S5 MP3 Player - плагин joomla Mp3

ጉስነት ንኡስ ወለዶን ብድሆታቱን - 3ይ ክፋልን መወዳእታን

1. ትምህርቲ፥ ንውሉደ ክህነት

ኦርቶዶክስ ተዋሕዶ ኣግኣዚት ቤተ ክርስቲያን ዓውዲ ፍልጠት፥ ቋንቋን ትምህርትን፥ ዓቃቢት ታሪኽን ቅርስን ኮይና ንዘመናት ዝጸንሐት ምዃና ኩሉ ዝፈልጦ ሓቂ እዩ። ምስ ምትእትታው ዘመናዊ ትምህርቲ ግን ብብዙሕ ምኽንያታት፥ ዘመን ዝጠልቦ ስጉሚ ኣይሰጎመትን። ውሉደ ክህነት ሕድሪ ኮይኑዎም ዓቕሞም ዘፍቅዶ ይገብሩ እኳ እንተሎዉ፥ ነዚ ኣብዚ ዘመን ዘሎ ሕዝብን ንኡስ ወለዶን ንምጉሳይ ዘብቕዕ ስልጠናን ሓገዝን ኣይረኸቡን። ንመበል ፪፩ (21) ክፍለ ዘመን ዘገልግሉ ብመንፈሳውነቶም ረዘንቲ፡ ሓዋርያውን ቀኖናውን ሰረቶም ዓምዪቕ፡ ዶግማ ቤተክርስትያን ኣጽርዮም ዝፈልጡ፡ ዝምድንኦምን ፍልልዮምን ምስ ካልኦት ናይ ክርስትያን ማሕበራት (ቤተ እምነታት) ብግቡእ ዝርድኡ፥ እቲ ናይ ቄሳር ንቄሳር፥ እቲ ናይ ኣምላኽ ድማ ንኣምላኽ ኪህቡ ነቲ ሰፊሕን ዓምዩቕን ትምህርቲ ኦሮቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን (ስነ መልኮት)፥ ምስ ዘመናዊ ትምህርቲ ብምትእስሳር ብደንቢ ኪምሃርዎ፥ ነቲ ብስጋን መንፈስን ኣብ ቅልውላው ዝርከብ ሕዝቦም ብብቕዓት ኪመርሑ፥ ጓሶትውን ጉስነት ይደልዩ እዮም። ትምህርትን ሃብታም ተሞክሮን ኣሓት ኦርየንታል ኦርቶዶክስ ተዋሕዶ ኣብያተ ክርስቲያናት፡ ሳላ ተክኖሎጅን መርበብ ሓበሬታን፡ ኪምሃር ርእሱ ንዘዳለወ እቲ ዕድል ሰፊሕ እዩ።

2.  ትምህርቲ፥ ንብምልእታ ስድራ ቤት

ኣብ ሰብኣውን መንፈሳውን ዕብየት ስድራ ቤት ዝዓለመ ኦርቶዶክሳዊ ትምህርቲ ብቐጻልነት ምድላው ሓደ ካብቲ ዓበይቲ ተልእኾ ቤተክርስትያን እዩ። ኣብ ናይ ሓበሻ ኣብያተ ክርስቲያናት ድማ ብዝያዳ ኣድላዪ ይኸውን፤ ምኽንያቱ ነዚ ዝሓለፈ ፶ - ፷ (50 - 60) ዓመታት ሕዝብና እፎይ ዝበለሉ ኣዋን የሎን፥ ብስጋን ብመንፈስን ዝቖሰለ ሕዝቢ፥ ሕግን መሰለን ዝተነፍጎ ኣብ ጸበባ ዝርከብ ሕዝብን፥ መሰላ ብፖለቲከኛታት ዝተገፈፈት ቤተ ክርስቲያንን እዩ ዘሎና። እዚ ንቡር ሕይወት ዝተሓረሞ ሕዝቢ፥ ማሕበራዊ፥ ስነ ልቦናውን መንፈሳውን ቁስልታቱ ከየሕወየ ብዛዕባ ተካኢ ወለዶ ምፍራይ ኪሓስብ ደረጅኡ ኣየፍቅደሉን እዩ። እታ መባእታዊት ዋህዮ፥ ከም ንእሽተይ ቤተ ክርስቲያን ሓላፍነታ እንተዘይፈጺማ ናይ ውሉደ ክህነት ኣገልግሎት ጥራይ ብቑዕ ተካኢ ወለዶ ኪፈሪ ኣይክእልን እዩ። እዚ ዓብዪ መደብ ኪዕወት “ኣነን ቤተይን ግና ንእግዚኣብሄር ኢና እነገልግል።” እያሱ 24:15 ዝብል ስድራ ቤት የድልየና።

3. ትምህርቲ ንተካኢ ንኡስ ወለዶ

ጥዕና፥ ዕብየት፥ ቀጻልነት ናይ ስድራ ቤት ይኹን፥ ቤተ ክርስቲያን ወይውን ሃገር ውሑስ ዝኸውን ብቑዕ ተካኢ ወለዶ ምስ ዝርከብ እዩ። ነዚ ሓቅዚ ካብቲ ነፍስ ሔር ቅዱስ ፖፕ ሽኖዳ ፫ይ ዝበልዎ ንላዕሊ ገላጺ ቃል የሎን። “መንእሰይ ዘይብላ ቤተ ክርስቲያን መጻኢ ዘይብላ ቤተ ክርስቲያን እያ። ቤተ ክርስቲያን ዘይብሉ መንእሰይውን መጻኢ ዘይብሉ መንእሰይ እዩ። (ካልእ ወዲ ቤተ ክርስቲያን ዝመልኦ)”።

ቤተክርስቲያን ካብ ቤት ትምህርቲ ሰንበት ክንደይ ዝኣኽሉ መነኮሳት (ናይ ጽባሕ ጳጳሳት) ፥ ክንደይ ካህናት፥ ክንደይ ዲያቆናት፥ ክንደይ ኣብ ዝተፈላለየ ክፍሊ ኣገልግሎት ኮይኖም ዘገልግሉ ምእመናን፥ ክንደይ ኣብ ዝተፈላለየ ሞያታት ኣትዮም ስለ ቤተክርስቲያኖምን ሕዝቦምን ዝጣበቑ ፍትሓውያንን፥ ውፉያትን ምእመናን ኪፈርዩ ከምእትደሊ ኣቐዲማ ኪትዕልም ይግብኣ። ዕላማ ምስተቐመጠ ንዕኡ ዘዐውት ስርዓተ ትምህርቲ ይቕረጽ። “ንቘልዓ እታ ኪኸደላ ዚግብኦ መገዲ ኣላምዶ እሞ ምስ ኣረገ ኻብኣ ኣይኬልግስን እዩ።” ምሳሌ 22:6 ዝብል ቃል ምእንቲ ኪፍጸም በብግዜኡ ዘጋጥም ጸገማት እንዳተገምገመ: ብቐጻልነት ከይሰልከኻ ኪስርሓሉ ይግባእ።

ህሉዊ ናይ ስጋን መንፈስን ቅልውላን ድኻም ኣብያተ ክርስቲያናት ሓበሻ ኣብ ግምት ነእትዎ፥ ነዚ ሽግር በይንና ኪንፈትሖ ከምዘይንኽእል ንእመን። ደቅና ከይንጎድእ ምስቶም ኦርየንታል ኦርቶዶክስ ተዋሕዶ ኣብያተ ክርስቲያናት ሓቢርና ኣገልገልትን ተገልገልትን ኮይንና ንነብረሉ መገዲ ከነዳሉ ኣሎና። ካብ ልክዕ ዝሓለፈ ዓሌትነት ኣይጠቕመናን እዩ። ምልስ ኢልና ታሪኽ እምነትና ንመልከት፥ እቶም ንዓና ብመንፈስ ዝወለዱና ብእምነት እምበር ብዓልየት ዝሓስቡ ስለዘይነበሩ መንነትናን ዓሌትናን ከይጠየቑ ክርስትና ኣስተምሃሩና። ንሕና ግን ካብ ድሕረት ዝብገስ፥ ነንሕድሕድና ተኸፋፊልናስ: ነቲ ሓደ ዝገብረና ሰማያዊ ዜግነት ግቡእ ሚዛን ኣይንህቦን። እንተንኽእል ነቶም ቅዱሳን ኣቦታትናውን ብዶባት ምቐየድናዮም።

ከይሓረስካን ከይደኸምካን ምህርቲ ኣይረርከብን እዩ፥ ኣብ ንኡስ ወለዶ ዝግበር ወፍሪ ኣየጣዕስን እዩ። ሓደ ሰብ ብዛዕባ ሓደ ጉዳይ ክንደይ ዝኣክል ክብደት ሂቡዎ ኣሎ ዝፍለጥ፥ ብዛዕባ እቲ ጉዳይ ዘጥፈኦ ግዜን ሃብትን መለክዒ እዩ። ንጉዳይ ጉስነት ንኡስ ወለዶ፥ ከም ግዜ ዘይህብን ሕጹጽን ዓብዪን ጉዳይ ምዃኑ ተረዲእና ግዜን ባጀትን ነጥፍኣሉ፥ ብቓል ዘይኮነስ ብግብሪ ኪንከዶ ኣምላኽ ይደግፍ።

ጸሎተ ዕጣን “ኦ ጐይታ ንማኅበርና ዘክር እሞ፥ ባርኮም። ብዘይምቍራጽ በዘይ ምኽልካልን፥ ቅድስትን፡ ንእድትን ፍቓድካ ክገብሩን፥ ናትካ ክኾኑን፥ ጸጋኻ ሃቦም። ቤት ጸሎትን ቤት ንጽሕናን ቤት በረኸትን ድማ ግበሮም ፥ ንኣና ንባሮትካ ኻባና ንደኃር ንዝመጹን። ኦ ጐይታ ኣምላኸይ፥ ተንሥእ እሞ ጸላእትኻ ይበተኑ፥ ብሩኽን ቅዱስን ስምካ ዝጸልኡ ኵሎም ካብ ቅድሚ ገጽካ ይርሓቑ። ሕዝብኻ ግና ኵሉ ግዜ ፍቓድካ ብዝገብሩ፥ ብበረኸት እልፍን ኣእላፋትን፥ ትእልፊተ ኣእላፋትን ቡሩኻት ይኹኑ። ብሓደ ወድኻ ምስኡን ምስ መንፈስ ቅዱስን ብእኡ ዘሎካ ክብርን ሥልጣንን ንዘለዓለም ዓለም ኣሜን። “

1ይ ክፋል | 2ይ ክፋል | 3ይ ክፋል መወዳእታን |

ቀሺ ቴድሮስ ተስፋይ፥ ዲ. ኤፍረም መብራህቱ፥ ዲ. ተመስገን ኣስፍሃ፥ መምህር በረኸት ተስፋማርያም

 ስልጠና ውልደ ክህነት ኦርቶዶክስ ተዋሕዶ ቤተክርስቲያን ኤርትራ: መንበረ-ጵጵስና ሰሜን ኣመሪካ (ብርሕቀት/ብርሑቅ) ዝቐረበ መባእታዊ ጽሑፍ

ጥቅምቲ 1-2, 2021

መወከሲታት: Chapter 12 A Multidimensional Understanding of Sunday School in the Coptic Orthodox Tradition by Michael Salib: https://doi.org/10.1163/9789004446564_014

Diocese



 



 


ካብ ውሽጢ ኤርትራ ዝተረኽበ ንቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ንምቁጽጻር ብመንግስቲ ኤርትራ ክካየድ ዝጸንሐን ዘሎን ሽርሒ ዘቃልዕ ቪድዮ 



Support Tewahdo TV

Gofundme


Support Diocese

PayPal


ድኳን መጻሕፍቲ/Book Store


ጋዜጣ ፍኖተ ብርሃን፡ ልሣን

 ቤተ ክርስቲያን ተዋሕዶ


ስብከተ ወንጌል


ራድዮ ቃለ ኣዋዲ


መጻሕፍቲ - Books 


ጾምን በዓላትን


Diocese Churches

 

Radio Tewahdo

 Video - Youtube

TV Tewahdo

A Message from H.G. bishop Mekarios

መጸናንዒ ቃል ብብጹእ ኣቡነ መቃርዮስ

ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ብኸመይ

</div