**************** Mission ***************************
The Eritrean Orthodox Tewahdo Church is a Biblical, Apostolic, and Patristic Church. Its mission encompasses proclaiming the Gospel (Matt 28.20), fostering spiritual growth through Liturgical worship and sacraments, providing education, and preserving the Tradition of the Church. With a commitment to fulfilling the Great Commission, the Church aims to share the message of our Lord Jesus Christ, serving both its members and the wider community.
"To God be the glory in the church by Christ Jesus throughout all generations, forever and ever! Amen." (Ephesians 3: 21).
“ድሕሪ ሸሚንተ መዓልቲ ኸኣ . . . መዓጹ ተሸጉሩ ኸሎ፡ ኢየሱስ መጸ። ኣብ ማእከሎም ደው ኢሉ’ውን፡ ‘ሰላም ንኣኻትኩም ይኹን’ በሎም። ድሕሪ’ዚ ኸኣ ንቶማስ፡ ‘ኣጻብዕካ (ኣብ’ዚ ኣንብር)፡ ነእዳወይ’ውን ርኣይ፡ ኢድካ ናብ’ዚ ኣምጽእ’ሞ፡ ናብ ጐድነይ ኣእትዋ። ኣማኒ’ምበር፡ ዘይኣማኒ ኣይትኹን’ በሎ። ቶማስ ከኣ መሊሱ፡ ‘ጐይታይን ኣምላኸይን’ በሎ፡ ኢየሱስ ከኣ ‘ሳላ ዝረኣኻኒ ኢኻ ዝኣመንካ፡ እቶም ከይረኣዩ ዚኣምኑ ብጹኣን’ዮም’ በሎ።” ዮሃ 20፡26-29 ካ.ት
ፖለቲካ ኣንታ ፖለቲካ፡
በል እስኪ ፍቐደለይ ከዕልለካ:
ፖለቲካ'ዶ ክብለካ ፖለቲካ:
ዘይጥዑም እቲ ስምካ:
ካብ መን ተፈጢርካ:
ካብ ምንታይ ፋብሪካ:
ፍጥረት ሰብ ዘይብልካ:
“እቲ መርዓት ዘላቶ፡ ንሱ መርዓዊ’ዩ። እቲ ንእኡ ደው ኢሉ ዚሰምዖ ዓርኪ መርዓዊ ግና፡ ብድምጺ ናይ’ቲ መርዓዊ ኣዝዩ ይሕጐስ፡ ደጊም’ዚ ሓጐሰይ እንሆ ተፈጸመ። ንሱ ኺልዕል፡ ኣነ ኽትሕት ይግባእ። እቲ ኻብ ላዕሊ ዚመጽእ (ክርስቶስ)፡ ንሱ ልዕሊ ዅሉ’ዩ። እቲ ኻብ ምድሪ ዝዀነ ኸኣ ምድራዊ’ዩ። ናይ ምድሪ’ውን ይዛረብ። እቲ ኻብ ሰማይ ዚመጽእ ግና፡ ንሱ ልዕሊ ዅሉ’ዩ። ነቲ ምስክሩ ዚቕበሎ ደኣ የልቦን’ምበር፡ ንሱስ ነቲ ዝረኣዮን ዝሰምዖን’ዩ ዚምስክር። እቲ ንምስክሩ ዝተቐበለ ግና፡ ኣምላኽ ሓቀኛ ኸም ዝዀነ የረጋግጽ።” ዮሃ 3፡29-33 ካ.ት
ሓደራትኩመ ሓደራትኩመ ሓደራትኩመ፥
ከመዓላትኩመ ከመዓላትኩመ ከመዓላትኩመ፥
እንቋዕነይ ኣብዙ ኣብጻሓኩመ
ኣበባሕቲ ወርኂ መስከረመ፥
ፈቐዶኡ ዘሎኹም ኵላትኩመ
እትምነየልኩም ራህዋ ሰላመ
ቅሳነትወ ክርስቶሳዊ ሰላመ
“እምብኣርሲ፡ ኣሕዋተየ፡ ክሳዕ ምጽኣት ጐይታ ተዓገሱ፡ እንሆ፡ ሓረስታይ ነቲ ኽቡር ፍረ ምድሪ ይጽበዮ፡ ኣኸዛን ማይ ጽብሓትን ክሳዕ ዚረክብ’ውን ይዕገስ’ዩ። ንስኻትኩም ከኣ፡ ምጽኣት ጐይታ ቐረባ’ዩ’ሞ ተዓገሱ፡ ልብኹም’ውን ኣጽንዑ።” ያእ 5፡7,8
The youth retreat organized by the Canonical Eritrean Orthodox Church on the West Coast was held from Friday, June 30 to July 3, 2023, at the University of Oregon campus. It proved to be a gratifying experience for everyone who participated. Over 300 youths participated at this retreat.
This retreat allowed the youth to reflect on their spiritual life, learn about their church, and forge connections with each other. Furthermore, the retreat included adventurous activities that created lasting memories.
The upcoming East Coast youth retreat also is scheduled to take place from Thursday, July 6 to July 9, 2023, in Virginia. As we prepare for this event, we pray to God for a successful event and the fulfillment of its intended purpose. Around 200 youths are expected to participated at this retreat.
May God's blessings extend to our youth and the Church.
“ብዳርባ እምኒ ተቐትሉ፡ ብመጋዝ ተመገዙ፡ ተፈተኑ፡ ተሰይፎም ሞቱ፡ ኣጐዛ ኣባጊዕን ዲኖ ኣጣልን ተኺዲኖም ዞሩ፡ ሰኣኑ፡ ጸበቦም፡ ሓሳረ መከራ ጸገቡ”፡ (ዕብ 11:37) ከምዝተባህለ፡ እቶም ንሓቅን ቀኖናዊ ሕግን ብዙሕ ጸዋትወ መከራ ክበጽሖም ዝጸንሐ ባሕታውን እንኮ ናይ ቅኔ መምህርን የነታ እዝራ ዘደብረ ድማኅ ገዳም ኣቡነ መርቆሬዎስ ኣብ የካቲት 15/2023 ብግፍዒ ዓሪፎም። ቀኖናዊ መንበረ ጵጵስና ብዕረፍቲ ሰማእት ዘደም የነታ እዝራ ዝተሰምዖ ሓዘን ይገልጽ።
መጽሓፍ በትረ ኖላዊ እትብል ንውሉደ ክህነት ኣብ ኣገልግሎት ንምሕጋዝ ተባሂሉ ዝተዳለወት ብልጽቲ መጽሓፍ እያ። እዛ መጽሓፍ ንመሸጣ ኣብ ኣብ ዕዳጋ ቀሪባ ከምዘላን ኣብዚ ክትዕድግዋ/ክትገዝእዋ ከም እትኽእሉን ንሕብር።
ካብ ውሽጢ ኤርትራ ዝተረኽበ ንቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ንምቁጽጻር ብመንግስቲ ኤርትራ ክካየድ ዝጸንሐን ዘሎን ሽርሒ ዘቃልዕ ቪድዮ
ድኳን መጻሕፍቲ/Book Store
ራድዮ ቃለ ኣዋዲ