ማእከሎም’የ’ሞ ክልተ ኻባኻትኩም ኣብ ምድሪ ብዚልምንዎ ነገር ኵሉ እንተ ተሰማምዑ፡ ካብ’ቲ ኣብ ሰማያት ዘሎ ኣቦይ ኪወሃቦም’ዩ፡ ኢለ ኸም ብሓድሽ እብለኩም ኣለኹ።”
ብምባል ተዛሪቡ ኣሎ (ማቴ 19፡19,20)። ብድርብ መገዲ፡ ማለት ብህላዌኡ ኣብ ማእከሎም ብምርካብን መልሲ ጸሎቶም ብምሃብን ንሓባራዊ ጸሎት ከም ዜኽብሮ ኣረጋጊጹልና ኣሎ። ብግብራዊ መገዲ ምእንቲ ኼርእየና ድማ፡ ንሰለስተ ኻብ’ቶም ደቀ መዛሙርቱ ምስኡ ኺጽልዩ ናብ ጌተሰማነ ሒዝዎም ደየበ (ማቴ 26፡37,38)። ንጉስ ሰለሞን ነዚ ሓቂ’ዚ ዚድርዕ ቃል፦ “ብጻዕሮም ጽቡቕ ጻማ ስለ ዘለዎም፡ እንተ ወደቑ፡ እቲ ሓደ ንብጻዩ የተንስኦ’ዩ’ሞ፡ ካብ ሓደስ ክልተ ምኳን ይሓይሽ። እቲ በይኑ ዘሎ ግና እንተ ወደቐ፡ ዜተንስኦ የብሉን’ዩ’ሞ፡ ወይለኡ። ከምኡ ኸአ ክልተ ብሓደ እንተ ደቀሱ፡ ይማሙቑ፡ ሓደ በይኑ ግና ከመይ ኢሉ ይመውቕ፡ ገለ ነቲ በይኑ ዘሎ ሓደጋ እንተ ወደቖ፡ ክልተ’ዮም ዚቃወምዎ፡ ብሰለስተ ዝኸረረ ገመድ ቀልጢፉ ኣይብተኽን።” ብምባል ጽሒፉልና ኣሎ (መክ 4፡9-12)። ቅዱስ ዳዊት ኣብ መዝ 133፡ 1-3 ገሊጽዎ ዘሎ በረኸት ናይ ሕብረት’ውን ኪዝንጋዕ ዘይግብኦ’ዩ። ኣሮንን ሁርን ሳላ ምስ ሙሴ ዝነበሩ፡ ንጸሎቱ ደጊፎም ብኸመይ ናብ ዓወት ከም ዘብጽሕዎ’ውን ግብራዊ ኣርኣያ ኣሎና (ዘጸ 17፡8-13)። ጸሎት ንጸላኢ እንስዕረሉ መንፈሳዊ ኣጽዋር ውግእ ስለ ዝዀነ፡ ውግእ ድማ ንበይንኻ ስለ ዘይግበር ሓባራዊ ጸሎት ከኣ ኣዝዩ ኣገዳሲ’ዩ። እዚ ናይ’ዚ ዕለት’ዚ ትምህርትና መበገሲ ዝዀነ ናይ ኣዴና ቅድስቲ ድንግል ማርያምን ናይ ኵላቶም ቅዱሳን ሃዋርያትን ኣርድእትን ቅዱሳት ኣንስትን ዘይሃስስ ኣርኣያ’ውን እቲ ዝበረኸ ኣርኣያና ምዃኑ ኣይንስሓቶ። እዚ ሓባራዊ ጸሎት’ዚ ነቲ ኣብ ሰሙን ሓደ ወይ ክልተ ጊዜ እንሳተፎ ናይ ቤተ ክርስትያን ናይ ቅዳሴ ሕብረት ዘይኰነስ፡ ነቲ ኣብ ማሕበራዊ ህይወትናን ሰፈርናን እንገብሮ ጸሎት ዚምልከት’ዩ። ናይ ቤተ ክርስትያን ጕባኤ’ሞ ኣብ ሰሙን ሓንሳእ እሞ ኸኣ ንኽልተ ሰለስተ ሰዓታት ጥራሕ ዚግበር ስለ ዝዀነ፡ ዘይበኵር ጸሎት ኪበሃል ኣይክእልን’ዩ። ኣብ ቤተ ክርስትያን ነቲ ትምህርትን ሓይልን ኢና ንቐስም፡ እቲ ግብራዊ ኽፋሉ ግን ኣብ’ቲ ማሕበራዊ ናብራና ኢና እንፍጽሞ። ስለ’ዚ ኣብ ኣባይትና ምስ ስድራና፡ ኣዝማድና፡ ጐረባብትና፡ ደቂ ሰበኻና ወዘተ ተኣኻኺብና፡ ወይ’ውን በዚ ዘመን-ኣምጽኦ መራኸቢታት ተጠቒምና፡ ንጐይታ ዜስምር ጸሎት ከነዘውትር ይግብኣና። ብዛዕባ ርእስና፡ ስድራና፡ ኣገልገልትና፡ ሃገርና ወዘተ ንኡስ ናይ ጸሎት ጕጀለታት እና’ቈምና ቅዱስ ገድሊ እምነት ክንጋደል ይግብኣና። ኣገልገልቲ ቤተ ክርስትያን’ውን ንምእመናኦም ነዚ ኣርኣያ ቕዱሳን ንኺስዕብዎ ኬስተምህሩን ኬተባብዑን ኪከታተሉን ይግባእ።
እምበኣር ብመንጽር’ዚ ዝተመሃርናዮ ኣርእስቲ’ዚ፡ ከመይ ከም ዘለና ርእስና ንመርምር፡ ካብ’ዚ ኣሰርን ኣርኣያን ናይ ቅዱሳን ተፈንቲትና እንተ’ሊና፡ ብንስሓ ናብ’ቲ ቕኑዕ መገድና ንመለስ። ብድኻም ይኹን ብብርታዐ ኣብ’ታ መገዲ ንሳለይ እንተ’ሊና ድማ፡ ብሓይሊ መንፈስ ቅዱስ በርቲዕና፡ ናይ ገድሊ እምነት ሓርበኛታት ንኹን። ንጐይታናን ነቶም ክቡራት ቅዱሳኑን ንምሰል።
ጸጋ ጎይታና ኢየሱስ ክርስቶስን ፍቕሪ ኣምላኽን ሕብረት መንፈስ ቅዱስን ምስ ኩላትና ይኹን።
ኦርቶዶክሳዊት ተዋህዶ ቤተ ክርስቲያን ኤርትራ - መንበረ ጵጵስና ሰሜን ኣሜርካ
ሓምለ 30, 2015 ግዕዝ (13 ነሓሰ 2023 ፈ [መበል 49 ሰንበት: ቊ.፶፯/57, 2023] ) |
||
ምስባክ መዝ.፹፮(፹፯)፡፭ “እምነ ጽዮን ይብል ሰብእ። ወብእሲ ተወልደ በውስቴታ። ወውእቱ ልዑል ሣረራ።” “ብዛዕባ ጽዮን ድማ፡ እዝን እትን ኣብኣ ተወሊዶም፡ ኪበሃል’ዩ፡ እቲ ልዑልውን ባዕሉ ኼጽንዓ’ዩ።”
|
ንባባት |
ኣንባቢ |
ገላ 4፡1-11 |
ዲያቆን |
|
1ጴጥ 1፡6-12 |
ንፍቅ ዲያቆን |
|
ግብ 1፡12-15 |
ንፍቅ ካህን |
|
ማቴ 12፡38-ፍጻመ |
ሰራዒ ካህን |
|
ቅዳሴ፦ ዘእግዚእትነ |
||
መዝሙር፦ ዮም ንወድሳ ለማርያም |
ካብ ውሽጢ ኤርትራ ዝተረኽበ ንቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ንምቁጽጻር ብመንግስቲ ኤርትራ ክካየድ ዝጸንሐን ዘሎን ሽርሒ ዘቃልዕ ቪድዮ
ድኳን መጻሕፍቲ/Book Store
ራድዮ ቃለ ኣዋዲ