“...ኣምላኽ ሰማይ ከቕንዓልና እዩ እሞ፡ ንሕና ባሮቱ ተንሲእና ኽንዓዪ ኢና” (ነህ 2፡20)።
ሃገረ ስብከት ብ2000 ዓ. ም. ፈረንጂ ብቅዱስ ኣቡነ ፊሊጶስ ተባሪኹ ብወግዒ ኣገልግሎቱ ካብ ዝጅምርን ቅድሜኡን ተበጊሱ፡ ንመበል 12 ዓመት ዝፍጸም ዘሎ፡ ዓመታዊ ጉባኤ ኣመንቲ ኦርቶዶክስ ተዋሕዶ ኣብ ሰሜን ኣመሪካ፡ ሎሚውን ብክብ ዝበለ ምድላዋት “ኣምላኽ ሰማይ ከቕንዓልና እዩ እሞ፡ ንሕና ባሮቱ ተንሲእና ኽንዓዪ ኢና” ኣብ ትሕቲ ዝብል ቴማ ኣብ ቅዱስ ገብርአል፡ ኒው ዮርክ፡ ካብ ሓምለ 22-25/2010 ኪካየድ እዩ።
ታሪኻዊ ድሕረ-ባይታ እዚ ንሎሚ ዓመት ዝተመርጸ መሪሕ ጥቕሲ ብሓጺሩ እንሆ። ተደጋጋሚ መጠንቐቕታ ናይ ነብያት ምስ ተነጽገ፡ እግዚኣብሔር ንምርኮን መግዛእትን ኣሕሊፉ ስለዝሃቦም ካብ 538-432 ቅድሚ ልደተ ክርስቶስ፡ ንእስራኤልውያን ኣዝዩ ጽንኩር ዓመታት ምንባሩ ይፍለጥ። "ቁጥዓ እግዚኣብሔር ነዲዱ ... ፈውሲ ምስ ተሳእኖ" (2 ዜና 36፡11-16)፡ እቲ ብበዓል ነብዪ ኤርምያስን ካልኦትን ኣቐዲሙ ብትንቢት ዝተነግረ ሰብዓ ዓመተ-ፍዳን ስቓይን ዝተፈጸመሉ ዘመን እዩ። ዶግዓ ኤርምያስ ኣብዚ ዘመን'ዚ እዩ ስለቲ ዝወረደ መከራ፡ ጠንቁን ፈውሱን ዝገልጽ ዓብዪ ናይ ጸሎት መጽሓፍ ዝተደርሰ። ነብካድነጾር ንጉስ ከለዳውያን ወሪሩ፡ ነታ ብንጉስ ሰሎሞን ዝተሰርሐት ዓባይ ቤት መቕደስ ኢየሩሳሌም ኣፍሪሱ፡ ንዋየ ቅዱሳታ ራስዩ፡ ንብምልእታ ኢየሩሳሌም ብሓዊ ኣንዲዱ፡ ንኣጉባዞም ብሴፍ ቀቲሉ፡ ካብ ሴፍ ዘምለጡ ድማ ባሮቱ ገይሩ ናብ ባቢሎን ወሰዶም (2 ዜና 36፡17-21)።
“ከምቲ ኣብ መጽሓፍ ምሳሌ ዝብሎ 21፡1 "... ከምቲ ሓረስታይ ንማይ መስኖ ናብ ዝደለዮ ዝጠዋውዮ፡ ልቢ ንጉስ ከኣ ከምኡ ኣብ ኢድ እግዚኣብሔር እዩ"። ኣምላኽ እቲ ዝተዛረቦ ቃል ክፍጽም ንልቢ እቲ ሓድሽ ንጉስ ቂሮስ ናይ ፋርስ (ንንጉስ ባቢሎን ኣሸኒፉ ንብምልእታ ዓለም ዝገዝአ) ኣለዓዒሉ እስራኤላውያን ከይዶም ቤት መቕደሶምን ከተማ ኢየሩሳልምን ኪሃንጹ ገንዘብን ህያባትን ሂቡ ከፋንዎም ጀመረ። (እዝራ 1፡1-ፍጻሜ)። መጽሓፍቲ እዝራ፡ ነህምያን ኣስቴርን እምበኣር ህይወትን ኣምልኾን እስራኤልውያን ድሕሪ ምርኮ ባቢሎን እየን ዘዘንትዋ።
ታሪኻውን እዋናውን ትርጉም መሪሕ ጥቕሲ
እስራኤልውያን ብንጉስ ፋርስ መጎስ እኳ እንተረኸቡ ግን ኩሎም ንዕዮ እግዚኣብሔር ዝተዳለዉ ኣይነብሩን። ከምኡ ዝኾነሉ ኸኣ ብዙሕ ምኽንያታት ነይርዎ። ገለ ካብኡ ንምጥቃስ፡ እስራኤላውያን ኣብ ስደት ጥራይ ዕድመ ሓደ ወለዶ ኮይንዎም ስለዝነበረ፡ ባህሎምን ኃይማኖትን ሸለል ብምባል ባህልን ልምድን ባቢሎናውያን ዝለመዱ ሓደሽቲ ወለዶ ፈርዮም፡ ካብ እምነት እግዚኣብሔር ንላዕሊ ናብ ጓይላ፡ ስኽራን፡ ዝሙትን ዝርጋንን ዝዘንበሉ ብምንባሮም ቀንዲ ዕንቅፋት እዩ ኔሩ። ምስ ወለዶናን ግዜናን ዝመሰሳል ፍጻሜ እዩ። ኣብ ከምዚ እዋን ነብዪ ነህምያ፡ ድሕሪ ዘሩባቤልን እዝራን ዝመርሕዎም ክልተ ጉጅለታት ዝተበገሰ ብምንባሩ፡ ቀንዲ ተልእኾኡ ዝተረፈ ዕዮ ምዝዛም እዩ ዝነበረ። መሰረት ከተማ ኢዮሩሳሌም ብዘሩባቤል ዝተመርሑ እስራኤልውያን ክፍጽምዎ ከሎዉ፤ ካህን እዝራ ኸኣ ንቤት መቕደስ ሓደሶ። ኣብ መሰረት እታ እስራኤልውያን ዝምኩሕላ፡ ቤት መቕደስ ዳግም ምህናጾም ንገዛእ ርእሱ ዓብዪ ነገር እኳ እንተኾነ፤ ኪንኡ ብምኻድ ካህን እዝራ ብሰንኪ እዚ ክፉእ ዘመን ኣብ ህይወት፡ ኃይማኖትን ክቡር ባህልን እስራኤልውያን ዝወረደ ብርሰት ንምሕዋይ፡ ብንስሓን ዕርቕን ዝርከብ ተሓድሶውን ኣምጺኡ እዩ። ቀጽሪ ኢየሩሳለም ኣብ ሞንጎ ስለዝተኣጓጎለ ግን ሓሳርን መከራን እስራኤልውያን ገና ኣይተወድአን ነበረ።
ነብዪ ነህምያ ውርደት ህዝቡ ምስ ሰምዐ ናይ ቃል ዓለም ዘይኮነስ ኣብ ገጹ ጓሂ ክሳብ ዝንበብ፡ ብልቡ እዩ ሓዚኑ። ዝነበሮ ጽቡቕ ስራሕን ጣዕሚ ናብራን ከየዛናገዖ፡ ብቐጥታ ናብ ጾምን ጸሎትን ብምእታው፡ ነገሩ ኩሉ ብንብዓት ናብ ቅድሚ እግዚኣብሔር ኣውደቖ። ካብ ስልጣን'ቲ፡ ኣሰላፍ ሜስ ብምዃን ዘገልግሎ ዝነበረ ንጉስሲ፡ ስልጣን ኣምላኽ ኣጸቢቑ ከምዝዓቢ ዝርዳእ ሰብ ነበረ። ኣየ ልቦና ዘብል እዩ! ኣብዚ ዘመን ንእንነብር ክርስትያን ከኣ ዓብዪ ትምህርቲ ይህብ። ጾሙን ጸሎቱን ናብቲ ኩሉ ዝኽእል ኣምላኽ በጺሑ፡ ካብ ንጉስ ፍቓድ ረኺቡ፡ ኣብ ኢየሩሳሌም ምስ በጽሐ እቲ ዕዮ ቀሊል ዘይንምባሩ ተገንዘበ። ብተወሳኺውን ኢየሩሳሌምን መቕደሳን ተሓዲሳ ኪርእዩ ዘይደልዩ፡ ኣብ ዙርያኡ ዝርከቡ ኣዝዮም እኩያት ተጻባእቲ ከምዘሎዉ ስለዝተረደአ ብለይቲ በይኑ ኮሎሎ ይብለና (2፡11-16)።
ኣብ ከምዚ ኩነታት ነቲ ዕዮ ምስ ኩሎም ደቂ ዓዱን መራሕቶምን ምስ መኸረሉ ኸኣ ብፍታው ልቢ ብምሉእ ሓይልን ድልየትን ነቲ ታሪኻዊ ተልእኾ ተበገሱ። ከም በዓል ስልጣን ዘይኮነስ ከም ሓደ ካብኦም ኮይኑ ስለዝዓየየ እቶም ህዝቢ ድማ የማናይ ኢዶም ሃብዎ።
እቲ ዕዮ ይሰልጥ ከምዘሎ ምስተሰምዐ ግን እቶም ገዳይም ጸላእቲ ከምእንደገና ተላዕሉ፡ ነቲ ዕዮ ንምዕንቃፍ ከኣ ዝተፈላለየ ምህዞታትን ሜላታትን ተጠቐሙ። ገለ ካብኡ ንምጥቃስ፡ ከም መዓይይቲ ኮይኖም ቀሪቦም ኣብ ውሽጢ ኣትዮም ነቲ ዕዮ ኮብክሩ ፈተኑ። ምዃን ምስ ኣበዮም ከኣ ንላዘብ ብምባል ነህምያ ካብ ዕዮኡ ከሰናኽልዎ ብዙሕ ሃቀኑ። ጸኒሖም ከኣ ኣብ ውሽጢ ብገንዘብ ብዝተዓደጉ ነብያት ኢና በሃልቲ፡ ነህምያ ካህን ብዘይምንባሩ ኪኣትዎ ናብ ዘይግባእ ቤት መቕደስ ኪኣቱ'ሞ ስሙ ከኽፍኡ መኸሩ፡ ከምኡውን ወኻርያ ደይባቶ ዝፈርስ መንደቕ ብምባል ምሕጫጭ’ውን ኣየቋረጹን። እዚ ኩሉ ግን ብሓይሊ ኣምላኽ ፈሸለ።
ኩሉ ፈተነታት ፍረ-ኣልቦ ምስ ኮነ እታ ሰይጣንን መሳርሑትን ዝፈትውዋ ሜላ "ፖለቲካ" ኪጥቀሙ ጀመሩ። ሓለይቲ ንጉስ ብምምሳል፡ ክብ መንግስቲ ክትእድሙ ደሊኹም ኢኹም ቀጽሪ ኢየሩሳሌም ትሃንጹ ዘሎኹም በልዎም። እዚኣ ሰይጣን ብመገዲ ፈሪሳውያንን መሻርኽቶምን ንጎይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ መታን ከቕትሉ ዝተጠቕሙላ ሜላ እያ። ናብ ፍርዲ ዘብቕዕ ኣበር ምስ ሰኣኑ፡ ፈሪሳውያን ካብ ኣፍ ክርስቶስ ዘይወጸ ቃል፡ "ንጉስ ኣይሁድ" ዝብል ታቤላ ጽሒፎም ምስቲ ኣብ ብምልእታ ዓለም ነጊሱ ዝነበረ ንጉስ ቄሳር ከበኣስዎ ዝምሃዝዎ ክሲ እዩ። ግብረ-መልሲ ናይ ነብዪ ነህምያ'ኸ እንታይ ነበረ?
እዛ ንመበል 12 ዓመታዊ ጉባኤ መሪሕ ጥቕሲ ኮይና ከተገልግል ብኣገልገልቲ ሃገረ ስብከት ዝተመርጸት ጥቕሲ እምበኣር ነቲ እኩይ ምኽሪ ንምምላስ ነህምያ ዝተጠቕመላ ሃብታም ትሕዝቶ ዘለዋ ዓረፍተ ነገር እያ። ካብቶም ከሰስቱ ንላዕሊ ኣብ ቅድሚ ንጉስ ፋርስ ስልጣንን ተፈታውነትን ዝነበሮ ሰብ ብምንባሩ ንፖለቲካዊ ሕቶ ፖለቲካዊ መልሲ ምሃብ ንነህምያ እቲ ዝቐለለ እዩ ኔሩ። ከምቲ ጐይታ ዝበሎ "ብሴፍ ዝመጽእ ነገር፡ ብሴፍ ከምዝጠፍእ" ስለዘስተውዓለ ግን "ኣምላኽ ሰማይ ከቕንዓልና እዩ እሞ፡ ንሕና ባሮቱ ተንሲእና ኽንዓዪ ኢና" ብምባል ድኣ ንተጻባእቱ ኣፎም ዘትሕዝ ቃል መለሰ።
ኣብ ዘመነ ነብዪ ነህምያ ዝነበረ ኩነታትን እዚ መሪሕ ጥቕሲ'ዚን ንህልዉ ኩነታት ኦርቶዶክሳዊት ተዋሕዶ ቤተክርስትያን-ኤርትራ ብዝምልከትውን ዝገልጾ ዓብዪ ቁምነገር ኣሎ። ቤተክርስትያንና ኣብ ታሪኻ ዳርጋ እቲ ዝኸበደ ኪብሃል ዝክኣል ፈተና ኣጋጢምዋ ኣብ ከቢድ ኩነታት እያ ትርከብ። ናብዚ ደልሃመት ዘእተዋ ነገራት እንታይ እዩ?
መሰረታዊ ሽግር ቤተክርስትያንና ድሕረት ትምህርቲ እዩ። ነታ ማዕከን መንፈሳውነትን ፍልጠትን ኮይና ንዘመናት ንህዝቢ ናይ ዞባና ዝመርሐት ቤተክርስትያን፡ ኣብ መበል 19 ክፍለ ዘመን ዝተኣታተወ ዘመናዊ ትምህርትን መግዛእትን፡ ከቢድ ብድሆ እዩ ኮይንዋ። ገሊኦም ብተንኮል ህዝቢ እንተፈለጠ “ክብረቶም ዚጎድል ዝመስሎም”፡ ገሊኦም ከኣ ብገርህነት መራሕቲ ቤተክርስትያን ተጻይ ዘመናዊ ትምህርቲ ብምዃን ንቤተክርስትያን ካብ ዘመናዊ ትምህርቲ ኣርሒቖማ እዮም። ብኣንጻሩ እቲ ሕብረተሰብ ንውሉደ ክህነት ቀዲምዎም “ዘይተማህረ ነየድሕን፡ ዘይተወቕረ ነየጥሕን” ብምባል ምስ ዘመናዊ ትምህርቲ ወጊኑ እዩ። ስለዝኾነ ኸኣ ብብዙሕ መገዲ ድሕሪት ተሪፋ። ነቲ ዝተማህረ ኣካል ሕብረተሰብና ቦታ ኪትህቦ ኣይከኣለትን፤ ብዙሓት ደቃ ከሲራ፡ ብዙሕ ጥቕሚ ኸኣ ጎዲልዋ፡ ብፍላይ ኣብ ምሕደራን ቴክኖሎጅን። ብዓል ግዜ ዝዝውራ፡ ምስ ዝነገሰ እንዳተጎዝጎዘን መንፈሳውን ምምሕዳራውን ሓርነታ ዘጥፈአት በዝን ካልእን ምኽንያታት እያ። ስለዚ ካብዚ ሕዱር ሕማማ ሕውየት ክትረክብ፡ እዚ መሪሕ ጥቕሲ ዝገልጾ ትንሳኤ የድልያ።
እቲ ካልኣይ ምኽንያት ከኣ፡ ካብ መፋርቕ 2005 ዓመት ምሕረት ፈረንጂ ጀሚሩ ቤተክርስትያንና ካብቲ ጥንታዊ መገዳ ኣላጊሳ እያ ትርከብ። ቤተክርስትያንና ምስ ነጻነት ሃገርና ምምሕዳራዊ ነጻነት ረኺባ ኣብ ዓዲ ይኹን ኣብ ስደት ዝነብር ህዝብና፡ ኣብ ዘመነ መግዛእቲ ርእይዎ ዘይፈልጥ መንፈሳዊ ኣገልግሎት፡ ፍቕርን ሓድነትን ኪረክብ ብምጅማሩ ሓጎሱ ልዑል እዩ ነይሩ። እዚ ትንሣኤ ቤተክርስትያን ዘተስፉ ኣገልግሎት ግን ጸላእቲ ኣጥርዩ፡ ሰብ ብገርሁ ከኣ ምኽሪ ጸልማት ተወድዩ ቀስ ብቐስ ኣብ ግብሪ ስለዝውዓለ፡ ሎሚ ቤተክርስትያንና ካብ መገዳ ወጺኣ ሓርነታን ኣንፈታን ኣጥፊኣ ትርከብ። እቲ ብየካቲት 2002 ብመንግስቲ ኤርትራ ንኽሕግዘኩም ምሁር ሰብ ሂብናኩም ኣሎና ተባሂሉ ዝመጸ ውልቀ ሰብ (ኣቶ ይፍታሀ ቀሺ ዲሞጥሮስ) ብዓል ግዜ፡ ገባርን ሓዳግን ኮይኑ፤ እቲ ንዘመናት ዝመርሓና ሕጊ ቤተክርስትያን ብኢደወነኑ ቀይሩ፡ ጭዋ ሰብ "ኣነ ዋና ኣማሓዳሪ ቤተክርስትያንኩም እየ" ብምባል ብሕሉፍ ድርቅና ባዕሉ ኪመርሕ ስለዝጀመረ፡ ብተደጋጋሚ ዓለም ለኻዊ ቀኖና ቤተክርስትያን ተጋሂሱ። ከምሳዕቤኑ ቤተክርስትያን ኤርትራ ብፖለቲከኛታት ተጨውያ ኣብ ማሕዩር ትርከብ፡ ካብ ጥንታዊ መገዳን ሕጋን ስለዝወጸት ከኣ ካብ ኩለን ኣሓት ኦርየንታል ቤተክርስትያናት ተዋህዶ በይና ተነጺላ ትርከብ ኣላ። እቲ ዝፈረሰ ሕጊ ጥንታዊ ፤ ኦርቶዶክስን ካቶሊክን ቅድሚ ምፍልላዮም፡ ብሓደ እንከሎዉ ኣብ ጉባኤ ኒቅያ (325 ዓም) ዘቖምዎ ሕጊ ስለዝኾነ ከኣ ኣብዚ ሕጂ እዋን መራሕቲ ኦርቶዶክስ ተዋሕዶ ቤተክርስትያን ኤርትራ፡ እንተስ ፈሪሖም እንተስ ተታሊሎም ብዝፈጸምዎ ገበን፡ ምስ ኣብ ብምልእታ ዓለም ዘሎዋ ኣብያተ ክርስትያናት (ንኣብነት ዓለም ለኻዊ ማሕበር ቤተክርስትያናትን) ርክብ የብሎምን።
“ኢድካ ኣይጭነኻ” ከምዝብሃል እዚ ማንም ዘይተጸበዮ፡ ሃገር ምስ ወነንናን ነጻ ምስ ኮንናን፡ ዝተፈጸመ ዕንወት ብደቂ ሃገር ይፍጸም ስለዘሎ መሪር እዩ። ብኣቶ ዮፍታሀ ዝምርሑ ጳጳሳትን ፖለቲከኛታትን ንገበኖም ኪኽውሉ ዳርጋ ዘይገብርዎ የሎን ኪብሃል ይክኣል። ኣብዚ ሓደ ብሓደ ምዝርዛሩ መስሓቕን መሳለቕን ጓና ስለዝኾነ እንተተኸድነ ይሓይሽ። “ሓቂ ብርእሳ እንተቐበርካያ ብእግራ ትወጽእ” ከምዝብሃል ግን ክሳብ ሕጂ ብዘይካ ድኻም ዘትረፍዎ የሎን። እቲ ዝበዝሐ፡ ኣብ ወጻኢ ይኹን ኣብ ውሽጢ ሃገር ዝርከብ ህዝብና፡ እቲ ጉዳይ ከምጽሓይ ቀትሪ በሪህሉ እዩ። ኣብዚ ከምዚ እዋን፡ እዞም ምስ ኣምላኽን ቤቱን ኪብኣሱ ዝርከቡ ሰባት፡ ግብረ-መልሲ ናይቲ ኩሉ ዓመጽኦም ከነቕርብ ከሎና ካብ መንፈስን ቃልን እዚ መሪሕ ጥቕሲ ኪንወጽእ ኣይግባእን።
ምልስ ኢልና ታሪኽ ምስ እንምርምር ምስ ኣምላኽ ተባኢሱ ዝሰለጦ ዋላ ሓደ ኣይንረክብን ኢና። ትማሊ ትማሊ፡ እቲ “ኣምላኽ የሎን” ዝብል ዳርጋ ንብምልእታ ዓለም ዓብሊልዋ ዝነበረ ማርከሰ-ሊኒናዊ ኣተሓሳስባታት ከመይ ኢሉ ሃዶሽዶሽ ከምዝበለ ኣብ ቅድሚ ዓይንና ርኢና ኢና።
ባሮት እቲ ልዑል ኣምላኽ ምዃንና ንባዕሉ መገዲ ዓወት እዩ። እቲ ካብ ኣብ ሰብሲ ኣብ ኣምላኽ ዝውከል ሰብ ዝሕልኖን ዝዓዮን ኩሉ ይሰልጦ እዩ። ግብራዊ ኣብነት ንምቕራብ፡ ቁጽሪ ናይተን ሕግና ይከበረልና ዝብላ ኣብያተክርስትያን ኣብ ኩሉ ኩርንዓት ዓለም እንዳበዝሓን እንዳሓየላን ምምጽአን ሓቅነት እዚ መሪሕ ጥቕሲ የርኢ።
ኣብ መጨረሻ ነቶም ኣብ ክንዲ መሳርሒ ኣምላኽ ዝኾኑ፡ መሳርሒ ሰይጣን ብምዃን ኣብ መገዲ ጸጋም ዝርከቡ ወገናትና፡ ንዕብዳኖም ደረት ኪገብርሉ፡ ናብ ልቦም ተመሊሶም፡ ካብ ኩለን ኣሓት ኦርቶዶክስ ተዋሕዶ ኣብያተ ክርስትያናት ነጺልዎም ዝርከብ፡ ብቅዱስ ኣቡነ ኣንጦንዮስ ተነቢሩሎም ዘሎ ውግዘት ኪልዓለሎም ክሓቱ እዋኑ ሕጂ እዩ።
ካብ ውሽጢ ኤርትራ ዝተረኽበ ንቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ንምቁጽጻር ብመንግስቲ ኤርትራ ክካየድ ዝጸንሐን ዘሎን ሽርሒ ዘቃልዕ ቪድዮ
ድኳን መጻሕፍቲ/Book Store
ራድዮ ቃለ ኣዋዲ