S5 MP3 Player - плагин joomla Mp3

ዝኣዘዝኩኹም ዘበለ ዅሉ እንተ ገበርኩም፡ ኣዕሩኸይ ኢኹም።

ካብ ኣትራኖስ ቤተ ክርስቲያን - From the pulpit of the Church

ቅድስቲ ቤተ ክርስቲያንና ብኣቈጻጽራ ግእዝ ነሐሴ 17 ንዘሎ ዕለት ኣብ ሰንበት እተዊዒሉአዕረግዋ መላእክት ውስተ ሰማያት። ጥዕምት በቃላ ወሠናይት፡ በምግባራ። አዕረግዋ መላእክት ውስተ ሰማያት፡ ወትባርክ ነቢያተ ወሐዋርያተ።አዕረግዋ መላእክት ውስተ ሰማያት፡ ወትባርክ ጻድቃነ ወሰማዕተ።አዕረግዋ መላእክት ውስተ ሰማያት፡ በህየ ትባርክ ነገሥተ ወነጋሥያተ። አዕረግዋ መላእክት ውስተ ሰማያት። አዕረግዋ መላእክት ውስተ ሰማያት፡ ማለትመላእክቲ ናብ ሰማይ አዕረግዋ፡ ብልሳና ጥዕምቲ፡ ብምግባራ ሰናይ ኢያ ንነባያትን ሓዋርያትን ትባርኮም። ንጻድቃንን ሰማዕታትን ትባርኮም። በዚውን ንነገሥታትን ንንጉሥን ትባርኮም።መላእክቲ ናብ ሰማይ አዕረግዋ።መላእክቲ ናብ ሰማይ አዕረግዋተባሂሉ አብ ቤተ ክርስትያን ዝዝመር መዝሙር ምስጋና እዩ።እዚ ሰንበት እዚ (ነሓሰ 17, 2012) ሓደ ካብቲ ኣብ ቤተ ክርስትያንና ዘሎ ዓበይቲ በዓላት ናይ ኣዴና ቅድስት ድንግል ማርያም ዕርገታ ብዓል እዩ። ስለዚ ኣብ ህይወት ቅድስቲ ድንግል ማርያም ዘተዀረ ተአዛዝነት አምላኽ ዘተኮረ ሓሳባት ክንኻፈል ኢና።

ኣብዚ ሎሚ ኣብ ቅዳሴ ዝተነበበ ወንጌል፡ . . . ንስኻትኩም እዚ ዝኣዘዝኩኹም ዘበለ ዅሉ እንተ ገበርኩም፡ ኣዕሩኸይ ኢኹም” (ዮሃ 15 13-14)።ዝበሎ ቃል አብ ህይወት ዘመና ዝፈጸመት፡ ዘመን ህይወታ ብቅድስና ንእግዚአብሄር አስሚራ ዝወድኤት ንዓናውን ሎሚ ንምእዛዝ ክሕግዘና ሓጺር ህይወት ታሪካ ክንርእይ ኢና። ድንግል ማርያም፡ ኣምላኽ ነቲ ብነብዩስለዚ ናብ ዓለም ኪኣቱ ኸሎ፡ ይብል፡ ስጋ ኣዳሎኻለይ እምበር፡ መስዋእቲ ሕሩድን መስዋእቲ ብልዕን ኣይደሌኻን፡ኢሉ ዚተነበዮ ትንቢት መፈጸሚት፡ ነቲ ዝደለዮ ስጋ ኣብ ምድላው፡ ኣብ ምድሪ ካብ ዝነበራ ኣንስቲ ኵለን ንላዕሊ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ሞጎስን ክብርን ዝረከበት ኣደ እያ (እብ 10:5) ንሳ እታ ነብዪ ኢሳያስእንሆ ድንግል ክትጠንስ፡ ወዲ ኸኣ ክትወልድ፡ ስሙውን ኣማኑኤል ክትሰምዮ ኢያ።ኢሉ ዝተዛረበላ ድንግል እያ (ኢሳ 714) እቲ ምልኣት ናይቲ እዚ ትንቢት ዝፍጸመሉ ዘመን ምስ በጽሔ፡ ነዚ ዓቢ ምስጢር እዚ ንምብሳር፡ ኣምላኽ ንመልኣኹ ገብርኤል ለኣኸላ። ንሱ ድማ፡ ናብቲ ንሳ ዝነበረቶ ኣትዩ ከምዚ እናበለ ኣበሰራኣቲ ምልእቲ ጸጋ፡ እግዚኣብሄር ምሳኺ እዩ እሞ፡ ባህ ይበልኪ፡ ካብ ኣንስቲ ብርኽቲ ኢኺማርያም፡ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ጸጋ ረኸብኪ ኢኸ እሞ፡ ኣይትፍርሂ። እንሆ፡ ክትጠንሲ ወዲውን ክትወልዲ፡ ስሙ ኸኣ ኢየሱስ ክትሰምይዮ ኢኸ። ንሱ ዓብዪ ኪኸውን፡ ወዲ ልዑልውን ኪብሃል እዩ፡ እግዚኣብሄር ኣምላኽ ድማ ዝፋን ኣቦኡ ዳዊት ኪህቦ እዩ። ንሱ ኣብ ቤት ያእቆብ ንዘለኣለም ኪነግስ እዩ፡ መንግስቱ ኸኣ መወዳእታ የብላን።” (ሉቃ 128, 30-33) ድሕሪ ቁሩብ ሕቶ ድማ ነቲ እቲ መልኣኽ ዘምጽኣላ ብስራትእኔኹ፡ ኣነ ባርያ እግዚኣብሄር፡ ከምቲ ዘረባኻ ይኹነለይብምባል ብምሉእ ልባ ብእምነት ተቐበለቶ (ሉቃ 134) እቲ ብመጀመርያ ዝነበረ ቃል (ኣምላኽ ወዲ ኣምላኽ) ስጋ ሰብ ክወሃሃድ ኣብ ከርሳ ሓደረ። በዚ ከምዚ መገዲ ድማ፡ እቲ ኩሉ ብእኡ ዝተፈጥረ፡ ካብቲ ዝተፈጥረ ዘበለ ድማ ብዘይ ብእኡ ዝተፈጥረ ዘየሎ፡ ወዲ ኣምላኽ ኣብ ከርሳ ሓደረ (ዮሃ 11-3) እቲ ቃል ካብ ስግኣ ስጋ ወሲዱ ሰብ ኰነ። ጸጋን ሓቅን መሊእዎ ኸኣ ኣብ ማእከልና ሓደረ። ኣምላኽ ብስጋ ካብ ድንግል ተወልደ ኣብ ማእከል ህዝቡ ድማ ተመላለሰ።

ካብ ህይወት ኣዴና ቅድስቲ ድንግል ማርያም ክንወስዶ እንኽእል ትምህርቲ ብዙሕ እዃ እንተዀነ ንሎሚ ግና ሓደ ክንጠቕስ ኢና - ንትእዛዝ አምላክ ኣማኒት ምንባራ። ብዘይ እምነት ንኣምላኽ ከስምሮ ዝኽእል የልቦን ኢሉ ቃል ኣምላኽ ስለ ዘረጋግጸልና፡ ንድንግል ማርያም፡ ኣብ ከምዚ ዝበለ ንኣምላኽ ዘስምር ህይወት ክትርኽብ ዘኽኣለ ከመይ ዝበለ ዓቢ እምነት ከም ዝነበራ ንምግማቱውን እንተዀነ ኣየጸግምን እዩ። ብዛዕባ ዕቤት እቲ ዝነበራ ናይ ታአዛዝነት እምነት ንምርዳእ ግና፡ ካብ ምግማት ሓሊፍና ኣብቲ ብግልጺ ሰፊሩ ዘሎ ጽሑፋት ምምልካት እኹል እዩ። እቲ ኣቐዲምና ዝጠቐስናዮእኔኹ፡ ኣነ ባርያ እግዚኣብሄር፡ ከምቲ ዘረባኻ ይኹነለይዚብል ጥቕሲ ካብቲ ብቐዳምነት ክንጠቕሶ እንኽእል ጥቕሲ እዩ። ኣብዚ ጥቕሲ ድንግል ማርያም፡ ቅድሚ እዚ ብስራት ሒዙላ ዚተጋህደ መልኣኽውን እንተዀነ ንርእሳ ከም ባርያን ንብረትን እግዚኣብሔር ትርእያ ከም ዚነበረት ክትርእይ ከለካ፡ ክሳብ ክንደይ ዓባይ ናይ እምነት ሰብ ከም ዝነበረት እዩ ዘመልኽተና። እቲ ስዒቡ ዚመጸከምቲ ዘረባኻ ይኹነለይዚበለቶ ቃላት ድማ ባህርያዊ ውጽኢት ናይቲ ብዛዕባ ገዛእ ርእሳ ዚነበራ ትክኽለኛ ናይ ተአዛዝነት እምነት ኣተሓሳስባ እዩ ዝነበረ። ከም ኣካል ናይቲ ብስራት ዀይኑ ዚተነግራ ምጥናስ ናይታ መኻንን ዕለታ ዝሓለፋን ኤልሳቤጥ ከም ርጉጽ ኣሚና ድማ ምስቶም ዝሕጐሱ ክትሕጐስ ተቐላጢፋ ካብ ገሊላ ናብ ዝባን ይሁዳ ናብ ሓንቲ ዓዲ ደየበት። ናብ ቤት ዘካርያስ ኣትያ ንኤልሳቤጥ ሰላም ምስ በለታ ኸኣእቲ ህጻን ኣብ ከርሳ ተሰራሰረ። ንኤልሳቤጥ ድማ መንፈስ ቅዱስ መልኣ።” (ሉቃ 140-41) እዚ ቅድስቲ ኣደ፡ ኣብ ውሽጣ ንጐይታ ኢየሱስ ክርስቶስ ሒዛ እምበር ጥራያ ስለ ዘይመጸት፡ ነታ ቤት ንበረኸት ምኽንያት ዀነት። ማለት፡ እቲ ህጻን ንሱ ኸኣ ቅዱስ ዮሃንስ መጥምቕ ምምጻእ እቲ ድሒሩ ዝእውጆ ኢየሱስ ክርስቶስ ርእዩ ተሰራሰረ። እወ፡ እቲ ድሒሩእቲ መርዓት ዘላቶ፡ ንሱ መርዓዊ እዩ። እቲ ደው ኢሉ ንእኡ ዝሰምዖ ዓርኪ መርዓዊ ግና ብድምጺ እቲ መርዓዊ ኣዝዩ ይሕጐስ።ኢሉ ብእኡ ዝተሓጐሰ ዮሃንስ፡ ሕጂ ገና ኣብ ከርሲ ኣዲኡ ከሎ ብምምጻእ እቲ ኣብ ከርሲ ኣዲኡ ዘሎ ኢየሱስ ተሓጐሰ። (ዮሃ 329) ንኤልሳቤጥ ከኣ መንፈስ ቅዱስ መልኣ። እዚ ኹሉ ብምኽንያት እቲ እዛ ቅድስቲ ኣደ ጸይራቶ ዘላቅዱስ ወዲ ኣምላኽኢዩ ዝዀነ።

ብድሕርዚ ቅድስቲ ኤልሳቤጥ ብዓቢ ድምጺ ዓው ኢላ በለትንስኺ ካብ ኣንስቲ ብርኽቲ ኢኸ፡ ፍረ ኸርስኺውን ብሩኽ እዩ።” (ሉቃ 142) ብርግጽ ድንግል ማርያም ካብ ኣንስቲ ብርኽቲ ኢያ። እቲ መልኣኽውን ቅድሚ ብስራት ምንጋሩ ኣብቲ ክቡር ሰላምታኡ ከምዚ ኢልዋ ነበረኣቲ ምልእቲ ጸጋ፡ እግዚኣብሄር ምሳኸ እዩ እሞ፡ ባህ ይበልኪ፡ ካብ ኣንስቲ ብርኽቲ ኢኸ፡” (ሉቃ 128) ካብ ኣንስቲ ብድንግልና ብዘይ ሰብኣይ ዝጠነሰት የላን፡ ፍጡር እንተ ዘይዀይኑ ኸኣ ንፈጣሪ ዚወለደት የላን፡ ኣደ መድሓኒ ክትከውን ጸጋ ዚተዋህባውን የላን። እዚ ኹሉ ነዴና ቅድስቲ ድንግል ማርያም ተዋህባ። ስለዚ እምበኣር እዚ ዓቢ ጸጋን በረኸትን ኢዩ እሞ፡ ምልእቲ ጸጋን ካብ ኣንስቲ ኸኣ ዝተባረኸትን ኢያ። ነዚ ምስክርነት እዚ ዝሃበ ብኣፍ ኤልሳቤጥ፡ መንፈስ ቅዱስ ኢዩ። ኤልሳቤጥ፡ፍረ ኸርስኺውን ብሩኽ ኢዩክትብል፡ ንናይ መድሓኒና ክብሪውን መስኪራ ኢያ። ነዚ ብሩኽ ጐይታ ጸይራ ስለ ዝመጸታ ኸኣ በለትኣደ ጐይታይ ናባይ ክትመጺኸ፡ እዚ ካበይ ኮነለይ፧ እንሆ፡ ድምጺ ሰላምታኸ ምስ ሰማዕኩ ኣብ ከርሰይ ሕጻን ተሰራርሰረ። እቲ ካብ እግዚኣብሄር እተነግረላ ቓል ክፍጸም ኢዩ እሞ፡ እታ ዝኣመነት ብርኽቲ ኢያ።” (ሉቃ 143-45) ኤልሳቤጥውን ብደገፍ እቲ ዝመልኣ መንፈስ ቅዱስ ኣማኒነት ድንግል ኣረጋገጸት። ክብሪ ናይዛ ቅድስቲ ኣደ እምበኣር፡ ኣደ እቲ መድሓኒ ንሱ ኸኣ ክርስቶስ ጐይታ፡ ብምዃና ኢዩ። ኣዴና ቅድስቲ ድንግል ማርያም ነዚ ክብሪ እዚ ክትወስድ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ጸጋ ረኺባ ኢያ፡ ነቲ እተነግረላ ቓል ክትኣምን ከኣ ድሕር ኣይበለትን። ስለዚ ንሕናውን ማርያም ብጽእቲ ኢኺንብላ ኣለና። ክብሪ ድንግል ማርያም ካብ ላዕሊ እምበር ካብ ምድሪ ኣይኰነን። ስለዚ ኽኣ ከም ኤልሳቤጥ ብመንፈስ ቅዱስ እንተ ዘይኰይኑ፡ እቲ ልክዕ ክብራ ክነግር ዚኽእል የልቦን። ከምቲ ንሳ ባዕላ፡ በቲ ኣምላኽ ዝገበረላ ዓብዪ ነገር ምኽንያትእንሆ፡ ካብ ሕጂ ኩሎም ወልዶ ብጽእቲ ክብሉኒ ኢዮም።” (ሉቃ 147-49) ዚበለቶ፡ ነዚ ኣደ እቲ ዚግበኣ ክብሪ ክንህባ፡ ብመንፈስ ቅዱስ ክንድገፍ የድሊ ኢዩ።

እታ ማሕበር ህያው ኣምላኽ ዚዀነት ቅድስቲ ቤተ ክርስቲያን፡ ብዛዕባ እዛ ንመድሓኒና ኢየሱስ ክርስቶስ ዝወለደት ክብርቲ ኣደ ኣዚያ ኢያ እትግደስ። ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዘይተመዝገበ ከይተረፈ፡ ማለት እቲ ቅድሚ ንጐይታ ምውላዳ ዝነበረ ታሪኹን ብድሕሪኡውን ኩነታት ዕረፍታን ፍልሰተ ስጋኣን ብውርሻ/ትውፊት ሰኒዳቶ ትርከብ። እዚ ቅድስቲ ኣደ እትዓርፈሉ ግዚ ምስ በጽሐ፡ ወዳ ኢየሱስ ክርስቶስ ነታ ንጽህቲ ነፍሳ ተቐበላ። ብዚዕባ እቲ ቅዱስ ስጋኣ ኸኣ፡ እቲ ንጐይታ ዝጾረ ቅዱስ ስጋ ኣብዚ ምድሪ ክተርፍ ፍቓድ ኣምላኽ ስለ ዘይነበረ፡ ካብዚ ምድሪ እዚኣ ብመላእኽቲ ተወስደ፡ ዓረገ። አዕረግዋ መላእክት ውስተ ሰማያት። እዚ ዕለት እዚ እምበኣር፡ ስጋ ቅድስቲ ድንግል ማርያም ካብዚ ምድሪ ዝፈለሰሉ ወይ ቦታ ዝቐየረሉ እንዚክረሉ ዕለት ኢዩ። እምበኣር እዚ ኢዩ እቲ ብቅድስቲ ድንግል ማርያምሓያልተባሂሉ ዝተመስገነ ኣምላኽ። ንሱ ሕጂውን ከም ሓያል ጅግና ምሳና ኢዩ። (ኤር 2011) እግዚኣብሄር ልዕሊ ኩሉ ኩነታት ልዕል ዝበለ ኣምላኽ ኢዩ፡ ኩሉ ሽግርና ክፈትሓልና እንውከሎ ሓይልና ንሱ ጥራይ ኢዩ (መዝ 1248) ስለዚ እምበኣር ነቲ ዓቢ ግብርታት እቲ ሓያል ኣምላኽ እናስተንተና፡ ምስ ድንግል ማርያም ኴንናስሙ ቅዱስኢዩ ኢልና ነመስግኖን ንተአዞዞውን ከምቲ ንሳ ዝተአዘዘቶ እሞ ብመላእኽቲ ተወሲዳ ናብ ሰማይ ዝዓረገቶ ምእዛዝ ክህልወና ይግባእ። ጐይታ ኢየሱስ ዝመሃረና፡ ኩሉ ግዚውን እንጽልዮ ጸሎትና፡ በዚ ኢዩ ዝጅምር።ኣብ ሰማያት እትነብር ኣቦና፡ ስምካ ይቀደስ” (ማቴ 69) እቲ ንድግል ማርያም ብሓይሉ ዘጽለለ ልዑል ኣምላኽ ኣቦና ቅዱስ ኢዩ፡ እቲ ካብኣ ዝተወልደ ወዲ እቲ ልዑል፡ ጐይታ ኢየሱስ ክርስቶስውን ቅዱስ ኢዩ፡ እቲ ብእኡ ጠኒሳ ዝተረኽበት መንፈስ ኣምላኽውን ቅዱስ ኢዩ። (ኢሳ 63, ሉቃ 135 ማቴ 118)

ዝከበርኩም ሕዝቢ እግዚአብሄር በዚ ቅዱስ ዕለት እዚ ቤተ ክርስቲያ እተመሓላልፎ መልእኽቲ እንተሎ ከምቲ ኣብ ቅዳሴ ዝተነበልና ናይ ቅዱስ ሃዋርያ ጴጥሮስ ተአዛዝነትኣብ ፍርሃት እግዚኣብሄር ድማ ምፍቃር ኣሕዋት፡ ኣብቲ ምፍቃር ኣሕዋትውን ፍቕሪ ንዅሉ ሰብ።እዚ ነገርዚ እንተ ኣሎኩም፡ እናማዕበለውን እንተ ኸደ፡ ንምፍላጥ ጐይታና የሱስ ክርስቶስ ሃካያትን ዘየፍርዩን ክትኰኑ ኣይሐድገኩምን እዩ።እቲ እዚ ነገርዚ ዜብሉስ፡ ካብቲ ናይ ቀደም ሓጢኣቱ ምጽራይ ዝረስዔ፡ ዕዉር፡ ነቲ ኣብ ቀረባ ዘሎ ጥራይ ዚርኢ እዩ። ስለዚ፡ ኣቱም ኣሕዋትና፡ ንጽውዓኹምን ምሕራይኩምን ከተጽንዕዎ ኣዚኹም ተጋደሉ። እዚ እንተ ገበርኩምሲ፡ ከቶ ኣይከተንደልህጹን ኢኹም።ከምኡውን ናይቲ ናይ ጐይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ዘለኣለማዊ መንግስቲ ምእታው ብምልኣት ኪውሀበኩም እዩ።(2 ጴጥሮስ 1:7-11) በዚ አብነት አዴና ቅድስት ድንግል ማርያም ተአዛዝነት ክንስዕብ ጽዋዓት ኢና። አብ መርሒ አርእስትና ከምዝበልናዮ ማለትንስኻትኩም እዚ ዝኣዘዝኩኹም ዘበለ ዅሉ እንተ ገበርኩም፡ ኣዕሩኸይ ኢኹም።ነዚ ከንገብር ጽውዓትና ጸሎትን በረኸትን ኣዴና ቅድስቲ ድንግል ማርያም ምስ ኩላትና ይኹን። ርሑስ በዓል።

ጸጋ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስን ፍቕሪ ኣምላኽን ሕብረት መንፈስ ቅዱስን ምስ ኩላትና ይኹን።

 ኦርቶዶክሳዊት ተዋህዶ ቤተ ክርስቲያን ኤርትራ - መንበረ ጵጵስና ሰሜን ኣሜርካ

ዕለት፥ ሰንበት ነሓሰ 23, 2020 (ነሓሰ 17, 2012 ግእዝ)

ኣብ ጊዜ ቅዳሴ ዝንበቡ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ንባባት

ዲያቆን

ንፍቀ ዲያቆን

ንፍቀ ካህን

ወንጌል

ቅዳሴ

ፈልጵ 218-23

2ጴጥ 17-11

ግብ 271-8

ዮሓ 1512-25

ዘእግዝእትነ (ጐሥዓ)

መዝ 117/11818-19

ገሥፆሰ ገሠፀኒ እግዚአብሔር። ወለሞትሰ ባሕቱ ኢመጠወኒ። አርኅዉ ሊተ አናቅጸ ጽድቅ።

እግዚኣብሄር ኣዝዩ ቐጽዓኒ፣ ንሞት ግና ኣይወፈየንን። ብእኤን አትየ ንእግዚኣብሄር ከመስግኖስ፣ ደጌታት ጽድቂ ኽፈቱለይ። 

 

Diocese



 



 


ካብ ውሽጢ ኤርትራ ዝተረኽበ ንቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ንምቁጽጻር ብመንግስቲ ኤርትራ ክካየድ ዝጸንሐን ዘሎን ሽርሒ ዘቃልዕ ቪድዮ 



Support Tewahdo TV

Gofundme


Support Diocese

PayPal


ድኳን መጻሕፍቲ/Book Store


ጋዜጣ ፍኖተ ብርሃን፡ ልሣን

 ቤተ ክርስቲያን ተዋሕዶ


ስብከተ ወንጌል


ራድዮ ቃለ ኣዋዲ


መጻሕፍቲ - Books 


ጾምን በዓላትን


Diocese Churches

 

Radio Tewahdo

 Video - Youtube

TV Tewahdo

A Message from H.G. bishop Mekarios

መጸናንዒ ቃል ብብጹእ ኣቡነ መቃርዮስ

ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ብኸመይ

</div