S5 MP3 Player - плагин joomla Mp3

ቅሉዕ መልእኽቲ ናብ ጳጳሳት፥ ውሉደ-ክህነት ምእመናንን ኦርቶዶክስ ተዋሕዶ ቤተ ክርስቲያን ኤርትራ።

በስመ ኣብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ ኣሓዱ ኣምላክ ኣሜን።

ንሓድሕዳ እተፈላለየትቤት ትዓኑ።ማቴ 12:25

መግለጺ ቀኖናዊ ኣኅጉረ ስብከታት ተዋሕዶ ቤተ ክርስቲያን ኤርትራ

ከም ዝፍለጥ፥ ኣብ 2005 ኣብ ልዕሊ "ሰማዕት እንበለ ደም" ቅዱስ እንጦንዮስ 3 ፓትርያርክ ኦርቶዶክስ ተዋሕዶ ቤተ ክርስቲያን ኤርትራ፥ ዝወረደ ቀኖና ቅድስት ቤተ ክርስቲያን ዝገሃሰ ዓመጽ፡ ዘስዓቦ ጸገም፥ እታ ሓንቲ ዝነበረት ቤተ ክርስቲያን ተኸፋፊላ፥ ኣብ ቃልዕ ብምውጻእ ንሓድሕዳ ክትወጋገዝን ክትወናጀልን ጸኒሓን ኣላን። ቤተ ክርስቲያን ኣብዚ ከቢድ ናይ ምፍልላይ እዋን እንከላ ድማ ኣቡነ ዲዮስቆሮስ ቀዲሞም፥ ሎሚውን ኣቡነ ቄርሎስ፡ ይቕረ ይፍታሕ ከይተበሃሃሉ ብሞት ምፍላዮም ኣዝዩ መሪር ሓዘን ይስምዓና። ኣምላኽ ነፍሶም ይምሓር። ዘሎናሉ እዋን ይትረፍ ተፈላሊኻ፥ ቢርካ ንምጉዓዝ'ውን ኣጸጋሚ ዝኾነሉ ዘመን፥ ቤተ ክርስቲያን፡ ነቲ ኣደዳ ስደት፥ ፍልሰትን፥ ኲናትን ኮይኑ ዝበርስ ዘሎ ሕዝብና መዕረፊት ልቡን ቤት-ሰላሙን ክትኮኖ ዘይምኽኣላ ኣዚና ንሓዝን። እዚ ጾር እዚ ድማ ኣብ ዝባን ኩላትና ተጻዒኑ ዘሎ ከቢድ ዕዳን ሓላፍነትን እዩ።

ስለዚ ምእንቲ ድኅነት ሕዝብናን ሓድነት ቤተክርስቲያንናን ክበሃል፥ እቲ ዝሓለፈ ጌጋታት ዳግም ከይድገም፥  ዝተገብረ ምክሳስን ምውንጃልን ምውግጋዝን ኣብቂዑ፥ ደምበ እግዚኣብሔር ኣብ ሓደ መጓሰ ክጥመር፥ ሰላም ኣብ ቤተ ክርስቲያንን ሃገርን ክሰፍን፥ ሥርዓትን ቀኖናን ቤተ ክርስቲያን ዝተኸተለ መንገዲ ናይ ሓድነትን ዕርቅን ሰላምን ጉባኤ ክካየድ፥ ብስም ቅድስት ቤተ ክርስቲያን መንፈሳዊ ጻውዒትና ነቕርብ።

 

እግዚኣብሔር ሰላሙ የብዝኃልና

ቀኖናዊ ኣኅጉረ ስብከታት ናይ ኤርትራ ኦርቶዶክስ ትዋሕዶ ቤተ ክርስቲያን ኤርትራ

ኅቡራት መንግሥታት ኣሜሪካ፥ ኤውሮጳን ማእከላይ ምብራቕን።

13 ታሕሳስ 2022 | ታሕሳስ ፬, ፳፻፲፭ ዓመተ ምሕረት።

Diocese



 



 


ካብ ውሽጢ ኤርትራ ዝተረኽበ ንቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ንምቁጽጻር ብመንግስቲ ኤርትራ ክካየድ ዝጸንሐን ዘሎን ሽርሒ ዘቃልዕ ቪድዮ 



Support Tewahdo TV

Gofundme


Support Diocese

PayPal


ድኳን መጻሕፍቲ/Book Store


ጋዜጣ ፍኖተ ብርሃን፡ ልሣን

 ቤተ ክርስቲያን ተዋሕዶ


ስብከተ ወንጌል


ራድዮ ቃለ ኣዋዲ


መጻሕፍቲ - Books 


ጾምን በዓላትን


Diocese Churches

 

Radio Tewahdo

 Video - Youtube

TV Tewahdo

A Message from H.G. bishop Mekarios

መጸናንዒ ቃል ብብጹእ ኣቡነ መቃርዮስ

ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ብኸመይ

</div