S5 MP3 Player - плагин joomla Mp3

ቅዱስ እንጦንዮስ ክፍትሑ፥ መሰል ሃይማኖት ክረጋገጽ እጽውዕ - መግለጺ መንበረ ጵጵስና ኣሕጉረ ስብከታት

ቅዱስ እንጦንዮስ ክፍትሑ፥ መሰል ሃይማኖት ክረጋገጽ ዝጽውዕ ሰላማዊ ሰልፊ ኣብ ዋሽንግቶን ዲሲ ብዝተገብረ ምኽንያት ዝወጸ መግለጺ ኦርቶዶክሳዊት ተዋሕዶ ቤተክርስቲያን ኤርትራ መንበረ ጵጵስና ኣህጉረ-ስብከታት።

ብስም ኣብን ወልድን መንፈስ ቅዱስን ሓደ ኣምላኽ ኣሜን

ንቤተክርስቲያን ብትግሃትን ቅንዕናን ዘገልግሉ፥ ሕዝቢ ብተወፋይነት፥ ሓልዮትን ፍቕርን ዝጓስዩ ሓቐኛታት መምህራን ወንጌል ኣጸሊምካ፥ ነጺልካን ኣሲርካን ንሕዝቢ ንምብታን ዝዕላምኡ ኣዕናዊ ተግባር መንግስቲ ኤርትራ ሎሚ ንኹሉ ሕዝቢ ኤርትራ ብፍላይ ድማ ነቲ ደላይ ሓቂ ጋህዲ ኮይኑ ኣሎ። በቲ ኣብ ነንሓድሕዶም ዝለመድዎ ሜላ ጥፍኣትን ጥልመትን፥ ኣብ ኣብያተ እምነታት ድማ ብተመሳሳሊ መንገዲ ዳግማይ የተግብርዎ ኣሎዉ። ንኣብነት ስምዒት ሕዝቢ የለዓዕሉ እዮም ዝተባህሉ ጸለመታት "ተሓድሶ፡ መናፍቕ፥ ሲኣኤ" ወዘተ እናበሉ ብምጥቃን ኣብ ውሉደ ክህነትን ኣመንቲን ዘይምትእምማንን ምትፍናን ፈጢርካ ሓድነት ሕዝብን ሰላም ቤተክርስቲያንን ይዘርጉ።

እቲ ኣብ ልዕሊ ኣገልገልቲ ቤተ ክርስቲያን ዝጀመረዎ ጸለመን ማእሰርትን ናብቶም ርእሲ ቤተ ክርስቲያን ዝኾኑ ቅዱስ ኣቦና ኣቡነ እንጦንዮስ ሳልሳይ ፓትርያርክ ኦርቶዶክስ ተዋሕዶ ቤተክርስቲያን ኤርትራንውን በጺሑ። የዕውተና እዩ ዝበልዎ ምስ ግዜ እንዳተቐያየረ ዝመጸ ብመንግስቲ ተሃንዲሱ፥ ብሽም ጳጳሳት ተፈሪሙ ናይ ሲኖዶስ ኣንዳተባህለ ኪወጽእ ዝጸንሐ ውሳኔታት ንሓድሕዱ ዝጋጮ ምዃኑ ንኹሉ ግሁድ ኮይኑ እዩ። ንኣብነት ፈለማ መንፈሳዊ ኣገልግሎት ፈቒዱ፥ ምምሕዳራዊ ሓላፍነት ፓትርያርክ ዝእግድ ውሳኔ ነበረ። ስዒቡ ሽዱሽተ ናይ ሓሶት ክስታት መጸ። ካብኡ ቐጺሉ ተራ መንኮስ ኮንኩም ተባሂሎም እቶም ሕጋዊ ፓትርያርክ ኣብ እስሪ ቤት፡ ሕዝብና ዘይተቐበሎምን ኣሓት ኣብያተ ክርስቲያናት ኣፍልጦ ዘይሃቦኦምን ራብዓይ ፓትርያርክ ሸምና ኢሎም። እቶም ብመንግስቲ ፓትሪያረክ ኮይንኩም ዝተባህሉ ብጹእ ኣቡነ ዲዮስቆሮስ ብሞት ምስ ሓለፉ ድማ ነቲ ብቐጻሊ ከጋጥሞም ዝጸንሐ ተቓውሞ ከህድኡ ናይ ሸፈጥ ዕርቒ ምስ ቅዱስ ኣቡነ እንጦንዮስ ተጌሩ ብማለት ንሕዝቢ ከታልሉ ፈቲኖም። ብሃገራዊ ድሕነትን ሃይማኖታዊ ጉዳያትን ዝብሃሉ ኣካላት መንግስቲ ኤርትራ እንዳተኣዘዙ ዝፈተንዎ ኩሉ ሸርሕታት ምስ ፈሸሎም፥ እንሆ ዳግማይ ውግዘት ኣብ ልዕሊ ቅዱስ ኣቡነ እንጦንዮስ ኣንቢርና ይብሉ ኣለዉ። ኣብ ክንዲ ናብ ንስሓ ተመሊሶም ሰላምን ዕርቅን ዝገብሩ  ግህሰት ኣብልዕሊ ግህሰት ብምቕጻል  ካልእ ፓትርያርክ ክንሸይም ኢና ይብሉ ኣለዉ። ሓሳቦም ንኸተግብሩ ዝጥቀሙሉ ዘለዉ ሜላ ድማ ከም ቀደሞም ንቅዱስ ኣቡነ እንጠጦንዮስ ከም ከሓዲ ብምጽላም ነቶም ኣብ ነጻ ሃገር፥ ኣብ ምድረ ስደት ኮይኖም ሓቂ ሒዞም ነቲ ኩሉ ሸርሕታት መንግስትን መሳርሕቶምን ዘቓልዑ ዘለዉ ምጥቃዕ እዩ። ንኣብነት እቲ ሽግር ካብ ዝቕልቀል ጀሚሩ ቆኖና ቤተክርስቲያን ክሕሎ ጸኒዑ ክጋደል ዝጸንሐ መንበረ ጵጵስና ሰሜን ኣመሪካን መራሕቱን ምጥቃዕ ዝዓለመ ሜላ ብጋህዲ ይቕጽል ኣሎ።

እዚ ኮነ ኢልካ ንነዊሕ ዓመታት ብመንግስቲ ኤርትራ ዝተሓሰበሉን እናተሰርሓሉን ዝመጸ ውዲት ንኹሉ ማሕበራዊ፥ ቁጠባዊን ስነልቦናዊ ሃብቲ ሕብረተሰብ ኣፍሪስካ ኣብ መወእታ ድማ ካብታ እንኮ ጸግዑን መዕረፊቱን ዝኾነት ቤተክርስቲያን ንምፍላይ ዝዓለመ እዩ እዚ ድማ ብመደብ መንነትን ታሪኽን እምነትን ሕዝቢ ንምጥፋእ ዝግበር ዘሎ እኩይ ተግባር እዩ። ታሪኽ ከምዝምህረና ሃይማኖቱን መንነቱን ዘጥፍኣ ሕዝቢ ድማ ኣብ ቅልውላው እዩ ዝነብር።

ዝኸበርኩም ምእመናን ኦርቶዶክስ ተዋሕዶ ቤተክርስቲያን ኤርትራን ብሓፈሻ ድማ ሕዝቢ ኤርትራ፡ ነዚ  ንጥፍኣትና  ዝዓለመ ሜላ ሎሚ ጋህዲ ኮይኑ ስለዘሎ ክንልብም ይግብኣና። ሕዝብና ኣብ ድሕሪ ገዝኡ ንዘሎ ማይን ሑጻን ሃብቲ ሀገሩን ተሓሪሙ ብኸብዱ ከምዝተሓዝን ብምግባር ግደ ጥፍኣትን ስደትን ሞትን ማሰርትን ክይኑ ይርከብ። ሎሚ ካብዚ ንላዕሊ ክንጻወሮ እንኽእል ጥፍኣት ክህሉ ስለዘይግባእ፥ ሕጊ ሃገር ክትከል (ቅዋም ቅዋም ክትግበር)  መሰል ወዲሰብ ክኽበር ቀኖና ቤተክርስቲያን ክሕሎን ኩልና ክንልዓል ይግባእ

በዚ መሰረት ንኹሎም ኣብ ወጻኣን ኣብውሽጥን ንዘለዉ መራሕትን ኣመንትን ተዋሕዶ ቤተክርስቲያን፡ ብሓፈሻ ድማ ሕዝቢ ኤርትራ ነዚ ዝስዕብ ጻውዒትና ነቕርብ

  1. ከም ኩሉ ሕዝቢ ዓለም ኣብታ ብኽቡር ዋጋ ብሉጻት ደቃ ዝተረኽበት ሃገርና ንቡር ክንረክብ ፍትሕን ግዝኣተ ሕግን ክነግስ ንጽውዕ።
  2. ቤተክርስቲያንና ዘሎ ምፍልላይ ክብቅዕን ንቤተክርስቲያንና ኣጋጢምዋ ዘሎ ተነጽሎ ካብ ኣሓት ኣብያተክርስቲያናትን ከብቅዕ ምግሃስ ቆኖና ቤተክርስቲያን ደው ክብል ንጽውዕ።
  3. ሕጋዊ ፓትሪያረክ ቅዱስ ኣቡነ እንጦንዮስ ናብ ቦትኦም ክምለሱ ንጽዉዕ
  4. መንግስቲ ካብ ጉዳይ ቤተ ክርስቲያንና ኢዱ ከውጽእን መሰል ኩለን እምነታት ከኽብርን ደጊምና ንጽውዕ
  5. ኩልኹም ምፍራስ ቀኖንናን ንጥፍኣት ቤተክርስቲያን ዝዓለመ ንቅዱስ ፓትሪያረክ ንምጽላም ብመንግስቲ ተማሂዙ ዝወሃብ ናይ ሓሰት ሸርሒ ንምትግባር ትተሓባበሩ ዘለኹም ናብ ልብኹም ክትምለሱ ንእምላኽ እምበር ንሰብ ምፍራሕ ደው ከተብሉ ንጽዉዕ
  6. ኩሎም ናይ ሕልና እሱራት ክፍትሑ ንጽውዕ  
  7. ኣብ ነጻ ሃገር እትርከቡ ኩልኹም ካህናትን ዲያቆናትን ምእመናን ነዚ ብኮረኔላትን ጀነራላትን እናተመርሐ ውሳኔ ሲኖዶስ እናተባህለ ዝወጽእ ፈላላይን ኣዕናውን ውሳኔታት ክትቃወምዎን ንሃገርናን ቤተክርስትያንናን ሰላም ዘውርድ ግዝኣተ ሕጊ ክነግስ ደው ክትብሉ ንጽውዕ።

እግዚኣብሔር ቤተክርስቲያንናን ሃገርናን ይባርኽ

ክብርን ምስጋናን ንኣምላኽ ይኹን

ኦርቶዶክሳዊት ተዋሕዶ ቤተክርስቲያን ኤርትራ መንበረ ጵጵስና ኣህጉረ-ስብከታት።

9 ሕዳር 2019

Diocese



 



 


ካብ ውሽጢ ኤርትራ ዝተረኽበ ንቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ንምቁጽጻር ብመንግስቲ ኤርትራ ክካየድ ዝጸንሐን ዘሎን ሽርሒ ዘቃልዕ ቪድዮ 



Support Tewahdo TV

Gofundme


Support Diocese

PayPal


ድኳን መጻሕፍቲ/Book Store


ጋዜጣ ፍኖተ ብርሃን፡ ልሣን

 ቤተ ክርስቲያን ተዋሕዶ


ስብከተ ወንጌል


ራድዮ ቃለ ኣዋዲ


መጻሕፍቲ - Books 


ጾምን በዓላትን


Diocese Churches

 

Radio Tewahdo

 Video - Youtube

TV Tewahdo

A Message from H.G. bishop Mekarios

መጸናንዒ ቃል ብብጹእ ኣቡነ መቃርዮስ

ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ብኸመይ

</div