“ኣነ ነቲ ኽገብሮ ዝሃብካኒ ግብሪ ፈጺመ፡ ኣብ ምድሪ ኣኽበርኩኻ። ዎ! ኣቦይ፡ ሕጂ ድማ በቲ ዓለም ከይተፈጥረት (ከላ) ኣባኻ ዝነበረኒ ኽብሪ ኣባኻ ኣኽብረኒ።” ዮሃ 17፡4-5
እዛ ሰንበት’ዚኣ ድሕሪ ትንሳኤ ኻልኣይቲ ሰንበት’ያ። ከም ስርዓት ቅድስቲ ቤተ ክርስቲያንና ድማ “ዳግማይ ትንሳኤ” ተባሂላ ትጽዋዕ። ጐይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ሓንሳእ ጥራይ ስለ ዝሞተ፡ ሓንሳእ ከኣ’ዩ ተንሲኡ። “ዳግማይ ትንሳኤ” ዝተባህለሉ ምኽንያት ንቕዱሳን ደቀ መዛሙርቱ ኣብ ዕጹው ገዛ ተኣኪቦም ከለዉ፡ ኣብ ማእከሎም ብኣካለ ስጋ ተጋሂዱ ዝተራእየሉ መዓልቲ ንምዝካር ዝዓለመ ስያመ’ምበር፡ ካብ መቓብር ክልተ ጊዜ ኸም ዝተንስአ ንኼስምዕ ዝተባህለ ኣይኰነን። ብርግጽ ብሞት ጐይታኦም ኣዝዮም ጒህዮም ንዝነበሩ ኣዝዮም ፍቁራት ደቀ መዛሙርቲ፡ ኣብ ማእከሎም ብኣካለ ስጋ ብዝተጋህደ መጠን ከም ሓድሽ ትንሳኤ እንተ ተራእየ ኼገርመና ኣይግባእን’ዩ። ጐይታና’ውን ብዛዕባ’ቲ ብሞቱ ዚጒህይዎን፡ ድሕሪ ትንሳኤኡ ንእኡ ብምርኣዮም ዚሕጐስዎን ብኸም’ዚ ዚስዕብ ገሊጹሎም ኣሎ።
“ንስኻትኩም ክትበኽዩን ክትሓዝኑን ኢኹም፡ ዓለም ግና ባህ ኪብላ’ዩ፡ ንስኻትኩም ክትጒህዩ ኢኹም፡ ግናኸ እቲ ጓሂኹም ናብ ሓጐስ ከም ዚልወጥ፡ ብሓቂ፡ ብሓቂ እብለኩም ኣለኹ። . . . እምበኣርከ ንስኻትኩም’ውን ሎሚ ጓሂ ኣሎኩም፡ ግናኸ ከም ብሓድሽ ክርእየኩም’የ፡ ልብኹም’ውን ኪሕጐስ’ዩ። ንሓጐስኩም ድማ ካባኹም ዚወስዶ የልቦን።” ዮሃ 16፡20-22
እዚ ቓል’ዚ ኣብ’ታ ምስጢረ ቊርባን ዝሰርዓላ ድሮ ስቕለቱ ኣብ ዝነበረት ምሸት ዝተዛረቦ’ዩ። ከም’ቲ ዝተዛረቦ ኸኣ፡ ካብ ስቕለቱ ኽሳዕ ትንሳኤኡ ዝነበረ ሓጺር ጊዜ፡ ንኣታቶም ናይ ሓዘንን ብኽያትን ጊዜ’ዩ ዝነበረ። ከም’ቲ ዝበሎ ኣብ ሳልስቱ ስለ ዝተንስአ፡ ጓሂኦም ናብ ሓጐስ ተለዊጡ፡ ገጽ ናይ’ቲ ዜፍቅርዎ ጐይታ ኺርእዩ በቕዑ። እዚ ናይ ዳግማይ ትንሳኤ በዓል’ምበኣር፡ ቅዱሳን ደቀ መዛሙርቲ ብሓባር ተኣኪቦም ከለዉ ገጹ ብምርኣይ ዕዙዝን ካብኣቶም ዘይውሰድን ሓጐስ ዝተሓጐሱሉ መዓልቲ’ዩ።
ነዚ ዕለት’ዚ ተሰሪዑልና ዘሎ ንባብ ቅዱስ ወንጌል፡ ወንጌል ዮሃንስ ምዕራፍ 17 ብምሉኡ’ዩ። ሊቃውንቲ ቤተ ክርስቲያን ነዚ ንባብ’ዚ መሰረት ብምግባር “ግብረ ዘወሀብከኒ ፈጸምኩ” እናበሉ ዚዝምሩሉ መዓልቲ’ዩ። እዚ መዝሙር’ዚ፡ ካብ’ዚ ናይ’ዚ መዓልቲ’ዚ መሪሕ ጥቕስና ዝተወስደ ዀይኑ፡ ትርጒሙ ኸኣ፡ “ክገብሮ ዝሃብካኒ ግብሪ ፈጸምኩ” ማለት’ዩ። እዚ ቓላት’ዚ፡ ሓደ ንዝተዋህቦ ዅሉ ተልእኾ ብዓወት ዝዛዘመን ዝፈጸመን ኣካል ዚብሎ ቓል’ዩ። እግዚአብሔር ወልድ፡ ጐይታናን ኣምላኽናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ፡ ማዕረ እግዚአብሔር ኣቦን እግዚአብሔር መንፈስ ቅዱስን ዝዀነ መለኮታዊ ኣካል’ዩ። ቅድስት ስላሴ፡ ንዘርኢ ኣዳም ካብ ጥፍኣት ኬድሕኑ ምስ መኸሩን ምስ ፈቐዱን፡ ነቲ ንእግዚአብሔር ኣቦ ናይ ባህርይ ወዱ ዝዀነ ቃለ-አብ፡ እግዚአብሔር ወልድ፡ ካብ ሰማየ ሰማያት ወሪዱ፡ ካብ ቅድስቲ ድንግል ማርያም ተወሊዱ ፍጹም ሰብ ኪኸውን፡ በቲ ዝተዋሃዶ ስጋ ሞይቱ ዕዳ ሓጢኣትና ኪኸፍል፡ ብመለኮቱ ህያው ኰይኑ ብምትንሳእ ድማ ነቶም ብእኡ ዝኣመኑን ዝተኣዘዝዎን ኬጽድቑ ወሰኑ። እቲ ምዱብ ጊዜ ምስ ኣኸለ ኸኣ፡ እግዚአብሔር ወልድ ብእግዚአብሔር ኣቦ ዝተዋህቦ ተልእኾ ኪፍጽም ተላኢኹ መጸ። ካብ’ታ ብስጋ ዝተገልጸላ መዓልቲ ጀሚሩ ኽሳዕ ዕለተ ሞቱ ኣብ ዘሎ ጊዜ፡ ነቲ እግዚአብሔር ኣቦኡ ኺፍጽሞ ዝሃቦ ዅሉ ግብርን ዕዮን ፈጺሙ ወድአ። ነዚ ዓወቱ’ዚ ኸኣ፡ ኣብ’ቲ ምስጢረ ቍርባን ድሕሪ ምስርዑ፡ ምስ ቅዱሳን ሃዋርያቱ ዀይኑ ዝጸለዮ ናይ መወዳእታ ጸሎቱ ገለጾ። መሪሕ ጥቕስና ነዚ ዓወቱ’ዚ ንምግላጽ ዝተጠቕመሉ ቓል’ዩ።
ነቲ ኣብ ምድሪ ኺፍጽሞ ዝተዋህቦ ግብሪ ኸም ዚግባእ ስለ ዝፈጸመ፡ “ኣብ ምድሪ ኣኽበርኩኻ” ኢሉ ተኣመነ። እዚ ኣበሃህላኡ’ዚ ኸኣ፡ ንኣምላኽ ዜኽብርዎ፡ እቶም ንኺገብርዎ ብእኡ ዝተዋህቦም ግብሪ ኸም’ቲ ዚግባእ ገይሮም ዝፈጸሙ ሰባት ምዃኖም ኣረጋጊጹልና ኣሎ። እግዚአብሔር ኣቦኡ ነቶም ዘኽበርዎ ዜኽብር እሙን ኣምላኽ ምዃኑ ስለ ዝፈለጠ ድማ፡ “በቲ ኣባኻ ዝነበረኒ ኽብሪ ኣባኻ ኣኽብረኒ” ኢሉ ናብ ኣቦኡ ጸለየ። ከም መብዛሕትና፡ ግብሩ ኸይፈጸመ፡ ክብሪ ኺወሃቦ ኣይተጸበየን። እቲ ዚግብኦ ድሕሪ ምፍጻሙ ኸኣ፡ ነቲ ኽብሪ ኸም ውሁብ ወሲዱ፡ ብጸሎት ነቦኡ ኻብ ምልማን ኣይበዀረን። እቲ መለኮታዊ ኽብሪ ናቱ ናይ ባህርይ ገንዘቡ ስለ ዝዀነ፡ “ገንዘበይ ስለ ዝዀነ፡ ወይ ከኣ ናይ’ቲ ኣብ ምድሪ ዘኽበርክዎ፡ ዚግብኣኒ ጻማይ ስለ ዝዀነ ናይ ግድን ኪህበኒ’ዩ” ኣይበለን። ሓደ ኻብ’ቲ ኺገብሮ ዝተዋህቦ ግብሪ፡ ጸሎት ስለ ዝዀነ፡ ክሳዕ’ታ “ተፈጸመ” ኢሉ ነፍሱ ኻብ ስጋኡ ዝተፈልየትሉ ናይ ሞቱ ጊዜ፡ ካብ ጸሎት ኣይበዀረን።
ጐይታና፡ “ክገብሮ ዝሃብካኒ ግብሪ” ዝበሎ፡ እንታይ እንታይ ዜጠቓልል’ዩ፧ “ጐይታና ዝገበሮ” ኢልካ ኻብ ምጽብጻብ፡ ዘይገበሮ ምጽብጻብ ምቐለለ፡ ምኽንያቱ፦ “ኵሉ ብእኡ ዀነ፡ ካብ’ቲ ዝዀነ ዘበለ ድማ ብዘይ ብእኡ ዝዀነ የልቦን።”
ዝተባህለሉ ጐይታ’ዩ (ዮሃ 1፡3)። ዋላ’ቲ ደቀ መዛሙርቱ ዝገበርዎ ዅሉ’ውን ገባሪኡ ንሱ ባዕሉ’ምበር፡ ንሳቶም ከም ዘይኰኑ፡ በቲ “ብጀካይ ሓንቲ’ኳ ኽትገብሩ ኣይትኽእሉን ኢኹም” ዝበሎ ቓል ኣረጋጊጹልና’ዩ (ዮሃ 15፡5)። ስለ’ዚ እቲ ኽንዝርዝሮ እንፍትን ተግባሩ፡ እቲ ብኣካለ-ስጋ ኣብ ምድሪ እስራኤል ዝገበሮ ጥራይ’ዩ። ንሱ’ውን ጸብጺብካ ዘይውዳእ ምዃኑ፡ ሃዋርያ ቅዱስ ዮሃንስ፦
“ኢየሱስ ዝገበሮ ግብሪ ድማ ብዙሕ ካልእ ኣሎ። ኵሉ በብሓደ ተጻሒፉ እንተ ዚኸውንሲ፡ ነቲ እተጻሕፈ መጻሕፍቲ፡ ኵላ’ዛ ዓለም’ዚኣ ኣይምኣኸለቶን ይመስለኒ።”
ብዚብል ቃል ገሊጽዎ ይርከብ (ዮሃ 21፡25)። ኵሉ’ቲ ንሱ ዝገበሮ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ኣይተጻሕፈን። ይትረፍ ኵሉ ተጻሒፉ፡ ዋላ ነቲ ዝርካቡ ተጻሒፉ ዘሎ’ውን ኣብ ውሽጢ’ዚ ሓጺር ዓንቀጽ (ፓራግራፍ)፡ ዘርዚርና ኸነስፍሮ ዚከኣል ኣይኰነን። ስለ’ዚ ንብዘሎ’ቲ ግብርታቱ ኣብ ወከልቲ ኣርእስታት ጸሚቝና ጥራይ ኢና ኸነቕርቦ እንኽእል። ምሉእ’ኳ እንተ ዘይኰነ፡ ነቲ ንሱ ዝገበሮ ግብሪ ብኸም’ዚ ዚስዕብ ክንገልጾ ንኽእል ኢና።
1. ወንጌል መንግስቲ ኣምላኽ ምስባኽ፦ (ማር 1፡14-15፣ ማቴ 4፡23)። ስብከተ ወንጌል ብጐይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ’ዩ ጀሚሩ። ንሱ ናይ ኵሉ ነገር ቀዳማይን በዅርን ስለ ዝዀነ፡ ወንጌል ብኸመይ ከም ዚስበኽ፡ ዘይሃስስ ድሙቕ ኣርኣያ ሓዲጉልና’ዩ ኸይዱ። ሰባት ወንጌል ደልዮም ኪመጽዎ ኣይተጸበየን። ንሱ ባዕሉ’ዩ ብስራት ሒዙ ናብ ዘዘለውዎ ዝኸደ (ማር 1፡36-39፣ ሉቃ 4፡43፣ ሉቃ 8፡1፣ ግብ 10፡36-30)።
2. በቲ ዚገብሮ ተኣምራት ሓይሊ ኣምላኽ ምግላጽ፦ ጐይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ባዕሉ ሓይሊ ኣምላኽ ምዃኑ፡ ሃዋርያ ቅዱስ ጳውሎስ ኣነጺሩ ገሊጹልና’ዩ (1ቈረ 1፡24)። ስለ’ዚ ኣብ ሕማማትን ኣጋንንትን ተፈጥሮን ኣብ ካልእን ፍሉይ ተኣምራት ብምግባር፡ ሓይሊ ኣምላኽ ኣብ ምድሪ ኸም ዚገሃድ ገበረ (ማቴ 4፡24፣ 8፡16-17፣ 9፡35፣ 11፡20-24፣ 13፡54-58፣ 15፡29-31፣ ማር 6፡2,5,6፣ ሉቃ 5፡17፣ 6፡19)።
3. ፍቓድ ኣቦኡ ምግባር፦ እዛ ዘለናያ ዓለም፡ ፍቓድ ኣምላኽ ዚገሃሰላ፡ ፍቓድ ስጋን ፍቓድ ሰይጣንን ዚገዝኣላ ናይ ዓመጻ ዓለም’ያ። ኣብ’ዛ ውድቕቲ ዓለም’ዚኣ ዄንካ’ውን ንፍቓድ ኣምላኽ ብምልኣት ምግባርን ፍቓድ ኣምላኽ ኣብ ህይወትካ ኸም ዚገዝእ ምግባርን፡ ብምሉእ ኣርኣያነት ዘርኣየና፡ ጐይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ’ዩ (ዮሃ 4፡34፣ 5፡30፣ 6፡38-40፣ ማቴ 26፡39,44)። ኣሰሩ ምእንቲ ኽንስዕብ ከኣ፡ እቲ ፍቓድ ኣምላኽ ዚገብር ጥራይ ናብ መንግስተ ሰማያት ከም ዚኣትውን፡ ናቱ ሓውን ሓብትን ከም ዚኸውንን መሃረና (ማቴ 7፡21፣ 12፡48-50)።
4. ቤተ ክርስቲያን ምትካል፦ እታ ኣብ እስራኤል ዝተተኽለት ቀዳመይትን በዅርን ቤተ ክርስቲያን ብጐይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ዝቘመት’ያ። ሓደ ኻብ’ቲ ተልእኾኡ ንሱ ምዃኑ ኸኣ፡ ኣብ’ታ ምስ ሃዋርያ ቅዱስ ጴጥሮስ ዝገበራ ዝርርብ ገሊጽዎ’ዩ (ማቴ 16፡18 ካ.ት)። እዛ ኣብ ቅዱሳን ሃዋርያቱን ደቀ መዛሙርቱን ዘቘማ ቤተ ክርስቲያን ድማ ድሕሪ ዕርገቱ ኣብ እስራኤል ኣዝያ ዓበየት፡ ናብ ብዘሎ ዓለም ከኣ ተዘርግሐት (ግብ 2፡41-42፣ 4፡4፣ ማር 16፡20)። ንቤተ ክርስቲያን ድማ ኣካሉን ስጋኡን ገበራ (ኤፌ 1፡22,23፣ ቈሎ 1፡24፣ ሮሜ 12፡4-5፣ 1ቈረ 12፡12,27፣ 6፡15)።
5. ኣርኣያ ምዃን፦ ኣብ’ዛ ዓለምና ብዙሓት ኣርኣያ ኪዀኑና ዚኽእሉ ናይ ኣምላኽ ሰባት ተላዒሎም’ዮም። እንተዀነ ንርእሶም ድኻም ዝጠበቖም ከማና ዝድኻሞም ሰባት ስለ ዝነበሩ፡ ኣርኣያኦም ፍጹም ኣይነበረን (እብ 5፡2-3፣ 7፡28፣ ያእ 5፡7)። ጐይታና ግና ዝዀነ ዓይነት ሓጥእ ድኻም ስለ ዘይነበሮ፡ ፍጹም ኣርኣያና ዀነ (እብ 7፡26-27፣ 4፡14-15)። ከምኡ ስለ ዝዀነ ኸኣ፡ “ካባይ ተመሃሩ” ኢሉ ብቕዱስ ጽውዓ ጸውዓና (ማቴ 11፡29-30)፡ ኣብ’ታ ምስጢረ ቍርባን ዝሰርዓላ ምሸት ከኣ ጐይታን መምህርን ክነሱ፡ ተዓጢቑ ተደቢሩ ኣእጋሮም ሓጺቡ፡ በቲ ዝተዓጥቆ ዓለባ ገይሩ ኣእጋሮም ምስ ደረዘ ኸኣ፡
“‘እዚ ዝገበርኩልኩምሲ ትፈልጥዎዶ አሎኹም፧’ በሎም። ‘ንስኻትኩም መምህርን ጐይታን ትብሉኒ ኣሎኹም፡ ኣነ ኸምኡ’የ’ሞ፡ ጽቡቕ በልኩም። ኣነ መምህርን ጐይታን ክነሰይ፡ ኣእጋርኩም ካብ ሓጸብኩስ፡ ከምቲ ኣነ ኣባኻትኩም ዝገበርክዎ፡ ንስኻትኩም’ውን ከምኡ ኽትገብሩ መርኣዪ ሂበኩም ኣሎኹ’ሞ፡ ከምኡ ኣእጋር ሓድሕድኩም ክትሓጽቡ ይግብኣኩም’ዩ። ባርያ ኻብ ጐይታኡ ኣይበልጽን፡ ልኡኽ’ውን ካብ ለኣኺኡ ኣይበልጽን እዩ፡ ኢለ ብሓቂ፡ ብሓቂ እብለኩም ኣከኹ። ነዚ እትፈልጥዎ እንተ ዄንኩም፡ እንተ ገበርኩምዎስ ብጹኣን ኢኹም።’” ብምባል፡ ኣርኣያኡ ኺስዕቡ ኣዘዞም (ዮሃ 13፡12-17)። ሃዋርያ ጳውሎስ፡ ንኣርኣያ ጐይታኡ ስዒቡስ ንእኡ ናብ ምምሳል ከም ዝዓበየ ብግብሪ ኣርእዩ ብቓሉ ተኣመነ (1ቈረ 10፡31-33፣ 11፡1)።
ስለ’ዚ ኸኣ፡ “እቲ ኣብ ክርስቶስ ኢየሱስ ዝነበረ ኣተሓሳስባ ኣባኻትኩም ይሃሉ” ብምባል ናይ ትሕትናን ተኣዝዞን ኣርኣያኡ ኣጒሊሑ ገለጸልና (ፊል 2፡5-8 ካ.ት)። ሃዋርያ ቅዱስ ጴጥሮስ’ውን ነቲ ድሙቕ ኣርኣያ ክርስቶስ ብግሩም ቃላት ኣርእዮና ኣሎ።
“ነዚ ኢኹም እተጸዋዕኩም’ሞ፡ ክርስቶስ ከኣ፡ ምእንቲ ኣስኣሰሩ ኽትስዕቡ፡ ኣርኣያ ሓዲጉልኩም ምእንታኹም መከራ ጸገበ። ንሱ ሓጢኣት ዘይገበረ፡ ተንኰል’ውን ኣብ ኣፉ ዘይተረኽበ፡ ምስ ጸረፍዎ መሊሱ ዘይጸረፈ፡ መከራ ምስ ኣጽገብዎ ኸኣ፡ ነቲ ብቕንዕና ዚፈርድ ደኣ ነገሩ ኣሕሊፉ ሃበ’ምበር፡ ዘየፈራርሀ። ንሓጢኣት መዊትናስ ንጽድቂ ምእንቲ ኽንነብር፡ ንሱ ባዕሉ ንሓጢኣትና ኣብ ስጋኡ ኣብ ዕንጨይቲ ጾሮ፡ ብቝስሉ ኢኹም ዝሓወኹም።” 1ጴጥ 2፡21-24
6. ህይወቱ በጃ ጥፉኣት ምሃብ፦ እዚ በጃነት’ዚ እቲ ዝዓበየን ናይ መወዳእታን ኣብ ምድሪ ዝፈጸሞ፡ ንእግዚአብሔር ኣቦኡ ዘኽበረሉ፡ ንዅሉ ዘርኢ ሰብ ዘድሓነሉ ግብሩ’ዩ። ኣብ መስቀል ኰይኑ “ተፈጸመ” ኢሉ ዝጨርሖ ኸኣ ነዛ ዓባይ ተልእኾ ህይወቱ ስለ ዝፈጸመ’ዩ። ስለ’ዚ በጃነት እቲ ዝለዓለን ዝዓበየን ግብሩ’ዩ። ነቲ ዝቐደመ ዅሉ ተግባሩ፡ እቶም ካልኦት ኵላቶም ብዓቕሞም ብመጠን’ቲ ዝተዋህቦም ጸጋ ፈጺሞምዎ’ዮም። በጃነት ግን ብዘይካኡ ኺፍጽሞ ዚኽእል ዝዀነ ይኹን ኣካል የልቦን (ዮሃ 19፡30፣ ማቴ 20፡28፣ ዮሃ 3፡15-16፣ 6፡51፣ 10፡11,17-18፣ 11፡50-52፣ 15፡13፣ ሮሜ 4፡25፣ 5፡6-10፣ 8፡3፣ 2ቈረ 5፡13-14፣ ገላ 1፡3-4፣ ኤፌ 5፡2,25-27፣ ቈሎ 1፡22-23)።
እዚ ጐይታና ዝገበሮን ዝበሎን ኵሉ፡ ኣርኣያኡ ንኣና እንታይ’ዩ፧ ንኣና ዜሰክመና ሓላፍነትከ እንታይ’ዩ፧ ካብ’ቲ ጐይታና ንእግዚአብሔር ኣቦኡ ዘኽበረሉ ተግባሩ ሓደ፡ ኣርኣያ ምዃን ከም ዝዀነ ኣቐዲምና ርኢናዮ ኢና። ስለ’ዚ ኸም ሰዓብቲ ክርስቶስ መጠን፡ ብዘይካ’ቲ ብመለኮታዊ ስልጣኑን ሓይሉን ዝገበሮ ግብሩ፡ እቲ ኸም ፍጹም ሰብ መጠን ዝገበሮ ዅሉ ናይ ምግባር ሓላፍነት ኣብ ዝባንና ኣሎ። ስለ’ዚ ንሱ “ነቲ ኽገብሮ ዝሃብካኒ ግብሪ ፈጺመ፡ ኣብ ምድሪ ኣኽበርኩኻ፡” እንተ ኢሉ፡ ንሕና’ውን ከምኡ ኸም እንብል ርግጸኛታት ክንከውን ይግባእ። ነታ ጐይታኡ ዝበላ ኺብል ዘይክእል ሰብ፡ ኣብ’ታ ጐይታና ዝኣተዋ ኺኣትው ኣይክእልን’ዩ። ስለ’ዚ ኣብ’ታ ጐይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ዝንጉሳ መንግስቲ ኣምላኽ ኪኣትው ዚደልይ ዅሉ ሰብ፡ ነዛ መሪሕ ጥቕስና ብትብዓት ኪዛረበላ ናብ ዚኽእለሉ ደረጃ መንፈሳውነት ኪዓብይ ናይ ግድን’ዩ። እንተዀነ ነቲ ግብርና በቲ ጐይታና ዝገበሮ ናይ ፍጹምነት ደረጃ ኽንገብሮ ኸም ዘይንኽእል ርዱእ’ዩ። እግዚአብሔር ከኣ ፍጥረትና ስለ ዚፈልጥን ድኻምና ስለ ዚርዳእን፡ በቲ ባዕሉ ዝሃበና ናይ ዓቕሚ ደረጃ’ዩ ዚጽበየናን ዚመዝነናን። ጐይታና’ውን፡ “ብዙሕ ንዝሃብዎ ብዙሕ ይደልይዎ፡ ብዙሕ ንዘማዕቈብዎ ኸኣ ኣብዚሖም ይደልይዎ’ዮም፡” ኢሉና’ዩ (ሉቃ 12፡48)። ኣብ’ቲ “ምስላ መክሊት” ተገሊጹ ኸም ዘሎ፡ ንነፍሲ ወከፎም ከከም ዓቕሞም’ዩ ዝሃቦም። ካብ’ቲ ኽልተ መክሊት ዝተቐበለ፡ ሓሙሽተ መክሊት ኣይተጸበየን። ካብ’ቲ ብዓል ሓሙሽተ መክሊት ድማ ክልተ መክሊት ጥራይ ኣይምተቐበለን። ከከም ዓቕሞም ሂብዎም፡ ከከም ዝተዋህቦም ከኣ ተጸብይዎም። ነቶም ንትጽቢቱ ዜማልኡ ብዓብይ ክብሪ ኣኽቢርዎም። ምኽንያቱ ከኣ፡ ነቲ ኺገብርዎ ዝሃቦም ግብሪ ፈጺሞም ስለ ዘኽበርዎ’ዩ። እቲ ኺገብሮ ዝተዋህቦ ግብሪ ኻብ ምግባር ዝበዀረን ብኽፉኣቱን ብትህኪቱን ዝተዓንቀፈ ሰብ ግና ኣብ’ቲ ናይ ገሃነም ጸልማት ኪድርበይ ፈረዶ (ማቴ 25፡14-30)።
ኣብ’ቲ ኣብ ማቴ 24፡45-51 ዘሎ “ምስላ እሙንን ዘይእሙንን መጋቢ” ድማ ብኣፈጻጽማ ናይ’ቲ ኺገብርዎ ዝተዋህቦም ግብሪ ኸም ዝተመዝኑን ከም ዝተፈርዱን ተገሊጹልና ኣሎ። ኪገብርዎ ዝተዋህቦም ግብሪ “ንስድራ ቤት ናይ’ቲ ጐይታ ምግቦም በብጊዜኡ ምሃብ” ነበረ። እቲ ቐዳማይ መጋቢ፡ ነቲ ኺገብሮ ዝተዋህቦ ግብሪ ኸም ዚግባእ ዝፈጸመ እሙን መጋቢ ዀይኑ ተረኽበ። ጐይታኡ ድማ፡ “ኣስተውዓልን እሙንን ባርያ” ብምባል ነኣዶ። ዝለዓለ ማዕርግን ሓላፍነትን ብምሃብ ድማ ኣኽበሮ። እቲ ኻልኣይ መጋቢ ግና፡ ኪገብሮ ዝተዋህቦ ግብሪ ገዲፉ፡ ምስ ሰኽራማት ኪበልዕን ኪሰትይን ተራእየ። ነቶም ስድራ ቤት ግና ግቡእ ቀለቦም ኣብ’ቲ ግቡእ ጊዜ ኻብ ምሃብ በዀረ። ነቶም ንሱ ዜመሓድሮም ከምኡ ባሮትን ኣግራድን ከኣ ብማህረምቲ ይገፍዖም ነበረ። እቲ ጐይታኡ ምስ ተመልሰ ኸኣ፡ ነቲ ኺገብሮ ዚግብኦ ግብሪ ኻብ ምፍጻም ዝበዀረ ኣገልጋሊኡ፡ ብዜሰቅቕ ዘለኣለማዊ ሞት ቀጺዑ፡ ዕድሉ ምስ’ቶም ዝኸፍአ ፍርዲ ዚወሃቦም ግቡዛት ይገብሮ። ኣብኡ ድማ ንዘለኣለም ብብኽያትን ብምሕርቃም ኣስናንን የሕልፎ (ማቴ 24፡45-51)። ሃዋርያ ቅዱስ ጳውሎስ፡ ነቲ ናይ ኣምላኽ ሓሳብ ከም ዚግባእ ስለ ዝተረድኦን ኣብ ልቡ ስለ ዘሕደሮን፡ ልክዕ ከም ጐይታኡ፡ ቅድሚ ዕለተ ሞቱ፡ ነቲ ኺገብሮ ዝተዋህቦ ዅሉ ግብሪ ዝፈጸመ ኣብነታዊ ሃዋርያ ነበረ።
“ጒያይን ብጐይታና ኢየሱስ እተቐበልክዋ መልእኽተይን ክፍጽም፡ ወንጌል ጸጋ ኣምላኽ እናመስከርኩ ህይወተይ’ውን ብኣይሲ ኸም ክብርቲ ገይረ ኣይርእያን’የ” ግብ 20፡24
“ኣነስ ካብ ሕጂ እስዋእ ኣለኹ፡ እታ መዓልቲ ምስንባተይ’ውን በጺሓ’ያ’ሞ፡ ሰናይ ገድሊ ተጋዲለ፡ ነቲ ጕይያ ወዲአ፡ ነታ እምነት ሓልየ። ደጊምሲ ጐይታይ፡ ንሱ እቲ ጻድቕ ፈራዲ፡ በታ መዓልቲ’ቲኣ ዚህበኒ ኣኽሊል ጽድቂ ተነቢሩለይ ኣሎ። እዚ ግና ነቶም ምግሃዱ ዜፍቅሩ ዅላቶም ድማ’ዩ’ምበር፡ ንኣይ ጥራይ ኣይኰነን።” 2ጢሞ 4፡6-8
ናብ ከምዚ ዝበለ ድሙቕ ዓወት ዘብጽሖ ኸኣ፡ በቲ ዝገበሮ ግብርን ዝበጽሖን ደረጃ ፈጺሙ ዘይዓግብ ናይ መዓልትን ለይትን ሕልሙ ዀነ ጻዕሩ፡ ንእግዚአብሔር ምኽባር ስለ ዝዀነ’ዩ። ነዚ ዝተዓወተሉ ምስጢር ከኣ ኣብ’ቲ ናብ ሰብ ፊልጲ ዝጸሓፎ መልእኽቱ ኣነጺርዎ ኣሎ።
“ኣነ ነቲ ንእኡ ክኸውን ብክርስቶስ ኢየሱስ እተረኸብኩ ምእንቲ ኽረኽቦ፡ ንቕድሚት እደፍእ ኣለኹ’ምበር፡ ቅድሚ ሕጂ ኸም ዝረኸብክዎ ወይስ ቅድሚ ሕጂ ፍጹም ከም ዝዀንኩ ኣይኰነን። ኣሕዋተየ፡ ኣነ ብርእሰይ ከም ዝረኸብክዎ ኣይመስለንን ኣሎ። ሓደ ነገር ደኣ ኣሎኒ፤ ኣብ ድሕረይ ዘሎ እናረሳዕኩ፡ ነቲ ኣብ ቅድመይ ዘሎ እናተመጣጠርኩ፡ ናብቲ ሕንጹጽ ዕላማ ኣቢለ፡ ናብቲ ዓስቢ ዓወት ናይ ላዕሊ ጽውዓ ኣምላኽ ብክርስቶስ ኢየሱስ እጐይዪ ኣለኹ።” ፊሊ 3፡12-14
ክትገብሮ ንዝተዋህበካ ግብሪ ፈጺምካ፡ ንኣምላኽካ ኣብ ምድሪ ናይ ምኽባር ሓላፍነት ንመን’ዩ ዚምልከቶ፧ ንኣገልገልቲ ቤተ ክርስቲያን ድዩ ንምእመናን፧ ኣቐዲምና ኸም ዝጠቐስናዮ፡ በብዓቕሙ ንዅሉ ሰብ’ዩ ዚምልከት። ኣገልገልቲ ቤተ ክርስቲያን ካብ ናይ ምእመናን ዚሰፍሕን ዚዓብይን ሓላፍነት ከም ዘለዎም ክንክሕዶ ዘይንኽእል ሓቂ’ዩ። ኣገልገልቲ ቤተ ክርስቲያን ኣብ ርእሲ’ቲ ኸም ውልቀ ክርስትያን ንህይወቶም ዘለዎም ሓላፍነት፡ ነቲ ኣብ ትሕቲ ጽላሎም ዘሎ መጓሰ ምእመናን ዘለዎም ሓላፍነት ተደራቢ መዝነቶም’ዩ።
ኵሉ ክርስትያን፡ ኣገልጋሊ ይኹን ምእመን፡ ኣብ ናይ ውልቂ ህይወቱ ኺፍጽሞም ዝተዋህብዎ ኣገደስቲ ግብርታት ኣለዉ። ፍቕሪ፡ ትዕግስቲ፡ ትሕትና፡ ቅንዕና፡ ንጽህና፡ ቅድስና፡ ምሕረት ወዘተ ዝኣመሰሉ ግብርታት ገለ ኻብኣቶም’ዮም። ንዝበደለና ሰብ ብትዕግስቲ ንጸውር፡ ብይቕሬታ ምሕረት እንገብር ሰባት እንተ ዄንና፡ ብርግጽ ነቲ ኽንገብሮ ዝተዋህበና ግብሪ ዝፈጸምናን፡ ኣብ’ዛ ምድራዊት ህይወትና ንኣምላኽ ዘኽበርናን ሰባት ኢና። ብኣንጻሩ ንዝበደሉና ሰባት ንበኣሶም ንቕየሞምን ሕነ ንፈድዮምን እንተ ዄንና ኸኣ፡ ኣምላኽ ንኽንገብሮ ዝሃበና ግብር ደርቢና፡ ሰይጣን ንዝኣዘዘና ኽንገብር መሪጽና ኣለና ማለት’ዩ። እዚ ኸኣ ንኣምላኽ ኣዋሪድካ ንሰይጣን ከተኽብር ምምራጽ’ዩ። ናይ ከም’ዚ ዝበለ ዓሻን ክፉእን ምርጫ ሳዕቤን ድማ ኣዝዩ ኸቢድን ዜሰክሕን’ዩ።
ንጉስ ሳኦል ሓደ ኻብቶም እኩይ ምርጫ ዝመረጹ ሰባት’ዩ ነበረ። እግዚአብሔር፡ ናብ ኣማሌቃውያን ከይዱ ንዅሉ ሰብን እንስሳን ኬጽንት ናብ ዋጋ ዕዳጋ ዘይኣትው ጽኑዕ ትእዛዝ ሃቦ። ንሱ ግና ነቲ ንጉስን ነተን ጽቡቓት ጥሪትን ንሒፉ፡ ማሪኹ ናብ እስራኤል ኣምጽኦም። ነብዪ ሳሙኤል ምስ መጸ ግና፡ “ኣነ ቓል እግዚአብሔር ፈጺመ’የ” ኢሉ ጥረ ሓሶት ሓሰወ። እቲ ጒዳይ ኸም ዝተቐልዐ ምስ ፈለጠ ኸኣ ኣበሳኡ ናብ’ቲ ህዝቢ ኣጥቢቑ ንጹህ ኪመስል ፈተነ። ብሰሪ’ዛ ኣበሳ’ዚኣ ኸኣ ንግስነቱን እቲ ኣብኡ ዝሓደረ ቅዱስ መንፈስን ተሓድገ (1ሳሙ 15፡1-31)።
ንዅላትና ኽንገብሮ ዝተዋህበና ግብሪ፡ ፍቓድ ኣምላኽ’ዩ። ነዛ ሓላፍነትና’ዚኣ ብዝዀነ ኻልእ ጥበብ ከነከሓሕሳ ኣይንኽእልን ኢና። “ጐይታይ፡ ጐይታይ” እናበልና ንእግዚአብሔር ክንጥብሮ ኣይከኣልን’ዩ።
“ፍቓድ እቲ ኣብ ሰማይ ዘሎ ኣቦይ ዚገብር እምበር፡ <ጐይታይ፡ ጐይታይ>፡ ዚብለኒ ዅሉ፡ መንግስተ ሰማይ ዚኣትው ኣይኰነን።” ማቴ 7፡21
ፍቓድ ኣምላኽ ከኣ ኣብ’ቲ ኽንገብሮ ዝተዋህበና ትእዛዛት’ዩ ተገሊጹ ዘሎ። ስለ’ዚ ዝዀነ ይኹን ቅድሚ ምግባርና ወይ ቅድሚ ምዝራብና፡ “እግዚአብሔር ኣብ’ዛ ዅነታት’ዚኣ እንታይ ግብሪ ኽገብር’ዩ ኣዚዙኒ፧ ብኸመይ እንተ ተዋሳእኩ’የ፡ ኣብ’ዛ ዅነታት’ዚኣ ንኣምላኸይ ከኽብሮ ዝኽእል፧” ኢልና ንርእስና ብምሕታት፡ ነቲ ዝኣዘዘና ቓሉን ፍቓዱን ምስ እንፍጽም ነዚ ኸኣ ክሳዕ ዕለተ ሞትና እንተ ገበርናዮ፡ ሽዑ ነቲ ጐይታና ኣብ መሪሕ ጥቕስና ኢልዎ ዘሎ ቓል እንብለሉ ትብዓት ክንረክብ ኢና።
ጸጋ ጎይታና ኢየሱስ ክርስቶስን ፍቕሪ ኣምላኽን ሕብረት መንፈስ ቅዱስን ምስ ኩላትና ይኹን።
ኦርቶዶክሳዊት ተዋህዶ ቤተ ክርስቲያን ኤርትራ - መንበረ ጵጵስና ሰሜን ኣሜርካ።
ዕለት፥ ሚያዝያ ፳፬, ፳፻፲፬ ግዕዝ (1 ግንቦት 2022 ፈ).[ መበል 34 ሰንበት: ቊ.47/፵፯] |
||||
ኣብ ጊዜ ቅዳሴ ዝንበቡ ቅዱሳት መጻሕፍቲ |
||||
ዲያቆን |
ንፍቀ ዲያቆን |
ንፍቀ ካህን |
ወንጌል |
ቅዳሴ |
1ቈረ 15፡20-41 | 1ጴጥ 3፡15-ፍጻመ | ግብ 2፡22-37 | ዮሃ 17፡1-ፍጻመ | ዘዲዮስቆሮስ |
መዝ.፻፲፪(፻፲፫)፡፫-፬ “እምሥራቀ ፀሐይ እስከ ነዓረብ። ይትአኩት ስሙ ለእግዚአብሔር። ልዑል እግዚአብሔር መልዕልተ ኵሉ አሕዛብ።” ዓዲ፡ መዝ.፻፲፯ (፻፲፰)፡፳፬,፳፭: “ዛቲ ዕለት እንተ ገብረ እግዚአብሔር። ንትፌሣሕ ወንትኃሠይ ባቲ። ኦ እግዚኦ አድኅንሶ።” |
ካብ ውሽጢ ኤርትራ ዝተረኽበ ንቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ንምቁጽጻር ብመንግስቲ ኤርትራ ክካየድ ዝጸንሐን ዘሎን ሽርሒ ዘቃልዕ ቪድዮ
ድኳን መጻሕፍቲ/Book Store
ራድዮ ቃለ ኣዋዲ