S5 MP3 Player - плагин joomla Mp3

ከም ንህቢ ኣብ ዕምባባዶ፥ ኣብ ጎድፍ ከም ሃመማ!

ኩልና ከም ንፈልጦ ዝኾነ ሰብ ኣብ ዝመረጾ ቦታ ክህሉን ክነብርን እግዚኣብሔር ነጻ ምርጫ ሂቡና ከም ዘሎ ዘጠራጥር ኣይኮነን። ይኹን እምበር እቲ ዝጠቕመናን መንፈሳዊ ረብሓ ዘለዎ ስፍራን ግና ኣብ ቤት ኣምላኽ ምዃኑ

ደጋጊሙ ነጊሩና ኣሎ። ነፍሲ ወከፍ ሰብ እምበኣር እቲ ብነጻ ምርጫና እንነብረሉ ቦታ ኣብ መወዳእታኡ ክብረት ይኹን ውርደት፥ ሕይወት ይኹን ሞት ከምጽኣልና ከም ዝኽእል ክንፈልጥ ኣገዳሲ ይኸውን።ዝኾነ ሰብ ነዚ ኣርእስቲ ከንብቦ ከሎ ኃይለ-ቓል ዘለዎ እኳ እንተ መሰለ፥ ትሕዝቶ መልእኽቱ ግና፥ ከም ክርስቶስ ኣብ ብርሃንዶ፥ ከም ሰይጣን ኣብ ጸልማት፥ ከም ኣባጊዕ ብመገዲ የማንዶ፥ ከም ኣጣል ብመገዲ ጸጋም፥  ከምተን 5ተ ለባማት ደናግልዶ፥ ከምተን 5ተ ዓያሹ ደናግል ብማለት ንኽልተ ነገራት እናእወዳደረ ብኸመይን ኣበይን ንነብር ከም ዘሎና ኣብሪሁ መንፈሳዊ መልእኽቲ ንምትሕልላፍ ዝተመርጸ ምዃኑ ከዘኻኽር ይፈቱ።  ስለዚ ናብ ቤት መስተ ካብ ምኻድ ናብ እንዳ ሓዘን ምኻድ ይሓይሽ፥ ናብ ቤት ጠንቆልቲ ካብ ምኻድ ናብ ቤት ኣምላኽ ምኻድ ዓቢ በረኸት ኣለዎ፥ ካብ ስፍራ ዝሙት ከኣ ኣብ ቦታ ጸሎት ምኻድ እቲ ዝበለጸ ሠናይ ነገር ምዃኑ ክንዝንግዕ ኣይግባእን። እዚ ሓጺር ጽሑፍውን  ነዚ ምርኩስ ብምግባር ኣብ ቅዱስ ምድራዊ ቦታን ቅኑዕ  ጎደናን ጸኒዕና ንኽንመላለስ ገለ ሓጋዚ ሓሳባት ንምቕራብ ተባሂሉ ዝተጠቕሰ ኢዩ።

ኣቦና ዳዊት ብዛዕባ ኣገዳስነት ንነብረሉ ቦታ ክገልጸልና ከሎ “ካብ ሺሕ መዓልቲ ኣብ ካልእ፥ ሓንቲ መዓልቲ ኣብ ቤት መቕደስካ ምውዓል ይሓይሽ፥ ስለዚ ኣብ ኣባይቲ ኃጥኣን ካብ ምንባርሲ ኣብ ቤት ኣምላኸይ ሓላው ደገ ምዃን ይሕሸኒ’’ እናበለ ብንጹር ቃላት ገሊጹልና ንረኽቦ። መዝ 84፡10። ስለዚ ኩሉ ወዲ ሰብ ብኽቡር መልክዕን ምስል እግዚኣብሔር ዝተፈጥረ ብምዃኑ፥ እቲ ዘሎናዮ ቦታን ዘሎና መንፈሳዊ ሕይወትን ንኣምላኽ ልዕሊ ኩሉ ዘድልዮን ዘገድሶን ምዃኑ ክንዝንግዕ ኣይግባእን። ከመይሲ እቲ ንነብረሉ ስፍራ  ስም እግዚኣብሔር ንምኽባር ይኹን ወይ ድማ ዕዮ እግዚኣብሔር ንምብኳር ዓቢይ ኣገዳስነት ኣለዎ። ንኣብነት ንኣቦና ኣብርሃም “ካብ ህዝብኻን ዓሌትካን ተፈሊኻ ናብቲ ኣነ ዘርእየካ ስፍራ ኪድ” ዝብል ትእዛዝ ካብ ኣምላኽ ከም ዝተቐበለ ዝዝከር እዩ። ካብዚ ኣርእስትና ከነስተውዕሎ ዝግባእ ነገር ድማ፥ ንህቢ እቲ ዝደቐቐን ዝደኸመን ፍጥረት እኳ እንተ ኾነ ብስሙር ፍቕሩን ጥዑም መዓሩን ወትሩ ብኣብነት ዝጥቀስ ክቡር ፍጥረት ኢዩ። ኣብ ምስላ ሃገርናውን “ዝተፋቐሩ ኣናህብ መዓር ይበልዑ” እናተባህለ ይዝረብ ኢዩ። እሞኸ ደኣ ናይ ነፍሲ ወከፍ ምድራዊ መነባብሮ ሕይወትና ኣብ ስፍራ ቅዱሳንዶ ወይስ ኣብ ስፍራ ኃጥኣን፥ ከም ንህቢ ኣብ ዕምባባዶ ወይስ ኣብ ጎድፍ ከም ሃመማ ኮንና ንነብር ኣሎና?

ብተወሳኺውን ኩሉ ወዲ ኣዳም ከም ንህቢ ኣብቲ ንምርኣዩ ዘብህግ ጥዑም ሽታን ግሩም መኣዛን ዘለዎ ዕምባባታት ክህሉ ካብ መጠን ንላዕሊ ባህ ዘብል ሠናይ ነገር ኢዩ። ብኣንጻሩ ድማ ከም ሃመማ ኣብ ሕሱር ቦታን ጎድፍ ዝኾነ ስፍራን ምቕመጥ ብጣዕሚ ዘፈንፍን ምዃኑ ኩልና ንሰማምዓሉ ሓቂ ኢዩ። ኣብ መጀመርታ ፍጥረትውን ልዑል እግዚኣብሔር “ኦ ኣዳም ኣበይ ኣሎኻ ?’’ ኢሉ ጸዊዑ ዝሓተቶ ኣዳም ኣበይ ከም ዝነበረ ጠፊእዎ ኣይኮነን። እንታይ ደኣ ኣቦና ኣዳም፥ ካብ ክቡር ስፍራ ገነት ናብ ሕሱር ስፍራ ኃጢኣት ስለ ዝወደቐ፥ ነቲ ዝገበሮ በደል ንምዝኽኻር ኢሉ ኢዩ ጸዊዕዎ። ኣብዚ እቲ ዘገርም ነገር ኣቦና ኣዳም ምስ እግዚኣብሔር እናተዘራረበ፥ ብኽብርን ምሉእ ሰላምን ኣብ ገነት ካብ ምንባር፥ ብጌጋ ምርጭኡ ኣብ ዘይተመደበሉ ምድሪ ጭንቀትን ሞትን ኣብ ትሕቲ ባርነት ዲያብሎስ ምንባር ከም ዝጀመረ መጽሓፍ ቅዱስ የዘንትወልና። ስለዚ ንሕናውን ቅዱስ ስፍራ ሓዲግና ኣብ ሕሱር ቦታ ንመላለስ ከይንህሉ፥ ኣብ ሕይወት ኣሎና እናበልና ምርጫና ሞት ከይከውን፥  ብዝያዳ ከኣ ከም ሎጥ ኣብ ሰዶም እናነበርና ሠናይ ፍረ የፍሪ ኣሎኹ ምባል ከይከውን ገዛእ ርእሰናን መገድናን ንመርምር።

ኣብ ትንቢት ኢሳይያስ እንተ ኣንበብና ‘’ክቡር ሰብ ክቡር ሓሳብ ይሓስብ፥ ኣብ ክቡር ነገር ድማ ይጸንዕ’’  ክብል ከም ዝተነበየ ንርዳእ። ንሕና ህዝበ ክርስቲያንውን ኣብቲ እንምነዮን ከምቲ እንደልዮን ኮንና ኣብዛ ምድሪ ዓለም ክንመላለስ ዝከኣል ነገር ኢዩ።  ስለዚ እምበኣር ብእምነት ከም ንህቢ ኣብ ክቡር ዕምባባታት ክንመላለስ እንተ ወሲንና ዝኸብደና ነገር ኣይክህሉን ኢዩ። ሸለልትነትን ዕሽነት ዝመልኦ ጉዕዞ ሕይወትን እንተ መሪጽና ግና ኣብ ዝጎድኣና ከንቱ ዝኾነ ነገራት ከም ዘሎና ዝስሓት ኣይኮነን። እቲ ብዝያዳ ኣብዚ ክነስተውዕሎ ዝግባእ ድማ፥ ዝኾነ ሰብ ካባና ኣብ ገዝኡ ጎሓፍ ከቐመጥ ዝደሊ ሰብ ፍጹም የልቦን። እንተ ኾነ ግና ኣብዚ ዘሎናዮ ዘመን ብዙሓት ሰባት ካብ ጽሬት ሕልንኦምን መንፈሶምን ንላዕሊ ብጽሬትን ክዳኖምን ገዝኦምን ክሽገሩ ምርኣይ ልሙድ ተግባር ናይ ክርስቲያን ኢና ዝብሉ ኣመንቲ ኮይኑ ንረኽቦ። እቲ መንፈሳዊ ሓቂ ግና ውሽጣዊ ነፍስኻ ዝያዳ ክጸርን ክነጽህን ከሎ ዝያዳ ተመራጽን ዓቢይ ረብሓ ዘለዎን ምዃኑ ኩሉ ሰብ ክፈልጦ ዝግባእ ኣገዳሲ ነገር ኢዩ። ኢሳ 32፡8

ኣብ መደምደምታ ከም ንህቢ ኣብ ዕምባባ ክንብል ከሎና፥ ካብ ዕምባባታት እቲ ኩሉ ሰብ ዝደልዮን ዝፈትዎን ክቡር ፍረ ይርከብ። ስለዚ ከም ንህቢ ብሓድነት ፍቕሪ ክንሰምር፤ ንዕዮ ወንጌል ተጊህና ክንጽዕር፥ እንተ በቒዕና ኣምላኽ ካባና ዝደልዮ ነገር ንሱ ጥራይ ኢዩ። ከም ሃመማ ኣብ ጎዱፍ ምንባር ማለት ድማ ኣብ ጽልኢ፥ ቂም፥ ጥልመት፥ ኃጢኣትን ትዕቢትን ሒዝካ ምንባር ማለት ኢዩ። ኣቦታትና ክምስሉ ከለዉ ‘’መዓር ክሸጡስ መዓር ይዛረቡ’’ ይብሉ። ስለዚ ቃል ወንጌል ክንዘርእ ከሎና ቅድም ንሕና ብቓልን ግብርን ኣሰር ኢየሱስ ክርስቶስ እናሰዓብና ኣርኣያ ክንከውን ይግብኣና። ንባዕልኻ ጽልኢ ሒዝካ ተፋቐሩ ምባል ረብሓ ዘይብሉ ዕዮ ኢዩ። ቅዱስ ወንጌልውን ‘’እቲ ሕያዋይ ሰብ፥ ካብቲ ሠናይ መዝገብ ልቡ ሠናይ ነገር የውጽእ፥ እቲ ኽፉእ ሰብ ግና ካብቲ ኽፉእ መዝገብ ልቡ ክፉእ ነገር የውጽእ’’ ዝብል መምርሕን ማዕዳን ሂቦና ኣሎ። ማቴ 12፡35። ስለዚ እምበኣር “መገዲ ምስ ወዲ ዓዲ” ኢዩ እሞ፥ ናብ ገነት ምእንቲ ክንኣቱ ምስቶም ደቂ ገነት ንጎዓዝ፥ ናብ እግዚኣብሔር ክንበጽሕ ምስ ደቂ እግዚኣብሔር ንንበር። ከም ንህቢ ክንከብርን መዓር ክንምገብን ንሕድሕድና ንፋቕር። ኣብ ክቡር ሓሳብ ጸኒዕና ብመገዲ እግዚኣብሔር ክንመላለስ ኣምላኽ ጸጋኡን ፍቕሩን የፍስሰልና።   

ቀሲስ ሓለፎም ዓንደማርያም

ቅዱስ ሚካኤል ሻርሎት

Diocese



 



 


ካብ ውሽጢ ኤርትራ ዝተረኽበ ንቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ንምቁጽጻር ብመንግስቲ ኤርትራ ክካየድ ዝጸንሐን ዘሎን ሽርሒ ዘቃልዕ ቪድዮ 



Support Tewahdo TV

Gofundme


Support Diocese

PayPal


ድኳን መጻሕፍቲ/Book Store


ጋዜጣ ፍኖተ ብርሃን፡ ልሣን

 ቤተ ክርስቲያን ተዋሕዶ


ስብከተ ወንጌል


ራድዮ ቃለ ኣዋዲ


መጻሕፍቲ - Books 


ጾምን በዓላትን


Diocese Churches

 

Radio Tewahdo

 Video - Youtube

TV Tewahdo

A Message from H.G. bishop Mekarios

መጸናንዒ ቃል ብብጹእ ኣቡነ መቃርዮስ

ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ብኸመይ

</div