S5 MP3 Player - плагин joomla Mp3

ደረጃታት መዓርግ ክህነት

ኣብ ኦሬንታል ቤተ ክርስቲያናት፡ ከም ንመዓርግ ዲቁና ዝተፈላለየ መጸውዒ ዘለዎም፡ ንመዓርግ ክህነትን ንመዓርግ ጵጵስናንውን መጸውዒ ስም ስለ ዘለዎም፡ ኣቐዲምና እንተ ፈለጥናዮም ክጠቕሙና ይኽእሉ እመስለኒ። መጸውዒ መዓርግ ካህናት ኣዝዮም ዝተፈላለዩ እዮም፡ ግናኸ ኣብ ሓድሕዶም ድማ ይወራረሱ እዮም። ስለዚ መዓርጎምን ኣመጸጽእኦምን ምፍላጥ ኣድላዩ እመስለኒ። ኣቐዲምና ኣስማቶም ከነቐድም ኢና ዝርዝራቶም ግና ድሒርና ከነቕርቦ ኢና።

1.      Qashisho’ “ቃሺሾ” “ቀሲስ

2.      “כֹּהֵן”  Kohen ወይ Kahn “ኮሄን ወይ ካህን

3.      Epresvateros ኢፕረስቫተሮስ፡

4.      presbyter ፕረስፒተር፡

5.      The Hegomen ሄጐመን፡ቆሞስ

6.      “כוהנים” Kohanim ካሃኒም፡

7.      Khoori - Episcopos  ክሁሪ ኤጵስ ቆጶስ፡

8.      Episcopos  ኤጵስ ቆጶስ

9.      Metropolitan: ሜትሮፖሊታን

10.  PATRIARCH ፓትርያርክ፡

11.  POPE ፖፕ፡ 

ብጥንቲ ኣብ ብሉይ ኪዳን ንቤተ መቕደስ ዘገልግሉ ዝነበሩ ካህናት ኪብሃሉ ከለዉ መራሕቶም ድማ ሊቀ ካህነት ይብሃሉ ነበሩ። እቶም ንሕጊ ዝጽሕፉን ዝትርጉሙን ዝምህሩን ድማ ጸሓፍቲ ራባይ ወይ መማህራን ተባሂሎም ይጽውዑ ነበሩ። እቶም ንምኹራባት ዘገልግሉ ዝነበሩ ግና ሽማግሌታት ይበሃሉ ስለ ዝነበሩ፡ ሓዋርያ ጳውሎስን ባርናባስን ንዕኡ ተጠቒሞም ኣብተን ዝመስረትወን ኣብያተ ክርስቲያናት፡ ንህዝቢ እግዚኣብሔር ዘመሓድሩ ሽማግሌታት ማለት ቀሳውስት ይሓርዩለን ነበሩ (ግብ፡142-3) ኣብ ኢየሩሳሌም ኣብ ትሕቲ ያዕቆብ ወዲ እልፍዮስ ሓው ጐይታና ሓያሎ ቀሳውስት ከም ዝነበሩ ግብረ ሓዋርያት ይነግረና (ግሓ፡ 152) ስለዚ እቶም በቲ ዘመን እቲ ብኣንብሮተ ኢድ ሓዋርያት መዓርግ ክህነት ዝቕበሉ ዝነበሩ ሽማግሌታት ይበሃሉ ነበሩ። ካህናት ዘይተባህሉሉ ምኽንያት ኣብ ቤተ ጸሎት ማለት ኣብ ሙኩራባት እምበር ኣብ ቤተ መቕደስ ኣብቲ መስዋእቲ ሙሴ ዝነበሮ ስለ ዘየገልግሉ እዩ። ኣብ ሃገርና ግና ኣብ ዳሕራይ ክንገልጾ ኢና። እቲ ካህን ዝብል ቃል ድሮ ይስርሓሉ ስለ ዝነበረ፡ ህዝቢ ድማ ስለ ዝለመዶ፡ እቲ ሽማግለ ዝብል ቃል ካልእ ስለ ዘስምዕ፡ ነቲ ካህን ወይ ቀሲስ ዝብል ቃል ምጥቃም ዝሓሸ ኰይኑ ስለ ዝተረኽበ፡ በዓል ኣባ ሰላማ ነቲ ካህን ዝብል ቃል ኣይቀየሩዎን። 

ምናልባት ሓደ እቶም ኣብ ሃገርና ዝነበሩ ካህናት ኣብ ቤተ መቅደስ ሰለሙን ዘየገልግሉ ክነሶም ከመይ ኢሎም ድኣ ኣብ ክንዲ ካህናት ከምቶም ኣብ ምኩራብ ዘገልግሉ ሽማግለ ዘይተባህሉ፧ ኢሉ ክሓትት ይኽእል ይኸውን። መልሱ ግና ከምዚ እዩ፡ እቶም ኣብ ሃገርና ዝነበሩ ካህናት፡ ምንም እኳ ኣብ ቤተ መቅደስ ሰለሙን እንተዘየገልገሉ፡ ታቦት ልዑል ኣምላኽ ምስ ጽላቱ ምስኣቶም ስለ ዝነበረ፡ ካህናት ተባህሉ። ደይ ብዓንቶቡእስ በዓል ኣሮን ክኽህኑ ከለዉ ኣብ በረኻ ሲናይ እዮም ዝኸሃኑ። ስለዚ ክህነት ዝቑጸር ኣብቲ ታቦት ዘለዎ እዩ።

ካህናት ሃገርና ቀሳውስት ወይ ካህናት ተባሂሎም ክጽውዑ ከለዉ፡ ከምቲ ኣይሁዳውያን ሽማግለ ኢሎም ዝጽውዕዎ ዝነበሩ ኣብ ምምሕዳር ምኹራብ ዘይኰነ፡ እዚኣቶምሲ ብኣንብሮተ ኢድ ሓዋርያት ዝተሾሙ ምልኣት መንፈስ ቅዱስ ዝሓደሮም፡ ቅዳሴ ሰሪዖም ሥጋን ደምን ክርስቶስ ክሰርዑ ዝኽእሉ እዮም ዝነበሩ። ስለዚ ጸሎትን ስብከትን ቅዳሴን ዘካይዱ፡ ንኣመንቲ ዘመሓድሩ፡ ከምቲ ልማድ ኦሪት መኣዲ ዝባርኹ ነበሩ። ብፍላይ ካብቶም ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ተጠቂሶም ዘለዉ ጥራይ ምሳሌ እንተ ወሰድና፡ ሓዋርያ ጳውሎስ በቶም ደቀይ ዝብሎም ጳጳስ ጢሞቴዎስን ጳጳስ ቲቶስን ገይሩ፡ ንብዙሓት ከተማታት ኤስያ፡ ብዙሓት ቀሳውስት ይሸሞለን ነበረ (ግብ፡ 1423 525 622 164-21 1820 ቲቶስ 15 ጢሞ፡ 517-22 ያዕ፡ 514) ብፍላይ ናብቲ ወደይ ዝብሎ ቲቶስ ክጽሕፍ ከሎከምቲ ኣነ ዝኣዘዝኩኻ ጌርካ፡ ዝተረፈ ምእንቲ ኽትሰርዕ፡ ኣብ ከከተማኡውን ሽማግሌታት ክትሸይም፡ በዚ ምኽንያት እዚ እየ ኣብ ቅሬጥስ ዝሓደግኩኻ፡” እናበለ እቶም ዝሽየሙ ቀሳውስትን ኤጲስቆጶሳትን ብጠባዮምን ብስነ ስርዓቶምን እርኑብ ህይወቶምን መንቅብ ዘየብሎም ተቐበልቲ ጋሻ ክዀኑ ዝምዕዶም። (ቲቶስ 15-9) ናብቲ ናብ ጢሞቴዎስ ዝጸሓፎውን ክህነት ኣዝዩ ክቡር ከም ዝዀነ ከረድእ ከሎ፡ ብታህዋኽ ኣብ ሓደ እኳ ኢድካ ኣይተንብር፡ ኣብ ኃጢኣት ካልኦትውን ኣይትጸምበር። ንርእስኻ ብንጽህና ሓሉ እናበለ ይምዕድ (ጢሞ፡522) ስለዚ ሓዋርያ ጳውሎስ ክህነት ክሳብ ክንድዚ ዓቢ መዓርግ ከም ዘለዎ ኣብ ርእሲ ምምሃሩ፡ መዓርግ ኤስቆጶስ ድማ ካብኡ ንላዕሊ ከም ዝኾነ ይምህረና።

መዓርግ ኤጵስቆጶስ፡ ኣብ መልእኽቲ ሓዋርያ ጳውሎስ ናብ ቲቶስን ጢሞቴዎስን ከም ዝተማሃርናዮ፡ ኣብ ሓንቲ ከተማ ብዙሓት ካህናትን ዲያቆናትን ክህልዉ ከለዉ፡ ኤጵስቆጶስ ግና ሓደ ጥራይ ይኸውን ነበረ (ጢሞ፡ 31-13) ንሱ ብጠባዩ ዝተመስከረሉ ንኡድ ኪኸውን ከም ዚግባኦ ቅዱስ ጳውሎስ ንጢሞቴዎስ ኣብ ዝጸሓፈሉ መልእኽቱ ይዛረብ (1ጢሞ፡31-7) ኤጵስቆጶስ ማለት ብቛንቛ ጽርኢ ላዕለዋይ ሓላዊ፡ ወይ ላዕለዋይ ተዓዛቢ ማለት እዩ። ክብ ዝበለን ንሓዋርያት ዝትክእ መዓርግ ከም ምዃኑ መጠን ኣብ መልእኽትታት ሓዋርያ ጳውሎስ ጥራይ ኣርባዕተ ግዜ ተጠቒሱ ኣሎ። (ግብ፡2028 ፊሊ፡ 11 1ጢሞ፡ 32 ቲቶ፡ 17)

ነፍሲ ወከፍ ኤጵስቆጶስ፡ ኣብ ማሕበር ክርስቲያን ሓላውን ኣላይን መዝነት ከም ዝተዋህቦ ሓዋርያ ጳውሎስ ደጋጊሙ ገሊጽዎ ኣሎ (ቲቶ፡ 19) ኣብ ግብረ ሓዋርያትውን ብዛዕባ ስራሕ ኤጵስቆጶስ ክገልጽ ከሎ ስለዚ ንርእስኹምን ነታ ብገዛእ ደሙ ዘጥረያ ማሕበር ጐይታን ክትጓሰዩ፡ መንፈስ ቅዱስ ኤጲስቆጶሳት ገይሩ ኣብኣ ዝሸመኩም ኲሉ መጓሰ ሓልዉእናበለ ኣነጺሩ ይዛረብ (ግብ፡ 2028) እንደገና ንኤጵስቆጶሳት ክምዕዶም ከሎ ነቲ ምሳኻትኩም ዘሎ መጓሰ ኣምላኽ ጓስይዎ፡ ብፍታው ከም ፍቓድ ኣምላኽ እምበር፡ ብግዲ ኣይኹን፡ ብታሕጓስ እምበር፡ ምእንቲ ኸንቱ ረብሓውን ኣይኹን፡ ነቲ መጓሰ ኣርኣያ እናዀንኩምዎ እምበር፡ ኣብተን ማሕበራት ከም ጐይተት ኣይትኹኑ። እቲ ሓለቓ ጓሶት ምስ ተገልጸ ድማ፡ ዘይጽምሉ ኣኽሊል ክብሪ ኽትቅበሉ ኢኹምእናበለ ይምዕዶም (ጴጥ፡ 52-4)  ኣብተን ማሕበራት ወይ ኣብያት ክርስቲያናት ክብል ከሎ፡ ጳጳስ ከም ቀሲስ ኣብ ሓደ ቦታ ዝተደረተ ዘይኰነ፡ ኣብ ልዕሊ ብዙሓት ከም ዝርእስ እዩ ዝዛረብ ዘሎ።

ፍልልያት መጸውዒ ቓላትን ቛንቛታትን ትርጉሞምን

"ኣብ በብዓዱ ከከም ልማዱ" ከም ዝብሃል፡ ልማድ ቋንቋታት እኳ በበይኑ እንተዀነ እምነት ግና ሓንቲ እያ፡ ቤተ ክርስቲያን ድማ ሓንቲ እያ። ልማድ ቋንቋ ግና ከከም ዓዱ ክፈላለ ግድን እዩ።

ሽማግለ፡ እዚ ቃል እዚ ብቋንቋ ግሪኽፕራስቡቴሮስይብሃል። ብቋንቋ ግእዝ ከኣቀሲስተባሂሉ ብዙሕ ጊዜ ተተርጕሙ ኣሎ። ዝዀነ ዀይኑ ኣብ ኵሉ ህዝቢ ዝበሰሉ መራሕቲ ይድለዩ እዮም፡ ነዚ ኸኣ ብጥበብን ብተመክሮን ዝበሰሉ ሰባት ይምረጹ። እዞም ሰባት ኣዚኣቶም ዚበዝሕ ጊዜ ኣብ መንጐ እቶም ብዕድመ ዝበሰሉ ዚርከቡ ስለ ዝዀኑ፡ ሽማግለ (ዓበይቲ)

1. Qashisho’ “ቀሺሾ” “ቀሲስወይቀሺ እትብል ቓል ትርጉማሓቂ ዝዛረብ ኣገልጋሊማለት እያ። ቛንቛኣ ድማ ኣረማይስጢ እዩ። ኣረማይስጢ ቅድሚ ዓረብ ንሶርያ ወሪሮም ምሓዞም ኣብ ማእከላይ ምስራቕ ዓቢ ግደ ዝነበሮ ቛንቛ እዩ። (ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስውን ቓንቛኡ ኣራማይስጢ ከም ዝነበረ ይፍለጥ) ቀሺ ወይ ቀሺሾ እትብል ቓል ናብ ሃገርና ዝመጸትሉ ጊዜ፡ በቶም ካብ ሶርያ በብእዋኑ ናብ ሃገርና ዝመጹ መነኮሳት ክኸውን ይኽእል ወይውን ኣረማይጥን ዓረብን ኣሕዋት ግእዝ ስለ ዝዀኑ፡ ጥንታዊ ቃል ሰለስቲኦም ክኽውን ይኽእል። ብዝዀነ ሶርያውያን ቐሺሾ ክብሉ ከለዉ ንሕና ግና፡ ቀሺ ወይ ቀሲስ ኢና ንብል።  ብቛንቛ ዓረበኛ ግና ሓቂ ዝዛረብ ሰብ ማለት እዩ።

2.“כֹּהֵן”  Kohen ወይ Kahn “ኮሄን ወይ ካህን” እትብል ቓል ካብ ቛንቛ እብራይስጢ ዝመጸት ቃል እያ፡ ንኣገልግሎት ቤተ መቅደስ ዝተፈልየ ኣገልጋሊ ማለት እዩ። እዚ ቓል እዚ ናባና ዝመጸ፡ ምስ ምምጻእ ኦሪታዊ ሥርዓተ ክህነት ክኸውን ግዲ እዩ። ከመይሲ እዚ ካህን ዝብል ቓል፡ ኣብታ ኣብ ምሉእ ዓለም ዘላ ቤተ ክርስቲያን ዘየለ ክነሱ፡ ኣብታ ኣብ መሪት ሓበሻ ዘላ ኦርተዶክስ ተዋህዶ ቤተ ክርስቲያን ጥራይ፡ ካህን ዝብል ቓል ዝውቱር እዩ። ኣባና ኣብ ግዜ ሓድሽ  ከም ዘይኣተወ ብዙሕ ጭብጥታት ኣለዎ። ንኣብነት እቶም ክሳብ ሕጂ ካብ መሬት ሓበሻ ዘይጠፍኡ ፍላሻ ዝብሃሉ ካህናት፡ ክሳብ ሕጂ ኣብ ሕጊ ኦሪት ዝኣምኑ እንተ ረኤና፡ ካህናት ተባሂሎም ድኣ ይጽውዑ እምበር ቀሺ ወይ ኣቅሽሽቲ ተባሂሎም ኣይጽውዑን። ልብሶም ኰነ መጠምጠምያኦም፡ ከምቲ ካህናትና ዝለብስዎ ዝጥምጠምዎን ይለብሱን ይጥምጠሙን። እዚ ኣገባብ እዚ ድማ ካብ ክህነተ ኣሮን ከም ዝመጸ ኣብ ዝሓለፈ ምዕራፋትና ጠቒስናዮ ኣሎና።

ንኽልቲኡ እናገማጠልና ንጥቀመሉ

መሰረት ተዋህዶ ቤተ ክርስቲያን ኤርትራን ኢትዮጵያን፡ ሶርያውያን ስለ ዝነበሩ፡ እታ ቀሺ እትብል መዓርግ ክህነት፡ ሒዞምልና መጺኦም እንተድኣ ኰይኖም፡ ንሓደ ሥራሕ ክልተ ቓል ስለ ዘለዋና፡ ንኽልቲኣተን እናገማጠልና ንጥቀመለን ኣሎና። ትርጉመን ግና ሓደ እዩ። እተን ድሕረ ባይታ ኣይሁድነት ዘየብለን፡ ቤተ ክርስቲያን ሶርያን ቤተ ክርስቲያን ህንዲ ማላባርን፡ ካህን ዝብል መዓርግ ክህነት ኣይሁድ ስለ ዘይጸንሐን፡ ነታ ጥንታዊት ካብ ቃል ኣራማይስጢቐሺእትብል ቃል ጥራይ እየን ዝጥቀማ። ግብጻውያን ግና እዚ ክልቲኡ ስለ ዘይጸንሖም፡ኣቡናወይ ኣቦና ዝብል ዓረበኛ ቃል ጥራይ ይጥቀሙ።

3. Epresvateros ፕረስቫተሮስ፡ እትብል ቃል፡ ካብ ኮይን ዝተባህለ ቛንቛ ጽርኢ (ክሪኽ) ዝመጸት እያ። ትርጉማ ድማ፡ ሽማግለ ማለት እዩ።

4. Presbyter ፕረስፒተር፡ እትብል ቃል ካብ ቛንቛ ሶርያ ናብ ቛንቛ ግሪኽ ዝረዓመት ቓል ኮይና ትርጉማ ድማ፡ ሽማግለ፡ ማለት እዩ።

5. ሄጐመን፡ “ቆሞስ The Hegomen እዛ ሄጐመን ወይ ኢጎመኖስ እትብል ቃል፡ ካብ ቛንቛ ጽርኢ (ግሪኽ) እያ። ትርጉማ ዓቢ ካህን፡ ማለት ካብቶም ኣብ ቤተ ክርስቲያኑ ዝርከቡ ካህናት ብዕድመ፡ ብግድምና ብፍልጠት ቅድሚያ ዘለዎ ወይ ሓለፋ ዘለዎ ማለት እዩ። መዓርጉ፡ ብላዕለዎት ጳጳሳት ወይ ብፓትርያር ቆሞስ ተባሂሉ ይስየም።

6. ካሃኒም  “כוהנים” Kohanim  ሊቀ ካህናት ማለት እዩ። እዛ ቃል እዚኣ ካብታ ካህን እትብል እብራዊት ቃል ዝነቐለት እያ። ትርጉማ ድማ ላዕለዋይ ሓላፊ ካህናት ማለት እዩ። ኣብዚ ክፍለጥ ዝግብኦ ከምቲ ኣብ መእተዊና ዝጠቐስናዮኣብ በብዓዱ ከከም ልማዱድኣ ኰይኑ እምበር፡ ሽማግለ፡ ኮሄን፡ ካህን፡ ቀሺ፡ ፕራስፒተር ዝብላ ቓላት፡ ሥልጣነን ሓደ እዩ፡ ብቦታን ብቛንቛን ስለ ዝተፈላለየ ግና፡ ዝረሓሓቅ ይመስል፡ ኣባና ሽማግለ ክንብል ከሎና፡ ለውጢ ኣለዎ፡ ንሱ ድማ ክልተ ወይ ሰለስተ ዓበይቲ ትርጉማት ኣለዎ። ብሓደ ወገን ዝኣረገ ሰብ፡ በቲ ኻልእ ድማ፡ ለባም፡ ዓራቓይ፡ ዓዲ ዘመሓደር፡ ንሓደ ነገር ከመሓድር ብህዝቢ ዝተመርጸ ሽማግለ ዓድን የስምዕ።

7. ክሁሪ ኤጵስ ቆጶስ Khoori - Episcopos   እትብል ቃል ካብ ቛንቛ ጽርኢ (ግሪኽ) ዝመጸት ቃል እያ። ትርጉማጳጳስ ገጠርወይ ኣብ ገጠር ዝቕመጥ ጳጳስ፡ ኣብ ትሕቲኡ ሓያሎ ቤተ ክርስቲያናትን፡ ካህናትን ዲያቆናትን ኣመንትን ዘመሓድሮም ዘለዉዎ ኮይኑ፡ ኣብ ትሕቲ ሊቀ ጳጳስ ኰይኑ፡ ብደረጃ ወረዳ የገልግልን የመሓድር እዚ መዓርግ እዚ፡ ኣብተን ሊቀ ካህናት ዝብል መዓርግ ዘይብለን ቤተ ክርስቲያናት የገልግል። ኣባና ግና እዚ ስራሕ እዚ ክሳብ ሕጂ ብሊቀ ካህናት እዩ ዝስራሕ።

8. ኤጵስ ቆጶስ Episcopos  እትብል ቃል ክሁሪ እትብል ተወሳኺ ዘይብላ  ካብ ቛንቛ ጽርኢ ዝመጸት ቃል  ኰይና፡ ትርጉማምሉእ ጳጳስማለት እያ። ወይ ድማ ብዓረበኛ ኣቡን ማለት እያ። ጳጳሳ ኣብ ትሕቲኡ ሓያሎ ክሁሪ ኤጵስ ቆጶሳትን ካህንትን ዲያቆናትን ኣመንትን ዘመሓድሮም ዘለዉዎ ኮይኑ፡ ብደረጃ ኣውራጃ ኣብ ትሕቲ ሊቀ ጳጳስ ኰይኑ የመሓድር።

መዓርግ ኤጵስ ቆጶስ ካብ መዓርግ ሊቀ ጳጳሳት ዝተፈለየሉ ምክንያት፡ ቤተ ክርስቲያን ኣዝያ እናሰፍሔት ምስ ከደት፡ መእመናን ግቡእ ኣገልግሎት ክረኽቡ ክክእሉ ምእንቲ ተባሂሉ፡ ኣብ ሳልሳይ ክፍለ ዘመን ኣብቲ ኣብ ኤስያ ንሽቶይ (ቱርኪ) ዝግበር ዝነበረ ዓበይቲ ጉባኤታት እዩ ዝተሰርዐ።

ኤጵስ ቆጶስ ዝብል መዓርግ፡ ንጳጳስን፡ ንሊቀ ጳጳስን፡ ንፓትርያርክን ዘጠቓልል  እዩ።

መዓርግ ጵጵስና ዝለዓለ መዓርግ ክህነት ስለ ዝዀነ፡ ብኣርኣያን ኣምሳልን ክርስቶስ ኰይኑ ኣብ ልዕል ዝበለ ቦታ ተቐሚጡ፡ ፍትሕን ጽድቅን ዝሕሉ ጓሳ እዩ። እዚ መዓርግ እዚ፡ ክቕበል ዝብህግ ሰብ፡ ኣቕዲሙ ብሕልናኡ ንዓለምን ፍቕራን ሃብታን ወዘተ.. ሞይተ ኢሉ ብምስሊ ዝሞተ ሰብ ብኣካሉ ስለ ዝግነዝ፡ ብመንፈሱን ብኣካሉን ንክርስቶስ ይትንሥእ። ስለዚ ድማ ሓድሽ ስም ናይ ዝሓለፉ ቅዱሳን ይወሃቦ። ስለዚ ደጊሙ ብፍጹም መንፈሳውነት ክነብር ከሎ፡ ኣብ መንጐ መእመናን ብትዕቢትን ኩርዓትን ዘይኰነ ብፍትሓዊ መገዲ ክፈርድ ይግብኦ። ነቲ ጐይታ "ሓደ ክኾኑ እልምን ኣለኹ" ዝበሎ፡ እናዘከረ ኩሉ ግዜ ሓድነት ቤተ ክርስቲያን ክሕሉ ይግብኦ።

ጳጳስ ወይ ኤጵስ ቆጶስ ክኸውን ዝምረጽ ሰብ ብምስሊ ክርስቶስ እዩ፡ ካብ ብድንግልና ዝመንኰሱ ወይ ተመርዕዮም ዘይፈልጡ መነኮሳት ወይ መነንቲ እዩ ዝሕረ። ጳጳስ ካብ ቀሲስ ዝፍለየሉ መገዲ ብፍጽምና ክህነቱ እዩ። ስለዚ በቲ ንሱ ዝገብሮ ኣንብሮተ ኢድ፡ ኣብ ልዕሊ ንክህነትን ንዲቁናን ዝቕብኡ ዝህቦ መዓርግ ይፍለ። ዘይተመርዓወ ዝምረጸሉ ምኽንያት፡ ብዘይ ንቤተ ክርስቲያን ካልእ ጾር ወይ ሓላፍነት ከይስከም እሞ ስራሕ ጐይታ ከይበኩር ወይ ከይሰናኸል ብምሉእ ልቡን ሕልናኡን ዝወሰነ ክኽውን ይምረጽ። ነዚ ዝመስሉ ድማ ክርስቶስ ንባዕሉ፡ ሃዋርያ ጳውሎስ፡ ሓዋርያ ዮሃንስን ካልኦትን እዮም።

መዓርግ ክህነት ወይ ዲቁና ክህብ ከሎ፡ ውዳሴን ጉቦን ወይ ንዑኡ ብዝመስል ተቐቢሉ መዓርግ ክህብ ኣይግባእን። መዓርግ ክህነት ወይ ዲቁና ክህብ ከሎ፡ ብካህኑ ዝተመስከረሉ ወይ ብኽልተ ብሰለስተ ሽማግለ ቤተ ክርስቲያን ዝተመስከረሉ ጥራይ ክቕበል ይግብኦ። ጳጳስ ብዘይ ፍሉጥ ነገር ወይ ብታህዋኽ ኣብ ልዕሊ ሓደ ሰብ ኢዱ ከንብር ኣይግብኦን። ኩሉ ዝገብሮ ብምስክርነት ዝጸንዔ ክኸውን ይግብኦ።

ንዲያቆናት ወይ ካህናት ዘዝግቦኦም ሽልማትን መዓርጋትን ክህብን ክምጉስን ይግባእ። ነቶም ንዝተዋህቦም ሓላፍነት ሸለል ዝብሉ በደል ዝፍጽሙ ካህናት ወይ ዲያቆናት ግቡእ መቕጻዕቲ ክህብ መሰል ኣለዎ። እዚ ክበሃል ከሎ ግና ቤተ ክርስቲያን መሰረት ፍትሕን ሓርነትን ነጻነትን ስለ ዝዀነት፡ ነገር ዝዀነ ካህን ወይ ዲያቆን ወይ ኣማኒ ክሰምዕ ከሎ፡ ተኸሳሲ ገዛእ ርእሶም ክከላኸለሉ መሰሉ ክህቦ ይግባእ። ቅድሚ ምፍራዱ ከከም ነገሩ እናረኣየ ፍታሕ ከናድየሉ ይግባእ። መሰል ይግባይ ድማ ይፈቅድ።

ጳጳስ፡ ብፈቓድ ፓትርያርክ እንተዘይኰይኑ፡ ካብ መንበረ ጵጵስናኡ ክንቀሳቐስ ወይ ክቦኩር ኣይግባእን። ብምኽንያት ካብ መንበረ ጵጵስናኡ እንተ በዀረ ግና፡ ካብ ሽዱሽተ ወርሒ ንላዕሊ ክኸውን ኣይግብኦን።

ጳጳስ፡ ብምክንያት ድኽነት ወይ ደርቂ መሬት ወይ ዋሕዲ ኣባላት ወይ ከምኡ ዝኣመሰለ ነገራት ክርሕቅ ኢሉ፡ ናብ ካልእ ዝሃብተመን ዝዓበየን ቦታታት ክግዕዝ ወይ ክሰጋገር ኣይክእልን።

ጳጳስ ጓሳ ህዝበ ክርስቲያን ስለ ዝዀነ፡ ውልቃዊ ረብሓኡ ከኻዕብት ክብል ኣብ ዓለማዊ ንግዲ ክኣቱ ኣይግብኦን። 

8. ሜትሮፖሊታን Metropolitan: መዓርግ ሊቀ ጳጳሳት እዩ፡ እዚ ቃል እዚ ኣመጻጻኣኡ ላቲን እዩ። ቀዳሞት ቅድሚ ክርስትና ዝነበሩ ላቲናውያን፡ ነዚ ቃል እዚ ንሓደ ላዕለዋይ ኣመሓዳሪ ፖሎቲካ ይጥቀምሉ ነበሩ። ቤተ ክርስቲያን ኣብ ሃገራት ላቲን ምስ ቆመት ግና፡ ነዚ ቃል እዚ ንላዕለዎት ሊቀ ጳጳሳት ስለ ዝተጠቕምሉ ብኡ ኣቢሉ ኣብ ቤተ ክርስቲያን ሪዒሙ ተረፈ። ኣባና ግና ድሮ እቲሊቅዝብል ተወሳኺ ቃል ግእዝ ስለ ዝጸንሓና፡ ሊቀ ጳጳስ ኢና ንብል።

9. ፓትርያርክ - PATRIARCH  “ኣቦ ምልእቲ ቤተ ክርስቲያንማለት እዩ። እዛ መዓርግ እዚኣ ካብታ ኣብ ቛንቛ እብራውያን אבות Avot ኣቨት ወይ ላዕለዋይ መሰረት ዝዀነኣቦእትብል ቃል ዝመጸት እያ። እዚ መጸውዒ እዚ ነቶም እምነት እግዚኣብሔር ዝመሰረቱ ኣቦታት እምነት እናተባህሉ ዝጽውዑ፡ ኣብርሃምን ይስሓቅን ያእቆብን ጥራይ ዝወሃብ እዩ። እዚ ቃል እዚ፡ ቤተ ክርስቲያን ምስ ተተኽለት፡ ንቕዱሳን ኣቦታት ቤተ ክርስቲያን፡ ትበቅዕ ኰይና ስለ ዝተረኽበት፡ ኣብ ራብዓይ ክፍለ ዘመን፡ ካብ ቛንቛ ጽርኢ ናብ ቤተ ክርስቲያን ኣተወት። ካብኡ ንደሓር ንላዕለዎት ኣቦታት ተዋሂባ፡ ፓትርያርክ ወይ ፖፕ ዝብል ስም ሒዛ ትቅጽል ኣላ። ኣብርሃም ኣቦ ኹሉ ኣማኒ ክኸውን ብእግዚኣብሔር ተጸውዔ። ፓትርያርክ ግና ኣቦ ኹሉ ኣማንን፡ ሓላው ኣባጊዕ ክርስቶስን ክኸውን ብክርስቶስ ተጸውዔ። ኣብርሃም ብካህን መልከጸዴቕ ተባረኸ። ፓትርያርክ ግና፡ ብስምረት ኣመንትን ካህናትን ብመንፈስ ቅዱስ ይቕባእ። ብመንፈስ ቅዱስ ስለ ዝቕባእ ድማ፡ ንካህናትን ንጳጳሳትን ዘይወሃብ ወይ ንሓደ እኳ ዘይወሃብቅዱስ ኣቦናዝብል ስም ይወሃቦ። ብዛዕባ ቅድስና ካብ ኣልዓልና፡ ሓደ ሰብ ብቅድስና እንተነበረ፡ ብቅድስናኡ ድማ እንተ ሞተ፡ ንዓለም ብቅድስናኡ ስለ ዝፈጸማ፡ ቅድስናኡ ድሕሪ ሞቱ ድኣ ይምስከረሉ እምበር፡ ብህይወት ከሎ ቅዱስ ዝብል መጸውዒ ኣይወሃቦን። ነቲ ብምልእታ ቤተ ክርስቲያን ተኣኪባይደልዎዝበለቶ ማለት ብቑዕ ኢኻ ዝበለቶ ጥራይ ቅዱስ ፓትርያርክ ተባሂሉ ይጽዋዕ። ብድሕሪ ይደልዎ ግና፡ ብሓጢኣቱ ከም ይሁዳ እንተ ጠለመ፡ ከም ዴማስ ንድሕሪት እንተ ተመልሰ፡ እንተዘይኰይኑ፡ ዕድሜኡ ልክዕ ኣብ ሥልጣን ኣሎ።

ፓትርያርክ መተካእታ ሓዋርያት ስለ ዝዀነ፡ ወኪል ክርስቶስ ኣብ ምድሪ እዩ። ፓትርያርክ ካብ መዓርግ ጵጵስና ዝለዓለ ኰይኑ መራሒ ኩላ ቤተ ክርስቲያን እዩ። መዓርግ ጳጳስን ሊቀ ጳጳስን ዝግብኦም ዘበሉ ድማ ብኢዱ ጥራይ ይቕብኡ። ቅዱስ ስለ ዝዀነ መሰል ምስራሕ ቅዱስ ሜሮን ድማ ናቱ እዩ። ኣብቲ ዝዓበየ ደብሪ ሃገሩ ድማ የገልግል፡ ከመይሲ ኣብኡ ኰይኑ ጳጳሳት ስለ ዝቐብእ።

ፓትርያርክ ኣባጊዕ ክርስቶስ ክሕሉ ብክርስቶስ ሓደራ ዝተዋህበ ጓሳ ኣባጊዕ ስለ ዝዀነ፡ ንማሕበር ጠርኒፉ የመሓድር። ፓትርያርክ ምስሊ እቲ ሕያዋይ ጓሳ ክርስቶስ ስለ ዝዀነ፡ ብሸየምቱ ምልክት ጉስነቱ በትረ ክርስቶስ ኣብ ኢዱ ይህብዎ። እዚ ሓላፍነት እዚ ኣዝዩ ዓብይ ሓላፍነት ስለ ዝዀነ፡ ብዘይ ምቁራጽ ጸሎትን ጾምን ከዘውትር ይግባኦ። ምልእቲ ቤተ ክርስቲያን ድማ ከየባተኸት ስሌኡ ትጽሊ።

ንፓትርያርክ ዝምረጽ ሰብ ኣቐዲሙ መንፈሳውን ኣካዳሚን ትምህርቲ ዝተማህረ፡ ብፍላይ ድማ ኣብ ቤት ትምህርቲ ነገረ መለኮት ኣትዩ ዝተማህረ፡ ንቓል እግዚኣብሔር ብግቡእ ዝመርመረ፡ ብባህርያዊ ተውህቦኡ ክእለት ምንብባር ዘለዎ፡ ኣብ ኩሉ ፍቕርን ሰላምን ከንግሥ ዝጽዕር፡ ፍቕሪ ሰብ ዝመልኦ። ምስ ዓቢ ዓብይ ምስ ንእሽቶ ንእሽቶ እናኰነ፡ ቤተ ክርስቲያንን ማለት ምምሕዳር ጳጳሳትን ካህናትን ዲያቆናትን መእመናንን ዘለዎ፡ ከም ክርስቶስ በጃ ኣባጊዑ ህይወቱ ክህብ ድልውነቱ ዘረጋገጸ፡ ዕድሜኡ ኣብቲ ዝምረጸሉ እዋን ካብ ኣርብዓ ዓመት ዘይነኣሰ ክኸውን ይግባእ። ብምንኩስና ዝነበረ፡ ካብ ማእከል ሊቃውንቲ ቤተ ክርስቲያን ማለት መነኮሳት ወይ ጳጳሳት ንመሪሕነት ይሕረ።

ብጠቕላላ ኩሉ መዓርገ ክህነት ዝወሃብ፡ ኣብ ሥርዓተ ቅዳሴ ዝስርዓሉ ጊዜ ድሕሪ ጸሎት እዩ ዝፍጸም። እዚ መዓርግ ፓትርያርክ ድማ፡ መጸውዒ ህዝቢ ንምትዕራቕ ምስ ኣምላኽ ስለ ዝዀነ፡ ክቕባእ ከሎ መተካእታ ሓዋርያት ከኣ ስለ ዝዀነ፡ ንስርሑ ብዝምልከት ካብ ግብረ ሓዋርያት ኣብ ቅድሚ ህዝቢ ይንበብ። 

10. ፖፕ -POPE እታ ቃል ላቲን ኰይና ትርጉማ ላዕለዋይ ኣቦ ማለት እያ፡ ፓትርያርክን ፖፕን ሓደ እዩ። 

ተውሳኺ

ፓትርያርክ ላዕለዋይ መራሒ እዩ፡

1.      ፓትርያርክ ጓሳ ጓሶት እዩ፡

2.      ኣብ ልዕሊ ማሕበር ብጽድቅን ፍትሕን ይፈርድ፡

3.      ንእከይ ይገንሕ፡

4.      ንቅድስቲ ኦርቶዶክስ ቤት ክርቲያን ካብ ከሓድትን መንደልሃጽትን ይሕልዋ፡

5.      ዘውትር ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ እናቆመ ስለ ምልእቲ ቤተ ክርስቲያን ይጽሊ፡

6.      ሓጥኣን ካብ ዘለኣለማዊ ጥፍኣት ክድሕኑ ይጽልን ይልምንን፡

7.      ካብ ቤተ ክርስቲያኖም ንዝኾብለሉ ናብ ቤቶም ክምለሱ ይጽዕርን ይልምንን፡

8.      ነቶም ፋሕ ዝበሉ ደቂ ኣምላኽ ኣብ ሓደ ክእከቡ ይጽልን ይጽዕርን፡

9.      ንኹላቶም ብሓይሊ ሰይጣን ዝተኣስሩ ፍትሓት ክረኽቡ ብጾሎት ናብ ኣምላኽ የቅርቦም

10.  ሃገር ብምልእታ ሰላም ክትረክብ ይጽሊ፡

ይቕጽል

/ ሽሞንዲ ኃይለ

Diocese



 



 


ካብ ውሽጢ ኤርትራ ዝተረኽበ ንቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ንምቁጽጻር ብመንግስቲ ኤርትራ ክካየድ ዝጸንሐን ዘሎን ሽርሒ ዘቃልዕ ቪድዮ 



Support Tewahdo TV

Gofundme


Support Diocese

PayPal


ድኳን መጻሕፍቲ/Book Store


ጋዜጣ ፍኖተ ብርሃን፡ ልሣን

 ቤተ ክርስቲያን ተዋሕዶ


ስብከተ ወንጌል


ራድዮ ቃለ ኣዋዲ


መጻሕፍቲ - Books 


ጾምን በዓላትን


Diocese Churches

 

Radio Tewahdo

 Video - Youtube

TV Tewahdo

A Message from H.G. bishop Mekarios

መጸናንዒ ቃል ብብጹእ ኣቡነ መቃርዮስ

ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ብኸመይ

</div