ብቐዳምነት ባሕርይ ማለት እንታይ ማለት’ዩ-? ብምባል ንዝቐርብ ሕቶ፥ ባሕርይ ማለት ናይ ሓደ ነገር እንታይነት ዝገልጽ ቃል’ዩ፥ ዝብል መልሲ ክወሃቦ ዝሰማማዕ’ዩ። ቤተ-ክርስቲያን ናይ ቅዱሳን-መጻሕፍቲ መረዳእታትን፥
ናይ ቅዱሳን-ኣቦታት ትምህርትን መሠረት ብምግባር፥ ናይ ጎይታና ኢየሱስ-ክርስቶስ መለኮትን ትስብእትን፥ ሓደ ኣካልን ሓደ ባሕርይን ንምዃን ዝተወሃሃደ መለኮት፥ ምስ ምሉእ መለኮታዊ ባሕርዩን ጠባዩን ክኸውን ከሎ። ከምኡ’ውን ትስብእት ብዘይካ ኃጢኣት፥ ምስ ምሉእ ሰብኣዊ-ባሕርዩን ጠባዩን ከም-ዘለዎ ኮይኑ እዩ’ምበር፥ ብምኽንያት ምውህሃድ, ምትሕውዋስ, ምጥፍፋእ, ምፍልላይ, ኮነ ምልውዋጥ ከምዘሎ ዘይትኣምን ኣብ ርእሲ ምዃና፥ ትስብእት ብመለኮት ተዋሒጡ ጠፊኡ’ዩ ዝብል፥ ናይ ኣውጣኪ ክሕደት ውጉዝ ምዃኑ’ውን ተረጋግጽ።
ጎይታናን መድኃኒናን ኢየሱስ-ክርስቶስ፥ ብተዋሕዶ ሓደ-ኣካልን, ሓደ-ባሕርይን, ሓደ-ፍቓድን ንክህልዎ ዘድለዮ፥ ደቂ-ሰብ ንምድኃን ግድነት መለኮትን ትስብእትን፥ ብኃባር ክህልዉ ስለ-ዘለዎም እዩ። ትስብእት ክህሉ ዘድለየ ከኣ፥ ኣብ ክንዲ ደቂ-ሰብ ሙማት ስለ-ዘለዎ እዩ። መለኮት ክህሉ ዘድለየ ከኣ፥ ናይ ምድኃን ውክልና ዘይርከበሉ ብምዃኑ እዩ።
ምስክርነት መጽሓፍ-ቅዱስ
ቤተ-ክርስቲያን ናይ መለኮትን ትስብእትን ተዋሕዶ፥ እንተ-ኣመነትን እንተ-መሃረትን’ኳ፥ ናይ ተዋሕዶ ኩነታት ከምዚ’ዩ ወይ’ውን በዚ ዓይነት’ዚ ተባሂሉ ክግለጽ ዘይከኣል፥ ብቋንቋ ደቂ-ሰብ ቃላት ዘይርከበሉ ምሥጢር ምዃኑን፥ ምሥጢሩ’ውን ናይ ደቂ-ሰብ ኣተሓሳስባ ክበጽሖ ካብ ዝኽእል ንላዕሊ ምዃኑ ትፈልጥ እያ። ስለዚ’ዩ ሓዋርያ-ጳውሎስ “እግዚኣብሔር ብሥጋ ዝተገልጸሉ ናይ ኣምልኾ ምሥጢር ዓቢይ’ዩ” ክብል ናይ ምሥጢረ-ተዋሕዶ ርቀት ዘረጋገጸ። (1ይ-ጢሞ. 3/6)
ስለዚ’ውን መለኮትን ትስብእትን ድሕሪ ምውህሃዶም፥ ሓደ-ኣካል፥ ሓደ-ባሕርይ፥ ሓደ-ፍቓድ ንብል እምበር፥ ንድሕሪት ተመሊስና ክልተ ኣይንብልን። መለኮት ናይ መለኮት ትስብእት ድማ ናይ ትስብእት ጥራይ ይሠርሑ እንተደኣ ኢልና፥ ናይ ትስብእት መድኃኒ ምዃን እኹል ክኸውን ዘይክእል ኣብ ርእሲ ምዃኑ፥ በዚ ኣበሃህላ’ዚ ናይ እግዚኣብሔር ውዕለት ዋጋ ዘይምሃብ ክኾነና እዩ። ከምኡ’ውን ኣብዚ ናይ መለኮትን ትስብእትን ተዋሕዶ ካብ ዘይእመነሉ፥ ኣምላኽ ሰብ ምዃን ኣይመድለዮን ነይሩ። ብተወሳኺ’ውን ናይ ኣምላኽ ሰብ ምዃን እምነትና’ውን፥ ከንቱ ምኾነ ነይሩ። መለኮትን ትስብእትን ብምውህሃዶም፥ ናይ ትስብእት-ባሕርይ ቅድሚ ውህደት ዘይነበሮ መለኮታዊ-ባሕርይ ብምግንዛብ፥ ሥርሑ ናይ ወዲ እግዚኣብሔር ሥራሕ ንምባል በቒዑ።
ቅድም ኢሉ ከም-ዝተገልጸ ናይ መለኮትን ትስብእትን ተዋሕዶ፥ ብዘይ ምጥፋእ ብምዃኑ፥ ወልድ ብሥጋ ሞይቱ ንብል። እዚ ከኣ ኣብዞም ዝስዕቡ ጥቕስታት ንመልከት።
ንኣብነት ዝኣክል ኣብ ልዕሊ ሰብ ዝዝረብ ሰብኣዊ-ስምዒት፥ ከም ምሕጓስ, ምሕዛን, ምፍቃር, ምድላይ, ምጽማእ, ምሕማም, ዝኣመሰሉ ስምዒታት ክበጽሑ ዝኽእሉ፥ ሰብ ሥግኡን ነፍሱን ኃቢሮም ኣብ ዝህልዉሉ ግዜ ምዃኑ ርግጽ’ዩ። ሥግኡን ነፍሱን ተፈላልዩ ድሕሪ ምማቱ ግና፥ ኣዞም ስምዒታት እዚኣቶም ኣይክህልዉን እዮም። ሰብ ክመውት ከሎ ድማ ሥግኡ’ምበር፥ ነፍሱ ኣይትመውትን እያ። ናይ ሰብነትና ምንቅስቓስን ትንፋስናን፥ ብጠቕላላ ሕይወትናን ነፍስናን ከም ምዃኑ መጠን። ነፍስና ካብ ሥጋና ኣብ እትፍለየሉ ግዜ፥ ሥጋና በድኒ ይኸውን። ነፍሱ ካብ ሥግኡ ዝተፈልየ ሰብ ድማ፥ ሰብ ምባሉ ተሪፉ ሬሳ ዝበሃል ስም’ዩ ዝወሃቦ። እንተኾነ ሓደ ሰብ ክመውት ከሎ፥ ብሥግኡ ሞይቱ ኣይኮነን ዝበሃል። ምኽንያቱ ሰብ ክበሃል ዝኽእል፥ ነፍሲ ክህልዎ ከሎ ጥራይ’ዩ። እምበኣር ነፍሲ ሰብ ሞት ዘይበጽሖ እንተደኣ ኮይኑ፥ ንደቂ-ሰብ ነፍሲ ዝሃበ መለኮት ድማ፥ ሕማምን ሞትን ክበጽሖ ከም-ዘይክእል ርግጽ’ዩ።
ግዳስ ምንም’ኳ ናይ መለኮትን ትስብእትን ተዋሕዶ፥ ብዘይ ምትሕውዋስን ምልውዋጥን ምዃኑ ዝእመን እንተኾነ፥ ኣምላኽ ብትስብእቱ መከራ መስቀል ተቐቢሉ ሞተ ንብል። እዚ ማለት ድማ ንቕጽበት ዓይኒ’ውን ይኹን፥ መለኮት ካብ ትስብእት ዘይተፈልየ ምዃኑ ንምምልካት’ዩ። ነዚ’ውን እዞም ዝኽተሉ ናይ ቅዱሳን መጻሕፍቲ መረድኢታት ንመልከት።
“-ሕፃን ተወሊዱልና፥ ወዲ’ውን ተዋሂቡና እዩ’ሞ፥ እቲ ግዝኣት ኣብ መንኩቡ እዩ። ስሙ’ውን ግሩም መካር፥ ብርቱዕ-ኣምላኽ፥ ኣቦ-ዘለዓለም፥ መስፍን-ሰላም ክስመ እዩ-“ ( ኢሳ. 9/6)
ሕፃን ኮይኑ ምውላድ ናይ ትስብእት ባሕርይ ምዃኑ’ኳ እንተ-ተፈልጠ፥ ብምኽንያት ናይ መለኮትን ትስብእትን ምውህሃድ፥ እቲ ዝተወልደ ሕፃን ኃያል-ኣምላኽን፥ ናይ ዘለዓለም ኣቦን ክበሃል ምኽኣሉ ነስተውዕል።
“-እንሆ ድንግል ክትጸንስ፥ ወዲ’ውን ክትወልድ እያ። ስሙ ከኣ ኣማኑኤል ክበሃል እዩ። ትርጉሙ ድማ እግዚኣብሔር ምሳና እዩ-“ (ማቴ. 1/23) ኣብዚ’ውን ከምቲ ቀዳማይ ጥቕሲ፥ ተጸኒሱ ምውላድ ናይ ትስብእት ባሕርይ ምዃኑ’ኳ እንተ-ዘይተኻሕደ፥ ኣማኑኤል ማለት እግዚኣብሔር ምሳና’ዩ ዝተባህለ፥ ናይ መለኮትን ትስብእትን ተዋሕዶ ንኸመልክት እዩ።
“-ኣምላኽ በቲ ሓደ ወዱ ዝኣመነ ኩሉ፥ ናይ ዘለዓለም ሕይወት ምእንቲ ክረክብ እምበር፥ ከይጠፍእሲ ንወዱ በጃ ክሳብ ዝህብ፥ ንዓለም ክሳብ ክንድ’ዚ ኣፍቀራ-“ (ዮሓ. 3/16) እዚ’ውን ናይ እግዚኣብሔር ሓደ ወዲ ምዃን ብመለኮቱ’ኳ እንተኾነ፥ ንድኅነት ዓለም ክብል ንሕማምን ሞትን ተዋህበ ዝተባህለ፥ ኣብ ዝኾነ ይኹን ግዜ መለኮቱ ካብ ትስብእቱ ዘይተፈልየ ምዃኑ ንምምልካት’ዩ።
“-ነታ ብገዛእ ደሙ ዘጥረያ ቤተ-ክርስቲያን-“ (ግሓ. 20/28) ኣብዚ’ውን ንቤተ-ክርስቲያን ክብል ደሙ ዘፍሰሰ እግዚኣብሔር ምባሉ ነስተውዕል።
“-እንተ-ዝፈልጡዎስ ንጎይታ ክብሪ ኣይምሰቐሉዎን ነይሮም-“ (1ይ. ቆሮ. 2/8) እምበኣር ናይ ክብሪ ጎይታ ዝተባህለ ኣምላኽና ክኸውን ከሎ። ተሰቒሉ ምባሉ’ውን መለኮትን ትስብእትን ኣብ ዝኾነ ይኹን ግዜ፥ ዘይተፈላለዩ ምዃኖም ከመልክት እዩ።
“-ቀዳማይን ዳሕረዋይን እቲ ሕያው ኣነ እየ’ሞ፥ ኣይትፍራህ-! ሞይተ’ውን ነበርኩ። እንሆ ከኣ ንዘለዓለም ሕያው እየ-“ (ራእ. 1/18) ኣብዚ’ውን ቀዳማይን ዳሕረዋይን፥ ሞይተ ነይረ ዝበሎ፥ ብትስብእቱ ክመውት ከሎ፥ መለኮቱ ዘይተፈልዮ ምዃኑ’ዩ ዘመልክት።
ናይ ቅዱሳን-ኣቦታት ምስክርነት
“-ክልተ-ኣካል ክልተ-ባሕርይ ኢሎም ዝኣምኑ፥ ነቲ ሓደ ሰጊዶም ነቲ ሓደ ንኸይሰግዱ፥ ብባሕርየ-መለኮት ተጠሚቖም ብባሕርየ-ሥጋ ንኸይጥመቑ ግዲ ይኾኖም። ...... ንሕና ግና ብዛዕባ መለኮት ክንዛረብ ከሎና፥ ወልድ ካብ ሰማይ ከም-ዝወረደ ኢና ንዛረብ እምበር፥ ሓደ ኣካል ክልተ ምዃኑ ኣይንፈልጥን። እዚ ማለት ድማ ሰማያዊ-መለኮት ካብ ምድራዊ-ሥጋ፥ ምድራዊ-ሥጋ’ውን ካብ ሰማያዊ-መለኮት ኣይንፈልዮን። ከመይሲ ምምቕቓል ክሕደት እዩ። ስለዚ’ውን ክልተ-ኣካልን ክልተ-ባሕርይን ንዝብሉ ሰባት ምኽንያት ኣይንህቦምን። ሥጋ ሥጋ’ዩ፥ ብገዛእ ርእሱ ከኣ ነባሪ ኣይኮነን። ማለት ብናይ ገዛእ ርእሱ ባሕርይ ጥራይ ዝደኃነ ኣይኮነን። ስለዚ’ውን ካብ ዘድኃነ ካብ ቃል ተፈልዩ፥ ብገዛእ ርእሱ ጥራይ ክነብር ኣይክእልን። ቃል’ውን ሰብ ቅድሚ ምዃኑ ከም-ዝነበረ፥ ብባሕርየ-መለኮቱ ካብ ሥጋ ኣይፍለን። ማለት ንበይኑ ሓደ ወገን ኮይኑ ኣይነብርን። ..... ዘይተፈጥረ ቃል ብዘይ ሥጋ ሰብ ኮይኑ ስለ-ዘይተራእየ፥ እዚ’ውን ዘይተፈጥረ መለኮት ካብ ሥጋ ፍሉይ’ዩ ከይበሃል፥ ነንሓድሕዶም ሐደ ስለ-ዝኾኑ፥ ብተምሳል ነፍስን ሥጋን’ውን ስለ ዝተወሃሃዱ፥ ብተዋሕዶ ሓደ ኮይኖም እዮም’ሞ፥ ሕጂ’ውን ሓደ ንዝኾኑ ክልተ፥ ሓደ ስም’ዩ ዝግባእ-“ (ቅዱስ ኣቡሊደስ ሊቀ-ጳጳሳት ዘሮሜ ሃይማኖተ-ኣበው ገጽ-134)
“-ንምውላዱ ናይ ግዜ ገደብ ብዘይብሉ ቅድምና፥ ኣቐዲሙ ዓለም ከይተፈጥረ ብመለኮት ካብ ኣብ ብዝተወልደ፥ ከምኡ’ውን ንዓና ከድኅን ኣብ ዳሕረዋይ ዘመን ካብ ቅድስቲ ድንግል-ማርያም ብዝተወልደ፥ ብወዲ-እግዚኣብሔር ነኣምን። እቲ ግዜ ምስ በጽሐ እግዚኣብሔር ወዱ ለኣኸ። ካብ ድንግል ማርያም’ውን ተወልደ ኢሉ ሓዋርያ ከም-ዝመሃረና፥ እዚ ሓደ ኣምላኽ’ዚ ብመለኮቱ ወዲ-እግዚኣብሔር፥ ብሥግኡ ከኣ ናይ ኣዳም’ዩ። ወዲ-እግዚኣብሔርን ወዲ-ኣዳምን ስለ-ዝኾነ’ውን፥ ንሓደ ንሰግደሉ። ነቲ ሰብ ዝኾነ ናይ እግዚኣብሔር ኣካል ባሕርዩ ሓደ’ዩ እምበር፥ ካብ ሥጋ ከይፈሌና ሓደ ጌርና ሓንቲ ስግደት ንሰግደሉ-“ (ቅዱስ-ኣትናቴዎስ ሓዋርያዊ -ሃይማኖተ-ኣበው ገጽ-66)
“-እቲ ብናይ እግዚኣብሔር ቃል፥ ብረቂቕ-ባህርይ ዝኾነ ተዋሕዶ ኣይንኽሓድ። ከመይሲ ሓጺን ምስ ሓዊ ኣብ ዝወሃሃደሉ ግዜ፥ ምስ ሓዊ ብምውህሃድ ናይ ሓዊ-ባሕርይ ከም-ዝወስድ፥ ከምኡ’ውን ሓጺን ብሞዶሻ ኣብ ዝውቅዓሉ ግዜ፥ ምስ ሓዊ ኃቢሩ ብሓድነት ከም-ዝውቃዕ፥ እሞ ብምኽንያት ምውቃዕ እቲ ሞደሻ፥ ናይ ሓዊ-ባህርይ’ውን ከም-ዘይጉዳእ፥ ከምኡ’ውን እቲ ሰብ ዝኾነ ኣምላኽ(ቃል) ብመለኮቱ ሕማም ከይሃለዎ፥ ብሥጋ ከም-ዝሓመመ እምበኣር ነስተውዕል-“ (ቅዱስ-ቄርሎስ ሊ/ጳጳሳት ዘስክንድርያ - ሃይማኖተ-ኣበው ገጽ-272)
“-ከሓድቲ መናፍቓን ከም-ዝብልዎ እንተደኣ ኾይኑ፥ እቲ ክርስቶስ ኣብ ክንዳና ዝሞቶ ናይ መለኮት ሞት፥ ካብ ሥጋ ምፍላይ እዩ’ምበር፥ ናይ ነፍሲ ካብ ሥጋ ምፍላይ ኣይኮነን። ከም ኣበሃህላኦም ናትና ሞት እንተደኣ ዘይሞይቱ ደኣ፥ በጃና ብዝኾነ ብሞት መድኃኒና ከመይ ኣቢልና ክንምካሕ-?! ናትና ብዘይኮነ ብኻልእ ሞት ሰይጣን እንድሕሪ ተሳዒሩ፥ ቃል ምስ ናትና ባሕርይ ሓደ ኣይኮነን ማለት’ዩ። ኣምበኣር ንሱ በጃና ኮይኑ ከም ናትና ሞት ከም-ዝሞተ ዝተፈልጠ እዩ። እዚ ድማ ነፍሲ ካብ ሥጋ ምፍላይ እዩ። እንተኾነ ግን ነፍሱ ኣብ ሲኦል ኣይገደፈን። ሥጋኡ’ውን ከም-ዝፈርስን ከም-ዝምሽምሽን ኣይገበረን። ከምቲ ነቢይ ዝበሎ ግና ነፍሱ ካብ ሥግኡ ኣብ ዝተፈልየትሉ ግዜ፥ እግዚኣብሔር-ቃል ብፍቓድ ነዚ ሠሪሑ። ካብ ክልቲኦም ማለት ካብ ነፍስን ሥጋ‘ውን ኣይተፈልየን። የግዳስ ሓደ-ኣካል ብምዃን፥ ምስ ነፍስን ሥጋን ተወሃሂዱ ይነብር-“ (ቅዱስ-ሳዊሮስ ሊ/ጳጳሳት ዘኣንጾኪያ - ሃይማኖተ-ኣበው ገጽ-368)
“-ሕጂ’ውን ሓደ ናይ እግዚኣብሔር ቃል፥ ባሕርዩ ከይተለወጠን ከይተነቓነቐን ሰብ ከም-ዝኾነ ርዱእ እዩ። ስለዚ’ውን ሓደ-ባሕርይን ሓደ-ኣካልን ከም-ዝኾነ ንፈልጥ ኢና። ናይ ኣምላክነት ሥራሕ ከኣ ይሠርሕ። በዚ’ውን ንሱ ምልዋጥ ዘይብሉ ሰብ’ዩ። ንሱ’ውን እግዚኣብሔር እዩ’ሞ፥ ብጥንቲ ዝነበረ ወዲ እግዚኣብሔር-ኣብ ኮይኑ፥ ብፍቓዱ ካብ ወገን ኣብርሃምን ዳዊትን ተወሊዱ፥ ወዲ-ሰብ ክኸውን ፈተወ። ከም ኣይሁድ ክልተ-ባሕርያት ፈላልዩ ተኣምራት ዝገበረ ባሕርየ-መለኮት’ዩ። ወይ ድማ መከራ ዝተቐበለ ባሕርየ ሥጋ’ዩ ከም-ዝብል፥ ከም ንስጥሮስ ከሓዲ፥ ድሕሪ ተዋሕዶ እቲ ሓደ ናብ ናብ ክልተ ክምቀል ኣይከኣልን-“ (ሃይማኖተ-ኣበው ገጽ-379)
“-ኣማኑኤል ማለት፥ ትርጉሙ እግዚኣብሔር ኣምላኽና ምስ ናትና ባሕርይ ሓደ ኮነ ማለት’ዩ። እዚ ማለት ድማ ብዘይ ምትሕውዋስን ምልውዋጥን ሰብ ዝኾነ፥ ሓደ-ገጽ, ሓደ-ኣካል, ሓደ-ባሕርይ, እዩ። እቲ ካብ መለኮትን ትስብእትን ዝኾነ ተዋሕዶ፥ ዘይንገርን ዘይምርመርን እዩ። ብሓቂ ምትሕውዋስ ዝግብኦም ራሕሲ ዘለዎም ሥጋ እዮም። ስለ-ዝኾነ’ውን ግዝፊ ካብ ዘይብሉ ባሕርይ ኣይክፈልን። ከመይሲ ተዋሕዶ ማንታ ወይ ክልተ ምዃን ኣጥፊኡ እዩ’ሞ፥ ተዋሕዶ ካብ ክልተ ዝተረኽበ ክልተ ክበሃል ኣለዎ ዝብል ኣበሃህላ ይልውጥ። እዚ ተዋሕዶ’ዚ ዘይምቀል ኣካላዊ እዩ’ሞ፥ ፍጡር ዘይኮነ እግዚኣብሔር-ቃል ሥጋ ኣብ ምዃን ይልወጥ። ብባሕርይ ዝመስለና ካብ ንጽሕት ድንግል ዝተረኽበ ሥጋ’ውን፥ ካብ ባሕርዩ ናይ መለኮት-ባሕርይ ኣብ ምዃን ተቐይሩ ኢልካ ምዝራብ፥ ሓቀኛ ነገር ከም-ዝኾነ ዝሓስብ መን’ዩ-? በትሪ ሙሴ ተቐይራ ኣርዌ-ምድር ከም-ዝኾነት፥ ፈሳሲ ማይ’ውን ተቐይሩ ደም ከም-ዝኾነ፥ ናይ ግብጺ ብርሃን’ውን ተቐይሩ ጸልማት ከም-ዝኾነ፥ ናይ እግዚኣብሔር ናይ ሰብ ባሕርይ ኣብ ምዃን ግን ዝተለወጠ ኣይኮነን። ከመይሲ ንሳቶም ዝተፍጥሩ እዮም። ፍጡራት ምዃኖም’ውን ዝተረጋገጸ እዩ። ድሕሪ ዘመናት ዝተረኽቡ ስለ-ዝኾኑ ምልዋጥ ኣጋጢሙዎም። ናይ መለኮት ባሕርይ ግን ምቕያር የብሉን። ብዘይ መፈጸምታ ድማ ከምኡ ኢሉ ይነብር። ኣይውሰንን ምልዋጥን ምንዋጽን’ውን የብሉን። (ቅዱስ-ባስልዮስ ሊቀ-ጳጳሳት ዘኣንጾኪያ - ሃይ.ኣበ. ገጽ-422)
ተርጓሚ ካህን ተክለ-ማርያም ምርካ-ጽዮን
ሃገረ-ስብከት ኤውሮጳ
ካብ ውሽጢ ኤርትራ ዝተረኽበ ንቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ንምቁጽጻር ብመንግስቲ ኤርትራ ክካየድ ዝጸንሐን ዘሎን ሽርሒ ዘቃልዕ ቪድዮ
ድኳን መጻሕፍቲ/Book Store
ራድዮ ቃለ ኣዋዲ