S5 MP3 Player - плагин joomla Mp3

ንርእሱ መዝገብ ዚእክብ!

ካብ ኣትራኖስ ቤተ ክርስቲያን - From the pulpit of the Church

ካብ ነሐሴ 22 (ማኅበር በኲር) ክሳብ ነሐሰ 27 (አብርሃም) ዘሎዉ መዓልትታትዕጒለ ቋዓት ደሰያት ዓይነ ኵሉይብሃል። ኣብዚ ጊዜያት እዚ ኣብ ቤተ ክርስቲያን ዝቀርቡ መዛሙር ምስጋና  ከምዚ ይብሉይሁበነ ዝናመ በጊዜሁ። ይሁበነ ዝናመ በጊዜሁ፡ ወይሁበነ እክለ በረከት። ይሁበነ ዝናመ በጊዜሁ። ያርኁ ክረምተ ይገብር ምሕረተ፡ ወይሁበነ ዝናመ በረከት። ይሁበነ ዝናመ በጊዜሁ፡ ከሢቶ ዓይኖ፡ ሰፈሖ የማኖ ይፌኑ ሣህሎ ወበዘአእመረ ይሴባሕ፡፡ ይሁበነ ዝናመ በጊዜሁ፡ ወሠርዐ ሰንበት ለሰብእ ዕረፍተ፡ ወብውህ ሎቱ ይኅድግ ኃጢአተ። ይሁበነ ዝናመ በጊዜሁ፡ዐይነ ኩሉ ነፍስ ይሴፎ ኪያከ። ይሁቦሙ ሲሳዮሙ በጊዜሁ።ትርጉሙኣብ ጊዜኡ ዝናም ይህበና(2 ) እኽሊ በረኸት ይህበና። ኣብ . . . ክረምቲ የርሑምሕረት ይገብር፡ ዝናም በረኸት ይህበና። ኣብ . . . ዓይኑ ከፊቱ፡ የማኑ ዘርጊሑ፡ ይቕረ ምባሉ ይልእኽ፡ በቲ ዝፈለጠ ይምስገን። ኣብ . . . ንዕረፍቲ ሰብ ሰንበት ሰርዐ፡ ሓጢኣት ክሓድግ ስልጣን ኣለዎ። ኣብ . . . ዓይኒ ኩሉ ነፍሲ ንዕኡ ይጽበ፡ ኣብ ጊዜኡ መግቢ ይህቦም።

ድስቲ ቤተ ክርስትያንና ነዛ እተቐደሰት ሰንበትዚኣ ሰሪዓትልና ዘላ ንባብ ቅዱስ ወንጌል፡ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ዓያሱን ድኻታትን ኴንና ኸይንርከብ ዚሕልወና፡ ብድርኺት መንፈስ ቅዱስ ዝተጻሕፈ ኽፍሊ ሓድሽ ኪዳንዩ። እዚ ኣብቲ ምስላ ተጠቒሱ ዘሎ ዓሻ ሰብኣይ፡ ነቲ እግዚኣብሄር ፈትዩ ዝሃቦ በረኸት ብምእካቡ ኣይኰነን ዝተነቕፈ። ነቲ እግዚኣብሄር ዘብዝሓሉ በረኸት ኣብቲ ግራቱ ይርገፍ እንተ ዚሓድጎ ዝገደደ ዕሽነትን ኣበሳን ምተቘጽረሉ ነይሩ። ነቲ ጽሑፍ ከም ዚግባእ እንተ ኣስተውዒልናሉ፡ እቲ ኣበሳኡን ዕሽነቱን፡ ብሓንትን ኣገዳሲትን ቃል ተገሊጹልና ኣሎ። ንሳ ኸኣ፡ እታንርእሱእትብል ቃልያ። ነዛ መርዛም ቃልዚኣ ለልዩ ዘይፈለጣን፡ ካብ ኵሉ ተግባሩን ህይወቱን ለቒሙ ዘይደርበያን ሰብ፡ ኣብዛ ምድሪዚኣ ምሉእ ዕድሚኡ፡ ኣብታ እትመጽእ ዓለም ከኣ ንዘለኣለም ምስ እግዚኣብሄር ተባኢሱን ተፈላልዩን ዚነብር። ዋላ ብሉጽ ግብሪ-ጽድቂ ንርእስኻ ኢልካ ምስ ገበርካዮ ናብ ውጹእ ግብሪ ዓመጻ ዚልወጥ። ስለዚ ናይዚ ብእኽልን ብዕሽነትን ብማዕረ ዝሃብተመ ሰብኣይ ኣበሳ፡ ኣብቲ ምእካቡ ዘይኰነስ ኣብቲ ዝኣከበሉ ዕላማ ተጋሂዱ። ምእካብ ኣበሳ እንተ ዚኸውን፡ እቲ ዚእከብ በረኸት ዘብዝሓልና ወሃቢ ኣምላኽውን ምሳና ሓቢሩ ኣበሰኛ ምዀነ ነይሩ። ከመይሲ እቲ ቕዱስ ጽሑፍ፡ ብዛዕባ እግዚኣብሄር፡ እዚኣቶም ኵሎም (ፍጡራት) ምግቦም በብጊዚኡ ኽትህቦም፡ ንኣኻ ይጽበዩ ኣለዉ። ንስኻ ትህቦም ይእክቡ፡ ንስኻ ኢድካ ትዝርግሕ፡ ብጸጋውን ይጸግቡ ኣለዉ። ንስኻ ገጽካ ትኽውል፡ ይስምብዱ፡ ትንፋሶም ተውጽእ፡ ይሞቱ፡ ኣብ መሬቶምውን ይምለሱ። ብምባል ኣረጋጊጹልና ኣሎ (መዝ 10427-29) ንመን ኢልናን ንምንታይ ዕላማን ክንእክብ ከም ዚግብኣና ዘይምፍላጥና ግና፡ ቀታሊ ዝዀነ ዘይምሕር ኣበሳ ይወልደልና ኣሎ። በቲ ንረብሓና ኢሉ ዚእክብ ነገር ብልግሲ ዝሃበና በረኸት ጌርና፡ ነቲ ወሃቢ ኻብ ምብዳል ዚኸፍእ ዕሽነት ኪህልው ከቶ ኣይክእልንዩ። ብኻልእ ኣዘራርባ ነቲ ፈትዩ ዝሃበና በረኸትሲ፡ ናብ ዜሕትት ዕዳ ንልውጦለና ማለትዩ።

ነዚ ዅሉ ጉድ ትገብረና ዘላ ድማ፡ እታ ሰይጣን ንጥፍኣትና ኢሉ ዝዘርኣልና፡ንዅሉ ነገር ንርእስኻ ኢልካ ግበሮ፡ ንርእስኻ ጥራሕ ንበርእትብል መርዚ እዚ ኣበሃህላንርእስኻ ኢልካ ምግባር ንምንታይ ኣበሳ ዚኸውን፧ዚብል ሕቶ ኣብ ልብና ኼለዓዕለልና ጽቡይን ባህርያውንዩ። እቲ መልሲ ድማ ብሩህን ንጹርንዩ። ንሕና ባዕላትና ናብ ህላወ ዝመጻእና ፍጡራት ኣይኰንናን። ብኻልእ ኣዘራርባ፡ ናይ ገዛእ ርእስና ህላወ ዘይብልና ፍጥረት ኢና። ፍጡራት ኣምላኽ ስለ ዝዀንና፡ እንውለደሉ ዀነ እንሞተሉ ዕለት ብኣምላኽ ጥራሕ ዚውሰንዩ። መዓልታት ህይወቱ ፈትዩ ኼንውሕ፡ ወይውን ጸሊኡ ኼሕጽሮ ዚኽእል ሰብ የልቦን። ነዚ ሓቂ ድማ ሃዋርያ ቕዱስ ጳውሎስ ኣብቲ ንሰብ ኣቴና (ኣቴንስ) ዝተዛረቦ ህያው ቃል ብንጹር ገሊጽዎ ኣሎ። “(እግዚኣብሄር) ህይወትን እስትንፋስን ዜድልይ ኵሉ ነገራትን ንዅሉ ሰብ ዚህብ ስለ ዝዀነ፡ ዚጐድሎ ነገር የብሉን። ብኢድ ሰብውን ኣይግልገልንዩ። ንሱ ካብ ሓደ ሰብ ንዅሉ ዓሌት ሰብ ፈጠረ። ኣብ ርእሲ ዅላ ምድሪ ኸም ዚነብሩ ድማ ገበረ። ዚነብሩሉ ውሱን ዘመናትን ድዉብ ደረታትን ሓገገሎም። እዚ ኸኣ ካብ ነፍሲ ወከፍና ዘይረሓቐ (ኽነሱ) ንኣምላኽ ምእንቲ ኺደልይዎን፡ ምናልባሽውን ሃሰስ ኢሎም ምእንቲ ኺረኽብዎ ኢሉ ገበሮ። ምኽንያቱ ገለ ኻብቶም ተቐነይትኹም፡ንሕና ደቂ ኣምላኽ ኢናኸም ዝበሉ፡ ብእኡ ኢና እንነብርን እንወሳወስን፡ ብእኡ ኢና ኸኣ (ብህይወት) ዘለና። (ግብ 1725-28)  መሰረትን ዕላማን ህላዌና ንሱ እንተ ዀይኑ እምበኣር እንገብሮ ዅሉ  ምእንትኡ ጥራይ እምበር ምእንቲ ርእስና ኪኸውን ከም ዘይብሉ ብዘይ መግለጺ ኺርድኣና ዚግብኦ ሓቂዩ። ኣብዛ ምድሪ ዘሎ ዅሉ ህያውን ግኡዝን ፍጥረት ንኽብሪ እግዚኣብሄር ዝተፈጥረዩ። ልዕሊ ዅሉ ኻልእ ፍጥረት ንኽብሪ እግዚኣብሄር ዝተፈጥረ ግና እቲ ብመልክዑን ብምስሉን ዝተፈጥረ ሰብ (ኢሳ 436,7,21) ስለዚ ወዲ ሰብ ዘበለ ዅሉ፡ ብዚሓስቦን ብዚዛረቦን ብዚገብሮን ኵሉ ንእግዚኣብሄር ክብሪ ይህብ ከም ዘሎ ኼረጋግጽ ይግብኦ። ሃዋርያ ቕዱስ ጳውሎስ ኣብዛ ምድሪዚኣ ንህይወትና ኽንመርሓሉ ዚግብኣና ሓደ ስሉሳዊ ሓቂ ገሊጹልና ኣሎ። ኵሉ ኻብኡ ብእኡን ንእኡን ድማሞ፡ ንእኡ ንዘለኣለም ክብሪ ይዅኖ፡ ኣሜን። . . .ንኣናስ ኵሉ ኻብኡ ዚኸውን፡ ንሕናውን ንእኡ እንኸውን ሓደ ኣምላኽ ጥራይ፡ ኣቦ፡ ኣሎና። ኵሉ ብእኡ ዚኸውን፡ ንሕና ኸኣ ብእኡ እንኸውን ሓደ ጐይታውን፡ ኢየሱስ ክርስቶስ፡ ኣሎና (ሮሜ 1136 1ቈረ 86) ኣብ ህይወትና እንገብሮን እንዀኖን ኵሉ፡ ካብዘን ሰለስተ ኣገደስቲ ሓቅታት እንተ ተፈልዩ፡ ካብ ኣምላኽ ይፈልየና፡ ዓያሱን ከንቱን ይገብረና፡ ዘለኣለማዊ ፍርዲ ኸኣ የስዕበልና። ካብ ኣምላኽ ዘይኰነን ዘይተገብረን፡ ብኣምላኽ ዘይተገብረን ዘይኰነን ንኣምላኽ ዘይተገብረን ዝተዀነን ኵሉ፡ ካብቲ ጸረ ኣምላኽ ዝዀነ ድያብሎስዩ። እግዚኣብሄር ነቲ ኻብኡን ብእኡን ንእኡን ዘይገብር ህዝቢ ኸም ጸላኢኡ ኸም ዚርእዮን ኣዝዩ ኸም ዚቝጥዖን ከም ዚፈርዶን ብንጹር ገሊጹዩ። “ ‘ኣቱም ተጻረርቲ ደቂ፡ ወይለኹም፡ይብል እግዚኣብሄር፡ ምኽሪ ትመኽሩ፡ ግናኸ ካባይ ኣይኰነን፡ ሓጢኣት ኣብ ልዕሊ ሓጢኣት (ምእንቲ) ኽትውስኹስ፡ ኪዳን ትተኣታተዉ ኣለኹም፡ ግናኸ ካብ መንፈሰይ ኣይኰነን። ብሓይሊ ፈርኦን ክትሕይሉ፡ ኣብ ጽላል ግብጺ ኸኣ ክትጽግዑ ኢልኩምሲ፡ ናብ ግብጺ ትወርዱ ኣሎኹም ግናኸ ንኣፈይ ኣይሓተትኩምን። ስለዚ እቲ ሓይሊ ፈርኦን መነወሪኹም፡ እቲ ኣብ ትሕቲ ጽላል ግብጺ ምጽጋዕኩም ድማ መሕፈሪኹም ኪኸውን (ኢሳ 301-3) መለኸት ኣብ ኣፍካ ግበር፡ ኪዳነይ ኣፍሪሶም፡ ሕገይ ከኣ ግሂሶም እዮምሞ፡ (ጸላኢ) ከም ንስሪ ኣብ ልዕሊ ቤት እግዚኣብሄር ኪወርድዩ። ንሳቶም፡ኣምላኸይ፡ ንሕና እስራኤል ንፈልጠካ ኢና እናበሉ ናባይ ኬእውዩ እዮም። ግናኸ እስራኤል ንሰናይ (ስለ ዝደርበዮ) ጸላኢ ኺሰጕጎዩ። ነገስታት ኣንገሱ፡ ግናኸ ብኣይ ኣይኰነን፡ መሳፍንቲ ገበሩ፡ ኣነውን ኣይፈለጥኩን” (ሆሴ 81-4) እምበኣር ካብኡን ብእኡን ዘይንገብሮ ዅሉ ኻብ እግዚኣብሄር ፍርድን ጸበባን ዚጽውዓልና።

እቲ ንርእሱ ገዲፉ ንኣምላኽ ኢሉ ኺነብርን ኪገብርን ዚኽእል ድማ፡ እቲ ኻብኡን ብእኡን ዚገብር ሰብ ጥራሕዩ። ነቲ ኣምላኽ ብስልጣኑን፡ወዳጄብዜብል ጥበቡን ዝሰርዖ ቕደም ተኸተል፡ ከነዘናብሎ፡ ክንዘልሎ ወይውን በቋርጭ ብዅሊቱ ኽንኣትዎ ኣይከኣልን ኣይግባእን ከኣዩ። ካብኡ ዘይተቐበልናዮ፡ ንሱ ብዘይቅበሎ ዓመጽ ዘምጻእናዮ ኽንህቦ እንተ በልና ኣይኪቕበለናንዩ። ብናቱ ሓይልን ምርሒትን ዘይኰነ፡ ብናትናን ባዕላትናን ብዝገበርናዮ ኣይኪሕጐሰልናን ኣይኪቕበለልናን ድማዩ። ካብኡ ተቐቢልና ብእኡ ንዝገበርናዮ ዅሉ፡ ኣብ መወዳእታ ንእኡ ኢልና እንተ ዘይገበርናዮ ድማ፡ ግብሪ ዓመጻ እምበር ግብሪ-ጽድቂ ኣይኪቝጸረልናንዩ። ምኽንያቱ እቲ ሕጊ መለኮት፡ ኵሉ ኻብኡ፡ ኵሉ ብእኡ፡ ኵሉ ንእኡ ይኹንኢሉ ብንጹር ኣፍሊጡናዩ።

ስለዚ ድማዩ፡ ንርእስኻ ኢልካ ምእካብ ነዚ ኣብ ምስላና ዝተጠቕሰ ሰብኣይን ንኣናን ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ዓያሱ፡ ድኻታት፡ ዓመጸኛታት ዚገብረና። ምንባርና፡ ምግባርና ዀነ ምሟትና ንእኡ ጥራሕ ኪኸውን ከም ዚግብኦ፦ካባናስ ሓደ ንርእሱ ኢሉ ዚነብር የልቦን፡ ንርእሱ ዚመውት ከኣ ሓደ የልቦን። ብህይወት እንተ ነበርና፡ ንጐይታ ኢና እንነብር፡ ወይስ እንተ ሞትና ንጐይታ ኢና እንመውትሞ፡ ብህይወት እንተ ነበርና ወይስ እንተ ሞትና ናይ ጐይታ ኢና። ስለዚ ኸኣ ክርስቶስ፡ ጐይታ ምዉታትን ህያዋንን ምእንቲ ኪኸውን ኢሉ፡ ዝሞተን ህያው ዝዀነን። ብዚብል ወርቃዊ ቓላት ተገሊጹልና ኣሎ (ሮሜ 147,8) ብመሰረት ሃዋርያዊ ቓልዚ፡ ንርእስና ኢልና ኽንበልዕ፡ ክንሰትይ፡ ክንክደን፡ ክንሰርሕ፡ ከነጥርይ፡ ክንዋሰብ፡ ክንወልድ፡ ከነገልግል ወዘተ ኣይግባእንዩ። ንርእስና ኢልና ምስ እንገብሮ፡ እዚ ንቡር ማሕበራዊ ንጥፈታት ናብ ዓመጻውን ሓጥእን ተግባር ተለዊጡ ፍርዲ ይወልደልና ማለትዩ። ከምኡ ስለ ዝዀነ ኸኣ፡ እግዚኣብሄር በቲ ሕሩይ ሃዋርያኡ ገይሩ፦

እምበኣርሲ እንተ በላዕኩም፡ ወይስ እንተ ሰቴኹም፡ ወይስ ዝዀነ ይኹን እንተ ገበርኩም፡ ኵሉ ንኽብሪ ኣምላኽ ግበርዎ።ኢሉ ኣዘዘና (1ቈረ 1031) እዚ ረቂቕ ምስጢር ዝሓዘለ ሃዋርያዊ ቓል፡ንኽብሪ ኣምላኽ ኢልካ ምግባር ማለት እንታይ ማለትዩ፧ዚብል ሕቶ ኼለዓዕለልና ይግባእዩ። ኣብቲ ሓንጐልናንኽብሪ ኣምላኽ ኢለ እበልዕ፡ ንኽብሪ ኣምላኽ ኢለ እዋሰብ ኣለኹኢልና ብምሕሳብ ጥራሕ ምግባር ማለት ከም ዘይኰነ መቸም ርዱእዩ። ነቲ ኣፈጻጽማኡን ኣተሓሕዛኡን ንኣምላኽ ብዜኽብር መገዲ ምግባር ማለት ደኣዩ። ሓጥእ ብዝዀነ መገዲ ብዓመጽ ዝተረኽበ እንጌራ፡ ምእንቲ ኽብሪ ኣምላኽ ኢልካ እንተ በላዕካዮ፡ ብኣምላኽ ምልጋጽ እምበር፡ ንኣምላኽ ምኽባር ኪቝጸረልካ ኣይክእልንዩ። ዋላ ብቕንዕናን ብጽድቅን ዝተረኽበ እንጌራውን እንተ ዀነ፡ ብጽድቂ እንተ ዘየመሓደርካዮ፡ንኽብሪ ኣምላኽ ኣውዒለዮምባልካ ውርደትምበር ክብረት ኣይኰኖንዩ። ምእንቲ ኽብሪ ኣምላኽ ኢልካ ምውሳብካ ዚፍለጥ፡ ነቲ ሓዳርካ ንኣምላኽ ብዜኽብር መገዲ ኸም ፍቓዱ ጌርካ እንተ ነበርካዮ እዩ።

ንርእስና ኢልና ኽንነብር ዘየኽእለና ኻልእ ዝዓበየን ዝኸበረን ምኽንያትውን ኣሎና። ሃዋርያ ቕዱስ ጳውሎስ፡ ነዚ ሓቂዚ፦ድሕሪ ሕጂ እቶም ዘለዉ፡ ነቲ ምእንትኦም ዝሞተን ዝተንስአን እምበር፡ ንርእሶም ምእንቲ ኸይነብሩ፡ ንሱ ኣብ ክንዲ ዅላቶም ሞተ።ብምባል ኣብሪህዎ ኣሎ (2ቈረ 515)  ስለዚ ድሕሪ ሞት ክርስቶስ፡ ምእንትኡ ምንባር ሓዲግካ ምእንቲ ርእስኻ ምንባር ማለት፡ ንሞቱ ኸንቱ ምግባር፡ ንኽቡር ደሙ ምርጋጽ፡ በቲ መሪር ስቓዩ ምልጋጽ ማለትዩ። ምእንቲ ርእስኻ ምንባር ማለት፡ ነቲ ምእንታኻ ዝሞተ ጐይታ ምጥላምን ምዕማጽን ማለትዩ። እቲ ዜሕዝን ግና፡ መዓልቲ መጸ ነዚ ጥልመትን ዓመጽን እናፈጸምናዮ ኽነስና፡ ከም ንጹሃት ኴንና ብዘይ ዝዀነ ስክፍታን ወቐሳ ሕልናን ንነብር ምህላውናዩ። ንሕና እቶም ዓመጽትን ጠለምትን ሕልናና ኣደንዚዝና ቐሲንና ንነብር እንተሊናኳ፡ እቲ ዝተጠልመን ትርጉም ሞቱን ትንሳኤኡን ዘቃለልናዮ ጐይታ ግን ኣዝዩ ይጕህየልና ኸም ዘሎ፡ ብግብራዊ ንስሓ ኣካይዳናን ዕላማናን እንተ ዘየቕኒዕና ድማ ኪብቀለናን ሕነ ደሙን ሞቱን ኪፈድየና ምዃኑን ንሓንቲ ኻልኢት ኽንዝንግዖ ኣይግባእንዩ።

ጐይታና ባዕሉ፡ ነቲ ቕዱስ ስጋኡ ቘሪሱ፡ ነቲ ኽቡር ደሙ ኣፍሲሱ፡ እንጌራ ህይወት ገይሩ ዝሃበና፡ ምእንትኡ ምእንቲ ኽንነብር ኢሉ ምዃኑ፦ህያው ኣቦ ኸም ዝለኣኸኒ ኣነ ስለ ኣቦ ብህይወት ከም ዘለኹ፡ ከምኡ ኸኣ እቲ ዚበልዓኒ ስለይ ብህይወት ኪነብርዩ። ብምባል ኣብሪሁልና (ዮሃ 657) እምበኣር፡ ካብዚ ልዕል ኢልና ዝጠቐስናዮ መለኮታዊ ሓቅታት ከም ዝተገንዘብናዮ፡ ንርእስና ኢልና ኽንነብርን ክንገብርን ኣይተፈጠርናን። ንርእስኻ ኢልካ ምንባርን ምግባርን ኣንጻር-ሕገ ተፈጥሮናን ኣንጻር ሕጊ መለኮትን ምምልላስዩ። ናይዚ ዅሉ ኣብ ዓለምና ገኒኑ ዘሎ ፖለቲካውን ቍጠባውን ማሕበራውን መንፈሳውን ቅልውላዋት ጠንቂ ድማ ንሱዩ። ሰብ ነቲ ዝተፈጥረሉ ዕላማ እንተ ዚቐውም፡ ንርእሱ ምንባር ሓዲጉ ንኣምላኽ ጥራሕ እንተ ዚነብር፡ ዓለምናን ሓዳርናን ኣብያተ ክርስትያናትናን ናብ ገነት ምተለወጣ ነይረን። እግዚኣብሄር በቲ ረቂቕ ጥበቡን በቲ ዕዙዝ ሕያውነቱን ዝመኸረልና ንሱ ነይሩ። ነቲ ሕጉን ምኽሩን ረጊጽና፡ በቲ ሰይጣናውን ስስዕታውን ጥበብ ክንከይድ ምስ መረጽና ግና፡ ምድርና ጥራሕ ዘይኰነ፡ ናብራናን ንሕናን እሾዅን ዳንዴርን ኣብቍልና ብገዛእ ምርጫና ብመሪር ስቓይ ንሓልፍ ኣለና።

ጸጋ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስን ፍቕሪ ኣምላኽን ሕብረት መንፈስ ቅዱስን ምስ ኩላትና ይኹን።

ኦርቶዶክሳዊት ተዋህዶ ቤተ ክርስቲያን ኤርትራ - መንበረ ጵጵስና ሰሜን ኣሜርካ።

ዕለት፥ ሰንበት ነሓሰ 30, 2020 (ነሓሰ 24, 2012 ግእዝ)

ኣብ ጊዜ ቅዳሴ ዝንበቡ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ንባባት

ዲያቆን

ንፍቀ ዲያቆን

ንፍቀ ካህን

ወንጌል

ቅዳሴ

2ቆሮ 81-15

ያዕቆ 117-27

ግብ 226-22

ሉቃ12:13-26

ዘኤጲፋንዮስ

መዝ 144/14515-16

ዐይነ ኵሉ ነፍስ ይሴፎ ኪያከ። አንተ ትሁቦሙ ሲሳዮሙ በጊዜሁ። ትሰፍሕ የማነከ ወታጸግብ ለኵሉ እንስሳ ዘበሥርዓትከ።

ኣዒንቲ ዅሎም ንኣኻ ይጽበያ፣ ንስኻውን በብጊዜኡ ምግቦም ትህቦም።ኢድካ ትኸፍት እሞ፣ ንህያው ዘበለ ዅሉ ብበረኸት ተጽግቦ።

ዓዲ

መዝ 146/147 9-10

ዘይሁቦሙ ሲሳዮሙ ለእንስሳ። ወለዕጉለ ቋዓት እለ ይጼውዕዎ። ኢይፈቅድ ኃይለ ፈረስ።

ነቲ ንእንስሳን ንዚምህለሉ ጨጫዊት ኳዃትን ዚምግብ ዘምሩሉ፣ንሓይሊ ፈረስ ኣይብህጎን፣ በእጋር ሰብ ኣይሕጐስን፣

 

Diocese



 



 


ካብ ውሽጢ ኤርትራ ዝተረኽበ ንቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ንምቁጽጻር ብመንግስቲ ኤርትራ ክካየድ ዝጸንሐን ዘሎን ሽርሒ ዘቃልዕ ቪድዮ 



Support Tewahdo TV

Gofundme


Support Diocese

PayPal


ድኳን መጻሕፍቲ/Book Store


ጋዜጣ ፍኖተ ብርሃን፡ ልሣን

 ቤተ ክርስቲያን ተዋሕዶ


ስብከተ ወንጌል


ራድዮ ቃለ ኣዋዲ


መጻሕፍቲ - Books 


ጾምን በዓላትን


Diocese Churches

 

Radio Tewahdo

 Video - Youtube

TV Tewahdo

A Message from H.G. bishop Mekarios

መጸናንዒ ቃል ብብጹእ ኣቡነ መቃርዮስ

ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ብኸመይ

</div