S5 MP3 Player - плагин joomla Mp3

መግለጺ መንበረ ጵጵስና ሰሜን ኣሜሪካ ብዛዕባ ህሉው ኩነተ ቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ

መእተዊ
መበል 21 ዓመታዊ ጉባኤ ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ኤርትራ፥ መንበረ ጵጵስና ሰሜን ኣሜሪካ፥ ካብ 25-28 ሓምለ 2019 ዓ.ም.ፈ. ኣብ ከተማ ኣትላንታ፥ ክፍለ ክዝኣት ጆርጂያ፣ ሕቡራት መንግሥታት ኣሜሪክ ተጋቢኡ፡፡ ብዛዕባ ህልው ኩነታት ቤተ ክርስቲያን ተዋህዶን ጉዳይ ቅዱስ እንጦንዮስ ፓትርያርክ ዘሃገረ ኤርትራ፥ ብዕምቆት ድኅሪ ምዝታይ ነዚ ዚስዕብ መግለጺ የውጽእ።

ኣመዓባብላ ጠንቂ ሽግር ቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ፥
እዚ ሎሚ ኣብ ቤተ ክርስቲያንና ነጊሡ ዘሎ ኣዕናዊ ሥርዓት-ኣልቦነት ኣካይዳ ሎሚ ዝጀመረ ዘይኮነ ኣብ 2005 ዓ.ም.ፈ. ዝጀመረ እዩ።

ከምዝዝከር፥ ኣብ መበል ሻብዓይ ዓመታዊ ጉባኤ፥ ናይቲ እዋን’ቲ ንኡስ ሃገረ ስብከት ሰሜን አመሪካ ኣብ ቤተ ክርስቲያን መድኃኔ ዓለም ዋሺንግተን ዲ.ሲ. ተጋቢኡ ን3ይ ፓትርያርክ ቅዱስ ኣቡነ እንጦንዮስ መጺኦም ብራኬ ኪህቡዎ ብዕለት 31 ሓምለ 2005 ወግዓዊ ደብዳቤ ልኢኹ። ቅዱስ ኣቦና’ውን ምስ ክልተ ጳጳሳት ክመጽኡና ምዃኖም ኣረጋጊጾምልና። ይኹን እምበር ምሉእ ምእመናንን ውሉደ ክህነትን ብሃንቀውታ እናተጸበዮም እንከሎ፥ ብሃንደበት ጕዕዞ ኣቦና ብክፍሊ ሃያማኖታዊ ጉዳያትን ብሃገራዊ ድኅነት ዝፍለጥ መንግሥታዊ ኣካላት  ከምዝተሰረዘ ቅዱስ ኣቦና ተሓቢርዎም።

እቲ ዘሕዝን ግን ንቅዱስ ኣቦና ኣትሪፎም ኣባ ሉቃስ፥ ጳጳስ ሃገረ-ስብከት ጋሽ ባርካ፡ ብዘይ ኣፍልጦ ቅዱስ ፓትርያርክ፡ ቋንቋኡን ባህሉን ናብ ዘይፈልጥዎ ሃገር፡ ንበይኖም ብዘይ መሰነይታ ተላኢኾም ብሃንደበት ናብቲ ጉባኤ ደበኽ በሉ። ቀንዲ ተልእኾ ኣባ ሉቃስ ድማ፥ ንሃገረ ስብከት ሰሜን ኣሜሪካንን መራሕቱን ንምብትታትን ዝዓለመ ስለዝነበረ እቲ ኩሉ ኣብ ጉባኤ ዝነበረ ሰማዒ ብዘመሓላለፉዎ ዘይመንፈሳዊ መልእኽቶም ሰምበደ።

ሃገረ ስብከት ሰሜን ኣሜሪካ ግና፥ ነቲ ካብ ዓንዲ ሕጊ ዝፈቕደሉ ሓላፍነት ንላዕሊ ዘይመዝነቱ ለቢሱ፡ ኣብ ውሽጢ ኤርትራዊት ቤተ ክርስትያን ተዋህዶ ተሞኽልዩ ኣትዩ ዝንቀሳቐስ ዝነበረ ተልእኾ ኣባ ሉቃስን ሃንደስቱን ትም ኢሉ ክርእዮ ሕልናኡ ኣይፈቐደሉን። በዚ መሰረት፥ ሃገረ ስብከት ሰሜን ኣሜሪካ፥ መራሒና ቅዱስ ኣቡነ እንጦንዮስ ቀዳማይ ኢዮም። ሕጊ ቤተ ክርስትያንና ዝእዝዞ ንሱ ስለ ዝኾነ፥ ካብ ሎሚ መዓልቲ ጀሚሩ፥ ዝኾነ መልእኽቲ ብሲኖዶስ ተወሲኑ፡ ብኣቦና ቅዱስ ፓትርያርክ እንጦንዮስ ቀዳማይ ዘይተፈረመን ዘይተላእከን ዝኾነ መምርሒን ትእዛዛትን ፈጺሙ ከምዘይቕበልን ከምዘየተግብርን የፍልጥ ዝብል ውሳኔ ኣሕሊፉ። ብተወሳኺ’ውን እቲ ኣብ ኣንቀጽ 32 ዓንዲ ሕጊ ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስትያን ተዋህዶ ኤርትራ ዘሎ “ናይ ቤተ ክርስትያን ምምሕዳራዊ ጉዳያት ፈጻሚን ኣፈጻምን ጉባኤ ፓትርያርክ  እዩ” ዝብል፥ ኣቶ ዮፍታሄ ዲመጥሮስ ”ዋና ጸሓፊ” ናብ ዝብል ስለዝቕየሮ፥ ካብ ኣቶ ዮፍታሄ ዝለኣኽ መልእኽቲ ከምዘይቕበል የፍልጥ ዝብል ዘየማትእ ወሲኑ። ኣብቲ እዋን ዝነበሩ ወከልቲ ኣብያተ ክርስትያናት ሰሜን ኣሜሪካ፡ ብምልኦም ዝፈረምሉ ደብዳቤ ድማ ናብ ህዝቢ ተዘርግሐ።

ኣብቲ ዝቐጸለ እዋናት፥ ኣባ ሉቃስ፥ ኣብ ዋሽንግቶን ዲሲ ብዝርከብ ኤምባሲ ሃገረ ኤርትራ ተደጊፎም ንሃገረ ስብከት ሰሜን ኣሜርካ ንምፍራስ ሓደ በለለይ ኢሎም ጀመርዎ። ኤምባሲ ሃገረ ኤርትራ ኣብ ዋሽንግቶን ዲሲ’ውን ኣብ ልዕሊ ውሉደ-ክህነት ሃገረ ስብከት ሰሜን ኣሜሪካ ኣብ ዘየድሊ ህውተታ ብምእታው ካብ ክውንነትን ሓቅን ዝረሓቐ ዘለፋን ጸርፍን ምዝርጋሕ ኮነ አሎም ተተሓሓዝዎ። ከም ኣብነት፥ ኤምባሲ ኤርትራ ንኣባላት ህግደፍ ብወርሒ 8 ዕለት 9ን 25ን 2005 ዝተጽሓፈ ደብዳበ፥ ኣባላቶም ኣብ ውሽጢ ኦርቶዶሳዊት ቤተ ክርስቲያን ኤርትራ ኣትዮም ንካህናት ክሰጉን ንምእመናን ክብትኑን ከምዝተነግሩ ክጥቀስ ይከኣል። ሃገረ ስብከት ሰሜን ኣሜሪካ ግና ነቲ ጉዳይ ብትዕግስቲ ሒዙ፡ ንጸለመን ጸርፍን ኤምባሲ ንጎድኒ ገዲፉ፥ እቲ ብቀጻሊ ዝዝርግሕዎ ዝነበሩ ናይ ሓሶት መግለጺታት፥ ኮነ ኢልካ ንኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ተዋሕዶ ኤርትራ ኣብ ሰሜን ኣሜሪካ ፈሊኻ ንምውቃዕ፡ ሓድነት ምእመናን ንምብትታን ዝዓለመ ምዃኑ ነቲ ጉዳይ ክከታተሎ ስለ ዝጸንሐ ንኤምባሲ ኤርትራ፥ ካብ ጉዳይ ቤተ ክርስቲያን ተዋሕዶ ኢዱ ከውጽእ ተሪር ናይ ጽሑፍ መጸዋዕታ ኣቕሪቡ።


ብድሕሪ’ዚ ወኪል ኤምባሲ ኤርትራ ምስ ወከልቲ ሃገረ ስብከት ንምርኻብ ስለዝሓተተ፣ ኣብ ከተማታት ኣትላንታን ስያትልን ርክብ ተኻይዱ። ኣብቲ ዝተኻየደ ርክባት፡ ሕቶ ሃገረ ስብከት ጉዳይ እምነት ምዃኑ፡ ሕግን መምርሕን ተዋህዶ ሃይማኖት ተጣሒሱ ምህላዉ፡ ቅድስና ቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ተደፊሩ ከምዘሎ ብጸብጻብ ዝተሰነየ ሰነድ ኣቕሪቡ። ብተወሳኺ፥ ንዘጋጠመ ኩነታት ብቪድዮ ዝተሰነየ መርትዖ ብምቕራብ ገሊጹ።

ኣቐዲምና ከምዝጠቐስናዮ፥ ሕጊ ቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ብኢደ ወነኑ ቀይሩ፡ “ዋና ኣማሓዳሪ” እየ እናበለ ኣብ ዝፋን ቤተ ክርስቲያን ተቐሚጡ ዝነበረ ተራ ሰብ ዮፍታሄ ድሜጥሮስ ካብ ቤተ ክርስቲያን ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ክእለ፣ ቤተ ክርስቲያን ድማ ብመሪሕነት ፓትርያርክ ብቅዱስ ሲኖዶስ ክትምራሕ ክብል መጸዋዕታ ኣቕሪቡ። ኣብ እምነትን ሥርዓትን ቤተ ክርስቲያንና ዋጋ ዕዳጋ ከም ዘይገብር፡ ኣብ ጓል መንገዲ ከም ዘይኾልል ድማ ንምእመናን ብመንፈሳዊ ኣኽብሮት ሓቢሩ። ብጉርሒ ይኹን ብፍርሒ ነዚ መገዲ ሓቅን እምነትን ረጊጾም ብጌጋ ዝመላለሱ ዝነበሩ ካህናት፣ ዲያቆናትን ምእመናንን ድማ ንእምነትቶም ዳግም ከጽንዑ “ብመንፈሳዊ ኣኽብሮት ነተሓሳስብ” ክብል ብዕለት 7 ሕዳር 2007 ኣብ ዘውጽኦ መግለጺኡ ኣፍሊጡ።

ከምቲ ቅዱስ ጽሑፍ “...መንግስተ ሰማያት ብሓይሊ ትደፍእ ኣላ፡ ደፋእቲ ድማ ብሓይሊ ይዛረፍዋ ኣለዉ” (ማቴዎስ 11:12) ዝብሎ፥ ምስ’ዚ ኩሉ ሽግር፥ ሃገረ ስብከት ሰሜን ኣሜሪካ ግና መኣዝን ራእዩ ከየጥፍአ፥ ነቲ ሽግር ንምእላይ ጉዳይ ቤተ ክርስቲያንን ጉዳይ ፓትርያርክ እንጦንዮስን ካብ ኤርትራ ሓሊፉ ኣህጉራዊ ተፈላጥነት ንኽረክብ ልዑል ጻዕሪ ብምግባር ፍረ ዘለዎ ዕዮ ሰሪሑ።

እቲ ኣብ ኤርትራ ዘሎ ዘይሕጋዊ ሲኖዶስ ግና ቀኖና ቤተ ክርስቲያን ኣፍሪሱ፥ ንምኽርን ለበዋን ቤተ ክርስቲያን እስክንድርያ ዕሽሽ ኢሉ፥ ሃገረ ስብከት ንዝሃቦ መጠንቀቕታ ነጺጉ፥ ንህዝቢ ኣይሰምዕ፥ ንኣምላኽ ኣይፈርህ ኢሉ ዳግማይ ኣብ ልዕሊ ቤተ ክርስቲያን ኤርትራ ከቢድ ገበን ፈጺሙ። ነቲ “ፓትርያርክ ብህይወት እንከሎ ካልእ ፓትርያርክ ኣይሽየምን” ዝብል ን2000 ዓመታት ዘገልገለ ሃዋርያዊ ቀኖና ቤተ ክርስቲያን ጥሒሱ፣ ብዕለት 27 ግንቦት 2007 ዓ.ም.ፈ ንኣቡነ ዲዮስቆሮስ ከም 4ይ “ፓትርያርክ” መሪጹ። ይኹን እምበር ካብ ብሎኮ ጎዳይፍ ዘይወጽእ ስማዊ “4ይ ፓትርያርክ” ስለዝመረጸ፥ ዓለምለኻዊ ተነጽሎ ኣስዒቡሎም። እቶም ብገርሆም “4ይ ፓትርያርክ” ዝተሾሙ ኣቦ፥ ግዳይ ተንኮለኛታት ብምዃን ብዘጉሂ ስቅያት ብ2015 ዓ.ም.ፈ. ካብዛ ዓለም ብሞት ተፈልዩ። ሃገረ ስብከት ሰሜን ኣሜሪካ፥ ነቲ ዝተወገዘ ዘይሕጋዊ ሢመተ ፓትርያርክ ብትሪ ኮኒኑዎ። እቲ ፍታሕ ድማ ፓትርያርክ ኣቡነ እንጦንዮስ ናብ መንበሮም ምስ ዝምለሱ ጥራይ ምኻኑ ብዘየማትእ ደጋጊሙ ኣስመረሉ።

ፓትርያርክ እንጦንዮስ፥ ካብ ፈለማ’ቲ ግህሰት ቀኖና ጀሚሮም፥ ሕጋዊ ዳኛ ወይ መንፈሳዊ መንጎኛ ኣብ ዘለዎ ጥራይ ንዕርቂ ከምዝቕበልዎ ደጋጊሞም ክሕብሩ ጸኒሖም እዮም። እቲ ሓቂ እዚ ኮይኑ ግና፥ ፓትርያርክ እንጦንዮስ ብልቢ ዘይሰመርዎ ዕርቂ፥ ዘይፈረምሉ መግለጺ፥ መንጎኛ ኣብ ዘይብሉ፥ ብስም “ሲኖዶስ”፥ "ፓትርያርክ እንጦንዮስ ቅድሚ ሕጂ ብዝገበርዎ ጌጋ ስለዝኣመኑ፥ ምሕረት ተገይሩሎም ምሉእ ዕርቂ ተፈጺሙ” ዝብል ብዕለት 8 ነሓሰ  2016 ዘስደምም መግለጺ ዘርጊሖም።

መንበረ ጵጵስና ኣህጉረ ስብከታት ግና ሕጂ’ውን ነቲ ዝግበር ሽርሒ ኣርጊጹ ስለዝፈለጦ፥ “ሓሶት እንተ ተደጋገመ ሓቂ ከይመስል” ዝብል መግለጺ ብምውጻእ፥ “ህዝቢ ነቲ ኣብ ቅድሚ ዓይኑ ዝፍጸም ዘሎ ዓመጽ ተረዲኡ፥ ኣብ ጎድኒ ሓቂ ደው ኢሉ ነቶም ብጽልእን ህልኽን ተደሪኾም ህዝቢ ዝበታትኑን ንቤተ ክርስቲያን ተዋሕዶ ዘዕንዉ ዘለዉ የኣክል ክብል” ከምዘለዎ ዳግማይ ለበዋኡ ኣመሕላሊፉ።
እቲ ንቤተክርስቲያን ንምዕናው ተዓጢቑ ብፖለቲከኛታት ዝዝወር ኣባ ሉቃስ ዝመርሕዎ ልኡኽ፥ ብዕለት 17 ሕዳር 2016 ኣብ ዋሽንግቶን ዲሲ ጉባኤ ኣካይዱ። ቀንዲ ዕላማ’ቲ ኣኼባ ድማ፥ "ምስ ፓትርያርክ እንጦንዮስ ምሉእ ዕርቂ ተጌሩ ነይሩ፥ እንተኾነ ፓትርያርክ እንጦንዮስ ነቲ ዝተወድአ ዕርቂ ስለዝነጸግዎ፥ እቲ ዕርቂ ኣይሰለጠን" ዝብል ምስቲ ኣቐድም ኣቢሎም ዝሃብዎ “ፍጹም ዕርቂ ኮይኑ” ዝብል ዝዋቓዕ መግለጺ ሂቦም። ንፓትርያርክ እንጦንዮስ ዘርእይ  ድምጺ ዘይብሉ ዝንቀሳቐስ ስእሊ ድማ ንህዝቢ ኣርእዮም። ኣብቲ ኣኼባ ካብ ዝነበሩ ሰባት፥ “ስለምንታይ ድምጺ ዘይብሉ” ኢሎም ምስ ሓተትዎም ግና፥ “ንዓኹም ኣይምልከትን እዩ” ኢሎም ነቲ እኩብ ህዝቢ ጉዳይ ቤተ ክርስቲያኑ ከም ዘይምልከቶም ገይሮም ናይ ምስትንዓቕ መልሲ ሂቦሞ። መንበረ ጵጵስና ኣህጉረ ስብከታት ግና፥ ሕጂውን፥ ሓሶት ኣብ ክንዲ ዝዝርግሑ፥ ናብ ልቦም ተመሊሶም ጌጋኦም ክእርምዎ መጸዋዕታ ኣቕሪቡ።

ድሕሪ ዕረፍቲ እቶም “4ይ ፓትርያርክ” ኢሎም ዝሸምዎም ኣቡን ዲዮስቆሮስ ንልዕሊ ኣርባዕተ ዓመት ዝኣክል ብዘይ ዓቃብ መንበር ከም ዝጸንሑ ይፍለጥ። ኣብዚ ሕጂ እዋን ግን እቲ ንዓመታት መንፈሳዊ መኣዝኑ ኣጥፊኡ፥ ንሕጊ ኣምላኽ ተሓሲሙ፡ ብትእዛዝ መንግስቲ ኤርትራ ዝጉተት ዘይሕጋዊ መሪሕነት-ጳጳሳት፡ ቅድሚ ሕጂ ኣብ ልዕሊ ፓትርያርክ እንጦንዮስ ዝፈጸሞ ገበን ከይኣክል፥ ኣብ ክንዲ ብፍቕርን ምኽርን ናብ ዕርቂ ምእታው፥ ብህልኽን ጽልእን “5ይ ፓትርያርክ ክንሸይም ኢና” ኢልካ ብምጕያይ “ዓቃብ መንበር” ኢሎም ገይሮም። እዚ ተግባራት’ዚ ልቦናን ምስትውዓልን ዝጎደሎ፥ ዘይመንፈሳዊ ውሳኔ ምዃኑ ኩሉ ክርድኦ ይግባእ። እቲ ኣዝዩ ዘሕዝን ድማ ነዚ ናይ ዕንወት ጉዕዞ ዓገብ ንዝበሉ ምእመናን ይኹኑ ዲያቆናት፥ ካህናት ይኹኑ ገዳማውያን መነኮሳት፥ ቀጻሊ ማእሰርቲ፥ ዘለፋን ውግዘትን ይበጽሖም ምህላዉ እዩ። ኣብዚ ቀረባ እዋን እኳ ሓሙሽተ ኣቦታት መነኮሳት ደብረ ቢዘን ነቲ ዝግበር ዘሎ ገበን ርእዮም ዓገብ ስለዝበሉ ከም ቅዱስ እንጦንዮስ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ከምዘኣትአዉ ይፍለጥ።  “ሕጊ እንተረጊጽካዮ ተመሊሱ እዩ ዝረግጸካ” ዝብል ንዘንተ ዕለት ዝዝከር ቃኦ ኣቦና ቅዱስ ፓትርያርክ እንጦንዮስ፥ ነቶም ብተደጋጋሚ ገበን ዝፍጽሙ ዘለዉ ኣካላት እቲ ሕጊ ተመሊሱ ከምዝረግጾም ክዝክርዎ ይግባእ።

እንሆ ሕጂ ድማ ኣብ ልዕሊ ቤተክርስቲያንን ኣብ ልዕሊ ቅዱስ እንጦንዮስን ይቕረ ዘይበሃሎ፥ ታሪኽ ዘይርስዖ ተወሳኺ ገበን ይፍጸም ኣሎ። ንቅዱስ እንጦንዮስ “ተሓባባሪ መናፍቓን” ብዝብል ጠቐነ “ኣውጊዝናዮም ኢና” ክብሉ ካብቲ ቅድሚ 13 ዓመታት ዝሃቡዎ ናይ ሓሶት ክሲ ዝኸፍአ ውሳኔ ሂቦም ኣለዉ። ሕጂ’ውን እቲ ብብፁዕ ኣቡነ መቃርዮስ ዝምራሕ ቀኖናዊ መንበረ ጵጵስና ኣኅጉረ ስብከታት፥ ዓሚቕ ዘተን ልዝብን ድሕሪ ምክያድ ነቲ ካብ ፈለማ ጀሚሩ ደው ዝበለሉ ቅኑዕ ዕላማን ቀኖና ቤተ ክርስቲያንን ክሳብ ሕጊ ቤተ ክርስቲያን ኣብ ቦትኡ ዝምለስ ብጾምን ብጸሎትን ኣብኡ ጸኒዕና ከም እንቕጽል  ዳግማይ ነረጋግጽ።

ዝኸበርኩም፥  ውሉደ-ክህነትን፥ ኦርቶዶክሳውያን ምእመናንን፥  ብሓፈሻ ድማ ህዝቢ ኤርትራ፥ ኣብዚ ቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ኣብ ገምገም ጸድፊ እትርከበሉ እዋን፥ ኣብ ጉዳይካ ተዓዛቢ ካብ ምዃን ሓሊፍካ፥ ሓቅን ሕግን ተዓጢቕካ ስለ እምነትካ ደው እትብለሉን ዋጋ እትኸፍለሉን እዋን ሕጂ እዩ። ባዕሉ ጐይታና፥ “ንሓቂ ኽትፈልጥዋ ኢኹም፡ እታ ሓቂ ድማ ሓራ ኸተውጽኣኩም እያ” (ዮሐ 8:32) ኢሉ ከም ዝመሃረና፥ ነቲ ሓቀኛ ሕጊ ቤተክርስቲያንና ፈሊጥና ብሓባር ኣብኡ ደው ክንብል ይግብኣና። ኣምላኽና ስዓዩ ድማ ኣብ ሕብረትና ጥራይ ምዃኑ ተረዲእና፥ ሽግርና ንምፍታሕ፥ እዚ ዝስዕብ መጸዋዕታ ነቕርብ፥

  1. ኣብ መላእ ዓለም፥ ብፍላይ ድማ ኣብ ስደት እንርከብ ውሉደ ክህነት ኣመንትን ብሓደ መንፈስን ርድኢትን ሓቢርና ኣብ ሓቂ ደው ንበል።
  2. “ሓድነት ቤተ ክህነት ኤርትራ” ንድሕነት ቤተ ክርስቲያን ዘካይዶ ዘሎ ተበግሶ ነሞግስን ብዓወት ክወጽእ ድማ ጸሎትና ምዃኑ ንገክልጽ።
  3. ንልዕልና ቤተ ክርስቲያንን ቅዱስ ፓትርያርክ ኣቡነ እንጦንዮስ ኣብ መንበሮም ክምለሱን ተቢዖም ኣብ መራኸቢ ብዙኃን ብትግሃት ዝዓዩ ዘለዉ ወገናት ንስርሖም እናሞገስና ብዝበለጸ ክቕጽልዎ ነተባብዕ።
  4. መንግሥቲ ኤርትራ ኣብ ርእሲ ቤተ ክርስቲያንና ዝፍጽሞ ዘሎ ዕንወት ደው ከብል፥ ንቅዱስ ፓትርያርክ ክፈትሖም ዳግም ንጽውዕ።
  5. መላእ ሕዝቢ ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ቤተ ክርስቲያን ኤርትራ ካብ ስቕታ ክበራበርን፥ ንመንግስቲ ዓገብ ክብል ሓላፍነቱ ምዃኑ ነዘኻኽር።
  6. ብዘይ ዝኾነ መርትዖ፥ ብናይ ሓሶት ክሲ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ዝሳቐዩ ዘለዉ፥ ኣቦታት መነኮሳት፥ ካህናትን፥ ዲያቆናትን፥ ብሓፈሻ ብዘይፍርዲ ዝተቐየዱ ኩሎም ዚጋታት ክፍትሑ ንጽውዕ።

 

እግዚኣብሔር ንቤተ ክርስቲያንና ጽድቅን ሰላምን ይሃባ 

ንቅዱስ ኣቡነ እንጦንዮስ 3ይ ፓትርያርክ ዕድመን ጥዕናን ይሃብ

ንሃገርናን ህዝብናን ይባርኽ። ኣሜን።

መንበረ ጵጵስና ኣህጉረ ስብከታት

28 ሓምለ 2019

Diocese



 



 


ካብ ውሽጢ ኤርትራ ዝተረኽበ ንቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ንምቁጽጻር ብመንግስቲ ኤርትራ ክካየድ ዝጸንሐን ዘሎን ሽርሒ ዘቃልዕ ቪድዮ 



Support Tewahdo TV

Gofundme


Support Diocese

PayPal


ድኳን መጻሕፍቲ/Book Store


ጋዜጣ ፍኖተ ብርሃን፡ ልሣን

 ቤተ ክርስቲያን ተዋሕዶ


ስብከተ ወንጌል


ራድዮ ቃለ ኣዋዲ


መጻሕፍቲ - Books 


ጾምን በዓላትን


Diocese Churches

 

Radio Tewahdo

 Video - Youtube

TV Tewahdo

A Message from H.G. bishop Mekarios

መጸናንዒ ቃል ብብጹእ ኣቡነ መቃርዮስ

ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ብኸመይ

</div