ፍጥረት ወዲ-ሰብ
ትሕዝቶ ስነ-ጽሑፍ
ፍጥረት ወዲ-ሰብ
ወዲ-ሰብ (ሰብ) ማለት እንታይ ማለት እዩ? ሰብ ክንብል ኰለና ብዛዕባ ነፍሲ ጥራይ ዲና ንዛረብ ዘለና? ብዛዕባ ሰብነትናን ህዋሳቱን ኦርቶዶክሳዊ ኣረኣእያ ከመይ ይመስል? ሰብ እምነቱ ኣብ ምሕላው: ኣእምሮኡ እንታይ ተራ ኣለዎ? ኣምላኽ ንሰብ ብኸመይ ይርእዮ? ስራሕ እግዚኣብሔር ኣብ ምድሓን ሰብከ ከመይ ይመስል?
ሰብ ክንብል ኰለና እቲ ብምስሊ ኣምላኽ ዝተፈጥረ ልዑል ፍጥረት ማለትና እዩ። ሰብ ብስጋ ዝተሸፈነ ነፍሲ ጥራይ ዝሓዘ ዘይኮነስ ምሉእን ህያውን ፍጥረት እዩ። ንሱ: ዘይፈላለዩ ሰለስተ ነገራት ማለት፣ ኣካል፣ ኣእምሮ፣ ነፍሲ (soul, body & mind) ዝሓቖፈ ፍጥረት እዩ።
1. ኣካል:- እቲ ንውሽጣዊ ነገራትና ሸፊኑ ሒዝዎ ዘሎ ነገር እዩ። ህይወት ንዘለዎም ነገራት ኩሎም ደጋዊ መልክዖም፣ ጥዕናኦም፣ ደመ-ትርኢቶም ዝውክል እዩ። ኣብነታት ኣካልና: ርእሲ፣ ክሳድ፣ ኣእዳውን ካልኦትን ምጥቃስ ይከኣል።
2. ኣእምሮ:- እቲ ዝሓስብ፣ ዝመራመር፣ ዘስተንትን ክፋል ሰብነትና እዩ። ስምዒት፣ ተዘክሮ፣ ፍቓድ፣ ፍቕሪ፣ ፍርሂ ወዘተ ካብኡ ይበቁል። ልቦና ወይ ኣተሓሳስባ ንኣእምሮ ወኪሉ ኣብ ብዙሕ ነገራት ይጥቀስ እዩ (ያእ 1.7-8)። ንልቢ ወዲ ሰብ እቲ ዋንኡ ወይ እቲ ዝፈጠሮ ኣምላኽ እንተዘይኮይኑ ካልእ ዝፈልጦ የለን (ኤር 17፡9) ።
3. ነፍሲ:- እዚ እቲ መንፈሳዊ (መንፈስ) ክፋል ሓደ-ሰብ እዩ። ብኣርኣእያ ስነ መለኮት: ነፍሲ ዘለኣለማዊ (ዘይመውት) እዩ። እናሻዕ ንነፍሲ መንፈስ ወይ ህይወት ብዝብሉ ቃላት ንገልጾ ኢና። እዞም ኣብ ላዕሊ ዝተጠቕሱ ሰለስተ ነገራት እዚኣቶም ኣብ ዝፈላለይሉ እዋን ድማ ሞት ናይ ሓደ-ሰብ ይኽሰት። ሰለስቲኦም (መንፈስ + ኣካል + ኣእምሮ) ሓደ ምሉእ ሰብ ይውክሉ፣ ሓደ ስራሕ፣ ሓደ ምርጫ፣ ሓደ ዓስቢ ድማ ይቕበል። ሰብ ምስ ነፍሱን ስጋኡን ዘለኣለማዊ ህይወት ወይድማ ዘለኣለማዊ ጥፍኣት ክረክብ ይኽእል። ክርስቶስ ስጋ-ሰብ ለቢሱ ክንብል ኮለና እምበኣር ነዞም ዝተገልጹ ነገራት ለቢስዎም ማለትና እዩ።
እቲ ስጋ ዝለበሰ ቃል [ክርስቶስ] ካብ ማህጸን ቅ.ድ.ማርያም ኣካል ወሲዱ ሰብ ኮይኑ እዩ። ነፍሲ ድማ ኣለዎ። ክርስቶስ ምእንቲ ክቕድሶ ኢሉ ንፍጥረት ሰብ ከምዘለዎ ብምልኡ ለቢስዎ። "መለኮቱ ከምዘይተለወጠ እናኣመንና፣ ነፍሲ ዘለዎ፣ ከመዛዝን ዝኽእል ስጋ ምስ መለኮቱ ደሚሩ ፍጹም ሰብ ከምዝኾነ ንኣምን"ይብል ሶርያዊ ቅ. ሰቨርዮስ።
ኦርቶዶክሳዊ ኣረኣእያ ብዛዕባ ሰብነትናን ህዋሳቱን
ከም ኣተሓሳስባን ርድኢትን ናስቲክስ (Gnostics) "ስጋናን ኩሉ ህዋሳቱን ሰናይ ነገር የብሉን"። ኣቦታት ቤተ ክርስቲያን (ኦርቶዶክሳዊ ኣረኣእያ) ግና ነዚ ሓሳብ እዚ ብምሉኡ ይነጽግዎ። ንኣብነት፣ “ብኣምላኽ ዝተፈጥረ ኩሉ ነገር ንጽሁን ሰናይን እዩ። ኣምላኽ ዘይጠቅም ወይ ዝድርበ ነገር ፈጺሙ ኣይፈጠረን ምኽንያቱ ወዲ-ሰብ ውሉድ ኣምላኽ እዩ” (ግብ 17፣28; 1 ጢሞ4:4-5) ይብል ግብጻዊ ቅ. ኣትናቴዎስ። እቲ ሃዋርያ-ኣምላኽ ድማ "…ኣብ ማእከል እቶም ዚድሕኑን እቶም ዚጠፍኡን ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ መኣዛ ክርስቶስ ኢና" (2 ቆሮ 2.15) ይብል። ግብጻዊ ቅ. ኣትናቴዎስ እንደገና “ኣካል ወዲ ሰብ ከምታ ብኽኢላ ዝተሰርሐት ናይ ሙዚቃ መሳርሒት እያ” ምስ በለ፣ ኣስዒቡ ድማ “ከምታ ብግቡእ ዝተቓነየት ናይ ሙዚቃ መሳርሒት ኣዝዩ ጥዑም ድምጺ እትህብ፣ ብሰናይ ህይወት ዝተደገፈት ኣካል ወዲ ሰብ ድማ ጥዑም ድምጺ (ብኣምላኽ ዝበሃግ ጽቡቕ ነገር) ናብ ኣምላኽ ከተቕርብ ተኽእሎ ኣለዋ” ይብል።
ተራ ኣእምሮ ሰብ ኣብ ምሕላው እምነቱ
ሰብ እምነቱ ኣብ ምሕላው: ኣእምሮኡ ዓቢ ተራ ኣለዎ። ኣምላኽ ንሰብ ዝሓስብን ነገራት ዘመዛዝንን ፍጥረት ገይሩ ፈጢርዎ። ሰብ ነዚ ናይ ምሕሳብን ምምዛንን ክእለት ተጠቒሙ ድማ ምስ ኣምላኽ ይዘራረብ፣ ይራኸብ፣ ይላዘብን የስተንትንን። ኣእምሮ ኣዝዩ ኣገዳሲ እዩ ምኽንያቱ ዝኾነ ነገር መጀመርያ ኣብ ኣእምሮና እዩ ብሓሳብ ዝጅምር። ኣብ ኣእምሮ-ሰብ ከይተሓስበ (ከይተጠንሰ) ብግብሪ ዝተተግበረ ዝኾነ ነገር ፈጺሙ የሎን። ንኣብነት: ሓደ ሰብ መገሻ ቅድሚ ምፍጻሙ ኣብ ኣእምርኡ መገሻ ክኸይድ የድልየኒ ኣሎ ኢሉ የሓስብ። ኣስዒቡ ድማ ነዚ ብሓሳብ ዝጀመረ መገሻ ብግብሪ የተግብሮ። ዝተቐደሰ ኣእምሮ ሰናይ ሓሳብ የውሕዝ ንነፍሲ ድማ ናብ ኣምላኽ ገጻ ክጥምትን ክትቀርብን ይሕግዛ። ብጸጋ ዝተመልአ ኣእምሮ ነቲ ብኣእምሮ-ስጋ (human intelligence & logic) ክብጻሕ ዘይከኣል ሰማያዊ ምስጢራት ናይ ምሕሳብን ምርኣይን ተኽእሎ ኣለዎ። ኣምላኽ ዓቢይን ልዕሊ ኹሉን ስለዝኾነ፣ ብሓሳብ ስጋ ጥራይ ኣይብጻሕን'ዩ። ብጸጋ ዝተመልአ ሰብ ግና ንኣምላኽ ክረኽቦ ይኽእል'ዩ (ሉቃስ 8:10)። ሙሴ "እቲ ቓል፡ ምእንቲ ኽትገብሮስ፡ ኣብ ኣፍካን ኣብ ልብኻን ኣዝዩ ቐረባኻ እዩ" (ዘዳ 30፣14) ክብል ጽሒፉ። ክርስቶስ ድማ ነዚ ሓሳብ'ዚ "ፈሪሳውያን፡ መንግስቲ ኣምላኽ መኣዝ ትመጽእ፧ ኢሎም ምስ ሐተትዎ፡ ንሱ፡ መንግስቲ ኣምላኽ እንሃ፡ ኣብ ውሽጥኹም ኣላ" (ሉቃ17፣21) ክብል ነቲ ሙሴ ዝበሎ ነገር ኣሰሚሩሉ።
ከም ውጽኢቱ: ነቲ ንጉስ ኩላ ምድሪ፣ ዘለኣለማዊ መንግስቱ ኮነ ናይ ምድሓን ሓይሉ ክንርድኦ ንኽእል። እዚ ድማ በቲ ኣብ ነፍሲ ወከፍና ዘሎ ምስትውዓልን ነፍስን እዩ ዚኸውን። ስለዚ ሰብ፣ ኣካል፣ ነፍሲ፣ ኣእምሮ እኳ እንተለዎ ግና ሓደ ምሉእ ሰብ እዩ። ኣካል፣ ነፍሲ፣ ኣእምሮ፣ ህዋሳቱ፣ ልቡ፣ እተሓሳስብኡን ስምዒቱን ኩሉ ኣይፈላለን እዩ። ኣምላኽ ንሰብ ከምዘለዎ ብምልኡ እዩ ኣፍቂርዎ። ንብዘሎ ፍጥረቱ ኣካሉ፣ ነፍሱ፣ ኣእምሮኡ፣ ህዋሳቱ፣ ልቡ እተሓሳስብኡን ስምዒቱን ኩሉ ከይፈላለዩ ድማ ቀዲስዎን ኣንጺህዎን። ነዚ ሓድሽ ህይወት'ዚ ምስ ተቐበልናዮ ምስ እግዚኣብሔር ሕብረት ይህልወና፣ ምስ እግዚኣብሔርን ምስ ገዛእ ርእስናን ድማ ብሰላም ንነብር። እዚኣቶም ኩሎም ምስ ነፍስን ኣእምሮን ብሕብረት ዝዓዩ ብስም እታ ኣብ ውሽጢ ሰብ እትርከብ መንግስቲ ኣምላኽ እናሰርሑ ዝነብሩ መሓውራት-ጽድቂ እዮም። ኣብነት፣ ሃዋርያ ጳውሎስ ነታ ቤተ ክርስቲያን ከሳድዳ ኰሎ ንዝነበሮ ሓይሊ ምስ ኣመነ'ውን ነቲ ዝነበሮ ሓይሊ ብዝተዓጻጽፈ መንገዱ ኣብ ምህናጽ ቤተ ክርስቲያን ክርስቶስ ኣውዒልዎ እዩ (ግብ 9: 15)። ኣብ መወዳእታ ድማ ስለ ወንጌል ክርስቶስ ነታ እንኮ ህይወቱ ሂቡ ብሰላም ከምዝዓረፈ ታሪኽ ቤተ ክርስቲያንን ታሪኽ ዓለምን መዝጊቦሞ ኣለዉ።
ይቕጽል
1ይ ክፋል ስነ-ጽሑፍ | 2ይ ክፋል ስነ-ጽሑፍ | 3ይ ክፋል ስነ-ጽሑፍ | 4ይ ክፋል ስነ-ጽሑፍ |
ካብ ውሽጢ ኤርትራ ዝተረኽበ ንቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ንምቁጽጻር ብመንግስቲ ኤርትራ ክካየድ ዝጸንሐን ዘሎን ሽርሒ ዘቃልዕ ቪድዮ
ድኳን መጻሕፍቲ/Book Store
ራድዮ ቃለ ኣዋዲ