ዝሓለፈ በደልና ኣይትዘክር
ኣብ ግዜ ቅዳሴ ዲያቆናት ዝዝምርዎ (ዘዝይምዎ) መዝሙር ዳዊት "ዝሓለፈ በደልና ኣይትዘክር ምሕረትካ ድኣ ቀልጢፉ ይርድኣና" ዝብል እዩ። እግዚእብሄር ዝሓለፈ በደል ኣይጽብጽብን እዩ፣ ነቶም ብንስሓ ዝምለሱ ድማ ኣበሳኦም ይሓድገሎም። ንጉስ ዳዊት ኣብ ካልእ ጽሑፉ፣ "እግዚኣብሄር በዓል ብዙሕ ምሕረት እዩ" ይብል። ቀጺሉ ድማ "እግዚኣብሄር መሓርን በዓል ብዙሕ ሳህልን እዩ። ምሕረቱ ድማ ካብ ቁጥዐኡ ይበዝሕ"። “እግዜኣብሄር ርሕሩሕን መሓርን እዩ። ንኹራ ደንጓዪ፣ ብሳህሊ ድማ ምሉእ እዩ። ኩሉ ጊዜ ኣይገንሕን፣ ንዘለኣለም ድማ ኣይቅየምን። ከም መጠን ሓጢኣትና ኣይገብረናን፣ ከም መጠን ኣበሳና ድማ ኣይፈድየናን እዩ። ሰማይ ካብ ምድሪ ልዕል ከም ዝብል ከምኡ ምሕረቱ ናብቶም ዚፈርህዎ ይስልጥን። ምዕራብ ካብ ምብራቕ ከም ዚርሕቕ፣ ከምኡ ንኣበሳና ካባና ኣርሓቖ። ከምቲ ወላዲ ንውልዱ ዚርሕርሓሎም፣ ከምኡ እግዜኣብሄር ንዚፈርሕዎ ይርሕርሓሎም እዩ።” እናበለ ነቲ ዓቢይ ምሕረት እግዚእብሄር እናዘከረ ዘመረ። ዘማራይ ያሬድ'ውን ምሕረት እግዜኣብሄር እናስተንተነ፣ ኣብዚ ናይ ዕለቱ መዝሙር "ኢተዘኪሮ ኣበሳ ዚኣነ ኢኃደገነ ፍጹመ ንማስን ኄር እግዜኣብሄር።" ከይንጠፍእሲ ርሕሩሕ እግዜኣብሄር በደልናን ኣበሳናን ኣይጸብጸበን” እናበለ ከም ዳዊት ንእግዜኣብሄር ብመዝሙር ገይሩ የመስግኖ። እወ ብሓቂ ንበደልና ይቕረ ዝብለልና፣ ንኣበሳና ዝሓድገልና ከም እግዜኣብሄር ዝበለ መን ኣሎ? ንሱ ምሕረት ይፈቱ፣ ቁጥዓኡ ድማ ንዘለኣለም ኣይነብርን። ብኣፍ ነቢይ ሚክያስ ገይሩ ከምዝበሎ፣ "ከማኻ ዚበለ ኣምላኽ፣ ኣበሳ ዚሓድግ፣ ነቲ በደል ካብቶም ተረፍ ርስቱ ዜሕልፍ መን እዩ? ምሕረት እዩ ዚፈቱ እሞ፣ ኵራኡ ንዘለኣለም ኣይዓቍርን። መሊሱ ይርሕርሓልና፣ ንኣበሳና ኣብ ቲሕቲ እግሩ ይረግጾ፣ ንኹሉ ሓጢኣቶም ናብ መዓሙቕ ባሕሪ ትድርብዮ።“ ሚክ 7፣ 18-19።
ጎይታናን መሓኒናን፣ ኣብ ሓጢኣትና ክንነብር ስለዘይደለየ፣ ነቲ ናይ ኣበሳና ኣድራሻ ደምሲስዎ። ንሱ ንኣበሳና ኣብቲ ናይ ትዕግስቱን ምሕረቱን ባሕሪ ብምድርባይ ረጊጽዎ። ንኣድራሻ ኣበሳና ኣብ ዓሚቕ ባሕሪ ጠቕሊሉ ብምጥሓል ኣጥፊእዎ። በደልና ዝደምሰሰ ጎይታናን መሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ፣ ኢዱን እግሩን ኣብ መስቀል ዝትሸንከረ ንበደልና ረጊጹ ከጥፍኦ ኢሉ እዩ። ንሱ ስሌና በጃ ብምሕላፍ ናብ ዕረፍቲ ኣእተወና። ምስ ዘማራይ ዳዊት ብናይ መንፈስ ሓቂ "ዎ እግዜኣብሄር ንሓጢኣት ንእስነተይን ኣበሳይን ኣይትዘክሮ፣ ከም ለውሃትካ፣ ስለ ሳህልኻ ኢልካ ዘክረኒ።” መዝሙር 25 7 " እናበልና ክንዝምር ይግባእ። ንምሕረቱ'ውን “ሓጢኣት እንተትጽብጽብሲ መንከ ኣብ ቅድሜኻ ደው ክብል ?” እናበልና ስለ ምሕረቱ ክነድንቖ፣ ብሓቂ "ኣበሳኡ እተሓድገሉ፣ ሓጢኣቱ እተሰወረሉ ሰብ ብጹእ እዩ።”(መዝሙር 32:1) ክንብል ይግባእ።
ምስጋና ንእግዚእብሄር ይኹን። ኣሜን።
ካብ ውሽጢ ኤርትራ ዝተረኽበ ንቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ንምቁጽጻር ብመንግስቲ ኤርትራ ክካየድ ዝጸንሐን ዘሎን ሽርሒ ዘቃልዕ ቪድዮ
ድኳን መጻሕፍቲ/Book Store
ራድዮ ቃለ ኣዋዲ