S5 MP3 Player - плагин joomla Mp3

እዋኑ ዝጠልቦ ጥርናፈ ኦርቶዶክሳውያን ኣብ ስደት

መግለጺ መንበረ ጵጵስና ኣሕጉረ ስብከታት

በስመ ኣብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ ኣሓዱ ኣምላኽ፡ ኣሜን።

ብሩኽ በዓል ቅዱስ ዮሓንስን ሠናይ ምጅማር ሓድሽ ዓመትን ይግበረልና እንናበለ፥ እዚ ዘመነ-ዮሓንስ ናይ ሰላም፥ ቅሳነት፥ ፍቕርን ስኒትን፥ ፍትሕን ሥርዓትን ዝነግሠሉ ክኾነልና ንልዑል እግዚኣብሔር ይልምን።

ዝኸበርኩም ኦርቶዶክሳውያን ውሉደ-ክህነት፥ ኣመንትን ምሉእ ህዝቢ ኤርትራን፥-

እቲ ኣብ 2005 .. ብረቂቕ ውዲት ሰይጣን ዝጀመረ ዘይሕጋዊ ማሕዩር 3 ፓትርያርክ ሃገረ ኤርትራ ቅዱስ ኣቡነ እንጦንዮስ፥ ምግሃስ ጥንታዊ ሕጊ ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ተዋሕዶ፥ ግዱድ ወተሃደርዊ ዕስክርና ውሉደ-ክህነት፥ ስደትን መስጎግትን ኦርቶዶክሳውያን ኣገልገልትን ኣመንትን፥ ኣብ ልዕሊ ቅድስት ተዋሕዶ ቤተ ክርስቲያን ዘስዓቦ ዕንወትን ምፍልላይን መዘና-ኣልቦ ከቢድ ፈተና ምዃኑ ብመሪር ሓዘን እንሓልፎ ዘሎና ናይ ዘመንና ሕማቕ ፍጸሜ እዩ።

ይኹን እምበር፥ እቲ ኣብ እዋን ፈተና መዋጽኦ ዝፈጥረልና ዘይታኸስ ርህሩህ ኣምላኽና፡ ንኣውያት ግፉዕ ቅዱስ ኣቡነ እንጦንዮስን ወጽዓን ቤተ ክርስቲያን ተዋህዶን ዕሽሽ ስለ ዘይበሎ፥ እንሆ እቲ 13 ዓመታት መመላእታዓገብ!” ስለ ዝበልና ምእንቲ መንፈሳዊ ግዝኣተ-ሕጊ ብዙሕ ክንዋረደሉ ዝጸናሕና ኣገዳሲ ጉዳይ ቤተ ክርስቲያን እዩ። ሎሚ ግን ካብ ውሽጢ ኤርትራ ጀሚሩ ክሳብ ምሉእ ኵርንዓት ዓለም ምእንቲ መንፈሳዊ ሓቅን ኦርቶዶክሳዊ ሕግን ኣሰኣሰር ኢየሱስ ክርስቶስን ኣብነት ቅዱስ እንጦንዮስን ዝስዕቡ ብዙሓት ጉዱሳትን እሙናት ጓሶትን በብቦትኡ ይበዝሑን ይጥርነፉን ብምህላዎም ብጣዕሚ ዘሐጉስ ሠናይ ተርእዮ እዩ።

ኣብ ከተማ ካስል ሃገረ ጀርመን ብዕለት 17 18 ነሓሰ ኣብ ኤውሮጳ ዝተኻየደ ፈላሚ ሰፊሕ ኣኼባ ውሉደ-ክህነትን ከምኡውን ብተመሳሳሊ እቲ ብዕለት 31 ነሓሰ 2019 ኣብ ሳን-ኣንቶንዮ ሕቡራት መንግሥታት ኣሜሪካ ዝተገብረ መንፈሳዊ ጉባኤን፥ብሓዋርያዊ መሪሕነት ቅዱስ ኣቡነ እንጦንዮስ ኢና ንምራሕዝብል ውሳኔታት ምሕላፎም፥ መንበረ ጵጵስና ኣሕጉረ ስብከታት መንፈሳዊ ደገፉን ልባዊ ሓጎሱን ክገልጽ ይፈቱ።ኣሕዋት ምስ ዝሓብሩ ጸላኢ የባርሩ” ዝብል ምስላ ኣበው ግና ብሕብረት እምበር ብተናጸል ዝመጽእ ፍታሕ ከምዘይለ ይምህረና። ብተወሳኺ፥ ጸላኢና ዝስስን ኣብ ምፍልላይና እዩ፥ ሕብረት ምስ ዝህሉ ግና ጸላኢ ቤተ ክርስቲያን ዕድል ከምዘይረክብ ዘዘኻኽረና ዓቢ ትምህርቲ እዩ። እምበኣር፥ ኣነ ናይ ጳውሎስ፥ ኣነባ ናይ ኣጵሎስ ከይበልና ምፍልላይ ነወግድ

ብተወሳኺ፥ ከምቲ ጎይታናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስእቲ መስቀሉ ፀይሩ ደድሕረይ ዘይስዕብ ንዓይ ኣይበቅዕን እዩ” (ማቴ፣1038) ክብል ሕድሪ እምነት ዝሓደገልና ፍኖተ-መስቀል መከራን ፈተናን ዝበዝሖ፥ ግናኸ መወዳእታኡ ዓወት ምዃኑ ተረዲእና ነፍሲ ወከፍ ኦርቶዶክሳዊ ኣማኒ ይኹን ኣገልጋሊ ምእንቲ ማዕተብ-መስቀልና ክንብል ክሳብ መወዳእታ እሙናት ክንከውን በዚ ኣጋጣሚ ለበዋ ነመሓላልፍ። ዘየድሊ ምትእትታው ኢድ መንግሥትን ግፍዒ ዓመጸኛታት ሰባትን ከብቅዕን ካብ ቀጽሪ ተዋሕዶ ቤተ ክርስቲያን ክወጽእን ድማ ደጊምና ንሓትት።

ኣብ ልዕሊ ቤተክርስቲያን ተዋሕዶን ኣብ ልዕሊ ፓትርያርክ ቅዱስ እንጦንዮስን ንልዕሊ 13 ዓመታት ክወሃብ ዝጸንሐ ንሓድሕዱ ዝዋቓዕ ናይ ሓሶት ክስታት፥ ሕጂውን እዚ ብብፁዕ ኣቡነ መቃርዮስ ዝምራሕ ቀኖናዊ መንበረ ጵጵስና ኣሕጉረ ስብከታት፥ ነቲ ካብ ፈለማ 2005  .. ጀሚሩ ደው ዝበለሉ ዕላማ፥ ማለትዕላማና ንሰብ ዘይኮነስ ነቲ ልቢ ዝምርምር ኣምላኽ ምሕጓስ እዩ” (1 ተሰ 24) ዝብል መሠረት ሒዙ ሓዋርያዊ ሕግን ቀኖና ቤተ ክርስቲያንን ናብ ንቡር ክሳብ ዝምለስ ሓቅን ሕግን ተዓጢቑ ምስ ኩሎም ደቂ ቅድስት ቤተ ክርስቲያንን ገበርቲ ሰላምን ብሓባር ብጾምን ብጸሎትን ኣብ መንፈሳዊ መትከሉ ጸኒዑ ከም ዝቕጽል ዳግማይ የረጋግጽ።

እግዚኣብሔር ንቤተ ክርስቲያንና ሰላምን ሓድነትን ሂቡ፥ ንፓትርያርክና ቅዱስ ኣቡነ እንጦንዮስ ብጥዕና ይሓልወልና። ንህዝብናን ኤርትራ ሃገርናን ድማ ኣምላኽ ፍትሕን ርትዕን ይሃብ።

መንበረ ጵጵስና ኣሕጉረ ስብከታት

16 መስከረም 2019 ( መስከረም ፳፻፲፪ ግእዝ)

Diocese



 



 


ካብ ውሽጢ ኤርትራ ዝተረኽበ ንቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ንምቁጽጻር ብመንግስቲ ኤርትራ ክካየድ ዝጸንሐን ዘሎን ሽርሒ ዘቃልዕ ቪድዮ 



Support Tewahdo TV

Gofundme


Support Diocese

PayPal


ድኳን መጻሕፍቲ/Book Store


ጋዜጣ ፍኖተ ብርሃን፡ ልሣን

 ቤተ ክርስቲያን ተዋሕዶ


ስብከተ ወንጌል


ራድዮ ቃለ ኣዋዲ


መጻሕፍቲ - Books 


ጾምን በዓላትን


Diocese Churches

 

Radio Tewahdo

 Video - Youtube

TV Tewahdo

A Message from H.G. bishop Mekarios

መጸናንዒ ቃል ብብጹእ ኣቡነ መቃርዮስ

ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ብኸመይ

</div