S5 MP3 Player - плагин joomla Mp3

ሰላመ እግዚኣብሔር ምስ ኩልኹም ይኹን ዝኸበርኩም ምእመናን ህዝበ-ክርስቲያን።

እዚ ኣብ ዓለምና ተቐልቂሉ ዘሎ Coronavirus (COVID-19) ዝፍለጥ ለበዳ፥ ንዓለምና ኣብ ሻቕሎት ኣእትይዋ ይርከብ ኣሎ። ስለዚ ቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ፥ ማኅበራዊ ኣኼባታት ካብ ዝካየደሉ ሓደ ኣካል ስለዝኾነት መንበረ ጵጵስና ሰሜን ኣሜርካ እዚ ዝስዕብ ውሳኔ ኣመሓላሊፉ ኣሎ።

ሰንበት 6 ጥቅምቲ 2019፡ ብምኽንያት ዝኽሪ ኤርትራውያን ግዳያት ላምፐዱሳ፡ ኣብ ኩለን ኣህጉረ ስብከታትና ጸሎት ፍትሓት ክካየድ እዩ። እዚ ጸሎት ፍትሓት'ዚ:

May the peace of God be with you.

His Holiness Patriarch Antonios, the spiritual father of more than half of the Eritrean population has been under house arrest since 2006 without the due process of law. Under the theme “release my chains”, there will be a demonstration on November 8, 2019in Washington DC. The objective of this demonstration is to demand that His Holiness Patriarch Antonios and other Eritreans who are suffering in prison be released.

 

Hence, we kindly ask all Eritreans and people of goodwill who love justice to join us and be a voice to the voiceless.

 

Eritrean Orthodox Tewahdo Church, Archdiocese in Diaspora.


ናብ ኩሎም ኤርትራውያንን ፍትሒ ዝብህጉ ኣህዛብን፥

መንፈሳዊ ሰላምታና ብምቕዳም፡ ብምኽንያት 14 ዓመታት ዘይሕጋዊ ማእሰርቲ ቅዱስ ኣቡነ እንጦንዮስ 3ይ ፓትርያርክ ሃገረ ኤርትራ፥ ከምኡውን ስለ እምነቶም ዝተኣስሩ ክርስቲያንን እስላምን፥ ሰበ-ሥልጣንን ሲቪል ጋዜጠኛታትን፡ ኩሎም ግፉዓት ደቂ ሃገር፥ ብዘይ ቅድመ ኵነት ብህጹጽ ኽፍትሑ፡ ብመንበረ ጵጵስና ኣህጉረ-ስብከታት ዝተጸውዐ፥ “መቓውሐይ ዘክሩ!” ብዝብል መሪሕ ጥቕሲ፡ ሰፊሕ ሰላማዊ ሰልፊ ንዓርቢ 8 ሕዳር 2019 ዓ.ም.ፈ (November 8, 2019) ኣብ ዋሽንግተን ዲሲ ክካየድ ስለ ዝኾነ፥ ጊዜ ዓዲግኩም ክትሓብሩና ብኽብሪ ንዕድም።

ብደሓን ምጹ!

 ኣሰናዳኢት ኮሚቴ ሰላማዊ ሰልፊ፣ መንበረ ጵጵስና ኣህጉረ-ስብከታት።

 


 


Hotel

Wyndham Garden Washington DC North BW Parkway, 5811 Annapolis Rd, Cheverly, MD 20784

$99 for a double bed

Group discount code: Religious/Reunion


ቅዱስ እንጦንዮስ ክፍትሑ፥ መሰል ሃይማኖት ክረጋገጽ ዝጽውዕ ሰላማዊ ሰልፊ ኣብ ዋሽንግቶን ዲሲ ብዝተገብረ ምኽንያት ዝወጸ መግለጺ ኦርቶዶክሳዊት ተዋሕዶ ቤተክርስቲያን ኤርትራ መንበረ ጵጵስና ኣህጉረ-ስብከታት።

ብስም ኣብን ወልድን መንፈስ ቅዱስን ሓደ ኣምላኽ ኣሜን

መግለጺ መንበረ ጵጵስና ኣሕጉረ ስብከታት

በስመ ኣብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ ኣሓዱ ኣምላኽ፡ ኣሜን።

ብሩኽ በዓል ቅዱስ ዮሓንስን ሠናይ ምጅማር ሓድሽ ዓመትን ይግበረልና እንናበለ፥ እዚ ዘመነ-ዮሓንስ ናይ ሰላም፥ ቅሳነት፥ ፍቕርን ስኒትን፥ ፍትሕን ሥርዓትን ዝነግሠሉ ክኾነልና ንልዑል እግዚኣብሔር ይልምን።

እግዚኣብሔር እንቋዕ ልጓመ ጾም ፈትሓልና።

ኦ ምልእተ ጸጋ እግዚኣብሔር ምሳኺ ኢዩ። ሓጢኣትና ኪሰርየልና ናብ ፍቁር ወድኺ ኢየሱስ ክርስቶስ ምእንታና ምሕረት ለምንልና።

እግዚኣብሔር ንቅዱስ እንጦንዮስ ቀዳማዊ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ወፓትርያርክ ዘሃገረ ኤርትራ ብጥዕና ይሓልወልና፥

እግዚኣብሔር ሃገርናን ቤተ ክርስቲያንናን ይባርኽ።

መንበረ ጵጵስና ኣህጉረ ስብከታት።

ፍርሃት እግዚኣብሔር ኣብ ኣገልግሎት  ብቀሺ ኢሳይያስ የዕብዮ

ቃል ኪዳን - ምስጢረ ተክሊል ባህርያት ሰብኣይን ሰበይትን ብዲያቆን ብርሃነ ስዩም

ኣጽናፋዊት ቤተክርስቲያን (ኣቅሌሥያ)ብዲያቆን ዑቕበ ዘመደ

መእተዊ
መበል 21 ዓመታዊ ጉባኤ ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ኤርትራ፥ መንበረ ጵጵስና ሰሜን ኣሜሪካ፥ ካብ 25-28 ሓምለ 2019 ዓ.ም.ፈ. ኣብ ከተማ ኣትላንታ፥ ክፍለ ክዝኣት ጆርጂያ፣ ሕቡራት መንግሥታት ኣሜሪክ ተጋቢኡ፡፡ ብዛዕባ ህልው ኩነታት ቤተ ክርስቲያን ተዋህዶን ጉዳይ ቅዱስ እንጦንዮስ ፓትርያርክ ዘሃገረ ኤርትራ፥ ብዕምቆት ድኅሪ ምዝታይ ነዚ ዚስዕብ መግለጺ የውጽእ።

Diocese



 



 


ካብ ውሽጢ ኤርትራ ዝተረኽበ ንቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ንምቁጽጻር ብመንግስቲ ኤርትራ ክካየድ ዝጸንሐን ዘሎን ሽርሒ ዘቃልዕ ቪድዮ 



Support Tewahdo TV

Gofundme


Support Diocese

PayPal


ድኳን መጻሕፍቲ/Book Store


ጋዜጣ ፍኖተ ብርሃን፡ ልሣን

 ቤተ ክርስቲያን ተዋሕዶ


ስብከተ ወንጌል


ራድዮ ቃለ ኣዋዲ


መጻሕፍቲ - Books 


ጾምን በዓላትን


Diocese Churches

 

Radio Tewahdo

 Video - Youtube

TV Tewahdo

A Message from H.G. bishop Mekarios

መጸናንዒ ቃል ብብጹእ ኣቡነ መቃርዮስ

ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ብኸመይ

</div