“እቲ ቓል ሓቂ ዝዀነ ወንጌል፡ ቕድም ናባኻትኩም ምስ መጸ፡ ብዛዕባ’ቲ ንሱ ዝህቦ ተስፋ ሰሚዕኩም (ኢኹም)፡ ስለ’ዚ እምነትኩምን ፍቕርኹምን ኣብ’ቲ ኣብ ሰማይ ተዓቝሩልኩም ዘሎ ተስፋ ዝተመስረተ’ዩ።” ቈሎ 1፡5 ካ.ት
እዚ ሰንበት’ዚ መበል 48 ሰንበት ናይ’ዚ ሒዝናዮ ዘለና ዓመተ ግእዝ’ዩ። ዋዜማ ናይ’ቲ ጽባሕ ዚጅምር ጾመ ፍልስታ ድማ’ዩ። እግዚኣብሄር ዝተባረኸን ዝተቐደሰን ዘመነ ጾም ይግበረልና። ብመሰረት ትውፊት ቅድስቲ ቤተ ክርስትያንና፡ እዚ ቕንያት ጾምን በዓልን፡ ኣዴና ቅድስቲ ድንግል ማርያም ብኣካለ ስጋ ናብ ሰማይ ዝፈለሰትሉ (ዝገዓዘትሉ) መዓልቲ ንምዝካርን ንምብዓልን ዝተሰርዐ’ዩ። ነዚ ዕለት’ዚ ዝተሰርዓልና መዝሙር ናይ ቅዱስ ያሬድ፡ “አርውዮ ለትለሚሃ” ዘርእስቱ’ዩ። ነዚ መዝሙር’ዚ መሰረት ብምግባር ካብ ዝተሰርዑ ኣርባዕተ ንባባት ሓድሽ ኪዳን ሓደ ድማ፡ እዚ ናይ ቈሎ 1፡ 11 ንባባ’ዩ። እዚ ንባባ’ዚ ኣብ ሰማይ ዝተነበረልናን ዝተዓቝረልናን ኣዝዩ ዓብዪ ሰማያዊ ተስፋ ኸም ዘሎ ኣበሲሩና ኣሎ። እዚ ብስራት’ዚ ቅዱስ ወንጌል ዝሃበና ተስፋ ምዃኑ፡ ሃዋርያ ቅዱስ ጳውሎስ ኣነጺሩ ገሊጹልና ኣሎ። ነዚ ሰማያዊ ተስፋ’ዚ ንምርካብ፡ ከም’ቲ ቅድስቲ ኣዴና ዝፈለሰቶ፡ ንሕና’ውን ናብ ሰማይ ክንግዕዝ ኢና። እዚ ናይ ኵላትና ፍልሰት ድማ ኣብ’ቲ ጐይታና ብምጽኣቱ ዝተገልጸሉ፡ ኣብ ጊዜ ትንሳኤ ዘጕባኤ’ዩ ዚኽሰት። እምበኣር ኣብ’ዚ ቕንያት ፍልሰታ’ዚ ብዛዕባ’ቲ ኣብ ሰማያት ተዓቝሩልና ዘሎ ዓብዪ ተስፋ ኽንመሃርን ከነስተንትንን ግቡእን እዋናውን’ዩ። ቅዱስ ጴጥሮስ’ውን ተመሳሳሊ ሓሳብ ኣብ 1ጴጥ 1፡3,4 ኣስፊሩልና ኣሎ። እቲ ቕዱስ መድሓኒናን ጐይታናን ኢየሱስ ክርስቶስ፡ ኣብ ጸሎቱ ዀነ ኣብ ትምህርቱ፡ ነዚ ተስፋ’ዚ ንምርካብ፡ ናብ’ቲ ንሱ ብዕርገት ዝኸዶ ሰማይ ክንከይድ (ክንዓርግ) ከም ዚግብኣና ደጋጊሙ ገሊጹልና ኣሎ።
“ኣብ ቤት ኣቦይ ብዙሕ ማሕደር ኣሎ። (ማሕደር) እንተ ዘይህሉስ፡ (ምነገርኩኹም) ነይረ። ስፍራ ኸዳልወልኩም እኸይድ ኣለኹ። ከይደ ስፍራ ምስ ኣዳለኹልኩም፡ ኣብ’ቲ ኣነ ዘለኽዎ ንስኻትኩም’ውን ኣብኡ ምእንቲ ኽትኰኑስ፡ ተመለሰ ኽመጽእ’የ’ሞ፡ ናባይ ክወስደኩም’የ።” ዮሃ14፡2-3
“ዎ ኣቦይ፡ ቅድሚ ምስራት ዓለም ኣፍቂርካኒ ኢኻ’ሞ፡ እዞም ዝሃብካኒ ነቲ ዝሃብካኒ ኽብረይ ምእንቲ ኺርእዩስ፡ ኣብ’ቲ ኣነ ዘለኽዎ ንሳ’ቶም’ውን ኣብኡ ምሳይ ኪህልዉ እደልይ ኣለኹ።” ዮሃ17፡24
ናብ’ዚ ብክርስቶስ ጐይታና ተዳልዩልና ዘሎ ስፍራ ምስ ኣተና ኢና ነቲ ተዳልዩልና ዘሎ ዕቑር ተስፋ ብምልኣት እንረኽቦ። ጐይታና ነዚ ተስፋ’ዚ ኼተስፍወና፡ ድሕሪ ምጽኣቱ ድማ ነቲ ተስፋና ምእንቲ ኺህበና’ዩ፡ ካብ ሰማያት ወሪዱ፡ ከማና ሰብ ኰይኑ፡ እዚ ዅሉ መከራ መስቀል ዝተቐበለ። ስለ’ዚ ነዚ ጐይታና ኽንዲ’ዚ ዚኣክል ከቢድን መሪርን ዋጋ ዝኸፈለሉ ሰማያዊ ተስፋ ኣብ ውሽጥና ኸም ዚስረት ክትገብር፡ ኣብ መወዳእታ’ውን ንምውራሱ ኽንበቅዕ፡ ቅድስቲ ቤተ ክርስትያንና ነዚ ኣገዳሲ ትምህርቲ’ዚ ሰሪዓትልና ኣላ።
ተስፋሲ፡ ንምንታይ’ዩ ኽሳዕ ክንዲ’ዚ ኣገዳሲ ዀይኑ፡ እነማዕድዎን እንጽበዮን ተስፋ እንተ ዘይብልና፡ እንታይዶ ይጐድለና’ዩ፧ ብትጽቢት ንልብና ሰንፈላል ገይሩ ዚጐድኣናዶ ኣይበዝሕን፧ ኣይፋሉን፡ እምብዛ ደኣ ይጠቕመና’ምበር፡ ዝዀነ ዓይነት ጕድኣት የብሉን። ተስፋ ኣብ ዘይብሉስ፡ ህይወት ዚበሃል የልቦን። እዚ ኣበሃህላ’ዚ፡ “እዞም ኵሎም ሰማያዊ ተስፋ ዘይብሎም ሰባት ብህይወት ይነብሩዶ ኣየለውን’ዮም፧ እዚ ኣበሃህላ’ዚ ምሒር ዝተጋነነ’ዩ።” ዚብል ኣጕል ሓሳባት ኬለዓዕለልና ዚኽእል’ዩ። ከም’ዚ ዝኣመሰለ ጸቢብ ኣተሓሳስባ፡ ነቲ ኣብ’ዛ ዝተረግመት ዓለም እነሕልፎ ናይ ሒደት ዓመታት ምድራዊ ህይወት፡ ከም ናብራን ከም ቍምነገርን ካብ ምሕሳብ ዚመጽእ’ዩ። እቲ ዓብዪ ናይ ኣምላኽ ሰብ፡ ነብዪ ሙሴ ነቲ ናይ’ዚ ኣተሓሳስባ’ዚ ኸንቱነት፦
“መዓልትታት ዓመታትና ሰብዓ ዓመት እንተ በዝሐ ኸኣ ሰማንያ ዓመት’ዩ፡ ቀልጢፉ ይሓልፍ ነፊርና’ውን ንኸይድ ኢና’ሞ፡ ክብረቱ ጻዕርን መከራን’ዩ።” ብምባል ገሊጽዎ ኣሎ (መዝ 90፡10)። ቅዱስ ዳዊት’ሞ ኸኣ ብዝሓየለን ስእላዊ ብዝዀነ መገድን ኣነጺሩ ገሊጽዎ ኣሎ።
“ዎ እግዚኣብሄር፡ ከመይ ዝበልኩ ሓላፊ ምዃነይ ምእንቲ ኽፈልጥ፡ መወዳእታይን ልክዕ መዓልትታተይን ክንደይ ምዃኑ ኣዘክረኒ። እንሆ፡ ንመዓልትታተይ ከም ምንዋሕ ስድሪ ገበርካየን፡ ዕድመይ ኣብ ቅድሜኻኸ ከም ምናምን’ዩ፡ ብሓቂ ኵሉ ሰብ ጸኒዑ (ብህይወት እንተ ነበረ’ኳ)፡ ከንቱነት ጥራሕ’ዩ። ብሓቂ ሰብ ከም ጽላሎት ይመላለስ፡ ......።” መዝ 39፡4-6
ከም ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ ምሕጻርን ከንቱነትን ናይ’ዛ ምድራዊት ህይወትና ዝተገልጸ ገይሩ፡ ኣብ ካልእ መጽሓፍ ተገሊጹ ኣይፈልጥን’ዩ። ከም ትኪ፡ ከም ሃፍፋ፡ ከም ደበና፡ ከም ቅጽበት ዓይኒ (ቋሕ ሰም ዓይኒ) ከም ሳዕሪ ወዘተ ምዃና ብተደጋጋሚ ተነጊሩና ኣሎ።
እቲ ጸገሙ ግን፡ እቲ ምሕጻሩ ጥራሕ ኣይኰነን። ብመርገም ዝተሓጽረ፡ ኣብ ዝተረግመትን ብሰይጣን ኣብ ትግዛእን ምድሪ ዚንበር፡ መወዳእታኡ ድማ ብሞት ዚዅለፍ ህይወት ስለ ዝዀነ፡ ኣጸባቢቕካ ከተመላኽዖን ተበሃጊ ኽትገብሮን ዚከኣል ኣይኰነን። እቶም ነዛ ህይወት’ዚኣ ጥራሕ ተስፋ ዝገበሩ ሰባት ብሓጢኣት ዝጋዕዘየን ዝጸልመተን ህይወት’ምበር፡ ካልእ ዝሓሸ ታሪኽ ኪሃንጹ ኣይክእሉን’ዮም። ይትረፍ ንኣምላኽ ዘይፈርህን ብመገዲ ጥፍኣት ዚመላለስን ሰብ፡ እቲ ብክርስቶስ ኣሚኑ ኣብ መገዲ ጽድቂ ዚጐዓዝ ሰብ’ኳ፡ ተስፋኡ ኣብ’ዛ ምድሪ’ዚኣ ጥራሕ ምስ ዚገብር፡ ኣዝዩ ዜሕዝንን ዜሕፍርን ሰብ ከም ዚኸውን፡ ቅዱስ ጳውሎስ፦
“ኣብ’ዛ ህይወት’ዚኣ ጥራይ ብክርስቶስ ተስፋ እንተ ገበርናስ፡ ካብ ኵሉ ሰብ እነደንግጽ (ሰባት) ምዀንና ኔርና።” ብምባል፡ ብመንፈስ ቅዱስ ገሊጹልና ኣሎ (1ቈረ 15፡19)። “ብክርስቶስ ተስፋ ኣሎኒ” ዚብል “ክርስትያን” ሰብ፡ ዓይኑ እናረኣየ፡ እዝኑ እናሰምዐ ኣእምሮኡ’ውን ምስ ምሉእ ጥዕናኡ ኸሎ ተስፋኡ ዚፍጸመሉ ቦታ እዛ ሓላፊት ዓለም ክትከውን፡ ተስፋኡ ዚፍጸመሉ ህይወት ድማ እዛ እምብዛ ሓጻርን ሓላፊትን ህይወት ክትኰነሉ፡ እንተ መሪጹ፥ ብመሰረቱ ክርስቶስ መን ምዃኑ፡ ተስፋ’ውን እንታይ ማለት ምዃኑ፡ እዛ ሕጂ ዚነብረላ ዘሎ ህይወት እንታይን ከመይን ምዃና ዝዀነ ዓይነት ኣፍልጦ ዘይብሉ ከንቱን ብላሽን ሰብ ምዃኑ’ዩ ርእሱ ዜቃልዕ፡ ካብ ከም’ዚ ዝኣመሰለ ለካሚና ዝዀነ ዜሕንኽ ኣተሓሳስባ ኼናግፈና’ዩ ጐይታና ስጋና ለቢሱ ኣብ ማእከልና ዝተመላለሰ። ስለ’ዚ ኸኣ ኣገልግሎቱ ኣብ ዝጀመረላ ህሞት፡ “መንግስተ ሰማያት ቀሪባ ኣላ’ሞ፡ ተነስሑ” ብምባል ነቲ ሰማያዊ ተስፋ ብምብሳር ጀመረ (ማቴ 4፡17)። ንዅሎም ደቀ መዛሙርቱ ድማ፡ በዛ ናይ ተስፋ ስብከት’ዚኣ ኪፍልሙን ኬገልግሉን ኣዘዞም (ማቴ 10፡7)። እቲ ጸራግ መገዱ ዝዀነ ቅዱስ ዮሃንስ መጥመቕ’ውን በዛ ተስፋ’ዚኣ’ዩ ዘገልገለ (ማቴ 3፡1,2)።
ሰማያዊ ተስፋና፡ በዚ ምድራዊ ተስፋ ተዓብሊኹ ኸይጠፍእን ከይሃስስን ክንገብሮ ዚግብኣና እንታይ’ዩ፧ እግዚኣብሄር ይመስገን፡ ካብ መፈንጠራ ናይ ምድራዊ ተስፋ እነምልጠሉ ጥበብን ምስጢርን፡ ባዕሉ እግዚኣብሄር ገሊጹልና’ዩ። እቲ ምስጢር ከኣ፡ ካብ ዓለምን ናይ ዓለምን ዘይምዃን’ዩ። እቲ ፍጹም ሰብ ዝዀነ ጐይታና ንሱ ንርእሱ ዀነ፡ እቶም ብእኡ ኣሚኖም ብስራሕ መንፈስ ቅዱስ ብኻልኣይ ልደት ሓድሽ ፍጥረት ዝዀኑ ደቀ መዛሙርቱ ካብ ዓለም ከም ዘይኰነ ደጋጊሙ ገሊጹ ኣሎ (ዮሃ 3፡5,31 ፣ 8፡23 ፣ 15፡8,9 ፣ 17፡14)። ነቶም ብእኡ ዘይኣመኑን ካብ ላዕሊ ካብ ኣምላኽ ዘይተወልዱን ግና፡ “ንስኻትኩም ካብ ታሕቲ፡ ካብ’ዛ ዓለም’ዚኣ ኢኹም” ብምባል ኣግሂዱ ነገሮም። እቲ ኻብ ዓለም ዝዀነ’ምበኣር፡ ምድራዊ ተስፋ’ምበር ሰማያዊ ተስፋ ኺህልዎ ኣይከኣልን’ዩ። ሰማያዊ ተስፋ፡ ነቶም ካብ ላዕሊ ካብ ኣምላኽ ዝተወልዱ ጥራሕ’ዩ ዚምልከት። ኣብ ባህልና’ውን “ኣቦኻ መርቕ፡ ኣቦኻ ርገም” ከም ዚበሃል፡ መበቈልካ ኣበላሺኻ ኸተብቅዕ፡ ተስፋኻ ክትልውጥን ከተጥዕይን ፈጺምካ ዘይሕሰብ’ዩ።
ነገራት ግርምቢጥ ኰይኖም ዚበላሸውና ዘለዉ ግና፡ ብምስጢረ ጥምቐትን ሜሮንን ካብ ላዕሊ፡ ካብ ማይን ካብ መንፈስን ተወሊድና ሰማያውያን ኴንና ኸነብቅዕ፡ ብምድራዊ ተስፋ ተኣሲርና፡ ንሰማያዊ ተስፋ ግን ንዒቕናን ደርቢናን ንነብር ምህላውና’ዩ ኣዝዩ ዜሕፍርን ዜሕዝንን ምርጫ’ዩ። ተመንን ካልኦት ኵሎም እንስሳታት ምድረ ምድሪ እንተ ኸዱ፡ ፍጥረቶም ኰይንዎም ካልእ ኣማራጺ ስለ ዘይብሎም’ዮም። ኣዕዋፍ ሰማይ ግን ኣኽናፍ ከም ዘይብለን፡ ኪበርራ ኸም ዘይክእላ ዀይነን፡ ከም’ዘን እንምገበን ደርሁ ዀይነን እንተ ዚነብራ ኣዝዩዶ ኣይምገረመናን፧ መብዛሕትና ኸምኡ ዝዓይነቱ ናብራ ንነብር ስለ ዘለና፡ እንተ ዘይገረመናን ከይተረድኣና ኣብ ርእስና እንተ ዘይፈረድናን’ዩ ዚሓይሽ።
ቃል እግዚኣብሄር ኣነጺሩ ኸም ዚገልጸልና ነዛ ዓለም’ዚኣ “ኣይጋይሽን ስደተኛታትን” ኢና (ዘሌ 25፡23 ፣ 1ዜና 29፡15 ፣ መዝ 39፡12 ፣ 119፡19 ፣ 1ጴጥ 1፡17)። ቅዱስ ጴጥሮስ፦
“ኣቱም ፍቁራተይ፡ ከም ኣጋይሽን ከም ስደተኛታትን እመኽረኩም ኣለኹ፡ ካብ’ቲ ምስ ነፍሲ ዚዋጋእ ስጋዊ ትምኒት ርሓቑ።” ብምባል ምዒዱና ኣሎ (1ጴጥ 2፡11)። እቶም ነዛ ዓለም’ዚኣ ብእምነቶም ዝሰዓርዋ ዅሎም ቅዱሳን ኣብ’ዛ ምድሪ’ዚኣ ኣጋይሽን ስደተኛታትን ምዃኖም እናተኣመኑ ኸም ዝሞቱ’ውን ተነጊሩና ኣሎ (እብ 11፡13-16)። ስድደተኛ ዅሉ ጊዜ ናብ ዓዱን ናብ ገዝኡን ኪምለስ’ዩ ዚናፍቕን ዚትስፈውን። ንሕና’ውን ነዛ ምድሪ ስድደትናን ግሽነትናን ክንጸልኣ፡ ነታ ኻብኣ ዝተወለድናላ ላዕለወይቲ ሃገርና ኽንናፍቓ፡ ንመንነትናን መበቈልናን ዚምጥን ህይወት ክንነብር’ዩ ዚግባእ። ጐይታና ባዕሉ፦
“እቲ ንህይወቱ (ኣብ’ዛ ዓለም’ዚኣ) ዚፈትዋ (ንዘለኣለም) ኬጥፍኣ’ዩ። እቲ ንህይወቱ ኣብ’ዛ ዓለም’ዚኣ ዚጸልኣ ግና ንዘለኣለም ህይወት ኪሕልዋ’ዩ።” ብምባል ብኸመይ ካብ መፈንጠራ ናይ’ዛ መታለሊት ዓለም ከም እነምልጥ ነቲ ጥበብ ገሊጹልና ኣሎ (ዮሃ 12፡25)። ቅዱሳት ሃዋርያት’ውን፦
“ንዓለም ወይስ ነቲ ኣብ ዓለም ዘሎ ኣይትፍተዉ። ....... ፈታው ዓለም ኪኸውን ዚደልይ፡ ንሱ ጸላእ ኣምላኽ’ዩ ዚኸውን።” ብምባል ኣነጺሮም ኣጥቢቦምና’ዮም (1ዮሃ 2፡15-17 ፣ ያእ 4፡4)። ነዛ ዓለም’ዚኣ ኽንሃድመላ’ምበር፡ ሕግብግብ ክንብለላ ኣይግባእን’ዩ። እንሃድመሉ ድማ ናብ’ቲ ተስፋና ዘለዎ ናብ ሰማያት ገጽና’ዩ። ስለ’ዚ ኸኣ ቅዱስ ጳውሎስ፡ “ ...... ንሕና፡ ነታ ኣብ ቅድሜና ዘላ ተስፋ ንምሓዝ ሃዲምና (ስለ) ዝወጻእና፡ ብርቱዕ ምጽንናዕ ክንረክብ ኢና።” ብምባል ኣረጋገጸልና (እብ 6፡18)። ብኣካል ሃዲምና እንኸዶ ኻልእ ዓለም የልቦን። ካብ’ቲ ንትምኒት ስጋና ኣዕፊሩ ናብ ሓጢኣት ኬውድቐና ዚጋደል መፈንጠራታት ግን፡ ከም ዮሴፍ ሃዲምና ኸነምልጥ ንኽእል ኢና። ስለ’ዚ ኸኣ’ዮም “ህደሙ፡ ርሓቑ” እናበሉ ብተደጋጋሚ ዚምዕዱና (1ጢሞ 6፡4,5,11,20,21 ፣ 2ጢሞ 2፡16 ፣ ቲቶ 3፡9 ፣ 1ቈረ 6፡18)። ስለ’ዚ ኻብ’ዚ ሰማያዊ ተስፋና ዓንቂፉ ኼትርፈና ዚጋደል ኵሉ ፈተናታት ኣምሊጥና፡ ናብ’ቲ ሕንጹጽ ዕላማ፡ ናይ ላዕሊ ጽውዓ ኣምላኽ፡ ብክርስቶስ ኢየሱስ ብጕያ ኽንሃድም ይግብኣና (ፊል 3፡14)።
ስለ’ዛ ጥበብ’ዚኣ፡ ነቲ ተዓቝሩሉ ዘሎ ሰማያዊ ተስፋ ኺረክብ ዚበቅዕ፡ ዋላ ሓደ’ኳ የልቦን። ስለ’ዚ ኸም ቅዱስ ጳውሎስ፦
“ንሕና ግና ሃገርና ኣብ ሰማያት’ያ፡ ካብኣ’ውን መድሓኒ፡ ንሱ ኸኣ ጐይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ፡ (ብተስፋ) ንጽበይ ኣለና። ንሱ በቲ ንዅሉ ኺመልከሉ ዚከኣሎ ሓይሊ፡ ነቲ ኽቡር ስጋኡ ምእንቲ ኺመስል ነዚ ናይ ውርደት ስጋና ኺልውጦ’ዩ። ብዚብል ተስፋ ንህይወትና ንምራሕን ነጽፍፍን (ፊል 3፡20,21)።
ንምዃኑኸ እቲ ሰማያዊ ተስፋ ‘ንብሎ ዘለና፡ እንታይ’ዩ ትሕዝቶኡ፧ እንታይ ክንረክብ ኢና ኽንትስፈው፧ እዚ ሕቶ’ዚ መኣዝን ጕዕዞና ዜቕንዕን ዜተኻኽልን ስለ ዝዀነ፡ ኣዝዩ ኣገዳሲ ሕቶ እዩ። ቅዱሳን ሃዋርያት’ውን፡ “እንሆ፡ ንሕና ዅሉ ሓዲግና ሰዓብናካ፡ እንታይ ኰን ክንረክብ ኢና፧” ኢሎም ብምሕታት ኣርኣያ ኰይኖምልና’ዮም (ማቴ 19፡27)። ንዅሉ’ቲ ዝተዓቝረልና ተስፋ ዘርዚርና ኽንገልጾ’ኳ እንተ ዘይከኣልና፡ ምስ’ቲ ጊዜናን ወረቐትናን ብዚምጥን ኣገባብ ክንጠቕሶ ንኽእል ኢና።
1ይ ዘለኣለማዊ ህይወት ኣብ መንግስተ ሰማያት፦ እዘን ድርብ ህያባት ምርካብ ማለት ዘይመውት፡ ካብ ስልጣንን ሓይልን ናይ ሞት ሓራ ምዃን ማለት’ዩ። ኣብ’ዛ ዘለናያ ዓለም ዘለኣለማዊ ህይወት እንተ ዚወሃበና፡ እቲ ዝኸፍአ መርገምን ወጽዓን ምዀነ ነይሩ። እቶም ናብ ገሃነም ዚድርበዩ ሓጥኣን’ውን’ኮ ንዘለኣለም’ዮም ዚነብሩ። እቲ ዘይሞቱ ምዃኖም ግን እቲ ዝኸፍአ መቕጻዕቶም’ዩ። ንዘለኣለም እናተሳቐዩ’ዮም ዚነብሩ። ዘለኣለማዊ ህይወት ምርካብ ኣዝዩ ዓብይ ትዕድልቲ ዚኸውን፡ ኣብ መንግስተ ሰማያት ምስ እግዚኣብሄር እንነብሮ ምስ ዚኸውን ጥራሕ’ዩ። ናብ መንግስተ ሰማያት ምስ እግዚኣብሄር እንነብሮ ምስ ዚኸውን ጥራሕ’ዩ። ናብ መንግስተ ሰማያት ምእታው ከም ተስፋ ኸም ዝተዋህበና ዚገልጽ ጥቕስታት ዘርዚርካ ብቝጽሪ ኽትገልጾ’ኳ ዚኸብድ’ዩ (ማቴ 5፡3,10 ፣ 7፡2 ፣ 8፡11 ፣ 13፡43 ፣18፡2,3 ፣ 25፡34 ፣ ሉቃ 13፡32 ወዘተ)። ዘለኣለማዊ ህይወት’ውን እቲ ብብዝሒ ዝተገልጸ ተስፋና’ዩ። (ቲቶ 1፡1,2 ፣ 3፡6,7 ፣ ዮሃ 3፡15,16 ፣ 6፡54 ፣ ማቴ 19፡27-29 ወዘተ)። ነቲ መንግስተ ሰማያት ኰነ ዘለኣለማዊ ህይወት ንመን ከም ዚወሃቦን ከም ዘይወሃቦን ዚገልጹ ጥቕስታትን ትሕዝቶኦምን ማዕረ’ቲ እንጽውዓሉ ስምና ኽንፈልጦ’ዩ ዚግባእ። ከምኡ ምግባርና እዚ ኽቡር ተስፋ’ዚ ብሓቂ ኣብ ውሽጥና ኣሕዲርናዮስ ዚፍጸመሉ መዓልቲ ብሃንቀውታ ንጽበይ ከም ዘሎና ዜመልክት’ዩ።
2ይ ኣብ መንግስተ ሰማያት እንረኽቦም ዓበይቲ ተስፋታት፦ እዞም ተስፋታት’ዚኣቶም ብዙሓትን ዓበይትን’ዮም። እቲ ብቐዳማይ ደረጃ ዚጥቀስ፡ እቲ ብቓላት ክትገልጾ በእምሮ’ውን ክትርድኦ ዚኸብድ ዘለኣለማዊ ኽብሪ’ዩ። ቅዱስ ጳውሎስ ነዚ ኽብሪ’ዚ ኣብ 2ቈረ 4፡16,17 ብዜስተንክር ቅጽላት ገሊጽዎ ይርከብ። እቲ ዜኽብረና ኸኣ እግዚኣብሄር ባዕሉ’ዩ። መንነት ናይ’ቲ ኣኽባሪና ምፍላጥ ጥራሕ መጠንን ዓይነትን ናይ’ቲ እንቕበሎ ኽብሪ ኪኖ ግምትን ርድኢትን ናይ ኣእምሮና ኸም ዚዓብይ ርዱእ’ዩ (ሮሜ 5፡2 ፣ 8፡18,19 ፣ ቈሎ 1፡26,27 ፣ 1ተሰ 2፡11,12 ፣ 2ተሰ 2፡14 ፣ 1ጴጥ 4፡10)። ካልኣይ ተስፋና ኸኣ ኪንገር ዘይክእል ዘለኣለማዊ ሓጐስ’ዩ (1ጴጥ 1፡3-9 ፣ 4፡13 ፣ ማቴ 25፡21)። እዚ ኽቡር ሓጐስ’ዚ በቲ ኣብ ምድሪ ዘሕለፍናዮ ሓዘን ከይተረፈ ኸም እንሕጐስ ኪገብረና’ዩ። ምኽንያቱ እዚ ዘለኣለማዊ ሓጐስ’ዚ ናይ’ቲ ምእንቲ ክርስቶስ ዝጾርናዮ ጊዝያዊ ሓዘንን ስቓይን ጻማ’ዩ። ንብዓትና ብኢድ ኣምላኽ ኪድረዝ’ዩ። ሳልሳይ ተስፋና ኸኣ ዘልኣለማዊ ዝዀነ ብርቱዕ ምጽንናዕ’ዩ (እብ 6፡18)። ምጽንናዕ ንወዲ ሰብ ማዕረ ኽንደይ ኣገዳስን ክቡርን ምዃኑ፡ ብሓዘን ዝሓለፈ ዅሉ ሰብ ኣጸቢቑ ይፈልጦ’ዩ። እቲ ዜጸናንዓና ባዕሉ እግዚኣብሄር ብምዃኑ ድማ ሓይልን ዕብየትን ናይ’ቲ እንረኽቦ ምጽንናዕ እንታይ ከም ዚመስል ምግማቱ ይከኣል’ዩ። ራብዓይ ተስፋና ኸኣ ዘለኣለማዊ ዕረፍቲ’ዩ። ናይ’ዚ ተስፋ’ዚ ዕብየት ኣብ እብ 4፡1-11 ከም ዚግባእ ተገሊጹልና ኣሎ። ጐይታና ምድራዊ ኣገልግሎቱ ምስ ጀመረ፡ ንዅሎም ጾር ሓጢኣት ዝኸበዶም ጽዑራን “ኣነ ኸዕርፈኩም’የ፡ ንነፍስኹም ዕረፍቲ ክትረኽቡ ኢኹም” እናበለ ኣተስፍዩና ኣሎ (ማቴ 11፡28-30)። እዚ ተስፋ’ዚ ብዘይ ዝዀነ ተረፍ ብምልኣት ዚፍጸም ድማ ናብ መንግስቲ ኣምላኽ ምስ ኣተና’ዩ። “ጻዕርን ድኻምን፡ ብሰሪ ሓጢኣት ብመርገም ዝተዋህበና ፍርዲ’ዩ (ዘፍ 3፡17-19)። ናይ መርገምን ፍርድን ውጽኢት ስለ ዝዀነ፡ ኣብ ውሽጥና ናይ ውርደት ስምዒት’ዩ ዚፈጥረልና። ስለ’ዚ ኸኣ ብዛዕባ እስራኤላውያን “ንልቦም ብጻዕሪ ኣዋረዶ” ዚብል ተጻሒፉልና ኣሎ (መዝ 107፡12)። ንተስፋ መንግስቲ ኣምላኽ ኣዝዩ ዓብይን ክቡርን ዚገብሮ ድማ እቲ ናይ መርገምን ውርደትን ጻዕሪ፡ ብኽቡርን ዘለኣለማውን ዕረፍቲ ዚትካእ ምዃኑ’ዩ (ራእ 21፡4)።
ንዅሉ ተስፋታት ዘርዚርካ ምርኣይን ምግላጽን ዚከኣል’ውን ኣይኰነን። ነቲ ኻልእ ተስፋታት ከም ፍቓድ ኣምላኽ ኣብ ካልእ ኣጋጣሚታት ክንመሃሮ ኢና። ናብ’ቲ ተስፋና ናብ መንግስተ ሰማያት ምስ ኣተና ጥራሕ እንፈልጦ ኻልእ መስተንክር ሰማያዊ ተስፋታት’ውን ኪግለጽ’ዩ። ቅዱስ ጳውሎስ’ውን ብመንፈስ ቅዱስ ተገሊጹሉ፦
“እቲ ዓይኒ ዘይረኣየቶ፡ እዝኒ ኸኣ ዘይሰምዓቶ፡ ኣብ ልቢ ሰብ ድማ ዘይተሓስበ፡ ኣምላኽ ነቶም ዜፍቅርዎ ኣዳለወሎም።”ኢሉና ኣሎ (1ቈረ 2፡9 ፣ ኢሳ 64፡4)። ዕቱብ መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ብምግባር፡ ነቲ ኣብ ቅዱሳት ጽሑፋት ተገሊጹልና ዘሎ ሰማያዊ ተስፋታት ነጽንዓዮ’ሞ፡ ናይ ብሓቂ ናፈቕትን ወረስትን ናይ’ቲ ተስፋ ምዃንና ነረጋግጽ።
ነዚ ሰማያዊ ተስፋ’ዚ ብዕምቈት ናይ ምፍላጡን ብምልኣት ናይ ምውናኑን ረብሓ እንታይ’ዩ፧ ብኻልእ ኣዘራርባ ምልኣት ተስፋ ዘሎናን ዘይብልናን ምዃንና፡ ኣብ ህይወትና ዜምጽኦ ለውጢ ኣሎ ድዩ፧ ከመይ ደኣ ዘይህልው!! አረ እቲ ፍልልዩስ ናይ ሞትን ህይወትን፡ ናይ ብርሃንን ጸልማትን ዚኣክል ኣዝዩ ዓብዪ ፍልልይ’ዩ። ንመብዛሕትና ናብ’ቲ ዝተጸዋዕናሉ ናይ ሰማይ ጽውዓ ገጽና ፍሕት ከይንብል፡ ከም ተመን ምድረ-ምድሪ ጥራይ ከነንፋሑዅ ዚገብረና ዘሎ’ኮ፡ ካብ’ዚ ሰማያዊ ተስፋ’ዚ ባዶን ድኻታትን ምዃንና’ዩ። ኣብ’ዛ ምድሪ’ዚኣ ናይ እንፍጽሞ ዝዀነ ይኹን ሓጢኣት ጠንቂ፡ ናይ ሰማያዊ ተስፋ ባዶነትና’ዩ። እዛ ተስፋ’ዚኣ ምስ ዘይትህልወና፡ እቲ ኣዝዩ ሕሱር ዝዀነ ዅሉ፡ እምብዛ ኽቡር ኰይኑ ይረኣየና። እቲ ኣዝዩ ኽቡር ዝዀነ ዅሉ’ውን፡ እምብዛ ሕሱር ኰይኑ ስለ ዚረኣየና፡ ኵሉ ኣተሓሳስባና፡ ውሳነታትና፡ ምርጫታትና፡ ዝርርባትና፡ ተግባራትና ግርምቢጥ ኰይኑ’ዩ ዚነብር። እቲ ዜጥፍኣናን ለካሚናን ዝዀነ ጥራሕ ይብርሃናን የብህገናን። ነቲ ዜርብሓናን ዜድሕነናን ኵሉ ድማ ንጽየፎን ንንዕቆን። ምእንቲ ሓላፊ ገንዘብን ንብረትን ኢልና ነቲ ነባሪ ፍቕርናን ዝምድናታትናን ነዕንዎ። ንቒምታ ኸም ጅግንነት፡ ንምሕረት ድማ ከም ስንፍናን ስዕረትን ጌርና ንርእዮ። ንምንዝርና ኸም በለጻዊ ባህታ፡ ንቕድስናን ንጽህናን ድማ ከም ድሑርነትን ዘይተደላዪ ኣኽራርነትን ናብ ምርኣይ ዜውድቐና ዘሎ፡ እዚ ዝተረግመ ናይ ምድራዊ ህይወት ተስፋ’ምበር፡ እቲ ብሩኽ ሰማያዊ ተስፋ ዘይብልና ምዃንና’ዩ (ቲቶ 2፡12,13)
እቲ ሰማያዊ ተስፋ ንውሽጥና መሊእዎን ገዚእዎን እንተ ዚኸውን ግን፡ ካብ’ቲ ተስፋና ኼትርፈና ንዚኽእል ኵሉ ነገር ብጽኑዕ ምተቓወምናዮን ምተጸየፍናዮን ኔርና። ይትረፍ ባዕላትና ብምርጫና ዘሊልና ኽንኣትዎ፡ ከም’ቲ ንዮሴፍ ዘጋጠሞ፡ ሓለፋታት ተዓጢቑ እና’ተሃራረፈ ወይ’ውን ስልጣን ተዓጢቑ እና’ፈራርሀ ንዚመጽእ ኵሉ ፈተናታት’ኳ፡ ነቶም ዚፍትኑና ሰባትን ኣጋንንትን ብዜስተንክር ኣገባብ ብቐሊሉ ምሰዓርናዮ። ነዚ ሓሳብ’ዚ ግሩም መርኣያን መብርህን ዚኸውን ቃል፡ ቅዱሳን ሃዋርያት ብኸም’ዚ ዚስዕብ ጽሒፎምልና ኣለዉ።
“እምብኣርከ፡ ኣቱም ፍቁራተይ፡ እዚ ተስፋታት’ዚ ኻብ ዚህልወናስ፡ ብፍርሃት ኣምላኽ ቅድስና እናመላእና፡ ካብ’ቲ ንስጋን መንፈስን ዜርክስ ዘበለ ዅሉ፡ ርእስና ነንጽህ።” 2ቈረ 7፡1
“እዛ ተስፋ’ዚኣ ዘላቶ ዘበለ ዅሉ (ሰብ)፡ ከም’ቲ (ክርስቶስ) ንጹህ ዝዀነ፡ ንርእሱ የንጽህ ኣሎ።” 1ዮሃ 3፡3
ስለ’ዚ እቲ ብዘይ’ዚ ተስፋታት’ዚ ዚነብር ክርስትያን፡ ንርእሱ ብንጽህናን ቅድስናን ዚሕልወሉ ምኽንያት ይስኣን’ሞ፡ ንርእሱ ብርኽሰት የጋዕዝያ። ኣገዳስነት ፍርሃት እግዚኣብሄር ስለ ዘይረኣዮን ስለ ዘይብሉን፡ ጽድቂ ዚጸልእ፡ ሓጢኣት ግን ዜፍቅር ሰብ ኰይኑ፡ ውሉድ ገሃነም ይኸውን። ሰኣን’ዚ ረብሓታት ናይ ተስፋ፡ ርእሱ ንዘለኣለማዊ ስቓይ ይሓጽያ። ስለ’ዚ ነገራት ዚበላሸውዎ ዘለዉ፡ ኣብ መወዳእታ ዓለምን ኣብ ምጽኣት ጐይታናን ዘይኰነ፡ ኣብ’ቲ ብዘይ ሰማያዊ ተስፋ ኺነብር ዝመረጸሉ ናይ ምድራዊ ህይወት ዘመኑ ይኸውን ኣሎ። ጐይታ ነዚ ዅሉ ተስፋታት ዘውሓዘልና ድማ ኬስድዓናን ሰንፈላል ኪገብረናን ኢሉ ዘይኰነስ፡ በቲ መንፈሳዊ ረብሓ ናይ ተስፋ ምእንቲ ኽንጥቀምን ኢሉ’ዩ። ብዘይ ተስፋ እምነት ዚበሃል የለን። ብዘይ እምነት ድሕነት የለን፡ ብዘይ ድሕነት’ውን ግብሪ የለን። ሰናይ ግብሪ ናይ ድሑናት ፍረ’ዩ’ምበር፡ ድሕነት ናይ ሰናይ ግብሪ ፍረ ኣይኰነን። ስለ’ዚ ህይወትና ኣብ ተስፋ እንተ ተበላሽይዋ፡ ኣብ ዝዀነ ኻልእ ኪጽብቐላን ኪጥዕየላን ኣይክእልን’ዩ።
እምበኣር በዚ ሰማያዊ ተስፋ ሃብታማት ወይ ድኻታት ምዃንና ርእስና ንመርምር፡ ጽውዓና በዚ ተስፋታት’ዚ ሃብታማት ንኽንከውን’ዩ (ሮሜ 15፡13 ፣ ያእ 2፡5)። ምስ ኣምላኽ ተሃላሊኽና ነቲ ሰማያዊ ተስፋ ደርቢና፡ ኣብ’ዛ ምድሪ’ዚኣ ነዊሕ ዕድመ፡ ምሉእ ጥዕና፡ ሃብቲ፡ ጥጡሕን ምሹእን ናብራ፡ ብዙሓትን ብሩኻትን ደቂ፡ ሰላማዊ ሃገር ወዘተ ዝኣመሰሉ ተስፋታት ጥራሕ’ምበር፡ ነታ ጐይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ዝንጉሳ፡ ጽድቂ ዚነብረላ ክብርትን ዘለኣለማዊትን ሃገር ዘይንናፍቕ፡ ክርስትያን ከይንኸውን ንጠንቀቕ። ነቲ፦
“ደጊም ምስ ክርስቶስ ተንሲእኩም እንተ ዄንኩምሲ፡ ነቲ ክርስቶስ ኣብ የማን ኣምላኽ ተቐሚጥዎ ዘሎ፡ ነቲ ኣብ ላዕሊ ዘሎ ድለዩ። መዊትኩም ኢኹም፡ እታ ህይወትኩም ድማ ምስ ክርስቶስ ኣብ ኣምላኽ ተሰዊራ ኣላ’ሞ፡ ኣብ ላዕሊ ዘሎ ሕሰቡ፡ ኣብ ምድሪ ዘሎ ኣይኰነን።”
ዚብል ሃዋርያዊ ትእዛዝ ኣይንረስዓዮ (ቈሎ 3፡1-3)። ነቲ እግዚኣብሄር ብሕያውነቱን ብኸኣልነቱን ዝመኸረልናን ዘዳለወልናን ተስፋታት ኣይንንዓቆን ኣይንተሓሰሞን። ንዝሃቦ ተስፋታት ዜኽብር እሙን ኣምላኽ’ዩ’ሞ፡ ብተስፋታቱ ሃብታማት ብምዃን ነኽብሮ።
ጸጋ ጎይታና ኢየሱስ ክርስቶስን ፍቕሪ ኣምላኽን ሕብረት መንፈስ ቅዱስን ምስ ኩላትና ይኹን።
ኦርቶዶክሳዊት ተዋህዶ ቤተ ክርስቲያን ኤርትራ - መንበረ ጵጵስና ሰሜን ኣሜርካ
ሓምለ 23, 2015 ግዕዝ (6 ነሓሰ 2023 ፈ [መበል 47 ሰንበት: ቊ.፶፮/56, 2023] ) |
||
ምስባክ መዝ..፷፬(፷፭)፡፱ “ሐወጽካ ለምድር ወአርወይካ። ወአብዛኅኮ ለብዕላ። ፈለገ እግዚአብሔር ምሉእ ማያተ።” “ንምድሪ ትበጽሓን ዕልቕልቕ ተብላን፡ ኣዚኻ ተሀብትማ፡ ርባ ኣምላኽ ማይ መሊኡ’ዩ። ንምድሪ ኸምዚ ጌርካ ምስ ኣዳሎኻያ፡ እኽሊ ተዳልወሎም።”
|
ንባባት |
ኣንባቢ |
ቈሎ 1፡1-11 |
ዲያቆን |
|
ያእ 1፡5-14 |
ንፍቅ ዲያቆን |
|
ግብ 27-12-20 |
ንፍቅ ካህን |
|
ማር 6፡47-ፍጻመ |
ሰራዒ ካህን |
|
ቅዳሴ፦ ዘእግዚእነ |
ካብ ውሽጢ ኤርትራ ዝተረኽበ ንቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ንምቁጽጻር ብመንግስቲ ኤርትራ ክካየድ ዝጸንሐን ዘሎን ሽርሒ ዘቃልዕ ቪድዮ
ድኳን መጻሕፍቲ/Book Store
ራድዮ ቃለ ኣዋዲ