S5 MP3 Player - плагин joomla Mp3

መባእታዊ ድሕረ ባይታ፡ ዓለም ከም ሓንቲ ደምበ ኮይና ኣብ ክልተ ጫፍ ዓለም ዘለዉ ሰባት ኣብ ሓደ እዋን ተራኺቦም: ኣብ ሓንቲ ህሞት ብዛዕባ ሓደ ኣርእስቲ ሓቢሮም ክዝትዩ ኣብ ዝኽእልሉ ኩነት በጺሕና ኣለና። እዚ ዘይተኣደነ ክስተት'ዚ ኣብ መንፈሳዊን ስነ ፍልጠታዊን መኣዲ ኮይኖም ፍልጠቶምን ዓቕሞምን ከወሃህዱ ንብዙሓት ኣህዛብ ኣኽኢልዎም እዩ።

በስመ ኣብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ ኣሓዱ ኣምላክ ኣሜን።

ብኣቆጻጽራ ግእዝ 29 ታሕሳስ 2000 (7 ጥሪ 2008) በዓል ልደት ጐይታናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ እዩ። ካብ ብዙሕ ክስተታት በዓል ልደት ቅዱሳን መላእክት ኣብ ልደት ጐይታናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ፡ “ክብሪ ንኣምላኽ ኣብ ሰማያት ሰላም ድማ ኣብ ምድሪ ኣብ መንጎ እቶም ሥምረት

ተማሃሮ ስነ-መለኮት ቀውዒ 2005 ካብ ዝጅመር ንደሓር፡ ኣብ ነፍሲ ወከፍ ሰመስተር ብቑጽርን ብዓይነትን እንዳዓበየ ናብ ዝልዓለ ደረጃታት ኣብ ምድያብ ይርከብ ኣሎ። ልዑል ዘመናዊ ትምህርቲ ዙቐሰሙ ካህናት፣ ድያቆናትን መማህራን ቤት ትምህርቲ ሰንበትን ናይ ኦርቶዶክስ ተዋሕዶ . ኤርትራ ንኡስ ሃገረ ስብከት ሰሜን ኣመሪካ ተጠቀምቲ ናይዚ ኣብ ኮለጅ ቅዱስ ኣትናቴዎስ ዚውሃብ ፍሉይ መደብ ካብ ዚኾኑ ድሮ ሳልሳይ ዓመት ሒዙ ኣሎ። ገዳም ቅዱስ ኣትናቴዎስ ኣብ ሕቡራት ሃገራት አመሪካ: ክፍለ ሃገር ቴክሳስ ዚርከብ ብጂኦግራፍያዊ ኣቐማምጣኡ ይኹን ብትሕዝቶኡ ከም ሽሙ ነታ ብጽርየት ስነ-መለኮታዊ ትምህርቲ እትፍለጥ መንበረ ማርቆስ ዚውክል ቅዱስ ናይ ትምህርትን ጸሎትን ቦታ እዩ።

ትምህርቲ ስነ-መለኮት ቀውዒ 2005 ካብ ዝጅመር ንደሓር፡ ኣብ ነፍሲ ወከፍ ሰመስተር ብትሕዝቶ ትምህርቲ እንዳሃብተመን ብቁጽሪ ተመሃሮ እንዳዓበየን ናብ ናይ መጨረሻ ደረጅኡ ይቃረብ ኣሎ። ልዑል ዘመናዊ ትምህርቲ  ዝቐሰሙ ካህናት፣ ድያቆናትን መማህራን ቤት ትምህርቲ ሰንበትን ናይ ኦርቶዶክስ ተዋሕዶ ቤ.ክ ኤርትራ ንኡስ ሃገረ ስብከት ሰሜን ኣመሪካ ተጠቀምቲ ናይዚ ኣብ ኮለጅ ቅዱስ ኣትናቴዎስ ዚውሃብ ፍሉይ መደብ ካብ ዚኾኑ ናብ ራብዓይ ዓመቱ ይሰጋገር ኣሎ። ኮለጅ ቅዱስ ኣትናቴዎስ ኣብ ሕቡራት ሃገራት አመሪካ: ክፍለ ሃገር ቴክሳስ ዚርከብ ብጂኦግራፍያዊ ኣቐማምጣኡ ይኹን ብትሕዝቶኡ ከም ሽሙ ነታ ብጽርየት ስነ-መለኮታዊ ትምህርቲ እትፍለጥ መንበረ ማርቆስ ዚውክል ቅዱስ ናይ ትምህርትን ጸሎትን ቦታ እዩ።

ሰንበት ዕለት 19 ነሓሰ 2007 (13 ነሓሰ 1999 ..ግእዝ) ሰዓት 230 ክሳብ 3 45 ልኡኻት ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ቤተክርስቲያን ኤርትራ /ሃገረ ስብከት ሰሜን ኣሜሪካ ምስ ብፁዕ ወቅዱስ ፖፕ ሺኖዳ 3

ብዕለት 26-27 ጥቅምቲ 2007 ዓ.ም. ልኡኻት ንኡስ ሃገረ ስብከት ሰሜን ኣሜሪካ ኦርቶዶክስ ተዋሕዶ ቤተ ክርስቲያን ኤርትራ ምስ ፓትርያርክ  ኦርቶዶክስ ተዋሕዶ ቤተ ክርስቲያን ኣርመን ተራኺቦም።

ኣብቲ ርክብ፣ ብፁዕ ወቅዱስ ካቶሊኮስ ካረኪን 2ይ ፓትርያርክ ኦርቶዶክስ ተዋሕዶ ቤተ ክርስቲያን ኣርመን: ናይ ሩስያ ኦርቶዶክስ ቤተ ክርስቲያን መንበረ ፓትርያርክ ወኪልን ተረኺቦም።እቲ ልኡኽ ንኡስ ሃገረ ስብከት ሰሜን ኣሜሪካ፡ ብኣቡነ ቆሞስ ከስተ ገብረሚካኤል ተመሪሑ፡ ሊቀ ካህናት ቀሺ ገብረሚካኤል ዮሓንስን ኣባ ሰመረ ገብረ ኢየሱስን ይርከብዎ። ኣብቲ ርክብ፣ እቲ ኣብ ርእሲ ብፁዕ ወቅዱስ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ኣቡነ እንጦንዮስ ፓትርያርክ ሃገረ ኤርትራ ዝተወስደ ዘይሕጋዊ ዓመጽ ብድፍኢት እቲ ተወጊዙ ግን ከኣ ብሓይሊ ኣብ ሥልጣን ቤተ ክርስቲያን ዘሎ ኣቶ ዮፍታሄ ዲመጥሮስ ዝተወስደ ስጉምቲ ምዃኑ ምስ ናይ መረድኢ ጽሑፋት ንቅዱስ ፓትርያርክ ካረኪን 2ይን ኣብቲ ጉባኤ ንዝተረኽቡ ወከልቲ ኣብያተ ክርስቲያናትን ተገሊጹ።

ብፁዕ ወቅዱስ ኣቡነ ያዕቆብ እንቋዕ ናብ በዓለ ትንሣኤ ኣብጽሓና ብማለት መልእኽቲ ኣመሓላሊፎም።

ናይ ኤርትራ ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ቤተ ክርስቲያን 2ይ ፓትርያክር ኣብ መላእ ዓለም ንዝርከብ ምእመን ብምኽንያት በዓል ትንሣኤ መልእኽቲ ኣመሓላሊፎም። ቅድስነቶም፡ ካብ 1ይ መልእኽቲ ጳውሎስ ናብ ሰብ ቆሮንቶስ 13-1 መወዳእታ፡ ኣምላኽ ብፍቕሪ ሰብ ካብ ሰማየ ሰማያት ወሪዱ፡ ኣብ ቅድስት ድንግል ማርያም ኃዲሩ፡ ምእንታና ተሰቒሉ ሞይቱ ብትንሣኤኡ ድማ ሓራ ኣውጺእና እዩ።

ቅ. ማርያም ኦርቶዶክስ ተዋሕዶ ቤተ ክርስትያን ኤርትራ በይ ኤርያ

Diocese



 



 


ካብ ውሽጢ ኤርትራ ዝተረኽበ ንቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ንምቁጽጻር ብመንግስቲ ኤርትራ ክካየድ ዝጸንሐን ዘሎን ሽርሒ ዘቃልዕ ቪድዮ 



Support Tewahdo TV

Gofundme


Support Diocese

PayPal


ድኳን መጻሕፍቲ/Book Store


ጋዜጣ ፍኖተ ብርሃን፡ ልሣን

 ቤተ ክርስቲያን ተዋሕዶ


ስብከተ ወንጌል


ራድዮ ቃለ ኣዋዲ


መጻሕፍቲ - Books 


ጾምን በዓላትን


Diocese Churches

 

Radio Tewahdo

 Video - Youtube

TV Tewahdo

A Message from H.G. bishop Mekarios

መጸናንዒ ቃል ብብጹእ ኣቡነ መቃርዮስ

ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ብኸመይ

</div