The Eritrean Orthodox priests’ annual meeting in North America was held on February 7-9, 2019, at St. Mary and St. Demiana Coptic Convent in Georgia, USA. Clergy members from Canada and the United States attended the meeting.
ገለ ካብ ትሕዝቶታት ዓመታዊ መንፈሳዊ ጉባኤ ቤተ ክርስትያን ተዋህዶ 2019
መበል 21 መንፈሳዊ ጉባኤ ቤተ ክርስትያን ተዋህዶ ብሰላም ተዛዚሙ
መበል 21 ዓመታዊ ጉባኤ መንበረ ጵጵስና ሰሜን ኣሜርካ ኣብ ከተማ ኣትላንታ ጅዮርጅያ ኣብ ቤተ ክርስቲያን መድሃኔ ዓለም ይካየድ እዩ። ጉባኤ፥ July 25 - 28 ሓምለ 2019 ክካየድ እዩ። ምእመናን ህዝበ ክርስቲያን ናይ ስራሕ ዕረፍትኹምን ናይ መገሻ መደባትኩምን ኣብዚ ጉባኤ'ዚ ከተሕልፍዎ ብስም ቅድስት ቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ብኣኽብሮት ንዕድም።
መሪሕ ጥቕሲ - Theme Verse:-
"ገበርቲ ሰላም፡ ውሉድ ኣምላኽ ኪበሃሉ እዮም እሞ፡ ብጹኣን እዮም።” ማቴ 5፡9።
Day 37 (6th Tuesday of the Holy Great Fast)
“Therefore, putting away lying, ‘Let each one of you speak truth with his neighbour,’ for we are members of one another.” (Eph 4:25)
Day 15 (3rd Monday of the Great Fast)
“And He said to them, “You are those who justify yourselves before men, but God knows your hearts. For what is highly esteemed among men is an abomination in the sight of God.” (Luke 16:15)
“ሕጂ ድማ ደቀየ፡ (ክርስቶስ) ኪግለጽ ከሎ ትብዓት ምእንቲ ኽንረክብ፡ በታ (ንሱ) ዚመጻላ መዓልቲ’ውን ኣብ ቅድሚኡ ኸይንሓፍርሲ ኣብ ክርስቶስ ንበሩ። (ክርስቶስ) ጻድቕ ምዃኑ ትፈልጡ እንተ ዄንኩምሲ፡ ጽድቂ ዚገብር ዘበለ ዅሉ ኻብ እግዚኣብሄር ከም ዝተወልደ’ውን ፍለጡ።” 1ዮሃ 2፡28-29 ካ.ት
1. ትምህርቲ፥ ንውሉደ ክህነት
ኦርቶዶክስ ተዋሕዶ ኣግኣዚት ቤተ ክርስቲያን ዓውዲ ፍልጠት፥ ቋንቋን ትምህርትን፥ ዓቃቢት ታሪኽን ቅርስን ኮይና ንዘመናት ዝጸንሐት ምዃና ኩሉ ዝፈልጦ ሓቂ እዩ። ምስ ምትእትታው ዘመናዊ ትምህርቲ ግን ብብዙሕ ምኽንያታት፥ ዘመን ዝጠልቦ ስጉሚ ኣይሰጎመትን። ውሉደ ክህነት ሕድሪ ኮይኑዎም ዓቕሞም ዘፍቅዶ ይገብሩ እኳ እንተሎዉ፥ ነዚ ኣብዚ ዘመን ዘሎ ሕዝብን ንኡስ ወለዶን ንምጉሳይ ዘብቕዕ ስልጠናን ሓገዝን ኣይረኸቡን። ንመበል ፪፩ (21) ክፍለ ዘመን ዘገልግሉ ብመንፈሳውነቶም ረዘንቲ፡ ሓዋርያውን ቀኖናውን ሰረቶም ዓምዪቕ፡ ዶግማ ቤተክርስትያን ኣጽርዮም ዝፈልጡ፡ ዝምድንኦምን ፍልልዮምን ምስ ካልኦት ናይ ክርስትያን ማሕበራት (ቤተ እምነታት) ብግቡእ ዝርድኡ፥ እቲ ናይ ቄሳር ንቄሳር፥ እቲ ናይ ኣምላኽ ድማ ንኣምላኽ ኪህቡ ነቲ ሰፊሕን ዓምዩቕን ትምህርቲ ኦሮቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን (ስነ መልኮት)፥ ምስ ዘመናዊ ትምህርቲ ብምትእስሳር ብደንቢ ኪምሃርዎ፥ ነቲ ብስጋን መንፈስን ኣብ ቅልውላው ዝርከብ ሕዝቦም ብብቕዓት ኪመርሑ፥ ጓሶትውን ጉስነት ይደልዩ እዮም። ትምህርትን ሃብታም ተሞክሮን ኣሓት ኦርየንታል ኦርቶዶክስ ተዋሕዶ ኣብያተ ክርስቲያናት፡ ሳላ ተክኖሎጅን መርበብ ሓበሬታን፡ ኪምሃር ርእሱ ንዘዳለወ እቲ ዕድል ሰፊሕ እዩ።
ካብ ውሽጢ ኤርትራ ዝተረኽበ ንቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ንምቁጽጻር ብመንግስቲ ኤርትራ ክካየድ ዝጸንሐን ዘሎን ሽርሒ ዘቃልዕ ቪድዮ
ድኳን መጻሕፍቲ/Book Store
ራድዮ ቃለ ኣዋዲ