“እተን ዓያሱ፡ ቀቀንዴለን ወሲደን ዘይቲ ኣይተማልኣን። እተን ለባማት ግና መምስ ቀንዴለን ኣብ ጢናአን ዘይቲ ተማልኣ።” ማቴ 25፡3,4
እንሆ፡ እዚ ዕለት’ዚ መበል 51 ሰንበት ናይ’ዚ ንዛዝሞ ዘለና ዓመተ-ግእዝ’ዩ። ብጸጋን ምሕረትን ናይ ኣምላኽ ተደጊፍና፡ ጾመ ፍልሰታ ዛዚምና፡ ሓድሽ ዓመት ንምቕባል ብተስፋ ንጽበይ ኣለና። ብመሰረት’ቲ “ይዌድስዋ” ዘርእስቱ ናይ’ዚ ዕለት’ዚ መዝሙር ናይ ቅዱስ ያሬድ ዝተሰርዐ ኣርባዕተ ንባባት ሓድሽ ኪዳን፡ ነዚ ናይ ማቴ 25፡1-13 ንባብ ቅዱስ ወንጌል ዝሓቘፈ’ዩ። እዚ ኽፍሊ ወንጌል’ዚ ንምጽኣቱ ኣመልኪቱ ጐይታና ዘስተምሃሮ ኣገዳሲ ምስላ’ዩ። እዚ ጐይታና ኣብ ማቴ 24፡ ማቴ 25 ዝመሃሮ ዅሉ ትምህርቲ፡ ኣብ ጥቓ ኢየሩሳሌም ኣብ ዚርከብ “ደብረ ዘይት” ተባሂሉ ዚጽዋዕ ከረን (ጎቦ) ኰይኑ ዝተዛረቦ’ዩ። እዚ ሰፊሕ ምህሮ’ዚ በቲ “እዚ (ዝበልካዮ) መኣዝ ኪኸውን’ዩ፧ ትእምርቲ (ምጽኣትካን) መወዳእታ ዓለምንከ እንታይ’ዩ፧ እስኪ ንገረና።” ኢሎም ደቀ መዛሙርቱ ዝሓተትዎ ሕቶ ዝተበገሰ’ዩ። ነቲ ትእምርቲ ምጽኣቱን ትእምርቲ መወዳእታ ዓለምን ኣብ ምዕራፍ 24 ዘርዚሩ ድሕሪ ምግላጹ፡ ኣብ ምዕራፍ 25 ነቲ ኣብ ጊዜ ምጻኣት ዚኽሰት መስርሕ ፍርዲ ዚገልጽን ዜብርህን ሰለስተ ኣገደስቲ ምስላታት ነገሮም። እታ ቐዳመይቲ ምስላ ኸኣ እዛ ሎሚ ምንጭን መሰረትን ናይ ትምህርትና ዀይና ዘላ “ምስላ ዓሰርተ ደናግል” ዘርእስታ ብልጽቲ ምስላ’ያ።
ኣገባብን ባህልን መርዓ ናይ ኣይሁዳውያን፡ ካብ’ዚ ናትና ባህሊ ኣዝዩ ዝተፈልየ ስለ ዝዀነ፡ እዚ ምስላ’ዚ ብዙሕ ሕቶታት ኬለዓዕለልና ይኽእል’ዩ። ጐይታና ኣብ ዘመን ምድራዊ ኣገልግሎቱ ንኣይሁዳውያን (ንቤተ እስራኤል) ጥራሕ ስለ ዘገልገለ ንምጽኣቱ ብመንጽር ባህሊ ኣይሁድ’ዩ ዝገለጾ። ስለ’ዚ ነዚ ምስላ’ዚ ኣጸቢቑ ኪርድኦን ንሕመረት መልእኽቱ ኼስተውዕሎን ዚደልይ ግዱስ ኣንባቢ፡ ንመርዓ ብዚምልከት ባህሊ ኣይሁድ ከመይ ምዃኑ ኣጣሊሉ ኺፈልጥ ይግብኦ። ብምልኣት ምግላጹ ዘይከኣል’ኳ እንተ ዀነ፡ ገለ ኻብኡ ኽንጠቅስ ግን ንኽእል ኢና። ብዕምቈት ንምፍላጡ ግና ብዕቱብ መጽናዕትን ንዝተዳለዉ ጽሑፋትን ሰነዳዊ ፊልምታትን (Documentary films) ምውካስ ኣገዳሲ’ዩ። ቀዳመይቲ ፍሉይነት ናይ መርዓ ኣይሁድ፡ ብዘይ ቈጸራ ዚፍጸም፡ መዓልቲ መርዓ መዓስ መዓስ ምዃኑ፡ ብዘይካ’ቲ ኣቦ መርዓዊ፡ እቶም እንዳ ጓል ኰነ እቲ መርዓዊ ባዕሉ ፈጺሙ ዘይፈልጦ ምዃኑ’ዩ። ካብ’ታ “ጓልኩም ሃቡና” ተባሂሉ “ትብጻሕኩም” ዝተባህለላ መዓልቲ ጀሚሩ፡ እቲ መርዓውን ኣዕርኽቱን፡ እታ መርዓት ምስ መሓዙታን እንዳ’ቦኣን ኪዳለዉ ይጅምሩ። እቲ ኣቦ መርዓዊ ድሕሪ ሰሙን፡ ድሕሪ ወርሒ ወይ ድሕሪ ዓመት ብሃንደበት ነቲ መርዓዊ፡ “ኪድ መርዓትካ ኣምጽእ” ኢሉ ኣብ ለይቲ ይኹን ኣብ ቀትሪ ኺእዝዞ ይኽእል’ዩ። ስለ’ዚ መርዓዊ ምናልባት ምድሪ ምስ ጸልመተ ብለይቲ ኸይመጽእ፡ እታ መርዓትን መሓዙታን መብራህቲ ዜብርሃሉ ቀንዴል (ቀንዴላት) ኣብ ተትርኣሰን ኣዳልየን ይጸንሓ። እቲ ቀንዴል ብዘይቲ ስለ ዚበርህ ድማ ዚኣክል መጠን ዘይቲ ሒዘን ኪጸንሓ ይግባእ። ናብ’ቲ መርዓ ኺኣትዋ ዚፍቀደለን፡ እተን ዜብርህ ቀንዲል ሒዘን ዝጸንሓ ጥራሕ’የን። ናብ’ቲ መርዓ ዚኣትውን ዘይኣትውን ሰብ መን ከም ዝዀነ ዚውስን ድማ እቲ መርዓዊ’ዩ። እቲ መርዓዊ ምስ ኣተወ እቲ ዳስ ወይ’ቲ ኣዳራሽ ይዕጸው’ዩ። ንሱ ኸይፈቐደ ድማ ከቶ ኣይኪፈትን’ዩ። ስለ’ዚ ብቕዓት ናይ’ታ መርዓት ኰነ ናይ መሓዙታ ዚምዘን፡ በቲ ገይረናኦ ዚጸንሓ ምድላዋት’ዩ። ስለ’ዚ መርዓ ኣይሁድ ድልውነት ኪፍትሽ ዝተሰርዐ ባህሊ’ዩ። እቲ ድልውነት ብቑዕ ዚኸውን ድማ እታ መርዓት ነቲ መርዓኣን መርዓዊኣን ብዘለዎ ፍቕርን ባህግን’ዩ። ነቲ መርዓዊ ኣዝያ ‘ተፍቅሮ፡ ነቲ ዕለተ መርዓኣ’ውን ኣዝያ ትብህጎ እንተ ዀይና፡ ለይቲ ዀነ ቐትሪ ነቒሓን ተዳልያን’ያ ትጽበይ። ምጽኣት ጐይታ ድማ ልክዕ ከም መርዓ ኣይሁድ ስለ ዝዀነ፡ ጐይታ ነዚ ምስላ’ዚ ኸም ኣብነት ተጠቒሙ ኺምህር ፈተወ። ጐይታና፦
“እምበኣርሲ እታ ወዲ ሰብ ዚመጻላ መዓልትን ሰዓትን ኣይትፈልጡን ኢኹም’ሞ፡ ንቕሑ።” ኢሉ ብንጹር ስለ ዘፍለጠ፡ ብዓይነቱ እቲ ዝበለጸ ምስላ ኸም ዝተጠቕመ ብዘይ ቃልዓለም ብኣድንቖት እንእመኖ ሓቂ’ዩ (ማቴ 25፡13)።
እቲ ቐንዲ ወይ ሕመረት መልእኽቲ ናይ’ዚ ወርቃዊ ምስላ’ዚ እንታይ’ዩ፧ ናይ ምዘና (ምምዛን) ረቛሒ ዀይኑ ዘሎኸ እንታይ’ዩ፧ ነተን ደናግል መምዘኒ ልቦናኣን ኰይኑ ዘገልገለ ረቛሒ፡ ብርሃን’ዩ። እቲ ቐንዴልን እቲ ዘይትን ዘድልየሉ ዕላማ፡ እቲ መርዓዊ ብለይቲ ምስ መጸ ቀንዲለን ኣብሪሀን ነቲ መርዓዊ ብብርሃንን ብኽብርን ምእንቲ ኪቕበላኦ’ዩ። ኣብ’ዛ እዋን’ዚኣ ብርሃን ከተብርህ ዘይትኽእል ድንግል፡ ነቲ መርዓዊ ኰነ ነታ መርዓት ዘይትበቅዕ ከንቱ ሰብ’ያ። እዚ ኸኣ ትምህርቲ ዀነ መዛኻኸሪ ዘይትደልየሉ ርዱእ ሓቂ’ዩ። ስለ’ዚ እታ ኸተብርህ ዘይተዳለወት ድንግል፡ ነቲ መርዓዊ ዀነ ነታ መርዓት፡ ብዓብዪ’ውን ነቲ ጽምብል ከተበላሽው ዝተዓጥቀት ጸያቒቶ’ያ። ናብ’ቲ ጽምብል መርዓ ክትጽምበር ዘይተደልየሉ ምኽንያት ከኣ ንሱ’ዩ።
ዕሽነት ናይ’ተን ዓያሱ ደናግል ዝተጋህደ እቲ መርዓዊ ምስ መጸን፡ ድምቀት ብርሃን ምስ ተደልየን’ዩ። እቲ ብርሃን እቲ መርዓዊ ምስ መጸ ዜድልይ ደኣ ይኹን’ምበር፡ እቲ ብርሃን ከተብርህ ዜድልየካ ምድላዋት ግን ገና መርዓ ኸም ዘሎ ኻብ ዝተፈልጠሉ እዋን ዚጅምር’ዩ። ብዘይ ዘይቲ እቲ ቐንዴል ኬብርህ ኣይክእልን’ዩ። እቲ ዘይቲ ድማ ኣብ’ቲ ናይ መርዓ ቦታ ኣይርከብን’ዩ። ገና ጊዜ ኸሎ፡ ናብ ዕዳጋ ኼድካ ዚሽመት’ዩ። ፍርቂ ለይቲ ድማ ዕድጊ ዚፍጸመሉ ዕዳጋ የለን። ነቲ ዕሽነተን ኣዝዩ ዘግደዶ ድማ፡ ቀቀንዴለን ሒዘን ኬብቅዓ፡ ዘይቲ ዘይምሓዘን’ዩ። ካብ’ተን ዓሰርተ ደናግል ፍርቀን ዓያሱ ዀይነን ምጽንሐን፡ ንድምቀት ናይ’ቲ መርዓ ማዕረ ኽንደይ ከም ዜጕድሎ ርዱእ’ዩ። እቲ ልቦናን ዕሽነትን ናይ’ተን ደናግል ኣብ’ቲ ዕለተ መርዓ ደኣ ንርእሰን ኰነ ንዅሉ ሰብ ተጋሂዱ’ምበር፡ ገና ኻብ’ቲ መርዓ ዝተሓስበሉ ጊዜ ኣትሒዙ ዝነበረ፡ ሱር ዝሰደደ’ዩ ዝነበረ። ብመሰረት’ዚ ምስላ’ዚ፡ “ለባማት” ዝተባህለ እተን ብዛዕባ’ታ ዘይትድገም፡ ካልኣይ ዕድል ዘይትህብ መዓልቲ ኣቐዲመን ዝሓሰባን ዚግባእ ምድላዋት ገይረን ድሕሪ ምጽፋፈን ዝደቀሳ’የን። እተን ዓያሱ ግን መርዓ ኸም ዘሎ ኻብ ምፍላጥ ዚሓልፍ ዝዀነ ሓልዮትን ሓሳባትን ኣይነበረንን። ንእኣን ዕሽነት ኰይኑ ዝተራእየን፡ ብዛዕባ ነናይ ዕለት ጕዳያት ምሕሳብ ገዲፍካ፡ ብዛዕባ ዘይተፈልጠ መዓልቲ ምጭናቕን ምህላኽን’ዩ። ኣብ’ዚ ናትና ባህሊ መርዓ ኣእቲና’ሞ ንርኣዮ። ወራዶ መርዓ ናብ ኣፍ ደገ ገዛኦም ምስ ቀረቡ፡ እቲ ሰብኣይ መስርሕ ዳስ ዚኸውን ናዉቲ ኺእክብ፡ እታ ሰበይቲ ድማ ንብልዕን መስተን ዚኸውን ክትሽምት ናብ ዕዳጋ ኽትከይድ ኣብ’ቲ ኣፍደገ ገዛኦም ጎፍንጎፍ እንተ ዚራኸቡ፡ ከመይ ዝበለ ንኽትሰምዖ ዜሰቅቕ ዜና ምዀነ ነይሩ!!
እዚ ምስላ’ዚ ንኣና ኣመልኪቱ ስለ ዝተመሰለ፡ ብመንጽር’ዚ ምስላ’ዚ ህይወትና ኽንምርምር ይድለይ ኣሎ። ጐይታና ነቶም ብእኡ ዝኣመኑን ዝሰዓብዎን ደቀ መዛሙርቱ “ንስኻትኩም ብርሃን ዓለም ኢኹም” ብምባል ብወግዒ ኣፍለጦም (ማቴ 5፡14)። እዛ ‘ንነብረላ ዘለና ዓለምን እቶም ካብ ዓለም ዝዀኑ ዅሎም ሰባትን ድማ “ጸልማት” እዮም። ክርስትያን ምዃን ማለት ድማ ኣብ’ዛ ጸልማት ዓለም’ዚኣ ኸም ዜብርህ ቀንዴል ብርሃን ምዃን’ዩ። እግዚአብሔር ብርሃን’ዩ (1ዮሃ 1፡5 ፣ መዝ 27፡1)። እግዚአብሔር ብርሃን ጥራይ ዘይኰነ፡ ኣቦ ዅሉ ብርሃናት’ውን’ዩ (ያእ 1፡7)። ጐይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ’ውን ፍጹም ብርሃን’ዩ (ዮሃ 1፡4,7-9 ፣ ዮሃ 3፡19 ፣ 8፡12 ፣ 12፡35,36,46)። ንሕና ኸኣ ብመልክዕ ኣምላኽ ስለ ዝተፈጠርና፡ ካብ’ቲ ብርሃናዊ ባህርዩ’ውን ስለ ዘካፈለና፡ ብርሃን ኴንካ ናይ ምንባር ሓላፍነት ኣሎና። ብኻልኣይ ደረጃ’ውን ብክርስቶስ ኢየሱስን ብስራሕ መንፈስ ቅዱስን ካልኣይ ልደት ዝረኸብና ክርስትያን ህዝቢ ስለ ዝዀንና፡ ብርሃን ዓለም ናይ ምዃን ድርብ ሓላፍነት ዘሎና ኢና። እቶም ብርሃን ምዃኖም ዘይፈለጡን ፈሊጦም ዝኸሓዱን ሰባት፡ ኣብ’ዛ ዓለም’ዚኣ ጸልማት ኰይኖም ይመላለሱ፡ ነቲ ጸልማት ናይ’ዛ ዓለም ድማ ብዝኸፍአ የድምቕዎ ኣለዉ። ንሕና ግን ንብርሃን ክርስቶስ ከነድምቕ ኣብ’ዛ ዓለም’ዚኣ ብወዝቢ ዝተወለድና ዘይኰነስ፡ ብዕላማ ብተልእኾ ዝመጻእና ሰባት ኢና። ብክርስቶስ ክርስትያን ብመንፈስ ቅዱስ ድማ ቅዱሳን ዝዀንና ዅልና፡ እዚ ሓቂ’ዚ ኸም ጸሓይ ቀትሪ በሪሁ ኺረኣየና ዚግባእ’ዩ።
ጐይታና መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ነዚ ብርሃን ናይ ምዃን ተልእኾናን ሓላፍነትናን በቲ ዘለኣለማዊ ቃሉን ብግብራዊ ኣርኣያኡን ኣረጋጊጹልና ኣሎ (ማቴ 5፡14-16)። ቅዱሳን ሃዋርያት’ውን፡ ልክዕ ከም ጐይታኦም፡ ብቓልን ብግብርን ኣዚዞምና’ዮም።
“......ቀደም ጸልማት ኔርኩም ኢኹም’ሞ፡ ብጐይታ ግና ሕጂ ብርሃን ኢኹም፡ (ስለ’ዚ) ንጐይታ ዜሐጕሶ (እንታይ ምዃኑ) እናመርመርኩም፡ ከም ደቂ ብርሃን ኴንኩም ተመላለሱ። (ነቶም ደቂ ጸልማት) ግንሕዎም ደኣ’ምበር፡ ነቲ ፍረ ዘይብሉ ግብሪ ጸልማትሲ ኣይትሕበርዎ። እቲ ብኣታቶም (ብግሁድ ኰነ) ብሕቡእ ዚግበር፡ (ይትረፍ ባዕልኻ ክትገብሮ) ንምዝራቡ’ኳ ነውሪ’ዩ።” ኤፌ 5፡9-12
እምበኣር ሓሳባትና፡ ዘረባና፡ ግብርታትና ብምሉኡ ብርሃናዊ ኪኸውን’ዩ ዚግባእ። እቶም ነቲ ኣምላኽ ዘውረሶም መልክዕን ምስልን ዝዓቀቡ ሰባት፡ ብኣገላልጻ መጽሓፍ ቅዱስ፡ “ደቂ ብርሃን፡ ደቂ መዓልቲ” ተባሂሎም ይጽውዑ። ስለ’ዚ ናይ ብሓቂ ኻብ ኣምላኽ ከም ዝተወለድና ርግጸኛታት እንኸውን፡ ከም’ቲ ኣምላኽ ብርሃን ዝዀነ፡ ንሕና’ውን ብርሃን ኴንና ኽንነብር ከለና’ዩ።
“ንስኻትኩም ግና ኣሕዋተየ፡ ኵላትኩም ደቂ ብርሃን ደቂ መዓልቲ ኢኹም’ሞ፡ እታ መዓልቲ (ምጽኣት) ከም ሰራቒ ከይትመጸኩምሲ፡ ኣብ ጸልማት ኣይኰንኩምን ዘለኹም። ንሕና ናይ ለይትን ናይ ጸልማትን ኣይኰንናን። ደጊም ንንቃሕን ንጠንቀቕን’ምበር ከም’ቶም ካልኦት (ከም’ቶም ናይ ለይትን ናይ ጸልማትን) ኣይንደቅስ። ..... ንሕና ግና ደቂ መዓልቲ ኻብ ኰንና፡ እምነትን ፍቕርን ከም ድርዒ ለቢስና፡ ናይ ድሕነት ተስፋ ኸኣ ከም ቍራዕ ርእሲ (ኣብ ርእስና) ደፊእና ገዛእ ርእስና ብምግታእ (ብጥንቃቐ) ንንበር።” 1ተሰ 5፡4-6 (ቀ.ት + ካ.ት)
ብርሃነ ምዃን ተፈጥሮናን መንነትናን’ምበር፡ ተለቂሕና እነምጽኦ፡ ወይ ብልምምድ እነጥርዮ ጋሻን ጓናን ባህርይና ኣይኰነን። ብርሃን ምስ ጸልማት ፍጹም መጻርርቲ ስለ ዝዀኑ፡ ዝዀነ ዓይነት ሕብረት የብሎምን (2ቈረ 6፡14)። ስለ’ዚ ኣምላኽ ብርሃን ስለ ዝዀነ ኣብኡ ሓንቲ ጸልማት’ኳ ኣይትርከብን’ያ (1ዮሃ 1፡5)። ኣብ’ቶም ደቂ ኣምላኽን ደቂ ብርሃንን’ውን፡ ንጸልማት ዚኸውን ስፍራን ዕድልን የልቦን። ሓይሊ ብርሃን ብርቱዕ ስለ ዝዀነ፡ ጸልማት ኣይሕዞን፡ ጸልማት ኣይዓግቶን’ዩ (ዮሃ 1፡5)። ብርሃን ዚበሃል ዘሎ ግን እንታይ’ዩ፧ እዚ በዒንትና እንርእዮ ኣካላዊ (physical) ብርሃን ማለት ድዩ፧ ኣይፋሉን!! እዚ ኣካላዊ ብርሃን’ሞ፡ ናይ’ዘን ግኡዛን ፍጥረታት ናይ ጸሓይን ወርሕን ክዋኽብትን፡ ወይ’ውን ናይ’ዞም ሰብ ዝመሃዞም ላምፓዲና፡ ጀነረይተር ወዘተ’ዮም’ምበር፡ ናይ ሰብ ብርሃን ኣይኰነን። ኣብ’ቶም ክሳዕ ሕጂ ዝረኣናዮም ጥቕስታት፡ እቶም ብርሃናውያን ዝዀኑ ባህርያትን ግብርታትን ናይ ሰብ ድሮ ተጠቒሶምን ተኣንፊቶምን ኣለዉ። እቲ ንጐይታ ዜሐጕሶ ዘበለ ዅሉ ግብርታት፡ ንሱ ግብሪ ብርሃን’ዩ። ግብሪ ጸልማት ድማ እቲ ንኽትዛረበሉ’ኳ ዜሕፍር ኵሉ እኩይ ግብርታት’ዩ። ብርሃን ወይ ጸልማት እንኸውን ንሕና ኢና። እቲ ግብርና ድማ፡ ልክዕ ከም’ቲ ለቢስናዮ ዘለና መንነት፡ ወይ ግብሪ ብርሃን ወይ’ውን ግብሪ ጸልማት ይኸውን ማለት’ዩ። ኣብ’ቲ ዘንበብናዮ ናይ 1ተሰ 5፡8 ጥቕሲ፡ ፍቕርን እምነትን ግብሪ ብርሃን ምዃነንን፡ ካብ’ቲ ናይ ጸልማት መጥቃዕቲ ድማ ከም ድርዒ ዀይነን ከም ዚከላኸላልና ተማሂርና ኣለና። ቅዱስ ጳውሎስ፦ “ለይቲ ሓሊፋ መዓልቲ ቐሪባ’ያ’ሞ፡ ግብሪ ጸልማት ካባና ደርቢና፡ ኣጽዋር ብርሃን ንልበስ። ከም ብመዓልቲ ብቕንዕና ንመላለስ፡ ብጓይላን ብመስተን ኣይኰነን፡ ብምንዝርናን ዕብዳንን ኣይኰነን፡ ብባእስን ቅንኣትን ኣይኰነን።” ብምባል ዝጸሓፈልና ቓል’ውን፡ እቲ ናይ ጸልማት ኰነ ናይ ብርሃን ግብሪ እንታይ ምዃኑ ብስእላዊ መልክዕ ዜርእየና’ዩ (ሮሜ 13፡12,13)።
እዚ ሃዋርያዊ ቓል’ዚ ክንስሕቶ ዘይግብኣና ልዑል ኣገዳስነት ዘለዎ ምርኡይ ሓቂ’ውን ገሊጹልና ኣሎ። ንሱ ኸኣ፡ እቲ እነዘውትሮ ግብሪ፡ ናይ ጸልማት ይኹን ናይ ብርሃን፡ ንሱ ኣጽዋርና ምዃኑ’ዩ። ድርዒ ኣብ ዙርያ ኣፍ ልብኻ እትዕጠቖ ካብ ዚውርወር ቀስቲ፡ ካብ ዚስንዘር ሰይፍን ኲናትን ዚከላኸል ኣጽዋር’ዩ። ኣብ’ቲ ናይ 1ተሰ 5፡8 ጥቕሲ፡ ፍቕርን እምነትን መንፈሳዊ ድርዕና ምዃነን ተነጊሩና ኣሎ። ኣብ ኤፌ 6፡11-18 ሓቂ፡ ጽድቂ፡ ወንጌል፡ እምነት፡ ድሕነት፡ ቃል ኣምላኽ፡ ጸሎት እንታይ ዓይነት ኣጽዋር ኣምላኽ ከም ዝዀና ግሩም ገይሩ ኣብሪሁልና ኣሎ። ስለ’ዚ እቲ እነዘውትሮ ግብሪ ብርሃን፡ ኣጽዋር ኰይኑ ነቲ ንጉስ ጸልማት ዝዀነ ድያብሎስን ንናይ ሰብ ኰነ ናይ ኣጋንንትን ስራዊቱን ኸም ዜጥቅዖምን ከም ዚስዕሮምን እዚ ሃዋርያዊ ቓል የረጋግጸልና ኣሎ። ስለ’ዚ ግብሪ ብርሃን ምግባርና ናይ ኣምላኽ ዓቀይቶት (ወተሃደራት) ኴንና መንፈሳዊ ውግእ፡ ውግእ ኣምላኽ ንዋጋእ ከም ዘለና ዜመልክት’ዩ። ሕማቕ ምርጫን ትዕድልትን ኰይኑ፡ ዝወጻልና ጸልማትን ደቂ ጸልማትን ኴንና ግብሪ ጸልማት ከነዘውትር ከለና ድማ ኣጽዋር ጸልማት ተዓጢቕና ምስ እግዚአብሔር ኣብ ዲቕ ዝበለ ርሱን ውግእ ተጸሚድና ምህላውና ኽንግንዘብ ይግባእ። እዚ ኽፉእ ውግእ’ዚ ኣብ መወዳእታ ናብ’ታ ሰይጣን ዚድርበየለን ቐላይ ሓዊ፡ ናብ ገሃነም’ዩ ዜእትወና። ስለ’ዚ ኢና መንነትናን ዕጥቅናን ከይነበላሽው ልዑል ጥንቃቐ ክንገብር ዚግብኣና። ከመይሲ፡ ብገዛእ ምርጫኻ ካብ ምጥፋእን ካብ ምስቓይን ዚኸፍእ ዕሽነት የልቦን።
ጸልማት ማዕረ ክንደይ ሕሱምን መሳቐዪን ምዃኑ፡ ኣብ’ተን ኣካላዊ ብርሃን ዝሰኣንናለን ኣጋጣሚታት ጽቡቕ ጌርና ተዓዚብናዮ ኣለና። ብፍላይ’ቶም ኣዒንቶም ዝሰኣኑ ዓይነ ስዉራን ድማ ሓለፋ ዅላትና ጽቡቕ ገይሮም ይፈልጥዎ’ዮም። መንፈሳዊ ጸልማት ግን ካብ’ቲ ኣካላዊ ጸልማት ኪግለጽ ብዘይክእል ዕጽፍታት ዝኸፍአ’ዩ። ጐይታና’ኳ ኣብ ትምህርቱ፡ ንሕሰም ጸልማት፦
“ናይ ስጋ መብራህቲ ዓይኒ’ያ። ዓይንኻ ጥዕይቲ እንተ ዀነት፡ ብዘሎ ስጋኻ ብሩህ ይኸውን። ዓይንኻ ሕምምቲ እንተ ዀነት ብዘሎ ስጋኻ ብሩህ ይኸውን። ዓይንኻ ሕምምቲ እንተ ዀነት ግና፡ ብዘሎ ስጋኻ ጸልማት ይኸውን። እምበኣርሲ እቲ ኣባኻ ዘሎ ብርሃን ካብ ጸልመተ፡ ጸልማቱስ ክንደይ ዓብዪ ይኸውን!!”
ብምባል ገሊጽዎ ኣሎ (ማቴ 6፡22,23)። እግዚአብሔር ኪፈጥረና ኸሎ ዀነ ብመንፈስ ቅዱስ ዳግማይ ኪወልደና ኸሎ ኣባና ብርሃን ኣንቢሩልና’ዩ። ዓለወኛታት ኴንና ምስ’ቲ ንጉስ ጸልማት ኪዳን ዓመጻ ምስ ኣተና ግና፡ ከም’ዚ ጐይታ ዝበሎ፡ ነቲ ኣባና ዘሎ ብርሃን ብምርጫና ነጸልምቶ፡ ባዕላውን ምርጫውን ጸልማት ስለ ዝዀነ ድማ፡ ዕብየት ናይ’ቲ ጸልማትና ልዑል ይኸውን። ናይ ሓጺር ዕድመ ጸልማት’ኳ እንተ ዀነ፡ ዓስቡ ግን ዘለኣለማዊ ጸልማት’ዩ። ሓዊ ገሃነም ድማ፡ ከም’ዚ ናይ ምድሪ ሓዊ፡ ፈጺሙ ዘየብርህ’ዩ። ስለ’ዚ’ዩ ነቶም ናብ ገሃነም ዚድርበዩ፡ “ናብ ናይ ወጻኢ ጸልማት” ከም ዚድርበዩ ቕዱስ ወንጌል ዚነግረና (ማቴ 11፡12 ፣ 13፡41,42 ፣ 22፡13 ፣ 25፡30 ፣ 2ተሰ 1፡8-10)። ጐይታና ባዕሉ ዀነ ሃዋርያ ቅዱስ ዮሃንስ፡ እቲ ሰናይ ግብሪ ዜጽልኦ ሰብ፡ እቲ ብፍቕሪ ጸልማት ዝተጠቕዐ ሰብ ምዃኑ ገሊጾምልና ኣለዉ።
“እቲ ፍርዲ እዚ’ዩ፡ ብርሃን ናብ ዓለም መጸ፡ ሰብ ግና፡ ግብሮም ክፉእ’ዩ’ሞ፡ ካብ ብርሃንሲ ጸልማት ፈተዉ። ክፉእ ዚገብር ዘበለ ብርሃን ይጸልእ’ዩ’ሞ፡ ናብ ብርሃን (ናብ ክርስቶስ) ኣይመጽእን’ዩ። እቲ ሓቂ ዚገብር ግና፡ ብኣምላኽ እተገብረ እዩ’ሞ፡ ግብሩ ምእንቲ ኺግለጽ፡ ናብ ብርሃን’ዩ ዚመጽእ።” ዮሃ 3፡19-2
“....እዚ ዝጽሕፈልኩም ዘለኹ ትእዛዝ ሓድሽ’ዩ። ናይ’ዚ ትእዛዝ’ዚ (ሓቅነት) ድማ ኣባኻትኩም ኰነ ኣብ ክርስቶስ ተራእዩ’ዩ። ከመይ ጸልማት ሓሊፉ’ዩ፡ (እቲ) ብርሃን ሓቂ’ውን ድሮ የብርህ ኣሎ። (እቲ) “ኣብ ብርሃን ኣለኹ” ዚብል፡ (ግን ከኣ) ንሓዉ ዚጸልእ (ሰብ)፡ ገና ኣብ ጸልማት’ዩ ዘሎ። እቲ ንሓዉ ዜፍቅር፡ ኣብ ብርሃን’ዩ ዚነብር ኣብኡ’ውን መዓንቀፊ የልቦን። እቲ ንሓዉ ዚጸልእ ግና ኣብ ጸልማት’ዩ ዘሎ ኣብ ጸልማት’ውን ይነብር። ጸልማት ነዒንቱ ስለ ዘዕወሮ ድማ፡ ናበይ ከም ዚኸይድ ኣይፈልጥን’ዩ፡ ......”ምስኡ ሕብረት ኣሎና” እናበልና ኣብ ጸልማት እንተ ነበርና፡ ንሕስው ሓቂ’ውን ኣይንገብርን ኢና ዘለና። ከም’ቲ ንሱ ኣብ ብርሃን ዘሎ ኣብ ብርሃን እንተ ነበርና ግና፡ ንሓድሕድና ሕብረት ኣሎና፡ ደም ኢየሱስ ክርስቶስ ወዱ’ውን ካብ ኵሉ ሓጢኣትና የንጽሃና’ዩ።” 1ዮሃ 2፡8-11 ፣ 1፡6,7 ካ.ት
ኣብ’ዚ ቕዱስ መልእኽቲ’ዚ፡ ረብሓ ብርሃንን ዕንወትን ጕድኣትን ናይ ጸልማት ብንጹር በሪሁልና ኣሎ። ይውሓድ ይብዛሕ፡ ይዕበይ ይንኣስ ብዘየገድስ፡ ኣብ ህይወትና ዝዀነ ዓይነት ግብሪ ጸልማት ከይርከበና ርእስና ብዕቱብ ክንፍትሽን፡ ብዝተረኽበና መጠን ንስሓ ኣቲና ብደም ክርስቶስ ክንነጽህን ይግብኣና።
ዕላማ ናይ ብርሃን፡ ናብ ገዛእ ርእስና ዘድሃበ ጥራሕ ኣይኰነን። ኣብ ጸልማት ንዘለዉ ሰባት ብርሃን ክንኰነሎም’ውን መንፈሳዊ ሓላፍነትና’ዩ። ስለ’ዚ ድማ’ዩ ጐይታና፦ “መብራህቲ፡ ኣብ ቤት ንዘሎ ኹሉ ኼብርህ፡ ኣብ ቀዋሚ ቐንዴል ኪሰቕልዎ’ምበር፡ ኣብ ትሕቲ ኸፈር ኬንብርዎ ኣየብርሁን’ዮም። ከምኡ ኸኣ ነቲ ጽቡቕ ግብርኹም ርእዮም፡ ኣብ ሰማያት ንዘሎ ኣቦኹም ምእንቲ ኼመስግንዎ፡ ብርሃንኩም ኣብ ቅድሚ ሰብ ይብራህ።” ብምባል ዝኣዘዘና (ማቴ 5፡15,16)። ናይ እግዚአብሔር ብርሃን ኣብ’ዛ ጸልማት ዓለም ዚግለጽ፡ በቶም ደቂ ብርሃን ዝዀንና ደቁ ጥራሕ’ዩ። ስለ’ዚ እቲ ኺበርህ እናተገብኦ፡ ግብሪ ጸልማት ዜዘውትር፡ ነቲ ናቱ ጥራሕ ዘይኰነ ነቲ ናይ እግዚአብሔር ብርሃን’ውን ኬጸልምት ዚጋደል ዕሉል ጸላኢ ናይ ኣምላኽ’ዩ።
ብኸመይ ኢና ብርሃን ኴንናስ ከነብርህ እንኽእል፧ ንእግዚአብሔር ብርሃን ምዃን ናይ ባህርይ ገንዘቡ ስለ ዝዀነ፡ ብርሃን ንኪኸውን ዜድልዮ ነገር ወይ ዚሕግዞ ኣካል ኣየድልዮን’ዩ። ንሕና ግና ብርሃን ምዃን ካብ ኣምላኽ እንወርሶ’ምበር፡ ካብ ገዛእ ርእስና ኽንኰኖ ወይ ክንገብሮ ኣይንኽእል ኢና። ስለ’ዚ ኸም’ቲ ነታ ቐንዴል ንኽትበርህ ዘይቲ ዜድልያ፡ ንኣና’ውን የድልየና’ዩ። ናይ ወዲ ሰብ ዘይቲ ድማ መንፈስ ቅዱስ’ዩ (1ዮሃ 2፡20,27)። ብዘይ መንፈስ ቅዱስ ክርስትያን ክንከውን ኣይንኽእልን ኢና። ብስራሕ መንፈስ ቅዱስ ዳግማይ ምስ ተወለድና ኢና ውሉድ ኣምላኽ ዝዀነ ክርስትያን እንኸውን። ብዘይ መንፈስ ቅዱስ ዋላ ሓንቲ ኽንገብር ስለ ዘይንኽእል’ዩ፡ ንዘለኣለም ምሳና ኺነብር ዝተዋህበና (ዮሃ 14፡16,17)። ዚመርሓና፡ ዚምህረና፡ ዜጸናንዓና፡ ዚድግፈና ንሱ’ዩ (ዮሃ 14፡16,26 ፣ 15፡26 ፣ 16፡7,8,13,14 ፣ ሮሜ 8፡26,27)። ናብ’ቶም 120 ደቀ መዛሙርቲ ኺወርድ ከሎ፡ ብመልክዕ ልሳን ሓዊ ዝወረደሉ ምኽንያት፡ ብርሃንነትና ኣብ’ቲ ናቱ ግብሪ ኸም ዚምርኰስ ንኼመልክተና’ዩ። ብርሃን ሃዋርያት ኣዝዩ ዝደመቐ ድማ ነዚ ሓዊ’ዚ ምስ ተቐበሉ’ዩ። ዓለም ነዚ ብርሃን ናይ’ዚ ሓዊ’ዚ ኸተጥፍእ ብምሉእ ሓይላ ተጋዲላ ኣይሰላጣን። ንሓውን ብርሃንን ናይ መንፈስ ቅዱስ ኬጥፍኦ ዚኽእል፡ እቲ ዝተቐበሎ ክርስትያን ብጸልማት ኪመላለስ መሪጹ ነቲ ዝተቐበሎ መንፈስ ምስ ዜጥፍኦ፡ ወይ ካብ ህይወቱ ምስ ዜርሕቖ ጥራሕ’ዩ። ስለ’ዚ ኸኣ’ዩ “ሓዊ መንፈስ ቅዱስ ኣይተጥፍኡ” ዝተባህለልና (1ተሰ 5፡19 ካ.ት)። እቲ ክርስትያን ኬዘውትሮ ዚግባእ ሰናይ ግብሪ፡ “ፍረ መንፈስ ፣ ፍረ ብርሃን” ተባሂሉ’ዩ ዚጽዋዕ (ገላ 5፡22 ፣ ኤፌ 5፡8-10)። እቲ ንመንፈስ ቅዱስ ካብ ህይወቱ ዘርሓቐ ሰብን፡ ዘይቱ ዝወደአ ቐንዴልን፡ ፍሪኦም ጸልማት ጥራሕ’ዩ ዚኸውን። እቲ ኽንበርህ ዜኽእለና መንፈስ ቅዱስ ኣብ ውሽጥና እናሃለወ፡ ግብሪ ጸልማት ጥራሕ ምስ እነዘውትር፡ ከም’ቲ ቅዱስ ጳውሎስ ዝበሎ እቲ ኣባና ዝሓደረ ቕዱስ መንፈስ እምብዛ ይጕህይ (ኤፌ 4፡30)። ምምላስ ምስ ኣበና’ሞ ምስ ቀበጸና፡ ርስቱ ሓዲጉ ይወጽእ። ዕጫና ድማ ነቲ ናይ ንጉስ ሳኦል ይመስል (1ሳሙ 10፡6 ፣ 16፡14 ፣ ኢሳ 63፡9,10)። ኣብ ጊዜ ምጽኣቱ ድማ ነቲ ንጉስ ብርሃን ግብ ዝበለ ጸልማት ኴንና ንጸንሖ። ፍርድና ድማ ናብ’ቲ ዘፍቀርናዮን ተወፊና ዘገልገልናዮን ዘለኣለማዊ ጸልማት ምድርባይ ይኸውን። ኣብ ህይወትካ ስልጣን ጸልማት ኪገዝእ ምፍቓድ፡ ወዲ ሰብ ኪገብሮ ዚኽእል እቲ ዝኸፍአን ዝኸበደን ዕሽነት’ዩ። ስጋ ዝለበሰ ዕሽነት፡ ስጋ ዝለበሰ ጸልማት ክትከውን መሪጽካ ማለት’ኮ’ዩ።
እምበኣር ብፍቕሪ ጸልማትን ብፍቕሪ ዕሽነትን ከይንልከፍ ንጠንቀቕ። መብራህቲ ገዛ እንተ ጠፍኣትና ንስምብድ ዓቕሊ ነጽብብ፡ ብርሃን ንምርካብ ድማ ሃተምተም ንብል። መንፈሳዊ ጸልማት ንስጋናን ነፍስናን ውሒጥዎ እናሃለወ ግን፡ ገለ ዝጐደለና ዘይመስለና፡ አረ ኸም ኣራዊት መሮር ሽዑ ብዝያዳ ዚብርሃና ምስ እንኸውን፡ ኣብ ከቢድ ሓደጋ ኸም ዘለና ኣይንዘንግዕ። በቲ ብግብሪ ጸልማት ንጊዚኡ ዚስምዓና ሓጐስን ሓበንን ኣይንጠበር። እቲ ዘለኣለማዊ ዓስቡ ግን ከቶ ዘይጽወርን ዕረፍቲ ዘይብሉን’ዩ። ስለ’ዚ ኣንጻር ተፈጥሮናን ኣንጻር ፈጣሪናን ኣይንቑም። ነቲ እግዚአብሔር ብሕያውነቱ ዘካፈለና፡ ብሞት ሓደን ቅዱስን ወዱ ዝጸገወና ብርሃናዊ ባህርይ ነኽብሮ’ምበር ኣይንጸየፎ። ግብሪ ብርሃን ጥራሕ ነዘውትር፡ ኣጽዋር ብርሃን ጥራሕ ንተዓጠቕ። ኣሽንኳይ ነቲ ጸልማቱ ብሂግናሉ፡ እናጸላእናዮ’ውን ኬጥብቐልና ዚጋደልን ዚበላሓትን ንጉስ ጸልማት’ዩ ጸሚዱልና ዘሎ። ስለ’ዚ ነቲ ንብርሃንና ዜድምቐልና መንፈስ ቅዱስ ነኽብሮን ንተኣዘዞን። ነቲ ናይ ጐይታን ናይ ቅዱሳኑን ኣርኣያ ኣጽኒዕና ንሓዝ። ብብርሃንና ደኣ ንደቂ ጸልማት ነብርሃሎም’ምበር፡ ደቂ ጸልማትሲ ኣይንኹን!!
ጸጋ ጎይታና ኢየሱስ ክርስቶስን ፍቕሪ ኣምላኽን ሕብረት መንፈስ ቅዱስን ምስ ኩላትና ይኹን።
ኦርቶዶክሳዊት ተዋህዶ ቤተ ክርስቲያን ኤርትራ - መንበረ ጵጵስና ሰሜን ኣሜርካ
ነሓሰ 21, 2015 ግዕዝ (27 ነሓሰ 2023 ፈ [መበል 51 ሰንበት: ቊ.፶፱/59, 2023] ) |
||
ምስባክ መዝ.፵፬(፵፭)፡፱ “አዋልደ ንግሥት በየማንከ። ወትቀውም ንግሥት በየማንከ። በአልባሰ ወርቅ ዑጽፍት ወኁብርት።”
“ኣዋልድ ነገስታት ኣብ ማእከል እተን ክቡራት ኣንስትኻ’የን፡ እታ ንግስቲ ብወርቂ ኦፈር ተሰሊማ፡ ኣብ የማንካ ትቐውም ኣላ።” |
ንባባት |
ኣንባቢ |
ቈሎ 2፡18-ፍጻመ |
ዲያቆን |
|
2 ዮሃ 1፡1-7 |
ንፍቅ ዲያቆን |
|
ግብ 27፡17-22 |
ንፍቅ ካህን |
|
ማቴ 25፡1-13 |
ሰራዒ ካህን |
|
ቅዳሴ፦ ዘእግዚእትነ |
||
መዝሙር፦ ይዌድስዋ |
ካብ ውሽጢ ኤርትራ ዝተረኽበ ንቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ንምቁጽጻር ብመንግስቲ ኤርትራ ክካየድ ዝጸንሐን ዘሎን ሽርሒ ዘቃልዕ ቪድዮ
ድኳን መጻሕፍቲ/Book Store
ራድዮ ቃለ ኣዋዲ