S5 MP3 Player - плагин joomla Mp3

“ሰብ ጥበብ፡ 'እቲ እተወልደ ንጉስ ኣይሁድ ኣበይ ኣሎ፧ ኰዀቡ ኣብ ምብራቕ ሪና እሞ ክንስግደሉ መጺእና’ እናበሉ . . . መጹ። . . . እንሆ እቲ ኣብ ምብራቕ ዝረኣይዎ ኰዀብ ኣብ ልዕሊ እቲ ህጻን ዘለዋ ቦታ መጺኡ ደው ክሳዕ ዚብል መርሖም። ነቲ ኰዀብ ምስ ረኣይዎ፡ ኣዝዩ ብዙሕ ሓጐስ ተሓጐሱ።” ማቴ 2፡1- 2; 9 -10

"እቲ ሕያዋይ ጓሳ ኣነ እየ። እቲ ሕያዋይ ጓሳ ህይወቱ በጃ ኣባጊዑ የሕልፋ። . . . እቲ ሕያዋይ ጓሳ ኣነ እየ። ነባጊዐይ እፈልጠን፡ እተን ኣባጊዐይውን ይፈልጣኒ እየን። ዮሃ 1011, 14እዚ ቕንያት እዚ ክሳዕ ታሕሳስ 27 (ብግእዝ) ዘሎ ቕንያት፡ ብቕድስቲ ቤተ ክርስትያንና፡ኖላዊማለትጓሳ፡ ሓላዊተባሂሉ ዚጽዋዕ። እግዚኣብሄር ብጐይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ኣብ ልዕሌና ዚፍጽሞ ጕስነትን፡ ናይ ነፍሲ ወከፍ ሰዓብን ኣገልጋልን ናይ ጕስነት ሓላፍነትን እነስተንትነሉን ርእስና እንምርምረሉን ጊዜ እዩ። ጕስነት ተወራሲ መለኮታዊ ባህርይን ተግባርን እዩ። ስለዚ ድማ እግዚኣብሄር ብቓሉ ሕያዋይ ጓሳ ምዃኑ ደጋጊሙ ነጊሩና ኣሎ። ብመልክዑን ብምስሉን ስለ ዝፈጠረና ድማ፡ ካብቲ ጕስነታዊ ባህርዩ ኣካፊሉና እዩ። እግዚኣብሄር ነዚ ጕስነታዊ ባህርዩ ገና ሰብ ከይተፈጥረ ኸሎ እዩ ኣንጸባሪቕዎ። ገና ንሰብን ንኻልእ ኵሉ ህያው ፍጥረትን ከይፈጠረ ኸሎ፡ ቅድም ንምድሪ ንዅሎም ህያዋን ከም እትኸውን ገይሩ ፈጠራ። ካብ ማይን ብርሃንን ጀሚርካ ንእንስሳ ንኣትክልቲ ልዕሊ ዅሉ ድማ ንሰብ፡ ዚከውን ኵሉ ኣዳለወ። ዚነባበሩሉ ሕጊ ሰርዐ። እዚ ድማ ናይቲ ጕስነታዊ ባህርዩ ነጸብራቕ እዩ። እቲ ሽዑ ዘዳለዎ ዅሉ፡ እንሆ ፍጥረታት ንዓሰርታት ኣሽሓት ዓመታት ዚኣክል ተጠቒሞምሉ ኽነሶም ክሳዕ ሕጂ ኣይተወድአን። ብፍላይ ወዲ ሰብ ብዜሰክሕ መጠን ንፍጥረት እናመዝመዞ ኽነሱ፡ ገና ግን እቲ ሃብቲ ኣምላኽ ኣይተጸንቀቐን።

“ናብቶም ናቱ መጸ፡ እቶም ናቱ ኸኣ ኣይተቐበልዎን። ነቶም እተቐበልዎ ዘበሉ ዅሎም ብስሙ ንዚኣምኑ ግና፡ ውሉድ ኣምላኽ ኪዀኑ መሰል ሃቦም።” ዮሃ 1፡ 11-12። እግዚኣብሄር ብወዱ ብጐይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ገይሩ ንዘርኢ ሰብ ካብ ዝሃቦ ዝዓበየ ሓለፋን ክብርን ሓደ፡ መሰል ውልድነት እዩ። ካብ ወለድና ብስጋ ስለ ዝተወለድና እንረኽቦ ሓለፋታት ማእለያ የብሉን። ፍቕሪ፡ ክንክን፡ ሓለዋ፡ ሓልዮት ርስቲ ወዘተ ዝኣመሰሉ፡ ንህላወናን ድሕነትናን (safety) ኣገዳስቲ ዝዀኑ ተግባራት ውጽኢት ናይ ውልድነት እዮም። ካልኣ ሰብ፡ ካብቲ ገዛ ዘይተወልደ ሰብ፡ ነቶም ወለድን ስድራኦምን ዋላ ካብ ደቆም ንላዕሊ ጽቡቕ እንተ ገበረሎም ከም ሕያዋይ ፈታዊ እምበር ከም ውላዶም ተቐቢሎም መሰል ውልድነት ኣይህብዎን እዮም። ብስም እቲ ወላዲ ኣይጽዋዕን፡ ኣይወርስን ከኣ እዩ። ስለዚ እዚ ሓላፊ ምድራዊ ውልድነት ክሳዕ ክንድ’ዚ ኻብ ከበረ፡ እቲ ሰማያዊ ውልድነትከ ደኣ ማዕረ ኽንደይ ክብሪ ኣለዎ ማለት እዩ፧ ነቲ ሕያውነት ኣምላኽ ኣዝዩ ዜጕልሖ ድማ፡ ብሰሪ ሓጢኣት ውሉድ ዲያብሎስ ንዝነበሩ ዅሎም ውልድነት ኪህቦም ምፍቃዱን፡ ነዛ ውልድነት እዚኣ ምእንቲ ኺህበና ድማ ነቲ እንኮ ናይ ባህርይ ወዱ ኺስውእ ምፍቃዱን እዩ።

ኢየሱስ ንናትናኤል ናብኡ ኺመጽእ ከሎ ምስ ረኣዮ፡እንሆ ጕርሒ ዘይብሉ ቕኑዕ እስራኤላዊበለ። ናትናኤል ከኣኣበይ ትፈልጠኒበሎ። ኢየሱስ ከኣፊሊጶስ ከይጸውዓካ፡ ኣብ ትሕቲ በለስ ከለኻ ርእየካ ኢሉ መለሰሉ።” ዮሃ 1 47-48 

ደቀ መዛሙርቱ ድማ፡መምህር፡ ዕውር ኰይኑ ዚውለድሲ መን እዩ ዝበደለ፡ ንሱዶ ወይስ ወለዱ፧ኢሎም ሓተትዎ።ኢየሱስ ከኣ፡ግብሪ ኣምላኽ ኣብኡ ምእንቲ ኺገሃድ ደኣ እምበር፡ ንሱ ኣይበደለ፡ ወለዱ ኣይበደሉ፡ . . . ኢሉ መለሰሎም።ዮሃ 92, 3.

“እንሆ ኸኣ [እቶም ኣጋንንቲ]፡ “ኢየሱስ ወዲ ኣምላኽ፡ ምሳኻ እሞ እንታይ ኣሎና፧ ቅድሚ ጊዜኡ ኽትሳቕየናዶ ናብዚ መጺእካ፧” እናበሉ ጨደሩ።...እንሆ ድማ ብዘላ እታ ዓዲ ንኢየሱስ ክትራኸቦ ወጸት። ምስ ረኣይዎ ኸኣ ካብ ወሰን ምድሮም ኬግልስ ለመንዎ።” ማቴ 8፡29; 34.

ጐይታና ነዚ ኽፍሊ ወንጌል እዚ ዝመሃረ፡ ነቲ ንሰላሳን ሸሞንተን ዓመታት ዚኣክል መጽጕዑ ዝነበረ ሰብኣይ ኣብ ሰንበት መዓልቲ ፈዊሱ ዓራቱ ጸይሩ ኪኸይድ ምስ ኣዘዞ እዩ። በቲ ግብሩ ሓሪቖም ክሳዕ ንምቕታሉ ሓሰቡ። ጐይታ ድማ ነዚ ሓሳቦም እዚ ስለ ዝተረድኦ፡ እግዚኣብሄር ኣቦኡ ዝገበሮ ኸም ዝገበረ ኣስፊሑ ገለጸሎም። ኣብዚ ትምህርቱ እዚ ድማ ብዛዕባ ሰለስተ ዓይነት ሞት ዜገርም መግለጺ ሃበ። እቲ ቐዳማይ ዓይነት ሞት ገና ብኣካለ-ስጋ ብህይወት ከለኻ እትሞቶ ናይ ልዕሊ መቓብር ሞት ኪኸውን ከሎ፡ እቲ ኻልኣይ ሞት ድማ ብኣካል ስጋ ሞይትካ ናብ መቓብር እትወርደሉ ሞት እዩ። እቲ ሳልሳይ ሞት ግና፡ በቲ ልዕሊ መቓብር ከለኻ እትምቶ መንፈሳዊ ሞት እዩ ዝውሰን።

“ጽድቅኹም፡ ኣብ ቅድሚ ሰብ ምእንቲ ኽትረኣዩ ኸይትገብሩተጠንቀቁ፡ እንተ ዘይኰነስ፡ ኣብቲ ኣብ ሰማያት ዘሎ ኣቦኹም ዓስቢ የብልኩምን።” ማቴ 6፡1

እዚ ናይዚ ዕለት ናይ ወንጌል ንባብ ካብ ፍቕዲ ሓሙሽተ ዚጅምር እኳ እንተ ዀነ መሰረትን ኣርእስትን ናይቲ መልእኽቲ ግና ኣብ ፍቕዲ ሓደ ዚጅምር። እዚ ኣርእስቲ እዚ ካብቶም ዓበይቲ ናይ ከረን ስብከት ኣርእስትታት ሓደ እዩ።

Diocese



 



 


ካብ ውሽጢ ኤርትራ ዝተረኽበ ንቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ንምቁጽጻር ብመንግስቲ ኤርትራ ክካየድ ዝጸንሐን ዘሎን ሽርሒ ዘቃልዕ ቪድዮ 



Support Tewahdo TV

Gofundme


Support Diocese

PayPal


ድኳን መጻሕፍቲ/Book Store


ጋዜጣ ፍኖተ ብርሃን፡ ልሣን

 ቤተ ክርስቲያን ተዋሕዶ


ስብከተ ወንጌል


ራድዮ ቃለ ኣዋዲ


መጻሕፍቲ - Books 


ጾምን በዓላትን


Diocese Churches

 

Radio Tewahdo

 Video - Youtube

TV Tewahdo

A Message from H.G. bishop Mekarios

መጸናንዒ ቃል ብብጹእ ኣቡነ መቃርዮስ

ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ብኸመይ

</div