ንኦርቶዶክሳዊት ተዋሕዶ ቤተ-ክርስቲያንና ብዝምልከት፥ ብሃንደበት ሓድሽ-ንፋስ ክነፍስ ይስማዕ ኣሎ። እዚ ካብ ኣሥመራ ዝብገስ ዘሎ ኣውሎ ንፋስ’ዚ፥ ነቲ ኣብ
ቤተ-ክርስቲያንና ዘሎ ህልው-ኩነታት ዘየንጸባርቕ ብምዃኑ፥ ክቕበሎ ዘይኮነስ ክሰምዖ ዝደሊ’ውን፥ ክርከብ ዝኽእል ኣይመስለናን። ከመይሲ “እዚ መንገድን ትኽ ኢሉ፥ እዚ ሰብኣይን ኣበይ ኣቢሉ” ከምዝበሃል፥ እቲ ኣብ ባይታ ዘሎ ሓቅን፥ እቲ ዝወሃብ ዘሎ መግለጽን ዘይራኸብ ብምዃኑ እዩ።
ብዝተረፈ “ነዚ ክትግዕታዶ ትርህጻ” ከም-ዝበሃል፥ እቲ ኣብ ኣሥመራ ዘሎ፥ ካብ ዝሓለፈ ዓሠርተ-ዓመት ጀሚሩ፥ ብውግዘት ተኣሲሩ ዝርከብ ዘሎ ሲኖዶስ፥ በደሉ ኣሚኑ ይቕሬታ ሓታቲ ኮይኑ ኣብ ክንዲ ዝርከብ፥ ነቶም ንዓሠርተ-ዓመት መመላእታ፥ ኣብ ትሕቲ ማሕዩር ኣእትዩዎም ዝጸንሐ ፓትርያርክ-እንጦንዮስ፥ ይቕሬታ ሓታቲ ኮይኖም ከም-ዝቐረቡ ንምምሳል፥ ዝግበር ዘሎ ተዋስኦ ንኣዳም ገረሞ ዘብል’ዩ። ከምዚ ምስ-ተረኽበ ከኣ’ዮም ዓደቦና “-ጭጉራፍሲ ሃሪማ ተእዊ” ዝበሉ።
ይኹን እምበር እቲ ኩሉ ግዜ፥ ተደፊኡን ተሳሒቡን ዝንቀሳቐስ ሲኖዶስ፥ ካብዚ ዝሐሸ ካልእ ነገር ክገብር ትጽቢት ዝግበረሉ ኣይኮነን። እቶም ብድሕሪ መጋረጃ ኮይኖም ዝጻወቱ ዘለዉ ፈርዖናት፥ እንታዎት ምዃኖም ስለ-ዝፍለጥ ግና፥ ከምቲ “-ካብ ዕኮትዶ መዓር ይርከብ-” ዝበሃል፥ ካብኣቶም’ውን ሠናይ ነገር ዝጽበ ሰብ ክህሉ ኣይክእልን’ዩ። ስለዚ በዚ ሕጂ ዘውጽኡዎ ዘለዉ መግለጺ፥ ክደናገር ዝኽእል ሕዝቢ ኣሎ ኣይንብልን።
ንኹሉ ግልጺ ኮይኑ ክፍለጥ ከም-ዝግባእ፥ ፓትርያርክ-እንጦንዮስ ይቕሬታ ሓቲቶም ብምባል፥ ካብ ኣሥመራ ዝመሓላለፍ ዘሎ መግለጺ። “ብዕራይ-ወለደ” ተባሂሉ ካብ ዝንገር ጽውጽዋይ ተፈልዩ ክርአ ዝኽእል ከም ዘይኮነ፥ ኩሎም ደቂ ቤተ-ክርስቲያን ክፈልጥዎ ዘለዎም ሓቂ’ዩ። ከመይሲ እቲ ካብ 1991 (1983 ዓ/ም) ጀሚሩ፥ ኣብ ክሳድ ቤተ-ክርስቲያንና፥ ተጻዒኑ ዝርከብ ናይ ፖለቲካ-ኣርዑት ከይተላዕለ፥ ቤተ-ክርስቲያን ተዋሕዶ እትቕበሎ ዝኾነ ይኹን ዕርቂ ከም-ዘየልቦ፥ ብኹሉን ኣብ ኩሉን ግልጺ ኮይኑ ክፍለጥ ይግባእ።
ብዝተረፈ እቶም ልጓሙ ከም-ዝበተኸ ፈረስ ኮይኖም፥ ኣብ መድረኽ ቤተ-ከስቲያን ክዕንድሩ ዝጸንሑ ኣባ-ሉቃስ፥ ቅድሚ ቅሩብ ኣዋርሕን ካይሮ ከይዶም ኣብ ዝነበሩሉ ግዜ፥ ብመራሕቲ ቤተ-ክርስቲያን ግብጺ ንዝቐረበሎም ናይ ዕርቂ ሓሳብ፥ ኣይንቕበሎን ኢና ብምባል ረጊጾሞ ከም-ዝኸዱ ዘይፈልጦ ኣሎ ኣይንብልን። ቃል ንቓሉ “ናብ ሓሙሻይ ፓትርያርክ ኣቢልና ኢና ንጥምት እምበር፥ ናብ ሣልሳይ-ፓትርያርክ ንምለሰሉ ምኽንያት የብልናን” በሃሊ ኮይኖም ከም-እተረኽቡ፥ ኣብ ምርሳዕ ዘይበጽሐ ናይ ትማሊ ታሪኽ’ዩ። እሞ ሕጂ ደኣ እንታይ ተኣምር ስለ-ዝተፈጥረ’ዩ፥ ናብቶም ሣልሳይ-ፓትርያርክ ኣቢልካ ምምላስ ተደልዩ ዘሎ-?!
ይኹን እምበር ብወገን ኣሥመራ ዝተባህለ ይበሃል ብዘየገድስ፥ ቤተ-ክርስቲያን ተዋሕዶ ኣብቲ ዝበሃል ዘሎ መኣዲ፥ ኢዳ ክትሕውስ ንረብሓኣ ከም-ዘይኮነ፥ እቲ ደምበ-ተዋሕዶና ይጠፍኦ’ዩ ክንብል ኣይንኽእልን። ብዝተረፈ ጉዳይ ቤተ-ክርስቲያን ተዋሕዶ ንደቂ-ተዋሕዶ እምበር፥ ንማንም ካልእ ዝምልከቶ ስለ-ዘይኮነ፥ እቶም ብድሕሪ መጋረጃ ኮይኖም፥ ጸወትኦም ክቕጽሉ ዝደልዩ ሰብ ፖለቲካ፥ ድሕሪ ደጊም ሕዝቢ-ተዋሕዶ ተጻዊሩዎም ክኸይድ ዝደሊ ከም-ዘይኮነ፥ ቁርጹ ክፈልጡ ዝኽእልሉ ሰዓት ከም-ዝበጽሐ እንተ-ዝፈልጡ ጽቡቕ’ዩ።
ሕጂ ከም ሕጂ ድማ፥ ኢዶም ኣልዒሎም ካብታ ቤተ-ክርስቲያን ክወጹ ደኣምበር፥ እቶም ፓትርያርክ “በደሎም ኣሚኖም ይቕሬታ ሓቲቶም” ዝብል ተዋስኦ ብምምሃዝ፥ ክገብሩዎ ኣብ ዝደልዩ ሓድሽ ጸወታ፥ እቲ ደምበ-ተዋሕዶና ክሕወሶ ወይ ክጽንበሮ ዝደሊ ኣይኮነን። ስለዚ ቤተ-ክርስቲያን ተዋሕዶ ይኣክል’ያ-!! ትብል ዘላ። ብዝተረፈ ነቲ ኣብ ኩሉ ኣሎ ዘይበሃል ሲኖዶስ፥ ከም መጋበሪ ብምጥቃም ክግበር ዝድለ ዘሎ ጸወታ፥ ካብ ብሎኮ-ጎዳይፍ ሪሒቑ ክኸይድ ዝኽእል መሓውር ከም-ዘይብሉ፥ ክርድኡዎ ዘይ-ምኽኣሎም ብጣዕሚ ዘገርም’ዩ።
ብዝተረፈ “-ነዓይ ነንጭዋዶ ኣብ ሎቖታ-” ከም-ዝበሃል፥ እቲ ኣብዚ ዝሓለፈ 25- ዓመት፥ ብዕድል ቤተ-ክርስቲያን ክግበር ዝጸንሐ ጸወታ ምእካል ኣብዩዎም፥ ሕጂ ድማ ከም-እንደገና ሓዲሽ-ተዋስኦ ብምምሃዝ፥ ብመዓር ዝተጠቕለለ ዕረ ከነውሕጠኩምሲ ሃህ በሉልና እንተበሉ፥ እቲ ደምበ ተዋሕዶና ደጊምሲ ክዕሸወሎም ዝኽእል ኣይኮነን። ስለዚ’ውን ንፓትርያርክ ብዝምልከት ዝኾነ ክለዓል ዝኽእል ሕቶ፥ በዓል ኣባ-ሉቃስ ክጭነቑሉ ዝድለ ጉዳይ ከም-ዘይኮነ፥ ጸላእን ፈታውን ክፈልጦ ኣገዳሲ እዩ።
ብዝኾነ እዚ ኣዋጅ ተባሂሉ ካብ ኣሥመራ ዝተፈነወ መግለጺ። እቶም ገና ኣብ ማሕዩር ዝርከቡ ዘለዉ ፓትርያርክ-እንጦንዮስ፥ ዝበሉዎ ቃል ከም-ዘይኮነ’ዮም፥ እቶም ምንጭታት ቤተ-ክርስቲያን ዘረጋግጹ ዘለዉ። እቲ ተባሂሉ ዝበሃል ዘሎ ኩሉ’ውን፥ ነቶም በሃልቱ ደኣምበር፥ ንፓትርያርክ-እንጦንዮስ ዝምልከቶም ነገር ከም-ዘየሎ’ዩ ዝንገር ዘሎ። እቲ ነቶም ፓትርያርክ ኣብ ማሕዩር ሒዙዎም ዝርከብ ዘሎ፥ ፖለቲካዊ-ኃይሊ እቲ ነገር ስለ-ዝኸበዶ ግና፥ መውጽኢ ዝኾኖ ነቓዕ እንተረከበ ተባሂሉ’ዩ፥ ብዕራይ-ወለደ ዝዓይነቱ ተዋስኦ ክምህዝ ኣገዲዱዎ ዝርከብ ዘሎ።
እዚ ኩሉ’ዚ ድማ፥ መሬት ክወግሕ ቀሪቡ ምህላዉ ዘመልክት ስለ-ዝኾነ፥ “ንቁም በበህላዌነ” ኣብ ዝበሃለሉ ሰዓት ንርከብ ምህላውና ክንፈልጥ ይግባእ። ኣብቲ ብፁዕ ኣቦና ኣቡነ-መቃርዮስ ዓቃቤ-መንበር ብምዃን፥ ዝመርሑዎ ዘለዉ ሓዋርታዊ-ሰንሰለት ዝሓለወ መንበር ወጺእና ከኣ፥ የማነ ጸጋም እንብለሉ ምኽንያት ኣሎ ኣይንብልን።
ካህን ተክለማርያም ምርካጽዮን
ሃገረ-ስብከት ኤውሮጳ
ካብ ውሽጢ ኤርትራ ዝተረኽበ ንቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ንምቁጽጻር ብመንግስቲ ኤርትራ ክካየድ ዝጸንሐን ዘሎን ሽርሒ ዘቃልዕ ቪድዮ
ድኳን መጻሕፍቲ/Book Store
ራድዮ ቃለ ኣዋዲ