S5 MP3 Player - плагин joomla Mp3

ርሑስ ብዓል ትንሳኤ ክርስቶስ!! እግዚኣብሄር ነዚ ኣብ ስርዓት ቅድስቲ ቤተ ክርስትያንናን ኣብ ውልቃዊ ህይወትናን ኣገዳሲ ዝዀነ ናይ ዓብይ ጾም ወርሓት ብሰላም ስለ ዘፈጸመና ኽብሪ ነቲ ቕዱስን መፍርህን ስሙ ይኹን!! እዚ ኸም ኣርእስትና መሪጽናዮ ዘሎና፡እንታይ የብክየኪ ኣሎ፧ዚብል ሕቶኣዊ ኣርእስቲ፡ ድሕሪ ትንሳኤኡ ጐይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ነታ ኻብ ቅዱሳት ኣንስቲ ሓንቲ ዝዀነት ማርያም መግደላዊት ዝሓተቶ ሕቶ እዩ። 

“ምስ ቀረበን ነታ ኸተማ ምስ ረኣያን፡ ከምዚ ኢሉ በኸየላ፡ “ኣነ ንስኺ በዛ መዓልትኺ ንሰላምኪ ዚኸውን ነገር እንተ ትፈልጢ! ሕጂ ግና ኻብ ዓይንኺ ተኸዊሉ ኣሎ።. . .  ዘመን ምሕረትኪ ስአን ምፍላጥኪስ፡ ንዓኽን ኣባኺ ንዚነብሩ ደቅኽን፡ ኪግምጥሉኺ፡ እምኒ ኣብ ልዕሊ እምኒ ኣይኪሓድጉልክን’ዮም።” ሉቃ 19፡41-44

ቅድስቲ ቤተ ክርስትያና ሰሪዓትልና ኸም ዘላ እዛ ሰንበትዚኣገብርኄር’’ ማለትሕያዋይ ባርያተባሂላያ እትጽዋዕ። እቶም ኣገልገልቲ ቤተ ክርስቲያን ኰና እቶም ምእማናን፡ በቲ እግዚኣብሄር ንነፍሲ ወከፍና ዝሃበና ጸጋን ሓላፍነትን እሙናትን ሕያዎትን ኬንና ነገልግሎት እንተሊናን እንተ ዘየሊናን ርእስና ኽንምርምር ዝተሰርዓትልና መዓልቲ ኽኣያ። ኣብዚ ዝተነበበልና ኽፍሊ ወንጌል፡ እቲ ጐይታ ነቶም ኣገልገልቱ ኸከም ዓቕሞም፡ ነቲ ቐዳማይ ሓሙሽተ፡ ነቲ ኻልኣይ ክልተ ነቲ ሳልሳይ ድማ፡ ሓንቲ መክሊት ኸም ዝሃቦ ተገሊጹልና ኣሎ። ንኣታቶም ዝተዋህቦ ሓላፍነት ድማ፡ ተጊሆም ብምስራሕ ነቲ ዝተዋህቦም መክሊት ምብዛሕዩ።

ብሓቂ፡ ብሓቂ እብለኩም ኣሎኹ፡ እንፈልጦ ንዛረብ፡ ዝረኣናዮውን ንምስክር ኣሎና፡ ነቲ ምስክርና ግና ኣይትቕበልዎን ኢኹም።ዮሃን 311 እዛ ዕለትዚኣ ቅድስቲ ቤተ ክርስቲያን ብዛዕባ ዳግማይ ልደትና ኸነስተንትን ዚሰርዓትልና መዓልቲ እያ። ኒቆዲሞስ ዝተባህለ ኣይሁዳዊ ሊቕ፡ ሕቡእ ወደ መዝሙር፡ በለይቲ ንጐይታ ኺረኽቦ ምስ መጸ፡ ጐይታካብ ማይን ካብ መንፈስን እንተ ዘይተወልደ፡ ናብ መንግስቲ ኣምላኽ ኪኣትው ዚኽእል የልቦን’’ ብምባል ኣገዳስነት ዳግም ልደት ብዘየማትእ መገዲ ገለጸሉ። ቅድስቲ ቤተ ክርስቲያን ድማ ነዚ ናይ ጐይታ ቓል መሰረት ብምግባር ብምስጢር ጥምቀት ካብ ማይ፡ ብምስጢረ ሜሮን ድማ ካብ ኣብራኽ መንፈስ ቅዱስ እንውለደሉ ናይ ጸጋ ኣገልግሎት ሰርዓትልና።

 ዓመጻ ስለ ዝበዝሐ ድማ፡ ናይ ብዙሓት ፍቕሪ ኽትዝሕል እያ።ማቴ 2412። ቅድስቲ ቤተ ክርስትያንና፡ ነዚ ሰሙንዚ፡ ብዛዕባ ምጽኣት ጐይታና መድሓኒና ኢየሱስ ክርስቶስ ከነስተንትንን ርእስና ኽንምርምርን ሰሪዓትልና ኣላ። ምጽኣት መድሓኒና ምቕራቡ ኻብ ዜመልክቱና ኣገደስቲ ምልክታት ሓደ ድማ፡ ኵነታት ፍቕሪ ሓድሕድና እዩ። ብዛዕባ ምጽኣት ጐይታ ኸነስተንትን ከሎና፡ መብዛሕትና ነዛ ኣዝያ ኸተስግኣና ዚግብኣ ወሳኒት ትእምርቲ ፈጺምና ኣይነስተብህለላን ኢና። ፍቕሪ እትዝሕለሉ ምኽንያት ድማ ብብዝሒ ዓመጻ ስለ እተዕብለል ምዃኑ ጐይታ ኣግሂዱልና ኣሎ። ፍቕሪ ሰብ ብፍቕሪ ዓመጻ እናተዓብለለ ምስ ዚኸይድ፡ ብድሕሪኡ ንሰብ ምፍቃር ዕሽነት ኰይኑ ዚስምዓካ። ነቲ ርኹስ ረብሓ ዓመጻ ስለ እትሃርፎ፡ ነቲ ኸተፍቅሮ ዚግብኣካ ሰብ ክትዕምጾ ድሕር ኣይትብልን ኢኻ።

“…እንሆ ሐዊኻ፡ ካብዚ ዚገድድ ከይረኽበካስ፡ መሊስካ ኣይትበድል፡ በሎ።” (ዮሃ 514)

እዛ ሰንበት እዚኣ፡ መጋቢት 24, 2019 ራብዐይቲ ሰንበት ኣብዚ ኣቲናዮ ዘሎና ናይ ጾመ ኣርብዓ እዋን እያ።መጻጕዕተባሂላ ድማ ትስመ። መሰረተ ሓሳብ ናይዚ በዛ መዓልቲ ዝመሓላለፍ መልእኽቲ ድማ ካብ ታሪኽ ናይቲ 38 ዓመት ተደኒሱ ዝነበረ ሰብኣይ እሞ ጐይታ ዝፈወሶ ዝነቐለ እዩ።

ንቤት ኣቦይ ቤት ዕዳጋ ኣይትግበርዎ፡ በሎም። .. ቅንኣት ቤትካ በልዓኒ..” (ዮሃ 216, 17)

እዚ ሰንበት እዚ፡ መጋቢት 17, 2019 ሳልሳይ ሰንበት ኣብዚ ዘለናዮ ግዜ ጾመ ኣርብዓ እዩ። ምኵራብ ተባሂላ ድማ ትስመ። መንቀሊ ሓሳባት ናይዚ ዕለት መልእኽቲ ድማ ካብቲ ኣብ ወንጌል ዮሃንስ ምዕራፍ 2 ሰፊሩ ዘሎ፡ ጐይታ ናብ ቤት መቕደስ ኣትዩ፡ ቤት ዕዳጋ ኰይኑ ምስ ረኸቦ ካብ ገመድ ጭጕራፍ ሰሪሑ፡ ንኵሎም ሰጒጉ ዘውጽኣሉ ፍጻመ እዩ።

ኣነ ቅዱስ እየ እሞ፡ ቅዱሳት ኩኑ፡ ዚብል ጽሑፍ ስለ ዘሎ፡ ከምቲ እቲ ዝጸውዓኩም ቅዱስ ዝዀነ፡ ንስኻትኩምውን ብዅሉ ንብረትኩም ቅዱሳት ኩኑ።” (1 ጴጥ 115-16)

እዛ ሰንበት፡ መጋቢት 10, 2019 ካልኣይ ሰንበት ኣብዚ ኣቲናዮ ዘሎና ናይ ዓብይ ጾም እዋን እያ።ቅድስትተባሂላ ድማ ትጽዋዕ። ኣብ ናይ ሎሚ መዓልቲ ትምህርትና ድማ ንቅድስና ዝምልኸት ትምህርቲ ክንከታተል ኢና።

Diocese



 



 


ካብ ውሽጢ ኤርትራ ዝተረኽበ ንቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ንምቁጽጻር ብመንግስቲ ኤርትራ ክካየድ ዝጸንሐን ዘሎን ሽርሒ ዘቃልዕ ቪድዮ 



Support Tewahdo TV

Gofundme


Support Diocese

PayPal


ድኳን መጻሕፍቲ/Book Store


ጋዜጣ ፍኖተ ብርሃን፡ ልሣን

 ቤተ ክርስቲያን ተዋሕዶ


ስብከተ ወንጌል


ራድዮ ቃለ ኣዋዲ


መጻሕፍቲ - Books 


ጾምን በዓላትን


Diocese Churches

 

Radio Tewahdo

 Video - Youtube

TV Tewahdo

A Message from H.G. bishop Mekarios

መጸናንዒ ቃል ብብጹእ ኣቡነ መቃርዮስ

ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ብኸመይ

</div