S5 MP3 Player - плагин joomla Mp3

እንሃ፡ ኣብ ውሽጥኹም ኣላ

ካብ ኣትራኖስ ቤተ ክርስቲያን - From the pulpit of the Church 

ቅድስቲ ቤተ ክርስቲያንና ብኣቈጻጽራ ግእዝ ካብ ጳጉሜን 1 ክሳብ ጳጉሜ 5 ዘሎ መዛሙር ከምዚ ትብሎ ከመ እንተ መብረቅ ዘይወፅእ እምጽባሕ። ወያስተርኢ እስከ ዓረብ። ከማሁ ምጽአቱ ለወልደ እግዚአብሔር። ምስለ ኃይለ ሰማያት በንጥረ መባርቅት። ከመ መብረቅ ዘይወፅእ እምጽባሕ፡ አክሊለ አክሊላት። ዲበ ርእሶሙ ለካህናት። ትርጉሙ  “ከም መብረቅ ካብ ምብራቅ ዝወጽእ፡ ክሳብ ምዕራብ ከኣ የብርህ። ምጽኣት ወዲ እግዚአብሄር። ኣብ ሰማያት ብሓይሊ ጭድርታ ክግለጽ እዩ።. . .ናይ ኣክሊለ አኽሊላት። ኣብ ርእስ ካህናት።” እዚ መዝሙር እዚ አብ ቅድስቲ ቤተ ክርስቲያን ዝቀርብ ናይ ምስጋና ጸሎት እዩ።

ቕድስትን ክብርትን ሰንበትዚኣ ተሰሪዑልና ዘሎ ንባብ ቅዱስ ወንጌል፡ ብዛዕባ ሕውየት ዓሰርተ ለምጻማትን፡ ብዛዕባ ምጽኣት ጐይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስን ብዛዕባ መንግስቲ ኣምላኽን ኣስፊሑ ዜስተምህርዩ። ጐይታና ንህዝቡን ንደቀ መዛሙርቱን እናመሃረ ኸሎ፡ እቶም ንምቅዋሙ ኵሉ ጊዜ ኻብ ከባቢኡ ዘይርሕቑ ፈሪሳውያን ቅርብ ኢሎም፡ ፍቕሪ ናይ መንግስቲ ኣምላኽ ዘለዎም ኬምስሉ፡ መንግስቲ ኣምላኽ መዓስ እትመጽእ፧ ኢሎም ሓተትዎ። ካብ ኣፉ ንመኽሰሲ ዚኸውን ኣበር እንተ ረኸቡ ተተስፍዮም ደኣ ሓቲቶምዎ እምበር፡ ፍቕሪ መንግስቲ ኣምላኽ ሃልይዎም ዘልዓልዎ ሕቶ ኣይነበረን። ከመይሲ፡ ንሳቶም ንመንግስቲ ኣምላኽ ብዅሉ ሓይሎም ዚደፍኡዋን ዚዋግእዋን ቀንዲ ጸላእታዮም ዝነበሩ። ጐይታና፡ ንመንግስቲ ኣምላኽ ደፋእታን ገፋዕታን ምዃኖም፦

ካብ ዘመን ዮሃንስ መጥምቕ ክሳዕ ሎሚ መንግስተ ሰማያት ብሓይሊ ትደፍእ (ትግስግስ)ኣላ፡ ደፋእቲ ድማ ብሓይሊ ይዛረፍዋ ኣለዉ።  ብምባል ገሊጽዎምዩ። ( ማቴ 1112  ) ስለዚ ብዛዕባኣ ዚሓትቱ ዘለዉ ኣገዲሳቶም ወይ ኣፍቂሮምዋ ዘይኰኑስ፡ ንእኣ ዚገፍዑላ ምኽንያት ምእንቲ ኺረኽቡ እዮም። ኣካል ናይቲ እግዚኣብሄር ንኣብርሃም ዝኣተዎ ኺዳን ስለ ዝዀኑ ደቂ መንግስቲ ኣምላኽዮም ዝነበሩ። እንተ ዀነ ነቲ፡ ንሱ ኣብ ቤት ያእቆብ ንዘለኣለም ኪነግስ መንግስቱ ኸኣ መወዳእታ የብላን ዝተባህለሉ ክርስቶስ ወዲ ህያው ኣምላኽ ኪጻረሩ ስለ ዝመረጹ፡ ብትውልዲ ደቂ መንግስቲ ኣምላኽ፡ ብግብሪ ግና ደቂ መንግስቲ ሰይጣን ኰይኖም ተረኽቡ። (ሉቃ 132,33 ) ምኽንያቱ እታ መንግስቲ ኣምላኽ ኣብ ህይወቶም ምእንቲ ኸይትገዝእ፡ ኣውጺኦም ደርብዮምዋዮም። ናይ መወዳእታ ዕጫኦም እንታይ ከም ዚመስል ድማ ከምዚ ዚስዕብ ኢሉ ኣፍለጦም።      “ ‘ካብ ምብራቕን ካብ ምዕራብን ብዙሓት ኪመጹዮም፡ ኣብ መንግስተ ሰማያት ከኣ ምስ ኣብርሃምን ይስሃቅን ያእቆብን ኣብ መኣዲ ኪቕመጡ እዮም። ደቂ መንግስቲ ግና፡ ናብ ናይ ወጻኢ ጸልማት ኪድርበዩ እዮም። ኣብኡ ኸኣ ብኽያትን ምሕርቃም ኣስናንን ኪኸውንዩ፡ እብለኩም ኣለኹ። (ማቴ 812,13) ጐይታና ምስላ ስርናይን ክርዳድን ኪትርጉም ከሎ ኸም ዝገለጾ፡ ደቂ መንግስቲ እንተ ዀይኖም ክርዳድ ዘይኰነስ ስርናይ ኪዀኑ ዚግብኦም ነይሩ። መሊሱ በሎም፡ እቲ ጽቡቕ ዘርኢ ዚዘርእ፡ ወዲ ሰብዩ። እታ ግራት ከኣ ዓለምያ፡ እቲ ጽቡቕ ዘርኢ ድማ ደቂ መንግስቲዮም። እቲ ክርዳድ ግና (እቶም ደቂ ኽፉእ (ድያብሎስ)ዮም። እቲ ዚዘርኦም ጸላኢ ኸኣ ድያብሎስዩ። እቲ ቐውዒ ድማ መወዳእታ ዓለም እቶም ዓጻዶ ኸኣ መላእኽቲዮም። ክርዳድ ተኣኪቡ ብሓዊ ኸም ዚነድድ፡ ኣብ መወዳእታ ዓለም ከኣ ከምኡ ኪኸውንዩ። ወዲ ሰብ ንመላእኽቱ ኺልእኽዩ፡ ንሳቶም ከኣ መዓንቀፍትን ዓመጽትን ንዘበሉ ዅሎም ካብ መንግስቱ ኺእክብዎም፡ ኣብ እቶን ሓዊ ኸኣ ኺድርብይዎዮም፡ ኣብኡ ኸኣ ብኽያትን ምሕርቃም ኣስናንን ኪኸውንዩ፡ ሽዑ ጻድቃን ኣብታ መንግስቲ ኣቦኦም ከም ጸሓይ ኪበርሁዮም። እትሰምዕ እዝኒ ዘላቶ ይስማዕ። ( ማቴ 1337-43  )  እዚኣቶም ግና ዘርኢ ናይቲ ኽፉእ ድያብሎስ ኰይኖም፡ ነቲ ስርናይ ዚዘርእ ጐይታን ነቲ ዘራእቱን ኪድምስሱ ዚከኣሎም ኵሉ ዚገብሩ ዝነበሩ እዮም። ብዛዕባ መንግስቲ ኣምላኽ ደጋጊሞም ዚሓትዎ ዝነበሩ ድማ፡ ምስቲ ዚገዝኦም ዝነበረ መንግስቲ ሮማ ዜባእሱሉ መኽሰሲ ምእንቲ ኺረኽቡሉ እዮም። ኣብ መወዳእታ ሰሊጡዎም ናብ መጋባእያ ናይ ጲላጦስ ምስ ኣቕረብዎ፡ ንጉስ ኸም ዚብል፡ ንመንግስቲ ቄሳር ግብሪ ኸይከፍሉ ኸም ዚምህር ጌሮም ከሰስዎ። ( ማቴ 2711 ሉቃ232,3 ዮሃ 1833-38)

ዝዀነ ዀይኑ፡ እቲ ዝሓተትዎ ሕቶ ንኣታቶም ኰነ ንዅላትና ዚኸውን ኣገዳሲ ምስጢር ገሊጹልና ኣሎ። መንግስቲ ኣምላኽ ኣብ ሰማይን ኣብ ምድርን ኣብ ልዕሊ ዅሉ እንስሳን ሰብን መናፍስትን እትገዝእ መንግስቲያ። ካብታ ብመልክዑን ምስሉን ዝፈጠረና፡ እቲ መለኮታዊ ሕጉ ድማ ኣብ ውሽጢ ሕልናና ኣስፊሩ ኻብ ዝፈጠረና መዓልቲ ጀሚሩ፡ መንግስቲ ኣምላኽ ኣብ ውሽጢ ነፍሲ ወከፍ ኣላ። ዋላ ብኽሕደትን ብዓመጻን ካብ ኣምላኽ ኣርሒቑ ዝተፈልየውን እንተ ዀነ መንግስቲ ኣምላኽ ኣብ ውሽጡ፡ ንሱውን ኣብ ውሽጢ ኣምላኽ ዚነብር። ቅዱስ ዳዊት፡ እግዚኣብሄር ኣብ ኵሉ ዚርከብ ኣምላኽ ምዃኑ ኼብርህ ምስ ደለየ፦ ካብ መንፈስካ ናበይ ክኸይድየ፡ ካብ ገጽካስ ናበይ ክሃድምየ፧ ንሰማይ እንተ ደየብኩ፡ ንስኻ ኣብኡ ኣለኻ፡ መንጸፈይ ኣብ ሲኦል እንተ ኣንጸፍኩ፡ እንሆ ንስኻ ኣብኡ ኢኻ። ኣኽናፍ ወጋሕታ እንተ ወሰድኩ፡ ኣብ ወሰን ባሕሪ እንተ ተቐመጥኩ፡ ኣብኡ ኸኣ ኢድካ ኽትመርሓኒ፡ የማነይቲ ኢድካውን ክትሕዘኒያ። ጸልማት ይኸውለኒ ኣብ ዙርያይ ዘሎ ብርሃን ጸልማት ይኹን እንተ በልኩ፡ ንስኻስ ጸልማት ኣይጽልምተካን፡ ለይቲ ኸኣ ከም መዓልቲ ትበርህ፡ ጸልማትን ብርሃንን ንኣኻ ሓደ እዮም። ብምባል መንግስቲ ኣምላኽ ዘይትርከበሉን ዘይትገዝኣሉን ቦታ ኸም ዘየለ ብንጹር ኣብሪሁልና ኣሎ። (መዝ 1397-12) ሰይጣንን መላእኽቱን ናይ በይኖም መንግስቲ ጸልማት እናሃለዎምኳ፡ ኣብ ትሕቲ ስልጣን መንግስቲ ኣምላኽ ተገዛእቲ ኻብ ምዃን ኣየምልጡንዮም። እግዚኣብሄር ኣሕሊፉ ኣብ ኢዶም ንዘይሃቦም ሰብ፡ ነዛ ሓንቲ ጸጕሪ ርእሱ ኺትንክፉ ስልጣን የብሎምን። እዛ መንግስቲዚኣ ኸም ምድራዊት መንግስቲ ኣብ ደጌኻ ጥራይ ዘይኰነ ኣብ ውሽጥኻውን እትርከብያ። ብእኣ ኽትግዛእን ዘይክትግዛእን ምውሳን፡ ናይ ውልቅኻ ምርጫ እንተ ዀነ፡ ዘይክትግዛኣ ወሲንካ ማለት ነቲ ኣብ ልዕሌኻ ዘለዋ ስልጣንን ህላወን ገፊፍካዮ ማለት ኣይኰነን። ኣብ መወዳእታ ናብ ፍርዲ ኣቕሪባ ብመሰረት ግብርኻ እትፈርደካ ድማ ንዘለኣለም ኣብ ልዕሌኻ ስልጣን ስለ ዘለዋዩ።

እምበኣር እቲ ንመንግስቲ ኣምላኽ ምስኡ ዘየላ፡ ኣብ ርሑቕ መጻኢ እትግለጽ መንግስቲ ገይሩ ዚርድኣ ሰብ፡ እቲ ንኣምላኽን ንመንግስቱን ብዝምቡዕ መገዲ ዝተረድአ ጥራሕዩ። እምበኣር ኵላትና፡ በቲ መዓልታዊ እንፍጽሞ ዅሉ ንጥፈታትና፡ ንመንግስቲ ኣምላኽ ንግዝኣ ወይ ንዕምጻ ኸም ዘለና ኸነስተውዕል ይግባእ። እቲ ሕጂ ነታ ኣብ ውሽጡ ዘላ መንግስቲ ኣምላኽ ብዅለንትናኡ ዚግዝኣ ሰብ፡ ጽባሕ ንግሆ ብጭድርታ መላእኽቲ ብኽብሪ ኽትግለጽ ከላ፡ ንሱውን ምስኣ ብኽብሪ ኺግለጽን ኣካላ ኪኸውንንዩ። እቲ ኣብ ውሽጡ ተተኺላ ንዘላ መንግስቲ ኣምላኽ ኣፍልጦ ዘይሃበ፡ ንእኣ ሓዲጉ ነታ ኣብ ውሽጡ ዘየላ ጓና መንግስቲ-ሰይጣን ኪግዛእ ዝመረጸ ሰብ፡ እታ መንግስቲ ኣምላኽ ብኽብሪ እትግለጸላ መዓልቲ፡ ንእኡ ናይቲ ዘለኣለማዊ ውርደትን ስቓይን መጀመርታ ኽትኰኖ። እምበኣር ኵሉ ኣተሓሳስባናን ኣካይዳናን፡ ብዛዕባ ሕጂ ኣብ ውሽጥና ዘላ፡ ኣብ መጻኢ ድማ፡ ብኽብሪ እትገሃድ መንግስቲ ዝተቓነየ ኪኸውን ይግባእ። ምሉእ ቀልብኻ ኣብ መንግስቲ ኣምላኽ ዝገበረ ሰብ (Kingdom minded) ኴንካ እተን ዘይኰይኑ፡ ነታ እግዚኣብሄር ኣብ ውሽጥኻ ዝተኸላ መንግስቲ ተገዚእካን ኣኽቢርካን ክትነብር ፈጺሙ ዚከኣል ኣይኰነን።

ነታ ኣብ ውሽጥና ዘላ መንግስቱ ንግዛእ ከም ዘሎና ግና ብኸመይ ኢና እንፈልጥ፧ መጽሓፍ ቅዱስ ብንጹር ዚምልሰልና። እቲ ቐዳማይ ምልክትና፡ ነቲ ኣብ ላዕሊ ኣብ ሰማያት ዘሎ እምበር፡ ነቲ ኣብ ምድሪ ዘሎ ዘይንደልይ ምዃንናዩ። ስለዚ ኸኣ፡ ደጊም ምስ ክርስቶስ ተንሲእኩም እንተ ዄንኩምሲ፡ ነቲ ክርስቶስ ኣብ የማን ኣምላኽ ተቐሚጥዎ ዘሎ፡ ነቲ ኣብ ላዕሊ ዘሎ ድለዩ መዊትኩም ኢኹም፡ እታ ህይወትኩም ድማ ኣብ ኣምላኽ ተሰዊራ ኣላሞ፡ ኣብ ላዕሊ ዘሎ ሕሰቡ ኣብ ምድሪ ዘሎ ኣይኰነን ተባህለልና። ( ቈሎ 31-3  )ኣብ ላዕሊ ዘሎ ሕሰቡን ድለዩን ኪበሃል ከሎ ብግብሪ ዚግለጽ እምበር፡ ብደረጃ ኣእምሮ ጥራሕ ዚግበር ምሕሳብን ምድላይን ማለት ኣይኰነን። ንኣብነት፡ ምስ ሓውኻ ብዛዕባ ገንዘብ ዜስሓሕብ ጕዳይ ምስ ዚፍጠር፡ ነቲ ኣብ ላዕሊ ዘሎ እትደልይ ሰብ እንተ ዄንካ ድማ፡ ነቲ ፍቕሪ ደርቢኻ ነቲ ገንዘብ ኢኻ እትመርጽ ማለትዩ። እቲ ኻልኣይ ምልክትና ድማ ፍቓድ ኣምላኽ እንገብር ምዃንናዩ። ጐይታና ናይ መንግስቲ ኣምላኽ ሰብ ብፍሪኡ (ብግብሩ) ኸም ዚልለይ ብንጹር ኣፍሊጡናዩ። እምበኣርከ ብፍሪኦም ከተለልይዎም ኢኹም። ፍቓድ ናይቲ ኣብ ሰማያት ዘሎ ኣቦይ ዚገብር ደኣምበር፡ ጐይታይ፡ ጐይታይ ዚብለኒ ዅሉ መንግስተ ሰማያት ዚኣትው ኣይኰነን። ማቴ 720,21 ስለዚ ድማ ፍቓድ ኣምላኽ ናይ ምግባር ልዑል ባህጊ ኺህልወና፡ ንኣምላኽ ድማ ምግባር ፍቓድካ ምሃረኒ ኢልና ብጽኑዕ ኽንምሕጸኖ ዚግብኣና። መዝ 407,8 ፍቓድ ኣምላኽ ምግባር ምስቲ ንጉስ ናይ መንግስቲ ኣምላኽ ዝዀነ ክርስቶስ ኣሕዋትን ኣሓትን ስለ ዚገበረና፡ ናብታ መንግስቱ ናይ ምእታው ርጉጽ ውሕስነት ዜውህበና። ማቴ 1248-50 ኣብ ዓይኒ ኣምላኽ ከም ለባማት ዚቝጸሩን ዚኸብሩን፡ እቶም ንፍቓድ ኣምላኽ ብንጹር ዚፈልጥዎን ዜስተውዕልዎን፡ ካብኡ ሓሊፎምውን ዚእዘዝዎ እዮም። ሮሜ 122 ጐይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ንፍቓድ ኣቦኡ ምግባር ምግቡ ኸም ዝነበረ፡ ንሕናውን ምግብና እንተ ጌርናዮ ኣብታ ንሱ ዝነገሰላ መንግስቲ ኽንኣትው ምዃንና፡ ከቶ ዘየጠራጥርዩ። ዮሃ 432-34 እቲ ሳልሳይ ናብታ ሰማያዊት መንግስቱ ናይ ምእታው ምልክትና ድማ ብቕድስናን ብፍርሃት እግዚኣብሄርን ምንባርናዩ።

መዓልቲ ጐይታ ግና ኸም ሰራቒ ኮይና ኽትመጽእ እያ፡ ፍጥረት ሰማይ ብሓዊ ነዲዱ ኪመክኽ እዩ፡ ምድርን ኵሉ ኣብኣ ዘሎ ነገርን ኪነድድ እዩ። እዚ ዅሉ ኸምዚ ኢሉ ዚጠፍእ ካብ ኮነ፡ እንታይ ዝዓይነቶም ሰባት ኢኹም ክትኮኑ ዚግብኣኩም፧ ነታ ኣምላኽ ዝመጻላ መዓልቲ እናተጸቤኹምን እናኣቀላጠፍኩምን ብቕዱስ ህይወትን ብፍርሃት እግዚኣብሄርን ክትነብሩ እዩ ዚግብኣኩም። እታ መዓልቲ እቲኣ ሰማያት ብሓዊ ኸም ዚጠፍእ፡ ፍጥረት ሰማይ ከኣ ብረስኒ ኸም ዚመክኽ ክትገብር እያ። ንሕና ግና፡ ከምቲ ተስፋኡ፡ ጽድቂ ዚነብረሉ ሓድሽ ሰማይን ሓድሽ ምድርን ንጽበ ኣሎና። 2ጴጥ 310-13.

ብዘይ ቅድስና፡ ናብ መንግስቱ ኣትዩ ገጽ እግዚኣብሄር ኪርእይ ዚበቅዕ ሓደ ኸም ዘየልቦ ብንጹር ተነጊሩናዩ። እብ 1214 ምኽንያቱ እቲ ዝለዓለ ፍቓድ ኣምላኽ ኣብ ህይወትና፡ ቅድስናዩ። 1ተሰ 43-7 ምኽንያቱ እቲ ቕዱስ ኣምላኽን እቲ ርኽሰት ዘለዎ ሰብን ኣብ ሓደ መንግስቲ ኺህልዉ ኣይክእልንዩ። ስለዚ ድማዮም እቶም ርዅሳትን ፍንፉናትን፡ ኣብቲ ናይ ወጻኢ ጸልማት፡ ኣብቲ ቐላይ ሓዊ ዚድርበዩ።(ራእ 2215 218)

ብዘይ ፍርሃት እግዚኣብሄር ከኣ ቅድስና ፈጺምካ ኺሕሰብን ኪብጻሕን ዘይክእል ሸቶዩ። ምኽንያቱ ፍርሃት እግዚኣብሄር ማለት ንኽፍኣት ምጽላእ ንጽድቂ ድማ ምፍቃር ማለትዩ። (ምሳ 8:13 እዮ 2828) ንፍርሃት እግዚኣብሄር መጀመርታ (በዅሪ) ናይ ኵሉ ጥበባት ዚገበራ ድማ ንሱዩ። (ምሳ 17 910 1533) ናብ ሓደ ገዛ ኽትኣትው ቅድም ነቲ ማዕጾ ብመፍትሕ ክትከፍቶ ናይ ግድን ከም ዝዀነ፡ ናብ ቅድስና ንምእታው መፍትሕ ኰይና እተገልግለና ድማ ፈሪሃ-እግዚኣብሄርያ። እምበኣር ናይ ብሓቂ ክርስትያን እንተ ዄንካ፡ ከምቲ ጽድቂ ፈተኻ፡ ዓመጻ ጸላእኻ ተባሂሉ ብቕዱሳን ነብያትን ሃዋርያትን ዝተመስከረሉ ክርስቶስ ጐይታና ኽንከውን ይግብኣና። (መዝ 456,7 እብ 1:9 ) ናይ ፈሪሃ-እግዚኣብሄር ዝለዓለ ኣርኣያና ክርስቶስ ባዕሉዩ። (ኢሳ 112 እብ 57,8)

ኣብ ውሽጢ ሓጺር ጽሑፍ፡ ንዅላቶምቶም መግንስቲ ኣምላኽ ኣብ ውሽጥና ትገዝእ ምህላዋ ዚገልጹ መርትዖታት ክንዝርዝሮም ዚከኣል ኣይኰነን። በዞም ድሮ ጠቒስናዮም ዘሎና ሰለስተ ኣገደስቲ መረጋገጽታት ግና ርእስና ንመርምር። ከም ደቀ መዛሙርቲ ናይ ክርስቶስ መጠን፡ መንግስቲ ኣምላኽ ኣብ ውሽጥና ተተኺላ ኸም ዘላ ንፈልጥ ዲና፧ ወይስ መንግስቲ ኣምላኽ ካባና ርሒቓ ከም እትነብር ገይሩ ዚሓስብ ፈሪሳዊ ኣእምሮ ዘሎና፧ ከምቶም ደቂ መንግስቲ ኽነሶም፡ ግን ከኣ ካብ ውሽጣ ተለቒሞም ናብቲ ቐላይ ሓዊ፡ ናብ ገሃነም፡ ዚድርበዩ ደዀን ንኸውን፧ ወይስ ከምቶም ኣብ መንግስቲ ኣብኦም ከም ጸሓይ ዚደምቁ ጻድቃን ኢና ኽንከውን፧ ካብዚ ይትረፍ ንዘለኣለም ክትነብሮ ነዛ ንሒደት ደቓይቕ ክትሓስቦ ዜሰቅቕ ስቓይ ምእንቲ ኽንድሕን፡ ነታ ብረቂቕ ጥበቡ ኣብ ውሽጥና ዝተኸላ መንግስቲ ንገዝኣያ ደኣ!! ብዘሎ ቐልብናን ኣድህቦናን ኣብኣ ንግበር። ኣብዘን ንሒደት ናይ መርገም ዓመታት ንዘርኣናያ ንእሽቶ ኽብሪ፡ መወዳእታ ኣብ ዘይብሉ ዘለኣለም፡ ካዕበት ክትፈድየናያ። እታ ንዝተገዝእዋ እተኽብር ፍትሓዊት መንግስቲ፡ ኣብ ውሽጥና እንሃ!! ነኽብራን ንኽበረላን!!

ጸጋ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስን ፍቕሪ ኣምላኽን ሕብረት መንፈስ ቅዱስን ምስ ኩላትና ይኹን።

ኦርቶዶክሳዊት ተዋህዶ ቤተ ክርስቲያን ኤርትራ - መንበረ ጵጵስና ሰሜን ኣሜርካ።

ዕለት፥    ሰንበት 6 መስከረም 2020  (ጳጉሜን 1, 2012 ግእዝ)

ኣብ ጊዜ ቅዳሴ ዝንበቡ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ንባባት

ዲያቆን

ንፍቀ ዲያቆን

ንፍቀ ካህን

ወንጌል

ቅዳሴ

1ተሰ 51-10

2ጴጥ 310-18

ግብ 261-15

ሉቃ17:20-37

ዘአትናቴዎስ

መዝ 103/10430-31

ትፌኑ መንፈስከ ወይትፈጠሩ። ወትሔድስ ገጻ ለምድር። ለይኩን ስብሐቲሁ ለእግዚአብሔር ለዓለም።

ትንፋስካ ትልእኽ፣ ይፍጠሩ፣ ንገጽ ምድሪውን ትሕድሳ። ክብሪ እግዚኣብሄር ንዘለአለም ይንበር.. ..

Diocese



 



 


ካብ ውሽጢ ኤርትራ ዝተረኽበ ንቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ንምቁጽጻር ብመንግስቲ ኤርትራ ክካየድ ዝጸንሐን ዘሎን ሽርሒ ዘቃልዕ ቪድዮ 



Support Tewahdo TV

Gofundme


Support Diocese

PayPal


ድኳን መጻሕፍቲ/Book Store


ጋዜጣ ፍኖተ ብርሃን፡ ልሣን

 ቤተ ክርስቲያን ተዋሕዶ


ስብከተ ወንጌል


ራድዮ ቃለ ኣዋዲ


መጻሕፍቲ - Books 


ጾምን በዓላትን


Diocese Churches

 

Radio Tewahdo

 Video - Youtube

TV Tewahdo

A Message from H.G. bishop Mekarios

መጸናንዒ ቃል ብብጹእ ኣቡነ መቃርዮስ

ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ብኸመይ

</div