“.....ዝዀነ ይኹን ደድሕረይ ኪስዕብ ዚደልይ (ሰብ) እንተ’ሎ፡ ገዛእ ርእሱ ይቕበጽ፡ መስቀሉ’ውን የልዕል’ሞ፡ ይስዓበኒ፡ ንህይወቱ (ባዕሉ) ኬድሕና ዚደልይ ኬጥፍኣ’ዩ፡ እቲ ንህይወቱ ምእንታይን ምእንቲ ወንጌልን ዜጥፍኣ ግና ኬድሕና’ዩ።” ማር 8፡34,35
ብመሰረት ስርዓት ቅድስቲ ቤተ ክርስትያንና ካብ’ታ በዓል መስቀል ዝተባዕለትላ መዓልቲ፡ ብኣቈጻጽራ ግእዝ ካብ መስከረም 17 ክሳዕ መስከረም 23 ዘሎ ቕንያት፡ “መስቀል” ተባሂሉ’ዩ ዚጽዋዕ። ብመሰረት’ቲ ታሪኻዊ ድሕረ ባይታኡ፡ እዚ በዓል’ዚ ናይ ቍስጥንጥንያ ንግስቲ ኢለን ነቲ ጐይታና ዝተሰቕለሉ መስቀል ካብ’ቲ ተደብዩሉ ዝነበረ መሬት ኲዒታ ዘውጽኣትሉ ዕለት ንምዝካር ዝተሰርዐ ዕለትን ሰሙንን’ዩ። ብመሰረት መንፈሳዊ ድሕረ ባይታኡ ኸኣ፡ ከም ናይ ክርስቶስ ጐይታና ሰዓብትን ደቀ መዛሙርትን መጠን ነናትና መስቀል ኣልዒልና ደድሕሪ ጐይታና ንስዕብ ከም ዘለና ገዛእ ህይወትናን ኵሉ ኣካይዳናን መርሚርና፡ መገድናን ህይወትናን ከነቕንዓሉ ዝተሰርዓልና ኽቡር ዕለትን ሰሙንን’ዩ። በዓላትና ብድምቀት ካብ ምጽምባል ሓሊፍና፡ ንመንፈሳዊ ህይወትና ዘይንምርምረሉን ዘይነቕንዓሉን እንተ ዄንና፡ ናይ’ቲ በዓል ዛንታ ወይ ታሪኽ ካብ ምዝካር ዚሓልፍ ካልእ ረብሓ ኣይንረኽበሉን ኢና። ብመጽር’ቲ ኣብ መስቀል ዝተፈጸመ ዓብዪ ግብሪ ምድሓን ርእስና መርሚርና ኣካይዳና ምስ እነቕንዕ ግን፡ ሓቀኛታት ሰዓብትን እሙናት ደቀ መዛሙርትን ናብ ምዃን ዓቢና፡ ዘለኣለማዊ ረብሓ ኽንጐናጸፈሉ ኢና። ቅድስቲ ቤተ ክርስትያንና ነዚ ቕንያት መስቀል ዝሰርዓትሉ ዕላማ ኸኣ ነዚ መንፈሳውን ዘለኣለማውን ረብሓ ምእንቲ ኽንረኽቦ’ዩ። ዕላማኣ ንሱ ምዃኑ ዜረጋግጸልና ድማ፡ ትሕዝቶ ናይ’ቲ ንበዓልን ንቕንያት ናይ መስቀልን ኢላ ዝሰርዓቶ መዝሙርን ምስባክን ኵሉ ንባባት ሓድሽ ኪዳንን’ዩ። ስለ’ዚ እቶም ኣገልገልቲ ዀንና እቶም ተገልገልቲ፡ እቲ ቕዱስ ዕላማ ናይ ቅድስቲ ቤተ ክርስትያንና ኣባና በጺሑ ሸቶኡ ኸይወቕዐ ኸይተርፍ ብልዑል ተገዳስነትን ብዓሚቝ ተመስጦን ክንትግብሮ ይግብኣና። እቲ ናይ’ዚ ዕለት’ዚ መሪሕ ጥቕስናን ኣርእስትናን ንርእሱ፡ ናብ’ቲ መንፈሳዊ ዕላማ ናይ’ዚ ቕንያት’ዚ ኸነቕልብ ዚድርኽን ዚመርሕን’ዩ።
እቶም ሓቀኛታት ጸምበልቲ ናይ’ዚ ቕዱስ በዓል’ዚ፡ እቶም ገዛእ መስቀሎም ኣልዒሎምን ጸዊሮምን ከለዉ ዜብዕልዎ ብልህታት ሰባት ጥራሕ’ዮም። እቶም ትእዛዝ ጐይታኦም ጥሒሶም፡ ገዛእ መስቀሎም ደርብዮም ኬብቅዑ፡ በዓል መስቀል ኣብ ምጽምባል ጥራሕ ዚተግሁ ግና፡ ዝተጠበረ ልቢ ዘጋገዮም፡ ግብዝነት ዝመላለዪኦም፡ ኣብ ዘይምልከቶምን ዘይብጽሖምን ጕዳይ ንኸንቱ ዚሃልኩ ዓያሱ’ዮም። ከም’ዚኣቶም ዝኣመሰሉ ክርስትያን ካብ ምዃን፡ እግዚአብሔር ብምሕረቱ ይባልሃና!! ምኽንያቱ ነቶም ብመስቀሎም ዘየኽበርዎን ኣብ’ቲ ናይ መስቀል መከራኡ ዘይሓበርዎን፡ ኣብ’ታ ብጽድቅን ብፍትሕን ዚፈርደላ መዓልቲ ምጽኣቱ፡ “ኣቱም ርጉማት ገበርቲ ዓመጻ፡ ከቶ ኣይፈልጠኩምን’የ’ሞ፡ ካባይ ርሓቑ፡ ናብ’ቲ ንሰይጣንን (ንኣጋንንቱን) ዝተዳለወ ናይ ዘለኣለም ሓዊ (ኪዱ)” ኢሉ ናብ’ቲ ዚግብኦም ስፍራ ኼስናብቶም’ዩ (ማቴ 7፡23 ፣ 25፡41)። ካብ ከም’ዚ ዝበለ፡ ይትረፍ ኣባኻ ኪበጽሕ ነዛ ንኽትሰምዖ’ኳ ዜሰቅቕ ፍርዲ ምእንቲ ኽንድሕን’ያ፡ ቅድስቲ ቤተ ክርስትያንና ቅንያት መስቀል (ዘመነ-መስቀል) ሰሪዓትልና ዘላ። ጐይታና ነዚ ድንቂ ኣስተምህሮ’ዚ ዝሃበ፡ እቲ ንሱ ዚስቀለሉ ጊዜ ገና ኸይበጽሐ ኸሎ’ዩ። እቲ ምኽንያት ድማ፡ ንሱ ብዅሉ ነገር ፍጹም ኣርኣያና ስለ ዝዀነ፡ ገዛእ መስቀልና ኸነልዕል ከለና፡ ልክዕ ከም’ቲ ናቱ ጌርና ምእንቲ ኽንጾሮ፡ ነቲ ናቱ ጕዕዞ መስቀል ብልዑል ኣድህቦ ምእንቲ ኸነቕልበሉን ክንመሃረሉን ኢሉ’ዩ።
ናይ’ዚ ዕለት’ዚ መሪሕ ጥቕስናን ኣርእስቲ ትምህርትናን እንታይ’ዩ ዚብለና ዘሎ፧ ዜድሕን ድሕነት’ምበር፡ ዜጥፍእ ድሕነት ኣሎከ ድዩ፧ ዜጥፍእ ጥፍኣት’ምበር፡ ዜድሕን ጥፍኣትከ ኣሎ ድዩ፧ ብርግጽ ኣሎ። ክብሪ ንስሙ ይኹን፡ ነዚ ረቂቕ ምስጢር’ዚ እቲ ገላጽ ምስጢራትን፡ መዝገብ ጥበብን ፍልጠትን፡ ንሱ ንርእሱ’ውን ምስጢር ኣምላኽ ዝዀነ ጐይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ’ዩ ዝገለጸልና (ኤፌ 3፡2-4 ፣ ቈሎ 2፡2,3)። ርእስና ንኸነድሕን ብዝወሰድናዮ ምርጫን ስጕምትን ንዘለኣለም ንጠፍእ ከም ዘለና ምስ ተገንዘበ፡ ነዚ ብቐሊሉ ኽትርድኦ ዜሸግር ረቂቕ ምስጢር ድሕነት ገለጸልና። ኣብ መሪሕ ጥቕስና (ማር 8፡35) ብንጹር ተገሊጹ ኸም ዘሎ፡ እቲ ንገዛእ ህይወቱ ባዕሉ ኼድሕና ዚደልይ፡ ኣብ’ቲ ናይ ኣምላኽ ሓይሊ-ምድሓን ኪውከልን ኪእመንን ዘይደልይ ሰብ፡ ነቲ ኣምላኽ ጥራሕ ዚህቦ ምድሓን ዝነዓቐ፡ ንርእሱ ድማ ኣብ ስፍራ ኣምላኽ ዘቐመጠ ሓደገኛን ዓለወኛን ሰብ’ዩ። ስለ’ዚ ኸኣ ብልቡ ደላይ ድሕነት ክነሱስ፡ ብዘይካ ጥፍኣት ካልእ ትጽቢትን ተስፋን ዘይብሉ ሰብ’ዩ ዚኸውን። ምኽንያቱ ኣብ’ቲ ናይ እግዚአብሔር ናይ በይኑ ልኡላዊ ስልጣን ኢዱ የእትው ስለ ዘሎ’ዩ። ምድሓን ናይ እግዚአብሔር’ዩ፡ እግዚአብሔር በይኑ’ዩ መድሓኒ። ነዚ ምድሓን’ዚ ኸኣ በቲ ሓደን ቅዱስን ወዱ’ዩ ዚፍጽሞ። እዚ ሓቂ’ዚ እግዚአብሔር ኣቦ ብስራሕ መንፈስ ቅዱስ ብቕዱሳን ነብያቱን ሃዋርያቱን ገይሩ ዝገለጾ፡ ነቕ ዘይብል ጽኑዕ ሓቂ’ዩ።
“ምድሓን ናይ እግዚአብሔር’ዩ፡ ኦ እግዚአብሔር፡ ንህዝብኻ ባርኽ ምድሓን ጻድቃን ካብ እግዚአብሔር’ዩ፡ ንሱ ኣብ ዘመን ጸገሞም ይሕልዎም። እግዚአብሔር ይረድኦምን የናግፎምን’ዩ፡ ናብኡ ስለ ዝተጸግዑ ድማ የናግፎምን ይረድኦምን’ዩ። .....ምድሓነይ ካብ ኣምላኽ’ዩ ዚመጽእ’ሞ፡ ኣነ ንእኡ ጥራይ ሃዲአ እጽበይ ኣለኹ።” መዝ 3፡8 ፣ 37፡39,40 ፣ 64፡1 ካ.ት
“ነቲ ኻብ ውድቀት ዘበለ ኺሕልወኩም፡ ሕጕሳትን ነውሪ ዘይብሎምን ገይሩ ኣብ ቅድሚ ኽብሩ ኬቝመኩም ዚከኣሎ፡ ነቲ ብጐይታና ብኢየሱስ ክርስቶስ፡ በይኑ መድሓኒና ዝዀነ ኣምላኽ፡ ቅድሚ ዅሉ ዘመናትን ሕጅን ንዘለኣለም ኣለምን ክብሪ፡ ግርማ፡ ሓይሊ፡ ስልጣን ይኹኖ። ኣሜን።” ይሁ 24,25 ካ.ት
እምበኣር እቲ ንርእሱ ናይ ምድሓን ሓላፍነት ዝወሰደ ዓሻ ሰብ፡ ድርብ ውድቀት’ዩ ዚወድቕ። ቀዳማይ ውድቀቱ፡ ንርእሱ ኼድሕን ዝዀነ ዓይነት ዓቕሚ ዘይብሉ ምዃኑ ኪኸውን ከሎ፡ እቲ ኻልኣይ ውድቀቱ ድማ፡ ነቲ ዘይናቱ በይናዊ ስልጣንን ግብርን ናይ እግዚአብሔር፡ ከም ናቱ ገይሩ ብድፍረት ኪዋስኣሉ ምፍታኑ’ዩ። እቲ ንምድሓን ዝለበመ ብልሂ ክርስትያን ግን፡ ምእንቲ ኣምላኽ ኪነብርን ህይወቱ ንእኡ ኺውፍይን’ምበር፡ ኣብ ዘይናቱ ዓውዲ ስልጣን ኪኣትው ኣይደፍርን’ዩ። ነቲ ናይ ኣምላኽ ዝዀነ ዅሉ ንኣምላኽ ሂቡ ኣብ’ታ ዝተፈቕደትሉን ዝተዋህበቶን ተልእኾ ጥራሕ ዚድረት ሓላፍነታውን ፍትሓውን ሰብ’ዩ። ዓስቢ ናይ ከም’ዚ ዝበለ ጥንቁቕን ውፉይን ሰብ፡ ዘለኣለማዊ ድሕነትን ክብርን’ዩ። ጥፍኣት ናይ ካልኦት ይሰምዕን ይርእይን ይኸውን’ምበር፡ ፈጺሙ ኣይጥዕሞን፡ ኣይሙከሮን’ውን’ዩ። ስለ’ዚ ንርእስኻ ባዕልኻ ከተድሕን ምምራጽን ምፍታንን፡ ዜጥፍእ ድሕነት’ዩ። ብኣምላኽ ተኣማሚንካ፡ ነቲ ናይ ምድሓን ልኡላዊ ስልጣን ንእግዚአብሔር ሓዲግካ፡ ህይወትካ ንእኡን ምእንትኡን ምጥፋእ ድማ፡ ዜድሕን ጥፍኣት’ዩ። እዚ ዅሉ ድማ ብባዕላዊ ምርጫ ናይ’ቲ ውልቀ ሰብ’ዩ ዚውሰን። ስለ’ዚ ኸኣ’ዩ ኣርእስትና “ነየናይ ትመርጹ፧ ዜድሕን ጥፍኣትዶ ዜጥፍእ ድሕነት፧” ኢሉ ዚብድሃና ዘሎ።
ነዚ ዝተገልጸ መንፈሳዊ ሓቂ’ዚ ዜብርህ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ኣብነት ኣሎናዶ፧ ብርግጽ ኣዝዩ ብዙሕ ኣብነት ኣሎና። ናይ ሃዋርያ ቅዱስ ጴጥሮስን ነብዪ ዮናስ ቅዱስ ጳውሎስን ታሪኽ ህይወት እኹልን መሃርን ኣብነትና’ዩ። ብመሰረቱ’ውን ጐይታና ነዚ ሃይለ-ቃል’ዚ ኺዛረብ ዝተደረኸ፡ በቲ ርእሰ-ሃዋርያት ዝዀነ ቅዱስ ጴጥሮስ’ዩ። ጐይታና ንቕዱሳን ደቀ መዛሙርቱ ብዛዕባ’ቲ ዚጽበዮ ዘሎ መከራ መስቀልን ሞትን ትንሳኤን ኪነግሮምን ኬዳልዎምን ምስ ጀመረ፡ ቅዱስ ጴጥሮስ ኣይተሓጐሰን። ንጐይታና ንበይኑ ኣግልል ኣቢሉ ድማ፡ “ይባልህካ’ባ ደኣ ጐይታይ፡ እዝስ ኣይብጻሕካ” ኢሉ ኺገንሖ ጀመረ። ጐይታና ግን “ካባይ ርሓቕ፡ ሰይጣን!!” ናይ ሰብ’ምበር፡ ናይ ኣምላኽ ኣይትሓስብን ኢኻ’ሞ፡ ንኣይ መዓንቀፊ ኢኻ” ኢሉ ድሕሪ ምግሳጹ፡ ነዚ ኣብ መሪሕ ጥቕስና ዘሎ ቓል ተዛረበ (ማቴ 16፡21-25)። እዛ ርእስኻ ከተድሕን ናይ ምድላይ ሓሳብ ካብ ውሽጡ ስለ ዘይተነቕለትሉ ግን፡ ንጐይታ’ኳ እንተ ዘይዓንቀፈቶ፡ ንእኡ ንርእሱ ግን ብዜሕፍር መገዲ ዓንቂፋቶ’ያ። ጐይታና፡ “ክትክሕደኒ ኢኻ” እናበለ ኣረጋጊጹ እንተ ነገሮ’ኳ፡ “ኣይክሕደካን’የ” እናበለ ንጐይታኡ መጐቶ። እታ ዓንቃፊት ኣተሓሳስባ ኣብ ውሽጡ ስለ ዝነበረት ከኣ፡ ብምፍርራህ ኣግራድ ፈሪሳውያን፡ “ነቲ ሰብኣይ’ቲ ኣይፈልጦን’የ” ኢሉ ሰለስተ ሳዕ ብምኽሓድ ተዋረደ (ማቴ 26፡31-35,69-75)። እቲ ንርእስኻ ናይ ምድሓን ሃቐና፡ ከም’ዚ ገይሩ’ዩ ናብ ጥፍኣት ዚደፍኣካ። ንሱ ብመሪር ብኽያት እንተ ዘይንሳሕን፡ ጐይታ’ውን ብምሕረቱ ነቲ ኽሕደቱ እንተ ዘይሓድገሉን፡ እቲ ርእሲ ዅሎም ሃዋርያት፡ ልክዕ ከም ይሁዳ ኣስቆሮታዊ፡ ንዘለኣለም ምጠፍአ ነይሩ። ብመሰረት ኣርእስትና፡ በዳሂ ፈተና ምስ ገጠሞ፡ ንርእሱ ኼድሕን ኪብል “ዜጥፍእ ድሕነት” መረጸ። ዓንቃፊ ምርጫ ስለ ዘልዓለ ድማ፡ ተዓንቂፉ ናብ ከቢድ ሓጢኣት፡ ናብ ክሕደት ወደቐ። ድሕሪ ምልኣት መንፈስ ቅዱስ ግና፡ ምርጫኡ ኻብ ዜጥፍእ ድሕነት ናብ ዜድሕን ጥፍኣት ተለወጠ። ምእንቲ ጐይታን ምእንቲ ወንጌልን ህይወቱ ኼጥፍእን ኪውፍይን መረጸ። ስለ’ዚ ድማ ኣብ ቅድሚ’ቶም ደም ቅዱሳን ዝለመዱ ዋዕላ ኣይሁድ፡ ንጸላእቱ ዜስተንክር ትብዓት ኣርኣየ (ግብ 4፡13)። ኣብ ቅድሚ’ቲ ዋዕላ ኣብ ጥራይ ዝባኖም ነርብዓ ሓደ ጐደል (39 ጊዜ) ምስ ተገርፉ ድማ፡ ምስ ኵሎም ኣሕዋቱ፡ “ምእንቲ ስሙ ኺሓስሩ (ብኣምላኽ) ብቑዓት ኰይኖም ስለ ዝተቘጽሩ፡ ካብ ቅድሚ’ቲ ዋዕላ እናተሓጐሱ ኸዱ” ተባሂሉ ተመስከረሉ (ግብ 5፡27-42)። ንኽልቲኡ ምርጫታት ብብቕዓት ዚገልጽ፡ ነዚ ዚመስል ኻልእ ዛንታ ኽትረክብ ዳርጋ ዘይሕሰብ’ዩ። ዓይነት ምርጫኻ ኣብ ዓይነት ህይወትካን ዓይነት ዘለኣለማዊ ፍጻሜኻን ዘለዎ ግደ፡ ኣዝዩ ዜጕልሕ ኣብነታዊ ፍጻሜ’ዩ።
ነብዪ ዮናስ ድማ ካብ’ታ እግዚአብሔር ዝሃቦ ተልእኾ ርእሱ ኼድሕን ኢሉ ናብ ተርሴስ ብመርከብ ዝሃደመ ናይ ኣምላኽ ኣገልጋሊ’ዩ። እግዚአብሔር ናብ ልቡ ኺመልሶ ኢሉ ግን፡ ናይ ምርጫኡ ሳዕቤን እንታይ ከም ዝዀነ ብግብሪ ኣርኣዮ። ኣብ ከብዲ ዓሳ ኣንበሪ (whale) ኰይኑ ሓቀኛ ንስሓ ብምንሳሕ፡ ናብ’ታ ዝተዋህበቶ ተልእኾ ሰላሕ ኢሉ ኸደ። እታ ናይ ምእዛዝ ቅንዕቲ ምርጫኡ ድማ ንእኡ ጥራይ ዘይኰነ፡ ንድሕነት ምሉእ ህዝቢ ነነዌ ምኽንያት ኰነት (ዮሃ 1-3)።
ቅዱስ ጳውሎስ ካብ’ታ ዝኣመነላ መዓልቲ ጀሚሩ፡ ንህይወቱ ምእንቲ ጐይታኡን ምእንቲ ወንጌልን ምእንቲ’ቶም ብርሃን ወንጌል ዘይረኸቡ ኣህዛብን ኣይሁድን ኬጥፍኣ ዝመረጸ ሰብ ነበረ (ሮሜ 9፡3፣ 10፡1,2 ፣ 2ቈረ 12፡15 ፣ 1ተሰ 2፡8)። ነታ ህይወቱ ንመከራን ንሞትን ዕረፍቲ ንዘይብሉ ጻዕርን ድኻምን ኣሕሊፉ ብምሃቡ ድማ ሓበን ዚስምዖ ፍሉይ ሃዋርያ ነበረ (2ቈረ 11፡27 ፣ 2ተሰ 3፡7 ፣ ፊሊ 4፡12)። ጐይታ ድማ ነቲ ንጳውሎስ ናይ ምድሓን ሓላፍነት ባዕሉ ስለ ዝተሰከሞ፡ “ከናግፈካን ከድሕነካን’የ” እናበለ የተባብዖ ነበረ (ግብ 21፡11 ፣ 18፡10,11)። ቅዱስ ጳውሎስ ባዕሉ’ውን ብዛዕባ’ቲ ጐይታ ዚገብረሉ ዝነበረ ምድሓን ብወርቃዊ ቃላት ይእመን ነበረ (2ቈረ 1፡8-10 ፣ 2ጢሞ 4፡17,18)። ካብ’ዚ ህያው ኣብነታት’ዚ ኸም ንርድኦ’ምበር፡ ንርእስኻ ናይ ምድሓን ሓላፍነት ባዕልኻ ክትስከሞ እንተ መረጽካ፡ ጐይታ ድማ ነታ ንኣኻ ናይ ምጥፋእ ሓላፍነት’ዩ ዚስከም። ምኽንያቱ ንእኡ ሓዲግካሉ ዘለኻ እንኮ ምርጫ ንሳ’ያ። መንፈስ ቅዱስ ልቦና ዓዲሉካ፡ ንህይወትካ ምእንትኡ ናይ ምጥፋኣ ቕኑዕ ምርጫ እንተ ወሲድካ ግና፡ ንሱ ድማ ነታ ንስኻ ፈቲኻ ዝሓደግካሉ ንኣኻ ናይ ምድሓን ምርጫ ኼልዕል ይድረኽ። ስለ’ዚ ድማ ድሕነትካ ኣዝዩ ዓብይን ዘለኣለማውን’ዩ ዚኸውን። ከመይሲ እቲ መልኣኽ ጥፍኣት ዝዀነ ድያብሎስ ካብ ሕቝፉ ኺምንዝዓካ ኣይክእልን’ዩ (ዮሃ 10፡27-30 ፣ 2ጢሞ 1፡12)።
ሓደ ሰብ፡ ብኸመይ’ዩ ዜጥፍእ ድሕነት ወይ’ውን ዜድሕን ጥፍኣት ኪመርጽ ዚኽእል፧ እቲ ምርጫኻ ነየናይ ገጻት (ወይ ጽላት) ናይ ህይወትና’ዩ ዚምልከት፧ ንምዃኑኸ እዚ ምርጫ’ዚ ዘይምልከቶ ኽፍሊ ናይ ህይወት ኣሎና ድዩ፧ ከቶ የልቦን!! ናይ ቅኑዕ ምርጫ ምስጢር፡ ኣብ’ዚ ብዙሕ ዚመስል፡ ግን ከኣ ሓደ ዝዀነ ሕቶታት’ዩ ተሰዊሩ ንረኽቦ። ነዛ ሕቶ’ዚኣ ኣብ መዓልታዊ ናብራኡ፡ ብቓል ኰነ ብግብሪ፡ ቅኑዕ መልሲ ኣብ ምሃብ ዝተዓወተ ሰብ፡ ኵሉ ጊዜ ነቲ ዜድሕን ጥፍኣት’ዩ ዚመርጽ። ካብ ከምኡ ደኣ የድሕነና’ምበር፡ እቲ ቕኑዕ መልሲ ኣብ ምሃብ ዘይተዓወተን ዝፈሸለን ክርስትያን ግን፡ እግዚአብሔር ብምሕረቱ ተደሪኹ ብገለ ተኣምር ካብ ዕብዳኑ እንተ ዘይዓጊትዎ፡ ኵሉ ጊዜ ዜጥፍእ ድሕነት መሪጹ፡ ናብ ዘለኣለማዊ ጥፍኣት ገጹ’ዩ ዚጋልብ። ሕጽር ብዝበለ መገዲ፡ እቲ ናብ ቅኑዕን ኣርባሕን ምርጫ ገጹ ዚመርሓና ምስጢር፡ ኣብ’ዚ ዚስዕብ ስለስተ ጥቕስታት ተገሊጹልና ኣሎ።
“ድሕሪ ሕጂ እቶም (ብህይወት) ዘለዉ (ዅሎም)፡ ነቲ ምእንታኦም ዝሞተን ዝተንስአን (ክርስቶስ)’ምበር፡ ንርእሶም ምእንቲ ኸይነብሩ፡ ንሱ ኣብ ክንዲ ዅላቶም ሞተ።” 2ቈረ 5፡15
“እቲ ንሓንቲ መዓልቲ ዜኽብር ንጐይታ ኢሉ ይገብሮ። እቲ ዚበልዕ ድማ ንጐይታ ኢሉ’ዩ ዚበልዕ። ከመይ ንኣምላኽ የመስግኖ’ዩ። እቲ ዘይበልዕውን ንጐይታ ኢሉ’ዩ ዘይበልዕ። ንኣምላኽ ከኣ የመስግና። ካባና ንርእሱ ኢሉ ዚነብር ወይ ንርእሱ ኢሉ ዚመውት ሓደ’ኳ የልቦን። ብህይወት እንተ ነበርና፡ ንጐይታ ኢና ንነብር፡ እንተ ሞትና’ውን ንጐይታ ኢና ንመውት። ስለ’ዚ ብህይወት እንተ ነበርና ወይ እንተ ሞትና፡ ናይ ጐይታ ኢና። ስለ’ዚ ክርስቶስ፡ ጐይታ ምውታትን ህያዋንን ምእንቲ ኪኸውን ኢሉ፡ ሞይቱ ተንስአ።” ሮሜ 14፡6-9 ካ.ት
ምስጢር ናይ ዘየጠራጥር ድሕነትን፡ ምስጢር ናይ ቅኑዕ ምርጫን’ምበር፡ ኣብ’ዚ ሃዋርያዊ መልእኽቲ’ዚ ተገሊጹ እንሆ!! ክርስቶስ ጐይታና፡ ነቲ መሪር ውርደትን ስቓይን ናይ መስቀል ብሓጐስ ተቐቢሉ ዝሞተን ዝተንስአን፡ ንሕና ንርእስና ኢልና ምንባር ምእንቲ ኸነቋርጽ፡ ለካሚና ምርጫ ኻብ ምውሳድ ምእንቲ ኽንድሕን፡ ድሕነት ብዚመስል ጥፍኣት ምእንቲ ኸይንጥበር ኢሉ’ዩ። ነዛ ምስጢር’ዚኣ ብንጹር ዘይምፍላጥን ፈቲኻ ዘይምቕባልን ዘይምትግባርን፡ ብዘይ ናትካ ሰብነት፡ ብዘይ ናትካ ህይወት፡ ብዘይ ናትካ ዕድመ፡ ብዘይ ናትካ ሓይሊ፡ ብዘይ ናትካ ገንዘብን ንብረትን ንገዛእ ርእስኻ እትነብር ዓመጸኛ፡ ገፋዒ፡ ከሓዲ ሰብ’ዩ ዚገብረካ። ነቲ ቕዱስ ጳውሎስ፦
“ብዋጋ ተዓዲግኩም ኢኹም’ሞ፡ ስጋኹም ቤት መቕደስ ናይ’ቲ ኣባኻትኩም ዘሎ ካብ ኣምላኽ ዝተቐበልኩምዎ መንፈስ ቅዱስ ምዃኑ፡ ናይ ርእስኹም’ውን ከም ዘይኰንኩምዶ ኣይትፈልጡን ኢኹም፧ ስለ’ዚ ብስጋኹም (ንርእስኹም ዘይኰነስ) ንኣምላኽ ኣኽብርዎ።”
ዝበሎ ቓል ድማ ኣይንረስዓዮ (1ቈረ 6፡19,20)። ክርስቶስ በቲ ኽቡር ደሙ ዝዓደገና ንብረቱ ምዃንና ድማ ኣብ’ቲ ሃዋርያዊ መልእኽታት ብተደጋጋሚ ተገሊጹልና ኣሎ (ገላ 3፡13 ፣ 1ጴጥ 1፡18,19 ፣ 2ጴጥ 2፡1 ፣ ራእ 5፡9,10)። ንርእስኻ ምንባር፡ ንርእስኻ ምድሓን ኣዝዩ ዓብዪ ኣበሳ ዚዀነሉ ምኽንያት ነቲ ብመሪር ስቓይን ሞትን ብኽቡር ደም ክርስቶስ ዝተዓደገ ዘይናትካ ህይወት፡ ንኣምላኽ ጠሊምካ ንርእስኻ ክትገብሮን ክትከብረሉን ናይ ምምራጽ ግብረ-ዓመጻ ስለ ዝዀነ’ዩ። ብኻልእ ኣዘራርባ፡ ንህይወትካስ ካብ’ቲ መድሓኒኣን ተበጃዊኣን ኣምላኽ ከተድሕና ትመርጽ ኣለኻ ማለት’ዩ። ነዚ ዓመጸኛ ምርጫ’ዚ ጥፍኣት ዘይተፈርደ ደኣ፡ ንምንታይ ኪፍረድ’ዩ!! ናይ ኵሉ ኸቢድን ፈኲስን፡ ናይ ኵሉ ዓብይን ንእሽቶን፡ ናይ ኵሉ ስጋውን መንፈሳውን ሓጢኣት እንኮ ጠንቂ፡ እዚ እኹይን ዓሻን ምርጫ’ዚ’ዩ።
ኣብ’ቲ ዕለታዊ ማሕበራዊ ናብራና፡ ካብ’ዚ “ንርእስኻ ናይ ምንባር” ዓመጸኛን ጥፍኣታውን ምርጫ’ዚ ብኸመይ ኢና ‘ንናገፍ፧ ዝዀነ ዝተፈልየ ኻልእ ምስጢር የብሉን። ናትና ጸገም፡ ኣብ’ቲ ናብራና ንእነዘውትሮ ንጥፈታት፡ ንገሊኡ መንፈሳዊ ንገሊኡ ኸኣ ስጋዊ እናበልና ንኸፋፍሎ ምዃንና’ዩ። ከም’ኒ ጾም፡ ጸሎት፡ መዝሙር፡ ምጽዋት ወዘተ ዝኣመሰሉ ንጥፈታት መንፈሳውያን ከም ዝዀኑ፡ ከም’ኒ ምብላዕ፡ ምስታይ፡ ምስራሕ፡ ምምርዓው፡ ምውላድ ወዘተ ዝኣመሰሉ ኸኣ ስጋውያን ንጥፈታት ከም ዝዀኑ ጌርና ንሓስቦም። እዚ ሰንኮፍን ድኹምን ኣተሓሳስባ’ዚ ነቲ “ስጋዊ” ኢልና ዝመደብናዮ ንጥፈታት መንፈሳውነት ከም ዘይምልከቶ ጌርና ከም ንሓስብ ስለ ዝገብረና፡ ልክዕ ከም እንስሳ፡ ደስ ከም ዝበለና ጌርና ኢና ‘ንነብሮ። ዚበዝሕ ካብ’ቲ ጊዜናን ንጥፈታትናን ሓይሉ ኣብ’ቲ “ስጋዊ” ዝበልናዮ ንጥፈታት ስለ ዝዀነ፡ ዓመጻናን ሓጢኣትናን ድማ ብእኡ መጠን’ዩ ዚበዝሕ። እዚ ድኹም ኣተሓሳስባና’ዚ፡ ነዚ ናይ ሎሚ መሪሕ ጥቕስናን ኣርእስትናን፡ ምስ’ቲ ማሕበራዊ ናብራና ብኸመይ ከም ዚዛመድ ከይንርድኦ ይዕንቅፈና ኣሎ። ቅዱስ ጳውሎስ፡ ካብ’ዚ ድኹምን ዓንቃፍን ኣተሓሳስባ’ዚ ምእንቲ ኼናግፈና’ዩ፦
“እምብኣርሲ እንተ በላዕኩም፡ ወይስ እንተ ሰቴኹም፡ ወይስ ዝዀነ ይኹን እንተ ገበርኩም፡ ኲሉ ንኽብሪ ኣምላኽ ግበርዎ።” ብምባል ዝመዓደና (1ቈረ 10፡31)። ብመሰረት’ዚ ሃዋርያዊ ምስጢር’ዚ፡ ምብላዕን ምስታይን’ኳ ስጋዊ ዘይኰነስ መንፈሳዊ ንጥፈታት’ዩ። ንኽብሪ ኣምላኽ ኢልና ኽንገብሮ ጥራሕ ዚግብኣና ምኽንያት ከኣ ንሱ’ዩ። እቲ ዝተረፈ ኻልእ ኵሉ ንጥፈታት ድማ ኣብ ትሕቲ’ቲ “ዝዀነ ይኹን እንተ ገበርኩም” ዚብል ሓረግ ተጠቓሊሉ ኣሎ። ስለ’ዚ ነቲ “ስጋዊ ዝበልናዮ ዝበዝሐ ንጥፈታትና፡ ንጐይታ ንኽብሪ ኣምላኽ ኢልና እንተ ገበርናዮ። ነቲ “ምእንታይን ምእንቲ ወንጌልን ዜጥፍኣ (ዚውፍያ)” ዚብል ቃል ስለ ዝፈጸምናዮ፡ ነቲ ቕኑዕ ምርጫ፡ ማለት ነቲ ዜድሕን ጥፍኣት መሪጽና ኣለና ማለት’ዩ። ንርእስና ኢልና ጥራሕ ንገብሮ እንተ ዄንና ግን፡ ነቲ ንጥፈታትና ናይ ኣምላኽ ካብ ምዃን ከነድሕኖ ንጋደል ስለ ዘለና፡ ነቲ ዜጥፍእ ድሕነት መሪጽና’ለና ማለት’ዩ። ምኽንያቱ ብሰሪ’ዚ ዓመጻና’ዚ፡ ኣምላኽ ንጥፍኣት’ዩ ዚፈርደና። እዚ ናይ ሎሚ መሪሕ ጥቕስና፡ ነቶም ኣገልገልቲ ወንጌል ጥራሕ ከም ዚምልከት ጌርና ኽንሓስቦ ኣይግባእን’ዩ። ምኽንያቱ ማሕበራዊ ናብራና ኣምላኽ ጥራሕ ኪኸብረሉ ዚግባእ ዝነውሐ ጊዜን ዝሰፍሐ ዕድላትን ዘለዎ ናይ ኣገልግሎት መድሪኽ’ዩ። ቅዱስ ጳውሎስ፡ ነዚ ሓቂ’ዚ ኣብ’ቲ ንዝምድና ኣስራሕን ሰራሕተኛን (ጐይታን ባርያን) ዝገለጸሉ ኣጋጣሚታት፡ ብስእላዊ መገዲ ኣብሪህዎ ኣሎ (ኤፌ 6፡5-9 ፣ ቈሎ 3፡22-25)። ብዓሚቝ ምስትውዓል ኪንበብ ዚግብኦ’ዩ። ባርያ ንጐይታኡ ኺግዛእ ከሎ፡ ንክርስቶስ ይእዘዝ ከም ዘሎ ገይሩ ብፍታውን ብሓጐስን ኪእዘዝ ተነጊርዎ ኣሎ። እዚ ድማ “ምእንቲ ጐይታ ኢሉ ይነብር” ምህላዉ ዜረጋግጽ’ዩ። ብገንዘብ ዓዲጉ ብግፍዒ ይገዝኣካ ንዘሎ ሰብ፡ ከም ንጐይታ ጌርካ ምእዛዝ፡ ነታ ህይወትካ ኸም ዘባኽንካያ ኸም ዘጥፍኣካያ ዀይኑ ኺስምዓካ ይኽእል’ዩ። እቲ ሓቂ ግን ብኣንጻሩ’ዩ። ብፍታውን ብሓጐስን ከምኡ እንተ ገበርካ ግን፡ ኣብ’ዛ ምድሪ’ኳ ኻብ’ቲ ባርነት እንተ ዘይተናገፍካ፡ ኣብ ሰማይ ግን ክርስቶስ ዓስብኻ ኪፈድየካን ምስኡ ኼንግሰካን’ዩ ዜድሕን ጥፍኣት ይብሉኻ ከም’ዚ’ዩ። እዚ ሃዋርያዊ መምርሒ’ዚ ንዅሉ ማሕበራዊ ዝምድናታትናን ንጥፈታትናን ብማዕረ ስለ ዚምልከት፡ ብዕቱብነት ክንምርሓሉን ክንትግብሮን ይግብኣና። ንህይወትና ብምህሮ ባህሊ ሰብ ኣይንምርሓያ። የበላሽወናን የጥፍኣናን’ምበር፡ ዓዲ ኣየእትወናን’ዩ። ጐይታና፡ እቲ ጻድቕ ፈራዲ፡ ንመን ድሕነት፡ ንመን ከኣ ጥፍኣት ከም ዚህብ ከም ጸሓይ ቀትሪ ኣብሪሁ ገሊጹልና’ዩ። ዓዲ ዜእትወና፡ እቲ ክርስቶሳውን ሃዋርያውን ኣተሓሳስባ ጥራሕ’ዩ።
እምበኣር ንገዛእ ህይወትና ብዘይንሕስያ ብዕምቈት ንመርምር። ግደ ሓቂ፡ ንጐይታ ኢሉ ዚነብር ህይወት ስለ ዘይብልና፡ እቲ ድኻምናን ነውርናን ሃስስ ከይበልካ ዚርከብ ናይ ኣደባባይ ምስጢር’ዩ። ህይወትና ናይ ኣምላኽ ካብ ምዃን ከነድሕና እንሃልኽ ሰባት ስለ ዝዀንና፡ ምርጫና ዜጥፍእ ድሕነት ኰይኑ ኸም ዝጸንሐን ከም ዘሎን ምርምር ዘይሓትት፡ ዕዉር ዚርእዮ፡ ጸማም ዚሰምዖ ግሁድ ሓቂ’ዩ። እምበኣር ዘመን-ምሕረት ገና ኸይተወድአ ኸሎ፡ ታሪኽና ንለውጥ፡ መለሳ ዘለዎ ታሪኽ ንህነጽ። ብዘይንጠዓሰሉ መገዲ ንምርጫና ነተኻኽሎ። ካብ ለካሚና ድሕነት፡ ብልቦና ቐዳዊና ጥፍኣት ንምረጽ። ንህይወትና ካብ ገዛእ ፍቓድና ደኣ’ምበር፡ ካብ ኣምላኽ ከነድሕና ኣይንጋደል። ዜጥፍእ ድሕነት ተሓሲምና፡ ዜድሕን ጥፍኣት ንምረጽ። ብናይ እግዚአብሔር ሓይሊ-ምድሓን ተኣማሚንና፡ ንህይወትና ምእንትኡን ንእኡን ነጥፍኣያ!! ጸሎትና ድማ “ካብ ፍቓደይ ኣድሕነኒ” ይኹን!!
ጸጋ ጎይታና ኢየሱስ ክርስቶስን ፍቕሪ ኣምላኽን ሕብረት መንፈስ ቅዱስን ምስ ኩላትና ይኹን።
ኦርቶዶክሳዊት ተዋህዶ ቤተ ክርስቲያን ኤርትራ - መንበረ ጵጵስና ሰሜን ኣሜርካ
1 ጥቅምቲ 2023 | መስከረም 20, 2016 ግዕዝ (፫ይ ሰንበት: ቊ.፫/3) |
||
ምስባክ መዝ.፶፱(፷)፡፬ “ወወሀብኮሙ ትእምርተ ለእለይ ፈርሁከ። ከመ ያምሥጡ እምገጸ ቅሥት። ወይድኀኑ ፍቁራኒከ።” “ስለ ሓቂ ምእንቲ ኺለዓል፡ ነቶም ዚፈርሁኻ ሰንደቕ ዕላማ ሃብካዮም። ፈተውትኻ ምእንቲ ኺናገፉ፡ ብየማነይትኻ ኣድሕን’ሞ ስምዓና።” |
ንባባት |
ኣንባቢ |
1ቈረ 1፡17-ፍጻመ | ዲያቆን | |
1ጴጥ 4፡1-11 | ንፍቅ ዲያቆን | |
ግብ 2፡22-32 | ንፍቅ ካህን | |
ማር 8፡27-ፍጻመ | ሰራዒ ካህን | |
ቅዳሴ፦ ዘእግዚእነ |
||
መዝሙር፦ ዝንቱ ውእቱ መስቀል |
ካብ ውሽጢ ኤርትራ ዝተረኽበ ንቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ንምቁጽጻር ብመንግስቲ ኤርትራ ክካየድ ዝጸንሐን ዘሎን ሽርሒ ዘቃልዕ ቪድዮ
ድኳን መጻሕፍቲ/Book Store
ራድዮ ቃለ ኣዋዲ