S5 MP3 Player - плагин joomla Mp3

ሓዋርያዊ ዑደት ብፁዕ ኣቡነ-መቃርዮስ ኣብ ሃገረ-ስብከት ስዊስዘርላንድ

ናይቲ ኣብቲ ሓዋርያዊ-ሰንሰለት ጸኒዑ ዝርከብ ዘሎ መንበር፣ ዓቃቤ-መንበር ዝኾኑ ብፁዕ ኣቦና ኣቡነ-መቃርዮስ፣ ብድሕሪ ጀርመን ቀጺሎም ዝኸዱዎ ሃገረ-ስብከት ስዊስዘርላንድ እዩ። በዚ መሠረት` ድማ ብዕለት 27/09/2021 ከተማ-ባዝል ክኣትዉ ክኢሎም።

ኣብቲ ናይ ከተማ-ባዝል መዕረፍ-ባቡራት ከኣ፣ ቤተ-ክህነትን ተወከልቲ ማኅበረ-ምእመናንን ተረኺቦም፣ ቡራኬኦም ብምቕባል መስቀሎም ተሳሊሞም ተቐቢሎሞም። በዚ ኣገባብ` ከኣ ኣብቲ ኣቐዲሙ፣ ከዕርፉሉ ተባሂሉ ዝተመደበ መዕረፍ-ኣጋይሽ በጺሖም። ቡራኬኦም ደልዮም ንዝመጹ ብዙሓት ምእመናን`ውን ክቕበሉ ኣምስዮም።

ቀዳም ዕለት 02/10/2021 ድማ፣ ብፁዕነቶም ገባሬ-ሠናያት ኮይኖም ዝመርሑዎ ቅዳሴ፣ ኣብ ከተማ-ባዝል ተኻይዱ። ብዙሓት ሕፃናትን ማኅበረ-ምእመናንን`ውን፣ ተሳተፍቲ መኣዲ ቅዱስ-ቁርባን ብምዃን፣ ተሳተፍቲ ሰማያዊ በረኸትን ጸጋን ክኾኑ ክኢሎም። ኣብ መንጎ` ድማ ብፁዕ ኣቦና፣ ንዲያቆን ተስፋ-ማርያም ከሰተ መዓርገ-ክህነት ብምሃብ ባሪኾሞም። እቲ ጉባኤ ቤተ-ክርስቲያን ድማ፣ “-ይደልዎ-” ብዝብል ጣዕመ-ዜማ ሓጎሱ ብምግላጽ፣ ተሳታፊ` በዓለ-ሢመት ክኸውን ክኢሉ። ነቶም ዝተሾሙ መንእሰይ ካህን`ውን፣ እግዚኣብሔር ኣምላኽ ኣገልግሎቶም ክባርኽ ተመንዩሎም።

 “-ስለቲ ብክርስቶስ-ኢየሱስ ዝተዋህበኩም ጸጋ-ኣምላኽ፣ ብዛዕባኹም ኩሉ ግዜ ንኣምላኸይ አመስግን ኣሎኹ-” ዝብል ኃይለ-ቃል መንቀሊ ብምግባር`ውን፣ ብፁዕነቶም ግሩም ተባሂሉ ክግለጽ ዝኽእል ስብከተ-ወንጌል ኣስሚዖም። (1ቆሮ-1/4)

ብድሕሪ ቅዳሴ ድማ፣ ብልግሲ ማኅበረ-ምእመናን ባዝል ኣብ ዝተዳለወ መኽፈልቲ፣ ኩሉ` ኣብቲ ቤተ-ክርስቲያን ዝነበረ ሕዝቢ ክሳተፍ ክኢሉ። ብድሕሪ` ድማ እቲ ዝነበረ ጠቕላላ ኣገልግሎት፣ስብሓት-ለኣብዝብል ጸሎተ-ምስጋና ብምብጻሕ፣ ነቲ ልዑለ-ባህርይ ዝኾነ ዘለዓለማዊ-ኣምላኽ፣ ክብርን ምስጋናን ብምቕራብ ክዛዘም ክኢሉ።

ንጽባሒቱ እቲ መደብ ኣብ ዙሪክ ዝተባህለ ከተማ` ከም-ዝቕጽል ተገይሩ። በዚ መሠረት` እውን ካብ ከተማ-ባዝል፣ ናይ ሓደ-ሰዓት ናይ መኪና ጉዕዞ ድሕሪ ምግባር`ዮም፣ብፁዕ ኣቡነ-መቃርዮስ ኣብቲ ዝተባህለ ከተማ ክበጽሑ ዝኸኣሉ። ኣብዚ`ውን ካብ ኩሉ መኣዝን ዝመጹ ብዙኃት ማኅበረ-ምእመናን`ዮም ንብፁዕ ኣቦና ዝተቐበሉዎም። ጸሎተ-ኪዳን ብምብጻሕ`ውን እቲ መደብ ከም-ዝጅመር ኮይኑ።

በዚ መሠረት` እውን ብፁዕ ኣቦና፣ ናብቲ ዘሎ ህልው ኩነታት ቤተ-ክርስቲያን ብምትኳር`ዮም፣ መልእኽቶም ዘመሓላለፉ። ከም ኣበሃህላ ብፁዕ ኣቦና እዚ ሕጂ ዘሎ እዋን፣ ቤተ-ክርስቲያንና ብከቢድ ፈተና እናተፈተነት ትሓልፈሉ ዘላ እዋን`ዩ። እዚ ማለት ድማ ምንም` ገና ብመጀመርታኡ`ውን፣ ነፃነት ነይሩዋ እትበሃል እንተ-ዘይኮነት፣ ካብ 1998 /(2006) ጀሚራ ግና፣ እቲ ኣብ ሃገርና ዘሎ ፖለቲካዊ-ሥርዓት፣ ምሉእ ብምሉእ ዝተቘጻጸራ ኮይና ትርከብ ምህላዋ፣ ዓለም ብዓለሙ ዝፈልጦ ናይ ኣደባባይ ምስጢር`ዩ።

ከመይሲ ኣብዚ ዝተባህለ እዋን፣ ነቶም ሕጋዊ ፓትርያርክ ኣቡነ-እንጦንዮስ ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ብምእታው፣ ካብ ቀኖና ቤተ-ክርስቲያን ወጻኢ፣ ባዕሉ ፓትርያርክ ዝሸይም ኮይኑ ምርካቡ፣ ክሳብ ክንደይ ዓቐኑ ዝሓለፈ ግህሰተ ሕጊ፣ ኣብ ልዕሊ ቤተ-ክርስቲያን ተዋሕዶ፣ ብቐጻሊ እናተፈጸመ ይርከብ  ከም-ዘሎ፣ ካብዚ ዝዓቢ ክቐርብ ዝኽእል ካልእ መርትዖ ኣሎ ክንብል ኣይንኽእልን።

ሕጂ`ውን እንተኾነ ክሳብ` ሰዓት እዚኣ፣ እቲ ኣብ ልዕሊ ቤተ-ክርስቲያን ተዋሕዶ ዝፍጸም ዘሎ፣ ፖለቲካዊ ምትእትታው ከቋርጽ ብዘይ ምኽኣሉ፣ ነቲ ብቅድስና ዝጥመት ሥርዓተ-ቀኖና ብምስዓር፣ ክልተ ግዜ ዘይሕጋዊ ምርጫ-ፓትርያርክ ክገብር ተርእዩ እዩ። እዚ ኩሉ ` እናተፈጸመ ከኣ፣ ንሕና ከም ደቂ ኦርቶዶክሳዊት ቤተ-ክርስቲያን መጠን፣ ደቂስና ክንሓድር ኣይንኽእልን ኢና። ስለ` ከኣ ኢና በዚ ዓቢይ ዝኾነ ጉዳይ`ዚ፣ ምስ ሕዝብና ክንዘራረብ ኣብ ዑደት ንርከብ ዘሎና-”  ብምባል`ዮም ብፁዕ ኣቡነ-መቃርዮስ መልእኽቶም ዘስምዑ።

እቲ ኣብ ማኅበረ-ምእመናን ተዋሕዶና ዘሎ ንቕሓት ግና፣ ነቲ ኣብ ልዕሊ ቤተ-ክርስቲያኑ ብቐጻሊ ዝፍጸም ዘሎ፣ ናይ ፖለቲካ ጸቕጢ ንክርድኦ ዝጽገም ዘሎ ኮይኑ` ዝርአ ዘሎ። እዚ ከኣ ርእሱ ዝኸኣለ ናቱ ጸገም ስለ-ዘለዎ፣ እቲ ሕዝቢ ይሕመየሉ` ዝበሃል ኣይኮነን። ከመይሲ መን ምስ መሃሮን፣ መን ምስ ነገሮን` እሞ ክፈልጥ ዝኽእል-? ንዝብል ሕቶ፣ እቲ ክወሃብ ዝኽእል መልሲ ግልጺ ስለ-ዝኾነ፣ እቲ ኣሎ ዝበሃል ድኽመት፣ ኣባና ኣብቲ ውሉደ-ክህነት እንተ-ዘይኮይኑ፣ እቲ ሕዝቢ ዝሕመየሉ ምኽንያት ኣሎ ክበሃል ኣይከኣልን።

ብዝኾነ ኣብዚ ጉባኤ` ካብቲ ሕዝቢ ዝቐረበ፣ ዝተፈላለየ ሕቶታት ነይሩ`ዩ። ግዳስ ካብቲ ኣዚዩ ኣገዳሲ ዝኾነ፣ ህልዊ ኣጀንዳ ቤተ-ክርስቲያን ንዘይምውጻእ፣ እቲ መድረኽ ካብዚ ወጻኢ ኮይኑ ክርከብ ስለ ዘይተደልየ፣ ኣብቲ ኣብ ቤተ-ክርስቲያን ዘሎ ጸገም፣ ዕቱብ ጠመተ ብምግባር ናይ ሓባር ጻዕሪ ክግበር`ዮም ብፁዕ ኣቦና ዘተሓሳሰቡ። ብርግጽ እቶም ኣብ ኣሥመራ ዘለዉ ኩሎም፣ ናይቲ ፖለቲካ መጋበሪ ብምዃን፣ ብሓላፍነት ተሓተቲ ኮይኖም ኣብ ሕጊ ቀሪቦም፣ ዝሕተቱሉ ግዜ ርሑቕ ክኸውን ኣይክእልን`ዩ።

“-እቲ ካልእ ካብዚ ወጻኢ ዘሎ ውሉደ-ክህነት ግና፣ ፓትርያርክነት ኣቡነ-እንጦንዮስ ዝቕበል ኮይኑ እናሃለወ፣ ዝፈላለየሉ ምክንያት ክህልዎ ኣይግባእን። ስለዚ ንድኅነት ቤተ-ክርስቲያን ክበሃል፣ ኩሉ ፍልልያት ንጎኒ ተገዲፉ ኣብ ትሕቲ ሓንቲ ጽላል  ተጠርኒፉ ክርከብ፣ ኣማራጺ ዘይብሉ ጉዳይ ምዃኑ ምርዳእ የድሊ። ብዝተረፈ ብሰንኪ ናትና ናይ ደቃ ዘይምርድዳእ፣ ቤተ-ክርስቲያን ንዝኸፍአ ሓደጋ ክትጋለጽ ኣሕሊፍና እንተደኣ ሂብናያ፣ ጽባሕ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሔር፣ ብሓላፍነት  ዘሕትት ገበን ኮይኑ ክርከብ ከም-ዝኽእል፣ ክንዝንግዕ ኣይግባእን-”  ብምባል ብፁዕ ኣቦና፣ ንሕልና ነፍስ ወከፍ ክዂሕኩሕ ዝኽእል መልእኽቲ`ዮም ዘስምዑ።

ብድሕር` እቲ ኣብ ስዊስዘርላንድ ክግበር ዝተመደበ ዑደት ስለ-ዝተፈጸመ፣ ብፁዕ ኣቦና ናብ ዓባይ-ብሪጣንያ ኣቢሎም`ዮም ኣቕኒዖም።

ይትባረክ እግዚኣብሔር ኣምላከ ኣበዊነ ሥቡሕኒ ውእቱ ወልዑልኒ ውእቱ ለዓለም

(ዘኣንበሳ-ማርቆስ)

ሓዋርያዊ-ዑደት ብፁዕ ኣቡነ-መቃርዮስ ኣብ ሃገረ-ጀርመን

Diocese



 



 


ካብ ውሽጢ ኤርትራ ዝተረኽበ ንቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ንምቁጽጻር ብመንግስቲ ኤርትራ ክካየድ ዝጸንሐን ዘሎን ሽርሒ ዘቃልዕ ቪድዮ 



Support Tewahdo TV

Gofundme


Support Diocese

PayPal


ድኳን መጻሕፍቲ/Book Store


ጋዜጣ ፍኖተ ብርሃን፡ ልሣን

 ቤተ ክርስቲያን ተዋሕዶ


ስብከተ ወንጌል


ራድዮ ቃለ ኣዋዲ


መጻሕፍቲ - Books 


ጾምን በዓላትን


Diocese Churches

 

Radio Tewahdo

 Video - Youtube

TV Tewahdo

A Message from H.G. bishop Mekarios

መጸናንዒ ቃል ብብጹእ ኣቡነ መቃርዮስ

ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ብኸመይ

</div