“ነቲ ብኣበሳኦምን ብርኹስ (ናብራኦምን) ዚስቀይ ዝነበረ ሎጥ ጻድቕ ግና ኣድሓኖ።. . .እቲ ጻድቕ ኣብ ማእከሎም ኪነብር ከሎ፡ በቲ ኣብ ጸጽባሕ ዚርእዮን ዚሰምዖን ዝነበረ ግብሪ ዓመጻኦም፡ እታ ጻድቕ ነፍሱ ትስቀይ ነበረት።” 2ጴጥ 2፡7,8።
እዚ ዕለት’ዚ ራብዓይ ሰንበት ናይ ዘመነ ክረምት’ዩ። ብኣቈጻጽራ ግእዝ ካብ ሓምለ 17 ኽሳዕ ሓምለ 23 ኣብ መዓልቲ ሰንበት ምስ ዚውዕል፡ “በቀዳሚ ገብረ እግዚአብሔር” ዚብል ናይ ቅዱስ ያሬድ መዝሙር’ዩ ዚዝመር። እቲ ነዚ መዝሙር’ዚ መሰረት ብምግባር ዝተሰርዐ ንባባት ሓድሽ ኪዳን፡ ነዚ ናይ’ዚ ዕለት’ዚ ኣርእስትን መሪሕ ጥቕስን ዝሓዘ ናይ 2ጴጥ 2፡1-9 ንባብ ዜጠቓልል’ዩ። ቅዱስ ጴጥሮስ ኣብ’ዚ መልእኽቱ’ዚ ብዛዕባ’ቲ ኣብ ዓለም ዘሎ ዜስክሕ ርኽሰትን ስሕተትን ድሕሪ ምግላጹ፡ መፈጸምታኡ ድማ ልክዕ ነቲ ናይ ሰዶምን ጎመራን ኸም ዚመስል ገሊጹልና ኣሎ። ቅዱስ ጴጥሮስ ብዛዕባ ናይ መወዳእታ ዓስቢ ናይ ዓመጸኛታት ሰለስተ ዓበይቲ ኣብነታት ጠቒሱ ኣሎ።
1ይ ዝወደቑ መላእኽቲ (ርዅሳት መናፍስቲ)፦ ሰይጣን ብትዕቢት ቅድሚ ምውዳቑ፡ ንዝፋን ኣምላኽ በኽናፉ ዜጽልል ኪሩብ ነበረ። ኣብ ልዕሊ ኣምላኽ ብትዕቢት ምስ ተላዕለ ግን፡ ንሱን እቶም ንእኡ ዝሰዓቡ መላእኽትን ናብ ገሃነም ተደርብዮም ካብ መልኣኽ ብርሃን ናብ መልኣኽ ጸልማት ተለወጡ። ድሮ ኣብ ትሕቲ መሪር ፍርዲ ብመቝሕ ጸልማት ተኣሲሮም ይጽበዩ ኣለዉ (2ጴጥ 2፡4 ፣ ይሁ 6 ፣ ህዝ 28፡2,12-15)።
2ይ ዘመን ኖህ፦ ኣብ’ቲ ዘመን’ቲ ዝነበረ ርኽሰትን ዓመጻን፡ እግዚአብሔር ንሰብ ብምፍጣሩ ኽሳዕ ዚጠዓስ ዝገበረ ኣዝዩ ዜሰክሕ ነበረ። ስለ’ዚ ኸኣ እግዚአብሔር ሰብን እንስሳን ካብ ገጽ ምድሪ ኺጠፍእ ብጽድቅን ብፍትሕን በየነ’ሞ፡ ዓይኒ ማያት መዓሙቕን መሳዅቲ ሰማይን ከፊቱ ብማይ ኣይሂ ንህያው ዘበለ ዅሉ ደምሰሰ (ዘፍ 6፡5-12 ፣ 7፡11-24)።
3ይ ዘመን ሎጥ፦ ህዝቢ ሰዶምን ጎመራን ንእግዚአብሔር ብዘሰክሐን ትዕግስቱ ብዝጸንቀቐን ርኽሰት ምስ ተመላለሰ፡ ካብ ሰማይ ሓውን ዲንን (ሳልፈርን) ብምኽስካስ ኣጥፍኦም። እዚ መዓት’ዚ ምድራዊ ኽፋል ናይ’ቲ ፍርዶም’ዩ። ኣብ ጊዜ ምጽኣት ድማ ገና ዝኸበደ ፍርዲ ይጽበዮም ኣሎ (ዘፍ 18፡20-32 ፣ 19፡12-23 ፣ ማቴ 11፡20-24 ፣ 10፡14,15)።
ቅዱስ ጴጥሮስ ነዚ ሓቂ’ዚ ድሕሪ ምግላጹ፡ ነቶም ኣብ ዘመን ሓድሽ ኪዳን ዝተጋህዱ ርኹሳትን ዓመጸኛታትን’ውን ተመሳሳሊ ጥፍኣትን ስቓይን ይጽበዮም ከም ዘሎ ኣፍለጠ። እቶም ኣብ ከም’ዚ ዝበለ ኽፉእ ዘመን ዚነበሩ ንኣምላኽ ዚፈርሁ ጻድቃን ሰባት፡ ናብራኦም እንታይ ከም ዚመስል’ውን ብንጹር ገሊጹ ኣሎ። ዓለም፡ ንጻድቃን ስፍራ ስቓይ’ያ። ምኽንያቱ እቲ ንሳቶም ዝተጸይፍዎ ሓጢኣትን ርኽሰትን፡ ንዓለምን ዓለማውያንን ግን ንቡርን ክብረትን’ዩ። እግዚአብሔር ትዕግስቱን ምሕረቱን ክሳዕ ዚጽንቅቕ’ሞ፡ ቍጥዓኡ ክሳዕ ምፍሳስ እንተ በጺሑ፡ ሰባትን እታ ዚነብርዋን ምድሪ ማዕረ ኽንደይ ተበላሽዮም ከም ዘለዉ መረዳእታ ዘይትደልየሉ ብሩህ ሓቂ’ዩ። ኣቦና ኖህ ኣብ ማእከል ወለዶኡ እንታይ ዓይነት ናብራን ሃለዋትን ከም ዝነበሮ ብቓላት ክትገልጾ’ኳ ዜጸግም’ዩ። ኣብ’ታ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ዝተመጐሰላ መገዲ ጽድቂ፡ ዋላ ሓደ መኻይድቲ ኣይነበሮን። ናይ ሎጥ’ውን ዚገድድ’ምበር፡ ዚሓይሽ ኣይነበረን። ናብ ቤቱ ንዝኣተዉ ኣጋይሽ ብግብረ-ሰዶም ኬነውሩ ኣጕባዝን ኣረገውትን ዘጠቓለለ ዅሉ ነባሪ ናይ’ታ ኸተማ ኻብ ኵሉ ሸነኽ መጺኡ ነታ ቤት ከበባ። “ኣሕዋተየ ኸም’ዚ ዝበለ ኽፉእ ኣይትግበሩ” ኢሉ ነቶም ኣጋይሹ በተን ክልተ ደናግል ኣዋልዱ ኺብጀዎም እንተ ደለየ፦
“ኣልግስ ንየው በል፡ እዚ ሓደ ስደተኛ ዀይኑ ዝመጸ (ሰብሲ) ዳኛ ዀይኑ ኺፈርድ ይደልይ ኣሎ። ሕጂ ግና ካብ ንኣታቶም (ንኣኻ) ኸነግድደልካ ኢና።” ኢሎም መለሱሉ (ዘፍ 19፡4-9)። ኣብ ከም’ዚ ዝዓይነቱ ህዝቢ ንዚነብር ጻድቕ ሰብ እንታይ ዓይነት ናብራ ኸም ዜሕልፍ ርዱእ’ዩ። በቲ ሓጢኣቶም ስለ ዘጥቅዕዎ ጥራይ ኣይኰነን ዚሳቐይ። ነቲ ኣዝዩ ኣነዋሪ ተግባሮም ብዝረኣየን ብዝሰምዐን መጠን፡ ምንባሩ ኽሳዕ ዜጽልኦ ኸም ዚሳቐይ ርዱእ’ዩ። ርኽሰታን ነውራን እናበኣሰ ኣብ ዚኸይድ ዓለም ንነብር ስለ ዘለና፡ ናይ ብሓቂ ኣብ ደምበ ጻድቃን ዘለና ሰባት እንተ ዄንና፡ ተመሳሳሊ ስቓይ ኪስምዓና ናይ ግድን’ዩ። ይትረፍ ስቓይ ኪስምዓና፡ ፈጺሙ ስኽፍ ዘይብለና፡ ክንርእዮን ክንሰምዖን ከነዕልለሉን ዜብህገና ምስ እንኸውን፡ ካብኡ ሓሊፉና’ውን ንገለ ኻብ’ቲ ርኽሰት ንለማመዶ እንተ’ሊና ድማ ተኻፈልቲ ናይ’ቲ ጽዋእ ቍጥዓ ምዃን ዝመረጽና ሰባት ምዃንና ብግብራዊ መገዲ ነግህድ ኣለና ማለት’ዩ። ሃዋርያ ጴጥሮስ ነዚ መልእኽቲ’ዚ ኺጽሕፍ ዝደረኾ ድማ ንኽልቲኦም ምርጫታት ኣነጻጺርና፡ ነቲ ዚሓይሽ ምእንቲ ኽንመርጽ’ዩ።
ጻድቃን ግን ንምንታይ’ዮም ንሳቶም ብዘይፈጸምዎ ብዘይምልከቶም ሓጢኣት ዚሳቐዩ፧ ዘይምልከተካ ጾር ምጻርዶ ኣይከውንን፧ ከቶ ኣይኰነን!! እቲ ዚዝውተር ኣበሳ ነቲ ፈጻሚኡ ዋዛኡን ሓጐስን’ዩ። ምኽንያቱ ኸኣ ፈትዩን መሪጹን ስለ ዝፈጸሞ’ዩ። ከቢድ ተሓታትነትን መሪር ሳዕቤንን ከም ዘለዎ ዀነ ኢሉ ስለ ዚርስዖን ስለ ዚኽሕዶን፡ በቲ ነውራምን ጽዩፍን ኣካይዳኡ ክብረት እናተሰምዖ’ዩ ዚነብር። ንጉስ ሰለሞን ነዚ ሃለዋት ሓጥኣን፡ ብኸም’ዚ ዚስዕብ ገሊጽዎ ኣሎ። “ንሳቶም ክፉእ ብምግባር ይሕጐሱ፡ ብቔናን ነገር’ውን ባህ ይብሎም።” “ንዓሻ ኽፉእ ምግባር ዋዛኡ’ዩ፡ ጥበብ ከኣ ንለባም ከምኡ’ያ። ...... ምህዞ ዓሻ ሓጢኣት’ዩ፡ መላገጺ ኸኣ ብሰብ ፍንፉን’ዩ።” ምሳ 2፡14 ፣ 10፡23 ፣ 24፡9
ነብዪ ኢሳይያስ ከኣ፡ “.......ንሓጢኣቶም ከም ሰዶም የውርይዎ፡ ኣይሓብእዎን ከኣ፡ ኣብ ርእሶም ሕሰም የምጽኡ ኣለዉ’ሞ፡ ወይለኣ ነፍሶም።” ብምባል፡ እቶም ሕልናኦም ዝደንዘዘ ሓጥኣን፡ ሓጢኣት ምግባሮም ጥራሕ ከይኣክል፡ ቅያ ኸም ዝፈጸሙ ተሰሚዕዎም ነቲ ነውሮም ከም ዜውርይዎ ጸሓፈልና። (ኢሳ 3፡8,9)። ሃዋርያ ይሁዳ’ውን፦ “እዚኣቶም ብዘይ ፍርሃት (ኣምላኽ) ምሳኻትኩም እናበልዑ ንርእሶም ዚጓስዩ (ሰባት)፡ ኣብ’ቲ ናይ ፍቕሪ መኣድኹም ጸያቒቶ’ዮም። ንፋስ ንየው ነጀው ዚደፍኦ፡ ማይ ዘይብሉ ደበና፡ ዘይፈርያ፡ ክልተ ሳዕ ዝሞታ ኣእዋም ሓጋይ፣ ነቲ ነውሪ ርእሶም ዜዕፍርዎ ብርቱዓት ማዕበል ባሕሪ፣ ብርግርግ ዚብሉ ከዋኽብሪ’ዮም። ነዚኣቶም ግብ ዝበለ ጸልማት ንዘለኣለም ተዓቝሩሎም ኣሎ።” ብምባል፡ ነውሪ ንሓጥኣን ዋዛኦምን ቍምነገሮምን ምዃኑ ኣብርሃልና (ይሁ 12,13)
እዚ ናይ ሓጥኣን ተግባር ንኣጸያፍነት ናይ’ቲ ዝፈጸምዎ ኣበሳ፡ መመሊሱ ዜጋድዶ’ዩ። እዚ ተግባሮም’ዚ ድማ ንስቓይን ስቅቕታን ናይ’ቶም ንሓጢኣት ነውሮም ዝገበርዎ ጻድቃን ብዝበኣሰ ዜጋድዶ’ዩ። ከምኡ ዚዀነሉ ኸኣ በዞም ዚስዕቡ ምኽንያታት’ዩ።
1. ንጻድቃን ጻድቃን ዝገብሮም፡ ብዛዕባ ዅሉ ነገር ዘለዎም ኣተሓሳስባን ኣረኣእያን ልክዕ ከም ናይ ኣምላኽ ምዃኑ፡ ነቲ ኣምላኽ ዚጽየፎ ዅሉ ኣዝዮም ይጽየፍዎ፡ በቲ ንእኡ ዜሐጕሶ ድማ ኣዝዮም ይሕጐሱ። ምኽንያቱ ዝተፈወሰን ህያውን ሕልና ዘለዎም’ዮም። ቅዱስ ጳውሎስ፦
“እቲ ኣብ ክርስቶስ ኢየሱስ ዝነበረ ሓሳብ ኣባኻትኩም’ውን ይሃሉኹም። ......ብዝተረፈስ ኣሕዋተየ፡ ሓቂ ዘበለ፡ ርዝነት ዘለዎ ዘበለ፡ ቅኑዕ ዘበለ፡ ንጹህ ዘበለ፡ ተፈታዊ ዘበለ፡ ሰናይ ዜና ዘለዎ ዅሉ፡ ብሉጽ ወይ ምስጉን ነገር እንተ’ልዩ ብዛዕባ’ዚ ነገር’ዚ ሕሰቡ። ....... እቲ ሰናይን ባህ ዜብልን ፍጹምን ዝዀነ ፍቓድ ኣምላኽ እንታይ ምዃኑ መርሚርኩም ክትፈልጡ፡ ኣእምሮኹም ብምሕዳስ ተለወጡ’ምበር ነዛ ዓለም’ዚኣ ኣይትምሰልዋ።” ብምባል፡ ብኸመይ ኣብ መገዲ ጽድቂ ኸም ንዕወት ገሊጹልና ኣሎ (ፊል 2፡5 ቀ.ት ፣ ፊል 4፡8 ካ.ት ፣ ሮሜ 12፡2 ካ.ት)። ሃዋርያ ጴጥሮስ፡ ብዛዕባ ስቕለትን ሞትን ናይ ጐይታኡ ከም ናይ ኣምላኽ ኣተሓሳስባ ስለ ዘይነበሮ፡ ብጐይታና ብኸቢድ ሃይለ ቃል ተገሰጸ። “ኣታ ሰይጣን፡ ካባይ ርሓቕ፡ ናይ ሰብ’ምበር ናይ ኣምላኽ ኣይትሓስብን ኢኻ’ሞ ንኣይ መዓንቀፊ ኢኻ።”
ስለ’ዚ እቲ ብሓጢኣት ረሲኣን ኪሳቐይን ኪስቀቕን ዚኽእል ሰብ እቲ ንድኹም ሰብኣዊ ኣተሓሳስባ ኣወጊዱ፡ ብናይ ኣምላኽ ኣተሓሳስባ ኺነብር ዝፈቐደን ዓቕሚ ዝረኸበን ሰብ ጥራሕ’ዩ። ደቂ ሰባት ብምኽንያት’ቲ ውዱቕን ሓጥእን ባህርይና፡ ነቲ ንሓጢኣት ክንጽየፈሉን ክንስቀቐሉን ዜኽእለና ባህርያዊ ዓቕሚ ኣጥፊእናዮ ኢና። ሰዓብቲ ክርስቶስ ኴንና ብመገዲ ጽድቂ እንመላለሰሉ ናይ መንፈስ ቅዱስ ደገፍ ምስ ረኸብና ግን፡ ንሓጢኣት እምብዛ እንጽየፈሉ ሓይሊ ጸጋ ንቕበል’ሞ፡ ይትረፍ ባዕላትና ኽንፍጽሞ፡ ካልኦት ኪፍጽምዎ ኽንርእይ ከለና፡ ኣዝዩ የሰቅቐናን።
2. ብደረጃ ኣተሓሳስባ ጥራሕ ዘይኰነ፡ ብግብራዊ መገዲ’ውን ጽድቂ እነፍቅርን እንገብርን ምዃንና’ዩ። እቲ ኣሉ ዘይበሃል ከቶ ዘየጠራጥር መለለዪና፡ ፍረ ጽድቂ እንፈርይ ምስ እንኸውን’ዩ፡ እግዚአብሔር ብባህርዩ ጻድቕን ጽድቂ ዜፍቅርን’ዩ (መዝ 11፡6,7)። እቲ ሓቀኛ ክርስትያን ድማ፡ ነቲ ብመልክዕ ኣምላኽ ዝተፈጥረ ሓድሽ ሰብ ስለ ዝለበሰ (ኤፌ 4፡20-24 ፣ ቈሎ 3፡9,10)። ፍቕርን ጽምኣትን ናይ ጽድቂ ኣለዎ። ስለ’ዚ ብጸጋ መንፈስ ቅዱስ ተደጊፉ ብምሉእ ሓይሉን ፍቓዱን ፍረ ጽድቂ ኼፍርይ ይጋደል፡ እግዚአብሔር ብምሕረቱን ብጸጋኡን ጽድቂ ናይ ክርስቶስ ኬልብሶ ኸኣ ልዑል ባህግን ዘየባትኽ ጸሎትን ኣለዎ (ኢሳ 64፡5 ፣ 1ዮሃ 2፡29 ፣ 3፡7,10 ፣ ፊል 3፡6-9 ፣ ሮሜ 9፡30-33 ፣ 10፡1-4። እቲ ኸም’ዚ ዝበለ መትከልን ኣካይዳን ዘለዎ ሰብ ጥራሕ’ዩ ናይ’ዚ ስቓይ ጻድቃን ተኻፋሊ ኪኸውን ዚኽእል። ብኣፉ እናተጸየፎስ፡ ብግብሪ ግን ኬቈማጥዖ ዝነብር ሰብ ግን፡ ብግብዝነት ሓጥኣን’ምበር፡ ስቓይ ጻድቃን ኣይለማመድን’ዩ።
እግዚአብሔር ብዛዕባ’ቶም ብጽድቂ እናነበሩ፡ ስቓይ ጻድቃን ዚሳቐዩ ሰባት ዘለዎ ኣረኣእያን ዚወስዶ ስጕምትን እንታይ ይመስል፧ ናይ ብሓቂኸ ብምሉእ ልቡ ይግደሰሉ ድዩ፧ ኣብ’ዚ ናይ 2ጴጥ 2፡1-9 ተጠቒሶም ናይ ዘለዉ ኽልተ ጻድቃን ናይ ህይወት ታሪኽ ምልስ ኢልና ምስ እንምልከት፡ እግዚአብሔር ብዛዕባ’ቶም ጻድቃን ዚሳቐዩ ሰባት ዘለዎ ኣረኣእያን ስጕምትን፡ ከም ብርሃን ጸሓይ ደሚቑ ተጋሂዱ ኣሎ። ነቲ እንታ ዘይተረኽቦ ጻድቕ ኖህ ዝገበረሉ ምሕረትን ድሕነትን ኣዝዩ ልዕሉ’ዩ። ካብ ጥፍኣት ማይ ኣይሂ እተድሕኖ መርከብ ኪሰርሕ ድሕሪ ምእዛዙ፡ ካብ ሰብ ክሳዕ እንስሳ ካብ ገጽ ምድሪ ኼጥፍእ ከሎ፡ ሻምናይ ርእሱ ንእኡን ንስድራ ቤቱን ካብ ጥፍኣት ኣድሓኖ (ዘፍ 6፡5=‘ዘፍ 8፡22)። ንሎጥ’ውን ንመላእኽቱ ብኣርኣያ ስብ ልኢኹ ካብ ሰዶም ኬምልጥ ሓበሮ። “ወርቀይ ጨርቀይ” ኪብል ምስ ደንጐየ ድማ፡ እቶም መላእኽቲ ንእኡን ንስድራኡን በእዳዎም ስሒቦም ኣናገፍዎም። ኣብ ጊዜ ራህዋን ሰላምን በካይዳ ናይ’ቲ ህዝቢ ኣኺሉ ዚተርፍ ስቓይ ስለ ዝተሳቐዩ፡ ነቶም ብግብሮም ዘሳቐይዎም ሓጥኣን ስቓይ ኪወርዶም ከሎ፡ እቶም ጻድቃን ኪነሓፉ እግዚአብሔር በቲ መለኮታዊ ፍትሑ ይብይነሎም። ከም’ቲ ኣቦና ኣብርሃም ብዛዕባ ሰዶምን ጎሞራን ኬማልድ ከሎ ዝበሎ፡ እግዚአብሔር ንጻድቃን ምስ ረሲኣን ለኪሙ ኣየጥፍእን’ዩ (ዘፍ 18፡20-32)። ነዚ ባህርዩ’ዚ ኣብ ትንቢት ህዝቅኤልን ኣብ ራእይ ዮሃንስን ደጋጊሙ ገሊጽዎ ኣሎ (ራእ 7፡1-3)።
“እግዚአብሔር ከኣ (ነቲ መልኣኽ)፡’ብማእከል ከተማ፡ ብማእከል የሩሳሌም ሕለፍ’ሞ፡ ነቶም ብዛዕባ’ቲ ኣብ ማእከላ ዚግበር ዘሎ ጽያፍ ዚጕህዩን ዚትክዙንሲ ኣብ ግምባሮም ማሕተም ግበረሎም’፡ በሎ። ኣነ እናሰማዕኩ ኸኣ፡ ነቶም ካልኦት በሎም፡ ‘ደድሕሪኡ በታ ኸተማ ሓሊፍኩም ውቕዑ፡ ዓይንኹም ንሓደ’ኳ ኣይትንሓፍ፡ ኣይትራሕርሑ’ውን። ካብ መቕደሰይ ጀሚርኩም ንኣረገውትን ነጕባዝን ንጐረዙትን ንቘልዑን ንኣንስትን ቅተሉ፡ ኣጽንቱ። ነቶም (ኣብ ግምባሮም) ማሕተም ዘለዎም ግና ኣይትቕረብዎም. . .።” ህዝ 9፡4-6።
ካብ’ዚ ቕዱሳት ጽሑፋት’ዚ ኸም እንርድኦ’ምበኣር፡ እግዚአብሔር ነቶም በቲ ዚርእይዎ ጽዩፍ ሓጢኣት ዚሳቐዩ ቕዱሳኑ፡ ብናይ መንፈስ ቅዱስ ማሕተም ናቱን ጥሪቱን ምዃኖም የረጋግጸሎም’ዩ። በዚ ኸም’ዚ ድማ ካብ’ቲ ምድራውን ዘለኣለማውን መዓት ናይ ሓጥኣን ይብጀዎም። (2ቈረ 1፡21,22 ፣ 5፡5 ፣ ኤፌ 1፡13,14)። ስለ’ዚ ኣብ’ቲ ስቓይ ጻድቃን ተኻፋሊ ዄንካ ማለት ንገዛእ ህይወትካ ኻብ ጥፍኣት ምክልኻል፡ እግዚአብሔር ዚሕልዎን ዚንሕፎን ኣቕሓ ምሕረትን ኣቕሓ ኽብርን ምዃን ማለት’ዩ። ናይ’ዚ እግዚአብሔር ዜኽብሮን ዓስቢ ዚህበሉን ስቓይ ተኻፋሊ ምዃን’ምበኣር፡ ንምድሓን ዝለበሙ ብልህታትን ኣስተውዓልትን ሰባት ዚወስድዎ ክቡር ምርጫን ስጉምትን ምዃኑ ኣይንዘንግዕ። እቶም ብኣርኣያነት እንጠቕሶም ቅዱሳን ኣቦታትና በዚ ብልህነት’ዚ’ዮም ኣብ’ዛ ምድሪ ዝተዓወቱ። ብኣብነት ክንጠቕሶም ካብ እንኽእል ኣቦታት ሓደ፡ እቲ እግዚአብሔር “ዝኸም ልበይ” ዝበሎ ቅዱስ ዳዊት’ዩ (1ሳሙ 13፡14 ፣ ግብ 13፡22)። ንሱ ብዛዕባ’ቶም ካብ ኣምላኽ ዝረሓቑ ሓጥኣን ዝነበሮ ስምዒት ደጋጊሙ ጠቒሱ ኣሎ። “ብሰሪ’ቶም ሕግኻ ዝሓደጉ ረሲኣን ብቝጥዓ ተቓጸልኩ። .......ተጻረርተይ ቃልካ ረሲዖም’ዮም’ሞ፡ ቅንኣተይ ይበልዓኒ ኣሎ። ..... ሕግኻ ኣይሕልውን’ዮም’ሞ፡ ኣዒንተይ ወሓዚ (ንብዓት) የፍስሳ ኣለዋ።” መዝ 119፡53,136,139።
ብፍላይ ቅዱስ ጳውሎስ፡ ብዛዕባ’ቶም ኣይሁዳውያን ኣሕዋቱን ኣዝማዱን ዚስምዖ ዝነበረ ጓህን ስቓይን፦ “ኣነ ብዙሕ ጓህን ዘየባትኽ ስቓይን ኣብ ልበይ ከም ዘሎኒ፡ ሕልናይ ብመንፈስ ቅዱስ ይምስክረልይ ኣሎ፡ ብክርስቶስ ሓቂ (እዛረብ) ኣለኹ፡ ኣይሕስውን’የ። ኣነ (ባዕለይ) ምእንቲ’ቶም ብስጋ ኣሕዋተይን ኣዝማደይን ውጉዝ (ርጉም) ኰይነ ካብ ክርስቶስ (ክፍለይ) ምደለኹ።” ብምባል ገሊጽዎ ኣሎ (ሮሜ 9፡1-3)። ንርእሱ ድሑን ምዃኑ ኣረጋጊጹስ፡ ብዛዕባ’ቲ ዘይደሓነ፡ ምስ ኣምላኹ ዘይተዓርቀ፡ ብመገዲ ጥፍኣት ዚጐዓዝ ዘሎ ወገኑ ኸም’ዚ ዝበለ ጓህን ስቓይን ዘይስምዖ ክርስትያን “እምበርዶ ሰዓቢ ክርስቶስ’ዩ፧” ኢልካ ብኣግርሞት ክትሓትት ዚቕስብ’ዩ። ምኽንያቱ ብዛዕባ’ቲ ዚጽበዮም ዘሎ ዘለኣለማዊ ስቓይን ጥፋኣትን፡ ፈጺሙ ኸም ዘይሓስብን ከም ዘይግደስን’ዩ ዜመልክት ዘሎ። ከም’ዚ ዝዓይነቱ ሰብ፡ ዋላ ብዛዕባ ናይ ገዛእ ርእሱ ዘለኣለማዊ መጻኢ ዚሓስብ ምዃኑ’ውን ኣጠራጣሪ’ዩ። እቲ ብጥፍኣት ወገኑ ዘይግደስ ሰብ፡ ንርእሱ ካብ’ታ ንኣምላኽን ንጻድቃንን እተሳቕይ ጐደና ጥፍኣት ከም ዘይረሓቐ፡ ምናልባት’ውን ኣብኣ ይመላለስ ከም ዘሎ ዜመልክተና’ዩ። ስለ’ዚ ነዚ ሒዝናዮ ዘለና ኣርእስቲ፡ ከም ናይ መንፈሳዊ ጥዕናና ብቑዕ መምዘኒ ጌርና ኽንጥቀመሉ ይግብኣና’ዩ።
እቲ ስቓይ ጻድቃን ኣብ ውሽጥና ኸም ዘሎ ናይ ብሓቂ ርግጸኛታት እንኸውን ብኸመይ እዩ፧ ስምዒታዊ (Emotional) መለክዒታት ጥራሕ ድዩ ዘለዎ፡ ወይ ካልእ ረቛሒታት ኣለዎ’ዩ፧ ብርግጽ ስምዒታውን ግብራውን መምዘኒ ረቛሒታት ከም ዘለዎ ግሁድ’ዩ። እዚ ድርብ ረቛሒታት’ዚ ኻብ ሓድሕዱ ኺፈላለይ ዘይክእል፡ ወርትግ ብሓደ ተጸሚዱ ዚገሃድ’ዩ። ነቲ ስምዒታዊ መምዘኒታት ብምልኣት ኣንጸባሪቕካ ኸተብቅዕ፡ እቲ ግብራዊ መምዘኒታት ንማለቱ’ኳ ዘይብልካ እንተ ዄንካ፡ ናይ ግብዝነትን ጥበራን መግለጺ ዀይኑ’ዩ ዚተርፍ። ሓደ ሰብ ስለ ዝጠመየ ስለ ዝተሸገረ እምብዛ ኣጕህዩካ ኼብቅዕ፡ ንጥምየቱ ኸተዐንግል ዋላ ሓንቲ ዅላሶ ንኸተበርክት ዝዀነ ዓይነት ተበግሶ ዘይትወስድ እንተ ዄንካ፡ እንታይ ትርጕም ኣለዎ፧ ይትረፍ ምስ ጻድቃን ብመሰረቱ ምስ’ቲ “ሰብ” ዚበሃል ፍጡር’ውን ኣየስርዓካን’ዩ። ዝዀነ ስምዒታዊ መምዘኒታት ዘየማላእካስ፡ ናብ ግብራዊ መምዘኒታት እትዘልል እንተ ዄንካ ድማ፡ መንፈሳዊ ባህርይካ ዀይኑካ ዘይኰነስ፡ ነቲ ተግባር ብዓይኒ ረብሓ ወይ ከም ሞያ ወይ ከም ሓደ ተበሃጊ ንጥፈት ርኢኻ ትገብሮ ኸም ዘለኻ ዘየጠራጥር ምልክት’ዩ። ስምዒታዊ መምዘኒታት እንብሎ ዘለና፡ ነቲ “ጓሂ፡ ቅንኣት፡ መንፈሳዊ ቝጥዓ” ኢሎም እዞም ናይ ኣምላኽ ሰባት ዝዀኑ ኣቦታትና ዝጠቐስዎ’ዩ። ድንጋጸ፡ ለውሃት፡ ፍቕሪ ወዘተ ዝኣመሰሉ ባህርያት’ውን ምስኡ ዚጠቓለሉ’ዮም። ንጐይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ እዚ መንፈሳዊ ባህርያት’ዚ ደሪኽዎ’ዩ፡ ካብ ሰማያዊ ኽብሪ ወሪዱ፡ ካብ ቅድስቲ ድንግል ማርያም ስጋና ለቢሱ ሰብ ብምዃን ናይ መስቀል ሞት ዝኸፈለልና (ማቴ 9፡35-38 ፣ ሉቃ 6፡2 ፣ ማር 8፡12)። ነዚ ሃዋርያዊ መምዘኒታት’ዚ ብመሰረት መጽሓፍ ቅዱስ ክንገልጾ እንተፈተንና፡ እዚ ሓጺር ናይ ስብከት ጊዜን እዚ ንኡስ ወረቐትን ፈጺሙ ኣይኣኽለናን’ዩ። ጐይታ ብዝፈቐደልና መጠን ግን በብእዋኑ በብሓደ ጌርና ምድህሳስና ዘይተርፍ’ዩ።
እዚ መንፈሳዊ ዝዀነ ስምዒታዊ ባህርያት’ዚ ግን ንበይኑ ኣኻሊ ኣይኰነን። ናብ ግብራዊ ስጕምቲ እንተ ዘይተሰጋጊርና፡ እቲ ዚስምዓና ስቓይ ንኣና ዀነ ነቶም ብግብሮም ዜጕህዩና ዘለዉ ኣሕዋትና ዋላ ሓንቲ ኣይጠቅምን’ዩ። ጐይታናን ሃዋርያቱን እቲ ኣብ ውሽጦም ዝዓዘዘ ናይ ጓህን ድንጋጸን ቅንኣትን ወዘተን ስምዒታት፡ ክሳዕ ናብ ማእሰርትን መግረፍትን ሞትን ዜብጽሕ ግብራዊ ስጕምቲ’ዩ ደሪኽዎም። ናብ ብዙሓት ዓድታትን ከተማታትን ሃገራትን ብኸቢድ መከራ እናተጓዕዙ ኪሰብኩ ዝደረኾም፡ እቲ ጥፍኣት ሰባት ኣብ ውሽጦም ዝፈጠሮ መንፈሳዊ ስቓይ’ዩ። ብስብከትን ትምህርትን ኣገልጊሎም ብጾምን ጸሎትን ተጋዲሎም፡ ነቶም ብሓጢኣቶም ዘጕሃይዎም ሰባት ካብ’ቲ ናይ ጥፍኣት መገዲ ናብ መገዲ ጽድቂ ኼእትውዎም ካብ’ቲ ዚጽበዮም ዘሎ ዘለኣለማዊ ስቓይ’ውን ኬድሕንዎም ብምሉእ ሓይሎም ተጋደልዎም። እዚ ግብራዊ ስጕምቲ’ዚ ኣሉ ዘይበሃል ጭቡጥ መርትዖ ናይ’ቲ ኣብ ውሽጦም ዝነበረ ዘየቋርጽ መሪር ስቓይ’ዩ። እዚ ግብራዊ ስጉምትታት’ዚ ናይ ነፍሲ ወከፍ ኣብ መገዲ ጽድቂ ኸም ዘሎ፡ ናብ ደምበ ጻድቃን ከም ዝተጸምበረ ዚኣምን ኣገልጋልን ምእመንን ሓላፍነት’ዩ። እቲ ኻብ’ዚ ስምዒታውን ግብራውን ስጕምታት ዝበዀረ ኣገልጋልን ተገልጋልን፡ እቲ ንማሕተም ኣምላኽ ዝተጸየፈ፡ ነቲ ኣብ ሓጥኣን ዚወርድ መዓት ድማ ዝሃረፈ ሰብ ምዃኑ ይፍለጥ። ሰባት ብሓጢኣት ናብ ገሃነም ኪንቈቱ፡ ድራር ዘለኣለማዊ ስቓይ ኪዀኑ እናረኣየ፡ ልቡ ብጓሂ ዘይሓርር፡ ኣዝዩ ልዑል ድንጋጽ ዘይስምዖ፡ ብምሉእ ሓይሉ ብጾምን ብጸሎትን ዘይጋደል ካብ’ቲ ዘለኣለማዊ ስቓይ ንኼድሕኖም ብስብከትን ትምህርትን ብምዕዶን ብጕስነትን ዘይጽዕት ክርስትያን፡ ነቲ ስቓይ ጻድቃን ስለ ዝተሓሰሞ፡ ብርግጽ ብዘለኣለማዊ ስቓይ ሓጥኣን ኪጸግብ’ዩ።
እምበኣር ናይ ብሓቒ ንምድሓን ዝለበምና ብልህታት ክርስትያን እንተ ዄንና፡ ርእስና ንመርምር። ብዚጠቅምን ዘይጠቅምን ምድራዊ ዛዕባታት (ኣጀንዳታት) ካብ ምጕሃይን ምስቓይን ንህይወትና ንንሓፋ። ነቲ እግዚአብሔር ዜኽብሮን ዚጻምዎን ስቓይ ጻድቃን ንምረጽ። እግዚአብሔር በቲ መዓልታዊ እንገብሮ ናይ ጓህን ስቓይን ምርጫታት ይመዝነና ኸም ዘሎ ከቶ ኣይንዘንግዕ። ሰብ ብስጋ ምስ ሞተ ዘይግባእ መጠን ሓዘን ካብ ምሕዛን፡ ገና ብህይወት ከሎ ብዛዕባ’ቲ ሓጥእ ኣካይዳኡ መሪር ሓዘን ሓዚንና ካብኡ ኺምለስ ብጾምን ጸሎትን ብመንፈሳዊ ምኽርን ትምህርትን ንጋደለሉ። ብዛዕባ’ቶም ብኣካል እንፈልጦም፡ ብስጋ ዚዛመዱና ሰባት ጥራሕ ዘይኰነ፡ ብዛዕባ’ቶም ኣብ ገዛውትና ኣብ መገድና ወዘተ እንርእዮም ደቂ ጥፍኣት፡ ብምርጫና ስቓይ ጻድቃን ንሳቐይ። ምኽንያቱ ስቓይ ጻድቃን፡ ብቐንዱ ስቓይ ናይ’ቲ ዅሉ ሰብ ኪድሕን ዚፈትው ልዑል ኣምላኽ’ዩ። ስለ’ዚ በቲ ናይ ስቓይ ምርጫና ምስ ኣምላኽ ንወግን። ተኻፈልቲ ስቓይ ክርስቶስ ደኣ ንኹን። ምኽንያቱ፡ ንጐይታና መስቀልን ሓለንግን ሰይፍን ዘይኰነስ፡ ሓጢኣትና’ዩ ኣሳቕይዎ። እምበኣር ምርጫና ነጸብቕ፡ ወገን ክርስቶስን ወገን ኵሎም ጻድቃንን ንኹን።
ጸጋ ጎይታና ኢየሱስ ክርስቶስን ፍቕሪ ኣምላኽን ሕብረት መንፈስ ቅዱስን ምስ ኩላትና ይኹን።
ኦርቶዶክሳዊት ተዋህዶ ቤተ ክርስቲያን ኤርትራ - መንበረ ጵጵስና ሰሜን ኣሜርካ
ሓምለ 23, 2015 ግዕዝ (30 ሓምለ 2023 ፈ [መበል 47 ሰንበት: ቊ.፶፭/55, 2023] ) |
||
ምስባክ መዝ. ፷፬(፷፭)፡፱ “ሐወፅካ ለምድር ወአርወይካ። ወአብዛኅኮ ለብዕላ። ፈለገ እግዚአብሔር ምሉእ ማያተ።” ዓዲ፡ መዝ.፻፵፮(፻፵፯)፡፰-፱ “ዘያበቍል ሣዕረ ውስተ አድባር። ወሐመልማለ ለቅኔ ዕጓለ እመሕያው።ዘይሁቦሙ ሲሳዮሙ ለእንስሳ።”
|
ንባባት |
ኣንባቢ |
እብ 11፡1-10 |
ዲያቆን |
|
2ጴጥ 2፡1-9 |
ንፍቅ ዲያቆን |
|
ግብ 17፡21-ፍጻመ |
ንፍቅ ካህን |
|
ማቴ 24፡36-ፍጻመ |
ሰራዒ ካህን |
|
ቅዳሴ፦ ዘ፫፻ት-ግሩም |
ካብ ውሽጢ ኤርትራ ዝተረኽበ ንቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ንምቁጽጻር ብመንግስቲ ኤርትራ ክካየድ ዝጸንሐን ዘሎን ሽርሒ ዘቃልዕ ቪድዮ
ድኳን መጻሕፍቲ/Book Store
ራድዮ ቃለ ኣዋዲ