S5 MP3 Player - плагин joomla Mp3

መበል 12 ዓመታዊ ጉባኤ ሃገረ ስብከት ሰሜን ኣሜሪካ ኣብታ ዓባይ ከተማ ኒው ዮርክ ክካየድ እዩ።

መልእኽቲ ናብ ኵሎም ኦርቶዶክሳውያን ምእመናን፡

ካብ እግዚኣብሔር ኣቦናን ካብ ጎይታና ኢየሱስ ክርስቶስን ጸጋን ሰላምን ምስ ኵላትና ይኹን እናበልና፡ ናይ ኤርትራ ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ቤተ ክርስቲያን መንበረ ጵጵስና ሃገረ ስብከት ሰሜን ኣሜርካ ብዘውጽኦ መደብ መሠረት፡ ሠናይ ድሌት ምእመናን ምስ ምምሕዳር ሰበኻ ጉባኤ ቅዱስ ገብርኤል ቤተ ክርስቲያን ኒው ዮርክ ኮይኑ፡ እቲ ዓቢይ መበል 12 ዓመታዊ ጉባኤ ሰሜን ኣሜሪካ ኣብታ ዓባይ ከተማ ኒው ዮርክ ብኤርትራዊ ጳጳስ ብፁዕ ኣቡነ መቃርዮስ እናተመርሐ ብምዕሩግ ኣገባብ ክካየድ ሰፊሕ ምድላው ይግበር ከም ዘሎ ብሓጎስ ክንሕብር ንፈቱ።

ኣቦና ዳዊት ኣብ መዝሙሩ ‘’እንሆ ህዝቢ እግዚኣብሔር ብሓደ ሓቢሮም ክነብሩስ ክንደይ ሠናይን ጥዑምን እዩ’’ ብዝበሎ ቃል መሠረት ምእመናን ብሕብረት ኣብ ፍቕሪ እግዚኣብሔር ክነብሩን ኣብ ቤት ኣምላኽ ተኣኪቦም ንሕድሕዶም ከተሃናነጹን ምርኣይ ብሓቂ ባህ ዘብል ነገር እዩ። ስለ ዝኾነ ከኣ ኣብዚ ተመዲቡ ዘሎ መበል 12 ዓመታዊ ጉባኤ ኵልኹም (ኩላትና) ምእመናን ተዋህዶ ነበርቲ ሰሜን ኣሜሪካን ካናዳን ብሓደ ሓቢርና ንልዑል እግዚኣብሔር ብዝገበረልና ከነመስግን፡ ብዝተረፈና ድማ ክንልምን ንነፍሲ ወከፍ ኣማኒ ዝምልከት መንፈሳዊ ጉዳይ ምዃኑ ከኣ ከነዘኻኽር ንደሊ። ከምቲ ሓዋርያ ጳውሎስ ‘’እምነት ካብ ምስማዕ እያ፥ እቲ ዝስማዕ ድማ ቃል እግዚኣብሔር እዩ’’ ክብል ዝጸሓፈልና፡ ብዛዕባ እታ ኣብ ልብና ዘላ ኦርቶዶክሳዊት ተስፋ-እምነትና ብክቡራት ካህናትን፡ ውፉያት ዲያቆናትን ኣገልገልቲ ትምህርቲ ሰንበትን ብዝወሃብ ሰፊሕ ትምህርቲ ቅዱስ ወንጌል ክንመሃርን ክበርሃልና ንደልዮ ክንሓትትን ጽቡቕ ኣጋጣሚ ምዃኑ ከኣ ኣብቶም ዝሓለፉ 11 ዕዉታት ጉባኤታት ተራእዩ እዩ።

ስለዚ እምበኣር ናብ ቤት እግዚኣብሔር ንኺድ ምስ በሉኒ ተሓጎስኩ! ዝብል ሃይማኖታዊ ዕላማ ሒዝና ሓቢርና ምእካብና ንኽብሪ ኣምላኽን ንረብሓ ነፍስናን ደቅናን ምዃኑ ብልቦና ከነስተውዕሎ ይግባእ። እምበኣርከስ ኣብዚ ሎሚ ዘመን ካብ 22 ክሳብ 25 ሓምለ 2010 . (ካብ ፲፭ ክሳብ ፲፰ ሓምለ ፳፻፪ . ግእዝ) ንኣርባዕተ መዓልታት ብተኸታታሊ ኣብ ቅዱስ ገብርኤል ቤተ ክርስቲያን ኒው ዮርክ ክካይድ ተመዲቡ ዘሎ ጉባኤ፡ ኩሉኹም ግዱሳት ህዝበ ክርስቲያን ናይ ስራሕ ዕረፍትኹምን ናይ መገሻ መደባትኩምን ናብታ ውርይቲ ከተማ ኒው-ዮርክ ክኸውን ብመንፈሳዊ ኣኽብሮት ዕድመና ነቕርብ። ብተወሳኺ ድማ ናይ ታቦትና ቅዱስ ገብርኤል ቤተ ክርስቲያን ኒው-ዮርክ ክብረ በዓል ምስዚ ዓመታዊ ጉባኤ ተወሃሂዱ ክበዓል ስለዝኾነ፡ እግዚኣብሔር ብኹሉ ክረድኣና ብዛዕባ ቅድስት ቤተ ክርስቲያንና፡ ምእንቲ ህዝብናን፡ ሃገርናን ኩሉ ዓለምን ብጸሎተ-ቅዳሴን ምህለላን ሓቢርና ክንልምን ምስ ስድራ ቤትኩም ተሳተፍቲ ክትኮኑ ብኣኽብሮት ደጊምና ንዕድም።

ኣምላኽ ሰማይ ከቕንዓልና እዩ እሞ፡ ንሕና ባሮቱ ተንሢእና ኽንዓዪ ኢና!
ኣዳላዊት ኮሚቴ ምስ ምምሕዳር ሰበኻ ጉባኤ
ቅዱስ ገብርኤል ቤተ ክርስቲያን ኒው-ዮርክ

Diocese



 



 


ካብ ውሽጢ ኤርትራ ዝተረኽበ ንቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ንምቁጽጻር ብመንግስቲ ኤርትራ ክካየድ ዝጸንሐን ዘሎን ሽርሒ ዘቃልዕ ቪድዮ 



Support Tewahdo TV

Gofundme


Support Diocese

PayPal


ድኳን መጻሕፍቲ/Book Store


ጋዜጣ ፍኖተ ብርሃን፡ ልሣን

 ቤተ ክርስቲያን ተዋሕዶ


ስብከተ ወንጌል


ራድዮ ቃለ ኣዋዲ


መጻሕፍቲ - Books 


ጾምን በዓላትን


Diocese Churches

 

Radio Tewahdo

 Video - Youtube

TV Tewahdo

A Message from H.G. bishop Mekarios

መጸናንዒ ቃል ብብጹእ ኣቡነ መቃርዮስ

ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ብኸመይ

</div