S5 MP3 Player - плагин joomla Mp3

ገዳማት ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ኤርትራ

ኣብ ኤርትራ 22 ጥንታውያን ገዳማት ኦርቶዶክስ ከምዘለዉ ይፍለጥ። ንኹሎም በብሓደ ታሪኾምን መሰረቶምን ኣብ ክርስትና ኮነ ኣብ ሃገር ዘበርከትዎ ዕዙዝ ተራ ብዝርዝር ጊዜ ዓዲግና ከነቕርቦ ኢና። ንሎሚ ግና ሕጽር ዝበለ ዛንታ ናይ 13 ገዳማት እንሆ።

መዘኻኸሪ:- ክቡራት ምእመናን፣ ምዕቃብን ምሕላውን ገዳማትና ሓላፍነት ኩልና እዩ'ሞ ስእሊ ናይ ገዳማት-ኤርትራ እንተለኩም፣ በዚ መገዲ እዚ ክትሰዱልና ብመንፈሳዊ ኣኽብሮት ንሓትት። ንገዳማትና ንዓቕቦም መሳፍሮ ዘይቅዱስ ነገር ከይኮኑ ድማ ንሓልዎም።

ሓጺር ዛንታ ገዳማት ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ኤርትራ

1.ገዳም ደብረ ሲና:- ገዳም ደብረ ሲና ካብ ሩባ ዓንሰባ ብሸነኽ የማን ካብ ዝርከቡ በረኽቲ እምባታት ሓደ ክኸውን ኮሎ፣ ካብ ዒላ-በርዕድ ልዕል ኢሉ ይርከብ።

 

 

 

2.ገዳም ኣቡነ ዮናስ (ደብረ ድሁኃን)፦ እዚ ገዳም ዝርከበሉ ቦታ ኣብ ኣውራጃ ሰራየ ንኡስ ኣውራጃ ዓዲ-ዃላ ቆሓይን እዩ። ኣብ መበል 15 ክፍለ ዘመን ድማ ተደኲኑ።

3.ገዳም ኣቡነ እንድርያስ፦ ገዳም ኣቡነ እንድርያስ ኣብ ዞባ ደቡብ ንኡስ ዞባ ድባሩባ ከባቢ ዓዲ ፈለስቲ ይርከብ

4.ገዳም ኣቡነ መርቆሬዎስ:- ገዳም ኣቡነ መርቆሬዎስ ኣብ ዞባ ደቡብ ንኡስ ዞባ ዓረዛ ይርከብ።

5.ገዳም ኣቡነ ኣብሳዲ፦ እዚ ኣብ መበል 13 ክፍለ ዘመን ዝተደኰኑ ገዳም ኣቡነ ኣብሳዲ: ኣብ ቆሓይን ብሸነኽ ደቡብ ዓዲዃላ ይርከብ

6.ገዳም ኣቡነ ብሩከ ኣምላክ ዘደብረ ኮል፦ ገዳም ኣቡነ ብሩከ-ኣምላክ ካብ ኣስመራ ብሸነክ ደቡብ ኣቢሉ ካብ መንደፈራ ንኩዶ ኣብዑር ምስ ተጓዓዝካ ናይ ቁሩብ ሰዓታት ናይ እግሪ መንገዲ ዘለዎ ጥንታዊ ገዳም እዩ ዝተደኰነሉ ድማ 15 ክፍለ ዘመን እዩ።

7.ገዳም ኣቡነ ብፁዕ ኣምላክ፦ ደብረ ምዕዋን ዝተባህለ ምድረ እገላ ኣውራጃ ኣከለጉዛይ ይርከብ። ዝተደኰነሉ ድማ 15 ክፍለ ዘመን እዩ።

8.ደብረ ጽጌ (ኣቡነ ሠረቀ ብርሃን) ገዳም ኣቡነ ሠረቀ ብርሃን ሎሚ ደብረ ጽጌ ደብረ መድኃኒት እናተባህለ ዝጽዋዕ ገዳም እዩ።ካብ ኩዶ ኣብዑር ንሸነኽ ሰሜን ብእግሪ ናይ ሓደ ሰዓት ዝኸውን ምስ ተጓዓዝካ ድማ ይርከብ።

 

 

 

 

 

 9.ገዳም ኣቡነ ኣብራንዮስ (እንዳ ኣቦና):- እዚ ሎሚ ደብረ ጥሉል ተባሂሉ ዝጽዋዕ ገዳም ኣቡነ ኣብራንዮስ ኣብ ኣውራጃ ሰራየ፣ ወረዳ ደቂ-ድግና (ንኡስ ኣውራጃ መንደፈራ) ዝተደኰነ፣ ካብ ተራ-እምኒ ከባቢ 15 ኪሎ ሜትር ርሒቁ ብሸነኽ ደቡባዊ ምብራቕ ርከብ። ገዳም ኣቡነ ኣብራንዮስ (ኣቦና) ዝተደኰነሉ ድማ 18 ክፍለ ዘመን እዩ

 

 

  

10.ገዳም ማርያም ዓይላ:- ገዳም ማርያም ዓይላ: ኣብ 15 ክፍለ ዘመን ብኣባ ተወልደመድህን ዝተባህሉ መነኮስ ተደኲኑ። ገዳም ማርያም ዓይላ ኣብ ኣውራጃ ሰራየ፣ ንኡስ ኣውራጃ ዓዲዃላ ወረዳ ዓይላ ጉንደት ኣብ ከባቢ ፈለግ መረብ ብሸነኽ የማን ተደኲኑ ይርከብ።

11.ገዳም ጻድቃን ባረክናሃ:- ገዳም ጻድቃን ባረክናሃ ወይድማ ባረክናሃ ብዝብል ስም ዝፍለጥ ኣብ ከባቢ 15 ክፍለ ዘመን እዩ ተደኲኑ። ጻድቃን ባረክናሃ ኣብ ኣውራጃ ኣከለጉዛይ ካብ ሰንዓፈ ንደቡብ 'ባረክናሃ' ኣብ ዝበሃል ዓዲ ዝርከብ ጥንታዊ ገዳም እዩ። ኣብዚ ሕጂ እዋን፣ እቲ ገዳም በሪሱ: ታሪኻዊ ቅርሱ ጥራይ ሒዙ ተሪፉ ኣሎ።

12.ገዳም ኣቡነ ፍሊጶስ (ደብረ ቢዘን) ኣብ ከባቢ 15 ክፍለ ዘመን ዝተደኲነ ገዳም ደብረ ቢዘን፣ ካብ ከተማ ኣስመራ ከባቢ 25 ኪሎ ሜትር ንምብራቕ ኣብ ኣብ ኣውራጃ ሰምሃር፣ ኣብ የማናይ ክንፊ ከተማ ነፋሲት ተደኲኑ ይርከብ።

 

 

 

 

 

 

13.ገዳም ጻዕዳ ኣምባ (ኣቡነ ሰይፈ ሚካኤል) ገዳም ጻዕዳ ኣምባ ኣብ 17 ክፍለ ዘመን እዩ ደኲኑ። እዚ ገዳም እዚ: ኣብ ዞባ ዓንሰባ, ኣብ ከባቢ ከረን "በጉ" እትበሃል ዓዲ ሓሊፍካ ይርከብ።

 

 

ዝርዝር ኣስማት ገዳማት

1.      ገዳም ደብረ ሲና

2.     ገዳም ደብረ ሊባኖስ ሃም

3.     ገዳም ኣቡነ ዮናስ (ደብረ ድሁኃን)

4.     ገዳም ኣቡነ እንድርያስ ሰፍኣ (ደብረ ጽጌ)

5.     ገዳም ኣቡነ መርቆሬዎስ

6.     ገዳም ደብረ ማርያም ኣቡነ ኣብሳዲ

7.     ገዳም ኣቡነ ብሩክ-ኣምላኽ ደብረ ኮል

8.     ገዳም ኣቡነ ብጹዕ ኣምላኽ ደብረ ምዕዋን

9.     ገዳም ኣቡነ ሠረቀ ብርሃን ደብረ ጽጌ

10.   ገዳም ኣቡነ ኣብራንዮስ እንዳቦና

11.     ገዳም ማርያም ዓይላ

12.    ገዳም ደብረ ጻድቃን ባረክናሃ

13.    ገዳም ደብረ ቢዘን ኣቡነ ፊልጶስ

14.   ገዳም ጻዕዳ እምባ ሥላሴ (ኣቡነ ሠይፈ ሚካኤል)

15.    ገዳም ኣቡነ እንድርያስ ዕፉን

16.   ገዳም ኣቡነ ብጹዕ ኣምላኽ ኮዳዱ

17.    ገዳም ኣቡነ ዮናስ (…………)

18.   ገዳም ኣቡነ ዮሓንስ ቴድረር

19.   ገዳም ኣቡነ ተኽለሃይማኖት ወገሪቆ

20.  ደብረ ጽዮን ከባቢ ዓዲ ወስኽ

21.    ደብረ ሃዋርያት ኣቡነ ሴት ከባቢ ዓዲ ኪታ

22.   ደብረ ቍስቋም---ድባርዋ

Diocese



 



 


ካብ ውሽጢ ኤርትራ ዝተረኽበ ንቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ንምቁጽጻር ብመንግስቲ ኤርትራ ክካየድ ዝጸንሐን ዘሎን ሽርሒ ዘቃልዕ ቪድዮ 



Support Tewahdo TV

Gofundme


Support Diocese

PayPal


ድኳን መጻሕፍቲ/Book Store


ጋዜጣ ፍኖተ ብርሃን፡ ልሣን

 ቤተ ክርስቲያን ተዋሕዶ


ስብከተ ወንጌል


ራድዮ ቃለ ኣዋዲ


መጻሕፍቲ - Books 


ጾምን በዓላትን


Diocese Churches

 

Radio Tewahdo

 Video - Youtube

TV Tewahdo

A Message from H.G. bishop Mekarios

መጸናንዒ ቃል ብብጹእ ኣቡነ መቃርዮስ

ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ብኸመይ

</div