S5 MP3 Player - плагин joomla Mp3

ጾምን ጸሎትን ምእንቲ ኤርትራውያን ስደተኛታት!

ናይ ኤርትራ ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ቤተ ክርስቲያን መንበረ ጵጵስና ሃገረ ስብከት ሰሜን ኣሜሪካ እዚ ተጀሚሩ ዘሎ ጾመ-ኣርብዓ ናይ ድኅነትን በረኸትን ክኾነልና ንኣምላኽ ንልምን። ቀጺልና ኣብዚ እዋን እዚ ኤርትራውያን

ኣኅዋትናን፡ መንእሰያት ደቅናን ከም ደቂ ዛግራ ናብ ፈቐዶ ሃገራትን ኣሕጉራትን ብስደት ፋሕ-ብትን ይብሉ ከም ዘለዉ ንርእዮን ንሰምዖን ዘሎና፡ ካብ ማንም ሰብ ዝተሰወረ ጉዳይ ኣይኮነን። በዚ መሠረት ከምቲ ነቢይ ኢዩኤል ‘‘ጾም ኣውጁ፥ ኣኼባ ጸውዑ፥ ንዓበይትን ኣብታ ሃገር ንዝነብሩን ኵላቶምን ናብ ቤት መቕደስ እግዚኣብሔር ኣምላኽኩም ኣክብዎም፥ ናብ እግዚኣብሔር ከኣ ተማህለሉ’’ (ኢዩኤል 114) ዝበሎ መሪሕ ጥቕሲ ዕላማ ብምግባር፡ ካብ ሓሙስ 7 መጋቢት ክሳብ ቀዳም ዕለት 10 መጋቢት  ፪፻፫ . ግእዝ  (March 17, 2011 – March 19, 2011) 3 መዓልትታት ፍሉይ ጸሎት፥ ጾምን ምህለላን ምእንቲ ኤርትራውያን ስደተኛታት ክግበር፥ ሰንበት ዕለት 11 መጋቢት ፪፻፫ ግእዝ ( March 19, 2011 ) ከኣ ብጸሎተ-ቅዳሴ ዝተሰነየ ምህለላ ክግበር መንፈሳዊ ኣዋጅ ነመሓላልፍ።

ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያንና ብግዜ ጸገም ይኹን ብግዜ ራህዋ ምስ እግዚኣብሔር ትራኸበሉ መንፈሳዊ ጎደና-እምነት ብጸሎት፥ ጾምን ምህለላን ጥራይ ምዃኑ ኣብ ሓዋርያዊ ሕጋ ዝሰፈረ እዩ። ስለ ዝኾነ ድማ ብግዜ ሓጎስ ምስቶም ዝሕጎሱ ንኣምላኽ ከተመስግን፥ ብእዋን ጸገም ከኣ ምስቶም ዝሓዝኑ ከም መኻፍልቲ ጸገሞም መጠን፡ ብጸሎት ካብ ኣምላኽ ምሕረት ክትልምን ኦርቶዶክሳዊ ሓላፍነታ እዩ። ስለዚ እምበኣር ኣብዚ ከቢድ ናይ ፈተና-ስደት እዋን፥ ምእንቲ እቶም ኩሎም ካብ ዓዶምን ስድራ ቤቶምን ብዝተፈላለየ ምኽንያት ተሰዲዶም ኣብ ፈቐዶ ሃገራትን ኣሕጉራትን ከርተት ዝብሉ ዘለዉ ኤርትራውያን ኣኅዋትናን መንእሰያት ደቅናን ልዑል እግዚኣብሔር በረኸት-ረድኤትን መዕቆቢ ሕይወትን ምእንቲ ክኾኖም፡ ኩለን ኣብያተ ክርስቲያናትን  ምእመናንን ሓቢርና ብጸሎት ክነቅሕ ብትሕትና ነዘኻኽር። ስለዚ

  • ጸሎት፡ ጾምን ምህለላን ስለ’ቶም ረዳእን ሰማዕን ዝሰኣኑ ስደተኛታትና፥
  • ጸሎት፥ ጾምን ምህለላን ስለ’ቶም ዝግፍዑን ዝነብዑን ዘለዉ ስደተኛታትና፥
  • ጸሎት፥ ጾምን ምህለላን ስለ’ቶም መግብን መዕቆብን ዝሰኣኑ ስደተኛታትና፥
  • ጸሎት፥ ጾምን ምህለላን ስለ’ቶም ዝሳቐዩን ዝጭነቑን ዘለዉ ስደተኛታትና፥
  • ጸሎት፥ ጾምን ምህለላን ስለ’ቶም ከም ኣቕሓ ዝሽየጡን ዝልወጡን ዘለዉ ስደተኛታትና፥
  • ጸሎት፥ ጾምን ምህለላን ስለ’ቶም ኣብ ማእሰርትን ኣፍ-ደገ ሞትን ዘለዉ ስደተኛታትና፥
  • ሓፈሻዊ ጸሎት፥ ጾምን ምህለላን ስለ ቤተ ክርስቲያንናን ሰላም ሃገርናን፡ ይገበር።

ንሰብ ነነዌ ዝተለመነ መድኃኔ-ዓለም ኣምላኽና ጸሎትና ሰሚዑ ምሕረትን ሰላምን የውርደልና።

መንበረ-ጵጵስና ሃገረ ስብከት ሰሜን ኣሜሪካ

፳፱ መጋቢት ፪፻፫ . ግእዝ

Diocese



 



 


ካብ ውሽጢ ኤርትራ ዝተረኽበ ንቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ንምቁጽጻር ብመንግስቲ ኤርትራ ክካየድ ዝጸንሐን ዘሎን ሽርሒ ዘቃልዕ ቪድዮ 



Support Tewahdo TV

Gofundme


Support Diocese

PayPal


ድኳን መጻሕፍቲ/Book Store


ጋዜጣ ፍኖተ ብርሃን፡ ልሣን

 ቤተ ክርስቲያን ተዋሕዶ


ስብከተ ወንጌል


ራድዮ ቃለ ኣዋዲ


መጻሕፍቲ - Books 


ጾምን በዓላትን


Diocese Churches

 

Radio Tewahdo

 Video - Youtube

TV Tewahdo

A Message from H.G. bishop Mekarios

መጸናንዒ ቃል ብብጹእ ኣቡነ መቃርዮስ

ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ብኸመይ

</div