"ሕጂ ግና ነዚ ዅሉ ድማ፡ (ማለት) ኵራ፡ ምንጽርጻር፡ ክፍኣት፡ ጸርፊ፡ ዜሕፍር ዘረባ’ውን፡ ካብ ኣፍኩም ኣርሕቑ።" ቈሎ 3፡8
እዚ ዘለናዮ ሰንበት፡ ካብ ትንሳኤ ራብዓይ ሰንበት’ዩ። ካብ በዓል ትንሳኤ ክሳዕ በዓለ መንፈስ ቅዱስ ዘሎ ቕንያት፡ ብዛዕባ ትንሳኤ ጐይታናን ኣምላኽናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ብዕምቈት ከነስተንትነሉ፡ በቲ ንሱ ዝሰርዓልና ምስጢራት ከኣ ኣብ ሞቱን ትንሳኤኡን ሓቢርናዮ ኸም ዘለና ኸነረጋግጸሉ ዝተሰርዓልና ቕንያት’ዩ። ቅዱሳን ሃዋርያት ከም ዘረጋገጹልና፡ ንሓጢኣት ምዉታት ኴንና ብሓዳስ ህይወት ምእንቲ ኽንመላለስ፡ ኣብ ሞቱን ትንሳኤኡን ምእንቲ ክንሓብሮ ብምስጢረ ጥምቀት ኣካል ሰብነት ክርስቶስ ኰንና (ሮሜ 6፡1-11፣ ቈሎ 2፡11-13)። ኣብ’ቲ ዘንበብናዮ ናይ ሃዋርያ ቅዱስ ጳውሎስ መልእኽቲ ድማ፡ ህይወት ናይ’ቶም ምስ ክርስቶስ ሞይቶም ምስኡ ዝተንስኡ ሰባት እንታይ ከም ዚመስል ብንጹር ተነጊሩና ኣሎ። ቅዱስ ጳውሎስ፡ ሰብ ቈሎሴ ምስ ክርስቶስ ከም ዝሞቱ ርግጸኛ ዀይኑ’ዩ ዝጸሓፈ። ብዛዕባ ምስ ክርስቶስ ምትንሳኦም ግና ብርጉጽነት ኣይጸሓፈን። ምኽንያቱ ትንሳኤኦም በቲ ኣብ ዕለታዊ ናብራኦም ዜርእይዎ ህይወት ጥራሕ ስለ ዚረጋገጽ’ዩ። ስለ’ዚ ኸኣ፦
"ደጊም ምስ ክርስቶስ ተንሲእኩም እንተ ዄንኩምሲ፡ ነቲ ክርስቶስ ኣብ የማን ኣምላኽ ተቐሚጥዎ ዘሎ፡ ነቲ ኣብ ላዕሊ ዘሎ ድለዩ። መዊትኩም ኢኹም፡ እታ ህይወትኩም ምስ ክርስቶስ ኣብ ኣምላኽ ተሰዊራ ኣላ’ሞ፡ ኣብ ላዕሊ ዘሎ ሕሰቡ፡ ኣብ ምድሪ ዘሎ ኣይኰነን።"
ኢሉ ጸሓፈሎም (ቈሎ 3፡1-3)። ካብ’ዚ ሃዋርያዊ ቓል ከም እንግንዘቦ’ምበኣር፡ ምስ ክርስቶስ ተንሲእና ምህላውና ርግጸኛታት እንኸውን፡ ልብና ዅሉ ጊዜ ነቲ ኣብ ላዕሊ ዘሎ ናይ ክርስቶስ ሓሳባትን ድልየትን ጥራሕ ምስ ዚሓስብ’ዩ። ብኣንጻሩ ነቲ ኣብ ምድሪ ዘሎ ጥራሕ ዚሓስብን ዚደልይን ልቢ ይመርሓና እንተ’ልዩ ግና፡ ካብ’ቲ ብሰሪ ሓጢኣት ዝሞትናዮ ሞት ገና ኸም ዘይተንሳእና ዓብዪ መረጋገጺ’ዩ።
ነቲ ኣብ ላዕሊ ዘሎ ጥራሕ ከም እንደልይ፡ ብኸመይ ኢና ኸነረጋግጽን ክንገልጾን እንኽእል፧ ነዚ ሕቶ’ዚ’ውን ብዜገርም ንጻረ ጽቡቕ ገይሩ መሊሱልና ኣሎ። ብግምት (assumption) ኣይኰንናን ነዚ መገዲ ሰማይ እንጐዓዞ። ንእግዚአብሔርን ንዅሉ’ቲ ኽንፈልጦ ዚግብኣናን ኣነጺሩ ብዘየማትእ መገዲ ገሊጹልና’ዩ። ሃዋርያ ቅዱስ ጳውሎስ፡ ነቲ ኣብ ላዕሊ ዘሎ (ነቲ ሰማያዊ) ኸም እንደልይ፡ ነቲ ኣብ ምድሪ ዘሎ (ነቲ ምድራዊ) ዅሉ ብምቕታልን ብምርሓቕን ክንገልጾ ኸም ዚግባእ ነጊሩና ኣሎ።
"ስለ’ዚ ነቲ ኣብ ምድሪ ዘሎ ኣካላትኩም (ስጋዊ ስምዒትኩም) ቅተሉ፡ (ንሱ ኸኣ) ምንዝርና፡ ርኽሰት፡ ፍትወት ስጋ፡ ክፉእ ትምኒት፡ እቲ ኣምልኾ ጣኦት ዝዀነ ስሰዐ’ዩ። ብሰሪ’ዚ ነገር’ዚ (ብሰሪ’ዚ ኪቕተል ዚግብኦ ስጋዊ ስምዒታት’ዚ) ቊጥዓ ኣምላኽ ኣብ’ቶም ደቂ ዘይምእዛዝ ይወርድዩ። ንስኻትኩም’ውን፡ ኣብኡ (ኣብ ዓለማውነት) ኽትነብሩ ኸለኹም፡ ቀደም ብእኡ (በዚ ስጋዊ ስምዒታት) ትመላለሱ ኔርኩም። ሕጂ ግና ንስኻትኩም ነዚ ዅሉ ድማ፡ (ማለት) ኵራ፡ ምንጽርጻር፡ ክፍኣት፡ ጸርፊ፡ ዜሕፍር ዘረባውን ካብ ኣፍኩም ኣርሕቑ።"ቈሎ 3፡5-8
እዚ ተዘርዚሩ ዘሎ ምድራዊ ስምዒታትን ባህርያትን’ዚ ኣብ ህይወትና ይነብርን ይገዝእን እንተ’ልዩ፡ ካብ’ዚ ሓጢኣት’ዚ ምስ ክርስቶስ ከም ዘይሞትና፡ ብሓድሽ ህይወት ብጽድቂ ንምንባር’ውን ምስ ክርስቶስ ከም ዘይተንሳእና ነረጋግጽ ኣለና ማለት’ዩ። እዚ ድማ፡ ኣካል ሰብነት ክርስቶስ ዘይምዃንና ዜርእይ’ዩ። ብኻልእ ኣዘራርባ፡ ነቲ ብምስጢራተ ቤተ ክርስቲያን ምስ ክርስቶስ ዝመስረትናዮ ኣካላዊ ሓድነት ብሓጢኣት ኣፍሪስናዮ ማለት’ዩ። እዚ ግብርና’ዚ’ምበኣር፡ ንሞትን ትንሳኤን ናይ ክርስቶስን ንኣገልግሎት ቅድስቲ ቤተ ክርስቲያንን ከንቱ ዚገብር እኩይ ምርጫ’ዩ። ቅዱሳት ጽሑፋት፡ ክርስቶስ ምእንቲ ሓጢኣትና ኸም ዝሞተ፡ ምእንቲ ጽድቅና’ውን ከም ዝተንስአ’ዮም ዚገልጹልና። "(ክርስቶስ) ብሰሪ ሓጢኣትና በጃ ተዋህበ፡ ስለ ጽድቅና’ውን ተንስአ።"ሮሜ 4፡25
"ንሓጢኣት መዊትናስ ንጽድቂ ምእንቲ ኽንነብር፡ ንሱ ባዕሉ ንሓጢኣትና ኣብ ስጋኡ ኣብ ዕንጸይቲ ጾሮ፡ ብቚስሉ ኢኹም ዝሓወኹም (ዝተንሳእኩም)።" 1ጴጥ 2፡24
እምበኣር ብቚስሉ ኽንሓውይ እንተ ዄንና፡ እቲ ዘቚሰለናን ዝቐተለናን ሓጢኣት ኪቕተል ኣለዎ። እቲ ሓጢኣት ኣባና ህያው ኰይኑ ይሰርሕ እንተልዩ ግና፡ ንሕና ገና ምዉታት ኢና ዘለና፡ ምስ ክርስቶስ ኣይተንሳእናን ኣለና ማለት’ዩ። ስለ’ዚ ትንሳኤናን ህይወትናን ዓቂብና ኽንነብር እንተ ዄንና ነቲ ኣብ ስጋና ዝተቐልቀለ ዘበለ ቐታሊ ስጋዊ ስምዒታት ንምቕታል ንቑሓትን ትጉሃትን ክንከውን ይግብኣና። ሓደገኛን ቀታልን ዝዀነ ከም’ኒ ኮሮና፡ ካንሰር ወዘተ ዝኣመሰለ ስጋዊ ሕማም፡ ምስ ዚሕዘና ከመይ ከም እንጭነቕ ኵላትና ንፈልጦ ኢና። ካብ’ዚ ሕማም’ዚ ንምሕዋይ እንገብሮ ጻዕርን ወጻኢታትን ድማ መግለጺ ኣይርከቦን’ዩ። ስጋዊ ሕማም ብትንሳኤ ዚውዳእ ጊዝያዊ ሞት’ዩ ዜስዕብ፡ መንፈሳዊ ሕማም (ሓጢኣት) ግና ዘለኣለማዊ ዝዀነ ኻልኣይ ሞት የስዕብ’ምበር፡ ትንሳኤ ዚበሃል የብሉን። ንኣካላዊ ሕማም ኣኽቢድካ፡ ንመንፈሳዊ ሕማም ግና ኣቕሊልካ ምርኣይ’ምበኣር፡ ሕውየትን መዳርግትን ዘይርከቦ ከቢድ ዕሽነት’ዩ። ስለ’ዚ ነቲ ቐታሊና ሓጢኣት እናቐተልና ምስ ክርስቶስ ዝተንሳእና ደቂ ትንሳኤ ምዃንና ኸነረጋግጽ ይግባእ። ኣርእስትና ኣመልኪቱና ኸም ዘሎ ድማ ጸርፊ ኻብ’ቶም ብዘየዳግም ኪቕተሉ ዚግብኦም መርዛም ኣበሳታት ሓደ’ዩ።
ንምንታይ’ዩ ጸርፊ መርዛም ሓጢኣት ዚኸውን፧ መጽሓፍ ቅዱስ ኣነጺሩ ኸም ዚገልጸልና፡ ጸርፊ ናይ ሰይጣን ኣጽዋር’ዩ። ናይ ጸርፊ ደራስን ጀማርን፡ ንሱ’ዚ እኩይ ድያብሎስ’ዩ። ዕጥቁን ኣጽዋሩን ጸርፊ ስለ ዝዀነ ድማ፡ ነቶም ሰዓብቱን ኣገልገልቱን ነዛ ኽፍእቲ ኣጽዋር’ዚኣ’ዩ ዜዕጥቖም። ኣብ እግዚአብሔር ግና ጸርፊ ዚበሃል የልቦን። ኣብ’ቶም ንእኡ ዚስዕቡን ዜገልግሉን ድማ ጸርፊ የልቦን። ቅዱሳን ሃዋርያት ነዚ ሓቂ’ዚ ብንጹር ገሊጾምልና’ዮም።
"እምበኣርስኸ ጐይታ ነቶም ፈራህቲ እግዚአብሔር (ከመይ ገይሩ) ኻብ ፈተና (ኸም ዜውጽኦም)፡ ንገበርቲ ዓመጻ ግና እናቐጽዐ ንመዓልቲ ፍርዲ ኸም ዚሕልዎም ይፈልጥ’ዩ። ምናዳ ግና ነቶም ብርኹስ ትምኒት ደድሕሪ ስጋ ዚኸዱ፡ ንጒይትነት ከኣ ዚንዕቁ፡ ደፋራት፡ ፈተውቲ-ርእሶም፡ ንኽብርታት ኪጸርፉ ዘየንቀጥቅጡ’ዩ። መላእኽቲ’ኳ ብሓይልን ብስልጣንን ዚበልጹ ኽነሶምሲ፡ ኣብ ቅድሚ ጐይታ ንኣታቶም (ነቶም እኩያት ናይ ሰማይ ስልጣናት) ዚጻረር ፍርዲ ጸርፊ ኣየምጽኡን (ኣይጻረፉን)’ዮም። እዚኣቶም ግና ከምታ ንማእሰርትን ጥፍኣትን እተፈጥረት በሃም እንስሳ’ዮም፡ ነቲ ዘይፈልጥዎ እናጸረፉ ብጥፍኣቶም ኪጠፍኡ’ዮም።"2ጴጥ 2፡9-12
"ምስናይ’ዚ ኸኣ እዚኣቶም ከምኡ ገይሮም ብሕልሞም ንስጋኦም የርክስዎ፡ ንጐይትነት የቃልሉ፡ ንመዓርጋት ክብሪ’ውን ይጸርፉ ኣለዉ። ሚካኤል፡ እቲ ሊቀ መላእኽቲ፡ ግና ብዛዕባ ስጋ ሙሴ ምስ ድያብሎስ እናተኸራኸረ ምስ ተማጐተ፡ “እግዚአብሔር ይግናሕካ” ደኣ በሎ’ምበር፡ ፍርዲ ጸርፊ ኺዛረቦ ኣይደፈረን። እዚኣቶም ግና፡ ነቲ ዘይፈልጥዎ ይጸርፍዎ ....ብእኡ (በቲ ጸርፊ) ነታ ርእሶም የጥፍእዋ’ለዉ።" ይሁ 8፡10
ካብ’ዚ ሃዋርያዊ ሓቂ’ዚ ኸም እንርድኦ’ምበኣር፡ ጸርፊ ፍርዳዊ ተግባር’ዩ። ሰይጣንን ኣጋንንቱን’ምበር እግዚአብሔርን ቅዱሳን መላእኽቱን ፈጺሞም ኣይጻረፉን’ዮም። እግዚአብሔር ነቶም ዚጻረፉ ገበርቲ ዓመጻ፡ ኣብ’ዛ ምድሪ’ዚኣ ዚቐጽዖም’ኳ እንተ ዀነ፡ እቲ ዝኸፍአ መቕጻዕቶም ግና ነታ መዓልቲ ፍርዲ (ምጽኣት ጐይታ)’ዩ ዓቚርዎ ዘሎ። ምጽራፍ፡ ናብ ርእስኻ ጥፍኣት ምጽዋዕን ምውራድን’ዩ። ስለ’ዚ ጸርፊ፡ መንፈሳዊ ርእሰ-ቕትለት’ዩ። ተጻራፊ ምዃን ኣዝዩ ኼፍርሃናን ኬንቀጥቅጠናን’ዩ ዚግባእ ነይሩ። ንሕና ግን ንጸርፊ ኸም ጅግንነት ንምክሓሉን ንህንደደሉን’ምበር፡ ኣይንፈርሆን ኢና። ብገለ ምኽንያት ምስ ተባኢስና ብድፍረት ምስ እንጻረፍ "ቈርበቱ ኽሳዕ ዚቕለጥ፡ ኣዕጽምቱ ኽሳዕ ዚስበር ቅልጥ ኣቢለዮ" ኢልና ኽንጀሃር ንስማዕ። ኣብ ህዝብና’ሞ ኸኣ፡ ናይ ባእሲ ኣጽዋር ምዃን ሓሊፍዎስ፡ ናይ "ፍቕሪ" መግለጺ ኽሳዕ ምዃን’ኳ ኣማዕቢልና’ዮ ኣለና። ኣዕሩኽ ንሓድሕዶም፡ "ንዓ’ስኪ’ታ ወዲ ኽስታይ፡" ኺበሃሉ፡ ኣዴታት "ንዓ’ታ ግናይ" ኢለን ንደቀን ኪጽውዓ ዚስምዓሉ ሰይጣናዊ ባህሊ ኣማዕቢልና ኣለና። ኣብ’ቲ ዝርዝር ምስላታትና ተመዝጊቡስ፡ "ፍቕሪ ህንዲ ብደርፊ፡ ፍቕሪ ሓበሻ ብጸርፊ" ተባሂሉ’ውን ቤት ዚወቅዕ ግጥሚ ተገጢሙሉ ኣሎ። ንሓደ ተበዲሉ ዝተዓገሰ ሰብ ድማ፡ "ኣታ ምሽሙሽ፡ ብጸርፊ ዘይተዋርዶ፧ ከም’ዚ እናገበረካስ ስቕ ትብል!!" እናበልና፡ ንሰብ ከነሰይጥን፡ ኣጽዋር ሰይጣን ከነዕጥቕ ንጋደል ኣለና። ጸርፊ፡ ሕማቕ ምዃኑ እናፈለጥና ነዘውትሮ ምዃንና ድማ ዝኸፍአ ይገብሮ። ምናልባት ቃል እግዚአብሔር ብዛዕባ ጸርፊ እንታይ ከም ዚብል ኣይንፈልጥን ንኸውን። ሃይማኖት ዝመሰረቱ ባህሊ ስለ ዘዕበየና ግን፡ ጸርፊ ሕማቕ ምዃኑ ዘይፈልጥ ኪህልው ኣይከኣልን’ዩ።
ጐይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ጸርፊ ንዅሉ ሰብነትና ዜርክስ ሓጢኣት ምዃኑ ብብሩህ መገዲ ገሊጹልና’ዩ።
"እቲ ኻብ ኣፍ ዚወጽእ ግና ካብ ልቢ’ዩ ዚመጽእ’ሞ ንሱ’ዩ ንሰብ ዜርክሶ። ካብ ልቢ ኽፋእ ሓሳብ፡ ቅትለት፡ ዝሙት፡ ምንዝር፡ ስርቂ፡ ምስክር ሓሶት፡ ጸርፊ ይወጽእ’ዩ’ሞ፡ እዚ’ዩ ንሰብ ዜርክሶ’ምበር፡ ብዘይተሓጽበ ኣእዳው ምብላዕሲ ንሰብ ኣየርክሶን’ዩ።"ማቴ 15፡18-20
ስለ’ዚ እዚ ኻብ ልብና ፈልፊሉ ብኣፍና ዚወጽእ ጸርፊ፡ ንዅሉ ኣካላትና ብርኽሰት ይብክሎን ይበላሽዎን ምዃኑ ኣስተውዒልና፡ ከም’ቲ ተኣዚዝናዮ ዘለና ኻባና ኸነርሕቖ ይግብኣና።
ሳዕቤን ጸርፊ እንታይ’ዩ፧ ልዕል ኢልና ኸም ዘንበብናዮ፡ ምጽራፍ ኣብ ርእስኻ ጥፍኣት ምጽዋዕን ምውራድን’ዩ። ብፍላይ ሃዋርያ ቅድስ ጴጥሮስ፡ ንምጽራፍ ምስ’ቲ ናይ በሃም እንስሳ ዕሽነትን ድንቊርናን ኣመሳሲሉ ገሊጽዎ ኣሎ (2ጴጥ 2፡12)። እዚ <ጥፍኣት> ዚበሃል ዘሎ፡ ኣበይ ከም ዝኣተኻ ኽሳዕ ዘይፍለጥ በኒንካ ኻብ ህላወ ምጥፋእ ኣይኰነን። ናይ መጽሓፍ ቅዱስ "ጥፍኣት"፡ ካብ መንግስቲ ኣምላኽ (ካብ መንግስተ ሰማያት) ወጻኢምዃን’ዩ (ማቴ 8፡11,12፣ 22፡11-13፣ 25፡30፣ ራእ 22፡15)። እዚ “ወጻኢ> ዚበሃል ዘሎ፡ እቲብሓውን ዲንን ዚነድድ ቀላይ ሓዊ ምዃኑ ድማ ኣብ ራእ 20፡9,10፣ ራእ 21፡8 ተገሊጹ ኣሎ። እቶም ናብ መንግስቲ ኣምላኽ ዘይኣትዉ ዅሎም ኣብ’ቲ ቐላይ ሓዊ’ዮም ዚኣትው።
"ሽዑ እቲ ንጉስ ኣብ የማኑ ንዘለዉ ይብሎም፡ “ኣቱም ናይ ኣቦይ ብሩኻት፡ ንዑ፡ ነቲ ኻብ ምስራት ዓለም ዝተዳለወልኩም መንግስቲ ውረሱ። . . . ድሕር’ዚ ኣብ ጸጋሙ ንዘለዉ ይብሎም፡ “ኣቱም ርጉማት፡ ካባይ ርሓቑ፡ ናብ’ቲ ንሰይጣንን ንመላእኽቱን እተዳለወ ናይ ዘለኣለም ሓዊ (ኺዱ)።"ማቴ 25፡34,44
ስለ’ዚ ናይ ሰይጣንን ኣጋንንቱን ኣጽዋር ዓጢቕካ፡ ልሳንካን ልብኻን ብጸርፊ መሊኡ እንተ’ልዩ፡ ኣብ መወዳእታ ናብ’ቲ ብጸርፊ ዘገልገልካዮ ጐይታኻ ዘለዎ ሓዊ-ገሃነም ኽትከይድ ናይ ግድን’ዩ። ሃዋርያ ቅዱስ ጳውሎስ ድማ፡ ንመንግስቲ ኣምላኽ ዘይወርሱ፡ እቶም ገበርቲ ዓመጻ ምዃኖምን፡ ጸርፊ ድማ ምስቶም ከበድቲ ኣበሳታት ዚስራዕ፡ ኣዝዩ ኸቢድ ኣበሳ ምዃኑን ብንጹር ኣፍሊጡና’ሎ።
"ዓመጽቲ ንመንግስቲ ኣምላኽ ከም ዘይወርስዋዶ ኣይትፈልጡን ኢኹም፧ ኣይትስሓቱ፡ ኣመንዝራታት፡ መምለኽቲ ጣኦት፡ ዘመውቲ፡ ሕንቁቓት፡ ግብረ ሰዶም ዚገብሩ፡ ሰረቕቲ፡ ስሱዓት፡ ሰካራት፡ ተጻረፍቲ ወይ ዘረፍቲ ንመንግስቲ ኣምላኽ ኣይኪወርስዋን’ዮም። ገሌኹም ከኣ (ቀደም) ከማታቶም ኔርኩም፡ ግናኸ ብስም ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስን ብመንፈስ ኣምላኽናን ተሓጺብኩምን ተቐዲስኩምን ጸዲቕኩምን ኢኹም።"1ቈረ 6፡9-11
ጸርፊ’ምበኣር፡ ምስ ግብሪ ሰዶምን ምንዝርናን ዚስራዕ ኣዝዩ ነውራም ግብሪ ዓመጻ’ዩ። ናብ’ዚ ሓው ዘይጠፍእ፡ ሓሰኻኡ ዘይመውት፡ ስንኻ ዜሐርቅም፡ ናይ ዘለኣለም ሓዊ ዜደርብይ ከኣ’ዩ። ነዚ ሓቂ’ዚ ዘይምፍላጥና፡ ኣብ’ዚ ለካሚ ኣበሳ’ዚ ተኣሊኽና ኽንነብር ይገብረና’ሎ። ህይወትና ምልስ ኢልና’ሞ ንመርምር፡ ዝተዛረብናዮ ብዝሕን ዓይነትን ናይ ጸርፍታት ከኣ ንዘክር። "ከም’ዚ’ለ ስለ ዝተጻረፍኩ ምሕረት ግበረለይ"ኢሉ ሓንቲ መዓልቲ ዝተነስሐ ሰብ ይህልወናዶ ይኸውን፧ ኣብ’ዛ ምድርን ኣብ’ዛ ቤተ ክርስቲያንናን’ዚኣ፡ "ተጻሪፈ" ዚብል ኑዛዜ ዝሰምዐ ኻህን ደዀንይርከብ ይኸውን፧ በዚ ሃዋርያዊ ቓል’ዚ መሰረት እምበኣር፡ ኵላትና ደቂ ገሃነም ኢና ማለት’ዩ። ስለ’ዚ ንዝሓለፈዅሉ ናይ ጸርፊ ኣበሳና ብዘየዳግም ሓቀኛ ንስሓ ኣሕዊና ሕድገት ሓጢኣት ምርካብና ኸነረጋግጽ’ዩ ዚግባእ።
ይትረፍ ተጻረፍቲ ኽንከውን ምስ ተጻረፍቲ ሰባት’ኳ ፈጺሙ ሕብረት ኪህልወና ኸም ዘይግባእ’ውን ተነጊሩና’ዩ። "ሕጂ ግና ምስ ሓደ “ሓው (ክርስትያን)” ዚብሃል’ሞ ኣመንዝራ፧ ስሱዕ፡ መምለክ ጣኦት፡ ተጻራፊ፡ ስካር፡ ወይስ ዘራፊ እንተ ዀይኑ፡ ምስኡ ከይትጽምበሩ፡ ምስ ከም’ዚ ዝበለ ሰብ ከቶ ኸይትበልዑ፡ ጽሒፈልኩም ኣለኹ።"1ቈረ 5፡11
ምኽንያቱ፡ "ኣይትታለሉ፡ ሕማቕ ዕርክነት ንጽቡቕ ልማድ የጥፍኦ’ዩ" ተባሂሉ ብንጹር ተነጊሩና’ዩ (1ቈረ 15፡33)። ስለ’ዚ ናብ ገሃነም ጐቲቱካ ኻብ ዚኣትው ሰብ ምርሓቕ፡ ዓብይ መንፈሳዊ ብልህነት’ዩ።
ብኸመይ ኢና ኻብ ጸርፊ እንሃድም፧ ቀዳማይ ዚበዝሕ ጊዜ ንኽንጻረፍ ምኽንያት ዚዀነና፡ ኣብ ላግጺ፡ ህልኽ፡ ክርክር ክንጽመድ ከለና’ዩ (2ጢሞ 4፡23)። እቲ ኸም ዋዛ ዝኣተናዮ ዝርርብ፡ ቀስ ኢሉ እናተመረዘ ይኸይድ’ሞ ኣኣብ መወዳእታ ነቲ ሰይጣናዊ ኣጽዋር ክንዕጠቖን ክንጥቀመሉን ይገብረና። ንጉስ ሰለሞን’ውን፦"ንመላገጺ ስጐጎ’ሞ፡ ቈየቛ ኺወጽእ’ዩ፡ ባእስን ጸርፍን ከኣ ኪውዳእ’ዩ።"
ኢሉና’ሎ (ምሳ 22፡10)። ካብ’ቲ ኣብ መወዳእታ ጸርፊ ኺወልድን ናብ ጸርፊ ኺምዕብልን ዚኽእል ኵነታት ምርሓቕ፡ ካብ ገሃነም እነምልጠሉ ጥበብ’ዩ። ንኽንጻረፍ ምኽንያት ዚዀነና ኻልኣይ ነጥቢ ኸኣ፡ ንሕና ንርእስና ምስ እንብድልን ምስ እንጽረፍን’ዩ። እንተ ተጸሪፍና ዝተዋረድና ዀይኑ ስለ ዚስምዓና፡ ሕነ ኽንፈድይ ኢልና፡ ዝመረረጸርፍታት መሪጽና ብዕጥቂ ሰይጣን ኽንዋጋእ ንጅምር። ኣቦታትና "ኣማጽኣ ሰይጣን ዘይፈልጥሲ ኣይመንኵስ" ከም’ዚብሉ፡ ናብ ከም’ዚ ዝበለ ዕሽነት ዚደፍኣና፡ ዕላማ ናይ’ቲ ዝወረደና ጸርፊ ዘይምፍላጥና’ዩ። ጸርፊ ንኣና ንርእስና ተጻረፍቲ ኺገብረና’ዩ ዚወርደና’ምበር ካልእ ዕላማ የብሉን። ጸርፊ፡ ስምዒትካ ይጐድእ ይኸውን’ምበር ኣይቀትል ኣየሕምም። ስምዒትና ዚጒዳእ’ውን ብዛዕባኡ ብዘማዕበልናዮ ግጉይ ሓሳባት ጥራሕ’ዩ። “ተጸሪፈ” ኢልካ ምጽራፍ፡ ጸራፊኻ ካብ ዘውረደልካ ዚገድድ ዘለኣለማዊ ጒድኣት ኣብ ርእስኻ ምውራድ’ዩ። ካብ “ጸሪፉኒ" ኢልካ ምጒሃይን ምሕራቕን፡ ንኣና ብምጽራፉ ንርእሱ ንዘለኣለማዊ ጥፍኣት ኣሕሊፉ ብምሃቡ፡ ብዛዕባ’ቲ ጸራፊና ኽንሓዝንን ካብ ጌጋኡ ኽንመልሶን፡ ምእንትኡ ናብ ኣምላኽ ክንጽልይን’ዩ ዚግባእ። ንጸርፊ ብጸርፊ ኸይንመልስ ግን ቃል እግዚአብሔር ብጽኑዕ’ዩ ዚእዝዘና።
"ነዚ ጽውዓት ኢኹም’ሞ፡ ምርቓ ምእንቲ ኽትወርሱ መርቑ ደኣ’ምበር፡ እኩይ ኣብ ክንዲ እኩይ ወይስ ጸርፊ ኣብ ክንዲ ጸርፊ ኣይትምለሱ።"1ጴጥ 3፡9
በዚ ነገር’ዚ ጐይታና እቲ ዝለዓለ ኣርኣያና ምዃኑ፡ "ምስ ጸረፍዎ መሊሱ ኣይጸረፈን" ብዚብል ቃል ተመስኪሩልና’ሎ (1ጴጥ 2፡23 ካ.ት)። እምበኣር ጸርፊ ኺዘንበና ከሎ፡ ሰይጣን ኣብ’ዚ ዜርክስ ሓጢኣት’ዚ ኺጸምደና፡ ነቲ ናብ ገሃነም ዚነቊት ዕጥቁ ኼዕጥቐና፡መፈንጠራ ይዝርግሓልና ኸምዘሎ ኣስተውዒልና ርእስና ኽንሕልው፡ ብኣንጻሩንልሳንና ብቓላት ጽድቂ መሊእና፡ ነቲ ዚትፍኣልና ዘሎ ሓዊ ብእኡ ኸነጥፍኦን ክንስዕሮን ይግብኣና። ዋላ ጸርፊ ኣይኹን፡ ብዝዀነ ኻልእ በደል "ተበዲለ" ዚብል ስምዒ፡ውን ናብ ጸርፊ ንድፋእ ኢና። እቲ ዅራና፡ ጽድቂ ኸይንገብር ከልኪሉ ሓጢኣት ናብ ምፍጻም ይደፍኣና። ኵራኡ ንምግላጽ ዚህወኽ ሰብ ድማ ኵሉ ጊዜ ዓሻ’ዩ። ለባም ሰብ ግና፡ እንተ ዀነ ኣይኵርይን’ዩ። ምናልባት እንተ ዀረየ ድማ ይገትኦን ይሓብኦን’ምበር ኣይገልጾን’ዩ። (ያእ 1፡19,20 ኤፌ 4፡26 ምሳ 12፡16)። ስለ’ዚ ኸኣ፡ "ብዘሎ ምርረትን ነድርን ኵራን ታዕታዕን ጸርፍን ምስ ኵሉ ኽፍኣት ዘበለ ካባኻትኩም ይርሓቕ ተባህለልና (ኤፌ 4፡31)።
እምበኣር ብዅነታት ተደፊእካ፡ ንጸርፊ ኸም ኣጽዋር ክትጥቀመሉ ምምራጽ ብዝዀነ መለክዒ ቕቡል ኪኸውን ኣኣይግባእን’ዩ። ነቲ ናብኡ ገጹ ዚድረኸካ ዅነታት ክትሃድመሉ ዘይከኣል ምስ ዚኸውን ከኣ ርእስኻ ብምግታእ ካብ’ቲ ሃጢኣት ክትሃድም ይግባእ። ንስምዒትካን ንልሳንካን ምግታእ ቀሊል ዘይምዃኑ ከቶ ዘይከሓድ’ዩ (ያእ 3፡1-12)። ምስቲ ኻብ መንግስተ ሰማያት ምትራፍን ናብ ገሃነመ እሳት ምድርባይን ግና፡ ይትረፍ ኪነጻጸር ኪቀራረብ’ውን ኣይክእልን’ዩ። ንሰብ ብናይ ጸርፊ ቓላት ስለ ዘቚሰልካ፡ ኪጥቀስ ዚኽእል ገለ ቚሩብ ረብሓ እንተ ዚህልዎ፡ "ንሱ ኣጋግዩኒ" ኢልና ኸነመኽንይ ምኸኣልና ኔርና። ጸርፊ፡ ብዘይካ ጥፍኣትን ዕንወትን ክንዲ ፍረ ኣድሪ እትኸውን ዝዀነት ትኹን ረብሓ ኻብ ዘይህልዎ ግና፡ ነዚ ዓሻ ምርጫ ይትረፍ ክንመርጾ ብጥቓ ኣእምሮናን ኣፍናን’ኳ ኪሓልፍ ኣይግብኦን’ዩ። ዝተዛረብናዮ ብዝሕን ዓይነትን ናይ ጸርፍታት ንሕና ኽንርስዖ ልዑል ተኽእሎታት ኣሎ። እቲ ንነፍሲ ወከፍ ሰብ ከከም ግብሩ ዚፈርድ ጻድቕን ፍትሓውን ኣምላኽ ግና ፈጺሙ ኸም ዘይርስዖን ብዛዕባ ነፍሲ ወከፈን ንዘለኣለም ሕነ ኺፈድየና ምዃኑን ፈጺምና ኣይንረስዕ። ስለ’ዚ ንልብናን ንልሳንናን ካብ’ዚ ርኹስን ለካምን ኣበሳ’ዚ ነንጽህ። ብኣንጻሩ ነቲ፡
"እቲ ንሰማዕቱ ንበረኸት ዚኸውን፡ ንምህናጽውን ዜድሊ ሰናይ ዘበለ ዘረባ ደኣ ተዛረቡ እምበር፡ ዘይጠቅም ዘረባስ ካብ ኣፍኩም ኣይውጻእ።" ዚብል ሃዋርያዊ ምዕዶን ትእዛዝን ምኽባር ንምረጽ (ኤፌ 4፡29)።
ጸጋ ጎይታና ኢየሱስ ክርስቶስን ፍቕሪ ኣምላኽን ሕብረት መንፈስ ቅዱስን ምስ ኩላትና ይኹን።
ኦርቶዶክሳዊት ተዋህዶ ቤተ ክርስቲያን ኤርትራ - መንበረ ጵጵስና ሰሜን ኣሜርካ።
ዕለት፥ ግንቦት ፯, ፳፻፲፬ ግዕዝ (15 ግንቦት 2022 ፈ).[ መበል 36 ሰንበት: ቊ.48/፵፰] |
||||
ኣብ ጊዜ ቅዳሴ ዝንበቡ ቅዱሳት መጻሕፍቲ |
||||
ዲያቆን |
ንፍቀ ዲያቆን |
ንፍቀ ካህን |
ወንጌል |
ቅዳሴ |
ቈሎ 3፡1-11 | 1ጴጥ 3፡15-ፍጻመ | ግብ 13፡26-42 | ሉቃ 24፡33-40 | ዘዲዮስቆሮስ |
መዝ ፫፡፭,፮ "አንሰ ሰከብኩ ወኖምኩ። ወተንሣእኩ እስመ እግዚአብሔር አንሥአኒ። ኢይፈርህ እምአእላፍ አሕዛብ።" "ተገምሰስኩ ደቀስኩ’ውን፡ እግዚአብሔር ይድግፈኒ ኣሎ’ሞ ነቓሕኩ። ነቶም ዚኸብቡኒ ኣእላፋት ኣህዛብ ኣይፈርሆምን’የ።" |
ካብ ውሽጢ ኤርትራ ዝተረኽበ ንቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ንምቁጽጻር ብመንግስቲ ኤርትራ ክካየድ ዝጸንሐን ዘሎን ሽርሒ ዘቃልዕ ቪድዮ
ድኳን መጻሕፍቲ/Book Store
ራድዮ ቃለ ኣዋዲ